ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እናሰጋእካ ምንባር

እናሰጋእካ ምንባር

እናሰጋእካ ምንባር

“ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትካ እትፍጽሞ ዝዀነ ይኹን ነገር—ድቃስ እውን ይኹን—ኣብ ህይወትካ እቲ ናይ መወዳእታ ነገር ንኸይከውን ሰጋእ ከይበልካላ እትሓልፍ ኣጋጣሚ የላን።”​—መጽሔት ዲስካቨር (እንግሊዝኛ)

 ናብራ ህይወት ነተጒቲ ኣብ እተዘርኦ ግርሁ ከም ምንቅስቓስ ተቘጺሩ ኣሎ: ከመይሲ ጕድኣትን ሞትን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ድቦላ ክወርደካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓደጋ ዘስዕብ ምኽንያታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ ኢዩ። እዚ ድማ ሓደጋ ተሽከርከርቲ: ውግእ ሓድሕድ: ጥሜት: አይድስ: መንሽሮ: ሕማም ልቢ: ከምኡውን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ነገራት ዘጣመረ ኢዩ። ንኣብነት: ደቡብ ካብ ሳህራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ: አይድስ እቲ ቐንዲ ቐዛፊ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ዩ.ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት (እንግሊዝኛ) ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጥራይ “2.2 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ: እዚ ኸኣ ናይቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዝሞቱ ሰባት 10 ዕጽፊ ምዃኑ ኢዩ።”

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ዓለም ዕምሪ ህይወት ወድሰብ ንምንዋሕ ከምኡውን ሓደጋታት ሕማምን ስንክልናን ንምንካይ ኣብ እትገብሮ ጻዕርታት ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ተጥፍእ ኣላ። መብዛሕትኡ ካብቲ ምስ ጥዕናና ዝቃዶ ኣመጋግባን ኣሳትያን ምውስዋስ ኣካላትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ልምድታትን ከነዘውትር ዘተባብዕ ጐስጓሳት ገለ ረብሓ ክርከብ ዝከኣል እኳ እንተዀነ: ንዅሉ ኣገዳሲ መዳያት ናብራ ዝምልከት ሓበሬታ ክህብ ዝኽእል ትውክልቲ ዝግበሮ ካልእ ምንጪ ግን ኣሎ። ካብዚ ምንጪ እዚ ዝርከብ ሓበሬታ: ድሕንነትን ዝያዳ ውሕስነትን ዘለዎ ህይወት ንምስትምቓር ዘኽእል ኢዩ። እዚ ምንጪ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ኣብ ጥዕናናን ድሕንነትናን ጽልዋ ኽገብር ብዛዕባ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት መምርሒ ዝሓዘ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ግድል ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህብን ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ኣመጋግባ: ኣካላዊ መዛርዕ: ኣተሓሳስባ: ጾታ: ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ: ትምባኾ: ወልፊ ዘየትሕዙ ተባሂሉ ዝውረየሎም ሓሽሻት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ ነገራት ክህልወና ዝግብኦ ኣረኣእያ ዝሕብረና መሰረታዊ ስርዓታት ዝሓዘ ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት ቍጠባዊ ውሕስነት ስለ ዘይብሎም ህይወቶም ጭንቂ ዝመልኦ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና ሓገዝ ኣሎ። ጥበባዊ ዝዀነ ኣረኣእያን ኣወዓዕላን ገንዘብ ንኽህልወና ጥራይ ዘይኰነስ ብኸመይ ዝሓሸ ወሃብ ስራሕ ወይ ድማ ሰራሕተኛ ኽንከውን ከም እንኽእል እውን ይሕብረና ኢዩ። ብሓጺሩ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ንቝጠባዊ ውሕስነትን ኣካላዊ ጥዕናን ብዝምልከት ጥራይ ዘይኰነስ ብዓቢኡ ንህይወት ዝጠቅም ጥቁው መምርሒ ዝሓዘ ኢዩ። ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ተግባራዊ ምዃኑ ክትግንዘብ ምደለኻዶ፧ ድሌት እንተድኣ ኣሎካ ዀይኑ በጃኻ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ዓንቀጽ ኣንብቦ።