ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ እተደለኽዎ ዘበለ ምግልጋል

ኣብ እተደለኽዎ ዘበለ ምግልጋል

ታሪኽ ህይወት

ኣብ እተደለኽዎ ዘበለ ምግልጋል

ጀምስ ቢ. ቤሪ ዘዘንተዎ

ግዜኡ 1939 ኢዩ ነይሩ። እቲ ዓብዪ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብራ ኸቢድ ከም ዝኸውን ገይሩ ነበረ: ኣብ ኣውሮጳ እውን ኵናት ይልሕም ኢዩ ነይሩ። ኣነን ምንኣሰይ ሓወይ ቤነትን ስራሕ ንምድላይ ካብ ዓድና ሚሲሲፒ ናብ ሂዩስተን: ቴክሳስ: ከድና።

ሓደ መዓልቲ ሓጋይ ክወጽእ ኸሎ ሓደ ዘደንቕ ምልክታ በቲ ሽሽ ዝብል ረድዮ ሰማዕና: እቲ መልእኽቲ ኸኣ ሰራዊት ሂትለር ፖላንድ ኸም ዝኣተወ ዝሕብር ነበረ። ሓወይ ከኣ “ኣርማጌዶን መጺኣ!” ብምባል ስምዒቱ ገለጸ። ብኡንብኡ ድማ ብፍቓድና ኻብ ስራሕ ተሰናበትና። ናብቲ ዝቐርበና ኣደራሽ መንግስቲ ብምኻድ ንመጀመርታ ግዜ ኣኼባ ተኻፈልና። ስለምንታይ ኢና ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝኸድና፧ ካብ ፈለማ ኸዘንትወልኩም።

ኣብ ሄብረን: ሚሲሲፒ: ብ1915 ኢየ ተወሊደ። ኣብ ሃገረሰብ ኢና እንነብር ነይርና። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ናብቲ ኸባቢ ይመጹ ነይሮም ኢዮም: ኣብ ሓንቲ ገዛ ድማ ዝርርብ ከም ዝወሃብ ይገብሩ ነበሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ወለደይ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክህልዎም ከኣለ። ኣነን ቤነትን ከኣ ነቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝነበረ ትምህርትታት ንኣምኖ ነበርና፣ ሲኦል መሳቐዪ ኸም ዘይኰነ: ነፍሲ ኸም እትመውት: ጻድቃን ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ንኣምን ነበርና። እንተዀነ ግን: ገና ክንማሃሮ ዝነበረና ሓያሎ ነገራት ነይሩ ኢዩ። ትምህርቲ ኻብ ዝውድእ ገለ ግዜ ምስ ሓለፈ ኣነን ሓወይን ስራሕ ንምንዳይ ንቴክሳስ ከድና።

ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኼድና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብና እሞ ፓይነራት እንተ ዄንና ሓተቱና። ፓይነር ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምዃኑ ምንም ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና። ንሳቶም ድማ ክንሰብኽ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ሓተቱና። ንሕና ኸኣ “እወ ንደሊ” ኢልና መለስናሎም። እዚ ብኸመይ ከም ዝዕመም ዘርእየና ሰብ ምሳና ዝሰዱ ኢዩ መሲሉና ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: ካርታ ሂቦም ደኣ “ኣብቲ ኢኹም እትዓዩ” በሉና። ኣነን ቤነትን ብዛዕባ ስብከት እንፈልጦ ምንም ነገር ኣይነበረናን: እቲ ክሓድረና ዝኽእል ሕፍረት ድማ ገና ብኣጋኡ ኣሸቝረረና። ንምሸቱ ነታ ካርታ ናብታ ጉባኤ ብቡስጣ ሰደድናያ እሞ ንሚሲሲፒ ተመለስና!

ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ናትና ገበርናዮ

ንዓድና ምስ ተመለስና ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንበብና። ኣብ ገዛና ሓይሊ ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረና ምሸት ብፋኑስ ኢና እነንብብ ዝነበርና። ኣብቲ እዋን እቲ ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ድማ ኣብ እተገለለ ከባቢታት ንዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈስ ዘበራትዕዎም ዝነበሩ እቶም ናይ ዞን ተዓዘብቲ ዝበሃሉ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኢዮም ነይሮም። ሓደ ኻብዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም ዝነበረ ቴድ ክላይን ንጉባኤና ይበጽሓ: ንዓይን ንቤነትን ከኣ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ስብከት ይወስደና ነበረ: መብዛሕትኡ ግዜ ንኽልቴና ብሓንሳብ ሒዙና ይኸይድ ነበረ። ዕዮ ፓይነር ከመይ ምዃኑ ኸኣ ይገልጸልና ነበረ።

ንዕኡ ምስናይና ድማ ንየሆዋ ዝያዳ ናይ ምግልጋል ሓሳብ ኣሕዲሩልና ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብ18 ሚያዝያ 1940 ሓው ክላይን ንዓይን ንቤነትን ንምንኣሰይ ሓብተይ ቬልቫን ኣጠመቐና። ወለድና ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ጥምቀትና ተረኺቦም ነበሩ: በቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ድማ ተሓጐሱ። ንሳቶምውን ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ተጠመቑ። ክሳዕ እቲ ኣቦይ ብ1956 ኣደይ ከኣ ብ1975 ዝሞተትሉ እዋን እሙናት ኰይኖም ቀጺሎም ኢዮም።

ሓው ክላይን ፓይነር ክኸውን ዝደሊ እንተድኣ ዀይነ ሓተተኒ: ምንም እኳ ድሌት እንተሎኒ ገንዘብን ክዳንን ዘይብለይ በተኽ ምዃነይ ገለጽክሉ። ንሱ ድማ “እዚ እንተድኣ ዀይኑ ጸገምካ ደሓን ኣነ ኸመቻችኣልካ ኢየ” በለኒ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ገበረ። ፈለማ ነቲ ናይ ፓይነር መመልከቲ ወረቐተይ ለኣኾ። ድሕርዚ ናብታ ኣስታት 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኒው ኦርሊንዝ ሒዙኒ ኸደ እሞ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ዝነበረ ጽቡቕ ክፍልታት ኣርኣየኒ። ናይ ፓይነራት ገዛውቲ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ናብኡ ገዓዝኩ: ዕዮ ፓይነር ድማ ጀመርኩ። ኣብ ኒው ኦርሊንዝ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፓይነራት ክዳውንትን ገንዘብን መግብን ብምሃብ ሓገዞም የወፍዩ ነበሩ። ቀትሪ ኣሕዋት መግቢ የምጽኡ እሞ ኣብ ኣፍ ደገ ወይ ከኣ ኣብ መዝሓሊት ኣቐሚጦምዎ ይኸዱ ነበሩ። ኣብቲ ጥቓና ቤት ብልዒ ዝነበሮ ሓደ ሓው ከም ስጋ: ባኒ: ስልሲ: ከምኡውን ሳምቡሳ ዝኣመሰለ ቐትሪ ኸይተሸጠ ዝወዓለ መግብታት ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ዝዓጽወሉ ሰዓታት እናኸድና ኽንወስድ ነጊሩና ነበረ።

