ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም
ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም
“ኣምላኽ ሰላም . . . ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም።”—እብራውያን 13:20, 21
1. ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክንደይ ኢዩ በጺሑ ዘሎ: ኣባላት ገለ ሃይማኖታትከ ክንደይ ምዃኑ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧
ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ 1999 ሽዱሽተ ቢልዮን በጽሐ! ካብዚ ቝጽሪ እዚ እቶም 1,165,000,000 ኣስላም: 1,030,000,000 ናይ ሮማ ካቶሊክ: 762,000,000 ሂንዱ: 354,000,000 ቡድሂስት: 316,000,000 ፕሮቴስታንት: 214,000,000 ድማ ኦርቶዶክስ ምዃኖም ዘ ዎርልድ ኣልማናክ እተባህለ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ይገልጽ።
2. ብዛዕባ እዚ ሰፊኑ ዘሎ ሃይማኖታዊ ኵነታት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
2 ነዚ ሎሚ ሰፊኑ ዘሎ ሃይማኖታዊ ፍልልያትን ምድንጋርን ኣብ ግምት ብምእታው ኵሎም እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኢዮም ዝመላለሱ ዘለዉ ክበሃል ይከኣልዶ፧ ኣይከኣልን ኢዩ: “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር: ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን።” (1 ቈረንቶስ 14:33) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ብዛዕባ እቶም ኣህጉራዊ ሕውነት ዘለዎም ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ (1 ጴጥሮስ 2:17) ተጠንቂቕና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ እንምርምር ‘ኣምላኽ ሰላም ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓዱ ንምግባር ከም ዘብቀዖም’ ኢና እነረጋግጽ።—እብራውያን 13:20, 21
3. ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም እንታይ ኣጋጠመ: ስለምንታይከ፧
3 ርግጽ ኢዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎምን ዘይብሎምን ዝፍለጥ ቍጽሪ ናይቶም ምስኦም ዝሓብሩ ብምርኣይ ኣይኰነን፣ የሆዋ እውን እንተዀነ ብኣሃዛዊ ብዝሒ ኣይምሰጥን ኢዩ። ንእስራኤላውያን ካብ ካልኦት ህዝብታት ስለ ‘ዝበዝሑ’ ኣይኰነን ሓርይዎም። አረ ንሳቶምሲ ካብ ካልኦት ህዝብታት ‘እቶም ዝወሓዱ’ ኢዮም ነይሮም። (ዘዳግም 7:7) እስራኤላውያን እሙናት ኰይኖም ስለ ዘይተረኽቡ ግን: የሆዋ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንስምረቱ ናብታ ብሰዓብቲ ክርስቶስ ዝቘመት ሓዳስ ጉባኤ ኣሰጋገሮ። ንኣባላታ ድማ ብመንፈስ ቅዱሱ ቀብኦም: ንሳቶም ከኣ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገልጽ ሓቂ ንምእዋጅ ብቕንኢ ወፈሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 42
ብዘይምቍራጽ ንቕድሚት ምግስጋስ
4. እታ ናይ ፈለማ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንቕድሚት ትግስግስ ምንባራ ርግጸኛ እትኸውን ስለምንታይ ኢኻ፧
4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብቐጻሊ ንቕድሚት ትግስግስ: ሓደስቲ ዞባታት ትኸፍት: ደቀ መዛሙርቲ ትገብር: ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዝሰፍሐ ምርዳእ እውን ትረክብ ነበረት። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት በቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽትታት ኣቢሉ ይወሃብ ምስ ዝነበረ መንፈሳዊ ብርሃን ማዕረ ማዕረ ይስጕሙ ነበሩ። ሃዋርያትን ካልኦትን ይገብሩሎም ብዝነበሩ ምብጻሕ ተደሪኾም ኣገልግሎቶም ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብግቡእ ተሰኒዱ ንረኽቦ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:21, 22፣ 13:46, 47፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:13፣ 4:5፣ እብራውያን 6:1-3፣ 2 ጴጥሮስ 3:17, 18
5. ማሕበር ኣምላኽ ሎሚ ንቕድሚት እትግስግስ ዘላ ስለምንታይ ኢያ: ምስኣ ማዕረ ኽንስጕም ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
