ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ሓጐስ ይረኽቡ
ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ሓጐስ ይረኽቡ
ሓደ ካብቶም ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይቲ “ገበርቲ ቓል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርርብ ዘቕረቡ ኣሕዋት “እዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ ንዝሰፍሐ ንጥፈት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸዳልወና ኢሉ የሆዋ ዝገበሮ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና” በለ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ:- “ብዛዕባ ሓጐስ ዘለዎ ናብራ ስድራቤት ክንማሃር: ምስ ማሕበር የሆዋ ጠቢቕና ንኽንቅጽል ክንተባባዕ: ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ቅንኢ ንምዕቃብ ክንድረኽ: ከምኡውን ንቑሕ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ንኽንዘኻኸር ገዛእ ርእስና ኣዳሊና ኢና።”
ካብ መወዳእታ ግንቦት 2000 ኣትሒዙ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ገበርቲ ቓል ኣምላኽን ፈተውቶምን ኣድላዪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከብ ኣሽሓት ቦታታት ውሒዞም ኢዮም። ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ እንታይ ኢዮም ተማሂሮም፧
ቀዳመይቲ መዓልቲ—ንተግባራት የሆዋ ዘይምርሳዕ
ኣብ ናይ መኽፈቲ ዝርርብ: እቲ ኣቦ መንበር ነቶም ተኣከብቲ ብሓድነት ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ካብ ዝገብርዎ ኣምልኾ የሆዋ ዝርከብ በረኸታት ንኸስተማቕሩ ዓደሞም። ኵሎም እቶም ተኣከብቲ እምነቶም ከም እትውስኽን ምስ የሆዋ ዘለዎም ብሕታዊ ርክብ ከም ዝድልድልን መረጋገጺ ተዋሂብዎም ኢዩ።
“እቲ ሕጉስ ኣምላኽ” ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ሕጉሳት ንኽንከውን እንታይ ከም ዘድልየና ይፈልጥ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) ስለዚ እቲ “ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ሓጐስ የፍሪ” ዘርእስቱ ዝርርብ: እቲ ቃል የሆዋ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝበለጸ ናብራ ነዲፉልና ከም ዘሎ ኢዩ ኣጕሊሑ። (ዮሃንስ 13:17) ንነዊሕ እዋን መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ምስ ዝጸንሑ ኣብ እተገብረ ቃለ-መጠይቓት: ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ብኸመይ ንህይወቶም ትርጕም ከም ዝወሰኸሉ ተራእዩ ኢዩ። እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ “ነቲ ናይ የሆዋ ሰናይ ናይ ምዃን ባህርይ ተሓጒስኩም ኣንጸባርቕዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ክርስትያናት ከም “ሰዓብቲ ኣምላኽ” መጠን ኣብ ህይወቶም ‘ሰናይ ዘበለ’ ክፈርዩ ከም ዝደልዩ ኣጕልሐ። (ኤፌሶን 5:1, 9) ብስራት ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ከምዚ ክንገብር እንኽእለሉ ሓደ ሓለፍ ዝበለ መገዲ ኢዩ።—መዝሙር 145:7
እቲ “ነቲ ዘይርአ ኣካል ከም እትርእይዎ ዄንኩም ጸኒዕኩም ቀጽሉ” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ዝርርብ: ድልድልቲ እምነት ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ “ንኽንርእዮ” ብኸመይ ከም እትሕግዘና ገለጸ። እቲ ተዛራባይ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ንባህርያት ኣምላኽ ብሓፈሽኡ: እንተላይ ነቲ እንታይ ከም እንሓስብ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ እውን ከይተረፈ ከም ዝግንዘብዎ ገለጸ። (ምሳሌ 5:21) እቶም ቃለ-መጠይቕ እተገብረሎም ሰባት ድልድልቲ እምነት ንምምዕባልን መንፈሳዊ ረብሓታት ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ንምሃብን እንታይ ስጕምትታት ከም ዝወሰዱ ኣዘንትዮም ኢዮም።
