ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ዝሽየሙ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን
ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ዝሽየሙ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን
‘ንርእስኹምን ንማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት [“ተዓዘብቲ:” NW ] ገይሩ ሸመኩም።’—ግብሪ ሃዋርያት 20:28
1, 2. ኢሳይያስ 60:22 ፍጻሜኣ ትረክብ ዘላ ብኸመይ ኢያ፧
ነዊሕ ግዜ ይገብር የሆዋ ሓደ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ኣብ እዋን መወዳእታ ኸም ዝፍጸም ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ነበረ:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።”—ኢሳይያስ 60:22
2 እዚ ትንቢት እዚ ሕጂ ይፍጸም ከም ዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣሎዶ፧ ከመይ ደኣ! ኣብ 1870ታት ኣብ ኣልጌኒ: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. ሓንቲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ጉባኤ ቈመት። ካብዚ ተበጊሰን ከኣ ኢየን ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ጉባኤታት ቈይመንን ሰሲነንን ዘለዋ። ሕጂ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ብርቱዕ ህዝቢ ዀይኖም ምስተን ኣብ 235 ሃገራት ዘለዋ ልዕሊ 91,000 ጉባኤታት ይሓብሩ ኣለዉ። እዚ ብዘይጥርጥር እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ቀቅድሚ ምውራዱ የሆዋ ንምእካብ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የቀላጥፎ ምህላዉ ዘረጋግጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:21 NW፣ ራእይ 7:9-14
3. “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ምጥማቕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
3 እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እዚኣቶም ህይወቶም ንየሆዋ ድሕሪ ምውፋዮምን ምስ መምርሒታት የሱስ ድሕሪ ምስምምዖምን “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ተጠሚቖም ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19) እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ውልቀ-ሰባት ‘ብስም ኣቦ’ ምጥማቖም ንየሆዋ ከም ሰማያዊ ኣቦኦምን ወሃብ ህይወቶምን ገይሮም ኣፍልጦ ከም ዝሃብዎን ንሉዓላውነቱ ከም ዝግዝእዎን ዝሕብር ኢዩ። ‘ብስም ወዲ’ ምጥማቖም ድማ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ተበጃዊኦምን መራሒኦምን ንጉሶምን ከም ዝርእይዎ ዘመልክት ኢዩ። ነቲ መንፈስ ቅዱስ: ወይ ከኣ መስለጢ ሓይሊ: ህይወቶም ንኽመርሓሎም ዘለዎ ተራ እውን ይግንዘብዎ ኢዮም። እዚ ድማ ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ’ ከም እተጠመቑ ዝሕብር ኢዩ።
4. ክርስትያናት ኣገልገልቲ ብኸመይ ኢዮም ዝሽየሙ፧
4 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ክጥመቑ ኸለዉ ኢዮም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ንኽዀኑ ዝሽየሙ። መን ኢዩ ዝሸሞም፧ እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:5 ዘሎ ‘[ናይ ምግልጋል] ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ኢዩ’ ዝብል ሓሳብ ኣብኣቶም እውን ዝውዕል ኢዩ። ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝህቦም ሽመት ዝበልጽ ካልእ ክብሪ እሞ እንታይ ኢዮም ክረኽቡ! ድሕሪ ጥምቀቶም ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ክሳዕ እተመላለሱን ቃሉ ኣብ ግብሪ ክሳዕ ዘውዓሉን ከም ኣገልገልቲ “ወንጌል” መጠን ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ኢዮም።—ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:31
