ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ሰራሕ መነጸር ዘርኢ ይዘርእ

ሓደ ሰራሕ መነጸር ዘርኢ ይዘርእ

ሓደ ሰራሕ መነጸር ዘርኢ ይዘርእ

 ሓደ ኣብ ለቪፍ: ዩክረይን ዝነብር ሰራሕ መነጸር ዝገበሮ ጻዕሪ: ምስታ 2,000 ኪሎ ሜተር ርሒቓን ሓያሎ ሃገራት ሰጊርካን ኣብ እስራኤል ከተማ ሃይፋ እተመስረተት ናይ ቋንቋ ሩስያ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ፧ እዚ ተመክሮ እዚ ንሓቅነት እቲ ኣብ መክብብ 11:6 ዝርከብ “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል . . . ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ዝብል ሓሳብ ዘረጋግጽ ኢዩ።

እዚ ተመክሮ እዚ ካብቲ ብ1990 ሓንቲ መበቈላ ኣይሁዳዊት ዝዀነት ኤላ እትበሃል ሰበይቲ ኣብ ለቪፍ እትነብረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ኢዩ ዝጅምር። ኤላን ስድራቤታን ናብ እስራኤል ክግዕዙ ይዳለዉ ነበሩ። ቀቅድሚ ምንቃሎም ኤላ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሰራሕ መነጸር ቈጸራ ነበራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዩክረይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ንጥፈታት ተኣጊዱ ነበረ። እንተዀነ ግን: እቲ ሰራሕ መነጸር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቱ ንኤላ ንምክፋል ተበግሶ ወሰደ። ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስም ከም ዘለዎ ምስ ነገራ ተገረመት። እዚ ድማ ንተገዳስነት ኤላ ኣለዓዓሎ እሞ ጽቡቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ሰዓበ።

ኤላ በቲ ምይይጥ ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት ኣብታ እትቕጽል ሰሙን እንደገና ምይይጥ ንኽገብሩ ተቛጸረት: ድሕሪኡ እውን እንደገና ካልእ ቈጸራ ገበረት። ዝነበራ ተገዳስነት እናወሰኸ ከደ: እንተዀነ ግን ሓደ ጸገም ነበራ። ምስ ስድራቤታ ናብ እስራኤል እትግዕዘሉ እዋን ቀሪቡ ነበረ። ኤላ ገና ክትማሃሮ ዝግብኣ ብዙሕ ነገር ነበራ! ክሳዕ እትኸደሉ እዋን ዝኣክል ነተን ዘለዋኣ ግዜ ዝያዳ ምእንቲ ክትጥቀመለን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ሓተተት። ኤላ መጀመርታ ኣብ እስራኤል ምስ ኣተወት ጽንዓታ እኳ እንተ ዘይቀጸለት: ዘርኢ ሓቂ ኣብ ልባ ሱር ሰዲዱ ነበረ። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት እንደገና ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት።

ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ውግእ ምስ ተባርዐ እስራኤል ካብ ዒራቕ ብእተወንጨፈ ሚሳይል ተደብደበት። እዚ ቀንዲ መዘራረቢ ጕዳይ ኰይኑ ነበረ። ኤላ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ዓቢ ድኳን ከላ ካብ ዝግዕዙ ነዊሕ ዘይገበሩ ቋንቋ ሩስያ ዝዛረቡ ስድራቤት ከዕልሉ ሰምዓቶም። ገና እኳ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር እንተ ነበረት: ናብቶም ስድራቤት ቀሪባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ሰላም ዝሰፈና ዓለም ዝገልጽ መብጽዓታት ነገረቶም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እታ ኣብታ ስድራቤት እኖሓጎ ዝዀነት ጋሊና: ኣደ ዝዀነት ናታሻ: ወዳ ሳሻ (ኣሪየል): ከምኡውን ጓላ ኢላና ምስ ኤላ ብሓባር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሎም።

እተፈላለየ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ሳሻ ናብ ጥምቀት ዝበጽሐ ናይ መጀመርታ ኣባል ናይታ ስድራቤት ነበረ። ካብቶም ዝለዓለ ነጥቢ ዘለዎም ተማሃሮ እኳ እንተ ነበረ: ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ግድን ክውሰድ ዘለዎ ናይ ቅድመ-ወተሃደራዊ ስልጠና ንምክፋል ክርስትያናዊ ሕልናኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐ። (ኢሳይያስ 2:2-4) ናይ ሳሻ ጕዳይ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ እስራኤል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቐረበ: እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ ሳሻ ናብ ቤት ትምህርቱ ተመሊሱ ነታ ዓመት እቲኣ ክውድእ በየነሉ። እቲ ጕዳይ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብመራኸቢ ብዙሃን ተዘርግሐ። በዚ ምኽንያት እዚ: ብዙሓት እስራኤላውያን ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክፈልጡ ኸኣሉ። a

ሳሻ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ። ሎሚ ፍሉይ ፓይነርን ናይ ጉባኤ ሽማግለን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ኢላና ሓብቱ እውን ምስኡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደት። ኣዲኦምን ዓባዮምን ድማ እተጠምቃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየን። እቲ ሰራሕ መነጸር ዝዘርኦ ዘርኢ ፍረ የፍሪ ነበረ!

እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኤላ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረት እሞ ነዊሕ ከይጸንሐት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደት ክትሰብኽ ጀመረት። ኣብታ ንመጀመርታ ዝዃሕኳሓታ ቤት ንሓንቲ ካብ ዩክረይን ካብ እትመጽእ ነዊሕ ዘይገበረት ፋይና እትበሃል ሰበይቲ ረኸበት። ፋይና ብጭንቀት ተዋሒጣ ነበረት። ኤላ ንቤት እንዳ ፋይና ቀቅድሚ ምዅሕኳሓ: እዛ ብጭንቀት እተዋሕጠት ሰበይቲ ንኣምላኽ “መን ምዃንካ ኣይፈልጥን ኢየ: ትሰምዓኒ እንተድኣ ሃሊኻ ግን ሓግዘኒ” ኢላ ከም ዝጸለየት ኤላ ጸኒሓ ፈለጠት። ንሳን ኤላን ውዕዉዕ ምይይጥ ገበራ። ፋይና ብዙሕ ሕቶታት ሓተተት: ነቲ እተዋህባ መልስታት ከኣ ተጠንቂቓ መርመረቶ። ድሕሪ ግዜ: ንሳ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ከም ዝምህሩ ኣመነት። ኣብ ጉባኤን ዕዮ ስብከትን ንምክፋል ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ክትረክብ ኢላ ኣብቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ምትዕርራይ ገበረት። ኣብ ግንቦት 1994 ድማ ተጠምቀት። ብዓውዲ ኮምፒዩተር ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ሒዛ ንርእሳ እናኣለየት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት።

ኤላ ኣብ ሕዳር 1994 እናሰበኸት ከላ ሃንደበት ብርቱዕ ድኻም ተሰምዓ። ሆስፒታል ከይዳ ምስ ተመርመረት ኣብ መዓናጡኣ ዝደሚ ቍስሊ ከም ዘለዋ ተረጋገጸ። በታ ምሸት እቲኣ ናይ ኤላ መጠን ሄሞግሎቢን ናብ 7.2 ወረደ። ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ዝዀነ ሽማግለ ናይታ ኤላ እትእከበላ ጉባኤ: ነቶም ሓካይም ብዘይደም ዝግበር እተፈላለየ ሕክምናዊ መስርሓት ኣቕረበሎም። b ብዘይደም ዕዉት መጥባሕቲ ተገብረ: ኤላ ድማ ምሉእ ብምሉእ ሓወየት።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

እቲ ኣብ ጀርመን እተወልደ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ካርል ዝበሃል ናይ ኤላ ሓኪም: በዚ ኣዝዩ ተመሰጠ። እቶም ካብቲ ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁድ ብህይወት ዝወጹ ወለዱ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ከለዉ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይፋለጡ ከም ዝነበሩ ዘከረ። ካርል ብዙሕ ሕቶታት ሓተተ። ሓኪም ኰይኑ ስለ ዝዓዪ ኣዝዩ ትሑዝ እኳ እንተዀነ: ስርዓታዊ ኰይኑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ግዜ መደበ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ሰሙናዊ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈል ጀመረ።

እቲ ሰራሕ መነጸር ዝዘርኦ ዘርኢ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብ ሳሻን ስድራቤቱን ከመይ ዝበለ ፍረ ኸም ዘፍረየ ርኢና ኢና። ኤላ ድማ ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ። ኤና ጓላ ኣብዚ ቐረባ እዋን ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ስለ ዝወድአት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀሚራ ኣላ። ፋይና እውን ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ። እቲ ናይ ኤላ ሓኪም ዝዀነ ካርል ሕጂ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክርን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኑ ኣሎ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ድማ ንሕሙማቱን ካልኦትን የካፍሎም ኣሎ።

እቶም ግዒዞም ዝመጹ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝጀመርዋ ኣብ ትሕቲ ናይ ሃይፋ እብራይስጢ ጉባኤ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ: ሕጂ ልዕሊ 120 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብዋ ንጥፍቲ ናይ ቋንቋ ሩስያ ጉባኤ ዀይና ኣላ። እዚ ወሰኽ እዚ ክርከብ እተኻእለ ብኸፊሉ እቲ ኣብ ለቪፍ ዝነብር ሰራሕ መነጸር ንዝነበሮ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዘርኢ ብምዝርኡ ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ እንተድኣ ደሊኻ: ናይ 8 ሕዳር 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 12-15 ርአ።

b ምስ ሆስፒታል ዘረዳድኣ ኮሚተታት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወኪለን ኣብ መንጎ እቲ ሕሙምን እቶም ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ምርድዳእ ንኽፍጠር ይሕግዛ። እዘን ኮሚተታት እዚኣተን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ናይ ሕክምና ምርምር ተመርኲሰን ብዛዕባ ኣማራጺ ሕክምና ሓበሬታ የቕርባ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ዩክረይን

እስራኤል

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኤላን ኤና ጓላን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሃይፋ ዝርከቡ ሕጉሳት ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር። ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ሳሻ: ኢላና: ናታሻ: ጋሊና: ፋይና: ኤላ: ኤና: ከምኡውን ካርል