ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍቕሪ ተሃነጽ

ብፍቕሪ ተሃነጽ

ብፍቕሪ ተሃነጽ

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።”​—⁠ማቴዎስ 22:⁠37

1. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ከማዕብሎ ዝግባእ ገለ ባህርያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት ክርስትያናዊት ባህርይ እንታይ ኢያ: ስለምንታይከ፧

 ሓደ ክርስትያን ፍረ ዘፍሪ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን ብዙሕ ባህርያት ከማዕብል ይግባእ። መጽሓፍ ምሳሌ ፍልጠት: ምርዳእ: ከምኡውን ጥበብ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ተጕልሕ ኢያ። (ምሳሌ 2:⁠1-10) ሃዋርያ ጳውሎስ ድልድልቲ እምነትን ነቕ ዘይትብል ተስፋን ኣድለይቲ ምዃነን ገለጸ። (ሮሜ 1:​16, 17፣ ቈሎሴ 1:⁠5፣ እብራውያን 10:⁠39) ምጽማምን ርእሰ⁠-​ግትኣትን እውን ኣገደስቲ ኢየን። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠25፣ እብራውያን 10:⁠36) ይኹን እምበር: እንተ ጐዲላ ነዚ ዅሉ ክትጸልዎ: ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ከንቱ ክትገብሮ እትኽእል ሓንቲ ባህርይ ኣላ። እዛ ባህርይ እዚኣ ፍቕሪ ኢያ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠1-3, 13

2. የሱስ ፍቕሪ ኣድላዪት ምዃና ብኸመይ ኢዩ ዝገለጸ: እዚኸ እንታይ ሕቶ የበግስ፧

2 የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ብምባል ኣድላይነት ናይ ፍቕሪ ገለጸ። (ዮሃንስ 13:⁠35) ፍቕሪ መለለዪ ሓቀኛ ክርስትያን ካብ ኰነት: ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓትት የድልየና:- ፍቕሪ እንታይ ኢያ፧ የሱስ ካብ ካልእ ኣብሊጹ መለለዪ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበራ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪት ስለ ዝዀነት ኢያ፧ ፍቕሪ ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከነፍቅሮ ዝግብኣና መን ኢዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንመርምሮ።

ፍቕሪ እንታይ ኢያ፧

3. ፍቕሪ ብኸመይ ክትግለጽ ትኽእል: ንፍቕሪ ብዛዕባ ምንጽብራቕ ዝመጸ ኣእምሮን ልብን እቱው ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ፍቕሪ ‘ናይ ምዉቕ ብሕታዊ ምቅርራብ ወይ ናይ ዓሚቝ ምፍታው ስምዒት: ንኻልኦት ኣጸቢቕካ ምፍታው’ ተባሂላ ክትግለጽ ትኽእል ኢያ። ሰባት ንጥቕሚ ካልኦት ክዓዩ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ዓቢ መስዋእቲ ንኽኸፍሉ እትድርኾም ባህርይ ኢያ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ፍቕሪ ብዛዕባ ምንጽብራቕ ዝመጸ ኣእምሮን ልብን እቱው ኢዩ። ሓደ ዘፍቅር ሰብ ንሱን እቶም ዘፍቅሮም ሰባትን ጕድለት ከምኡውን ዝስሕብ ባህርያት ከም ዘለዎም እናፈለጠ ስለ ዝገብሮ ኣእምሮ ወይ ቀልቢ ኣብዚ ግደ ኣለዎ። ብተወሳኺውን: ሓደ ክርስትያን ንገሊኦም ሰባት ከፍቅሮም ዝኸኣለ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቡ ኣምላኽ ከምኡ ክገብር ከም ዝደልዮ ብምፍላጡ ስለ ዝዀነ: ኣብዚ ኣእምሮ ይዋሳእ ኢዩ፣ ከመይሲ ሓድሓደ ግዜ ፍቕሩ: ኣንጻር ባህርያዊ ዝንባለታቱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠44፣ 1 ቈረንቶስ 16:⁠14) ገና ግን ፍቕሪ ብመሰረቱ ካብ ልቢ ኢያ እትምንጭ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣእምሮኣዊ ጥራይ ኣይኰነትን። ቅንዕናን ምሉእ ብምሉእ ስምዒታዊ ምትእስሳርን ዘጠቓለለት ኢያ።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠22

