ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅድሚ መዓልቲ ቝጥዓኡ ንየሆዋ ድለይዎ

ቅድሚ መዓልቲ ቝጥዓኡ ንየሆዋ ድለይዎ

ቅድሚ መዓልቲ ቝጥዓኡ ንየሆዋ ድለይዎ

“ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”​—⁠ጸፎንያስ 2:3

1. ጸፎንያስ ናይ ምንባይ ዕዮኡ ክጅምር ከሎ ናይ ይሁዳ መንፈሳዊ ዅነታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧

 ጸፎንያስ ነቲ ናይ ምንባይ ዕዮኡ ኣብ ታሪኽ ይሁዳ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኢዩ ጀሚርዎ። እቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ዅነታቱ ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ኣብ የሆዋ ዝውከል መሪሕነት ደልዩ ናብ ኣረማውያን ካህናትን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ቍሊሕ ይብል ነበረ። ኣምልኾ በዓል ምስ ኵሉ ናይ ምፍራይ ጽምብላቱ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ነበረ። መራሕቲ እቲ ህዝቢ​—⁠መሳፍንቲ: ልዑላን: ደያኑ⁠—​ነቶም ዕቝብኦም ዝደልዩ ሰባት ይጭቍንዎም ነበሩ። (ጸፎንያስ 1:⁠9፣ 3:⁠3) የሆዋ ንይሁዳን የሩሳሌምን ከጥፍአን ኢሉ ‘ኢዱ ክዝርግሕ’ እንተ ወሰነ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠ጸፎንያስ 1:⁠4

2. ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ተስፋ ኢዩ ነይርዎም፧

2 እቲ ዅነታት ኣዝዩ ሕማቕ እኳ እንተነበረ: ናይ ተስፋ ብልጭታ ግን ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዮስያስ ወዲ ኣሞን ነጊሱ ነበረ። ዮስያስ ቈልዓ እኳ እንተ​ነበረ ኣብ የሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ነበሮ። እቲ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ይሁዳ ሓቀኛ ኣምልኾ ከም ዝምለስ ክገብር እንተድኣ ዀይኑ: ነቶም ብተኣማንነት ንኣምላኽ ዘምልኹ ዝነበሩ ውሑዳት ሰባት ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ክኸውን ነበሮ! ምናልባት ካልኦት እውን ንኽስዕብዎም ክድረኹን ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ክድሕኑን ይኽእሉ ይዀኑ።

ድሕነት ንምርካብ ዘድሊ ብቕዓት

3, 4. ሓደ ሰብ ካብ “መዓልቲ ቍጥዓ እግዚኣብሄር” ንምድሓን ነየኖት ሰለስተ ብቕዓታት ኢዩ ከማልእ ዘድልዮ፧

3 ገለ ውልቀ⁠-​ሰባት ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ይነሓፉ ደዀን ይዀኑ፧ ነቲ ኣብ ጸፎንያስ 2:⁠2, 3 ዘሎ ሰለስተ ነገራት ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒሎምዎ: እወ ክንሓፉ ይኽእሉ ኢዮም። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ከነንብባ ከሎና ነቲ ብቕዓታት ፍሉይ ቈላሕታ ንግበረሉ። ጸፎንያስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ትእዛዝ ከይወለደ: እታ መዓልቲ ኸኣ ከም ብቝቡቝ ከይሐለፈት: እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም: እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም . . . ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ:” NW  ] ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”

4 ሓደ ሰብ ንኽድሕን (1) ንየሆዋ ኽደሊ: (2) ጽድቂ ኽደሊ: (3) ትሕትና ኽደሊ ነበሮ። እዚ ብቕዓታት እዚ ንዓናውን ሎሚ ኣጸቢቑ ከገድሰና ይግባእ። ስለምንታይ፧ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንይሁዳን የሩሳሌምን ኣብ ሻብዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጸባጸበን: ኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያን​—⁠አረ ኵሎም እኩያት እውን⁠—​ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ምስ የሆዋ ኣምላኽ ንመወዳእታ ግዜ ክጋጠሙ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:⁠21 NW ) ኣብቲ ግዜ እቲ ክሕባእ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ሕጂ ወሳኒ ስጕምቲ ኽወስድ የድልዮ። ብኸመይ፧ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኸይኰነ ኸሎ ንየሆዋ ብምድላይ: ጽድቂ ብምድላይ: ከምኡውን ትሕትና ብምድላይ ኢዩ!

