ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርዱኣት ኰይኖም ንቕድሚት ይስጕሙ ኣለዉ!

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርዱኣት ኰይኖም ንቕድሚት ይስጕሙ ኣለዉ!

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርዱኣት ኰይኖም ንቕድሚት ይስጕሙ ኣለዉ!

ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ

 ኣብዚ ሰባት ብምጥርጣር ዝመላለሱሉ ዘለዉ እዋን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርዱኣት ብምዃን እተፈልዩ ኰይኖም ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጀርሲ ሲቲ: ኒው ጀርሲ: ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ብ7 ጥቅምቲ 2000 እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ንጹር ኰይኑ ኢዩ። a

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጆን ኢ. ባር ኣብ መእተዊ ዝርርቡ ከምዚ በለ:- “ካብዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ንሕና ኢና እቲ ፍቑር ወዲ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ከም ዝነገሰን ኣብ መንጎ ጸላእቱ ይገዝእ ምህላዉን እንፈልጥን እንኣምንን።” ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ምርዳእ ከም ዘሎ በቲ ካብ በበይኑ ክፍልታት ዓለም ዝቐረበ ሽዱሽተ ዘሐጕስ ጸብጻባት ተረጋጊጹ ኢዩ።

ኣብ ሃይቲ ንሓተታ መናፍስቲ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስናፉ

ኣብ ሃይቲ ሓተታ መናፍስቲ ልሙድ ተግባር ኢዩ። እቲ ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ናይታ ሃገር ዝዀነ ጆን ኖርማን “መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ዕቝባ ንኽረኽቡ ኢሎም ኣብ ቩዱ ዝበሃል ዓይነት እምነት ይካፈሉ ኢዮም” በለ። ሓደ ጠንቋሊ እግሩ ብሓደጋ ምስ ተቘርጸ ጥርጣረታት ክሓድሮ ጀመረ። ‘ብመናፍስቲ ዕቝባ ዝግበረለይ እንተ​ድኣ ዀይኑ ከመይ ኢሉ እዚ ከጋጥመኒ ይኽእል፧’ ኢሉ ንርእሱ ክሓትት ጀመረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ንኻልኦት ሰባት ዝምህርዎም ነዚ ሰብኣይ እዚ እውን ሓቂ መሃርዎ: ካብ ሓተታ መናፍስቲ ሓራ ንኽኸውን ድማ ሓገዝዎ። ኣብቲ ብ19 ሚያዝያ 2000 እተገብረ ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣኪቦም ስለ ዝነበሩ ኣብ ሃይቲ ወሰኽ ንምግባር ተኽእሎ ከም ዘሎ የርኢ።

ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ኮርያ ዝርአ ዘሎ ቅንኢ

ኣብ ኮርያ: 40 ሚእታዊት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ ኢዮም። ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ናይታ ሃገር ሚልተን ሃሚልተን “ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሰራዊት ስለ ዘሎና: ነቲ 47 ሚልዮን ሰባት ዝርከብዎ ዞባና ዳርጋ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ንሽፍኖ ኢና” በለ። ብፍላይ ኣብ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታት ጕሉሕ ዕቤት ይርአ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ናይ ምልክት ቋንቋ ወረዳ: 800 ሰባት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይምርሓሎም ኣሎ። እዚ ኸኣ ብገምጋም ክርአ ኸሎ ሓደ ጽንዓት ንሓደ ኣስፋሒ ይበጽሖ። እቲ ዘሕዝን ግን መንእሰያት ብሰንኪ ገለልትነቶም ሕጂ እውን ይእሰሩ ምህላዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: እዞም እሙናት ክርስትያናት በቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ኢዩ ዝግበረሎም: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ተኣማንነት ዝሓትት ስራሕ ይወሃቦም ኣሎ።

ነቲ ኣብ ሜክሲኮ ዘሎ ዕቤት ዝሓቶ ጠለባት ምምላእ

ኣብ ነሓሰ 2000 ዝለዓለ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ሜክሲኮ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ዝሃቡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ 533,665 በጺሑ ነይሩ። ኣብ ዝኽሪ በዓል ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ቝጽሪ ተኣኪቦም ነይሮም። ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ናይታ ሃገር ሮበርት ትሬሲ “ናይዚ ዓመት እዚ ሸቶና 240 ተወሰኽቲ ኣደራሻት መንግስቲ ምህናጽ ኢዩ” በለ። ወሲኹ ድማ “ገና ግን ብዙሕ ተወሳኺ የድልየና ኢዩ” በለ።

