ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያ!

እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያ!

እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያ!

“እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።”​—⁠ጸፎንያስ 1:14

1. የሆዋ ብጸፎንያስ ገይሩ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝኣወጀ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ኣንጻር እኩያት ስጕምቲ ክወስድ ተቐሪቡ ኣሎ። ጽን ኢልካ እሞ ስምዓዮ! ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ኢዩ ሂቡ:- ‘ኣነ ንሰብ ከጥፍኦ ኢየ: ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶ ኢየ።’ (ጸፎንያስ 1:⁠3) እቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ነዘን ቃላት እዚኣተን በቲ ነብይኡ: ነቲ እሙን ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ መበል ራብዓይ ወለዶኡ ክኸውን ዝኽእል ጸፎንያስ ኣቢሉ እተዛረበን ኢዩ። እዚ ኣብ መዓልትታት ንጉስ ዮስያስ እተኣወጀ ኣዋጅ ነቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነበሩ ረሲኣን ንጥፍኣቶም ኢዩ ነይሩ።

2. እቲ ዮስያስ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንመዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ከትርፎ ዘይክኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ጸፎንያስ ብምንባዩ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ዮስያስ ንይሁዳ ካብ ርኹስ ኣምልኾ ንኸንጽሃ ዝነበሮ ድራኸ ዝያዳ ኣለዓዒልሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ንጉስ ነታ ሃገር ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኸንጽሃ ዝወሰዶ ስጕምቲ: ንዅሉ እቲ እኩይ ነገራት ካብቲ ህዝቢ ከልግሶ: ወይ እውን ንሓጢኣት እቲ ‘ንየሩሳሌም ብንጹህ ደም ዝመልኣ’ ኣባሓጎኡ ንጉስ ምናሴ ከንጽሆ ኣይከኣለን። (2 ነገስት 24:⁠3, 4፣ 2 ዜና መዋእል 34:⁠3) ስለዚ እታ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ከም እትመጽእ ርግጽ ኢዩ ነይሩ።

3. ካብ “መዓልቲ ቍጥዓ እግዚኣብሄር” ምድሓን ከም ዝከኣል ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

3 እንተዀነ ግን: ካብታ እተፍርህ መዓልቲ ዝድሕኑ ሰባት ክህልዉ ነበሮም። ስለዚ ድማ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይምሕጸን:- “እቲ ትእዛዝ ከይወለደ: እታ መዓልቲ ኸኣ ከም ብቝቡቝ ከይሐለፈት: እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም: እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም . . . ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።” (ጸፎንያስ 2:⁠2, 3) ካብታ ናይ የሆዋ መዓልቲ ፍርዲ ንኽንድሕን ተስፋ ብምግባር እምበኣር ነታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ጸፎንያስ ንመርምራ። ቅድሚ 648 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ይሁዳ እተጻሕፈት ኰይና: ክፍሊ ናይቲ ኵልና ብምሉእ ልቢ ከነቕልበሉ ዘሎና ‘ትንቢታዊ ቓል’ ኣምላኽ ኢያ።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠19

የሆዋ ኢዱ ዘርግሐ

4, 5. ጸፎንያስ 1:⁠1-3 ኣብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እኩያት ሰባት እተፈጸመት ብኸመይ ኢያ፧

4 እቲ ናብ ጸፎንያስ ዝመጸ “ቓል እግዚኣብሄር” በቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ዝኣወጆ መጠንቀቕታ ይጅምር:- “ኣነ ንብዘሎ ዅሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ: ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ: ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ: ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”​—⁠ጸፎንያስ 1:⁠1-3

5 እወ: የሆዋ ነቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ገኒኑ ዝነበረ ረሲእነት መወዳእታ ክገብረሉ መዲቡ ነበረ። ኣምላኽ ‘ንብዘሎ ዅሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ንምጥፋእ’ ንመን ኢዩ ዝጥቀም፧ ጸፎንያስ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይቲ ብ659 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ ግዝኣት ንጉስ ዮስያስ ኰይኑ ይንበ ስለ ዝነበረ: እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ይሁዳን እታ ርእሲ ኸተማኣ ዝነበረት የሩሳሌምን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብኢድ ባቢሎናውያን ክባድማ ኸለዋ ፍጻሜአን ረኺበን ኢየን። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ረሲኣን ‘ጠፊኦም’ ኢዮም።