5. ሎሚ ‘ንየሆዋ ንምድላይ’ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

5 ‘ኣነ ህይወተይ ወፍየ እተጠመቕኩ ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ። ድሮ ነዚ ብቕዓታት እዚ ዘማላእኩ ሰብዶ ኣይኰንኩን፧’ ትብል ትኸውን። ብርግጽ ክርአ ኸሎ ህይወትና ንየሆዋ ካብ ምውፋይ ንላዕሊ ኢዩ ዝድለየና። እስራኤላውያን ህይወቶም ዝወፈዩ ህዝቢ እኳ እንተነበሩ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ግን ህዝቢ ይሁዳ ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ኣይነብሩን ኢዮም ነይሮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኣብ መወዳእታ ተጠንጠነ። ሎሚ ‘ንየሆዋ ምድላይ’ ክበሃል ከሎ: ምስታ ምድራዊት ማሕበሩ ብምሕባር ምስኡ ምዉቕ ዝዀነ ብሕታዊ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምምዕባልን ምዕቃብን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ኸኣ ኣምላኽ ንነገራት ብኸመይ ከም ዝርእዮ ምፍላጥን ንስምዒታቱ ተጠንቂቕና ምስትብሃልን ዘጠቓልል ኢዩ። ተጠንቂቕና ቓሉ ብምጽናዕን ብምስትንታንን ነቲ ዝህበና ምኽሪ ኸኣ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ንየሆዋ ንድለዮ። ምስኡ ዘሎና ርክብ እናዓመቘ ብዝኸደ መጠን ከኣ ‘ብዅሉ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓይልናን’ ንኸነገልግሎ ክንድረኽ ኢና።​—⁠ዘዳግም 6:⁠5፣ ገላትያ 5:⁠22-25፣ ፊልጲ 4:⁠6, 7፣ ራእይ 4:⁠11

6. ‘ጽድቂ እንደሊ’ ብኸመይ ኢና: እዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣውን ክግበር ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

6 እቲ ኣብ ጸፎንያስ 2:⁠3 ተገሊጹ ዘሎ ካልኣይ ብቕዓት ከኣ ‘ጽድቂ ምድላይ’ ኢዩ። መብዛሕትና ኣገዳሲ ለውጥታት ስለ ዝገበርና ንክርስትያናዊ ጥምቀት ክንበቅዕ ክኢልና ኢና። ይኹን እምበር: ኣብ ምሉእ ናብራ ህይወትና ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ስርዓታት እናደገፍና ክንቅጽል ይግብኣና። ገሊኣቶም በዚ መዳይ እዚ ብጽቡቕ ጀሚሮም ከብቅዑ ዳሕራይ ግን ዓለም ኣበላሽያቶም ኢያ። ንጾታዊ ርኽሰት: ሓሶትን ካልእ ሓጢኣትን ከም ንቡር ገይሮም ብዝርእይዎ ሰባት ተኸቢብና ስለ ዘሎና: ጽድቂ ምድላይ ቀሊል ኣይኰነን። ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ብርቱዕ ባህጊ ምስ እነሕድር ግን ስምረታ ደሊና ንዓለም ክንመስል ዝሓድረና ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ክኣልዮ ይኽእል ኢዩ። ይሁዳ ስምረት የሆዋ ዝሰኣነት ነተን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበረን ጐረባብታ ሃገራት ክትመስል ብምፍታና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንዓለም ኣብ ክንዲ እንመስል ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” እናኣማዕበልና “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ንኹን።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠24፣ 5:⁠1

