ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከምኡ ጕየዩ”

“ከምኡ ጕየዩ”

ከምኡ ጕየዩ”

 ብህንጥዮት ዝከታተሉ ሰባት ኣብ እተጨቓጨቕሉ ናይ ስፖርት ስታድዩም ከም ዘለኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። እቶም ተወዳደርቲ ናብቲ ሜዳ የምርሑ ኣለዉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ጅግንኦም ቅልቅል ምስ በለ ምጭዳር ይጅምሩ። ዳኛታት ድማ ሕግታት ከም ዝኽበር ንኽገብሩ ኣብኡ ይርከቡ። እቲ ዅነታት እናቐጸለ ኸሎ ናይ ሓጐስ ጭድርታ ምስ ሓርቖትን ኣውያትን ተሓዋዊሱ ይስማዕ። ነቶም እተዓወቱ ኸኣ እዝንኻ ብዘደንቍር ጣቕዒት ይቕበልዎም!

ንዘመናዊ ስፖርት ዘይኰነስ ገለ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኢስመስ: ቈረንቶስ ንእተገብረ ስፖርት ኢኻ ትከታተል ዘሎኻ። ካብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እቲ ውሩይ ናይ ኢስምያን ጸወታታት ኣብ ከክልተ ዓመት ይግበር ነበረ። እቲ ፍጻመ ንብዙሕ መዓልትታት ኣቓልቦ ናይ ምሉእ ግሪኽ ይስሕብ ነበረ። እቲ ጸወታታት ካብ ቅልል ዝበለ ስፖርታዊ ቅድድማት ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። እቶም ተወዳደርቲ ናይ ወተሃደራዊ ምቅርራብ ምልክት ኢዮም ነይሮም። እቶም ከም ጀጋኑ ተቘጺሮም ዝምለኹ ዝነበሩ ተዓወቲ ብቘጽሊ እተዳለወ ኣኽሊል ይቕበሉ ነበሩ። ህያባት ይውሕዘሎም: እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ብህይወቶም ክሳዕ ዘለዉ ንመነባብሮ ዝኸውን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ይህብዎም ነበሩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ጥቓ ቈረንቶስ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኢስምያን ጸወታታት ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ናብራ ህይወት ናይ ሓደ ክርስትያን ምስ ሓደ ስፖርታዊ ውድድር ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ንጐየይቲ: ተቓለስቲ: ተጓሰጥቲ ብምጥቃስ ምልምማድ: ዕላማ ዘሎዎ ጻዕሪ ምግባር: ከምኡውን ምጽማም ሽልማት ከም ዘውህብ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እቶም ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ነዚ ዓይነት ጸወታታት እዚ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። ገሊኣቶም እውን ብዘይ​ጥርጥር ምስቶም ዝጭድሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኣብቲ ስታድዩም ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምሳሌ ብቐሊሉ ተገንዚቦምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ግዜናኸ፧ ንሕናውን ኣብ ቅድድም ዘለኣለማዊ ህይወት ኢና ዘሎና። ካብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ተወዳደርቲ ጠቒሱ ዝሃቦ ሓሳባት ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧

‘ከምቲ ሕጉ ገይርካ ምቅላስ’

ኣብቲ ናይ ጥንቲ ጸወታታት ንኽትሳተፍ ዘድሊ ብቕዓት ኣዝዩ ጥብቂ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ነጋሪ ንነፍሲ ወከፍ ተቐዳዳማይ ናብቶም ተዓዘብቲ ኣቕሪቡ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ይጭድር:- ‘ካባኻትኩም ነዚ ሰብኣይ ብዝዀነ ገበን ዝኸሶ ኣሎ ድዩ፧ ኣብ ህይወቱን ኣብ ባህርይኡን ዘራፊ ወይ እኩይን ጽዩቕን ድዩ፧’ ብመሰረት ኣርካዮሎጂያ ግራይከይ “ሓደ ዕሉል ገበነኛ: ወይ እውን ምስ ከምኡ ዝበለ [ብቐረባ] ዝመሳሰል እንተ ዀይኑ ንኽወዳደር ኣይፍቀደሉን ነበረ።” ከምኡ እውን እቲ ናይ ጸወታ ሕጊ ምስ ዝጠሓስ ነቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ካብቲ ውድድር ከም ዝእገድ ብምግባር ከቢድ መቕጻዕቲ ይወሃቦ ነበረ።