ንህዝባዊ ናዕብታት ምግጣሙ

ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ከተማ ጃክሰን: ሚሲሲፒ: ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ተመዘዝኩ። ኣብኡ ድማ ንዓይን ነቲ ብዕድመ ኻባይ ዝንእስ መገላግልተይን ህዝባዊ ናዕቢ ኣጓነፈና: እቶም ጥርዓንና ሰሚዖም ክሕግዙና ዝነበሮም ኣካላት እውን ነቲ ህዝባዊ ናዕብታት ዝድግፍዎ ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል! ኣብቲ ብድሕሪኡ ተመዲብናሉ ዝነበርና ኮሎምበስ: ሚሲሲፒ: እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጢሙና ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ዓሌትን ዜግነትን ንዘለዎም ሰባት ንሰብኽ ስለ ዝነበርና ገለ ኻብ ጸዓዱ ይጸልኡና ነበሩ። ብዙሓት ከም መናዓብቲ ይቘጽሩና ነበሩ። ኣብቲ ኸባቢ ናይ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ሓርበኛ ነዚ ኣረኣእያ እዚ የሳውሮ ነበረ። ብዙሕ ግዜ ኸኣ ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝንድር ገይሩ ኢዩ።

ኣብ ኮሎምበስ ንፈለማ ግዜ ህዝባዊ ናዕቢ ዘጋጠመና ኣብ መገዲ ዄንና መጽሔታት እናዓደልና ኸሎና ኢዩ። ኣብ ቬትሪና ናይ ሓደ ድኳን ድማ ኣጸግዑና። ብዙሕ ሰብ ድማ ንኽርኢ ዕጕግ በለ። ነዊሕ ከይጸንሑ ፖሊስ መጹ እሞ ናብ መጋባእያ ወሰዱና። እቲ ዋዕዋዕ ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ደድሕሬና ሰዓበ: ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ግዜ ኻብታ ኸተማ እንተድኣ ወጺእና ጥራይ ብህይወት ከም እንኸይድ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ኣፍለጡ። ኣብቲ ውሱን ግዜ እንተድኣ ዘይወጺእና ግን ሬሳና ኽለዓል ነይርዎ ማለት ኢዩ! ንግዚኡ ኻብታ ኸተማ ምውጻእ ዝበለጸ ዀይኑ ተሰማዓና። ድሕሪ ገለ ሰሙናት ግን ተመለስና እሞ እንደገና ምስባኽ ጀመርና።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይገበረ ሸሞንተ ዓንተራት ሰብኡት መጺኦም መንዚዖም ናብ ክልተ ማኪናታቶም ኣእተዉና። ናብ ጣሻ ድማ ሒዞምና ኸዱ: ክዳውንትና ኣውጺኦም ከኣ ብቝልፈይ ሰሰላሳ ግዜ ገረፉና! ሸጓጕጥን ገመድን ሒዞም ስለ ዝነበሩ ብሓቂ ርዒድና ኢና ነይርና። ኣሲሮም ናብቲ ውሕጅ ዝድርብዩና ኢዩ መሲሉኒ ነይሩ። ንጽሑፋትና ቀዳዲዶም ደርበይዎ: ነታ ፎኖግራፍና ድማ ምስ ጕርማጽ ኦም እናላግዑ ሰባበርዋ።

ገሪፎም ምስ ወድኡ ክዳውንትና ኽንለብስ እሞ ንድሕሪት ገጽና ቝሊሕ ከይበልና በቲ ጣሻ ብዝርከብ መገዲ ኽንከይድ ነገሩና። በቲ ዝበሉና ኽንከይድ ከሎና ቍሊሕ እንተድኣ ኢልና ዝቐጽዑና ዘይኰነስ ዝትኵሱልና ዀይኑ ይስምዓና ስለ ዝነበረ ንድሕሪት ገጽና ንምጥማት ድፍረት ኣይነበረናን! ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ግን ብማካይኖም ክኸዱ ሰማዕናዮም።