7. ‘ትሕትና እንደሊ’ ብኸመይ ኢና፧

7 እቲ ኣብ ጸፎንያስ 2:⁠3 ዘሎ ሳልሳይ ነጥቢ ኸኣ ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ክንሕባእ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ‘ትሕትና ክንደሊ’ ከም ዝግብኣና ዝገልጽ ኢዩ። ኣብ መመዓልቲ ምስ ትሑታት ዘይኰኑ ሰብኡትን ኣንስትን መንእሰያትን ንራኸብ ኢና። እዞም ሰባት እዚኣቶም ልኡም ምዃን ከም ሕመቕ ኢዮም ዝርእይዎ። ተገዛኢ ምዃን ከም ዓቢ ድኽመት ኢዩ ዝቝጸር። ነቲ ከም ናይ ብሕቶም “መሰልን” ምርጫን ገይሮም ዝምልከትዎ ነገራት ዝገበሩ ገይሮም ክረኽብዎ ከም ዘለዎም ስለ ዝኣምኑ ክግበረሎም ጥራይ ዝሓቱ: ስሱዓት: ከምኡውን ኣነ ዝበልክዎ ይኹን በሃልቲ ኢዮም። ገለ ካብዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኣባና እውን ክሰርጽ እንተድኣ ጀሚሩስ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ሕጂ ‘ትሕትና እንደልየሉ’ ግዜ ኢዩ። ብኸመይ፧ ንኣምላኽ ተገዛእቲ ብምዃንን ንዝህበና ተግሳጽ ብትሕትና ብምቕባልን ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ብምኻድን ኢና ክንገልጾ እንኽእል።

እቲ ምሕባእ “ምናልባሽ” እተባህለሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

8. እታ ኣብ ጸፎንያስ 2:⁠3 እትርከብ “ምናልባሽ” እትብል ቃል ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧

8 ጸፎንያስ 2:⁠3 “ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ” ከም እትብል ኣስተብህለላ። ነቶም “ትሑታት ምድሪ” ብምምልካት እታ “ምናልባሽ” እትብል ቃል እተመርጸት ስለምንታይ ኢያ፧ እቶም ትሑታት ኣወንታዊ ስጕምትታት እኳ ወሲዶም እንተ ነበሩ: ብዛዕባ መጻኢ ግን ኣብ ገዛእ ርእሶም ክተኣማመኑ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። እቲ ተኣማንነት ዝሓትት ጕዕዞ ህይወት ገና ኣይተዛዘመን ነበረ። ገሊኣቶም ጸኒሖም ኣብ ሓጢኣት ክወድቁ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ ርዱእ ኢዩ። እዚ ኣባና እውን ዝውዕል ኢዩ። የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:13) እወ: ኣብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ዝርከብ ድሕነት ብቐጻሊ ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ኣብ ምግባርና እተመርኰሰ ኢዩ። ከምኡ ንምግባር ድዩ ውሳኔኻ፧

9. እቲ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ እንታይ ቅኑዕ ስጕምትታት ኢዩ ዝወሰደ፧

9 ንጉስ ዮስያስ ‘ንየሆዋ ክደልዮ’ እተደረኸ: ብቓላት ጸፎንያስ ልቡ ስለ እተተንከፈ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብል:- “[ዮስያስ] ኣብ ሳምነይቲ ዓመት ምንጋሱ: ገና ቘልዓ [ወዲ 16 ዓመት ኣቢሉ] ኸሎ: ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ።” (2 ዜና መዋእል 34:⁠3) ዮስያስ ‘ጽድቂውን ይደሊ’ ነይሩ ኢዩ። ከመይሲ ከምዚ ዝብል ኢና እነንብብ:- “ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ [ዮስያስ ወዲ 20 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ] ንይሁዳን የሩሳሌምን ካብቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ካብቲ ጽሩብ ምስልታትን ናይ ፍሲ ምስልታትን ኬጽርየን ጀመረ። ነቲ መሰውኢታት በዓል ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ።” (2 ዜና መዋእል 34:⁠3, 4) ዮስያስ ‘ትሕትናውን ደልዩ’ ኢዩ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ካብ ጣኦታትን ካልእ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታትን ብምጽራይ ትሕት ኢሉ ንየሆዋ ከሐጕስ ብዝወሰዶ ስጕምቲ ኢዩ ተራእዩ። ካልኦት ትሑታት እውን በቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት ክንደይ ተሓጒሶም ኰን ክዀኑ ኣለዎም!

10. ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ይሁዳ እንታይ ኢዩ ዘጋጠመ: መንከ ኢዮም ድሒኖም፧

10 ኣብ ግዜ ንግስነት ዮስያስ ብዙሓት ኣይሁድ ናብ የሆዋ ተመሊሶም ነበሩ። ድሕሪ ሞት እቲ ንጉስ ግን መብዛሕትኦም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘይብሉ ነገራት ንምግባር እንደገና ናብቲ ናይ ቀደም መገድታቶም ተመልሱ። ከምቲ የሆዋ ዝኣወጆ ኸኣ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ንይሁዳ ስዒሮም ነታ ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት የሩሳሌም ኣዕነውዋ። ይኹን እምበር ኵሎም ኣይኰኑን ጠፊኦም። ነብዪ ኤርምያስ: እቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ⁠-​ሜሌክ: ዘርኢ ዮናዳብን ካልኦት ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም እተረኽቡን ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ተሓቢኦም ኢዮም።​—ኤርምያስ 35:18, 19፣ 39:11, 12, 15-18

ጸላእቲ ኣምላኽ​—ከቕልቡ ይግብኦም!

11. ሎሚ ንኣምላኽ እሙን ኴንካ ምግልጋል ብድሆ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ጸላእቲ ህዝቢ የሆዋ ከቕልብሉ ዘለዎም ነገርከ እንታይ ኢዩ፧

11 ኣብዚ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ክወርድ እንጽበየሉ ዘሎና እኩይ ኣገባብ እዚ ‘በበይኑ ዝዀነ ፈተና ይበጽሓና’ ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠2) ናጽነት ኣምልኾ ነፍቅድ ኢና ኣብ ዝብላ ሓያሎ ሃገራት: ዓብላልነት ዘለዎም ካህናት ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብርቱዕ መስጐጕቲ ንምውራድ ንዓለማውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ተጠቒሞምሎም ኢዮም። ስርዓት ዘይብሎም ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር “ሓደገኛታት ኣንቈራ” ኢሎም ብምጥቃን የካፍእዎም። ኣምላኽ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጦ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከይተቐጽዑ ኣይተርፉን ኢዮም። ጸላእቱ ነቶም ከም ፍልስጥኤማውያን ዝኣመሰሉ ጥንታዎት ተጻባእቲ ህዝቡ እንታይ ከም ዘጓነፎም እንተ ዝግንዘቡ ምሓሾም። እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እምብኣርሲ ጋዛ ኽትሕደግ: ኣስቃሎን ክትባድም: ኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጐጕ: ዔቕሮን ድማ ክትምንቈስ እያ።” እተን ከተማታት ፍልስጥኤም ዝነበራ ጋዛ: ኣስቃሎን: ኣሽዶድ: ዔቕሮን ክድምሰሳ ነበረን።​—⁠ጸፎንያስ 2:⁠4-7

12. ንፍልስጥኤምን ሞኣብን ዓሞንን እንታይ ኣጓነፈን፧

12 እቲ ትንቢት ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸርፍዎን ኣብ ልዕሊ ዶቦም ርእሶም ዘዕበዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ።” (ጸፎንያስ 2:⁠8) ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ወረርቲ ከም ዝወደቓ ዘይከሓድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣንጻር እቶም ካብ ዘርኢ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ዝነበረ ሎጥ ዝመጹ ሞኣብን ዓሞንን ዝህቦ ፍርዲ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ የሆዋ ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “ብርግጽ ሞኣብ ከም ሶዶም: ደቂ ዓሞን ከኣ ከም ጎሞራ . . . ኪዀኑ እዮም።” ነቶም ዕቡያት ሞኣብን ዓሞንን እናሓጐታቶም ዝዀና ክልተ ኣዋልድ ሎጥ ካብ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ድሒነን ኢየን። ንሳቶም ግን ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ክሕብኡ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። (ጸፎንያስ 2:⁠9-12፣ ዘፍጥረት 19:⁠16, 23-​26, 36-38) ሎሚ ፍልስጥኤምን ከተማታታን ኣበይ ኣለዋ፧ እተን ሓደ እዋን ትዕቢተኛታት ዝነበራ ሞኣብን ዓሞንንከ፧ ኣብ ዝደለኻ እኳ እንተ ደለኻ ክትረኽበን ኣይትኽእልን ኢኻ።

