ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ብዛዕብኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ጭብጥታት እንታይ ኢዩ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ብዛዕብኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ጭብጥታት እንታይ ኢዩ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ብዛዕብኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ጭብጥታት እንታይ ኢዩ፧

ልዕሊ 50 ዓመታት ይገብር ሓደ ሰበኽ ሳግም ጓሳ ናብ ሓንቲ በዓቲ ዝደርበያ እምኒ ኣብ ሓደ ናይ መበል 20 ዘመን ዝዓበየ ስነ⁠-​ጥንታዊ ርኽበት ኢሎም ገሊኦም ዝጸውዕዎ ነገር ትዓልብ። እታ እምኒ ንሓንቲ ሳርማ ክትሰብራ እቲ ጓሳ ሰምዐ። እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ከኣ ኸደ: ነቲ ናይ ፈለማ ክፋል ናይቲ ጸኒሑ “ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት” ተባሂሉ እተሰምየ ቅርሲ ድማ ረኸቦ።

 እዚ ጥቕላላት እዚ ናይ ምሁራትን መራኸቢ ብዙሓንን ኣትኵሮ ብምስሓብ ኣርእስቲ ኽትዕ ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ብዛዕባ እዚ ኣዝዮም ተደናጊሮምን ግጉይ ሓበሬታ ሒዞምን ኢዮም። እቲ ጥቕላላት ሒዝዎ ዘሎ ጭብጥታት ንእምነት ክርስትያናትን ኣይሁዳውያንን ከየዳኽም ካብ ዝብል ስግኣት ነቲ ጭብጥታት ዝሽፍን ናይ ሓሶት ወረ ተነዚሑ ኢዩ። ናይዚ ጥቕላላት እዚ ናይ ሓቂ ኣገዳስነት ግን እንታይ ኢዩ፧ ድሕሪ ካብ 50 ዝዛይድ ዓመታት እቲ ጭብጥታት ክፍለጥ ይከኣልዶ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት እንታይ ኢዩ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ናይ ኣይሁድ ጥንታዊ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ኢዩ: መብዛሕትኡ ብእብራይስጢ ገሊኡ ብኣረማይስጢ ሒደት ድማ ብግሪኽ እተጻሕፈ ኢዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ጥቕላላትን ቍርጽራጻትን እዚ ዕድሚኡ ልዕሊ 2,000 ዓመታት ኢዩ: እዚ ኸኣ ቅድሚ ልደት የሱስ ምዃኑ ኢዩ። ካብቲ ብጓሶት እተረኽበ ናይ መጀመርታ ጥቕላላት እቲ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ምእራግ ዝነበረ ሸውዓተ ነዋሕቲ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ኢዩ። ተወሳኺ በዓትታት ምስ ተፈተሸ እውን ካልእ ጥቕላላትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ቍርጽራጽ ጥቕላላትን ተረኺቡ ኢዩ። ካብ 1947 ክሳዕ 1956 ኣብ ዝነበራ ዓመታት ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ገምገም ምዉት ባሕሪ እትርከብ ኩምራን እትበሃል ቍሸት ብድምር 11 በዓትታት ጥቕላላት ሒዘን ተረኽባ።

ኵሉ እቲ ጥቕላላትን ቍርጽራጻትን ከከም ዓይነቱ ምስ ተፈልየ 800 ኢደ⁠-​ጽሑፋት ኰነ። ሓደ ርብዒ ማለት ልዕሊ 200 ዝበጽሕ ቅዳሓት ኢደ⁠-​ጽሑፋት ከኣ ገለ ክፋል ናይቲ ብእብራይስጢ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እቲ ኻልእ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ድማ ነቲ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ ኣቡኸሪፋ ዝበሃል መጽሓፍ ኣዋልድን ሱዲፒግራፋ ዝበሃል ስንክሳርን ዘጠቓልል ናይ ኣይሁድ ጽሑፋት ኢዩ። a

ገለ ካብቲ ንምሁራት ዝመሰጦም ጥቕላላት ኣቐድም ኣቢሉ ዘይፍለጥ ዝነበረ ጽሑፋት ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ጥቕላላት ብዛዕባ ሕጊ ኣይሁድ እተዋህበ ትርጕም: እቲ ኣብ ኩምራን ዝነብር ዝነበረ ኣንቈራ ዝመሓደረሉ ፍሉይ ማሕበረሰባዊ ሕግታት: ቅዳሴን ጸሎትን: ከምኡውን ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ዳሕሮት መዓልትታትን እተዋህበ ርእይቶታት ዝሓዘ ስነ⁠-​ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዘጠቓልል ኢዩ። ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ብጥቕሲ ርእይቶ ንዝህብ ዘመናዊ ጽሑፋት መገዲ ዝጸረገ ኣዝዩ ጥንታዊ ናይ ርእይቶ ጽሑፋት እውን ተረኺቡ ኢዩ።

ነቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ዝጸሓፎ መን ኢዩ፧

እቲ ናይ ጥንቲ ሰነዳት እተጻሕፈሉ ግዜ ዝፍለጠሉ እተፈላለየ ሜላታት ከም ዝሕብሮ: እዚ ጥቕላላት እዚ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግዜ ኢዩ ተቐዲሑ ወይ ድማ ተዳልዩ። እታ ቤት መቕደስ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምጥፋኣ ኣይሁድ ካብ የሩሳሌም ወሲዶም ኣብቲ በዓትታት ከም ዝሓብእዎ ገለ ምሁራት ሓሳብ ሂቦም ኣለዉ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ጥቕላላት ምርምር ዘካይዱ ምሁራት እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ትሕዝቶ እቲ ጥቕላላት ዘይቃዶ ዀይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ምስቲ ናይቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ዘየሳኒ ኣረኣእያታትን ልምድታትን ዘንጸባርቕ ብዙሕ ጥቕላላት ኣሎ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ካህናትን ኣገልግሎት ቤት መቕደስን ከም ዝነጸጎም: ነቲ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምድረበዳ ዀይኑ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣምልኾ ድማ ከም መተካእታ ኣገልግሎት ቤት መቕደስ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ዝኣምን ማሕበረሰብ ምንባሩ እዚ ጥቕላላት እዚ ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጽ። እቶም ናይ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ሰበ⁠-​ስልጣን ከምዚ ዝበለ ጥቕላላት ዝርከቦ እኩብ ጽሑፋት ክሓብኡ ዘይመስል ኢዩ።

ሽሕኳ ኣብ ኩምራን ቀዳሕቲ ዝነበሩ ዝመስል እንተዀነ: መብዛሕትኡ ካብቲ ጥቕላላት ግን ኣብ ካልእ ቦታታት ተኣኪቡ በቶም ኣመንቲ ናብቲ ቝሸት ዝመጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ናይ ብዙሕ ጽሑፋት እኽብካብ ዝሓዘ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። ልክዕ ከም ካልእ ኣብያተ⁠-​መጻሕፍቲ እዚ ናይ ጽሑፋት እኽብካብ ኣዝዩ እተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ብምዃኑ ግድን ናይ ኣንበብቱ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን። እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ቅዳሓት ዘለዎ ጽሑፋት ግን ነቲ ፍሉይ ተገዳስነትን እምነትን ናይቲ ጕጅለ ከም ዘንጸባርቕ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ።

ተቐማጦ ኩምራን ኢሰናውያን ድዮም ነይሮም፧

እዚ ጥቕላላት እዚ ናይ ኩምራን ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ: ተቐማጦ ናይዛ ቝሸት እዚኣ ደኣ መን ኢዮም ነይሮም፧ እዚ ጥቕላላት እዚ ነቲ ናይ ኢሰናውያን ማሕበረሰብ ዝብጽሖ ኸም ዝዀነ ንፈለማ ግዜ ሓሳብ ዘቕረበ ፕሮፌሰር ኤልየዘር ሱከኒክ ኢዩ። እዚ ፕሮፌሰር እዚ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ እብራይስጢ ዩኒቨርስቲ ብ1947 ሰለስተ ጥቕላላት ከም ዝውንን ዝገበረ ኢዩ።

ኢሰናውያን ብኸም በዓል ጆሰፈስ: ፊሎ ናይ ኣለክሳንደርያ: ከምኡውን ፕሊኒ ዓቢ ዝበሃሉ ናይ ቀዳማይ ዘመን ጸሓፍቲ እተጠቕሱ ናይ ኣይሁዳውያን ኣንቈራ ኢዮም። መበቈል ኢሰናውያን ብግምት እምበር ብልክዕ ዘይፍለጥ እኳ እንተዀነ ደድሕሪ እቲ ኣብ መበል ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ናይ መቃባውያን ዕልዋ ኣብ ዝነበረ ዕግርግር እተላዕሉ ኢዩ ዝመስል። b ጆሰፈስ እውን ሃይማኖታዊ ኣረኣእያኦም ካብቲ ናይ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝፍለየሉ መገዲ ብዝርዝር ክገልጽ ከሎ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ህላወ ኸም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ። ፕሊኒ ኸኣ እቲ ናይ ኢሰናውያን ማሕበረሰብ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ኣብ መንጎ ያሪኮን ዔን⁠-​ጌዲን ይነብር ከም ዝነበረ ጠቒሱ ኣሎ።