6-8. ኣብ ጸፎንያስ 1:⁠4-6 እንታይ ኢዩ እተነግረ: እቲ ትንቢት እቲ ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ እተፈጸመኸ ብኸመይ ኢዩ፧

6 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘለዎም ሰባት ዝፍጽሞ ተግባራት ክትዛረብ ከላ ጸፎንያስ 1:⁠4-6 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ: ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል: ንስም ካህናት ጣኦታት: ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ: ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚሰግዱን ዚምሕሉን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን: ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን ከጽንቶም እየ።”

7 የሆዋ ኣንጻር ህዝቢ ይሁዳን የሩሳሌምን ኢዱ ዘርግሐ። ነቶም ንበዓል: ናይ ከነኣናውያን ኣምላኽ ምፍራይ: ዘምልኹ ኸኣ ከጽንቶም ቈሪጹ ነበረ። እተፈላለዩ ናይቲ ኸባቢ ኣማልኽቲ በቶም ኣምለኽቶም ኣብ ፍሉይ ቦታታት ወነንትን ጽልዋ ዘለዎምን ገይርካ ይሕሰቡ ስለ ዝነበሩ በዓላት ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። ንኣብነት: ኣብ ከረን ጴዖር ብሞኣባውያንን ሚድያናውያንን ዝምለኽ ዝነበረ በዓል ነይሩ ኢዩ። (ዘሁልቍ 25:⁠1, 3, 6) የሆዋ ንካህናት በዓልን ነቶም ምስኣቶም ብምሕባር ሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕሱ ዝነበሩ ዘይእሙናት ሌዋውያን ካህናትን ካብ ምልእቲ ምድሪ ይሁዳ ከጽንቶም ነበሮ።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠2, 3

8 ኣምላኽ ነቶም ከዋኽብቲ ብምቝጻርን ንጸሓይ ብምምላኽን ‘ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ’ ዝነበሩ እውን ከጽንቶም ነበሮ። (2 ነገስት 23:⁠11፣ ኤርምያስ 19:​13፣ 32:⁠29) ነቶም ‘ብማልካምን ንእግዚኣብሄርን ብምምሓል’ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክሓዋውሱ ዝፍትኑ እውን መለኮታዊ ቍጥዓ ክወርዶም ነበሮ። ማልካም ነቲ ቀንዲ ኣምላኽ ዓሞናውያን ዝዀነ ሞሌኽ ካልኣይ ስሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣምልኾ ሞሌኽ ንቘልዑ ምስዋእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ።​—1 ነገስት 11:5፣ ኤርምያስ 32:35

ጥፍኣት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ቀሪቡ!

9. (ሀ) ህዝበ⁠-​ክርስትያን ብምንታይ ኢያ ገበነኛ ኰይና ዘላ፧ (ለ) ከምቶም ዘይእሙናት ኣይሁድ ዘይኰነስ እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጽነት ክንወስድ ዘሎና፧

9 እዚ ዅሉ ብዛዕባ እታ ብናይ ሓሶት ኣምልኾን ምቝጻር ከዋኽብትን ተዋሒጣ ዘላ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ጽቡቕ ገይሩ ከዘኻኽረና ይኽእል ኢዩ። ኣብ መሰውኢ ናይቲ ብካህናት ዝድገፍ ውግእ ዝቐርብ ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ዘለዋ ግደ እውን ብሓቂ ዘፈንፍን ኢዩ! ከምቶም ‘ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቑ’ ሸለልተኛታት: ንዕኡ ዘይደልይዎ ወይ መምርሒኡ ዘየናድዩ ዘይእሙናት ኣይሁድ ፈጺምና ኣይንኹን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንዓቅቦ።

10. ነቲ ትንቢታዊ ትርጕም ናይ ጸፎንያስ 1:⁠7 ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