4. ፍቕሪ ሓያል ማእሰር ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧

4 ዘፍቅር ሰብ ኣብ ክንዲ ንርእሱ ንብጻዩ ዝሕሾ ንምግባር ድሉው ስለ ዝዀነ: ስሱዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓቀኛ ፍቕሪ እተመስረተ ርክብ ክህልዎም ዳርጋ ኣይክእልን ኢዩ። (ፊልጲ 2:⁠2-4) ብፍቕሪ ተደሪኽካ ምስ እትህብ: እተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝብላ ቃላት የሱስ ሓቅነተን ይርአ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ፍቕሪ ሓያል ማእሰር ኢያ። (ቈሎሴ 3:⁠14) መብዛሕትኡ ግዜ ንምሕዝነት እተጠቓልል ኢያ: እንተ​ዀነ ግን ካብ ማእሰር ምሕዝነት ማእሰር ፍቕሪ ትድልድል። ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ምፍታው: ፍቕሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኢዩ፣ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ከነማዕብላ ዘተባብዓና ፍቕሪ ግን ካብታ ኣብ ኣካላዊ ጽባቐ እተመስረተት ፍቕሪ ዝደልደለት ኢያ። ሰብኣይን ሰበይትን ብሓቂ ዝፋቐሩ እንተ ዀይኖም: ብሰንኪ እርጋን ወይ ሓዲኦም ብዘጋጥሞ ጸገም ጾታዊ ርክቦም እኳ እንተ ኣቋረጸ ኣይፈላለዩን ኢዮም።

ፍቕሪ​—⁠ኣድላዪት ባህርይ

5. ፍቕሪ ንክርስትያን ኣድላዪት ባህርይ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧

5 ፍቕሪ ንክርስትያን ኣድላዪት ባህርይ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧ ቀዳማይ: የሱስ ንሰዓብቱ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ስለ ዝኣዘዞም ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።” (ዮሃንስ 15:⁠14, 17) ካልኣይ: የሆዋ ናይ ፍቕሪ ኣብነት ስለ ዝዀነ: ንሕና እውን ኣምለኽቱ ከም ምዃንና መጠን ክንመስሎ ስለ ዘሎና ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠1፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠16) ንየሆዋን የሱስን ምፍላጥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ንኣምላኽ ክንመስሎ እንተ ዘይጽዒርና ከመይ ገይርና ኢና ንፈልጦ ኢና ክንብል እንኽእል፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ብምባል ርትዓዊ መረዳእታ ሃበ።​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠8

6. ፍቕሪ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትና ሚዛናውያን ከም እንኸውን ክትገብረና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧

6 ሳልሳይ ፍቕሪ ኣድላዪት እትዀነሉ ምኽንያት ከኣ: ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትና ሚዛናውያን ስለ እትገብረናን ኣብ እንገብሮ ዕዮ ሰናይ ድራኸ ስለ እተሕድረልናን ኢዩ። ንኣብነት: ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብቐጻሊ ምምሃር ንህይወት ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ንሓደ ክርስትያን ከም መግቡ ኢዩ። ናብ ብስለት ንኽበጽሕን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ንኽነብርን ይሕግዞ ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠105፣ ማቴዎስ 4:⁠4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15, 16) እንተ​ዀነ ግን: ጳውሎስ “ፍልጠት ይነፍሕ: ፍቕሪ ግና ይሀንጽ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (1 ቈረንቶስ 8:⁠1) እቲ ጸገም ኣብቲ ርጡብ ፍልጠት ኣይኰነን ዘሎ። እቲ ጸገም ኣባና ኢዩ: ከመይሲ ሓጥእ ዝንባለታት ኢዩ ዘሎና። (ዘፍጥረት 8:⁠21) ሓደ ሰብ ብፍቕሪ ተደሪኹ ሚዛኑ እንተ ዘይሓልዩ: ንገዛእ ርእሱ ካብ ካልኦት ከም እትበልጽ ገይሩ ስለ ዝሓስብ ፍልጠት ክነፍሖ ይኽእል ኢዩ። ብመሰረቱ ብፍቕሪ እንተ ተደሪኹ ግን እዚ ከጋጥሞ ኣይክእልን ኢዩ። “ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን።” (1 ቈረንቶስ 13:⁠4) ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝመላለስ ክርስትያን ዓሚቝ ፍልጠት እኳ እንተ ኣጥረየ ኣይዕበን ኢዩ። ፍቕሪ ትሑት ንኽኸውን ትሕግዞ: ስሙ ከጸውዕ ንኸይደሊ ድማ ትኽልክሎ።​—⁠መዝሙር 138:⁠6፣ ያእቆብ 4:⁠6

