ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብልጽቲ ፕሮጀክት”

“ብልጽቲ ፕሮጀክት”

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

“ብልጽቲ ፕሮጀክት”

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ዘመናዊ ታሪኾም እተጀመረሉ እዋን ኣትሒዞም ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል የሱስ ክርስቶስ እተነበዮ ትንቢት ኣጸቢቖም ይግደስሉ ኢዮም:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:⁠14) መጀመርታ ናይተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝዀነት 1914 ምስ ቀረበት: ቅኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ዓለምለኻዊ ወፈራ ትምህርቲ ብዓሚቝ ምርዳእ ጀመሩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

እዞም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መላእ ምድሪ ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ሓድሽ: ጕሉሕ: ከምኡውን ንጹር ሜላ ክጥቀሙ ጀመሩ። ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ: ብሓሳብና እስከ ንድሕሪት ንመለስ።

ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዘኽእል ሓድሽ መገዲ

እዋኑ ጥሪ 1914 ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ ዝርከብ ኣደራሽ ምስ 5,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጸልማት ኮፍ ኢልካ ከም ዘሎኻ ገይርካ ሕሰብ። ኣብ ቅድሜኻ ተንቀሳቓሲ ፊልም ዝረኣየሉ ዓቢ ዓለባ ኣሎ። ሓደ ነዊሕ ጁባ እተኸድነ ሸያብ ሰብኣይ ክርአ ይጅምር። ቅድሚኡ ዝርርብ ዘይብሉ ፊልምታት ኢኻ ርኢኻ: እዚ ሰብኣይ እዚ ግን ክዛረብ ይጅምር: ንስኻ እውን ክትሰምዖ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ብቴክኒካዊ መዳይ ሓድሽ ክበሃል ዝኽእል ምህዞ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ካብቶም ነዚ ብተኸታታሊ ዝቐርብ ምርኢታት ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣዩ ሰባት ኢኻ: እቲ መልእኽቲ እውን ፍሉይ ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ቀዳማይ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቻርለስ ቴዝ ራስል ኢዩ: ኣርእስቲ ናይታ ፊልም ኸኣ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዝብል ኢዩ።

ሲ. ቲ. ራስል ተንቀሳቓሲ ፊልም ንብዙሓት ሰባት ናይ ምስሓብ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ። ስለዚ ብ1912 ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ከዳልዋ ጀመረ። ኣብ መወዳእታኡ: ሸሞንተ ሰዓታት እትወስድ ሕብራዊ ፊልምን ድምጽን ዘለዋ ስላይድ ከምኡውን ተንቀሳቓሲ ፊልም ኰይና ተዳለወት።

እዛ ኣርባዕተ ክፍልታት ዘለዋ “ፎቶ⁠-​ድራማ” ካብ ፍጥረት ጀሚራ ታሪኽ ደቅሰብ ብምዝንታው ክሳዕ እቲ የሆዋ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ንምድርን ንደቅ​ሰብን ዘለዎ ዕላማ መፈጸምታኡ ዝረኽበሉ እዋን ተርኢ። ናይ ንግዲ ትካላት ምስዚ ዝመሳሰል ቴክኖሎጂ ክጥቀማ ዝጀመራ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሐን ኢየን። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግን ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ብናጻ ኢዮም ርእዮማ!

ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ” ዝኸውን ብውሕሉል መገዲ እተቐድሐ ሙዚቃን 96 ዝርርብ ዝሓዘ ዲስኮታትን ተደልዩላ ነበረ። እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ዓለም ዝገልጽ ስተርዮፕቲኮን ስላይድ ብውሕሉል መገዲ ኢዩ ተሳኢሉ። ብኣማእታት ዝቝጸር ሓደስቲ ቅብኣታትን ስእልታትን እውን ኣድልዩ ነይሩ ኢዩ። ገለ ካብቲ ሕብራዊ ዘይንቀሳቐስ ስእልን ፊልምን ብዙሕ ጥንቃቐን ጻዕርን ዘድልዮ ቅብኣታት ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብተደጋጋሚ ኢዩ ተዓዪዩ: ከመይሲ ድሕሪ ገለ ግዜ 20 ኣኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዎ ፊልም ኢዩ ተዳልዩ። እዚ ኸኣ ገለ ክፋል ናይታ “ፎቶ⁠-​ድራማ” ብሓንሳእ ኣብ 80 ከተማታት ንኽርአ ኣኽኣለ!

ብድሕሪ መጋረጃ

እቲ ናይ “ፎቶ⁠-​ድራማ” ምርኢት ክቐርብ ከሎ ብድሕሪ እቲ መጋረጃ እንታይ ይግበር ነበረ፧ ኣሊስ ሆፍማን እትበሃል ሓንቲ ካብ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ በለት:- “እታ ድራማ ክትጅምር ከላ ሓው ራስል ኢዩ ዝርአ። ከናፍሩ ከንቀሳቕስ ምስ ጀመረ ድማ ዲስኮ ይውላዕ . . . ንሕና ኸኣ ተሓጒስና ድምጹ ንሰምዕ ነበርና።”

ዞላ ሆፍማን ብዛዕባ እቲ ንሓደ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ፍጻመ ብሕጽር ዝበለ ግዜ ከም ዝርአ ዝገብር ኣሰራርሓ ከምዚ ትብል:- “መዓልትታት ፍጥረት ከመይ ከም ዝነበረ ክንርኢ ከሎና ብምግራም ኣፍጢጠ እምልከት ነበርኩ። ዕምባባታት ሹሻን በብቑሩብ ክዕንብብ ከሎ ብዓይንና ርኢና ኢና።”