10 እቲ ነብዪ ቀጺሉ እተነበዮ ቃላት ኣብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ገበርቲ እከይን ሕጂ ዘለዉ ረሲኣንን ዝውዕል ኢዩ። ጸፎንያስ 1:⁠7 ከምዚ ትብል:- “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ: እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ: ነቶም ዕዱማቱ ኸኣ ቀዲስዎም እዩ እሞ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ።” ‘ዕዱማት’ ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ጸላእቲ ይሁዳ ዝነበሩ ከለዳውያን ኢዮም ክዀኑ ዝኽእሉ። እቲ “መስዋእቲ” ኸኣ ይሁዳ ምስ ርእሲ ኸተማኣ ማለት ኢዩ። በዚ ኸምዚ ጸፎንያስ ነቲ ኣምላኽ ንየሩሳሌም ንምጥፋእ ዘለዎ ዕላማ ኣዊጁ ኢዩ: እዚ ትንቢት እዚ ጥፍኣት ህዝበ⁠-​ክርስትያን እውን ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እታ ዝፈርደላ መዓልቲ ኣዝያ ስለ ዝቐረበት: ኵላ ዓለም ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ ክትብል:’ ነቲ በቶም ናይ የሱስ ቅቡኣት ዝቘመ “ሒደት መጓሰ” ከምኡውን በቶም ብጾቶም ዝዀኑ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኣቢሉ ዝዛረቦ ነገራት ከኣ ክትሰምዕ ይግባእ። (ሉቃስ 12:⁠32፣ ዮሃንስ 10:⁠16) ንዅሎም እቶም ዘይሰምዑ: ብዘይምስምዖም ከኣ ኣንጻር ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዝስለፉ ሰባት ጥፍኣት ይጽበዮም ኣሎ።​—⁠መዝሙር 2:⁠1, 2

መዓልቲ ኣውያት ድሕሪ ቐረባ ግዜ!

11. ናይ ጸፎንያስ 1:⁠8-11 ፍረ⁠-​ነገር እንታይ ኢዩ፧

11 ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ጸፎንያስ 1:⁠8-11 ከምዚ ትብል:- “ኪኸውን ድማ እዩ: በታ መዓልቲ መስዋእቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር: ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን ክቐጽዖም እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዚዘልዋ: ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዚመልእዋ ዅላቶም ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታ ኻብ ደገ ዓሳ: ኣውያት ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ደገ: ካብ ኵርባታት ድማ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ። ኵሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ: እቶም ብሩር እተሰከሙ ዅላቶም ጸኒቶም እዮም እሞ: ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ: ብኸዩ።”

12. ገሊኣቶም ‘ክዳን ጓኖት ተኸዲኖም’ እተረኽቡ ብኸመይ ኢዮም፧

12 ደድሕሪ ንጉስ ዮስያስ ከኣ ብተኸታታሊ ዮኣሓዝ: ዮያቂም: ዮያኪን ክነግሱ ነበሮም። ድሕሪኦም ግዝኣት ጼድቅያስ ክመጽእ: ብጥፍኣት የሩሳሌም ድማ ክዛዘም ነበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ይጽበዮም እኳ እንተበረ: ገሊኣቶም ‘ክዳን ጓኖት ተኸዲኖም’ በተን ጐረባብቲ ሃገራት ተቐባልነት ክረኽቡ ይደልዩ ነበሩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ክፍሊ ማሕበር የሆዋ ዘይምዃኖም የግህዱ ኣለዉ። ክፍሊ ማሕበር ሰይጣን ምዃኖም የርእዩ ብምህላዎም ከኣ ክቕጽዑ ኢዮም።

13. ብመሰረት ትንቢት ጸፎንያስ: ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከጥቅዕዋ ኸለዉ እንታይ ክፍጸም ነበሮ፧