7, 8. ፍቕሪ ኣብቲ ዝሓይሽ ነገራት ንኸነተኵር እትሕግዘና ብኸመይ ኢያ፧

7 ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ: እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ።” (ፊልጲ 1:⁠9, 10) ክርስትያናዊት ፍቕሪ ነዚ መተባብዒ እዚ ንኸነቕልበሉ ማለት ነቲ ዝሓይሽ ንኽንምርምር ትሕግዘና ኢያ። ንኣብነት: ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝበሎ እስከ ርአ:- “ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ: ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ።” (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ብ1,502 ብምውሳኽ ብድምር 91,487 ኰይነን ኣለዋ። ስለዚ: ተወሰኽቲ ሽማግለታት ኣጸቢቖም የድልዩ ኣለዉ: እቶም ነዚ መሰል እዚ ዝመጣጠሩ ድማ ክነኣዱ ይግባእ።

8 እንተ​ዀነ ግን: እቶም ኣብ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ንምብጻሕ ዝመጣጠሩ: ወትሩ ዕላማ ናይዚ መሰል እዚ ዝዝክሩ እንተ​ድኣ ዀይኖም ሚዛኖም ሓልዮም ክመላለሱ ኢዮም። ስልጣን ወይ ተፈላጥነት ምርካብ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ንየሆዋ ባህ ዘብሉ ሽማግለታት በቲ ንዕኡን ንኣሕዋቶምን ዘለዎም ፍቕሪ ኢዮም ዝድረኹ። ተፈላጥነት ወይ ስልጣን ኣይኰኑን ዝደልዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ሰናይ ኣረኣእያ ክህልዎም ድሕሪ ምምዓዱ: “ትሕትና” ኣድላዪት ምዃና ኣጕልሐ። ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠1-6) ዝዀነ ይኹን ነዚ መሰል እዚ ዝመጣጠር ሓው ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ጻዕረኛታትን ትሑታትን ብምዃኖም ንጉባኤኦም በረኸት ዝዀኑ ብዙሓት ሽማግለታት ምስ ዝዝክር ሰናይ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:⁠7

ሰናይ ድራኸ ንኽንጽመም ይሕግዘና ኢዩ

9. ክርስትያናት ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ በረኸታት ወትሩ ክዝክሩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

9 ፍቕሪ ዘሕድሮ ድራኸ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ብኻልእ መዳይ ክንርኢ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘማዕብሉ: ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ በረኸታት ከም ዝረኽቡ: ኣብ መጻኢ ኸኣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዘደንቕ በረኸታት ከም ዝሓፍሱ ተማባጺዕሎም ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8) ሓደ ኣብዚ መብጽዓታት እዝን የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ኣጸቢቑ ዝኣምን ክርስትያን: ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ንኽቕጽል ሓገዝ ይረክብ ኢዩ። (እብራውያን 11:⁠6) መብዛሕትና ንፍጻሜ መብጽዓታት ኣምላኽ ሃረር ኢልና ኢና እንጽበዮ: ንኣረኣእያ ናይቲ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ዝበለ ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ነንጸባርቖ ኢና። (ራእይ 22:⁠20) እወ: ልክዕ ከምቲ ንየሱስ እቲ ‘ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓጐስ’ ንኽጽመም ዘኽኣሎ: ንሕና እውን እሙናት እንተ​ድኣ ዄንና ብዛዕባ እቲ ተዳልዩልና ዘሎ በረኸታት ምስትንታን ንኽንጽመም የኽእለና ኢዩ።​—⁠እብራውያን 12:⁠1, 2

10, 11. ብፍቕሪ ተደሪኽካ ምምልላስ ንኽንጽመም ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