እቲ ናይ ቅድሚ ቐትሪ ፕሮግራም “ነቲ ገባር ተኣምራት ዝዀነ የሆዋ ወድስዎ” ዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎ ሕመረት ዝርርብ ተዛዘመ። ነቶም ተኣከብቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ እናፈለጥና ክንከይድ ከሎና ከም ገባር ተኣምራት መጠን ንኽንውድሶ
ዝያዳ ምኽንያታት ከም እንረክብ ንኽግንዘቡ ሓጊዝዎም ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ከምዚ በለ:- “ነቲ ሕጂ ዝገብረልና ዘሎ ኵሉ ነገራት ሓዊስካ ብዛዕባ እቲ ናይ ኣምላኽ ተኣምራት ከነስተንትን ከሎና ንኽንውድሶ ካብ ልቢ ንለዓዓል ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ዝገበሮ ተኣምራት ከነስተንትን ከሎና ክንውድሶ ኢና እንድረኽ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብሕጂ ክገብሮ ተመባጺዕዎ ዘሎ ተኣምራት ከነስተንትን ከሎና ድማ ሞሳና እንገልጸሉ መገድታት ኢና እነናዲ።”እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም “ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ኣይትሰልክዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ጀመረ፣ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ድማ እቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትገብሮ ጸቕጥታት መወዳእታ ከም ዝቐረበ መረጋገጺ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እንተዀነ ግን: ከይሰልከና ብምቕጻል “ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ሰባት ምዃንና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 10:39
ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ዝምልከት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ተዋሂቡ፧ እቲ “ንቓል ኣምላኽ ተኣዘዙ” ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ ዓውደ-መጽናዕቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ በቲ “ናይ ሓዳር ብጻይ ኣብ ምሕራይ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክፍሊ ኢዩ ጀሚሩ። ናይ ሓዳር ብጻይ ምሕራይ ካብቲ ሰባት ዝገብርዎ ኣዝዩ ከበድቲ ውሳነታት ሓደ ኢዩ። ስለዚ ክርስትያናት ብሱላት ክሳዕ ዝዀኑ ከይተመርዓዉ ይጸንሑ: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ከኣ ኢዮም ዝምርዓዉ። (1 ቈረንቶስ 7:39) እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ክፍሊ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ: የሆዋ ንዅለን ስድራቤታት ድልዱላት መንፈሳውያን ኣሃዱታት ኰይነን ናብ ዓወት ክግስግሳ ከም ዝደልየን ከምኡውን እዚ ክፍጸመሉ ዝኽእል ተግባራዊ መገድታት ዝገልጽ ነበረ። እቲ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ኸኣ ንወለዲ: ነቲ ደቆም ንየሆዋ ከፍቅርዎ ዝምህርዎም ትምህርቲ ካብቲ ወለዲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ከም ዝጅምር ኣዘኻኺርዎም ኢዩ።
እቲ “ካብ ወረን ሕሜትን ተጠንቀቑ” ኣብ ዘርእስቱ ዝርርብ ዝቐረበ ነጥብታት: ዘደንቕ ነገራት ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: ስምዒት ዝትንክፍ ጸብጻባት ክንሰምዕ ከሎና ብቐሊሉ ከይተታለልና ጥበባዊ መልሰ-ግብሪ ከነርኢ ከም ዘሎና ንዅልና ክንግንዘብ ሓጊዙና ኢዩ። ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ሓቅነት ከም ዘለዎ ዝተኣማመኑሉ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ተዛረቡ ዝሓሸ ኢዩ። ብዙሓት ተኣከብቲ ነቲ ቐጺሉ ዝቐረበ “ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ‘ስጋ ዘሎ ግራጭ’ ምዕዋት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ብዙሕ ዘጸናንዕን ዘበራትዕን ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ዘየቋርጽ ፈተናታት እኳ ዘጋጥም እንተዀነ: የሆዋ በቲ ቕዱስ መንፈሱ: ቃሉ: ከምኡውን በቲ ክርስትያናዊ ሕውነትና ገይሩ ከም ዘሐይለና ተረዲኦም ኢዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ካብቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘጋጠሞ ተመክሮታት ብዙሕ ምትብባዕ ረኺቦም ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 12:7-10፣ ፊልጲ 4:11, 13
እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ “ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም” ብዝብል እብራውያን 3:14) መልሱ ፍሉጥ ኢዩ። ድሕርዚ ኸኣ እታ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ዘርእስታ ሓዳሽ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ወጸት። እዛ ብሮሹር እዚኣ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ናይ ምንባብ ክእለቶም ድሩት ንዝዀነ ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽማሃሩ ክትጠቕሞም ኢያ።
ዝርርብ ተዛዘመት። ኣብዚ ዝርርብ ማሕበር ኣምላኽ ንቕድሚት ገጻ ዝገስገሰትሉ ሰለስተ መዳያት ተገሊጹ ኢዩ። እዚ ኸኣ (1) እቲ የሆዋ ዝሃበና እናወሰኸ ዝኸይድ ምርዳእ ናይ መንፈሳዊ ብርሃን: (2) ተዋሂቡና ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ሕድሪ: ከምኡውን (3) ኣብቲ ናይ ማሕበር ኣሰራርሓ እተገብረ እዋናዊ ምትዕርራያት ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ተዛራባይ ብምትእምማን “ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተስፋ ድማ ውዕዉዕ ስምዒት ኢዩ ዘሎና” በለ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ሓተተ:- “ነታ ኣብ መጀመርታ ዝነበረትና እምንቶ ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና ክንሕዛ ከም ዝግብኣና ክንጠራጠረሉ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ኣሎዶ፧” (ካልኣይቲ መዓልቲ—ተኣምራት ኣምላኽ ምእዋጅኩም ቀጽሉ
ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዕለት ጥቕሲ ምስ ተገብረ “ኣገልገልቲ ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ቀረበ። እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ኣብቲ ሕጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዝርከብ ዘሎ ዓወት ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ዕዮ እዚ ክንዓዪ ከሎና ግን እነርእዮ ምጽማም ብመብዛሕትኦም እቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነጽጉ ሰባት ይፍተን ኢዩ። ብርክት ዝበሉ ንነዊሕ እዋን ኣስፋሕቲ ዀይኖም ዘገልገሉ ነቲ ዘጋጥሞም ዘይምግዳስን ምጽራርን ምእንቲ ክጋጠምዎ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ብምጽናዕ ብኸመይ ነቲ ካብ ኣገልግሎቶም ዝረኽብዎ ሓጐስ ከም ዝዓቀብዎ ገሊጾም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስርዓታዊ ኰነ ናይ እግረ-መገዲ ስብከት ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ንኽበጽሕዎም ጻዕሪ ከም ዝገብሩ እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ነቶም ተኣከብቲ ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ኸኣ ክርስትያናት ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣገልግሎቶም ከስፍሑሉ ዝኽእሉ ብዙሕ መገድታት ሓቢሩ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ዘይምችእን ገዛእ ርእስኻ ምምናን ዝሓትትን እኳ እንተዀነ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክንህባ ክንጽዕር ከም ዘሎና እቲ ተዛራባይ ኣጕሊሑ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:19-21