5 ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብሒደት ቍጽሪ ኢዮም ጀሚሮም። (ዘካርያስ 4:8-10) ካብ መወዳእታ ናይ መበል 19 ዘመን ኣትሒዙ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ማሕበሩ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዘረጋግጽ ንጹር መርትዖ ይርአ ኣሎ። ኣብ ዓቕሚ ሰብ ዘይኰነስ ኣብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ስለ እንውከል በቲ ዘሎና ምርዳእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋትን ምግባር ፍቓድ ኣምላኽን ቀጻሊ ዕብየት ኣርኢና ኢና። (ዘካርያስ 4:6) ሎሚ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንርከብ ብምህላውና ምስታ ንቕድሚት እትግስግስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ማዕረ ምስጓም ከድልየና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ከምዚ ምግባር ንተስፋና ህያው ከም ዝኸውን ይገብሮ: ኣብ ልዕሊ እዚ ኣገባብ እዚ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ቅድሚ ምውራዱ ድማ ብስራት ናይታ ድሮ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እንሰብኽ ክገብረና ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 24:3-14
6, 7. ማሕበር የሆዋ ንቕድሚት ዝገስገሰትሉ ኣየናይ ሰለስተ መዳያት ኢና ኽንምርምር፧
6 ካብ 1920ታት: 30ታት: ከምኡውን 40ታት ኣትሒዞም ምስ ማሕበር የሆዋ ክሓብሩ ዝጀመሩ ኣሕዋት ሕጂ ኣብ መንጎና ኣለዉ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ማሕበር ዝገበረቶ ድንቂ ዕብየትን ቀጻሊ ምዕባለታትን መን ኢዩ እሞ ክሓስቦ ዝኽእል፧ ነቲ ኣብዚ ዘመናዊ ታሪኽ እተራእየ ኣገዳሲ ፍጻመታት ማሕበር እሞ ሕስብ ኣብሎ! ብዛዕባ እቲ የሆዋ በቶም ብቲኦክራሲያዊ መገዲ እተጠርነፉ ህዝቡ ኣቢሉ ዝፈጸሞ ነገራት ምስትንታን ብርግጽ መንፈሳዊ ዓስቢ ዘለዎ ዀይኑ ክንረኽቦ ኢና።
7 እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ኣስተንተነ ኣጸቢቑ ተመሲጡ ኢዩ። ከምዚ በለ:- “ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።” (መዝሙር 40:5) ንሕናውን ዓቕምና ውሱን ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ዝፍጽሞ ዘሎ ዓብዪን ድንቅን ዝዀነ ብዙሕ ግብርታት ከነዘንትዎ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ነዚ ዝስዕብ ማሕበር የሆዋ ንቕድሚት ገጻ ዝገስገሰትሉ ሰለስተ መዳያት እስከ ንርኣዮ:- (1) እናደመቐ ዝኸይድ መንፈሳዊ ብርሃን (2) እተመሓየሸን ዝሰፍሐን ኣገልግሎት (3) ኣብ ናይ ማሕበር ኣሰራርሓ እተገብረ እዋናዊ ምትዕርራያት።
ስለቲ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ብርሃን መመስገንቲ ምዃን
8. መንፈሳዊ ብርሃን ብመሰረት ምሳሌ 4:18 ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዝምልከት እንታይ ከነስተውዕል ኢዩ ሓጊዙና ዘሎ፧
8 እቲ ኣብ ምሳሌ 4:18 ዘሎ ሓሳብ ነቲ መንፈሳዊ ብርሃን ብቐጻሊ እንረኽበሉ ዘሎና ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ዝገልጾ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።” ከምዚ ዝበለ እናደመቐ ዝኸይድ መንፈሳዊ ብርሃን ብምርካብናስ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ኽንከውን ዘሎና! ኣብቲ ብ1919 ኣብ ሴዳር ፖይንት ኦሃዮ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ጕሉሕ ሓሳባት ተዋሂቡ ነበረ። የሆዋ ስሙ ንምቕዳስን ሉዓላውነቱ ንምርግጋጽን ነዛ መንግስቲ እዚኣ ኢዩ ዝጥቀም። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ክሳዕ ራእይ ነቲ የሆዋ በታ ብወዱ እትምራሕ መንግስቲ ኣቢሉ ስሙ ክቕድስ ዓሊምዎ ዘሎ ዕላማ ዝገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ ምዃኑ ሳላ ኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ብርሃን ኢና ከነስተውዕል ክኢልና ዘሎና። እቲ ንዅሎም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ዝዀኑ ሰባት ተነቢሩሎም ዘሎ ዓብዪ ተስፋ ኸኣ ኣብ ወዲ ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ።—ማቴዎስ 12:18, 21
9, 10. ኣብ 1920ታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ክልተ ዝጻረራ ማሕበራትን እንታይ ፍልጠት ኢዩ እተረኽበ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ሓጋዚ ዀይኑ እተረኽበ፧
9 ኣብቲ ብ1922 ኣብ ሴዳር ፖይንት እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ነቲ ቐንዲ ዝርርብ ዘቕረቦ ራዘርፎርድ ንህዝቢ ኣምላኽ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ” ብምባል ተማሕጸኖም። “ምውላድ ናይቲ ህዝቢ” እትብል ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1925 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ 1914 ከም እትቐውም ኣቐዲሙ ዝሓበረ ትንቢታት እተረኽበ መንፈሳዊ ምስትውዓል ኣቓልቦ ዝስሕብ ሓሳብ ሒዛ ነበረት። ኣብ 1920ታት ድማ ክልተ ተጻረርቲ ማሕበራት—ማሕበር የሆዋን ማሕበር ሰይጣንን—ከም ዘለዋ ምርዳእ ተረኽበ። እቲ ኣብ መንጕአን ዝካየድ ውግእ ይቕጽል ኢዩ ዘሎ: ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ እንተድኣ ሰጒምና ጥራይ ኢና ኸኣ ምስቲ ዕዉት ወገን ክንከውን እንኽእል።