10 በቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ዘሎና ባህጊ ጥራይ ተደሪኽና ንየሆዋ እነገልግሎ ምስ እንኸውንከ፧ ድራኸና ከምዚ እንተ​ድኣ ዀይኑ ኵነታት ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ግዜያት ወይ ድማ ሓድሓደ ነገራት ከምቲ እተጸበናዮ ወይ ኣብቲ ዝደለናዮ እዋን ምስ ዘይኰነልና ብቐሊሉ ትዕግስትና ክንውድእ ወይ ክንጕሂ ንኽእል ኢና። ክንጠፍእ እውን ንኽእል ኢና። (እብራውያን 2:⁠1፣ 3:⁠12) ጳውሎስ እቲ መተዓይይቱ ዝነበረ ዴማስ ሓዲግዎ ከም ዝኸደ ገሊጹ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ግን ሓዲግዎ ዝኸደ፧ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተዋ ኢዩ።’ (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠10) ብስስዐ ተደሪኾም ዘገልግሉ ሰባት: ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ዓለም እተቕርበሎም ግዝያዊ ነገራት ክሰሓቡን ምእንቲ እቲ እተተስፈናዮ በረኸታት ኢሎም መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛታት ከይኰኑን ይኽእሉ ኢዮም።

11 ትጽቢት ዝግበረሉ በረኸታት ከምኡውን ካብ ፈተናታት ዕረፍቲ ንኽትረክብ ምብሃግ ግቡእን ባህርያውን እኳ እንተ​ዀነ: ፍቕሪ ነቲ ኣብ ህይወትና ልዑል ቦታ ክሕዝ ዘለዎ ነገር ዘሎና ሞሳ ተደልድሎ ኢያ። ፍቓድ የሆዋ ደኣ እምበር ፍቓድና ኣይኰነን ዘገድስ። (ሉቃስ 22:⁠41, 42) እወ: ፍቕሪ ትሃንጸና ኢያ። ፍቕሪ በቲ ኣምላኽ ሕጂ ዝህበና ዘሎ በረኸታት ብምዕጋብ ከምኡውን ኣብ ግዜኡ ኵሉ እቲ እተመባጽዓልናን ካብኡ ዝዛይድን በረኸታት ከም ዝህበና ብምትእምማን ተሓጒስና ብዓቕሊ ንኽንጽበ ተኽእለና ኢያ። (መዝሙር 145:⁠16፣ 2 ቈረንቶስ 12:⁠8, 9) ክሳዕ ሽዑ ግን: ፍቕሪ ብዘይ​ስስዐ ንኸነገልግል ትድርኸና ኢያ: ከመይሲ “ፍቕሪ . . . ናታ ኣይትደልን . . . እያ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠4, 5

ክርስትያናት ንመን ኢዮም ከፍቅሩ ዘለዎም፧

12. የሱስ ንመን ከነፍቅር ከም ዘሎና ኢዩ ዝገለጸ፧

12 የሱስ ካብ ሕጊ ሙሴ ክልተ ሓሳባት ጠቒሱ ክዛረብ ከሎ ንመን ከነፍቅር ከም ዘሎና ሓፈሻዊ መምርሒ ሂቡ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ከምኡውን “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”​—⁠ማቴዎስ 22:⁠37-39

13. ንየሆዋ ክንርእዮ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ብኸመይ ኢና ምፍቃሩ ክንማሃር እንኽእል፧

13 ቅድም ቀዳድም ንየሆዋ ከነፍቅር ከም ዘሎና ኣብዚ ቃላት የሱስ ንጹር ኰይኑልና ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ እነፍቅሮ ኴንና ኣይንውለድን ኢና። ከነማዕብሎ ዘሎና ነገር ኢዩ። መጀመርታ ብዛዕባኡ ምስ ሰማዕና በቲ ዝሰማዕናዮ ነገር ናብኡ ተሰሓብና። በብቕሩብ ምድሪ ንደቅ​ሰብ ብኸመይ ከም ዘዳለዋ ተማሃርና። (ዘፍጥረት 2:⁠5-23) ንደቅ​ሰብ ብኸመይ ከም ዝሓዞም ማለት ንሰብኣዊ ስድራ​ቤት ሓጢኣት ምስ ወረሶ ኣብ ክንዲ ዝጥንጥነና በጅነት ንኽኸፍለልና ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ተማሂርና ኢና። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5, 15) ነቶም እሙናት ብሕያውነት ኢዩ ሒዝዎም: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሕድገት ሓጢኣት ንኽንረክብ ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ኸፈለልና። (ዮሃንስ 3:⁠16, 36) እዚ ቐጻሊ ፍልጠት እዚ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ገበረ። (ኢሳይያስ 25:⁠1) ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ስለቲ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ከም ዘፍቅሮ ገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 116:⁠1-9) ሎሚ: የሆዋ ይሓልየልና: ይመርሓና: የሐይለና: ከምኡውን የተባብዓና ኢዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ብእተማሃርና መጠን ፍቕርና እናዓመቘ ኢዩ ዝኸይድ።​—⁠መዝሙር 31:⁠23፣ ጸፎንያስ 3:⁠17፣ ሮሜ 8:⁠28