ኣብዛ ንስጋዊ ነገራት ስስዐ ዝመልኦ ባህጊ ዝንጸባረቐላ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና: እቲ “ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ንዀስኵስ” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ዝርርብ እዋናዊ ኢዩ ነይሩ። እቲ ተዛራባይ ንገለ ክፍሊ ዝርርቡ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-10, 18, 19 ብምምርኳስ: ኣምልኾ ንክርስትያናት እቲ ኣብ ጌጋ ዘውድቖምን ብዙሕ ስቓይ ዘምጽኣሎምን ፍቕሪ ገንዘብ ንኸይሓድሮም ብኸመይ ከም ዝሕግዞም ገለጸ። ቍጠባዊ ዅነታትና ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ሓጐስ ምርካብ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን መንፈሳዊ ጥዕናናን ከም ዝምርኰስ ኣጕልሐ። ብዙሓት ተኣከብቲ በቲ “ንኣምላኽ ዘየሕፍሩ ምዃን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ነጥብታት ኣጸቢቖም ተተንኪፎም ኢዮም። ኣብዚ ዝርርብ እዚ የሆዋ ነቶም እሙናት መሰኻኽሩ ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖም ጐሊሑ ኢዩ። እቲ “ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ” እተባህለሉ መመዛዝንቲ ዘይብሉ ኣብነት ዝዀነና የሱስ ክርስቶስ: ንብዙሓት ሰባት ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ጕያ ብትዕግስቲ ንኽቕጽሉ ክሕግዞም ኢዩ።—እብራውያን 13:8
መዕጸዊ ናይቲ ናይ ቅድሚ ቐትሪ ፕሮግራም ናይ ጥምቀት ዝርርብ ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ኵሉ ሳዕ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። ሓደስቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት ኣሰር የሱስ ብምስዓብ ብማይ ንኽጥመቑ ገዛእ ርእሶም ከቕርቡ ኸለዉ ምርኣይስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (ማቴዎስ 3:13-17) ኵሎም እቶም ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወሰዱ ከም ገበርቲ ቓል ኣምላኽ መጠን ድሮ ብዙሕ ነገር ፈጺሞም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ ምስ ተጠመቑ መዝነት እተዋህቦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢዮም ዝዀኑ: ስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስ ይካፈሉ ኸም ዘለዉ ስለ ዝፈልጡ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም።—ምሳሌ 27:11
ኣብቲ “ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ’ ብስለት የድሊ” ዘርእስቱ ዝርርብ ቀጥታዊ ምኽሪ ተዋሂቡ ኢዩ። እቲ ዓለም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ እትጥቀመሉ መዐቀኒታት ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ስርዓታት የሆዋ ክንውከል የድልየና ኢዩ። (ሮሜ 12:2) ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ንመገድታት ኣምላኽ ኣርጢቦም ንምርዳእን ናብ ብስለት ንምብጻሕን ንኽጽዕሩ ተተባቢዖም ኢዮም። በዚ ኸምዚ ልምምድ ብምግባር ልቦናና “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ክስልጥን ኢዩ።—እብራውያን 5:11-14
ድሕርዚ “መንፈሳውነትኩም ንምዅስኳስ ኣበርቲዕኩም ዕየዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ቀረበ። ሓቀኛታት ክርስትያናት መንፈሳውነት ምዅስኳስን ምዕቃብን ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እዚ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ማለት ምንባብ: መጽናዕቲ ምግባር: ከምኡውን ምስትንታን ዝሓትት ኢዩ። (ማቴዎስ 7:13, 14፣ ሉቃስ 13:24) ብተወሳኺውን: መንፈሳውያን ሰባት “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን” ኣየብኵሩን ኢዮም። (ኤፌሶን 6:18) ብርታዐ እምነትና: ዕምቈት ተወፋይነትና: ደረጃ መንፈሳውነትና: ከምኡውን “እቲ ዚሐይሽ” ምዃኑ እንግንዘቦ ነገር ኣየናይ ምዃኑ ካብ ጸሎትና ክርአ ከም ዝከኣል ንፈልጥ ኢና። (ፊልጲ 1:10) ልክዕ ከምቲ ሓደ እዙዝ ውሉድ ምስ ሕያዋይ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ: ምስ የሆዋ እውን ምዉቕን ፍቕራውን ርክብ ምምዕባል ኣድላዪ ምዃኑ ጐሊሑ ኢዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ ሓንቲ ሃይማኖት—ዋላ እውን ሓቀኛ ትኹን—ከም ምሓዝ ገይርካ ጥራይ ኣይንርእዮን ኢና: የግዳስ ‘ንኣምላኽ ከም ዝረኣናዮ’ ዄንና ድልድልቲ እምነት ክንሃንጽ ኢና እንደሊ።—እብራውያን 11:6, 27