13. ኣብ ነነዌ ብዅዕታ እተረኽበ እንታይ ኢዩ፧

13 ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ሃጸያዊት ግዝኣት ኣሶር ብርቱዕ ሓይሊ ኢዩ ነይርዋ። ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንቲ ኦስተን ለያርድ ብዛዕባ ሓደ ክፋል ናይቲ ኣብ ነነዌ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝርከብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ ዅዕታ ዝረኸቦ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ሰንቀ . . . በበርባዕተ መኣዝን እተኸፋፈለ ዀይኑ ስእሊ ዕንባባታት ወይ እንስሳታት ነበሮ። ገሊኡ ብስኒ ሓርማዝ እተሰለመ: ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኸኣ ብውቁብ ወሰናስንን ቅርጽታትን እተኸበበ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣግማልን እቲ ጐድንታት ናይቲ ክፍልታትን እውን ብወርቅን ብሩርን እተጠምዐ ወይ እተለበጠ ኢዩ ነይሩ። እቲ በዕጻው እተሰርሐ ነገራት ከኣ ካብ ዝበለጸ ዓይነት ኣዕጻው: ብፍላይ ካብ ጽሕዲ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ።” ይኹን እምበር: ከምቲ ብትንቢት ጸፎንያስ እተነግረ ኣሶር ክትጠፍእ እታ ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት ነነዌ ድማ ‘ክትባድም’ ነበራ።​—⁠ጸፎንያስ 2:⁠13

14. ትንቢት ጸፎንያስ ኣብ ነነዌ እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ጸፎንያስ ነዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ምዝራቡ 15 ዓመታት ጥራይ ጸኒሓ እታ ሓያል ነነዌ ዓነወት: እቲ ቤተ⁠-​መንግስታ ድማ ፈረሰ። እወ: እታ ዕብይቲ ኸተማ እቲኣ ናብ ሓሙዅስቲ ተቐየረት። መጠን ናይቲ ዕንወት በዚ ዝስዕብ ቃላት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ:- “ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ኣብ ልዕሊ ጕልላታ ኺሐድሩ እዮም: ኣብ መስኰት ድምጺ ይዝምር: . . . እቲ ልዳውቲ ኺባድም እዩ።” (ጸፎንያስ 2:⁠14, 15) ህንጻታት ነነዌ ንመንበሪ ቅንፍዝን ኣባጉምባሕን ጥራይ ኢዩ ዝበቅዕ ነይሩ። ካብ ጐደናታት እታ ኸተማ ኸኣ ድምጺ ነጋዶን ጭድርታ ተዋጋእትን ዜማ ካህናትን ጠፍአ። እቲ ሓደ እዋን ወኻዕካዕ ዝነበሮ ጐደናታት ተለዊጡ: ኣብ መስኰት ድምጺ ሓዘን ጥራይ ይስማዕ: ምናልባት እዚ ዘተክዝ መዝሙር ርግቢ ወይ ከኣ ድምጺ ንፋስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኵሎም ጸላእቲ ኣምላኽ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ዝጠፍኡ ይግበሮም!