እቲ ምሻም ቲኦክራሲያዊ እምበር ደሞክራሲያዊ ኣይኰነን
5. ክርስትያናት ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብደሞክራሲያዊ መገዲ ድዮም ዝሕረዩ፧ ግለጾ።
5 መንፈሳዊ ድሌት ናይቶም ቍጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰሰነ ዝኸይድ ዘሎ ንጡፋት ኣስፋሕቲ ንምሕላይ ብቑዓት ተዓዘብቲ ዝፍጽምዎ ናይ ምዕዛብ ተግባርን ናይ ጉባኤ ኣገልገልቲ ዝህብዎ ውሕሉል ደገፍን የድሊ። (ፊልጲ 1:1) ከምዚኦም ዝበሉ መንፈሳውያን ሰብኡት ብኸመይ ኢዮም ዝሽየሙ፧ በቲ ህዝበ-ክርስትያን እትጥቀመሉ መገድታት ኣይኰኑን ዝሽየሙ። ንኣብነት: ክርስትያን ተዓዘብቲ ብደሞክራሲያዊ መገዲ ማለት ኣባላት እታ ጉባኤ ብዝህብዎ ድምጺ ኣይኰኑን ዝምረጹ። ኣብ ክንድኡስ እቲ ናይ ምሻም ተግባር ዝፍጸም ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ኢዩ። እዚ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧
6. (ሀ) ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣሻይማ ቲኦክራሲያዊ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
6 ናይ ሓቂ ቲኦክራሲ ብሓጺሩ ኽግለጽ ከሎ ኣምላኻዊ ምምሕዳር ማለት ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ምምሕዳር እዚ ብፍታው ይግዝእዎ ከምኡውን መለኮታዊ ፍቓድ ንምፍጻም ይተሓባበሩ ኢዮም። (መዝሙር 143:10፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ናይ ክርስትያን ተዓዘብቲ ወይ ሽማግለታት ከምኡውን ኣገልገልቲ ጉባኤ ኣሻይማ ቲኦክራሲያዊ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ኸምዚኦም ዝበሉ ንሓላፍነት ዝበቕዑ ሰብኡት ናይ ምሕጻይን ምሻምን መስርሕ ዝካይድ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ስርዓት ኣምላኽ ኢዩ። የሆዋ “ከም ርእሲ ልዕል” ዝበለ ብምዃኑ እታ እትርአ ማሕበሩ ብኸመይ ክትካየድ ከም ዘለዋ ናይ ምውሳን ዘየተሓታትት መሰል ኣለዎ።—1 ዜና መዋእል 29:11፣ መዝሙር 97:9
7. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ዝመሓደሩ፧
7 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዋ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ዝገብርኦ ዝመሓደርሉ ሃይማኖታዊ መዋቕር ኣየውጽኡን ኢዮም። እዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብ ስርዓታት የሆዋ ንምጥባቕ ኢዮም ዝጽዕቱ። እቶም ዝሽየሙ ተዓዘብቲ ኻብ ቤተ-ክህነት ወይ ካብ ፓትርያርካዊ ወይ ከኣ ካብ ፕረስቢተርያዊ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ኣይኰነን መዝነት ዝወሃቦም። ባእታታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሻይማ ጣልቃ ኽኣትዉ እንተድኣ ፈቲኖም ህዝቢ የሆዋ ኣይለማለሙን ኢዮም። ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ክብሉ ኸለዉ ጐሊሑ እተራእየ ኣቕዋም ኢዮም ብጽንዓት ዘንጸባርቑ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) በዚ ኸምዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ብዅሉ ነገር ይግዝእዎ። (እብራውያን 12:9፣ ያእቆብ 4:7) ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ምስዓብ መለኮታዊ ስምረት የውህብ።
8. ኣብ መንጎ ደሞክራሲያውን ቲኦክራሲያውን ኣሰራርሓታት ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ፧
8 ኣገልገልቲ ናይቲ ዓቢ ቲኦክራት ዝዀነ የሆዋ ብምዃንና ነቲ ኣብ መንጎ ደሞክራሲያውን ቲኦክራሲያውን ኣሰራርሓታት ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጦ ሰናይ ኢዩ። ኣብ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሻይማ ማዕረ ቍጽሪ ተወከልቲ መረጽቲ ኣለዉ: ሕጹያት ንኽምረጹ ጐስጓስ ይገብሩ: ከምኡውን እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰብ ይሽየም። እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገባብ ኣሻይማ ቦታ የብሉን። ቲኦክራሲያዊ ሽመት ካብ ሰባት ዝምጠው ኣይኰነን: ወይ እውን ካብ ሕጋውያን ትካላት ዝመጽእ ኣይኰነን። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ክኸውን ካብ የሱስን የሆዋን እተዋህቦ ሽመት ንኽገልጽ ደልዩ ኢዩ ዝኸውን ንሰብ ገላትያ “ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር: ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ” ብምባል ዝነገሮም።—ሮሜ 11:13፣ ገላትያ 1:1
