ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን ሕጋዊ ትካልን ዘሎ ፍልልይ

ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን ሕጋዊ ትካልን ዘሎ ፍልልይ

ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን ሕጋዊ ትካልን ዘሎ ፍልልይ

 ካብ ጥሪ 1885 ኣትሒዙ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ክግበር ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ምእካብ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን: እቶም ዳይረክተራትን ሓለፍትን ናይዚ ትካል ሰማያዊ ተስፋ ዝነበሮም ኢዮም ነይሮም። እዚ ዳርጋ ክሳዕ ሕጂ እውን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ቀጺሉ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን ፍልይ ዝበለ ነገር ተራእዩ ኢዩ። ብ1940 እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ሕጋዊ ኣማኻርን ካብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ዝነበረ ሃይድን ሲ. ከቪንግተን ዳይረክተር ናይ ማሕበር ኰይኑ ተመርጸ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ካብ 1942 ክሳዕ 1945 ምክትል ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: የሆዋ ዅሎም ናይ ትካል ፐንሲልቫንያ ዳይረክተራትን ሓለፍትን ካብ ቅቡኣት ክርስትያናት ክዀኑ ኢዩ ዝደሊ ዝብል ምርዳእ ስለ ዝነበረ: ሓው ከቪንግተን ምስዚ ንምስምማዕ ዳይረክተር ኰይኑ ካብ ምግልጋል ኣቋረጸ። ሽዑ ሊማን ኤ. ስዊንግል ንሃይድን ሲ. ከቪንግተን ተኪኡ ኣባል ቦርድ ዳይረክተራት ኰነ: ፍረደሪክ ዳብሊው. ፍራንዝ ኸኣ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ተመርጸ።

ኣገልገልቲ የሆዋ ኵሎም ዳይረክተራትን ሓለፍትን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ: ቅቡኣት ክርስትያናት ክዀኑ ኣለዎም ኢሎም ዝኣምኑ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ እቲ: ናይ ትካል ፐንሲልቫንያ ቦርድ ዳይረክተራትን ሓለፍትን ምስቲ ወትሩ ብመንፈስ ብእተቐብኡ ሰብኡት ጥራይ ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮን።

ታሪኻዊ ዓመታዊ ኣኼባ

ብ2 ጥቅምቲ 1944 ኣብ ፒትስበርግ ኣብ እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ትካል ፐንሲልቫንያ ነቲ ቻርተር ዘመሓይሽ ሽዱሽተ ሓባራዊ ውሳነ ወጺኡ ነበረ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ቻርተር ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ነቶም ንዕዮ ማሕበር ገንዘብ ዝውፍዩ ጥራይ ከም ዝውሰን ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ግን እታ ሳልሰይቲ መአረምታ ነዚ ኣሰራርሓ እዚ ሰረዘቶ። ብዛዕባ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣባላት ማሕበር ካብ 500 ንላዕሊ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። . . . ነፍሲ ወከፍ ዝምረጽ ኣባል ንማሕበር ብምሉእ ግዜኡ ዘገልግል ወይ ንጕጅለ [ጉባኤ] ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኽፍለ⁠-​ግዜ ዘገልግል ክኸውን: መንፈስ ጐይታ ድማ ከንጸባርቕ ኣለዎ።”

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ናይ ማሕበር ዳይረክተራት ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ብእተወፈዩ ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዮም ዝምረጹ፣ እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት ዝውፍይዎ ገንዘብ እውን ኣብቲ ድምጺ ምንም ጽልዋ የብሉን። እዚ ኸኣ ምስቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣብ ኢሳይያስ 60:⁠17 እተነግረ በብቕሩብ ዝግበር ናይ ምጽራይ ዕዮ ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።” እዚ ትንቢት እዚ ‘ኣሕሉቕን ሹማምትን’ ኢሉ ብምጥቃስ ነቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ህዝቢ የሆዋ ዝህሉ ምምሕያሽ ኢዩ ሓቢሩ።

እዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ነታ ማሕበር ምስቲ ኣብ ዳንኤል 8:⁠14 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ መወዳእታ እተን “ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን” ዝህሉ ቲኦክራሲያዊ ምትዕርራይ ማዕረ ከም እትኸውን ገበራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ‘እታ መቕደስ ተሃንጸት።’