እቶም ኣብ ሜክሲኮ ዝርከቡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነታውያን ኢዮም። ሓደ ናይ ካቶሊክ ካህን ብዛዕባ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለ:- “ካብቶም ምእመናንና ሓደ ከምኡ ክህልወኒ ምፈተኹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ጽኑዕ ዕላማ ስለ ዘለዎምን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥበብ ስለ ዝጥቀሙሉን አድንቖም ኢየ። ንኣምላኽ ንምጥባቕ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣሕሊፎም ዝህቡ ኢዮም።”

ኣብ ሴራ ልዮን ዘይምርግጋእ እኳ እንተ ሃለወ ንጽህና ምሕላው

ኣብ ሚያዝያ 1991 ኣብ ሴራ ልዮን ውግእ ሓድሕድ ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም: ቈሲሎም: ወይ ሰንኪሎም ኢዮም። ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ናይታ ሃገር ቢል ኮወን እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበ:- “ውግእን መከራን ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ ጽልዋ ገይሩ ኢዩ። ብዙሓት ብመልእኽትና ዘይግደሱ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ ተገዲሶም ይሰምዑ ኣለዉ። ሰባት ከይተዓደሙ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣደራሻት መንግስትና ክመጹ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ሰባት ንኣሕዋትና ኣብ መገዲ ደው ኣቢሎም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ብዙሕ ግዜ ይሓቱ ኢዮም።” እታ ሃገር ዘይምርግጋእ እኳ እንተለዋ: እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ፍረ የፍሪ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ህንጸት ፕሮግራም

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዞባ ብኣሽሓት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ ምስራሕ ኣድልዩ ኣሎ። ድሮ ብኣማእታት ዝቝጸር ኣደራሻት ተሃኒጹ ኣሎ። ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ጆን ኪኮት ከምዚ በለ:- “ኣሕዋትና ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ኣጕዶ ወይ ኣብ ትሕቲ ኦም ዘይኰነስ ምቹእ ኮፍ መበሊ ኣብ ዘለዎ ብቑዕ ኣደራሻት ይእከቡ ኣለዉ። ዝበዝሕ እዚ ኣደራሻት መንግስቲ ቅልል ዝበለ ንድፊ እኳ እንተለዎ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢኡ ካብ ዘሎ ህንጻታት ንላዕሊ ዝስሕብ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ተሃንጸ: ኣብ ዓመቱ ኣባላት እተን ጉባኤታት ወሰኽ ብምግባር ካብ ዕጽፊ ንላዕሊ ከም ዝዀኑ ተፈሊጡ ኣሎ።”

ሓድሽ ወለዶ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዩክረይን

ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ኣብዛ ሃገር 112,720 ዝኸውን ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ተራእዩ ኢዩ። ካብዚኣቶም ልዕሊ 50,000 ዝዀኑ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኢዮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ፈሊጦም። ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ናይታ ሃገር ጆን ዲደር “ብሓቂ የሆዋ ስሙ ንምእዋጅ ሓድሽ ወለዶ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣተሲኡ ኣሎ!” በለ። ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ካብ 50 ሚልዮን ዝበዝሕ መጽሔታት ዓዲልና ኢና: እዚ ድማ ማዕረ ብዝሒ ህዝቢ ናይታ ሃገር ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም ሓደ ሽሕ ዝኸውን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ሓበሬታ ደልዮም ዝጸሓፍዎ ደብዳበታት ይመጸና።”

ኣብቲ ፕሮግራም ዝቐረበ ካልእ ዘነቓቕሕ ነገር

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዳንየል ሲድሊክ ሓደ ኣቓልቦኻ ዝስሕብ ዝርርብ ኣቕረበ። እታ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ወጺኣ ዘላ “ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን ሕጋዊ ትካልን ዘሎ ፍልልይ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ኣብቲ ሽዑ ቐሪቡ ዝነበረ ትምህርቲ እተመስረተት ኢያ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ “ብቲኦክራሲያዊ መገዲ እተሸሙ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን” ዘርእስቱ ንኣእምሮ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣብዛ መጽሔት ወጺአን ካብ ዘለዋ ኣርእስትታት ሓንቲ ኣብዛ ዝርርብ እዚኣ እተመስረተት ኢያ።

ኣብዚ ዓመታዊ ኣኼባ: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ደቪድ ስፕለይን ብዛዕባ እታ ዓመታዊት ጥቕሲ ናይ 2001 ዘነቓቕሕ ዝርርብ ሂቡ ኢዩ። እታ ጥቕሲ ኣብ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ እተመስረተት ኰይና ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው [በሉ]።” (ቈሎሴ 4:⁠12) ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣብ ዝሰብኩሉ እዋን ርዱኣት ኰይኖም ደው ንምባል ቈሪጾም ኢዮም ዘለዉ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ፕሮግራም ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ናብ እተፈላለየ ቦታታት ይመሓላለፍ ስለ ዝነበረ ጠቕላላ ቍጽሪ ተኣከብቲ 13,082 ኢዩ ነይሩ።