ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውርዝና ከነማዕብለሉ እንኽእል መገድታት

ውርዝና ከነማዕብለሉ እንኽእል መገድታት

ውርዝና ከነማዕብለሉ እንኽእል መገድታት

 ውርዝና ክበሃል ከሎ ቅኑዕ ተግባርን ኣተሓሳስባን ማለት ኢዩ፣ ንሰናይ ባህርይ ከኣ ኢዩ ዘመልክት። ኣዳላዊ መዝገበ⁠-​ቃላት ዝዀነ ማርቪን ኣር. ቪንሰንት መበቈል ትርጕም ናይታ “ውርዝና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ኣብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንኡድ ጠባይ ምርኣይ” ማለት ከም ዝዀነ ገለጸ። እምበኣር ከም ምስትውዓል: ትብዓት: ስነ⁠-​ስርዓት ምግባር: ፍትሓዊ ምዃን: ድንጋጸ: ሓቦ: ቅንዕና: ትሕትና: ከምኡውን ተኣማንነት ዝኣመሰለ ባህርያት ከም ውርዝና ገይርካ እንተ ተራእየ ኣየገርምን ኢዩ። ብተወሳኺ ውርዝና ንቕኑዕ ስርዓታት ምእዛዝ እውን ተጠቓልል ኢያ።

ንናይ መን ንኡድ: ሰናይ: ከምኡውን ቅኑዕ ስርዓታት ኢና ክንእዘዝ ዘሎና፧ መጽሔት ኒውስዊክ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ብመሰረት እቲ ዓብላሊ ዀይኑ ዘሎ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ፍልስፍና: እቲ ፍልስፍናዊ ንቕሓት ዘበገሶ ጥርጣረ ንዅሉ ቅኑዕን ጌጋን ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ብሕታውን ስምዒታውን ባህላውን ምርጫ ከም ዝምርኰስ ገይርዎ ኢዩ።” እንተ​ዀነ ግን ብምርጫኻ ጥራይ ተመሪሕካ ምኻድ ቅኑዕን ጌጋን ንኽትውስን ዘኽእለካ ብቑዕ መገዲዶ ኢዩ፧ ኣይኰነን። ውርዝና ንምምዕባል ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ዝሕብረና ክንውከሎ እንኽእል ስርዓታት የድልየና፣ እዚ ስርዓታት እዚ ኸኣ ንሓደ ተግባር: ኣረኣእያ: ወይ ባህርይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ንምምዛን የኽእለና።

እቲ እንኮ ሓቀኛ ምንጪ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት

ሓቀኛ ምንጪ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ሓደ ጥራይ ኢዩ፣ ንሱ ኸኣ እቲ ፈጣሪ ደቅሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ: ኣዳም: ድሕሪ ምፍጣሩ ነዊሕ ከይጸንሐ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17) የሆዋ ኣምላኽ ንፍጡራቱ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን ምሉእ መሰል ከም ዘለዎ ንምሕባር: ነታ ኦም እዚ ፍሉይ ስም እዚ ሃባ። ስለዚ ኣምላኽ ዘውጽኦ ናይ ጽቡቕን ክፉእን ስርዓታት ንናይ ሓደ ሰብ ተግባራትን ኣረኣእያን ባህርያትን ንምምዛን ወይ ንምግምጋም ዘገልግል መሰረት ኰነ። እዚ ስርዓታት እዚ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ኣየናይ ቅኑዕ: ኣየናይ ከኣ ጌጋ ምዃኑ ብትኽክል ክንፈሊ ኣይምኸኣልናን።

እቲ ብዛዕባ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም እተዋህበ ትእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣዳምን ሄዋንን ናይ ምእዛዝ ወይ ዘይምእዛዝ ምርጫ ኣንበረሎም። ንዖኦም ውርዝና ክበሃል ከሎ ነቲ ትእዛዝ ምእዛዝ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ: የሆዋ እንታይ ከም ዘሐጕሶን እንታይ ከም ዘየሐጕሶን ተወሳኺ መግለጺ ሃበ: ነዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉልና ኣሎ። ስለዚ ውርዝና ምምዕባል ክበሃል ከሎ ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡልና ዘሎ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ምኻድ ዘጠቓልል ኢዩ።

ንስርዓታት ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ

የሆዋ ኣምላኽ ናይ ጽቡቕን ክፉእን መፍለዪ ስርዓታት ዘውጽእ ካብ ኰነ: ነዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ገለጾ: ነዚ ስርዓታት እዚ ኣጸቢቕና ክንፈልጦዶ ኣይግብኣናን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