ይኹን እምበር: ድሕሪ እቲ ብ1944 እተገብረ ታሪኻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ተላዒሉ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን እቶም ሸውዓተ ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት ትካል ፐንሲልቫንያን ንጹር ፍልልይ ይርአ ስለ ዘይነበረ: ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ ሸውዓተ ንላዕሊ ቅቡኣት ክርስትያናት ክሕዝ ኣይክእልን ኢዩ ማለት ድዩ፧ ብተወሳኺውን: እቶም ዳይረክተራት ብኣባላት ናይቲ ትካል ስለ ዝምረጹ: እቶም ኣባላት ናይቲ ትካል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ኣኼባ ንኣባላት ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ድዮም ዝመርጹ ነይሮም፧ እቶም ዳይረክተራትን ሓለፍትን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ምስቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ሓደ ድዮም ወይስ ፍልልይ ኣለዎም፧

ካልእ ዘይርሳዕ ዓመታዊ ኣኼባ

እዚ ሕቶታት እዚ ኣብቲ ብ1 ጥቅምቲ 1971 እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ መልሲ ረኸበ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ኣመሓዳሪ ኣካል ናይቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ካብቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ እተመስረተሉ ኣቐዲሙ ኣማእታት ዓመታት ከም ዝነበረ ሓደ ካብቶም ዝርርብ ዝሃቡ ገለጸ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ካብቲ ትካል ፐንሲልቫንያ እተመስረተሉ ልዕሊ 18 ዘመናት ኣቐዲሙ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣመሓዳሪ ኣካል ተመስረተ። ኣብ መጀመርታ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል 12 ሃዋርያት ደኣ እምበር 7 ሰብኡት ኣይኰኑን ዝነበርዎ። ጸኒሑ ‘ኣብ የሩሳሌም [ዝነበሩ] ሃዋርያትን ሽማግለታትን’ መሪሕነት ይወስዱ ብምንባሮም እቲ ቍጽሪ ብዘይ​ጥርጥር ወሲኹ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠2

ብ1971 እዚ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ተዛራባይ: እቶም ኣባላት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ንኣባላት እቶም እተቐብኡ ኣመሓዳሪ ኣካል ክመርጹ ከም ዘይክእሉ ገለጸ። ስለምንታይ፧ እቲ ተዛራባይ ከምዚ በለ:- “ምኽንያቱ: ኣመሓዳሪ ኣካል ናይቲ ክፍሊ ‘ባርያ’ ብሰባት ኣይኰነን ተሸይሙ። በቲ ርእሲ ናይታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከምኡውን ጐይታ ናይቲ ክፍሊ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ . . . ኢዩ ዝሽየም።” ስለዚ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብኣባላት ናይ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ትካል ክምረጹ ከም ዘይክእሉ ንጹር ኰነ።

ቀጺሉ እቲ ተዛራባይ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓሳብ ገለጸ:- “እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከምቶም ኣብ ናይ ማሕበር ቦርድ ዳይረክተራት ዘለዉ ፕረዚደንት: ምክትል ፕረዚደንት: ጸሓፍ ንብረት: ከምኡውን ምክትል ጸሓፍ ንብረት ዝበሃሉ ሓለፍቲ የብሉን። ኣቦ መንበር ጥራይ ኢዩ ዘለዎ።” ንብዙሕ ዓመታት: ፕረዚደንት ትካል ፐንሲልቫንያ እቲ ቀንዲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኢዩ ዝኸውን ነይሩ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ግን ከምኡ ኢሉ ኣይቀጸለን። ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብተመክሮ ወይ ክእለት ማዕረ እኳ እንተ ዘይኰኑ ማዕረ ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ተዛራባይ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ስለዚ ዝዀነ ይኹን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ ማሕበር . . . ፕረዚደንት እውን ኣይኹን ኣቦ መንበር ኣመሓዳሪ ኣካል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። . . . ኣብቲ ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ ኣቦ መንበርነት ስልጣን በብተራ ዝዘሮሉ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ ዝምርኰስ።”

ኣብቲ ብ1971 እተገብረ ታሪኻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ዳይረክተራት ትካል ፐንሲልቫንያን ንጹር ፍልልይ ተገብረ። ገና ግን: ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ ማሕበር ዳይረክተራትን ሓለፍትን ኰይኖም ካብ ምግልጋል ኣየቋረጹን። ሕጂ ግን እዚ ዝስዕብ ሕቶ ተላዕለ:- እቶም ዳይረክተራት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ: ካብ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ጥራይ ክዀኑ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣሎዶ ኢዩ፧