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ዘጽንዕ ፕሮፈሰር ጄምስ ቫንደርካም “እቶም ኣብ ኩምራን ዝነበሩ ኢሰናውያን ንእሽቶ ኽፋል ናይቲ ብኢሰናውያን ዝካየድ ዝነበረ ዝዓበየ ምንቅስቓስ ኢዮም ነይሮም” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢዩ: ጆሰፈስ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኣባላት ከም ዝነበርዎ ዝሕብር ግምት ሂቡ ኣሎ። ብዅሉ ሸነኻቱ እኳ እንተ ዘይኰነ እቲ ናይ ኩምራን ጽሑፋት ካብ ናይቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ፍሉጣት ኣይሁዳውያን ጕጅለታት ንላዕሊ ናይ ኢሰናውያን ስእሊ ዝህብ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።

ክርስትና ኣብ ኩምራን ከም ዝጀመረ ዝዛረቡ ኣካላት ኣለዉ። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ናይቲ ኣብ ኩምራን ዝነበረ ኣንቈራን ቀዳሞት ክርስትያናትን ኣዝዩ ጕሉሕ ዝዀነ ፍልልይ ኢና እንረክብ። ኣብ ኩምራን ንሰንበት ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ከምኡውን ኣብ ወግዓዊ ንጽህና ሓያል ተገዳስነት ከም ዝነበረ እቲ ጽሑፋት ይገልጽ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:⁠1-20፣ ሉቃስ 6:⁠1-11) ብዛዕባ እቲ ኢሰናውያን ካብ ሕብረተሰብ ዝነበሮም ተነጽሎ: ብዛዕባ ጽሕፍቶን ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነቶም: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መውስቦ ዝኽልክል ሓያል መርገጾምን ኣብቲ ዝፍጽምዎ ኣምልኾ ምስኦም መላእኽቲ ከም ዝሳተፉ ዝገልጽ ሚሳላዊ ኣተሓሳስብኦምን ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ። እዚ ድማ ምስቲ የሱስ ዝማሃሮ ትምህርትታትን ቀዳሞት ክርስትያናትን ዓብይ ፍልልይ ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠14-16፣ ዮሃንስ 11:⁠23, 24፣ ቈሎሴ 2:⁠18፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1-3

ተሸፊኑ ዝተርፍ ስዉር ጥቕላላት የልቦን

ኣብተን ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ድሕሪ ምርካቡ ዝነበራ ዓመታት ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ምሁራት ነዚ ናይ ፈለማ ርኽበታት ብቐሊሉ ክጥቀምሉ ዘኽእሎም ጽሑፋት ተዳልዩ ኢዩ። ካብ ሓንቲ ብቝጽሪ ኣርባዕተ እትፍለጥ በዓቲ እተረኽበ ኣሽሓት ቍርጽራጻት ግን ንምርካቡ ብዘጸግም መገዲ ዕጹው ኢዩ ነይሩ። እዚ ናይዛ በዓቲ እዚኣ ቍርጽራጻት ኣብ ኢድ ሓንቲ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም (ሽዑ ክፍሊ ዮርዳኖስ ዝነበረ) ኣብ ዝርከብ ስነ⁠-​ጥንታዊ ቤተ⁠-​መዘክር ጳለስጢና ዝነበረት ኣህጉራዊት ናይ ምሁራት ጕጅለ ኢዩ ነይሩ። ኣብዛ ጕጅለ እዚኣ ዋላ ሓደ ኣይሁዳዊ ወይ ድማ እስራኤላዊ ኣይነበረን።

እታ ጕጅለ ውጽኢት ናይቲ እተካይዶ መጽናዕቲ ብወግዒ ሓቲማ ኽሳዕ እተውጽእ እቲ ቝርጽራጻት ኣብ ዕጹው ክጸንሕ ዝድንግግ ፖሊሲ ሒዛ ትንቀሳቐስ ነበረት። እቲ ናይ ምሁራት ጕጅለ እተወሰነ ቍጽሪ ኽህልዎ ኢዩ ተወሲኑ ነይሩ። ሓደ ኣባል ጕጅለ እንተድኣ ሞይቱ ንመተካእታ ሓደ ሓድሽ ምሁር ጥራይ ኢዩ ዝኣቱ ነይሩ። እቲ ዕዮ ኣዝዩ ብዙሕ ብምንባሩ ሓደ ዓቢ ጕጅለ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ: አረ ሓድሓደ ግዜስ ብጥንታዊ እብራይስጥን ኣረማይስጥን ዝለዓለ ክእለት ዘለዎም ምሁራት ኢዮም ዝድለዩ ነይሮም። ጄምስ ቫንደርካም ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ክሳዕ ክንደይ ክኢላታት ምንባሮም ብዘየገድስ ነቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ቍርጽራጻት እቶም ሸሞንተ ምሁራት ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ነይሮም።”

