እቶም እተመልሱ ህዝቢ የሆዋ ኣብ መላእ ምድሪ ይውድስዎ
እቶም እተመልሱ ህዝቢ የሆዋ ኣብ መላእ ምድሪ ይውድስዎ
“ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: . . . ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” NW] ክመልሰሎም እየ።”—ጸፎንያስ 3:9
1. እቲ ናይ ጥፍኣት መልእኽቲ ኣብ ይሁዳን ካልኦት ሃገራትን እተፈጸመ ስለምንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ንጸፎንያስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓያል ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ክእውጅ ኰን ኢዩ ብመንፈሱ ዝደረኾ! መራሕቲ ይሁዳን እቲ ህዝቢ ብሓፈሻን ፍቓድ የሆዋ ዘይፍጽሙ ብምንባሮም እዚ ናይ ጥፍኣት መልእኽትታት እዚ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብታ ርእሲ ኸተማኣ ዝነበረት የሩሳሌምን ተፈጺሙ ኢዩ። ከም ፍልስጥኤምን ሞኣብን ዓሞንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ቍጥዓ የሆዋ ክወርደን ነበሮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዘን ሃገራት እዚኣተን ንዘመናት ዝኣክል ንህዝቢ የሆዋ ብጭከና ተጻሪረንኦም ኢየን። ሓይሊ ዓለም ኣሶር እውን ከምዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ሃገራት ብምንባራ ከም ዘይትህነጽ ኰይና ጠፍአት።
2. ኣብ ጸፎንያስ 3:8 ዘለዋ ቓላት ንመን ከም እተባህላ ኢዩ ርዱእ ዝዀነ፧
2 ይኹን እምበር: ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ ቅኑዕ ድራኸ ዝነበሮም ገለ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ኣብ ልዕሊ እቶም እኩያት ሰባት መለኮታዊ ፍርዲ ኽወርድ ይጽበዩ ነበሩ። እዘን ዝስዕባ ቃላት እውን ንዓታቶም ዝምልከታ ምንባረን ርዱእ ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሐጥሲ: ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም: ነህዛብ ክእክቦም: ንመንግስትታት ከኣ ክአኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ: ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ።”—ጸፎንያስ 3:8
“ጽሩይ ቋንቋ” ንመን፧
3. ጸፎንያስ እንታይ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንኽነግር ኢዩ ብመንፈስ እተደረኸ፧
3 እወ: ጸፎንያስ ነቲ ናይ ጥፍኣት መልእኽቲ የሆዋ ኣዊጁ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ነብዪ ዘደንቕ ናይ ተስፋ መልእኽቲ—ነቶም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ዘጸናንዕ መልእኽቲ—ንምሃብ እውን ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ጸፎንያስ 3:9 ተመዝጊቡ ዘሎ: የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ኣወጀ:- “ስለዚ ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” NW ] ክመልሰሎም እየ።”
4, 5. (ሀ) ነቶም ሓጥኣን እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞም፧ (ለ) ካብዚ ዝጥቀሙኸ መን ኢዮም: ስለምንታይከ፧
4 እቲ ጽሩይ ቋንቋ ዘይውሃቦም ህዝቢ እውን ነይሮም ኢዮም። እቲ ትንቢት ብዛዕብኦም ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ኣነ ነቶም ብዅርዓትኪ ባህ ዝበሎም [“ዕቡያትኪ:” NW ] ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ።” (ጸፎንያስ 3:11) ስለዚ እቶም ንሕግታት ኣምላኽ ብምንዓቕ ዓመጽ ዝገብሩ ዝነበሩ ዕቡያት ክጠፍኡ ነበሮም። ካብዚ ዝጥቀምከ መን ኢዩ፧ ጸፎንያስ 3:12, 13 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “[ኣነ የሆዋ] ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ: ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኑ እዮም። ኪጓሰዩን ኪድቅሱን እዮም: ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ: እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስዉን እዮም: ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።”
5 እቶም ዝጥቀሙ እምበኣር እቶም እሙናት ተረፍ ጥንታዊት ይሁዳ ኢዮም ነይሮም። ስለምንታይ ኢዮም ዝጥቀሙ፧ ምኽንያቱ ምስ እዚ ዝስዕብ ቃላት ተሰማሚዖም ኢዮም ተመላሊሶም:- “ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”—ጸፎንያስ 2:3