እቲ ሙዚቃ ዝፈቱ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካርል ኤፍ. ክለይን ከምዚ ብምባል ተወሳኺ ሓሳብ ይህብ:- “እዚ ዘደንቕ ፊልምታት በቲ ከም ናርሲሰስ ከምኡውን ሂዩመረስክ ዝኣመሰለ ናእዳ ዘትረፈ ኣዝዩ ዝምስጥ ሙዚቃ እተሰነየ ነበረ።”

ካልእ ዘይርሳዕ ኣጋጣሚታት እውን ነይሩ ኢዩ። ክለይተን ጀይ. ዉድዎርዝ ጁንየር ከምዚ ብምባል ተዘክሮታቱ ይገልጽ:- “ሓድሓደ ግዜ ዘስሕቕ ጕድለት ይርአ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቲ ዲስኮ ‘ከም ዑፍ ናብ ከረን ህደሙ’ ክብል ከሎ ኣብቲ ዓለባ ምርኢት ግን ስእሊ ናይ ሓደ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ጂጋንቶሳውሩስ ዝበሃል ገዚፍ እንስሳ ተራእየ”!

ኣብ ርእሲ እታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን:” “ዩሬካ ድራማ” እትበሃል እተፈላለየ ክፍልታት ዘለዋ ተዳለወት። (ሳጹን ርአ።) እታ ሓንቲ ክፍሊ ናይታ “ዩሬካ ድራማ” እተቐድሐ ዝርርባትን ሙዚቃን ዝሓዘት ክትከውን ከላ: እታ ካልኣይቲ ኸኣ ድምጽን ዘይንቀሳቐስ ምስልን ዝሓዘት ነበረት። እታ “ዩሬካ ድራማ” ተንቀሳቓሲ ፊልም እኳ እንተ ዘይነበራ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይርከቡሉ ቦታታት ምስ ተራእየት ብዙሕ ፍረ ኣፍርያ ኢያ።

ምስክርነት ንምሃብ እተገልግል ሓያል መሳርሒት

ክሳዕ መወዳእታ 1914 “ፎቶ⁠-​ድራማ” ኣብ ሰሜን ኣመሪካ: ኣውሮጳ: ከምኡውን ኣውስትራልያ ብድምሩ ልዕሊ 9,000,000 ዝዀኑ ሰባት ርእዮማ ኢዮም። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት እኳ እንተ ነበሩ: በዛ ሓዳስ መሳርሒት ገይሮም ነቲ ብስራት ምእዋጅ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጸቢቖም ተረዲኦም ነይሮም ኢዮም። እዚ ምርኢት እዚ ንኽርአ ምቹእ ቦታታት ንምክራይ ብሓጐስ ወፈያ ገይሮም ኢዮም። ስለዚ: እዛ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” እዚኣ ንዝረኣይዋ ሰባት ምስ ቃል ኣምላኽን ዕላማታቱን ኣብ ምልላይ ዓቢ ዕዮ ፈጸመት።

ሓደ ሰብ ኣብታ ንሲ. ቲ. ራስል ዝለኣኻ ደብዳበኡ “ነታ ድራማኻ ንመጀመርታ ግዜ ዝራእኹላ እዋን ናይ ህይወተይ መቐይሮ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ፍልጠት መቐይሮ ኢያ ነይራ” ኢሉ ጸሓፈ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ከምዚ በለት:- “እምነት ዘይብለይ ክኸውን ዳርጋ ቍሩብ ተሪፉኒ እኳ እንተ ነበረ: እታ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ እተራእየት ‘ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን’ ግን ኣድሒናትኒ ኢያ። . . . ሕጂ ዓለም ክትህበኒ ዘይትኽእል ሰላም ኣሎኒ: እዚ ክቡር ዋጋ ስለ ዘለዎ ኸኣ ፈጺመ ኣይክሓድጎን ኢየ።”

እቲ ኣብ ናይ ማሕበር ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ደሚትርየስ ፓፓጆርጅ ከምዚ ብምባል ሓሳቡ ሃበ:- “ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ሒደት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሒደት ገንዘብ ኣብ ግምት ከተእትዎ ከሎኻ እዛ ‘ፎቶ⁠-​ድራማ’ ብልጽቲ ፕሮጀክት ኢያ ነይራ። ብሓቂ መንፈስ የሆዋ ነይርዋ ኢዩ!”

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ዩሬካ ድራማ”

እቲ ቀዳማይ ምርኢት ናይ “ፎቶ⁠-​ድራማ” ምስ ተራእየ ሸሞንተ ወርሒ ጸኒሑ: ማሕበር “ዩሬካ ድራማ” እትበሃል ካልእ ቅዳሕ ናይዛ ፊልም ምድላው ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዘበት። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት “ፎቶ⁠-​ድራማ” ብምልእታ ክትርአ ኸላ: እታ ተመሳሳሊ መሰረታዊ መልእኽቲ ዝሓዘት “ዩሬካ” እትበሃል እተፈላለየ ክፋል ዘለዋ ድራማ ኸኣ ኣብ ኣቝሻትን ገጠራትን ትርአ ነበረት። ሓንቲ ክፋል ናይዛ “ዩሬካ ድራማ” “ንኣሓት ፍሉይ ኣጋጣሚ” ናይ ምስክርነት ከም ዝኸፈተትለን ተገሊጹ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ክብደት ናይቲ ዲስኮታት 14 ኪሎ ግራም ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ምርኢት ክህሉ ኸሎ ግን ነቲ ፎኖግራፍ እውን ተማሊእካዮ ክትከይድ የድሊ ነበረ።