ቀጺሉ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዝምልከት “እናወሰኽኩም ትኸዱ ከም ዘለኹም ይገለጽ” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ዝርርብ ቀረበ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወሰኽ ክንገብረሉ እንኽእል ሰለስተ መዳያት ቀረበ፣ እዚ ኸኣ (1) ብፍልጠት: ምርዳእ: ከምኡውን ብጥበብ ወሰኽ ምግባር: (2) ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምፍራይ: ከምኡውን (3) ከም ኣባላት ስድራቤት መጠን ዘሎና ሓላፍነት ምፍጻም ኢዩ።
እቶም ተኣከብቲ ኣብቲ መወዳእታ እታ መዓልቲ ኣብ ዝቐረበ “ምስቲ ቀስ ብቐስ ዝበርህ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምምልላስ” ዘርእስቱ መዕጸዊ ዝርርብ እታ ትንቢት ኢሳይያስ—ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን 1 እትበሃል ሓዳስ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብምውጻኣ ተሓጒሶም ኢዮም። እዚኣ ካብተን ንመጽሓፍ ኢሳይያስ በብምዕራፍ ገይረን ዝገልጻ ክልተ ጥራዛት እታ ቐዳመይቲ ኢያ። እቲ ተዛራባይ “መጽሓፍ ኢሳይያስ ንዓና ዝኸውን መልእኽቲ ሒዛ ኣላ” በለ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ:- “ዝበዝሐ ካብቲ ሒዛቶ ዘላ ትንቢታት ኣብቲ ኢሳይያስ ዝነበረሉ ግዜ ተፈጺሙ ኢዩ። . . . ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዘሎ ትንቢታት ኣብዚ እዋን እዚ ይፍጸም ኢዩ ዘሎ: ገሊኡ ኸኣ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክፍጸም ኢዩ።”
ሳልሰይቲ መዓልቲ—ገበርቲ ቓል የሆዋ ኹኑ
እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ዕለት ጥቕሲ ብእተገብረ ምይይጥ ተጀመረት። ቀጺሉ እቲ “ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ዝምልከት ትርጕም ዘለዎ ትንቢት ጸፎንያስ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ቀረበ። እቲ ሰለስተ ክፍሊ ዝነበሮ ዓውደ-መጽናዕቲ: ከምቲ ብግዜ እታ ደረቐኛ ይሁዳ ዝገበሮ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዞም ሎሚ መጠንቀቕታኡ ክስዕቡ ዘይደልዩ ሰባት ጸበባ ከውርድ ምዃኑ ሓቢሩ ኢዩ። ንኣምላኽ ስለ ዝበደሉ: ከም መራሒ ዘይብሎም ዕዉራት ክመላለሱ: ድሕነት እውን ኣይክረኽቡን ኢዮም። ሓቀኛ ክርስትያናት ግን ከየቋረጹ ንየሆዋ ብተኣማንነት ስለ ዝደልይዎ ብመዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ጸፎንያስ 3:9 NW ) እቲ ተዛራባይ ከምዚ በለ:- “በቲ ጽሩይ ቋንቋ ምዝራብ ክበሃል ከሎ ንሓቂ ምእማንን ንኻልኦት ምምሃርን ጥራይ ዘይኰነስ በካይዳኻ ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምስምማዕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ።”
ክሕብኡ ኢዮም። ሕጂውን ከይተረፈ ብዙሕ በረኸታት ይዓጽዱ ኣለዉ። “ጽሩይ ቋንቋ” ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ናይ ምዝራብ እተባረኸ ኣጋጣሚ ኣለዎም። (እቶም ተኣከብቲ ነቲ “ንግዜና ዝኸውን ኣብነታዊ መጠንቀቕታ” ዘርእስቱ ድራማ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ነበሩ። እዚ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ጥራይ እተመስረተ ድራማ: ኣሽሓት እስራኤላውያን ኣብ ጥቓ እታ ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑ ንየሆዋ ብምርስዖም ከምኡውን ምንዝር ንኽፍጽሙን ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንኽካፈሉን ኣረማውያን ኣንስቲ ስለ ዘስድዓዖም ብኸመይ ህይወቶም ከም ዘጥፍኡ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ናይቲ ድራማ ዝነበረ ያሚን ኣብቲ ፈለማ ኣብ መንጎ እተን ማረኽቲ ሞኣባውያን ኣንስትን ንየሆዋ ዝነበሮ ተወፋይነትን ተቐርቂሩ ነበረ። ግጉይ ምርዳእን ክፉእ ኣተሓሳስባን ኣብቲ ፍርሂ ኣምላኽ ዘይነበሮ ዚምሪ ጐሊሑ ክርአ ኸሎ: ኣብ ፊንሃስ ከኣ እምነትን ተወፋይነትን ጐሊሑ ይርአ ነበረ። ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅሩ ሰባት ምሕባር ዘስዕቦ ሓደጋ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ።