10 እዚ ኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ብርሃን ብኸመይ ሓገዘና፧ መንግስቲ ኣምላኽን ንጉሳ የሱስ ክርስቶስን ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዘይኰኑ ንሕና እውን ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ዓለም ፍሉያት ብምዃን ኣብ ጐኒ ሓቂ ምህላውና ነርኢ። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:37) ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከም መዓት ኰይኑ ዝወቕዖ ዘሎ እተሓላለኸ ግድላት ብምርኣይ ክፍሊ ማሕበር ሰይጣን ብዘይምዃንና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! ኣብ ማሕበር የሆዋ መንፈሳዊ ዕቝባ ምርካብናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ኰን ኢና!
11. ብ1931 ህዝቢ ኣምላኽ በየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ኢዮም እተሰምዩ፧
11 ብ1931 ኣብቲ ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ግቡእ ኣወዓዕላ ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:10-12 ዘሎ ጥቕሲ ተገልጸ። እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል መለለዪ ስም ተሰምዩ። ካልኦት ስም ኣምላኽ ጸዊዖም ምእንቲ ኽድሕኑ ንስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ!—መዝሙር 83:18 NW፣ ሮሜ 10:13 NW
12. ብ1935 ብዛዕባ እቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ መንፈሳዊ ብርሃን ኢዩ እተዋህበ፧
12 ቅድሚ 1930ታት ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋኦም ንጹር ዝዀነ ምርዳእ ኣይነበሮምን። ገሊኦም ሰማያዊ ህይወት ናይ ምርካብ ሓሳብ ሓዲርዎም እኳ እንተ ነበረ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ዝገልጽ ጸብጻብ ግን ይምሰጡ ነበሩ። ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ኣብ 1935 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተገሊጾም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ወይ ዓቢ ጭፍራ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ጕጅለ ምዃኖም ዝገልጽ ዘሐጕስ ፍልጠት ተረኽበ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ምእካብ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ብናህሪ ንቕድሚት ቀጸለ። መንነት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ንዓና ምስጢር ብዘይምዃኑስ ኣመስገንቲዶ ኸይኰንና፧ ካብ ኵሎም ህዝብታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን ሰባት ብብዝሒ ይእከቡ ምህላዎም ምግንዛብና ምስ ማሕበር የሆዋ ሓቢርና ንኽንጓዓዝ ኣበርቲዕና ንኽንጽዕር ዝድርኸና ኢዩ።
13. ኣብቲ ብ1941 ኣብ ሰይንት ሉይስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እንታይ ኢዩ ዝጐልሐ፧
13 ኣብቲ ኣብ 1941 ኣብ ሰይንት ሉይስ: ሚሱሪ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እቲ ንደቅሰብ ከገድሶም ዘለዎ ዝዓበየ ሕቶ ጐልሐ። እዚ ኸኣ ንናይ ኣድማስ ግዝኣት ወይ ንሉዓላውነት ዝምልከት ሕቶ ኢዩ ነይሩ። እዚ ቐልጢፉ መዓልቦ ኽረክብ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ: እታ ነዚ መዓልቦ እትገብረሉ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ ድማ ብቕልጡፍ ትመጽእ ኣላ! ካልእ ኣብ 1941 ዝጐልሐ ድማ ንጽህናኻ ናይ ምሕላው ሕቶ ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብቲ ምስ ሉዓላውነት ኣምላኽ እተተሓሓዘ ብድሆ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣበየናይ ወገን ደው ኢልና ኸም ዘሎና ንኸነርኢ ዘኽእለና ኢዩ።
14. ኣብቲ ብ1950 እተኻየደ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢሳይያስ 32:1, 2 ተጠቒሶም ዘለዉ መሳፍንቲ እንታይ ፍልጠት ኢዩ እተረኽበ፧