ንኣብነት: ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ኩኒሂቶ ብመሰረት ባህሉ ትሕትና ከርኢ ክብል ዘጋጠሞ ግጉይ ምርዳእ እስከ ሕስብ ኣብሎ። ጸኒሑ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ምምርማሩ ዝያዳ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ንኽህልዎ ሓገዞ። ርግጽ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ዓቕምና ፈሊጥና ትሕት ክንብል የተባብዓና: ሕሉፍ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ከይነማዕብልን ዕቡያት ከይንኸውንን እውን ይምዕደና ኢዩ። (ምሳሌ 11:⁠2፣ ሚክያስ 6:⁠8) ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ “መዓርግ ኤጲስቆጶስ” ንምርካብ ዘድሊ ብቕዓት ክሕብር ከሎ: ነቲ መሰል እቲ ‘ክንደሊ’ ከም ዝግባእ ተዛረበ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ሓደ ሰብ ነዚ መሰል እዚ ‘ክደሊ’ ኸሎ ክጀሃር ወይ ክዕበ እኳ እንተ ዘይብሉ: ንገዛእ ርእሱ ምንሻው ግን ግቡእ ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ክህሉ ዘለዎ ውርዝና እንታይ ኢዩ ዝብል፧ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ስራሕ ዓለም ዘተሓታትት ሜላታት ምጥቃም ወይ ዝግበኣካ ከይትኸፍል ኢልካ ኣብቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒታትን ብዛዕባ ቀረጽ ዝምልከት ሕግታትን ምድንጋር ልሙድ መዓልታዊ ተግባር ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ካልኦት ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛታት ኴንና:” NW  ] ክንነብር” ኢዩ ዝደልየና። (እብራውያን 13:⁠18) ስለዚ ምስ ወሃብቲ ስራሕ: ሰራሕተኛታት: ዓማዊል: ከምኡውን ምስ ዓለማውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ብቕንዕናን ብዘይ​ኣድልዎን ብምምልላስ ውርዝና ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ዘዳግም 25:⁠13-16፣ ሮሜ 13:⁠1፣ ቲቶስ 2:⁠9, 10) ሓቀኛ ምዃን ሕድሪ ንኽወሃበካ እትበቅዕ ንኽትከውንን ሞገስ ንኽትረክብን የኽእለካ ኢዩ። ዝግበር ስምምዓት ኣብ ጽሑፍ ምስፋሩ ኸኣ ብሰንኪ “ጊዜን ኣጋጣምን” ንዝለዓል ዘይምርድዳኣትን ሕልኽላኻትን የወግዶ ኢዩ።​—⁠መክብብ 9:⁠11፣ ያእቆብ 4:⁠13, 14

ውርዝና ከነማዕብለሉ ዝግብኣና ካልእ መዳይ ከኣ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ኢዩ። ኣከዳድና ከከም ባህሉ ይፈላለ ኢዩ: ሓድሽ ቅዲ ንኽንስዕብ እውን ጸቕጢ ክግበረልና ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ደድሕሪ ሓድሽ ዝወጸ ቅዲ ክንስዕብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ብምባል ይምዕደና። (ሮሜ 12:⁠2) ሃዋርያ ጳውሎስ ሕግታት ኣብ ክንዲ ዘውጽእ ብመንፈስ ተደሪኹ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: . . . ኺስለማ: እደሊ አሎኹ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9, 10) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንሰብኡትን ኣንስትን ይዓዪ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ብዙሕ ዝዓይነቱ ባህልን ናይ ብሕቲ ምርጫን ስለ ዘሎ እተፈላለየ ቅዲ ዘለዎ ክዳውንቲ ክንክደን ንኽእል ኢና።

ብተወሳኺውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ብዘየማትእ መገዲ ዝዅንኖ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራት ይነግረና ኢዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10 ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ነንብብ:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሰዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማሪያ ንኸተስተውዕል ሓገዘታ፣ ብመሰረት እቲ ፈጣሪ ዝሰርዖ ብሉጽ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ምስ ጃን ዝነበራ ዓይነት ርክብ ጌጋ ምዃኑን ስምረት ኣምላኽ ክትረክብ እንተ​ድኣ ዀይና ነቲ ርክቦም ከተቋርጾ ከም ዘለዋን ተረድአት። ውርዝና ንምምዕባል ንስርዓታት የሆዋ ኣጸቢቕና ክንፈልጦ ከም ዘሎና ንጹር ኢዩ።