ፍቕርና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

14. ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ሓቀኛ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽእል፧

14 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና ይብሉ: ግብሮም ግን እቲ ዝብልዎ ሓቂ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝምስክር። ንየሆዋ ብሓቂ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ከመይ ከም ዝስምዓና ብጸሎት ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ንፍቕርና ድማ ብተግባር ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ንቓሉ [ንቓል ኣምላኽ] ዚሕሉ . . . ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና: በዚ ኢና እንፈልጥ” በለ። (1 ዮሃንስ 2:⁠5፣ 5:⁠3) ቃል ኣምላኽ ኣብ ርእሲ እቲ ኻልእ ነገራት: ንኽንእከብን ንጹህ ስነ⁠-​ምግባር ዘለዎ ናብራ ንኽንነብርን ይነግረና። ግብዝና ነወግድ: ሓቂ ንዛረብ: ከምኡውን ኣተሓሳስባና ንጹህ ንገብሮ ኢና። (2 ቈረንቶስ 7:⁠1፣ ኤፌሶን 4:⁠15፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:⁠5፣ እብራውያን 10:⁠23-25) ንእተሸገሩ ሰባት ብስጋ ብምሕጋዝ ፍቕሪ ነርኢ ኢና። (1 ዮሃንስ 3:⁠17, 18) ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ካብ ምንጋር ድሕር ኣይንብልን ኢና። እዚ ድማ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ ሮሜ 10:⁠10) ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምእዛዝ: ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ሓቀኛ ምዃኑ መረጋገጺ ይዀነና።

15, 16. ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ሰባት እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ዝጸለዎም ብኸመይ ኢዩ፧

15 ሰባት ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ጽቡቕ ውሳነ ንኽገብሩ ይድርኾም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ን288,907 ዝዀኑ ውልቀ⁠-​ሰባት: ህይወቶም ንየሆዋ ንኽውፍዩን ውሳነኦም ድማ ብማይ ጥምቀት ንኸርእዩን ደሪኻቶም ኢያ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) ጥምቀቶም ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ህይወቶም ዓቢ ለውጢ ዝገበሩሉ ኢዩ። ንኣብነት: ጋዝመንድ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣልባንያ ዝርከቡ ውሩያት ተጻወትቲ ኵዕሶ ሰኪዐት ኢዩ ነይሩ። ንገለ ዓመታት ንሱን ሰበይቱን ዕንቅፋታት እውን እንተ ኣጋጠሞም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ነበሩ: ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን በቕዑ። ዝሓለፈ ዓመት ጋዝመንድ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ኣብ ኣልባንያ እተጠምቁ 366 ሰባት ኢዩ ነይሩ። ሓንቲ ጋዜጣ ብዛዕባኡ ሓደ ዓንቀጽ ኣውጽአት: ኣብኡ ድማ ከምዚ ዝብል ይርከብ:- “ህይወቱ ትርጕም ስለ ዘለዎ: ንሱን ስድራ​ቤቱን ኣብ ህይወቶም ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሕጉሳት ኢዮም። ሕጂ ክሳዕ ክንደይ ኣታዊ ከም ዝረክብ ዘይኰነስ ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝህብ ኢዩ ዘገድሶ።”

16 ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ኣብ ኩባንያ ነዳዲ ጓም እትሰርሕ ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ዘይገበረት ሓብቲ ዘህርር ናይ ስራሕ ዕቤት ቀረበላ። ንብዙሕ ዓመታት ኣብቲ ትካል ናይ ስራሕ ዕቤት ክትገብር ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ ታሪኽ ናይቲ ኩባንያ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ፕረዚደንት ክትከውን ኣጋጣሚ ተኸፍተላ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ድሮ ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ነበረት። ስለዚ ነቲ ጕዳይ ምስ በዓል ቤታ ድሕሪ ምምይያጥ: ነቲ ዝቐረበላ ናይ ስራሕ ዕቤት ነጸገቶ፣ ኣብ ክንድኡ ፓይነር ኰይና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትጽመድ ናይ ክፍለ⁠-​ግዜ ስራሕ ክትሰርሕ ምድላዋት ገበረት። ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕሪ ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ናይዛ ዓለም እዚኣ ገንዘብ እትጐዪ: ፓይነር ኴንካ ናይ ምግልጋል ድሌት ንኽሓድራ ደረኻ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ 805,205 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ኣብ እተፈላለየ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንኽጽመዱ ደሪኻቶም ኢያ። እዞም ፓይነራት እዚኣቶም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ፍቕሮምን እምነቶምን ዘርኣዩ!