13 እታ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝመጸት “መዓልቲ” ምጽብጻብ ምስታ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ፍርዲ ንምውራድ: ረሲእነት ንምጥፋእ: ከምኡውን ሉዓላውነቱ ንምርግጋጽ ዝመጸላ መዓልቲ እትሰማማዕ ኢያ። ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከጥፍእዋ ኸለዉ ካብ ደገ ዓሳ ጭድርታ ክስማዕ ነበሮ። ደገ ዓሳ እተባህለሉ ምኽንያት ጥቓ ዕዳጋ ዓሳ ይርከብ ስለ ዝነበረ ኢዩ። (ነህምያ 13:⁠16) ሰራዊት ባቢሎን በቲ ካልኣይ ደገ ዝበሃል ክፍሊ ክኣትዉ ነበሮም: እቲ ‘ካብ ኵርባታት ዝስማዕ ምስብባር’ ከኣ ድምጺ ናይቶም እናቐረቡ ዝመጹ ዝነበሩ ከለዳውያን ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ‘ብኽያት’ ናይቶም ኣብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ስንጭሮ ታይሮፓይን ክኸውን ዝኽእል መኽቴሽ ዝነበሩ ሰባት እውን ክስማዕ ነበሮ። ክበኽዩ ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ናይቶም “ብሩር እተሰከሙ” ሓዊስካ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ካብቲ ቦታ እቲ ስለ ዝጠፍእ ኢዩ።

14. እቲ የሆዋ ነቶም ነምልኸካ ኢና ዝብልዎ ሰባት ዝገብሮ ምርመራ ስፍሓቱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ፧

14 እቲ የሆዋ ነቶም ነምልኸካ ኢና ዝብልዎ ሰባት ዝገብሮ ምርመራ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ፧ እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ: ኣነ ንየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ: ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም: እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር: ዚብሉን ሰባት ክቐጽዖም እየ። ገንዘቦም ኪዝመት: ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ ግናኸ ኣይኪነብርዎን: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም።”​—⁠ጸፎንያስ 1:⁠12, 13

15. (ሀ) ነቶም ከሓድቲ ካህናት የሩሳሌም እንታይ ኢዩ ከጋጥሞም ዝነበሮ፧ (ለ) ነዞም ሎሚ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሒዞም ዝመላለሱ ዘለዉ ሰባት እንታይ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

15 እቶም ከሓድቲ ካህናት የሩሳሌም ንኣምልኾ የሆዋ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይሓዋውስዎ ነበሩ። ኣብ ዕቝባ ዘለዉ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም: የሆዋ ናብቲ ዘዕቍብሉ መንፈሳዊ ጸልማት ሰንጢቑ ዝኣቱ ድሙቕ መብራህቲ ገይሩ ክደልዮም ነበሮ። ካብቲ ዝእወጅ ይኹን ካብቲ ዝወርድ መለኮታዊ ፍርዲ ከምልጥ ዝኽእል ዋላ ሓደ ኣይነበረን። እቶም ቅጭጭ ዘይብሎም ከሓድቲ ልክዕ ከም ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ገንኢ ወይኒ ዝግ ዝብል ሓተላ ኰይኖም ተቐሚጦም ነበሩ። በቲ መለኮታዊ ፍርዲ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ክኣቱ ምዃኑ ዝገልጽ ዝዀነ ይኹን ኣዋጅ ክርበጹ ዘይደልዩ እኳ እንተነበሩ ከምልጡ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ንኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያንን ነቶም ካብ ኣምልኾ የሆዋ ዓልዮም ከሓድቲ ዝዀኑ ውልቀ⁠-​ሰባትን ሓዊስካ እዞም ሎሚ ናይ ሓሶት ሃይ​ማኖት ሒዞም ዝመላለሱ ዘለዉ ሰባት እውን ካብ ፍርዲ የሆዋ ኣይከምልጡን ኢዮም። እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምዃኑ ብምኽሓድ: ብልቦም “እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር” ይብሉ ኣለዉ። ኣየ ክንደይ ግጉያት ኰን ኢዮም!​—⁠2 ጢሞ​ቴዎስ 3:⁠1-52 ጴጥሮስ 3:​3, 4, 10

16. ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መለኮታዊ ፍርዲ ኽወርድ ከሎ እንታይ ከጋጥም ነበሮ: ብዛዕባ እዚ ምፍላጥናኸ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧

16 ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ከሓድቲ: ባቢሎናውያን ንሃብቶም ክዘምቱ: ኣባይቶም ከባድሙ: ንፍረ ኣታኽልቲ ወይኖም ከኣ ክወስዱ ምዃኖም መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መለኮታዊ ፍርዲ ክወርድ ከሎ ስጋዊ ነገራት ዋጋ ኣይነበሮን። ፍርዲ የሆዋ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ክወርድ ከሎ እውን ከምኡ ከጋጥም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንሕናውን ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ናብራና ቀዳምነት ብምሃብ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ንሓዝ: ‘ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ንግበር’!​—ማቴዎስ 6:⁠19-21, 33

