ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ከገድሰካ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ከገድሰካ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ከገድሰካ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ቀቅድሚ ምርካቡ ነዊሕ ዕድመ ዝነበሮ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ናይ ታሽዓይን ዓስራይን ዘመናት ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። እቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ዝውዳእ ድሮ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ገይሩ ብምንባሩ: እዚ ኢደ⁠-​ጽሑፋት እዚ ንቓል ኣምላኽ ብልክዕ ከም ዘመሓላለፎ ገይርካ ብሓቂ ትውክልቲ ክግበረሉ ምተኻእለዶ፧ ፕሮፈሰር ሁልዮ ትረቦየ ባሬራ: ኣባል ናይቲ ኣብ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት መጽናዕቲ ዘካየደ ኣህጉራዊ ጕጅለ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “እቲ ብኣይሁዳውያን ቀዳሕቲ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ዝኸውን ግዜ ክመሓላለፍ ዝጸንሐ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ዘይተገብረሉን ጥንቃቐ ዝመልኦ ዕዮን ከም ዝነበረ እቲ [ኣብ ኩምራን እተረኽበ] ናይ ኢሳይያስ ጥቕላል ክምህ ዘይብል መርትዖ ኢዩ ዝህብ።”

 እዚ ባሬራ ዝጠቕሶ ዘሎ ጥቕላል: ምሉእ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዝሓዘ ኢዩ። ገለ ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ኩምራን ተረኺቡ ዘሎ 200 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ብዘይካ ናይ መጽሓፍ ኣስቴር ናይ ኵሉ መጻሕፍቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክፍሊ ተረኺቡ ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዝፈልዮም ነገር እንተልዩ ግን መብዛሕትኦም ትሕቲ ሓደ ዕስሪት ናይቲ እተወስድሉ መጽሓፍ ዝሓዙ ቍርጽራጻት ምዃኖም ኢዩ። ኣብ ኩምራን ኣዝዮም ህቡባት ዝነበሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ መዝሙር (36 ቅዳሓት): ዘዳግም (29 ቅዳሓት): ከምኡውን ኢሳይያስ (21 ቅዳሓት) ኢዮም። እዚ መጻሕፍቲ እዚ እውን ኢዩ ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዘሎ።

ሽሕኳ እዚ ጥቕላላት እዚ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ለውጥታት ከም ዘይገበረ ዘረጋግጽ እንተዀነ: ብእተወሰነ ደረጅኡ ግን ኣይሁዳውያን ኣብ እዋን እታ ኻልኣይቲ ቤት መቕደስ ኣብ ንሓድሕዱ ፍልልይ ዘለዎ እተፈላለየ ናይ እብራይስጢ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ እውን ይሕብር ኢዩ። ኣብ ፊደላት ይኹን ኣጠቓቕማ ቃላት ምስቲ ናይ ማሶራውያን ጽሑፋት ምምስሳል ዘለዎ ኵሉ እቲ ጥቕላላት ኣይኰነን። ገሊኡ ምስቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ኣዝዩ ዝመሳሰል ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሎም ምሁራት እቲ ኣብ ሰፕቱጀንት ዝርአ ፍልልያት ብሰንኪ ተርጐምቲ ዝገበርዎ ጌጋ ወይ ከኣ ኰነ ኢሎም ዝማሃዝዎ ለውጢ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝግምቱ ነይሮም። ሕጂ ግን መብዛሕትኡ ካብቲ ፍልልያት ብሰንኪ እቲ እተፈላለየ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ምዃኑ ሳላ እዚ ጥቕላላት እዚ ክበርህ ክኢሉ ኣሎ። ቀዳሞት ክርስትያናት ካብቲ ናይ ማሶራውያን ጽሑፋት እተፈልየ ኣጠቓቕማ ቃላት ዘለዎ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጠቕሱ ነይሮም ኢዮም: እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ ሰፕቱጀንት ፍልልያት ዝመሳሰል ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 1:⁠5፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠14

ስለዚ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕላላትን ቍርጽራጻትን: ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብኸመይ ክመሓላለፍ ከም ዝጸንሐ ንምጽናዕ ዘኽእል ግሩም መሰረት ዘንጽፍ ጥሪት ኢዩ። ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ነቲ ሰፕቱጀንት ኰነ እቲ ናይ ሳምራውያን ናይ ኦሪት ጽሑፋት ሒዝዎ ዘሎ ጥቕስታት ንምንጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዕዙዝ ተራ ኸም ዘለዎም ዘረጋግጽ ኢዩ። ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ተገይሩ ክኸውን ዝኽእል ምትዕርራያት ኣብ ግምት ምእንቲ ኸእትውዎ ተወሳኺ ምንጪ ኢዩ ዝኸውን። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ድማ ነቲ ናይ ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጉም ኮሚተ ስም የሆዋ ካብቲ ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ወጺእሉ ናብ ዘሎ ቦትኡ ንምምላስ ዝገበሮ ውሳነ ዝድግፍ ኢዩ።

እቲ ብዛዕባ ሕግታትን እምነታትን ናይቲ ኣብ ኩምራን ዝነበረ ኣንቈራ ዝገልጽ ጥቕላላት ኣብ እዋን የሱስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዓይነት ኣይሁድነት ከም ዝነበረ ዘነጽር ኢዩ። እቲ ናይ ኩምራን ኣንቈራ ካብቲ ናይ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን እተፈልየ ልምድታት ኢዩ ነይርዎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኸኣ ኢዩ ዝኸውን ነቲ ኣንቈራ ናብ በረኻ ከም ዘንሳሕብ ዝገበሮ። ፍጻሜ ናይቲ ብዛዕባ እቲ መገዲ የሆዋ ኣብ በረኻ ንምቕናዕ ዝስማዕ ድምጺ ኣዋጅ ኣብ ኢሳይያስ 40:⁠3 ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳብ ብጌጋ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣውዓልዎ። መብዛሕትኡ ናይ ጥቕላል ቍርጽራጻት ብዛዕባ እቲ እቶም ጸሓፍቲ ምምጽኡ ኣዝዩ ቐረባ ምዃኑ ገይሮም ዝወስድዎ ዝነበሩ መሲሕ ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ምስቲ ሉቃስ “እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ” ብምባል ሂብዎ ዘሎ ሓሳብ ዝሰማማዕ ብምዃኑ ተገዳስነት ዘለዓዕል ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 3:⁠15

ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት: ኵነታት ህይወት ኣይሁዳውያን ኣብቲ የሱስ ዝሰብከሉ ዝነበረ እዋን ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ብመጠኑ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና ኢዩ። ነቲ ጥንታዊ ናይ እብራይስጢ ቛንቋን መጽሓፍ ቅዱስን ንምጽናዕ ዘኽእል ናይ ጥንታዊ ጽሑፋትን ቋንቋን ሜላ ኣጸናንዓ ንምስዓብ ዘኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ግን ገና ደቂቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኢዩ። ስለዚ ሓድሽ ፍልጠት ብሕጂውን ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ብርግጽ: እቲ ናይ መበል 20 ዘመን ዝዓበየ ስነ⁠-​ጥንታዊ ርኽበት ናይቶም ኣብ መበል 21 ዘመን ዘለዉ ምሁራትን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ስምዒት ምቕስቃሱ ክቕጽል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ታሪኻዊ ዑናታት ኩምራን:- Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.; ኢደ-ጽሑፍ:- Courtesy of Shrine of the book, Israel Museum, Jerusalem