14 ኣብቲ ብ1950 ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ እተገብረ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ እቶም ኣብ ኢሳይያስ 32:1, 2 መሳፍንቲ ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት መንነቶም ብንጹር ተፈልጠ። ሓው ፍረደሪክ ፍራንዝ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኽዛረብ ከሎ: ኣብታ መጻኢት ሓዳስ ምድሪ መሳፍንቲ ዀይኖም ዘገልግሉ ኣብ መንጎና ምህላዎም ዝገለጸሉ ኣዝዩ ባህ ዘብል ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እተኻየደ ይኹን ድሕሪኡ ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ኣኼባታት ብዙሕ መንፈሳዊ ብርሃን ተገሊጹ ኢዩ። (መዝሙር 97:11) እታ እንመላለሰላ መገዲ ልክዕ ‘ከም ብርሃን ወገግታ እናወሰኸት እትበርህ’ ብምዃናስ ክንደይ ኰን ኢና እነማሱ!
ኣብ ኣገልግሎትና ንቕድሚት ምግስጋስ
15, 16. (ሀ) ኣብ 1920ታትን 1930ታትን ኣገልግሎትና ንቕድሚት ዝገስገሰ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ድፍኢት ዝዀነኦ ኣየኖት መጻሕፍቲ ኢየን፧
15 ማሕበር የሆዋ ንቕድሚት ገጻ ዝገስገሰትሉ ካልኣይ መገዲ ምስቲ ቐንዲ ዕዮና ዝዀነ ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እተተሓሓዘ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ማርቆስ 13:10) ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ማሕበር ንኣገዳስነት ምስፋሕ ኣገልግሎት ጐሊሑ ኸም ዝረኣየና ገይራ ኢያ። ኣብ 1922 ኵሎም ክርስትያናት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንኽካፈሉ ተተባቢዖም ነይሮም ኢዮም። ብርሃንካ ኸም ዝበርህ ብምግባር ብዛዕባ ሓቂ ኣብ ምምስካር ግዴኻ ምብርካት ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:14-16) ኣብ 1927 ሰንበት ንግራት ኣገልግሎት ንምምዳባ ስጕምቲ ተወስደ። ካብ ለካቲት 1940 ኣትሒዝካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ንግዲ ቦታታት ኣብ ዝርከቦ ጐደናታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኮንሶሌሽን (ሕጂ ንቕሑ!) ክዕድሉ ምርኣይ ልሙድ ኰነ።
16 ብ1937 ሓንቲ ንኻልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምምሃሮም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሎም ከም ዘድሊ እተጕልሕ ሞዴል ስታዲ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተዳለወት። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዝያዳ ኣቓልቦ ተገብረሉ። ብ1946 ‘ኣምላኽ ሓቀኛ ይኹን’ (እንግሊዝኛ): ብ1968 ድማ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዝብላ መጻሕፍቲ ምስ ወጻ እዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ዝያዳ ድፍኢት ረኺቡ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኢና እንጥቀም ዘሎና። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምጽናዕ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ድልዱል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘንጽፍ ኢዩ።
ምስቲ ዝግበር ናይ ኣሰራርሓ ምትዕርራያት ንቕድሚት ምግስጋስ
17. ምስ ኢሳይያስ 60:17 ንምስምማዕ ማሕበር የሆዋ ብኸመይ ኢያ ንቕድሚት ክትግስግስ ጸኒሓ፧
17 ማሕበር የሆዋ ንቕድሚት ዝገስገሰትሉ ሳልሳይ መዳይ ኣብ ኣሰራርሓ ንእተገብረ ምትዕርራያት ዝምልከት ኢዩ። ብመሰረት ኢሳይያስ 60:17 የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተመባጺዑ ኢዩ:- “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።” ምስዚ ትንቢት እዚ ብምስምማዕ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዕዛብን ነተን መጓሰ ብግቡእ ናይ ምጕሳይን መዝነት ንምምሕያሽ ስጕምትታት ክውሰድ ጸኒሑ ኢዩ።
18, 19. ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከመይ ዝበለ ናይ ኣሰራርሓ ምትዕርራያት ኢዩ ክግበር ዝጸንሐ፧
18 ኣብ 1919 ማሕበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንግራት ኣገልግሎት ክትውደብ እትሓትት ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ትምዝዝ ነበረት። እዚ ድማ ንግራት ኣገልግሎትና ዝያዳ ድፍኢት ወሲኽሉ ኢዩ። ሽማግለታትን ድያቆናትን ኰይኖም ዘገልግሉ ብምርጫ ምምዛዝ ኣብ 1932 ኣቋረጸ: እዚ ድማ ካብ ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ምውጻእና ዘርኢ ነበረ። ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘገልግሉ ኣሕዋት ብመሰረት እታ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናዊት ጉባኤ እትጥቀመሉ ዝነበረት ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ክሽየሙ ምስ ጀመሩ ብ1938 ኣገዳሲ ፍጻመ ተራእየ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:23፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:14) ኣብ 1972 ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ልክዕ ብኸምቲ ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝበለ ኣገባብ ኢዮም ተመዚዞም። ሓደ ሽማግለ ጥራይ ናይ ሓንቲ ጉባኤ ተዓዛቢ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዘገልግል: ፊልጲ 1:1 ከምኡውን ካልእ ጥቕስታት ከም ዝገልጾ እቶም ነቲ ኻብ ተዓዘብቲ ዝድለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዘማልኡ ብሓባር ኣካል ሽማግለታት የቝሙ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ኤፌሶን 4:11, 12
