ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመ ብምሉእ ልቢ ምግልጋል
ታሪኽ ህይወት
ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመ ብምሉእ ልቢ ምግልጋል
ሮዶልፎ ሎዛኖ ዘዘንተዎ
ብ17 መስከረም 1917 ኣብታ ኣብ ዱራንጎ እትበሃል ክፍለ-ሃገር ሜክሲኮ እትርከብ ከተማ ጎመዝ ፓላስዮ ተወለድኩ። እቲ እዋን እቲ ሰውራ ሜክሲኮ እተወዓውዓሉ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ብ1920 እኳ እንተ ኣኽተመ: ኣብቲ እንነብረሉ ዝነበርና ከባቢ ንገለ ዓመታት ዕግርግር ብምቕጻሉ ንሽገር ነበርና።
ሓደ እዋን ኣደይ ኣብ መንጎ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስትን ግጭት ክህሉ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት: ንዓይን ንሰለስተ ኣሕዋተይን ክልተ ኣሓተይን ንሓያሎ መዓልቲ ኣብ ቤት ዓጸወትና። ሕጽረት መግቢ ነበረና፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ምንኣሰይ ሓብተይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ክንሕባእ ትዝ ይብለኒ። ድሕርዚ: ኣደይ ሒዛትና ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኽትከይድ ወሰነት: ኣቦይ ድማ ጸኒሑ ሰዓበና።
ብ1926 ቀቅድሚ እቲ ግሬት ዲፕረሽን ዝበሃል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጠመ ቍጠባዊ ውድቀት ኣብ ካሊፎርንያ በጻሕና። ኣብ ከም ስንጭሮ ሳን ዎኪን: ሳንታ ክላራ: ሳሊናስ ከምኡውን ኪንግ ሲቲ ዝኣመሰለ ስራሕ ክንረኽበሉ እንኽእል ቦታታት ንዘውር ነበርና። ኣብ ግራት ምዕያይ ከምኡውን ምህርቲ ናይ እተፈላለየ ዓይነት ፍሩታታትን ኣሕምልትን ምእካብ ከኣልና። ንእስነተይ ከቢድ ስራሕ ብምስራሕ እኳ እንተ ኣሕለፍክዎ: ኣዝዩ ዘሐጕስ ክፍሊ ህይወተይ ኢዩ ነይሩ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ፈለጥና
ኣብ መጋቢት 1928 ሓደ ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሓና መጸ። ኢስተባን ሪቬራ ዝበሃል ብዕድመ ዝደፍአ ቋንቋ ስጳኛ ዝዛረብ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። “ምዉታት ኣበይ ኢዮም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከኣ ኣበርከተልና። ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርን ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክእከብን ጀመርኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣደይን
ኦውሮራ ሓብተይን ቀናኣት ወደስቲ የሆዋ ዀና።ኣብ መፋርቕ 1930ታት: ኣብ ሳን ጆሰ ንናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ዝኸውን ኣደራሽ መንግስቲ ተሃንጸ። ብዙሓት ቋንቋ ስጳኛ ዝዛረቡ ደቡብ ኣመሪካውያን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ሕርሻታት ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ: ክንሰብከሎምን ኣብ ኣኼባ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከነጽንዕን ጀመርና። ነዚ ክንገብሮ ዝኸኣልና ብሓገዝ ናይቶም 80 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝነበሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ስጳኛ ዝዀኑ ደቡብ ኣመሪካውያን ኣሕዋት ኢዩ። ድሕሪ ገለ እዋን ቍጽሪ ተኣከብቲ ናይቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ሳን ጆሰ ብቛንቋ ስጳኛ ዝግበር ኣኼባ 60 ኣቢሉ በጽሐ።
