ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኽነት ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ክትዕወተሉ ዘይከኣል ቃልሲ ድዩ፧

ድኽነት ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ክትዕወተሉ ዘይከኣል ቃልሲ ድዩ፧

ድኽነት ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ክትዕወተሉ ዘይከኣል ቃልሲ ድዩ፧

 እቶም ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብጻሕ ዝገብሩ ቱሪስት ናብቲ “ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ቤት ምኽሪ” እውን ምብጻሕ ይገብሩ ኢዮም፣ ኣብቲ ሰንቀ ናይቲ ኣደራሽ ድማ ሻምብቆታትን ትቦታትን ብቕሉዕ ይርአ። እታ ነቶም በጻሕቲ እትመርሕ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “እዚ ‘ዘይተዛዘመ’ ሰንቀ ቍጠባውን ማሕበራውን ዕማም ሕቡራት ሃገራት ፈጺሙ ከም ዘይተዛዘመ ዘዘኻኽር ምልክት ኢዩ፣ ንኣነባብራ ህዝቢ ዓለም ንምምሕያሽ ኵሉ ሳዕ ክዕየ ዘለዎ ተወሳኺ ነገር ኣሎ።”

እቲ ቤት ምኽሪ ኵሉ ሰብ ደረጃ ናብርኡ ዝመሓየሸሉ መገድታት ኣብ ምትብባዕ ዝዓዪ እኳ እንተዀነ: እቲ ዕማም ግን ዝዛዘም ኣይመስልን ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ምድሪ ኸገልግል ከሎ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:⁠18) እቲ ዝኣወጆ ‘ብስራት’ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ፣ ንሳ ድማ እቲ “ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ንጉሳ ብምግባር ዘቝማ ኢያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ ክትፍጽም ኢያ፧ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ይንበ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት . . . ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ: ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ። ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠4-6, 8

መንግስቲ ኣምላኽ ድኽነት ብምጥፋእ ‘ንኣነባብራ ህዝቢ ዓለም ብኸመይ ከም እተመሓይሾ’ ክትፈልጥ ትደሊዶ ኢኻ፧ ሓደ ብቑዕ መምህር መጺኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝብሎ ተወሳኺ ነገራት ከርእየካ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓሳባት ርአ።