‘እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኢያ’

17. ብመሰረት ጸፎንያስ 1:⁠14-16 እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ቀሪባ ዘላ፧

17 እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ቀሪባ ዘላ፧ ብመሰረት ጸፎንያስ 1:⁠14-16 ኣምላኽ እዚ ዝስዕብ ውሕስነት ይህበና:- “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ። እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ: መዓልቲ ጸበባን መከራን: መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን: መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ። ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።”

18. እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ገና ኢያ ኢልና ክንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሓጢኣተኛታት ካህናት: መሳፍንቲ: ከምኡውን እቶም ህዝቢ ‘እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ከም ዝነበረት’ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኢዩ። ንይሁዳ ‘መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀልጢፋ ክትመጻ’ ነበራ። ብተመሳሳሊ ኣብ ግዜና እውን ሓደ እኳ ይኹን እቲ ኣብ ልዕሊ እኩያት ዝወርድ ፍርዲ የሆዋ ገና ኢዩ ኢሉ ኣይሕሰብ። ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ቅልጡፍ ስጕምቲ ዝወሰደ ሕጅውን ነታ መዓልቲ ፍርዱ ‘ከቀላጥፋ’ ኢዩ። (ራእይ 16:⁠14, 16) ሽዑስ ንዅሎም እቶም ብመሰኻኽሩ ኣቢሉ ንዝወሃቦም መጠንቀቕታ የሆዋ ዝነጽጉን ሓቀኛ ኣምልኾ ዘየዘውትሩን ሰባት ኣየ ከመይ ዝበለ መሪር ግዜ ዀን ኢዩ ክዀኖም!

19, 20. (ሀ) ገለ መልክዕ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ጥንታዎት ይሁዳን የሩሳሌምን ዝወረደ ቍጥዓ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ነዚ ኣገባብ እዚ እናመረጸ ኸጥፍእ ተዳልዩ ዘሎ ኵነታት ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

19 እቲ ኣብ ልዕሊ ጥንታዎት ይሁዳን የሩሳሌምን ዝወረደ ቍጥዓ ኣምላኽ “መዓልቲ ጸበባን መከራን” ኢዩ ነይሩ። እቶም ባቢሎናውያን ወረርቲ ንተቐማጦ ይሁዳ: ብሰንኪ እቲ ዝወርዶም ሞትን ጥፍኣትን ዝመጽእ ጭንቀት ሓዊስካ ጠንቂ ብዙሕ ስቓይ ኰይኖምዎም ኢዮም። እታ “መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን:” መዓልቲ ጣቓን ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን ኢያ ነይራ። ኣብ ኵሉ ቦታ ትክን ህልቂትን ስለ ዝነበረ: እዚ ትንቢት እዚ ምሳልያዊ ጥራይ ዘይኰነስ ቃል ብቓሉ እውን ተፈጺሙ ክኸውን ኣለዎ። “መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን” እኳ እንተ ነበረት: እዚ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ግን ንኸንቱ ኢዩ ነይሩ።

20 እቶም ባቢሎናውያን ነቲ ‘በረኽቲ ግምብታት’ ብኣጽዋሮም ገይሮም ይገላብጥዎ ስለ ዝነበሩ: ሓለውቲ የሩሳሌም ብዘይ ዕቝባ ኢዮም ተሪፎም። ዕርድታት ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ እናመረጸ ከጥፍእ ተዳልዩ ዘሎ ሰማያዊ ኣጽዋር ውግእ ዋጋ ኣይክህልዎን ኢዩ። ካብቲ ጥፍኣት እቲ ክትድሕን ተስፋ ትገብርዶ ኢኻ፧ ብወገን እቲ ‘ንዘፍቅርዎ ዅሎም ዝሕልዎም: ንዅሎም ረሲኣን ግና ዘጥፍኦም’ የሆዋ ብምዃን ጽኑዕ ኣቕዋምዶ ወሲድካ ኣሎኻ፧​—⁠መዝሙር 145:⁠20