ካልእ እዋን ድማ ብዙሓት ሰባት እግሪ እግርና ሰዓቡ: ካብኦም ንምምላጥ ድማ ክዳውንትና ኣብ ክሳድና ኣሲርና ብውሕጅ ክንሕንብስ ተገዲድና ኢና። እዚ ኻብ ዘጋጥም ድሕሪ ሓጺር እዋን መናዓብቲ ኢኹም ብዝብል ክሲ ተኣሰርና። ኣብ ምርመራ ኸይቀረብና ኸኣ ንሰለስተ ሰሙን ተኣሰርና። እቲ ጕዳይ ድማ ኣብ ኮሎምበስ ኣጸቢቑ ተወርየ። ተማሃሮ ናይቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ኮለጅ ከኣ ኣብቲ ናይ ምርመራ መጋባእያ ምእንቲ ኽርከቡ ካብ ክፍልታቶም ኣቐዲሞም ክወጹ ተፈቕደሎም። ኣብታ መዓልቲ ምርመራ ድማ እቲ መጋባእያ ብዘይካ እቲ መተሓላለፊታት ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኡ ነበረ! እቶም ብወገን እቲ ዞባዊ መንግስቲ ዝቐረቡ መስከርቲ ክልተ ሰበኽቲ ወንጌልን ከንቲባን ፖሊስን ኢዮም ነይሮም።

ሓደ ጂ. ሲ. ክላርክ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ጠበቓ ምስ ሓደ ብጻዩ ንዓና ንምውካል ተላኢኾም መጹ። መርትዖ ብዘይምህላዉ ኸኣ እቲ መናዓብቲ ምዃንና ዝቐረበ ክሲ ኽንጸግ ሓተቱ። እቲ ምስ ሓው ክላርክ ዝሰርሕ ጠበቓ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይነበረ ኣብ ክንዳና ሓያል ምጕት ገበረ። ብዛዕባ ሓደ ነጥቢ ነቲ ዳኛ ኸምዚ ዝስዕብ በሎ:- “ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሉላት ይብልዎም። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ እሞ ቶማስ ኤዲሰን እውን ጽሉል ተባሂሉ ኢዩ!” ድሕርዚ ናብ መብራህቲ ናይታ ገዛ እናኣመልከተ “ነታ መብራህቲ ርኣይዋ!” በሎም። ነታ ላምፓዲና ዝመሃዘ ኤዲሰን ከም ጽሉል ዝሓሰብዎ ሰባት ነይሮም ይዀኑ ኢዮም: በቲ ዕዉት ምህዝኡ ክማጐቶ ዝኸኣለ ሰብ ግን ኣይነበረን።

ነቲ ናይ ወረዳ ቤት ፍርዲ ዝመርሖ ዝነበረ ዳኛ ቓል መሰኻኽር ምስ ሰምዐ ነቲ ኣኽባር ሕጊ ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- “ነቲ መናዓብቲ ምዃኖም ዘቕረብኩምዎ ክሲ እትድግፍ ንእሽቶ እውን ትኹን መርትዖ ከተቕርቡ ኣይከኣልኩምን: ነዚ ዕዮ እዚ ከካይድዎ ድማ መሰል ኣለዎም። መርትዖ ክሳዕ ዘየቕረብኩም ናይ መንግስቲ ግዜን ገንዘብን ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእሰይ ግዜ ንምብኻን ኢልኩም ናብዚ መጋባእያ እንደገና ሒዝኩምዎም ከይትመጹ!” ዓወት ዝብልኹም ከምዚ ኢዩ!

ድሕርዚ ግና እቲ ዳኛ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸወዓና። ምልእቲ ኸተማ ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ ኸም ዘይትድግፎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣጠንቀቐና:- “እቲ ዝወሰንክዎ ውሳነ ብመሰረት ሕጊ ኢዩ: ንዓኹም ዝህቦ ብሕታዊ ምኽሪ ግን ካብዛ ኸተማ ንኽትወጹ ኢዩ: እንተ ዘይኰይኑ ክቐትልኹም ኢዮም!” ቅኑዕ ምንባሩ ተረዳእና እሞ ካብታ ኸተማ ወጻእና።

ካብኡ ናብቶም ኣብ ክላርክስቪል: ተነሲ: ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ቤነትን ቬልቫን ከድኩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ፓረስ: ኬንተኪ: ከነገልግል ተመደብና። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ይኸውን ኣነን ቤነትን ሓደ ፍሉይ ዕድመ ክቐርበልና ኸሎ ኣብቲ ቦታ ጉባኤ ንምቛም ዳርጋ ቀሪብና ነበርና።