እዚ ሓቂ እዚ ነቲ ጳውሎስ “ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ: ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ: ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ” ዝበሎ ሓሳባት ንኽንርድኦ ይሕግዘና። (2 ጢሞቴዎስ 2:5) ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ናይ ህይወት ጒያ ንኽንቀዳደም ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ብቕዓታት ከነማልኦን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ክብ ዝበለ ናይ ስነ⁠-​ምግባር መለክዒታቱ ከነኽብሮን የድልየና። መጽሓፍ ቅዱስ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ብምባል የጠንቅቐና። (ዘፍጥረት 8:⁠21) ኣብቲ ቅድድም ምስ ኣተና እውን ስምረት የሆዋን ዘለኣለማዊ ህይወትን ምእንቲ ኽንረክብ ተጠንቂቕና ከምቲ ሕጉ ገይርና ክንቃለስ ኣሎና።

እዚ ንምግባር ክሕግዘና ዝኽእል ዝዓበየ ደገፍ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢያ። (ማርቆስ 12:​29-​31) ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ንየሆዋ ከም እነሐጕሶን ከምቲ ፍቓዱ ገይርና ከም እንመላለስን ትገብረና።⁠—​1 ዮሃንስ 5:⁠3

‘ንዅሉ እቲ ዝኸብደና ነርሕቕ’

ኣብቲ ናይ ጥንቲ ጸወታታት እቶም ጐየይቲ ክዳውንቲ ኣይክደኑን ወይ ካልእ ነገራት ኣይስከሙን ኢዮም ነይሮም። ዘ ላይፍ ኦቭ ዘ ግሪክስ ኤንድ ሮማንስ እተባህለ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ኣብ ጕያ እግሪ . . . እቶም ጐየይቲ ምሉእ ብምሉእ ጥራዮም ኢዮም ዝዀኑ ነይሮም” ብምባል ይገልጽ። እቶም ተቐዳደምቲ ክዳውንቲ ዘይምኽዳኖም ቅልጣፈን ብቐሊሉ ናይ ምንቅስቓስ ክእለትን ይረኽቡ ከምኡውን ከም ዝፈዅሶም ይገብሮም ነበረ። ብዘየድሊ ሰኸም ዝጠፍእ ሓይሊ ኣይነበረን። ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ክጽሕፈሎም ከሎ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምግባር ኢዩ ክኸውን ዝኽእል:- ‘ንዅሉ እቲ ዝኸብደና ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።’⁠—​እብራውያን 12:⁠1

ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም እንታይ ዓይነት ጾር ኢዩ ክኸብደና ዝኽእል፧ ሓደ ካብኡ ዘየድሊ ስጋዊ ነገራት ናይ ምኽዕባት ወይ ከኣ ብኽቡር ነገራት እናጋየጽካ ናይ ምንባር ባህጊ ምሕዳር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም እውን ሃብቲ ድሕንነት ከም ዝህቦም ወይ ምንጪ ሓጐስ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ተወሳኺ ‘ክብደት’ ነቲ ጐያዪ ካብ ጕይኡ ከዛሕትሎ ቀጺሉ እውን ንኣምላኽ ብዙሕ ግዲ ዘይብሉ ኽገብሮ ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 12:​16-​21) ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ርሑቕ ተስፋ ክመስሎ ይጅምር። ‘ሓዳስ ዓለም ሓደ መዓልቲ ትመጽእ ትኸውን: ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትውፍዮ ነገራት እንተ ተጠቐምናሉ ጽቡቕ ኢዩ’ ብምባል የማኻኒ ይኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 6:​17-​19) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ንሓደ ሰብ ካብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ከላግሶ ንኻልእ ሰብ ድማ ከም ዘይጅምር ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።

የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ: ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ: ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ” ብምባል ተዛረበ። የሆዋ ንእንስሳታትን ኣዕዋፍን ዘድልዮም ከም ዝሓልየሎም: ንሰባት እውን ካብኡ ዝበለጸ ከም ዝግደሰሎም ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”​—​ማቴዎስ 6:⁠24-33

“ብትዕግስቲ ንጕየ”

ኵሉ እቲ ናይ ጥንቲ ጕያ እግሪ ሓጺር ርሕቐት ኢዩ ነይርዎ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ዶሊሆስ እተባህለ ዓይነት ቅድድም ክሳዕ 4 ኪሎ ሜተር ይበጽሕ ነበረ። እዚ ድማ ሓይልን ምጽማምን ዝሓትት ኢዩ። ከምቲ ኣፈ⁠-​ታሪኽ ዝብሎ ብ328 ቅ.ኣ.ዘ. ሓደ ኣጂያስ እተባህለ ተቐዳዳማይ ኣብቲ ቅድድም ደድሕሪ ምስዓሩ ዓወቱ ንኸበስር ናብ ዓዱ ኣርጐስ እናጐየየ ከደ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብግምት 110 ኪሎ ሜተር ጐየየ!