21, 22. ጸፎንያስ 1:⁠17, 18 ብኸመይ ኢያ ኣብ ግዜና እትፍጸም፧

21 ኣብ ጸፎንያስ 1:⁠17, 18 ኣየ ክንደይ እተርዕድ መዓልቲ ፍርዲ ዀን ኢያ ብትንቢት እተነግረት! የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ: ከጽብበሎም እየ: ከም ዕውራት ድማ ኪመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሓመድ ኪክዖ እዩ: ስጋኦም ከኣ ከም ጐሓፍ። ነቶም ኣብታ ሃገር [“ምድሪ:” NW  ] ዚነብሩ ኵላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ: በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ: ግናኸ ኵላ እታ ሃገር [“ምድሪ:” NW  ] ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ።”

22 ከምቲ ብግዜ ጸፎንያስ ዝገበሮ: የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ‘ዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ’ ተቐማጦ ማለት ኣብ ልዕሊ እዞም ሎሚ መጠንቀቕትኡ ክስዕቡ ዘይደልዩ ሰባት ጸበባ ከውርድ ኢዩ። ብሓጢኣቶም ንኣምላኽ ስለ ዝበደሉ: ከምቶም መዕቈቢ ዘይብሎም ዕዉራት ኰይኖም ክመላለሱ: ድሕነት ከኣ ኣይክረኽቡን ኢዮም። በታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ: ደሞም ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ “ከም ሓመድ ኪክዖ እዩ።” መወዳእትኦም ብርግጽ ውርደት ክኸውን ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ንኣካላት እዞም እኩያት እዚኣቶም​—⁠ኣምዑቶም እውን ከይተረፈ​—⁠ኣብ ምድሪ “ከም ጐሓፍ” ፋሕ ከብሎ ኢዩ።

23. ገበርቲ እከይ ካብ ‘መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር’ ከምልጡ ዘይክእሉ እኳ እንተዀኑ ትንቢት ጸፎንያስ ከመይ ዝበለ ተስፋ ኢያ ሒዛ ዘላ፧

23 ነቶም ኣንጻር ኣምላኽን ህዝቡን ዝዋግኡ ከድሕኖም ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ገበርቲ እከይ ብሩር ኰነ ወርቂ ከድሕኖም ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ህዝበ⁠-​ክርስትያንን ኣብቲ ኻልእ ክፍሊ እዚ ኣገባብን እዝን ‘መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር’ ክወርድ ከሎ ዕቑር ሃብቲ ይኹን ጉቦ ከዕቍቦም ወይ ከናግፎም ኣይክእልን ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ ውሳነ እቲኣ ንእኩያት ከጽንቶም ከሎ ‘ኵላ ምድሪ’ ብሓዊ ቅንኢ ኣምላኽ ‘ክትወሓጥ’ ኢያ። ኣብ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ እምነት ዘሎና ሰባት ብምዃንና: ኣብ ምጽንቃቕ እዚ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ከም ዘሎና ተረዲእና ኢና። (ዳንኤል 12:⁠4) መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ቀሪባ ኢያ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ሕነ ኽፈዲ ኢዩ። ይኹን እምበር ትንቢት ጸፎንያስ ናይ ድሕነት ተስፋ እውን ሒዛ ኣላ። ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ክንሕባእ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ከነማልኦ ዘሎና ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ትንቢት ጸፎንያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን እተፈጸመት ብኸመይ ኢያ፧

• ንህዝበ⁠-​ክርስትያንን ንዅሎም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ረሲኣንን እንታይ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

• መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ገና ኢያ ኢልና ክንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ጸፎንያስ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ቀሪባ ምንባራ ብትብዓት ኣወጀ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ካብታ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ከምኡውን ሪቫይዝድ ቨርሽን ዝሓዘት ሰልፍ-ፕሮናውንሲን ኢዲሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እተወስደ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ይሁዳን የሩሳሌምን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ምስ ወደቓ መዓልቲ የሆዋ መጸት

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም እኩያት ከጽንቶም ከሎ ክትድሕን ተስፋ ትገብርዶ ኢኻ፧