ኣብ ልብኻ ስረጾ

ውርዝና ካብ ክፉእ ነገር ምርሓቕ ጥራይ ኣይኰነን። ቅኑዕ ስነ⁠-​ምግባር ንኸተንጸባርቕ ዝድርኽ ሓይሊ ኣለዎ። ውርዙይ ሰብ ሰናይ ባህርይ ኣለዎ። ሓደ ፕሮፌሰር “ውርዝና ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ክንሰርጾ ዘሎና ኢዩ” በለ። ስለዚ ውርዝና ምምዕባል ንቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ልብና ንየሆዋ ብዘሎና ሞሳ ምእንቲ ክምላእን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ናብራና ከነውዕሎ ምእንቲ ክንድረኽን ነቲ ጽሑፍ ከነስተንትነሉ ከድልየና ኢዩ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” በለ። (መዝሙር 119:⁠97) ንጉስ ዳዊት ድማ “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር: ኵሉ ተግባርካ [ተግባራት ኣምላኽ] ኤስተንትን: ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 143:⁠5) ንሕና እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን መጽናዕቲ ክንገብር ከሎና ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ከነስተንትን ኣሎና።

ልክዕ ኢዩ: እናኣስተንተንካ ትግሃት ዝመልኦ መጽናዕቲ ንምግባር ዘድሊ ግዜ ክትረክብ ይኸብደካ ይኸውን። ውርዙያት ክንከውን እንተ​ድኣ ደሊና ግን ካብ ካልእ ንጥፈታት ግዜ ክንዕድግ ከድልየና ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) ወዲ 24 ዓመት ዝዀነ ኣሮን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝትስኣሉ ዝነበረ 30 ደቒቕ ኣቐዲሙ ብምትሳእ ካብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ግዜ ዓደገ። ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣብ መጀመርታ: ነታ ፍርቂ ሰዓት ብምልእታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ጥራይ እጥቀመላ ነበርኩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ምስትንታን ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ግዜ ነቲ ሽዑ ዘንበብክዎ ንምስትንታን እጥቀመሉ ኣሎኹ። እዚ ብሓቂ ዓስቢ ዘለዎ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ።” ኣብ ካልእ ግዜ እውን ከነስተንትን ንኽእል ኢና። ዳዊት ንየሆዋ ኣብ ዝዘመሮ መዝሙር “ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ” ዝብል ቃላት ተጠቒሙ ኢዩ። (መዝሙር 63:⁠6) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ይስሃቅ . . . ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ” ብምባል የዘንቱ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 24:⁠63

ምስትንታን ከምቲ የሆዋ ዝስምዖ ንኽስምዓናን ከምቲ ኣረኣእያኡ ንኽህልወናን ስለ ዝሕግዘና ውርዝና ኣብ ምምዕባል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት: ማሪያ ኣምላኽ ምንዝር ከም ዝኽልክል ትፈልጥ ነይራ ኢያ። እንተ​ዀነ ግን: ‘ክፍኣት ንኽትፍንፍንን ኣብ ሰናይ ንኽትለግብን’ ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከተስተንትነሉ ነበራ። (ሮሜ 12:⁠9) ቈሎሴ 3:⁠5 ድሕሪ ምንባባ ለውጢ ክትገብር ከም ዘለዋ ክትግንዘብ ከኣለት፣ እታ ጥቕሲ ከም “ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ” ዝኣመሰለ ስምዒት ‘ኣካላትና ክንቀትል’ ትምሕጸነና ኢያ። ማሪያ ንርእሳ ከምዚ ኢላ ክትሓትት ነበራ:- ‘እንታይ ዓይነት ፍትወት ስጋ ኢየ ክቐትል ዘሎኒ፧ ርኹስ ትምኒት ከለዓዕለለይ ዝኽእል እንታይ ነገራት ኢየ ከርሕቕ ዘሎኒ፧ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዘሎኒ ምቅርራብ ክገብሮ ዘድልየኒ ለውጥታት ኣሎዶ ኢዩ፧’

ምስትንታን ንሓደ ተግባር እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ምሕሳብ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘ሓደ እኳ ንሓዉ ምእንቲ ከየናሽውን ከይብለጸሉን’ ካብ ምንዝርና ክርሕቑን ገዛእ ርእሶም ክቈጻጸሩን ተላበዎም። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠3-7) ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ምስ እነስተንትነሉ ሰናይ ኢዩ:- ‘ነዚ ተግባር እዚ ምስ ዝፍጽም ኣባይ: ኣብ ስድራ​ቤተይ: ወይ ኣብ ካልኦት እንታይ ጕድኣት ክወርድ ይኽእል፧ ብመንፈሳውን ስምዒታውን ኣካላውን መገዲ ብኸመይ እትንከፍ፧ እቶም ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓሱ ካልኦት ሰባት እንታይ ኢዩ ኣጋጢምዎም፧’ ማሪያ ነዚ ሕቶታት እዚ ብምስትንታና ንኽትብርትዕ ኣኽኣላ: ንዓና እውን ብተመሳሳሊ ከበርትዓና ይኽእል ኢዩ።