ሚስዮናዊ ኣገልግሎት

ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣቲና ኽንማሃር ዕድመ ምስ መጸና: ‘ተጋግዮም ኢዮም! ከመይ ገይሮም ንኽልተ ተራ ደቂ ሚሲሲፒ መንእሰያት ክማሃሩ ይጽውዕዎም፧’ ዝብል ሓሳብ ሓደረና። ትምህርቲ ዘለዎም ኣሕዋት ዝደልዩ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና ነይሩ: ዝዀነ ዀይኑ ኸድና። ኣብቲ ኽፍሊ 100 ተማሃሮ ነበርና: እቲ ትምህርቲ ኸኣ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወስድ ነበረ። ምረቓ ድማ 31 ጥሪ 1944 ነበረ: ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዝርከብ ግራት ኣገልግሎት ኬድና ኸነገልግል ከኣ ተሃንጢና ነበርና። ኣብቲ እዋን እቲ ግን ፓስፖርትን ቪዛን ምርካብ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ስለ ዝነበረ: ተማሃሮ ንግዜኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከገልግሉ ይምደቡ ነበሩ። ኣብ ኣልባማን ጆርጅያን ንገለ ግዜ ፓይነራት ኴንና ምስ ኣገልግልና ኣነን ቤነትን ናብ ባርባዶስ: ዌስት ኢንዲስ: ኬድና ኸነገልግል ተመደብና።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ገና ይቕጽል ኢዩ ነይሩ: ዕዮን ጽሑፋትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እንተላይ ኣብ ባርባዶስ እውን ተኣጊዱ ነበረ። ኣብ ባርባዶስ ምስ ኣተና ሳናጡና በቶም ናይ ጉምሩክ ሰብ መዚ ተኸፊቱ ተፈተሸ እሞ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓቢእናዮ ዝነበርና ጽሑፋት ረኸብዎ። ‘ኣኺሉና ከጥፍኡና ኢዮም’ ኢልና ሓሰብና። ዋላ ሓንቲ ግን ኣይገበሩናን: ኣብ ክንድኡስ ሓደ ኻባታቶም “ኣይትሓዙልና: ሳናጥኹም ግድን ክንፍትሽ ስለ ዝነበረና ኢና ፈቲሽናዮ፣ እዚ ጽሑፋት እዚ ኸኣ ኣብ ባርባዶስ እጉድ ኢዩ” ብምባል ኣፍኲሱ ተዛረበና። ካብቲ ጽሑፋት ዋላ ሓንቲ ኸየጕደለ ኸኣ ክንኣቱ ፈቐደልና! ድሕሪ ገለ ግዜ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምስ መስከርናሎም እቲ ጽሑፋት እተኣገደሉ ምኽንያት ከም ዘይተረድኦም ገለጹልና። ገለ ኣዋርሕ ጸኒሑ ድማ እቲ እገዳ ተላዕለ።

እቲ ኣብ ባርባዶስ ዘካየድናዮ ኣገልግሎት ብዙሕ ፍረ ረኺብናሉ ኢና። ነፍሲ ወከፍና 15 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ነበርና: መብዛሕትኦም ካብቶም ተማሃሮና ኸኣ መንፈሳዊ ዕብየት የርእዩ ነበሩ። ገሊኦም ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክመጹ ኸለዉ ንሕጐስ ነበርና። ይኹን እምበር: ንገለ ግዜ ዝኸውን ጽሑፋት ተኣጊዱ ስለ ዝነበረ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣኼባታት ከመይ ኢሉ ኸም ዝካየድ እዋናዊ ምርዳእ ኣይነበሮምን። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ንገለ ካብቶም ኣሕዋት ከነሰልጥኖም ክኢልና ኢና። መብዛሕትኦም ካብ ተማሃሮና ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንኽጅምሩ ብምሕጋዝናን እታ ጉባኤ ኽትዓቢ ኸላ ብምርኣይናን ተሓጒስና ኢና።