መልሲ ናይዚ የሎን ዝብል ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጥቀሙሉ ሕጋዊ መሳርሒ ትካል ፐንሲልቫንያ ጥራይ ኣይኰነን። ካልኦት ትካላት እውን ኣለዋ። ሓንቲ ካብዚኣተን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ኢያ። ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝግበር ንጥፈታት ድማ ትኣሊ። መብዛሕትኦም ዳይረክተራትን ሓለፍትን ናይዛ ትካል እዚኣ ካብቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ እኳ እንተዀኑ: ኣብዛ ትካል እዚኣ ብንጹር በረኸት የሆዋ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ብሪጣንያ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂላ እትፍለጥ ትካል ኣላ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘደንፍዓ ካልኦት ሕጋዊ ትካላት ኣለዋ። ኵለን እዘን ትካላት እዚኣተን ተሓባቢረን ነቲ ብስራት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ይሰብካ ኢየን። እዘን ትካላት እዚኣተን ዘለዋሉ ቦታ ወይ ከኣ መነመን ዳይረክተራተን ወይ ሓለፍተን ኰይኖም ከም ዘገልግሉ ብዘየገድስ: ብኣመሓዳሪ ኣካል ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ኢየን ዝምርሓ። ስለዚ: እዘን ትካላት እዚኣተን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምድንፋዕ ዕማም ተዋሂብወን ኣሎ።

ሕጋዊ ትካል ምህላዉ ይጠቕመና ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝኣዘዘና ምስቲ ናይቲ ከባብን ሃገርን ሕግታት ተሰማሚዕና ንነብር። (ኤርምያስ 32:⁠11፣ ሮሜ 13:⁠1) ሕጋውያን ትካላት መጽሓፍ ቅዱስ: መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ብሮሹራት: ከምኡውን ካልኦት ጽሑፋት ብምሕታም ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምስፋሕ እንገብሮ ዕዮ የቀላጥፍኦ ኢየን። እዘን ትካላት እዚኣተን ምስ ዋንነት ንብረት: ናይ ረድኤት ጻዕርታት: ንመሳለጥያታት ዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን ውዕል: ከምኡውን ካልእ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝተሓሓዝ ጕዳያት ንምፍጻም ዘገልግላ ሕጋውያን መሳርሒ ይዀና። እዘን ሕጋውያን ትካላት እዚኣተን ዝህባና ኣገልግሎት ነማስወሉ ኢና።

ስም የሆዋ ክብ ምባል

ዓንቀጽ ክልተ ናይ ቻርተር ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ንዕላማታት ናይዚ ትካል ንምጕላሕ ብ1944 ምምሕያሽ ተገብረላ። ብመሰረት እቲ ቻርተር: ቀንዲ ዕላማ ናይታ ማሕበር ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ኢዩ:- “ንስም: ቃል: ከምኡውን ልዕልና ናይቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ንምምስካር: ንወንጌል ናይታ ብክርስቶስ የሱስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ምስባኽ።”

ካብ 1926 ኣትሒዙ ‘እቲ እሙን ባርያ’ ንስም የሆዋ ክብ ከም ዝብል ገይርዎ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ብ1931 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም እተቐበሉላ ዓመት ፍልይ ዝበለት ኢያ ነይራ። (ኢሳይያስ 43:⁠10-12) ካብተን ንስም ኣምላኽ ልዑል ቦታ ዝሃባ ጽሑፋት እተን የሆዋ (1934): “ስምካ ይቀደስ” (1961): ከምኡውን “ህዝብታት ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክፈልጡ ኢዮም”​—⁠ብኸመይ፧ (1971) ዝበሃላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ይርከብአን።

ብፍላይ እቲ ብ1960 ብእንግሊዝኛ እተሓትመ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ክጥቀስ ዘለዎ ኢዩ። ኣብዚ ትርጕም እዚ እተን ቴትራግራማተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ እተረኽባሉ ዘበለ ዅሉ ስም የሆዋ ኣእትዩ ኣሎ። እዚ ትርጕም ብጥንቃቐ መጽናዕቲ ገይሩ መረጋገጺ ድሕሪ ምርካብ: ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ 237 ቦታታት ኣእትይዎ ኣሎ። የሆዋ ነቲ “ባርያ” ከምኡውን ንኣመሓዳሪ ኣካል ናይቲ ባርያ በቲ ንምሕታም ዘለዎ ዓቕምን ሕጋውያን ትካላትን ተጠቒሙ ስም የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ብእተፈላለየ መገዲ ከም ዝፍለጥ ንኽገብር ምፍቃዱስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!

ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ተዝርጊሑ

ህዝቢ የሆዋ ብቐጻሊ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ መስኪሮም ኢዮም፣ ብሚልዮናት ዝቝጸር መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብምሕታምን ብምዝርጋሕን ንቓል ኣምላኽ ክብ ኣቢሎም ኢዮም። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዋና ናይቲ ብቤንጃሚን ዊልሰን እተዳለወ ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት ዝበሃል ግሪኽኛን እንግሊዝኛን ዝሓዘ ሕታም ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኰነት። ማሕበር ነቲ 500 ገጽ መመላእታ ጽሑፍ ዘለዎ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ሓቲማ ኢያ። ብ1942 ነቲ ኣብ ሕዳጋቱ መወከሲታት ዘለዎ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ሓተመት። ድሕርዚ ብ1944 ማሕበር ነቲ ብ1901 እተዳለወ: መለኮታዊ ስም ድማ እተጠቕመ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ክትሓትም ጀመረት። ስም የሆዋ ኣብቲ ብስቲፈን ቲ. ባይንግተን እተዳለወ ብ1972 ከኣ ብማሕበር እተሓትመ ዘ ባይብል ኢን ሊቪን ኢንግሊሽ እውን ጐሊሑ ኢዩ።

እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጥቀሙለን ሕጋውያን ትካላት ነዚ ዅሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ኣብ ምሕታምን ምዝርጋሕን ሓጊዘን ኢየን። ልዕሊ ዅሉ ጐሊሑ ዝርአ ግን እቲ ኣብ መንጎ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ንናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚተ ዘጠቓልሉ ጕጅለ ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋን ዘሎ ኣዝዩ ጥብቂ ምትሕብባር ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ልዕሊ 106,400,000 ቅዳሓት ናይዚ ትርጕም እዚ ብ38 ቋንቋታት ተሓቲሙ ምርኣይና የሐጕሰና ኢዩ። ብሓቂ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበር ኢዩ!

እቲ ‘እሙን ባርያ ኣብ ኵሉ ገንዘብ ጐይታኡ ተሸይሙ’ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዝዓያ ዘለዋ 110 ጨንፈራትን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣባላት ናይቲ ክፍሊ ባርያ ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም ነገር ብኸመይ ከም እተጠቕሙሉ ጸብጻብ ክህቡ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። (ማቴዎስ 25:⁠14-30) ይኹን እምበር: እዚ ነቲ “ባርያ” ካብቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ንዝዀኑ ብቕዓት ዘለዎም ተዓዘብቲ ኣብ ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕዮታት ንኸገልግሉ ካብ ምፍቃድ ኣይእግዶን ኢዩ። አረ እዝስ ንኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ “ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን” ዝያዳ ግዜ ንኽውፍዩ ዘኽእሎም ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠4

ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት ክሳዕ ዝፈቕዶ: እቲ ‘ንእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ’ ዝውክል ኣመሓዳሪ ኣካል ብሕጋውያን ትካላት ክጥቀም ኢዩ። ትካላት ነቲ ዕዮ ዘቀላጥፋ እኳ እንተዀና ብዘይ​ ብእአን ስራሕ የለን ማለት ግን ኣይኰነን። ሓንቲ ሕጋዊት ትካል ብመንግስታዊ ኣዋጅ እንተ​ድኣ ተዓጽያ: እቲ ዕዮ ስብከት ክቕጽል ኢዩ። ሕጂ እውን ከይተረፈ: ኣብተን እገዳ ዘለወንን ሕጋውያን ትካላት ዘይብለንን ሃገራት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይስበኽ: ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ይቕጽል: ከምኡውን ቲኦክራሲያዊ ዕቤት ይርአ ኣሎ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይተኽሉን የስትዩን: ‘ኣምላኽ [ከኣ] የብቍል’ ስለ ዘሎ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 3:⁠6, 7

ኣብ መጻኢ እውን የሆዋ ንህዝቡ ዘድልዮም መንፈሳውን ስጋውን ነገራት ከም ዝሓልየሎም ርግጸኛታት ኢና። ንሱን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍጻም ዘድሊ ሰማያዊ መምርሕን ሓገዝን ምሃብ ኣይከቋርጹን ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝፍጽምዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ‘ብመንፈስ እግዚኣብሄር እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን።’ (ዘካርያስ 4:⁠6) ስለዚ: ነቲ ኣብዚ መወዳእታ ግዜ ዝግበር ዕዮ እንፍጽሞ በቲ የሆዋ ዝህበና ሓይሊ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ: መለኮታዊ ሓገዝ ክወሃበና ንጽሊ ኢና!