6. ኣብቲ ቐዳማይ ፍጻሜ ናይ ትንቢት ጸፎንያስ እንታይ ኢዩ ዝዀነ፧
6 ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ናይ ትንቢት ጸፎንያስ: ኣምላኽ በታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ባቢሎን ኣቢሉ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ነታ ዘይእምንቲ ይሁዳ ብምስዓር ንህዝባ ክትማርኽ ብምፍቃድ ቀጺዕዋ ኢዩ። ንኤርምያስ ሓዊስካ ገለ ሰባት ድሒኖም ኢዮም: ካልኦት ድማ ኣብ ምርኮ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ቀጺሎም ኢዮም። ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን በተን ኣብ ትሕቲ ንጉስ ቂሮስ ዝነበራ ሜዶንን ፋርስን ተሳዕረት። ክልተ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ ቂሮስ እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘፍቅድ ኣዋጅ ኣውጽአ። ድሕሪ ገለ ግዜ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ተሃንጸት: እቶም ካህናት ድማ ነቲ ህዝቢ ሕጊ ኣብ ዝምህርሉ ደረጃ ተመልሱ። (ሚልክያስ 2:7) ስለዚ የሆዋ ነቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ተረፍ ክሳዕ እቲ እሙናት ኰይኖም ዝቐጸልሉ ግዜ ኣበልጺግዎም ኢዩ።
7, 8. ኣብ ጸፎንያስ 3:14-17 ዘሎ ትንቢታዊ ቃላት ኣብ መን ኢዩ ዝውዕል: ከምኡ ኢልካ ዝመለስካኸ ስለምንታይ ኢኻ፧
7 ጸፎንያስ ብዛዕባ እቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ሰባት ከምዚ ብምባል ተነብዩ ኣሎ:- “ኣቲ ጓል ጽዮን: ዘምሪ: ኣታ እስራኤል: እልል በል: ኣቲ ጓል የሩሳሌም: ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ። እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ: ንጸላኢኺ ሰጐጎ: እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ: ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን። በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌም: ዎ ጽዮን: ኣይትፍርሂ: ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ: እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ: ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ: ብፍቕሩ ኺሀድእ: ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ: ኪብልዋ እዮም።”—ጸፎንያስ 3:14-17
8 እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ነቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ወጺኦም ናብ ዓዶም እተመልሱ ተረፍ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ጸፎንያስ 3:18-20 ብንጹር በሪሁ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “[ኣነ የሆዋ] ነቶም ብዛዕባ ኣኼባ በዓላት ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ: ናትኪ እዮም: ጾሮም ጸርፊ ነበረ። እንሆ: በቲ ግዜ እቲ ነቶም ዚጭቍኑኺ ዅሎም ክጻረሮም እየ: ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና: ነታ እተሰጐት ከኣ ክእክባ: ኣብቲ ዝነዎርዎ ዅሉ ሃገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ። ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም: ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ: በታ ግዜ እቲኣ ኸእትወኩም: በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”
9. የሆዋ ምስ ይሁዳ እተተሓሓዘ ንገዛእ ርእሱ ስም ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧
9 እቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ጐረባብቶም ክሳዕ ክንደይ ርዒዶም ከም ዝነበሩ እሞ ገምትዎ! ተቐማጦ ይሁዳ በታ ሓያል ዝዀነት ባቢሎን ተማሪኾም ኢዮም ነይሮም: ናጻ ከም ዝወጹ ዝሕብር ተስፋ ኣይነበሮምን። ሃገሮም እውን ባዲማ ኢያ ነይራ። ብሓይሊ ኣምላኽ ግን ድሕሪ 70 ዓመት ናብ ሃገሮም ተመልሱ: እቶም ጸላእቶም ዝነበሩ ህዝብታት ግን ናብ ጥፍኣት ኢዮም ዘምርሑ ነይሮም። የሆዋ ነቶም እሙናት ተረፍ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ንገዛእ ርእሱ ኣየ ከመይ ዝበለ ስም ኰን ኢዩ ዝገበረ! ነቶም ህዝቡ እውን “ኣብ ኵላቶም ህዝብታት . . . ስሙያትን ክቡራትን” ገይርዎም ኢዩ። እቲ ምምላስ እቲ ንየሆዋን ነቶም ስሙ ዝጾሩን ከመይ ዝበለ ውዳሰ ኰን ኢዩ ነይሩ!