ቈልዑ ምዕባይ

ኣብ ባርባዶስ 18 ኣዋርሕ ምስ ጸናሕና መጥባሕቲ ኽገብር ስለ ዝነበረኒ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኽምለስ ግድን ኰነ። ኣብኡ ኣብ ዝጸናሕክሉ እዋን ብደብዳበ ምስ ዝራኸባ ዝነበርኩ ዶረዚ እትበሃል ሓብቲ ተመርዓና። ድሕርዚ ኣነን ንሳን ኣብ ፍሎሪዳ ኸተማ ታለሃሲ ፓይነራት ኴንና ነገልግል ነበርና: ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ግን ናብ ኬንተኪ ከተማ ሉቪል ገዓዝና እሞ ኣብኡ ድማ ሓደ ሓው ስራሕ ረኸበለይ። ቤነት ሓወይ ኣገልግሎቱ ብምቕጻል ኣብ ባርባዶስ ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ። ድሕርዚ ንሓንቲ ኸምኡ ሚስዮናዊት ተመርዓወ እሞ ኣብተን ደሴታት ኣብ ዕዮ መገሻ የገልግሉ ነበሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ብምኽንያት ጥዕና ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክምለሱ ነበሮም። ክሳዕ እቲ ቤነት ኣብ መበል 73 ዕድሚኡ ዝሞተሉ 1990 ድማ ንጉባኤታት ተዛረብቲ ቛንቋ ስጳኛ ኣብ ዕዮ መገሻ ምግልጋሎም ቀጺሎም ኢዮም።

ብ1950 ዶረዚ በዅሪ ጓልና ወለደት: ዳረል ዝብል ስም ድማ ኣውጻእናላ። ድሕሪኣ እውን ስለ ዝወለድና ኵሉምሎም ሓሙሽተ ቘልዑ ነበሩና። እቲ ምንኣስ እታ በዅሪ ዝዀነ ደሪክ ወዲ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ኰነ ብሕማም ኣንቅጺ ሞተ። ድሕርዚ ግን ብ1956 ለስሊ ብ1958 ድማ ኤቭረት ተወልዱ። ኣነን ዶረዚን ንደቅና ብመገዲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ከነዕብዮም ጽዒርና ኢና። ናይ ስድራቤት ሰሙናዊ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝህልወናን ንዅሎም እቶም ቈልዑ ኸም ዝስሕቦምን ንምግባር ጽዒርና ኢና። ንዳረልን ለስሊን ኤቭረትን ገና ቘልዑ ኸለዉ ኢና ምርምር ብምግባር መልሲ ዝረኽብሉ ሕቶታት ኣብ ሰሙን ሰሙን እንህቦም ዝነበርና። ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ብተዋስኦ መልክዕ የርእዩና ነበሩ። ሓዲኦም ኣብ ከብሒ እንዳ ኽዳውንቲ ብምእታው በዓል ቤት ኰይኑ ይዋሳእ። ካልእ ኸኣ ብደገ ዀይኑ ነቲ ከብሒ ይዅሕኵሖ። ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ምፍርራህ ቃላት ብምልውዋጥ የስሕቑና ነበሩ: ዝዀነ ዀይኑ ግን እዚ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ፍቕሪ ኸም ዝሓድሮም ገይሩ ኢዩ። ንሕናውን ስርዓታውያን ኴንና ምስኦም ነገልግል ነይርና ኢና።