ናይ ክርስትያን ቅድድም እውን ናይ ምጽማም ክእለትና ዝፍትን ነዊሕ ጉዕዞ ኢዩ። ኣብቲ ቅድድም ተጸሚምካ ክሳዕ መወዳእታ ምጕያይ ስምረት የሆዋን ናይ ዘለኣለም ህይወት ሽልማትን የውህብ። ጳውሎስ እውን ኣብቲ ቕድድም ምስ እዚ ብምስምማዕ ኢዩ ጐይዩ። ኣብ ኣጋ ሞቱ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ክኢሉ ኢዩ:- “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ . . . በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ።” (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠7, 8) ንሕና ኸኣ ከም ጳውሎስ ጕያና ክሳዕ ‘እንውድእ’ ክንቅጽል ኣሎና። እቲ ቅድድም ካብቲ መጀመርታ እተጸበናዮ ንላዕሊ ብምንውሑ ምጽማም እናሰኣንና እንተ​ድኣ ኸይድና ዓስብና ከይረኸብና ክንተርፍ ኢና። (እብራውያን 11:⁠6) ናብታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ኣዚና ቐሪብና ክነስና ከምዚ ምስ እንገብር ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ!

እቲ ሽልማት

ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ንተዓወትቲ ውድድር ኣትለቲክስ ብዙሕ ግዜ ካብ ኣቚጽልቲ እተሰርሐ ብዕንባባታት እውን ዘጌጸ ኣኽሊል ይዋሃቦም ነበረ። ኣብ ናይ ፒትያን ጸወታታት እቶም ተዓወትቲ ላውሪል ካብ ዝብሃል ዓይነት ተኽሊ እተሰርሐ ኣኽሊል ይቕበሉ ነበሩ። ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ካብ ኣቝጽልቲ ናይ ኣውሊዕ በረኻ እተሰርሐ ኣኽሊል ክዋሃቦም ከሎ ኣብ ናይ ኢስምያን ጸወታታት ከኣ ብጽሕዲ እተሰርሐ ኣኽሊል ይወሃቦም ነበረ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ወኒ ናይቶም ተቓለስቲ ንምልዕዓል እቶም ተወዳደርቲ ክርእይዎ ኣብ ዝኽእልሉ ቦታ ኣኽሊላት: ህያባት: ጨናፍር ስየ ኣብ ሰለስተ እግሩ መንበር ወይ ኣብ ጣውላ: ኣብቲ ስታድዩም ተዘርጊሑ ይዳሎ ነበረ።” እቲ እተዓወተ ምልክት ናይ ዓቢ ክብሪ ዝዀነ ኣኽሊል ይገብር። ንገዝኡ ክምለስ ከሎ ኸኣ ብፍናን ኣብ ሰረገላ ተወጢሑ ናብ ከተማ ይኣቱ።

ጳውሎስ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ሓተቶም:- “ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዅላቶም ከም ዚጐዩ: ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ: ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ: ከምኡ ጕየዩ። . . . እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም: ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ።” (1 ቈረንቶስ 9:​24, 25፣ 1 ጴጥሮስ 1:​3, 4) ከመይ ዝበለ ምንጽጻር ኰን ኢዩ ዝገበረ! ኣብ ናይ ጥንቲ ጸወታታት ዝነበረ ኣኽሊል ዝቕምስል ኢዩ ነይሩ: ነቶም ንህይወት ኢሎም ክሳዕ መወዳእታ ዝጐዩ ዝጽበዮም ሽልማት ግን ፈጺሙ ዘይጠፍእ ኢዩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝበለጸ ኣኽሊል ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ: ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 5:⁠4) እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ሽልማት ምስቲ ሰማያዊ ክብሪ ሒዝካ ምስ ክርስቶስ ብምንባር ዝርከብ ዘይመውትን ዘይሓልፍን ህይወት ክወዳደር ይኽእልዶ፧

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኣብ ሰማይ መንፈሳውያን ደቁ ንኽዀኑ ብኣምላኽ ኣይተቐብኡን: ሰማያዊ ተስፋ እውን የብሎምን። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ናይ ዘይመውት ህይወት ሽልማት ክረኽቡ ኣይኰኑን ዝጐዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣምላኽ መዘና ዘይብሉ ሽልማት ኣብ ቅድሚኦም ቀሪብሎም ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሓደር ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ፍጹም ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ክረኽቦ ዝጽበዮ ሽልማት ኣየናይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ካብቲ ተቐዳዳማይ ንላዕሊ ብዓቢ ቆራጽነትን ብርታዐን ክጐዪ ኣሎዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ሽልማት ፈጺሙ ኣይሃስስን ኢዩ። “እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ።”​—​1 ዮሃንስ 2:⁠25