ድሕሪ ገለ ግዜ ብ28 ለካቲት 1940 ኣብቲ ኣብ ሳን ጆሰ እተገብረ ኣሰምብሊ ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ፓይነር ማለት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰንኩ። ድሕርዚ: ኣብ ሚያዝያ 1943 ናብታ 130 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ እትርከብ ከተማ ስቶክተን ከይደ ብቛንቋ ስጳኛ ዝምራሕ ጉባኤ ክምስርት ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ናይታ ኣብ ሳን ጆሰ እትርከብ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ኰይነ አገልግል ነበርኩ: ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ቋንቋ ስጳኛ ዝዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እሕግዞም ነበርኩ። ካልኦት ነዚ ሓላፍነታት እዚ ንኽስከምዎ ምድላዋት ምስ ገበርኩ: ናብ ስቶክተን ገዓዝኩ።
ንጽህናይ ተፈተነ
ካብ 1940 ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሚ ቦርድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸዊዐ ቀረብኩ: እንተዀነ ግን ሕልናይ ዘይፈቕደለይ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ንኣቕዋመይ ኣኽቢሮም ይሰዱኒ ነበሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ታሕሳስ 1941 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣተወት: ቦርድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝገብሩለይ ጸቕጢ ድማ ወሰኸ። መወዳእትኡ ብ1944 ተኣሰርኩ። ፍርዲ ክሳዕ ዝብዩኑለይ ድማ ገበነኛታት ኣብ ዝእሰሩሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክፍሊ ኣእተዉኒ። ብዙሓት ካብቶም ገበነኛታት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ምስ ፈለጡ: እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ኣቕዋም ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ንምፍላጥ ሕቶታት ሓተቱኒ።
ኣብ ሳን ጆሰ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ጕዳየይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ዋሕስ ከፊሎም ኣውጽኡኒ። ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝነብር ንዜግነታዊ መሰላት ዝምልከት ጕዳያት ዝሕዝ ዝነበረ ጠበቓ ብዘይገለ ክፍሊት ነቲ ጕዳየይ ክከታተሎ ፍቓደኛ ኰነ። እቲ ዳኛ ድማ ፓይነር ካብ ምዃን ኣቋሪጸ ዓለማዊ ስራሕ ንምሓዝን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንሰበ-ስልጣን ፌደራል ሃለዋተይ ንምሕባርን እንተድኣ ተሰማሚዐ ናጻ ክሰደኒ ከም ዝዀነ ውሳነኡ ገለጸ። ነቲ ውሳነ እቲ ኣይተቐበልክዎን: ስለዚ ኣብ ደሴት ማክኒል: ግዝኣት ዋሽንግተን እትርከብ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ክእሰር ተፈረድኩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ግዜይ ጽዑቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንምግባር ተጠቐምኩሉ።
ናይ ጽሕፈት ማኪና ምውቃዕ እውን ተማሃርኩ። ጽቡቕ ጠባይ ስለ ዝነበረኒ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ተፈታሕኩ። ብኡንብኡ ፓይነር ኰይነ ንምግልጋል ምድላዋት ገበርኩ።ንጥፈታተይ ምውሳኽ
ኣብ ክረምቲ 1947 ምስ ሓደ ፓይነር ዝነበረ መገላግልተይ: ተዛረብቲ ቋንቋ ስጳኛ ኣብ ዝርከብዋ ከተማ ኮሎራዶ: ቴክሳስ ከነገልግል ተመደብና። እንተዀነ ግን: እቲ ወቕቲ ኣዝዩ ቈራሪ ስለ ዝነበረ ናብታ ምዉቕ ዝበለት ከተማ ሳን ኣንቶንዮ ከድና። ኣብኡ ግን ብዙሕ ይዘንብ ስለ ዝነበረ ካብ ቤት ናብ ቤት ንምኻድ ዕንቅፋት ኰነና። ነዊሕ ከይጸናሕና ዝነበረና ገንዘብ ወዳእና። ንሰሙናት ዝኣክል ናይ ዘይበሰለ ካውሎ ሳንድዊችን ሻሂ ኣልፋልፋን ገይርና ተዓንገልና። መገላግልተይ ናብ ዓዱ ተመልሰ ኣነ ግን ኣብኡ ጸናሕኩ። እቶም ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵነታተይ ምስ ፈለጡ ክሕግዙኒ ጀመሩ።
ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ናይ ቀውዒ ወቕቲ: ናብቲ እተመደብኩሉ ከተማ ኮሎራዶ ተመለስኩ: ኣብኡ ኸኣ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ናይ ቋንቋ ስጳኛ ንእሽቶ ጉባኤ ተመስረተት። ድሕሪኡ ናብ ስዊትዋተር: ቴክሳስ ገዓዝኩ እሞ: ኣብኡ እውን ሓንቲ ናይ ቋንቋ ስጳኛ ጉባኤ ክትምስረት ሓገዝኩ። ኣብ ስዊትዋተር ከለኹ: ሚስዮናዊ ንምዃን ዘድልየኒ ስልጠና ንኽረክብ ኣብ መበል 15 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ጻውዒት ተገብረለይ፣ እቲ ስልጠና ድማ ብ22 ለካቲት 1950 ተጀመረ። ሓጋይ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምስ ተመረቕና: ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸናሕኩ። ኣብኡ ከለኹ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሜክሲኮ ንእተዋህበኒ መዝነት ዝጠቕመኒ ስልጠና ረኸብኩ።
ኣብ ሜክሲኮ ምግልጋል
ብ20 ጥቅምቲ 1950 ከተማ ሜክሲኮ ኣተኹ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ናይቲ ጨንፈር ተዓዛቢ ኰይነ ተመዘዝኩ: ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ኣብዚ መዝነት እዚ ዓየኹ። ፓይነር ኰይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን: ኣብ ቤት ማእሰርቲ: ከምኡውን ኣብ ብሩክሊን ዝረኸብክዎ ተመክሮ ብዙሕ ጠቒሙኒ ኢዩ። ሜክሲኮ ምስ በጻሕኩ: መንፈሳውነት ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ምህናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ቀልጢፈ ተገንዘብኩ። ብፍላይ ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ንኽስዕቡ ሓገዝ የድልዮም ነበረ።
ንሜክሲኮ ሓዊስካ ኣብተን ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከባ ሃገራት: ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ሕጋዊ መርዓ ከይገበሩ ብሓንሳብ ምንባር ልሙድ ኢዩ። ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ብሓፈሻ: ምናዳ ኸኣ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን: እዚ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምዲ ንኸስፋሕፍሕ ፈቒደን ኢየን። (እብራውያን 13:4) ስለዚ: ገሊኣቶም ብሕጋዊ መገዲ ዋላ እኳ እንተ ዘይተመርዓዉ ኣባላት ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ነይሮም ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ኣነባብራኦም ንምዕራይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዋህቦም። ኣነባብራኦም እንተ ዘየዐርዮም ግን ደጊም ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይቍጸሩ ተሓበረ።
ንብዙሓት ኣነባብራኦም ምዕራይ ኣይከበዶምን። መርዕኦም ሕጋዊ ምግባር ጥራይ ኢዩ ዘድልዮም ነይሩ። ገሊኦም ከኣ እተሓላለኸ ኵነታት ነበሮም። ንኣብነት ገሊኣቶም ናይ ቀዳማይ ሓዳሮም ሕጋዊ ፍትሕ ከይገበሩ ክልተ ሳዕ: አረ ገሊኣቶምስ ሰለስተ ሳዕ ተመርዕዮም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ: ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ዝነበሮም ኣነባብራ ምስ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ምስ ኣሰማምዑ: እተን ጉባኤታት ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ረኸባ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11
ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ሜክሲኮ ዝነበሮ ደረጃ ዓለማዊ ትምህርቲ ብሓፈሻኡ ክረአ ኸሎ ትሑት ኢዩ ነይሩ። ብ1950 ናብታ ሃገር ቅድሚ ምኻደይ እውን ከይተረፈ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ጉባኤታት ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርትታት ከም ዝወሃብ ገይሩ ነበረ። ናብታ ሃገር ምስ ከድኩ: እተን ትምህርቲ ዝህባ ክፍልታት እንደገና ተመሓደራ: ብመንግስቲ ንኽምዝገባ ድማ ምድላዋት ተገብረ። ካብቲ መዝገብ ክንሕዘሉ ዝጀመርና ግዜ ማለት ካብ 1946 ኣትሒዙ ኣብ ሜክሲኮ ልዕሊ 143,000 ሰባት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም ኢዮም!