እቲ ሕሳስ ልደ ወድና ኤልተን ብ1973 ክውለድ ከሎ ዶረዚ ዳርጋ ጓል 50 ኣነ ኸኣ ከባቢ 60 ዄንና ነበርና። ኣብ ጉባኤ ኣብርሃምን ሳራን ኢሎም ይጽውዑና ነበሩ። (ዘፍጥረት 17:15-17) እቶም ዓበይቲ ኣወዳት መብዛሕትኡ ግዜ ንኤልተን ኣገልግሎት ሒዞምዎ ይኸዱ ነበሩ። ስድራቤታት—ኣሕዋትን ኣሓትን: ወለድን ውሉዳትን—ብሓደ ሓቢሮም ንኻልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽነግርዎም ከለዉ ሰባት ምስ ዝርእዩ ሓያል ምስክርነት ዝህብ ኰይኑ ይስምዓና ነበረ። ንኤልተን እቶም ዓበይቲ ኣሕዋቱ በብተራ ይሕንግርዎ እሞ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክት ድማ ኣብ ኢዱ የትሕዝዎ ነበሩ። ሰባት ነዚ ንእሽቶ ምጩው ቈልዓ ኣብ መንኵብ ዓቢ ሓዉ ተሓንጊሩ ክርእዩ ኸለዉ ማዕጾኦም ይኸፍቱን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ይሰምዑን ነበሩ። እቶም ኣሕዋቱ እቲ ዝርርብ ምስ ተወድአ ነቲ ሰብ እታ ትራክት ክህቦን ሒደት ቃላት ክዛረብን ምሂሮምዎ ነበሩ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ኢዩ ስብከት ዝጀመረ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካልኦት ንየሆዋ ንኽፈልጥዎ ክንሕግዞም ክኢልና ኢና። ኣብተን መወዳእታ ዓመታት ናይ 1970ታት ኣብ ሓንቲ ሓገዝ እትደሊ ዝነበረት ጉባኤ ንምግልጋል ካብ ሉቪል ናብታ ኣብ ኬንተኪ እትርከብ ከተማ ሸልቢቪል ገዓዝና። ኣብኡ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ከኣ ዕብየት ናይታ ጉባኤ ኽንርኢ ጥራይ ዘይኰንናስ መሬት ኣብ ምርካብን ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ምህናጽን ክንሕግዝ በቒዕና ኢና። ድሕርዚ ካብኡ ብዙሕ ኣብ ዘይትርሕቕ ካልእ ጉባኤ ኸነገልግል ሕቶ ቐሪቡልና ኢዩ።

ኣብ ስድራቤት ዘጋጠመ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት

ኵሎም ደቅና ብመገዲ የሆዋ ጸኒዖም ክመላለሱ ኢዩ ትምኒተይ ነይሩ: ሓሳብ ልበይ ግን ኣይሰመረለይን። ዓበይቲ ዀይኖም ንበይኖም ክነብሩ ምስ ጀመሩ ካብቶም ብህይወት ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቅና እቶም ሰለስተ ካብ መገዲ ሓቂ ኣላገሱ። ኤቭረት ወድና ግን ኣስኣሰረይ ብምስዓብ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገልገለ: ብ1984 ከኣ ናብቲ መበል 77 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተጸውዐ። ድሕሪ ምምራቑ ድማ ተመዲቡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሴራልዮን ከደ። ብ1988 ምስ ሓንቲ ኻብ በልጅዩም ዝመጸት ማርያን እትበሃል ፓይነር ተመርዓወ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዞም ብሓባር ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ዝዀነ ይኹን ወላዲ ኽግምቶ ኸም ዝኽእል ሰለስተ ደቅና ኻብቲ ሕጂ ዕግበት ክርከቦ ዝከኣል ኣብ መጻኢ ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዘደንቕ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ህይወት ክወጹ ኸለዉ ምርኣይ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንገዛእ ርእሰይ እወቕሳ ነይረ ኢየ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብፍቕርን ሕያውነትን ዝግስጽ ከምኡውን ጌጋታት ከቶ ዘይፍጽም ክነሱ ገለ ካብ መንፈሳውያን ውሉዳቱ ወይ መላእኽቱ ኻብ ምግልጋሉ ኸም ዘቋረጹ ምፍላጠይ ክጸናናዕ ኣኽኢሉኒ ኢዩ። (ዘዳግም 32:4፣ ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 12:4, 9) እዚ ኸኣ ወለዲ ደቆም ብመገዲ የሆዋ ንምዕባይ ኣበርቲዖምውን እንተ ጸዓሩ: ገለ ግን ካብ ሓቂ ዝሕንግዱ ኸም ዘይሰኣኑ ኣዘኻኺሩኒ ኢዩ።