19 ኣብ 1975 ኣብ ውሽጢ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ንጥፈታት ማሕበር ኣምላኽ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ዝወስዳ ኮሚተታት ቈማ። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ኣብ ከከባቢአን ዘሎ ዕዮ ዝዕዘባ ኮሚተታት ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እውን ቈማ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ‘እቲ ዝሓይሽ ንምምርማር:’ ነቲ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ከምኡውን ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ዘሎ ዕዮ ንምቅላል ኣቓልቦ ተገብረ። (ፊልጲ 1:9, 10) እቶም ናይ ክርስቶስ ንኡሳን ጓሶት ተሰኪሞምዎ ዘለዉ ሓላፍነት ኣብቲ ዕዮ ወንጌላውነት መሪሕነት ምውሳድ: ኣብታ ጉባኤ ምምሃር: ከምኡውን ንመጓሰ ኣምላኽ ብግቡእ ምጕሳይ ዘጠቓልል ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16፣ እብራውያን 13:7, 17፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3
ንጡፍ ኰይኑ ዝዓዪ ዘሎ መሪሕነት የሱስ
20. ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም ነየናይ ብዛዕባ ቦታ የሱስ ክንሕዞ ዘሎና ግንዛበ ኢዩ ዘጠቓልል፧
20 ምስታ እናማዕበለት እትኸይድ ዘላ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም ነቲ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ከም “ርእሲ ማሕበሩ” ዝሃቦ መዝነት ኣፍልጦ ምሃብ ዝሓትት ኢዩ። (ኤፌሶን 5:22, 23) ካልእ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ኸኣ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 55:4 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ኢዩ። ኣብቲ ጥቕሲ እቲ የሆዋ “እንሆ: ምስክር ንህዝብታት: መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ” ይብለና። የሱስ ብኸመይ ከም ዝመርሕ ብርግጽ ይፈልጥ ኢዩ። ነባጊዑ የለልየን ንግብርታተን ድማ ይፈልጦ ኢዩ። ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ማሕበራት ምስ መርመረን ‘ንግብረን ከም ዝፈልጦ’ ሓሙሽተ ሳዕ ገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 2:2, 19፣ 3:1, 8, 15) የሱስ እውን ልክዕ ከም ኣቦኡ የሆዋ ድሌትና ይፈልጥ ኢዩ። ነቲ ናይ ኣብነት ጸሎት ቅድሚ ምሃቡ “እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ: ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” በለ።—ማቴዎስ 6:8-13
21. መሪሕነት የሱስ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝገሃድ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧
21 መሪሕነት የሱስ ብኸመይ ኢዩ ዝገሃድ፧ ሓደ ካብቲ መገድታት በቶም “ውህበት ሰብኡት” (NW ) ዝዀኑ ተዓዘብቲ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:8) ራእይ 1:16 እቶም እተሸሙ ሽማግለታት ኣብ የማናይ ኢዱ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ኸም ዘለዉ ገይራ ኢያ እትገልጾም። ሎሚ የሱስ ነቲ ብሽማግለታት ዝቘመ ምድላው—እቶም ሰብኡት ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ተስፋ ይሃልዎም ብዘየገድስ—ባዕሉ ኢዩ ዝመርሖ። ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ንሳቶም ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰፊሩ ዘሎ ብቕዓታት ብመንፈስ ቅዱስ ኢዮም ዝሽየሙ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ጕጅለ ሽማግለታት ነተን ጉባኤታት: ብሓፈሽኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈት ዝዕዘብ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቚሞም ነበሩ። ሎሚውን እንተዀነ እዚ ኣገባብ እዚ ኢዩ ብማሕበር የሆዋ ዝስርሓሉ ዘሎ።
ማዕረ ማዕረ ሰጕም!
22. እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዝገብር፧
22 ኣብ ምድሪ ዘሎ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወኪሉ ዘሎ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኢዩ ብሕድሪ ተዋሂቡ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ቀንዲ ዘገድሶ ነገር ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈሳዊ ትምህርትን መምርሕን ምሃብ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6) ይኹን እምበር: ኣመንቲ ብጾት ብባህርያዊ ዕንወት ክትንከፉ ኸለዉ ኣመሓዳሪ ኣካል ረድኤት ንምሃብ ከምኡውን ንዝፈረሰ ኣባይትን ኣደራሻት መንግስትን ንምዕራይ ወይ እንደገና ንምህናጽ ንሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቍጽሪ ንዘለወን ሕጋውያን ትካላት ይሓትት ኢዩ። ገለ ክርስትያናት ምስ ዝግፍዑ ወይ መስጐጕቲ ምስ ዝወርዶም ብመንፈስ ንምህናጾም ስጕምትታት ይውሰድ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ዕዮ ስብከት “ኣብ ግዜ ጭንቂ” (NW ) ንቕድሚት ንኽግስግስ ጻዕርታት ይግበር ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2
23, 24. ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወረደ ይውረድ ብዘየገድስ የሆዋ ብቐጻሊ እንታይ ኢዩ ዝህብ: እቲ ኽንገብሮ ዘሎና ቈራጽነትከ እንታይ ኢዩ፧
23 ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወረደ ይውረድ ብዘየገድስ የሆዋ መንፈሳዊ መግቢ ከምኡውን እቲ ዘድሊ መምርሒ ካብ ምሃብ ኣየቋርጽን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣምላኽ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ተወሳኺ ምዕባለታትን ምትዕርራይን ክግበር ክደሊ ኸሎ ምእንቲ ኽዳለዉ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ጥበብን ምስትውዓልን ይህቦም ኢዩ። (ዘዳግም 34:9፣ ኤፌሶን 1:16, 17) የሆዋ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነትና ንምፍጻምን ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎትና ንምዕማምን ዘድልየና ዘበለ ነገራት ከየባተኸ የማልኣልና ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5
24 የሆዋ ንህዝቡ ከቶ ኸም ዘይርሕርሖምን ካብቲ ዝመጽእ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ኸም ዘናግፎምን ኣንዳዕዲዕና ኢና እንኣምን። (ራእይ 7:9-14፣ መዝሙር 94:14፣ 2 ጴጥሮስ 2:9) ነታ ኣብ ፈለማ ዝነበረትና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና ክንሕዛ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (እብራውያን 3:14) ሃየ እምበኣር ማዕረ ማሕበር የሆዋ ንምስጓም ቈራጽነት ንግበር።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ማሕበር የሆዋ ንቕድሚት ትግስግስ ኣላ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
• ህዝቢ ኣምላኽ እናደመቐ ዝኸይድ መንፈሳዊ ብርሃን ይረኽቡ ኸም ዘለዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣየናይ ኢዩ፧
• ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምምሕያሻት ክግበር ዝጸንሐ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ፧
• ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ከመይ ዝበለ እዋናዊ ናይ ኣሰራርሓ ምትዕርራያት ኢዩ ኽግበር ዝጸንሐ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ዳዊት ንዅሉ እቲ ዘደንቕ ግብርታት የሆዋ ክንቈጽሮ ኣይንኽእልን ኢና
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
መጓሰ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ኣሰራርሓ ዝግበር እዋናዊ ምትዕርራያት ረብሓ ይረኽባ ኢየን