ምብራቕ የሩሳሌምን እቲ ኣብኡ ዝነበረ ጥቕላላትን ኣብቲ ብ1967 እተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ውግእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እስራኤል እኳ እንተ ኣተወ ኣብታ ናይቲ ጥቕላላት ናይ ምርምር ጕጅለ ዝዓዪ ሓድሽ ፖሊሲ ግን ኣይተሓንጸጸን። እቲ ናይ በዓቲ ቝጽሪ ኣርባዕተ ጥቕላላት ብወግዒ ዝሕተመሉ ግዜ ካብ ሒደት ዓመታት ሓሊፉ ናብ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ተጓተተ ግን ብርክት ዝበሉ ምሁራት ከጕረምርሙ ጀመሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ፕሮፈሰር ጌዛ ቨርመሽ ብ1977 ነዚ ተግባር እዚ መወዳድርቲ ኣልቦ ናይ መበል 20 ዘመን ናይ ምሁራት ምጥፍፋእ ብምባል ጸወዖ። እቲ ጥቕላላት ንክርስትና ዕርቃኑ ዘውጽእ ሓበሬታ ንኸይርከቦ ኰነ ኢልካ ብካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እተገብረ ሕብእብእ ከም ዝዀነ ክውረ ጀመረ።

ንምሸቱ ግን ኣብ 1980ታት ቍጽሪ ኣባላት እታ ጕጅለ ናብ 20 ደየበ። ድሕርዚ ብ1990 ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ እብራይስጢ ዩኒቨርሲቲ እተወከለ ኤማኑዌል ቶቭ እተባህለ ኣወሃሃዲኣ ቍጽሪ ኣባላት እታ ጕጅለ ናብ ልዕሊ 50 ምሁራት ደየበ። ናይቲ ዝተረፈ ጥቕላላት መጽናዕታዊ ውጽኢት ብወግዒ ተሓቲሙ ዝወጽኣሉ ጽኑዕ ናይ ግዜ ሰሌዳ ድማ ተሓንጸጸ።

ብ1991 ትጽቢት ዘይተገብረሉ ምዕባለታት ተኸስተ። እቲ ቐዳማይ ምዕባለ ምውጻእ ናይታ ኣፈናዊ ሕታም ናይቲ ዛጊት ዘይተሓትመ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ነበረ። እዚ ድማ ብሓገዝ እታ ጕጅለ ዘዳለወቶ ኣብ ኮምፒዩተር ዝሰፈረ ኮንከርዳንስ ኢዩ ክእከብ ተኻኢሉ። ድሕርዚ እተራእየ ምዕባለ ድማ እቲ ኣብ ሳን ማሪኖ: ካሊፎርንያ: ዝርከብ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ሃንቲንግተን ብምሉኡ ፎቶግራፍ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ንዝዀነ ይኹን ምሁር ክፉት ከም ዝገብር ኣፍለጠ። ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ እታ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት እተጻፈፈ ሕታም ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ፎቶግራፍ ናይቲ ቕድሚኡ ንሕትመት ዘይበቕዐ ጥቕላላት ብቐሊሉ ኸም ዝርከብ ገበረት።

ስለዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኵሉ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ንምርምር ድሉው ኰይኑ ኢዩ። እዚ ድማ ተሸፊኑ ዝተረፈ ስዉር ጥቕላላት ከም ዘይነበረ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብዚ ሕጂ እቲ ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ሕታማት ናይቲ ጥቕላላት ዝሕተመሉ ዘሎ እዋናት ጥራይ ከኣ ኢዩ ምርምር ምሉእ ብምሉእ ክጅምር ዝከኣል። ኣብ ጥቕላላት መጽናዕቲ ዘካይድ ሓድሽ ናይ ምሁራት ወለዶ ኢዩ ተቐልቂሉ ዘሎ። እዚ ግን ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ኣገዳስነት ኢዩ ዘለዎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ኣዋልድ ወይ ኣቡኸሪፋ (ቃል ብቓሉ “ስዉር”) ከምኡውን እቲ ሱዲፒግራፋ (ቃል ብቓሉ “ናይ ሓሶት ጽሑፋት”) ተባሂሉ ዘሎ ስንክሳር ካብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተዳለወ ናይ ኣይሁድ ጽሑፋት ኢዩ። ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ንመጽሓፍ ኣዋልድ ከም ክፍሊ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ኽትወስዶ ኸላ: ኣይሁዳውያንን ፕሮተስታንትን ግን ይነጽግዎ ኢዮም። ሱዲፒግራፋ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስፋሕ ተባሂሉ ብኣስማት ናይ ገለ ውሩያት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት እተጻሕፈ ኢዩ።

b ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-4 ዘላ “መቃባ​ውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ጥንታዊ ጥቕላላት እተረኽበሉ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ኻብ ዘሎ በዓትታት

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ቍርጽራጽ ጥቕላላት:- ገጽ 3, 4 ከምኡውን 6:- Courtesy of Israel Antiquities Authority

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Shrine of the Book, Israel Museum, Jerusalem