ብመንፈስ ቅዱስ ይሽየሙ
9. ግብሪ ሃዋርያት 20:28 ብዛዕባ ኣሻይማ ክርስትያን ተዓዘብቲ እንታይ ትብል፧
9 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ተዓዘብቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝሸሞም ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት [“ተዓዘብቲ:” NW ] ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ” ብምባል ተላብይዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዞም ክርስትያን ተዓዘብቲ እዚኣቶም ድሕሪ ሽመቶም እውን እንተዀነ ንመጓሰ ኣምላኽ ኣብ ናይ ምጕሳይ ሓላፍነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ክምርሑ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ካብቲ መለኮታዊ ብቕዓት እንተድኣ ኣጕዲሉ ካብቲ ቦታ ንኽእለ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ኢዩ።
10. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣሻይማ ኣገዳሲ ተራ ዝህልዎ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
10 መንፈስ ቅዱስ ኣገዳሲ ተራ ዝህልዎ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ቅድም ቀዳድም እቲ ተዓዘብቲ ከማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ዝሰርዕ ጽሑፍ: መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ኢዩ። ጳውሎስ ኣብተን ናብ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዝሰደደን መልእኽታቱ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ከማልእዎ ዝግባእ ብቕዓታት ገሊጹ ኣሎ። ኵሉምሉ 16 ዝኸውን እተፈላለየ ብቕዓታት ሓቢሩ ኣሎ። ንኣብነት ተዓዘብቲ መንቅብ ዘይብሎም: ወልፍታት ንኸየሕድሩ ዝጥንቀቑ: ነፍሶም ዝቐጽዑ: ኣገባብ ዝፈልጡ: ተቐበልቲ ኣጋይሽ: ብቕዓት ምስትምሃር ዘለዎም: ከም ርእስታት ስድራቤት መጠን ኣብነታውያን ክዀኑ ከም ዘለዎም ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። ሚዛናዊ ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ ክህልዎም: ፍቕሪ ገንዘብ ዘይብሎም: ከምኡውን ርእሶም ዝገትኡ ክዀኑ ከም ዘለዎም ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ። እቶም ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ዝመጣጠሩ ደቂ ተባዕትዮ እውን ተመሳሳሊ ልዑል መዐቀኒታት ኢዩ ተሰሪዕሎም ዘሎ።—1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶስ 1:5-9
11. እቶም ንናይ ጉባኤ ሓላፍነት ዝመጣጠሩ ደቂ ተባዕትዮ ከማልእዎ ዝግባእ ገለ ብቕዓታት እንታይ ኢዩ፧
11 ነዚ ብቕዓታት እዚ ምስ እንግምግሞ እቶም ኣብ ኣምልኾ የሆዋ መሪሕነት ክወስዱ ዘለዎም ሰባት ብክርስትያናዊ ኣካይድኦም ኣብነታውያን ክዀኑ ከም ዘለዎም ዘርኢ ኢዩ። እቶም ንናይ ጉባኤ ሓላፍነት ዝመጣጠሩ መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ይዓዪ ኸም ዘሎ ከርእዩ ይግባእ። (2 ጢሞቴዎስ 1:14) መንፈስ ኣምላኽ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” የፍሪ ኸም ዘሎ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። (ገላትያ 5:22, 23) ከምዚ ዝበለ ፍረ ኣብቲ ምስ ኣመንቲ ብጾቶምን ካልኦት ሰባትን ዘለዎም ርክብ ክንጸባረቕ ይግባእ። ገሊኦም ንገለ ፍረ መንፈስ ኣዕዚዞም ከንጸባርቕዎ ኸለዉ ካልኦት ከኣ ነቲ ኻብ ተዓዘብቲ ዝድለ ኻልእ ብቕዓታት ብዝለዓለ ደረጅኡ የማልእዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኵሎም እቶም ተዓዘብቲ ወይ ድማ ኣገልገልቲ ጉባኤ ክዀኑ ዝምነዩ ሓፈሻዊ መዳይ ህይወቶም ምስቲ ቃል ኣምላኽ ዝሓቶ ብቕዓታት ዘሰማምዑ መንፈሳውያን ሰባት ምዃኖም ከርእዩ ይግባእ።
12. ብመንፈስ ቅዱስ ኢዮም ተሸይሞም ክበሃለሎም ዝከኣል ንመን ኢዩ፧