ኣምልኾ የሆዋ ልዕል ይብል
10, 11. እቲ ብዛዕባ ምምላስ ዝዛረብ ናይ ጸፎንያስ ትንቢት ዝዓበየ ፍጻሜኡ መዓስ ኢዩ ረኺቡ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧
10 የሱስ ክርስቶስ ንተረፍ እስራኤል ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምስ ኣከቦም ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና እውን ካልእ ምምላስ ተራእዩ ኢዩ። እዚ ናይቲ ኽመጽእ ዝነበሮ ቅማሶ ጥራይ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ዝዓበየ ፍጻሜ ናይ ምምላስ ገና ንመጻኢ ኢዩ ክፍጸም ነይርዎ። ሚክያስ ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።”—ሚክያስ 4:1
11 እዚ መዓስ ኢዩ ክፍጸም ዝነበሮ፧ ከምቲ እቲ ትንቢት ዝበሎ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢዩ ዝፍጸም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እዚ ኸኣ: እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ቅድሚ ምጥፍኡ ማለት ኣብዚ ህዝብታት ገና ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘምልኽሉ ዘለዉ እዋን ኢዩ ክፍጸም ነይርዎ። ሚክያስ 4:5 ከምዚ ትብል:- “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም።” እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲኸ፧ ትንቢት ሚክያስ ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንመላለስ ኢና።”
12. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሓቀኛ ኣምልኾ ክብ ዝበለ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ስለዚ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን: “እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን [ጸኒዑ]” ኢዩ። እቲ ልዕል ዝበለ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ እንደገና ቈይሙ: ጸኒዑ: ልዕሊ ዅለን ሃይማኖታት ከኣ ክብ ኢሉ ኢዩ። ከምቲ ብትንቢት ሚክያስ ቀጺሉ እተነግረ ድማ “ህዝብታት . . . ናብኡ ክውሕዙ እዮም።” እቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ዝሓዙ ኸኣ ‘ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመላለሱ’ ኢዮም።
13, 14. እዛ ዓለም እዚኣ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝኣተወት መዓስ ኢያ: ካብ ሽዑ ጀሚሩኸ ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧
13 እቲ ዝፍጸም ዘሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: እዛ ዓለም እዚኣ ካብ 1914 ኣትሒዛ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዝኣተወት ዘመልክት ኢዩ። (ማርቆስ 13:4-10) ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ሰማያዊ ተስፋ ንዝነበሮም እሙናት ቅቡኣት ተረፍ ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ ክእክቦም ከም ዝጀመረ ታሪኽ ይምስክር ኢዩ። ደድሕሪኦም ከኣ ምእካብ ናይቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ . . . ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ተጀመረ።—ራእይ 7:9
14 ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ክሳዕ እዚ ግዜና: ኣምልኾ የሆዋ በቶም ንሱ ዝመርሖም ንስሙ ዝጾሩ ሰባት እናበርትዐ ንቕድሚት ገስጊሱ ኢዩ። ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሒደት ኣሽሓት ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብዚ እዋን እዚ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣቢሎም በጺሖም ኣለዉ። እዚኣቶም ከኣ ኣብ 235 ሃገራት ኣብ ዝርከባ 91,000 ዝዀና ጉባኤታት ተጠርኒፎም ይርከቡ። እዞም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ንኣምላኽ ኣብ ምውዳስ ዓመት ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ይውፍዩ። ነቲ የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል እተነበዮ ቃላት ዝፍጽሙ ዘለዉ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ፍሉጥ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14
15. ሕጂ ጸፎንያስ 2:3 ብኸመይ ኢያ ፍጻሜኣ እትረክብ ዘላ፧