ሕጊ ሜክሲኮ ንሃይማኖታት ብዙሕ ቀይድታት ዝገብር ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣገዳሲ ለውጥታት ተገይሩ ኢዩ። ብ1992 ንሃይማኖታት ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ወጸ: ስለዚ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1993 ከም ሃይማኖታዊ ማሕበር ክምዝገቡ ከኣሉ።
ኣቐድም ኣቢሉ እዚ ለውጥታት እዚ ፈጺሙ ክኸውን ዘይክእል ይመስለኒ ስለ ዝነበረ: ኰይኑ ምስ ረኣኽዎ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ። ንብዙሕ ዓመታት ብተደጋጋሚ ናብ መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈት እኳ እንተ ኸድኩ: ተስፋ ዘቝርጽ ኣረኣእያ ኢዩ ዝገጥመኒ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ጕዳይ እዚ በቲ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ክፍሊ ሕጊ ብኸመይ ከም እተታሕዘ ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ፣ ሕጂ ኣብ ዕዮ ስብከትና ብተዛማዲ ሒደት ዕንቅፋታት ጥራይ ኢዩ ዘጋጥመና።
ምስ ሚስዮናዊት ናይ መርዓ ብጸይተይ ምግልጋል
ናብ ሜክሲኮ ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን: ድሮ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ካብተን ቀዳሞት ክፍልታት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ ሚስዮናውያን ነይሮም ኢዮም። ሓንቲ ካብዚኣቶም እታ ብ1942 ኣብ ቫለጆ: ካሊፎርንያ ፓይነር ኰይና ምግልጋል ዝጀመረት ኤስተር ቫርታንያን እትበሃል ኣርመናዊት ሓብቲ ነበረት። ብ30 ሓምለ 1955 ተመርዓና እሞ ድሕሪኡ ኣብ ሜክሲኮ ኣገልግሎትና ቀጸልና። ኤስተር ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ሚስዮናዊት ኰይና ከተገልገል ከላ: ኣነ ድማ ኣብቲ እንነብረሉ ዝነበርና ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስራሕ ቀጸልኩ።
ብ1947 ኤስተር ናብቲ ሚስዮናዊት ኰይና ንመጀመርታ ግዜ እተመደበትሉ ሞንተረይ: ኒዌቮ ሊዮን: ሜክሲኮ ከደት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሞንተረይ 40 ኣስፋሕቲ ዝርከብዋ ሓንቲ ጉባኤ ነበረት: ብ1950 ናብ ከተማ ሜክሲኮ ክትቅየር ከላ ግን ኣርባዕተ ጉባኤታት ነበራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተ ብዕድመ ንኣሽቱ ኣዝማድ ናይቶም ኤስተር ኣብ ሞንተረይ ጽንዓት እትገብረሎም ዝነበረት ስድራቤት: ኣብቲ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሜክሲኮ ዝርከብ ጨንፈርና የገልግሉ ኣለዉ።
ብ1950 እቶም ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ዞባ ንመብዛሕትኡ ክፍሊ ናይታ ኸተማ ዝሽፍን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ዞባኦም ብእግሮም ወይ ብህዝቢ ብእተጨቓጨቓ ኣዝየን ዝኣረጋ ኣውቶቡሳት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይኸዱ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ 1950 ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን: ሸውዓተ ጉባኤታት ነበራ። ሕጂ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ 1,600 ዝኸውን ቍጽሪ ጉባኤታትን ካብ 90,000 ኣጸቢቖም ናብ ዝዛይዱ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ
መንግስቲ ኣምላኽን ኣለዉ፣ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ንምኽባር ኣብታ ኸተማ ልዕሊ 250,000 ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ! ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት: ኣነን ኤስተርን ኣብ ብዙሓት ካብዘን ጉባኤታት እዚኣተን ናይ ምግልጋል መሰል ረኺብና ኢና።ኣነን ኤስተርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ከሎና: ምልእቲ ስድራቤት ምእንቲ ከተጽንዕ ንተገዳስነት ናይቲ ኣቦ ንምልዕዓል ንጽዕር ኢና። በዚ ኸምዚ: ብዙሓት ዓበይቲ ስድራቤታት ንየሆዋ ንምግልጋል ናብ ሓቂ ክመጻ ርኢና ኢና። ሓደ ካብቲ ኣብ ሜክሲኮ ቅልጡፍ ዕቤት ሓቀኛ ኣምልኾ እተራእየሉ ምኽንያት: ምሉኣት ስድራቤታት ብሓባር ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ ስለ ዝመጻ ይመስለኒ።
የሆዋ ነቲ ዕዮ ባረኾ
ካብ 1950 ኣትሒዙ ኣብ ሜክሲኮ ጕሉሕ ዕቤት ተራእዩ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ኣሃዛት እተራእየ ወሰኽን ኣብ ኣገባብ ኣመሓዳድራ እቲ ዕዮ እተገብረ ለውጥን ኢዩ። ምስዞም ተቐበልቲ ኣጋይሽን ሕጉሳትን ሰባት ብምግልጋል ኣብዚ ወሰኽ እዚ ሒደት ኣበርክቶ ምግባር ብሓቂ ዘሐጕስ ኢዩ።
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ካርል ክለይንን በዓልቲ ቤቱ ማርጋሬትን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ክበጽሑና መጹ። ሓው ክለይን ነቲ ኣብ ሜክሲኮ ዘሎ ውዕዉዕ ምንቅስቓስ ክርእዮ ደልዩ ነበረ: ስለዚ ንሱን ማርጋሬትን ኣብታ ኣብ ጥቓ ከተማ ሜክሲኮ እትርከብ ኣብቲ ግዜ እቲ እንእከበላ ዝነበርና ጉባኤ ሳን ዋን ተዞንትላ ተኻፈሉ። ኣደራሽና 4.5 ብ5.5 ሜትሮ ኣቢላ እትኸውን ጸባብ ነበረት። ኣብቲ ቦታ ክንበጽሕ ከሎና 70 ዝዀኑ ኣብኡ ጸንሑና: ደው መበሊ ዝኸውን ቦታ እውን ኣይነበረን። ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ሰድያ: መንእሰያት ኣብ ርቦ: ንኣሽቱ ቈልዑ ድማ ኣብ ሕጡብ ወይ ኣብ መሬት ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
ኵሎም እቶም ቈልዑ መጽሓፍ ቅዱሶም ሒዞም ነቲ ዝርርብ ዝህብ ሓው ዝጠቕሶ ጥቕስታት ይከታተልዎ ስለ ዝነበሩ ሓው ክለይን ኣዝዩ ተገረመ። ድሕሪ እቲ ህዝባዊ ዝርርብ: ሓው ክለይን ብዛዕባ ማቴዎስ 13:19-23 ተዛረበ: እቲ የሱስ እተዛረበሉ “ጽቡቕ ምድሪ” ኣብ ሜክሲኮ ሰፊሕ ምዃኑ ኸኣ ነገረና። ሕጂ ሸውዓተ ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ቈልዑ ኣብ ጥቓ ከተማ ሜክሲኮ ዝርከብ ህንጻ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምስፋሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ምህናጽ ፕሮጀክት ይካፈሉ ኣለዉ። ሓደ ኣብ ቤትኤል የገልግል ኣሎ: ብዙሓት ካልኦት ድማ ፓይነራት ኰይነን የገልግላ ኣለዋ!