12 ጳውሎስ ሰዓብቱ ንኽዀኑ ንኻልኦት ክምዕዶም ከሎ ነቲ ‘ኣስኣሰሩ ክንስዕብ ኣርኣያ ዝሓደገልና’ የሱስ ክርስቶስ ይስዕቦ ስለ ዝነበረ ሰገጥ ዘብል ምኽንያት ኣይነበሮን። (1 ጴጥሮስ 2:21፣ 1 ቈረንቶስ 11:1) እቶም ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዘማልእዎ ደቂ ተባዕትዮ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ክሽየሙ ኸለዉ እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ሸይምዎም ክበሃል ይከኣል።
13. መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘገልግሉ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓጽዩ ሽማግለታት ዝሕግዞም ብኸመይ ኢዩ፧
13 መንፈስ ቅዱስ ተዓዘብቲ ኣብ ምሕጻይን ምሻምን ከም ዝዓዪ ዘረጋግጽ ካልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንዝልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝህቦም’ የሱስ ገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 11:13) ስለዚ ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ሽማግለታት ናይ ጉባኤ ሓላፍነት ዝስከሙ ደቂ ተባዕትዮ ክሓጽዩ ኸለዉ መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽመርሖም ይጽልዩ ኢዮም። እቲ ዝሓጽይሉ መገዲ ብመሰረት እቲ መንፈስ ኣብ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ሰፊሩ ዘሎ መምርሒ ኢዮም ዝገብርዎ: ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እቲ ዝሕጸ ዘሎ ውልቀ-ሰብ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት የማልኦ ድዩ ኣየማልኦን ንምምማይ የኽእሎም ኢዩ። እቶም ዝሓጽዩ ብደጋዊ ትርኢት: ደረጃ ትምህርቲ: ወይ ድማ ብተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ኣመና ኣይጽለዉን ኢዮም። ኣባላት ናይታ ጉባኤ መንፈሳዊ ምኽሪ ደልዮም ንኽቐርብዎ ሰጋእ ዘይብልሉ መንፈሳዊ ሰብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ ቀንዲ ኸተኵርሉ ዝግብኦም ነገር ኢዩ።
14. ካብ ግብሪ ሃዋርያት 6:1-3 እንታይ ኢና እንማሃር፧
14 ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ዘገልግሉ ኣሕዋት ናይ ምሕጻይ ተግባር ምስ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዀይኖም ዝፍጽምዎ ጕዳይ እኳ እንተዀነ: እቲ ሽመት ዝጸድቕ ግን ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣገባብ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣገዳሲ መዝነት ዝሕዙ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ተደልዩ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ “ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ: ነዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም” ዝብል መምርሒ ሃበ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-3) ምንም እኳ እቶም ኣብዚ ዅነታት እዚ ዝዋስኡ ዝነበሩ ሰባት ሕጹያት እንተ ኣቕረቡ እቲ መዝነት ዝጸደቐ ግን በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰብኡት ኢዩ። ሎሚ እውን እንተዀነ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኢዩ ዘሎ።
15. ኣመሓዳሪ ኣካል: ኣብ ጕዳይ ምሻም ዝዋሳእ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧
15 ኵሎም ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ቀጥታ ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ዝሽየሙ። ኣመሓዳሪ ኣካል ነዚ ኸምዚ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት መን ክስከሞ ኸም ዝኽእል ክውስን ከሎ ነቲ የሱስ “ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ: ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም” ብምባል ዝገለጾ ሓሳብ ኣብ ግምት የእትዎ ኢዩ። (ሉቃስ 12:48) ኣመሓዳሪ ኣካል ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ቤትኤል ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን እውን ይሸይም ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ክንድኡ ዀይኖም ካልእ ሽመት ዘጽድቑ ሕድሪ ዘጽንዑ ኣሕዋትውን ይምዝዝ ኢዩ። ነዚ ኣገባብ እዚውን እንተዀነ መሰረት ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኣሎ።