15. ንፍልስጥኤም: ሞኣብ: ዓሞን: ከምኡውን ንኣሶር ካብ ዘጋጠመን ነገር እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧

15 ንፍልስጥኤም: ንሞኣብ: ንዓሞንን ኣሶርን ካብ ዘጋጠመን ነገር እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ እዚ ዝስዕብ ትምህርቲ ኢና እንረክብ:- ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃንና ንጸላእትና እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። ኣምላኽ እቶም ንህዝቡ ዝጻረሩ ሰባት ዝገብርዎ ተግባራት ይርእዮ ኢዩ። የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣንጻር ጸላእቱ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ: ሎሚውን ኣብ ዝባን ምድሪ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ፍርዱ ከውርድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ደሓንቲ ማለት ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝወጹ ብዙሓት ሰብ’ ክህልዉ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9) ንስኻትኩም እውን ንየሆዋ ምድላይ: ጽድቂ ምድላይ: ትሕትና ምድላይ እንተድኣ ቀጺልኩም ምሳታቶም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።

እቶም ደረቐኛታት ገበርቲ እከይ ወይለኦም!

16. ትንቢት ጸፎንያስ ብዛዕባ እቶም ናይ ይሁዳ መሳፍንትን መራሕትን እንታይ ኢያ ዝበለት: እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትና እውን ዝውዕላ ስለምንታይ ኢየን፧

16 ትንቢት ጸፎንያስ እንደገና ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን ተተኵር። ጸፎንያስ 3:⁠1, 2 ከምዚ ትብል:- “እታ ዓላዊትን ርኽስትን: እታ ገፋዒት ከተማ: ወይለኣ። ድምጺ ኣይትሰምዕን: ቅጽዓት ኣይትቕበልን: ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን: ናብ ኣምላኻ ኣይትቐርብን።” እቲ የሆዋ ንህዝቡ ተግሳጽ ንምሃብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከየቕለብሉ ምትራፎምሲ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ናይቶም መሳፍንትን ልዑላትን ፈራዶን ጭከና ብሓቂ ዘጕሂ ኢዩ። ጸፎንያስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብድርቅናኦም ከምዚ ብምባል ኣዋሪድዎም ኢዩ:- “ነብያታ መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም: ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ: ንሕጊ ዐመጽዎ።” (ጸፎንያስ 3:3, 4) እዘን ቃላት እዚኣተን ነዞም ሎሚ ዘለዉ ነብያትን ካህናትን ህዝበ⁠-​ክርስትያን ክንደይ ጽቡቕ ገይረን ኰን ኢየን ዝገልጻኦም! ካብ ምሒር ድርቅናኦም እተላዕለ ነቲ መለኮታዊ ስም ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማቶም ኣልጊሶምዎ: ነቲ ነምልኾ ኢና ዝብልዎ ኣምላኽ ዘይውክል ሰረተ⁠-​እምነታት ከኣ ምሂሮም ኢዮም።

17. ሰባት ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ ነቲ ብስራት ብዘይምቍራጽ ክንእውጆ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

17 የሆዋ ነቶም ጥንታዎት ህዝቡ ብዛዕባ እቲ ክወስዶ ዝነበሮ ስጕምቲ ብሓልዮት ተበጊሱ ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። ከም ጸፎንያስን ኤርምያስን ንዝኣመሰሉ ኣገልገልቱ ነብያት ነቲ ህዝቢ ንኽናሳሕ መጠንቀቕታ ክህብዎ ኢሉ ልኣኾም። እወ: “እግዚኣብሄር . . . ኣይእብስን: ንግሆ ንግሆ ኸየብኰረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ።” እቲ ምላሽከ ከመይ ነበረ፧ ጸፎንያስ “ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን” በለ። (ጸፎንያስ 3:⁠5) ኣብዚ እዋን እዚ እውን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ይወሃብ ኣሎ። ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት እንተድኣ ዄንካ: ኣብዚ ናይ መጠንቀቕታ ዕዮ እዚ ትካፈል ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ነቲ ብስራት ብዘይምቍራጽ ኣውጆ! ሰባት ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ ብተኣማንነት ክሳዕ ዝፈጸምካዮ ኣገልግሎትካ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ዕዉት ኢዩ። ዕዮ ኣምላኽ ብቕንኢ ተላዒልካ ክትፍጽም ከሎኻ ክትሓፍር ኣየድልየካን ኢዩ።