ኣብቲ መጀመርታ ናብ ከተማ ሜክሲኮ ዝመጻእኩሉ እዋን: ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና 11 ኣባላት ጥራይ ነበርዎ። ሕጂ ኣብዚ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት 1,350 ዝዀኑ ይዓዩ ኣለዉ: ካብዚኣቶም እቶም 250 ሓድሽ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህንጻታት ኣብ ምስራሕ እተዋፈሩ ኢዮም። ተስፋ ንገብር እዚ ዅሉ ዕዮ ኣብ 2002 ምስ ተወድአ: 1,200 ዝዀኑ ተወሰኽቲ ሰባት ምቕባል ክንክእል ኢና። ኣብ 1950 ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር ካብ 7,000 ዝውሕዱ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩና: ሕጂ ግን ካብ 500,000 ኣጸቢቖም ዝዛይዱ ኣለዉና! የሆዋ ነዞም ንኽውድስዎ ኣበርቲዖም ዝዓዩ ትሑታት ደቂ ሜክሲኮ ኣሕዋትና ዝገበርዎ ጻዕሪ ብኸመይ ከም ዝባረኾም ክርኢ ኸለኹ ልበይ ብሓጐስ ኢዩ ዝመልእ።
ከቢድ ብድሆ ምግጣም
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመኒ ዝኸበደ ብድሆ ሕማም ኢዩ። ብሓፈሽኡ ምሉእ ጥዕና ኢዩ ነይሩኒ። ኣብ ሕዳር 1988 ግን ንእተፈላለየ ክፍልታት ኣካላተይ ኣጸቢቑ ዘዳኸመ ወቕዒ ኣጋጠመኒ። ምውስዋስ ኣካላትን ካልእ ሕክምናታትን ብምግባር ብእተወሰነ ደረጃ ጥዕና ብምርካበይ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ: እንተዀነ ግን ገለ ክፍልታት ኣካላተይ ከምቲ ዝደልዮ ኣይዓየለይን ኢዩ። እቲ ሕማም ዘስዓበለይ ሓያል ሕማም ርእስን ካልእ ሳዕቤናትን ንምክልኻል ሕጂ እውን ሕክምናን መርመራታትን እገብር ኢየ።
ከምቲ ዝደልዮ ክዓዪ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ንኽፈልጡን ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቱ ንኽዀኑን ብምሕጋዘይ ዕግበት እረክብ ኢየ። ብእተኻእለኒ መጠን ምስቶም ንጨንፈርና ክበጽሑ ዝመጹ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምዝርራብ የሐጕሰኒ ኢዩ: ከመይሲ ንሓድሕድና ከም እንተባባዕ ይርድኣኒ ኢዩ።
የሆዋ ንዕኡ ዝገበርናዮ ኣገልግሎት ከም ዘማስወሉን ጻዕርና ከንቱ ከም ዘይኰነን ምፍላጠይ ብዙሕ የበርትዓኒ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ዓቕመይ ድሩት እኳ እንተዀነ ከምኡውን ጥዕና እኳ እንተ ዘይብለይ: ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣብ ቈሎሴ 3:23, 24 ዘሎ ቃላት ኣርዚነ ኢየ ዝርእዮ:- “ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም: እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ።” ምስዚ ምኽሪ ተሰማሚዐ ብምኻደይ: ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመ ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ምግልጋል ተማሂረ ኢየ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ብ1942 ፓይነር ከለኹ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
በዓልቲ ቤተይ ብ1947 ኣብ ሜክሲኮ ሚስዮናዊት ኰይና ከተገልግል ጀመረት
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ምስ ኤስተር
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ላዕለዋይ ጸጋም:- ብ1952 ኣብ ሜክሲኮ ዝነበረት ስድራ ቤትኤል፣ ኣነ ኣብ ቅድሚት ኣለኹ
ላዕሊ:- ብ1999 ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ዝርከብ ስታድዩም ልዕሊ 109,000 ተኣከብቲ ነበሩ
ታሕተዋይ ጸጋም:- ሕጂ ኣብ ምዝዛሙ ዘሎ ሓድሽ ናይ ጨንፈርና ህንጻታት