እቲ ድራማ ነቲ ስዒቡ ዝቐረበ “ዝርስዑ ሰማዕቲ ኣይትኹኑ” ዘርእስቱ ዝርርብ መገዲ ጸሪጉ ኢዩ። እቲ ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 10:1-10 ብዝርዝር ዝቐረበ ሓሳብ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ውርሻ ክህበና እንበቅዕ ምዃንናን ዘይምዃንናን ንምውሳን ንተኣዛዝነትና ዝፍትኖ ምዃኑ ሓበረ። ገሊኣቶም ሕጂ ኣብ ድርኵዂት ሓድሽ ኣገባብ ከለዉ እውን ከይተረፈ ስጋዊ ባህግታቶም ንመንፈሳዊ ሸቶታቶም ይዕብልሎ ኢዩ። ኵሎም ተኣከብቲ ነቲ ‘ኣብ ዕረፍቲ’ የሆዋ ንምእታው ዘለዎም ኣጋጣሚ ንኸየጥፍእዎ ምትብባዕ ተዋሂብዎም ኢዩ።—እብራውያን 4:1
እቲ ህዝባዊ ዝርርብ “ናብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ተኣምራት እነቕልበሉ ምኽንያት” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ናይ የሆዋ ‘ተኣምራት’ ንጥበቡን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዝርአ ፍጥረት ዘለዎ ስልጣንን ኣነጺሩ ዘንጸባርቕ ኢዩ። (እዮብ 37:14) የሆዋ ንእዮብ ብዙሕ ዘመራምር ሕቶታት ብምሕታት በቲ ኵሉ ዝኽእል ፈጣሪ ዘለዎ ሓይሊ ከም ዝምሰጥ ገይርዎ ኢዩ። ኣብ መጻኢ እውን የሆዋ ምእንቲ እሙናት ኣገልገልቱ ኢሉ ‘ተኣምራት’ ክገብር ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ከምዚ ብምባል ደምደመ:- “ናብ ተኣምራት ኣምላኽ ማለት ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ: ሕጂ ኣብ ፍጥረቱ ኣብ ኣከባቢና ዝገብሮ ዘሎ: ከምኡውን ኣብ ቀረባ መጻኢ ክገብሮ መዲብዎ ዘሎ ተኣምራት ከነቕልብ ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ ምኽንያት ኣሎና።”
ደድሕሪ እቲ ናይታ ሰሙን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽማቝ ሓሳባት: ናይ መወዳእታ ዝርርብ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ቀረበ። ኣርእስቲ ናይዚ ዘነቓቕሕ ዝርርብ “ነቲ ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰልኩም ኣኽቢርኩም ርኣይዎ” ዝብል ኰይኑ ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ምዃን ክብሪ ከም ዝዀነ ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ። (ያእቆብ 1:22) እቶም ተኣከብቲ ከም ገበርቲ ቓል ኣምላኽ መጠን ዘሎና መሰል ፍሉይ ምዃኑ: ንነዊሕ እዋን ብዝዓቀብናዮ መጠን ድማ ብዝያዳ ኣኽቢርና ከም እንርእዮ ተዘኻኺሮም ኢዮም። ኵሎም እቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ተኣከብቲ ብዝከኣሎም መጠን ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ንኽዀኑ ዘለዎም ባህጊ ንምፍጻም: ነቲ ኣብዚ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝረኸብዎ ጠቓሚ መነቓቕሒ ብግብሪ ከንጸባርቕዎ ተተባቢዖም ኢዮም። እዚ መገዲ እዚ ጥራይ ከኣ ኢዩ ዝዓበየ ሓጐስ ክርከበሉ ዝከኣል።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ዘርእስታ ሓዳስ ብሮሹር ወጸት። ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ቅልል ዝበለ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ይድለ ኣሎ: እዛ ብሮሹር እዚኣ ኸኣ ነዚ ድሌት እዚ ንምምላእ ክትውዕል ኢያ። ነቶም ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎምን ምንባብ ዘይመለኹን ሰባት ዓቢ በረኸት ከተምጽኣሎም ኢያ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ትንቢት ኢሳይያስ—ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን
እቶም ተኣከብቲ ጥራዝ 1 ናይታ ክልተ ጥራዛት ዘለዋ ትንቢት ኢሳይያስ—ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን እትበሃል መጽሓፍ ብምውጻኣ ዓቢ ሓጐስ ተሰሚዕዎም ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ትንቢት ኢሳይያስ ንግዜና ዘለዎ ተግባራዊ ጥቕሚ እተጕልሕ ኢያ።