ሓደ ክርስትያን ተቐዳዳማይ ከምዚ ዝኣመሰለ መዘና ዘይብሉ ሽልማት ክረክብ እናተጸበየ ነዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ መስድዒታት ብኸመይ ኢዩ ክርእዮ ዘለዎ፧ ከምቲ ናይ ጳውሎስ ክኸውን ኣለዎ: ንሱ ከምዚ በለ:- “ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ: ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።” ጳውሎስ ምስ እዚ ብምስምማዕ ኣበርቲዑ ኢዩ ጐይዩ! “ኣሕዋተየ: ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ: ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ: ናብቲ ዓስቢ ዓወት . . . እጐዪ ኣሎኹ።” (ፊልጲ 3:​8, 13, 14) ጳውሎስ ኣዒንቱ ናብቲ ሽልማት ከም ዘተኵራ ብምግባር ኢዩ ጐይዩ። ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና።

እቲ ዝበለጸ ኣብነትና

ኣብ ናይ ጥንቲ ጸወታታት እቶም ሰዓርቲ ናብ ብዙሓት ሰባት ኣድናቖት ይረኽቡ ነበሩ። ገጠምቲ ብዛዕባኦም ጽሒፎምሎም: ቀረጽቲ እውን ሓወልቲ ገይሮምሎም ኢዮም። ቬራ ኦሊቮቫ እተባህለት ጸሓፊት ታሪኽ ከም ዝበለቶ “ብዙሕ ክብርን ተፈላጥነትን ይረኽቡ ነበሩ።” ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ከም ምሩጻት ኣብነት ኰይኖሞ ኢዮም።

ንክርስትያናት ጽቡቕ ኣብነት ዝዀኖም “ተዓዋታይ” መን ኢዩ፧ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ: ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።” (እብራውያን 12:​1, 2) እወ: ኣብቲ ቅድድም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንዕወት ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ብህንጥዮት ነቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንጠምት። ነዚ ድማ ስርዓታውያን ኴንና ጸብጻብ ወንጌላት ብምንባብን ንየሱስ ክንስዕበሉ እንኽእል መገድታት ብምስትንታንን ኢና እንገብሮ። ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ብምግባር የሱስ ክርስቶስ ንኣምላኽ ምእዙዝ ከም ዝነበረን ብምጽማሙ ኸኣ እምነቱ ከም እተረጋገጸን ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ከም ዓስቢ ናይ ምጽማሙ ኸኣ ስምረት የሆዋ ኣምላኽን ብዙሕ ዘደንቕ መሰላትን ክረክብ ክኢሉ ኢዩ።⁠—​ፊልጲ 2:​9-​11

ርግጽ ኢዩ የሱስ እቲ ዝዓበየ ዝድነቕ ባህሪኡ ፍቕሩ ኢዩ። “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን።” (ዮሃንስ 15:13) ንጸላእትና እውን ከይተረፈ ከነፍቅር ከም ዘሎና ብምንጋር ዓሚቚ ትርጕም ናይ ‘ፍቕሪ’ ሂብና ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠43-48) የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ የፍቅር ስለ ዝነበረ ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር የሐጕሶ ነበረ። (መዝሙር 40:​9, 10፣ ምሳሌ 27:11) ንየሱስ ኣብቲ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ናይ ህይወት ቅድድም: ክንቀድሖ ዘሎና ናይ ኣሰጓጕማ ኣብነት ገይርና ንርእዮ እንተ​ድኣ ዄንና ንኣምላኽን ንጐረባብትናን ንኸነፍቅርን ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ኸኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኽንረክብን ከለዓዕለና ኢዩ። (ማቴዎስ 22:​37-​39፣ ዮሃንስ 13:34፣ 1 ጴጥሮስ 2:​21) የሱስ ዘይከኣል ነገር ከም ዘይሓተና ክንፈልጥ ኣሎና። ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ . . . ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”⁠—​ማቴዎስ 11:​28-​30

ልክዕ ከም የሱስ ነዒንትና ኣብቲ ንዅሎም እቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝጽመሙ ተዳልይሎም ዘሎ ሽልማት ከም ዘተኵራ ክንገብረን ኣሎና። (ማቴዎስ 24:13) ከምቲ ሕጊ ገይርና እንተ​ድኣ ተቓሊስና: ነቲ ዝኸብደና ጾር እንተ ደርቢናዮ: ብምጽማም ድማ እንተ​ድኣ ጐዪና ከም እንዕወት ርግጸኛታት ኢና። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሸቶ ናብኡ ገጽና ንኽንጐዪ ዝዕድመና ኢዩ! ብሓጐስ ስለ እንምላእ ሓይልና ይሕደስ: ሓጐስውን መገድና ቀሊል ብምግባር ንኽንቅጽል ይድርኸና።

[ምንጪ ስእሊ]

Copyright British Museum

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ክርስትያን ጕያ ነዊሕ ዝርሕቀቱ ስለ ዝዀነ ምጽማም የድሊ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ከምቲ ናይ ተቐዳደምቲ ኣኽሊል ዘይኰነስ ዘይሓልፍ ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም ዝጽበዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሽልማት ንዅሎም እቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝጽመሙ ዝወሃብ ኢዩ