15 ጸፎንያስ 3:17 “እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ” ትብለና። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘስተማቕርዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና ክርከብ ዝኸኣለ እቲ ምሉእ ዘይጕዱል ሓይሊ ዘለዎ ኣምላኾም ‘ኣብ ማእከሎም’ ስለ ዘሎ ኢዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምምላስ ጥንታዊት ይሁዳ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እተራእየ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ጸፎንያስ 2:3 ኣብ ግዜና ዝዓበየ ፍጻሜኣ ብኸመይ ከም ዝረኸበት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. “ዅላትኩም” ክብል ከሎ ነቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ናብ ሃገሮም እተመልሱ ተረፍ ኣይሁድ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ንዅሎም እቶም ሎሚ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከቡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እተቐበልዎ: ኣብ “ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር” ከኣ ዝውሕዙ ዘለዉ ትሑታት ዘመልክት ኢዩ።
ሓቀኛ ኣምልኾ ይብልጽግ
16. ጸላእትና ነቲ ኣብ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ዝርአ ዘሎ ብልጽግና ምስ ተዓዘቡ ከመይ ዝበለ ምላሽ ከም ዝህቡ ኢዩ ክግመት ዝከኣል፧
16 ድሕሪ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ዓዶም ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ ብምምላሶም ብዙሓት ጐረባብቲ ህዝብታት ተገሪሞም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ምምላስ እቲ ብተዛማዲ ብንኡስ ደረጅኡ ኢዩ ተፈጺሙ። ገሊኣቶም: ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ: ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘገርም ዕቤት: ብልጽግና: ከምኡውን ግስጋሰ ምስ ረኣዩ እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ገለ ካብዞም ጸላእቲ እዚኣቶም ከምቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ፈሪሳውያን: እቶም ህዝቢ ናብኡ ክውሕዙ ምስ ረኣዩ እተሰምዖም ዓይነት ስምዒት ከም ዘሕደሩ ፍሉጥ ኢዩ። “እንሆ: ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ” በሉ።—ዮሃንስ 12:19
17. ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዩ ዝበለ: ከመይ ዝበለ ዕቤትከ ኢዮም ኣብ ህይወቶም እተመከሩ፧
17 ፕሮፌሰር ቻርለስ ኤስ. ብሬደን እተባህለ ጸሓፊ ኣብታ ዚስ ኦልሶ ብሊቭ እተባህለት መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ብቓሉ ንምድሪ ብምስክርነቶም መሊኦምዋ ኢዮም። ብሓቂ ድማ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅንእን ጽንዓትን ዘርኣየት ሃይማኖት ኣብ ዓለም የላን ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እዚ ንጥፈት እዚ ኸኣ እናበርትዐ ዝኸይድ ኢዩ ዝመስል።” እዚስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! ነዘን ቃላት እዚኣተን 50 ዓመት ይገብር ክጽሕፈን ከሎ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝሰብኩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 300,000 ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ሎሚ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ዳርጋ 20 ዕጽፊ ዝዀኑ ማለት ገለ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ነቲ ብስራት ይሰብኩ ምህላዎም እንተ ዝርኢ ድኣ እንታይ ምበለ ነይሩ፧
18. እቲ ጽሩይ ቋንቋ እንታይ ኢዩ: ኣምላኽከ ንመን ኢዩ ዝሃቦ፧
18 ኣምላኽ ብነብይኡ ገይሩ ከምዚ በለ:- “ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” NW ] ክመልሰሎም እየ።” (ጸፎንያስ 3:9) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን እቶም ንስም የሆዋ ዝጽውዑ: በቲ ዘይብተኽ ማእሰር ፍቕሪ ኸኣ “ሐቢሮም” ዘገልግልዎ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። የሆዋ ጽሩይ ቋንቋ ዝሃቦም ነዚኣቶም ኢዩ። እዚ ጽሩይ ቋንቋ እዚ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ንዝገልጽ ሓቂ ብግቡእ ምርዳእ ዘጠቓልል ኢዩ። ነዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ክህብ ዝኽእል። (1 ቈረንቶስ 2:10) የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ዝህቦ ንመን ኢዩ፧ “ነቶም ዚእዘዝዎ” ጥራይ ኢዩ ዝህቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:32) ንኣምላኽ ኣብ ኵሉ ጕዳያቶም ከም ገዛኢኦም ገይሮም ክእዘዝዎ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም። ስለ ዝዀነ ኸኣ ኢዮም መንፈስ ኣምላኽ ዝቕበሉ ከምኡውን በቲ ብዛዕባ የሆዋን ድንቂ ዕላማታቱን ዝገልጽ ሓቂ ዘመልክት ጽሩይ ቋንቋ ዝዛረቡ። ነዚ ጽሩይ ቋንቋ እዚ ኸኣ ብዝዓበየን ብዝሰፍሐን ደረጃ ንየሆዋ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንምውዳስ ኢዮም ዝጥቀምሉ።
19. በቲ ጽሩይ ቋንቋ ምዝራብ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