ንየሱስ ንምፍቃር ድራኸ ምሕዳር

17. ካብ የሱስ እንታይ ሰናይ ኣብነት ናይ ፍቕሪ ኢና እንርኢ፧

17 የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ብምምልላስ ዝመጸ ዘደንቕ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ንኣቦኡን ንደቅ​ሰብን የፍቅር ነይሩ ኢዩ። ብጥበብ ተመሲሉ ከምዚ በለ:- “ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ የሆዋ] ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ። ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ: ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።” (ምሳሌ 8:⁠30, 31) የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ሰማያዊ መንበሪኡ ገዲፉ ከም ሓደ መስኪን ህጻን ኰይኑ ተወልደ። ንትሑታት ብዓቕልን ብሕያውነትን ይሕግዞም ነበረ: ብጸላእቲ የሆዋ ድማ መከራ ወረዶ። ኣብ መወዳእታ: ምእንቲ ዅሎም ደቅሰብ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሞተ። (ዮሃንስ 3:⁠35፣ 14:⁠30, 31፣ 15:⁠12, 13፣ ፊልጲ 2:⁠5-11) ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ናይ ሰናይ ድራኸ ኰን ኢዩ ዝሓደገ!

18. (ሀ) ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ከነማዕብሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ንየሱስ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንታሪኽ ህይወት የሱስ ኣብ ወንጌላት ከንብቡን እቲ ብተኣማንነት ዝገበሮ ምምልላስ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ በረኸታት ከም ዘምጽአ ከስተንትኑን ከለዉ: ኣብ ውሽጦም ዓሚቝ ፍቕሪ ይዕምብብ። ሎሚ ንሕና ከምቶም ጴጥሮስ ‘[ንየሱስ] ከይርኣኹምዎ ኣፍቀርክምዎ’ ዝበሎም ሰባት ኢና። (1 ጴጥሮስ 1:⁠8) ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ከነርኢ እንኽእል ብእኡ ምስ እንኣምንን ነቲ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊ ናብርኡ ምስ እንቐድሖን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠1፣ 1 ተሰሎንቄ 1:⁠6፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21-25) ኣብ 19 ሚያዝያ 2000 ብድምር 14,872,086 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ምስ ተረኽቡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ንምፍቃር ምኽንያት ዝዀኖም ነገር ተዘኻኺሮም ኢዮም። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ቍጽሪ ኰን ኢዩ! ብዙሓት ብመስዋእቲ የሱስ ክድሕኑ ከም ዝደልዩ ምፍላጥስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: በቲ የሆዋን የሱስን ኣባና ዘለዎምን ንሕና ኣብኣቶም ዘሎናን ፍቕሪ ኢና ተሃኒጽና ዘሎና።

19. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝምልከት ሕቶታት ኢና ክንመያየጥ፧

19 ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ከነፍቅሮ ከም ዘሎና የሱስ ነጊሩና ኢዩ። ንብጻይና ከም ነፍስና ከነፍቅሮ ከም ዘሎና እውን ነጊሩና ኢዩ። (ማርቆስ 12:⁠29-31) እዚ ንመነመን ዘጠቓልል ኢዩ፧ ንብጻይና ዘሎና ፍቕሪኸ ሚዛናውያን ንኽንከውንን ቅኑዕ ድራኸ ንኽህልወናን ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ፍቕሪ ኣድላይት ባህርይ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧

• ንየሆዋ ምፍቃር ክንማሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንየሆዋ ከም እነፍቅሮ በካይዳና ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ መፍትሒ ጸገማትና ክሳዕ እንረክብ ብትዕግስቲ ንኽንጽበ ትሕግዘና ኢያ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ዝገበሮ ዓቢ መስዋእቲ ንኸነፍቅሮ ይድርኸና ኢዩ