18. ጸፎንያስ 3:⁠6 ብኸመይ ኢያ እትፍጸም፧

18 እቲ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ጥራይ እተወሰነ ኣይክኸውንን ኢዩ። ኵነኔ የሆዋ ንዅለን ሃገራት ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ: ግምብታቶም ዐነወ: ንመገድታቶም: ሓደ እኳ ኸይሐልፈን: ኣባደምክወን: ከተማታቶም . . . ጠፍኣ።” (ጸፎንያስ 3:⁠6) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጥፍኣት እቲ ድሮ ከም እተፈጸመ ገይሩ ተዛሪብሉ ስለ ዘሎ እዚ ቓላት እዚ ትውክልቲ ዝግበሮ ኢዩ። ንኸተማታት ፍልስጥኤምን ሞኣብን ዓሞንን እንታይ ኣጋጠመን፧ ነታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝነበረት ነነዌኸ እንታይ ኣጋጠማ፧ ጥፍኣተን ነዘን ሎሚ ዘለዋ ሃገራት ከም ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል። ንኣምላኽ ከነታልሎ ኣይንኽእልን ኢና።

ብቐጻሊ ንየሆዋ ድለይዎ

19. ንገዛእ ርእስና ከመይ ዝበለ ዘተሓሳስብ ሕቶታት ኢና ክንሓትት ዘሎና፧

19 ኣብ ግዜ ጸፎንያስ እቶም ብረሲእነት ‘ኵሉ ግብሮም ዘበላሸዉ’ ሰባት ቍጥዓ ኣምላኽ ወሪድዎም ኢዩ። (ጸፎንያስ 3:7) ኣብ ግዜና እውን ከምኡ ክፍጸም ኢዩ። መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ከም ዝቐረበት ዝሕብር መርትዖታት ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ ቃሉ ስርዓታዊ ዄንካ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ ‘ንየሆዋ ምድላይካ’ ትቕጽልዶ ኣሎኻ፧ ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ጽፉፍ ናብራ ብምንባር ብሓቂዶ ‘ጽድቂ ትደሊ’ ኣሎኻ፧ ልኡም ኴንካ ንኣምላኽን ነቲ ዝገበሮ ናይ ድሕነት ምድላውን ተገዛኢ ብምዃን ‘ትሕትና ትደሊዶ’ ኣሎኻ፧

20. ኣብዛ ብዛዕባ ትንቢት ጸፎንያስ ካብ ዝገልጻ ተኸታተልቲ ኣርእስትታት ናይ መወዳእታ ዝዀነት ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ንኸመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ መልሲ ዝወሃበሉ፧

20 ከየቋረጽና ብተኣማንነት ንየሆዋ: ጽድቂ: ከምኡውን ትሕትና ንደሊ እንተድኣ ዄንና ሕጂ​—⁠እወ: ኣብዘን እምነትካ ዝፍትና “ዳሕሮት መዓልትታት” እውን ከይተረፈ​—⁠ብዙሕ በረኸት ክንዓጽድ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ምሳሌ 10:⁠22) ይኹን እምበር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንሓትት ንኸውን:- ‘ከም ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ሎሚ በየናይ መገድታት ኢና እንባረኽ ዘሎና፧ ነቶም ካብታ እናተሓንበበት እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ዝሕብኡ ሰባት ከመይ ዝበለ መጻኢ ተስፋታት ኢዩ ኣብ ትንቢት ጸፎንያስ ተመዝጊቡሎም ዘሎ፧’

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰባት ‘ንየሆዋ ዝደልይዎ’ ብኸመይ ኢዮም፧

• ‘ጽድቂ ኣብ ምድላይ’ ተጠቓሊሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

• ብኸመይ ኢና ‘ትሕትና ክንደሊ’ እንኽእል፧

• ንየሆዋ: ጽድቂ: ትሕትና ብቐጻሊ ክንደሊ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ልባዊ ጸሎት ብምቕራብን ንየሆዋ ትደልዮዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ዓቢ ጭፍራ ንየሆዋ ብቐጻሊ ስለ ዝደልይዎ ካብ መዓልቲ ቝጥዓኡ ክድሕኑ ኢዮም