ካብ ኣብነታት ተማሃር

ውርዝና ኣብ ትምህርቲ ክንማሃሮ ንኽእልዶ ኢና፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ንብዙሓት ፈላስፋታት ንኣሽሓት ዓመታት ክትከብዶም ጸኒሓ ኢያ። እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ፕላቶ ይከኣል ኢዩ ናብ ዝብል ኣረኣእያ ዘዘወ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣሪስቶትል ውርዝና ብልምዲ ከም ዝጥረ ብምሕባር ተኸራኸረ። ሓደ ጋዜጠኛ ነዚ ክርክር እዚ በዚ ኸምዚ ኣጠቓሊልዎ ኣሎ:- “ብሓጺሩ ውርዝና በይኑ ክትማሃሮ እትኽእል ነገር ኣይኰነን። ካብ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ እውን ክትማሃሮ ኣይከኣልን ኢዩ። ጽቡቕ ባህርይ: ኣብቲ ውርዝና ዝተባብዓሉን ዝነኣደሉን ማሕበረሰብ . . . ብምንባር ኢዩ ዝርከብ።” ብሓቂ ውርዙያት ሰባት ግን ኣበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧ ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት: ኣብ ጽውጽዋያትን ታሪኻትን እተመስረቱ ኣብነት ናይ ውርዝና ዝዀኑ ገለ ሰባት ዝጥቀሱ እኳ እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዙሕ ናይ ሓቂ ኣብነታት ዝሓዘ ኢዩ።

እቲ ዝበለጸ ኣብነት ናይ ውርዝና የሆዋ ኢዩ። ኵሉ ሳዕ ብውርዝና ኢዩ ዝዓዪ: ቅኑዕን ሰናይን ዝዀነ ነገር ከኣ ኢዩ ዝገብር። “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ብምዃን ውርዝና ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 5:⁠1) እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ድማ ‘ምእንቲ ኣስኣሰሩ ክንስዕብ ኣርኣያ ሓዲጉልና ኢዩ።’ (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ብዙሓት እሙናት ውልቀ⁠-​ሰባት ጸብጻብ ዝሓዘ ኢዩ፣ ካብዚኣቶም ኣብርሃም: ሳራ: ዮሴፍ: ሩት: እዮብ: ከምኡውን ዳንኤልን እቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱን ይርከብዎም። ነቶም ኣብነት ናይ ውርዝና ዝዀኑና ኣብ መንጎ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ዝርከቡ ሰባት እውን ክንርስዖም የብልናን።

ክንዕወት ንኽእል ኢና

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ውርዝና ዘለዎ ነገራት ክንገብርዶ ንኽእል ኢና፧ ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና: ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ኣእምሮናን ስጋናን ማለት ኣብ መንጎ እቲ ውርዝና ዘለዎ ነገር ንምግባር ዘሎና ድሌትን ደድሕሪ እቲ ሓጥእ ዝንባለታትና ናይ ምስዓብ ልምድን ከቢድ ውግእ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠12፣ 7:⁠13-23) እንተ​ዀነ ግን ብሓገዝ ኣምላኽ ኣብዚ ውግእ እዚ ዕዉታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 7:⁠24, 25) የሆዋ ቃሉን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ሂቡና ኢዩ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ብምጽናዕን ብጸሎት ብምስትንታንን: ንጹህ ልቢ ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጹህ ልቢ ኢዩ ውርዝና ዝመልኦ ሓሳባት: ቃላት: ከምኡውን ተግባራት ክወጽእ ዝኽእል። (ሉቃስ 6:⁠45) ኣብቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዘርኣዩና ኣብነት ተመርኲስና ኣምላኻዊ ባህርያት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ካብቶም ሎሚ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልግልዎ ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት እውን ብዙሕ ክንማሃር ከም እንኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣንበብቱ ውርዝናን ንእዶን ዘለዎ ነገራት ብቐጻሊ ‘ክሓስቡ’ ተማሕጺንዎም ኢዩ። ከምዚ ምግባር ብርግጽ በረኸት ኣምላኽ የምጽእ ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠8, 9) ብሓገዝ የሆዋ ውርዝና ከነማዕብል ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምስትንታን ክፍሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ግበሮ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንየሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል