ውርዝና ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ውርዝና ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓደ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ኩኒሂቶ ዝበሃል ጃፓናዊ ሰብኣይ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸደ። a ኣብታ ሃገር ምስ ኣተወ ነዊሕ ከይጸንሐ ስርሑ ከስእኖ ዝኽእል ኵነታት ኣጋጠሞ። ኩኒሂቶ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ሓለቓይ እተወሰነ ሓላፍነት ክስከም ዝኽእል እንተድኣ ዀይነ ክሓተኒ ኸሎ: እቲ ሓላፍነት ከም ዘይከብደኒ ርግጸኛ ኢየ ነይረ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዝዓበኹሉ ከባቢ ውርዙይ ንምዃን ትሕትና ከንጸባርቕ ከም ዘሎኒ ስለ እተነግረኒ: ‘እንድዒ እኽእሎዶ ትብለኒ: እንተዀነ ግን ዝከኣለኒ ዅሉ ክገብር ኢየ’ በልክዎ። ነቲ ኣመሪካዊ ሓለቓይ ግን ከምዚ ብምባለይ ዘይብቑዕን ምትእምማን ዝጐድለንን ኰይነ ተራኣኽዎ። እተሰምዖ ነገር ምስ ፈለጥኩ: ገለ ምትዕርራያት ክገብር ከም ዘድልየኒ ተረድኣኒ።”
እታ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እትነብር ማሪያ ንደቂ ኽፍላ ተሓጒሳ እትሕግዝ ንፍዕቲ ተማሃሪት ነበረት። ጃን ብተደጋጋሚ ማርያ እትሕግዞ ዝነበረት መማህርታ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ክፈትዋ እውን ስለ ዝጀመረ ክማርኻ ይጽዕር ነበረ። ማሪያ ብስነ-ምግባር ንጽህቲ ዀይና ክትነብር ድሌት እኳ እንተ ነበራ በቲ ጃን ዘቕረበላ ዕድመ ተሰኒፋ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ወደቐት።
ኣብዛ ሎሚ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዋን ብስነ-ምግባር እተበላሸወትን ዓለም ውርዙይ ምዃን በዳሂ ኢዩ። ስለዚ ውርዝና ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ውርዝና ንኣምላኽ የሐጕሶ ኢዩ: መብዛሕትና ድማ ስምረቱ ክንረክብ ከም እንደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣንበብቱ ውርዝና ከማዕብሉ ይምሕጸኖም። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ “ገለ ደግነት [“ውርዝና:” NW ] እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ” በለ። (ፊልጲ 4:8) ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ‘ኣብ እምነትና ደግነት [“ውርዝና:” NW ] ንምውሳኽ ክንጋደል’ ኣተባቢዑና ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:5) ውርዝና ግን እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ትምህርቲ ክንማሃሮ ንኽእልዶ ኢና፧ ከነማዕብሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።