‘ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ገይርካ ሽም’
16. ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደጎ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዝስርሓሉ ዘሎ ቲኦክራሲያዊ ኣሻይማ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧
16 ጳውሎስ ነቲ መተዓይይቱ ዝነበረ ቲቶስ “ከምቲ ኣነ ዝአዘዝኩኻ ጌርካ: ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ: ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ” ብምባል ነጊርዎ ነበረ። (ቲቶስ 1:5) ድሕርዚ ጳውሎስ ነቲ ቲቶስ ኣብቶም ንኸምዚ ዝበለ ሽመት ዝበቕዑ ደቂ ተባዕትዮ ክርእዮ ዘለዎ ብቕዓታት ዘርዚሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ሎሚ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ክንድኡ ዀይኖም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዝሸሙ ብቑዓት ኣሕዋት ኣብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ዝሸይም። እቶም ኣብ ክንዲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ከምዚ ዝበለ ሽመት ዘጽድቑ ኣሕዋት ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ብግቡእ ዝርድእዎን ዝስዕብዎን ብዛዕባ ምዃኖም ጥንቃቐ ይግበር ኢዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግሉ ብቑዓት ሰብኡት ብመሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ኢዮም ዝሽየሙ።
17. ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ክሽየሙ ዝቐርብ ምሕጽንታ ብኸመይ ይምልከቶ፧
17 ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንኽሽየሙ ምሕጽንታ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ቀረበ: ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት ነቲ ሽመት ንምጽዳቕ ኣብ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ኢዮም ዝውከሉ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ተሓታትነት ስለ ዝስምዖም ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ምእንቲ ኸይጽምበሩ ኢዶም ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከንብሩ ኸም ዘይብሎም ይግንዘቡ ኢዮም።—1 ጢሞቴዎስ 5:22
18, 19. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ሽመት ከም ዝጸደቐ ዝሕበረሉ መገዲ ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ብምልኡ ናይ ምሕጻይን ምሻምን መስርሕ ዝካየድ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ናይ ሕጋዊ ትካል ወግዓዊ ማሕተም እተኸትመሉ ደብዳበ ምልኣኽ: እቲ መዝነት ከም ዝጸደቐ ካብ ዝሕበረሉ መገድታት ሓደ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ቍጽሮም ካብ ሓደ ንላዕሊ ንዝዀኑ ኣሕዋት ንምሻም ከምዚ ዝበለ ሓደ ደብዳበ ጥራይ ይስደድ ይኸውን ኢዩ።
19 ቲኦክራሲያዊ ሽመት ብየሱስ ክርስቶስ: በቲ ዝርአ ምድራዊ መትረብ ዝዀነ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ከምኡውን በቲ ናይዚ ባርያ እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ ካብ የሆዋ ኢዩ ዝመጽእ። (ማቴዎስ 24:45-47) ብምሉኡ እቲ ናይ ከምዚ ዝበለ ናይ ምሕጻይን ምሻምን መስርሕ ዝካየድ ወይ ድማ ዝምራሕ ብመንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ከመይሲ እቲ ብቕዓታት ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ተሰሪዑ ኢዩ ዝርከብ ከምኡውን እቲ ዝሽየም ውልቀ-ሰብ ፍረ መንፈስ ከም ዘፍሪ መርትዖ ይህብ። ስለዚ እቲ ሽመት ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተዋህበ ገይርካ ክርአ ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ዝሽየሙ ዝነበሩ ሎሚውን ከምኡ ኢዩ።