ልክዕ ከምቲ ንሓንቲ ኦም ዝሓልፋ ህቦብላ: እተፈላለየ ጸገማትን ግድላትን የጋጥመና ስለ ዝነበረ ዅነታትና ኸነጣጥእ የድልየና ነበረ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ስርዓታዊ ዄንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ኣኼባታት ምክፋልን ኵነታተይ ንኸጣጥእን ብመንፈስ ንኸይመውትን እኹል ሓይሊ ኸም ዝሃበኒ ከረጋግጽ ክኢለ ኢየ። ዕድመ እናደፋእኩ ብዝኸድኩ መጠን እሞ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝፈጸምክዎ ጌጋታት ምስ ዝዝክሮ በቲ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ጥራይ ክሓስብ ኢየ ዝጽዕር። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ብተኣማንነት እንተድኣ ቐጺልና ከምዚ ዝበለ ተመክሮታት ንመንፈሳዊ ዕብየትና ዘደንፍዖ ኢዩ። ካብ ተመክሮታት ትምህርቲ ኽንወስድ እንተድኣ ኽኢልና: እቲ ናይ ህይወትና ኣሉታዊ ጐድንታት ገለ ኣወንታዊ መዳይ ክርከቦ ይከኣል ኢዩ።—ያእቆብ 1:2, 3

ደጊም ሕጂ ኣነን ዶረዚን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ በቲ እንደልዮ መጠን ክንሳተፍ ዘኽእለና ጥዕና ወይ ሓይሊ የብልናን። ነቲ ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝገብሩልና ደገፍ ግን ነማስወሉ ኢና። እቶም ኣሕዋት ኣብ ኣኼባታት ምክፋልና ክሳዕ ክንደይ ከም ዘማስውሉ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኢዮም ዝገልጹልና። ንዓና ክሕግዝሉ ዝኽእሉ መገዲ ኢዮም ዘናድዩ: እዚ ኸኣ ገዛን ማኪናን ምዕራይ ዘጠቓልል ኢዩ።

ስሕት ኢልና ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ነገልግል ኢና: ንተገደስቲ ሰባትውን ጽንዓት ንገብረሎም ኢና። ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልግል ዘሎ ወድና ደሃይ ክንሰምዕ ኸሎና ዅሉ ግዜ ፍሉይ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓና። ምንም እኳ ኽልቴና ጥራይ እንተ ዀንና ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣየቋረጽናን። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣዝዩ ብዙሕ ዓመታት ብምሕላፍና ሕጉሳት ኢና። የሆዋ ‘ንግብርናን ምእንቲ ስሙ ዝገበርናዮ ፍቕርን ከም ዘይርስዕ’ ኣረጋጊጹልና ኢዩ።—እብራውያን 6:10

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ቴድ ክላይን ብ18 ሚያዝያ 1940 ንዓይን ቬልቫን ቤነትን ከጠምቐና ኸሎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓልቲ ቤተይ ዶረዚ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ 1940ታት ከምኡውን ኣብ 1997

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እቲ “መስፍን ሰላም” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ከም ዝወሃብ ዝነግር ምልክታ ኣብ ባርባዶስ ኣብ ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ተለጢፉ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ቤነት ሓወይ ኣብ ኣፋፌት መንበሪ ሚስዮናውያን