19 በቲ ጽሩይ ቋንቋ ምዝራብ ክበሃል ከሎ ግን ንሓቂ ምእማንን ንኻልኦት ምምሃርን ጥራይ ዘይኰነስ በካይዳኻ ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምስምማዕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንየሆዋ ብምድላይን ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ብምዝራብን መሪሕነት ክወስዱ ጸኒሖም ኢዮም። እንታይ ከም እተዓመ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቶም ቅቡኣት ቍጽሮም ናብ ትሕቲ 8,700 ንታሕቲ እኳ እንተ ወረደ: ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ካልኦት ንየሆዋ ብምድላይን በቲ ጽሩይ ቋንቋ ብምዝራብን ንእምነቶም ይቐድሕዎ ኣለዉ። እዚኣቶም እቶም ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ዘርእዩ: ኣብ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርቡ: ካብቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብዛ ናይ ዓመጻ ዓለም ዝወርድ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸኣ ዝድሕኑ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ ጭፍራ ኢዮም።—ራእይ 7:9, 14, 15
20. ነቶም እሙናት ቅቡኣትን ነቶም ንዓቢ ጭፍራ ዘቝሙን እንታይ ኢዩ ተዳልይሎም ዘሎ፧
20 እቶም ዓቢ ጭፍራ ናብታ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13) የሱስ ክርስቶስን እቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ተንሲኦም ካህናትን ነገስታትን ኰይኖም ምስኡ ዘገልግሉ 144,000 ቅቡኣትን ናይ ምድሪ ሓደስቲ ኣመሓደርቲ ኰይኖም ክቘሙ ኢዮም። (ሮሜ 8:16, 17፣ ራእይ 7:4፣ 20:6) እቶም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝደሓኑ ንምድሪ ገነት ንኽገብርዋ ክዓዩ ኢዮም: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ጽሩይ ቋንቋ ምዝራቦም ድማ ክቕጽሉ ኢዮም። እዘን ዝስዕባ ቃላት ከም መሰረታዊ መምርሒ መጠን ኣባታቶም ይውዕላ ኢየን:- “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ።”—ኢሳይያስ 54:13, 14
ኣብ ታሪኽ ዝርአ ዝዓበየ ናይ ምምሃር ዕዮ
21, 22.(ሀ) ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ክመሃሮ ዘለዎ መን ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ከመይ ዝበለ መዘና ዘይብሉ ትምህርታዊ ዕዮ ኢዩ ኽፍጸም፧
21 ኣብቲ ሓድሽ ኣገባብ ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ዝወሃቦም ካልኦት ጕጅለ ኸኣ እቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ]” እተባህለሎም ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ርጡብ ፍልጠት የሆዋ ከይረኸቡ ሞይቶም ኢዮም። ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ከኣ ከተንስኦም ኢዩ። ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ክማሃርዎ ድማ ከድልዮም ኢዩ።
22 ኣብቲ ዓቢ ናይ ምምሃር ዕዮ ምክፋልሲ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ዝዓበየ ናይ ምምሃር ዕዮ ክኸውን ኢዩ። ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብሓይሊ መንግስቱ ዝግለጽ ሰናይ ግዝኣት ክርስቶስ ኢዩ ኽፍጸም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ደቅሰብ ፍጻሜ ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 11:9 ዘሎ ቃላት ክርእይዎ ኢዮም። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።”
23. ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ዓቢ መሰል ኢና ረኺብና ክትብል እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
23 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ኴንና ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ምድሪ ብፍልጠት የሆዋ እትመልኣሉ ዘደንቕ እዋን ክንዳሎስ ዓቢ መሰልዶ ኸይኰነ! ሕጂ ነቲ ዝዓበየ ፍጻሜ ናይቲ ኣብ ጸፎንያስ 3:20 ዘሎ ቃላት ኣብ ህይወትና ክንምከሮ እንኽእል ህዝቢ ኣምላኽ ብምዃንናስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና! ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ “ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ” ዝብል ውሕስነት ሂቡና ኣሎ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እቲ ጸፎንያስ ብዛዕባ ምምላስ እተዛረቦ ትንቢት እንታይ ፍጻሜታት ኢዩ ዝነበሮ፧
• ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሓቀኛ ኣምልኾ ዝብልጽግ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
• ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ዝበለ ዓቢ ትምህርታዊ ዕዮ ኢዩ ኽፍጸም፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ህዝቢ የሆዋ እንደገና ሓቀኛ ኣምልኾ ንምምስራት ናብ ሃገሮም ተመልሱ። እዚ ሕጂ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ትፈልጥዶ፧
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምዝራብ ንሰባት ዘጸናንዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ይነግርዎም ኣለዉ