ንየሆዋ ስለ እቲ መሪሕነቱ ነመስግኖ
20. ነቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 133:1 ገሊጽዎ ዘሎ ሓሳብ እንሰማማዓሉ ስለምንታይ ኢና፧
20 ኣብዚ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ መንፈሳዊ ብልጽግናን ቲኦክራሲያዊ ዕብየትን ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን: የሆዋ ነቲ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ናይ ምሻም ተግባር ባዕሉ ብሓላፍነት ሒዝዎ ብምህላዉ መመስገንቲ ኢና። እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምድላው እዚ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ነቲ ዝለዓለ ኣምላኻዊ መዐቀኒታት ንኽንዕቅቦ ዘኽእለና ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ እዞም ደቂ ተባዕትዮ እዚኣቶም ዘንጸባርቕዎ ክርስትያናዊ መንፈስን ትግሃትን ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ዘደንቕ ሰላምን ሓድነትን ንኽህልወና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ። ስለ ዝዀነ ኸኣ ኢና ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ኢልና ስምዒትና ንምግላጽ እንድረኽ።—መዝሙር 133:1
21. ኢሳይያስ 60:17 ሎሚ ተፈጻምነታ ትረክብ ዘላ ብኸመይ ኢያ፧
21 የሆዋ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ኣቢሉ መምርሒ ስለ ዝህበናስ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ! እቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:17 ተመዝጊቡ ዘሎ “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ” ዝብል ቃላት ብርግጽ ትርጉም ሓዘል ኢዩ። ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዝያዳ እናተኣታተወ ብዝኸደ መጠን ከምዚ ዝበለ በረኸታት ኣብ ኵሉ መዳይ ምድራዊት ማሕበር ኣምላኽ ከነስተማቕር ጸኒሕና ኢና።
22. ብዛዕባ ምንታይ ኢና ከነማሱ ዘሎና: እንታይ ንምግባርከ ኢና ቘራጻት ክንከውን ዝግብኣና፧
22 በዚ ዝስርሓሉ ዘሎ ቲኦክራሲያዊ ስርዓት ኣዚና መመስገንቲ ኢና። ነቲ ብርቱዕ ግንከ ዘዕግብ ጻዕሪ ናይቶም ብቲኦክራሲያዊ መገዲ እተሸሙ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣዚና ኢና እነማስወሉ። ነቲ ብመንፈሳዊ ብልጽግና ዝጸገወናን ብበረኸቱ ዘሀብተመናን ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብምሉእ ልብና ኢና እነመጕሶ። (ምሳሌ 10:22) ሃየ እምበኣር ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ንምስጓም ቈራጽነት ንውሰድ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምእንቲ ኽብርን ውዳሰን ግርማን እቲ ዓብይን ቅዱስን ስም ኣምላኽ ኢልና ንየሆዋ ብሓድነት ምግልጋልና ንቐጽል።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እቲ ናይ ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣሻይማ ደሞክራሲያዊ ዘይኰነስ ቲኦክራሲያዊ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል በየናይ ምኽንያት ኢዩ፧
• ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያን ደቂ ተባዕትዮ ብመንፈስ ቅዱስ ዝሽየሙ ብኸመይ ኢዮም፧
• ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ምሻም ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዝዋሳእ ብኸመይ ኢዩ፧
• ንቲኦክራሲያዊ ሽመት ብዝምልከት ንየሆዋ ከነማስዎ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ናይ ኣገልግሎት መሰል ዝረኽቡ ብቲኦክራሲያዊ ኣገባብ ኣሻይማ ኢዩ