መንፈሳዊ ገነት እንታይ ኢዩ፧
መንፈሳዊ ገነት እንታይ ኢዩ፧
ጉስታቩ ኣብ ብራዚል ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ኢዩ ዓብዩ። a ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ጽቡቕ ዝገብሩ ሰባት ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ ኢዩ ተማሂሩ። ደቅሰብ ኣብ ምድራዊት ገነት ፍጹም ህይወት ዘስተማቕርሉ ግዜ ክመጽእ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነበረ። (ራእይ 21:3, 4) እዚ ጥራይ እውን ዘይኰነ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ክኣቱ ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን ነበረ።
ብዛዕባ መንፈሳዊ ገነት ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ እንታይ ምዃኑን ኣብኡ ንኽትኣቱ እንታይ ከም ዘድልን ትፈልጥዶ ኢኻ፧ ብሓቂ ሕጉስ ክኸውን ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ እዚ ገነት እዚ ክፈልጥ ከድልዮ ኢዩ።
መንፈሳዊ ገነት ኣበይ ከም ዝርከብ ምፍላጥ
ሎሚ እውን እንተዀነ ሰብ ኣብ ገነት ክነብር ይኽእል ኢዩ ምባል ዘይክውንነታዊ ኢዩ ዝመስል። እዛ ዓለም እዚኣ ገነት ኣይኰነትን። ከምቲ ሓደ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ እብራዊ ንጉስ ዝበሎ ዓይነት ናብራ ዘሕልፉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ:- “እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን።” (መክብብ 4:1) ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብብልሹው ፖለቲካዊ: ሃይማኖታዊ: ከምኡውን ቍጠባዊ ስርዓት ይሳቐዩ ኢዮም: ረዳኢ ወይ “ኣጆኹም: ዚብሎም” ከኣ የብሎምን። ብዙሓት ካልኦት መነባብሮን ቈልዑ ምዕባይን ይኸብዶም: ብህይወት ንኽቕጽሉ ዘድልዮም ብዙሕ ካልእ ነገራት ምርካብ ድማ የጸግሞም። እዞም ሰባት እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ንጸገሞም ቁሩብ ዘፋዅሰሎም: ኣጆኹም ዝብሎም ሰብ ሓንጐፋይ ኢሎም ኢዮም ዝቕበሉ ዝዀኑ። ህይወት ናይ እዚኣቶም ጥቓ ገነት እውን ኣይቀረበትን።
መንፈሳዊ ገነት ዝርከብ ደኣ እሞ ኣበይ ኢዩ፧ እታ “ገነት” እትብል ቃል ምስተን ህዱእን ዘሐድስን መናፈሻ ወይ ስፍራ ኣታኽልቲ ዝብል ትርጕም ዘለወን ናይ ግሪኽ: ፋርስ: ከምኡውን እብራይስጢ ቃላት እትመሳሰል ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ ቃል ብቓሉ ገነት ብምዃን ጻድቃን ሰባት ዝነብሩላ ስፍራ ኣታኽልቲ እትዀነሉ ግዜ ክመጽእ ምዃኑ መብጽዓ ይኣቱ ኢዩ። (መዝሙር 37:10, 11) ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: መንፈሳዊ ገነት ክበሃል ከሎ ምስ ብጻይካ ወይ ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ንኸተስተማቕር ዘኽእል ንኽትርእዮ ባህ ዘብልን ነእምሮኻ ዘሐጕሶን ሃዋሁ ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ሎሚ ከምዚ ዓይነት ገነት ኣሎ: ጉስታቩ እኳ ረኺብዎ ኢዩ: ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት እውን ዘጠቓልል ኢዩ።
ጉስታቩ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ናይ ሮማ ካቶሊክ ካህን ክኸውን ወሰነ። ወለዱ ስለ ዝፈቐዱሉ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኣተወ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ: እታ ቤተ-ክርስትያን ንመንእሰያት ንምስሓብ ሙዚቃ: ቲያትር: ከምኡውን ፖለቲካ ኣተኣታትያ ስለ ዝነበረት: ንሱ እውን ኣብኡ ተሳተፈ። ሓደ ካህን ርእሱ ንሰባት ዝወፈየ ከም ምዃኑ መጠን ክምርዖ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ገለ ኻብቶም ንሱ ዝፈልጦም ካህናትን መማህርቱን ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ይካፈሉ ነበሩ። ጉስታቩ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁ ስለ ዝጠሓለ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ክሰቲ ጀመረ። ዛጊት መንፈሳዊ ገነት ከም ዘይረኸበ ንጹር ኢዩ ነይሩ።
ሓደ መዓልቲ ጉስታቩ ብዛዕባ ምድራዊት ገነት እትገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ትራክት ኣንበበ። ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ከም ዝሓስብ ድማ ገበረቶ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ከንብብ ጀመርኩ: እንተዀነ ግን ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ እኳ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን።” ካብቲ ሃይማኖታዊ
ቤት ትምህርቲ ወጸ እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርዳእ ክሕግዝዎ ኢሉ ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከደ። ድሕርዚ: ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ህይወቱ ንኣምላኽ ወፈየ። ጉስታቩ ብዛዕባ መንፈሳዊ ገነት ኢዩ ተማሂሩ።ንስም ኣምላኽ ዝወጹ ህዝቢ
ጉስታቩ እቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ንሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ሓበሬታ ጥራይ ከም ዘይኰነ ፈለጠ። (ዘጸኣት 6:3 NW ) ኣገዳሲ ኽፍሊ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ክጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9) ወደ መዝሙር ያእቆብ ብዛዕባ እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብ ክዛረብ ከሎ ‘ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸውጽእ በጺሕዎም ኣሎ’ በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን እቶም ‘ንስሙ ዝወጹ ህዝቢ’ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢዮም ነይሮም። ሎሚኸ ንስም ኣምላኽ ዝወጹ ህዝቢ ኣለዉዶ፧ እወ: ጉስታቩ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ኣስተውዒሉ ኢዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራትን ዞባታትን ንጡፋት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣገልገልቲ ኣለዉዎም: ካልኦት ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑ ተገደስቲ ድማ ምስኦም ሓቢሮም ኣብ ኣኼባታቶም ይካፈሉ ኢዮም። ብህዝባዊ ኣገልግሎቶም ኣጸቢቖም ይፍለጡ: ነዚ ዝስዕብ ቃላት የሱስ ድማ ይፍጽሙ ኢዮም:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።” (ማቴዎስ 24:14) ጉስታቩ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓበረ መንፈሳዊ ገነት ከም ዝረኸበ እተሰምዖ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ንሱ ባዕሉ ከምዚ በለ:- “ነቲ ኣብ ዓለም ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዝረኣኽዎ ነገር ምስቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸብክዎ ኣነጻጸርክዎ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍቕሪ ስለ ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ዘለዎ ዀይኑ ኢየ ረኺበዮ።”
ካልኦት እውን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ሓሳባት ሂቦም ኢዮም። ሓንቲ ሚርያም እትበሃል ብራዚላዊት መንእሰይ ከምዚ በለት:- “ምስ ስድራቤተይ ከለኹ እውን ከይተረፈ: ሕጕስቲ ኣይነበርኩን። ፍቕሪ ብተግባር ክትንጸባረቕ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣኹ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ።” ክሪስትያን ዝበሃል ሰብኣይ ድማ ከምዚ በለ:- “ብተደጋጋሚ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ እጽመድ ነበርኩ: ሃይማኖት ግን ኣየገድሰንን ኢዩ ነይሩ። ንማሕበራዊ ደረጃይን ናይ ምህንድስና ሞያየይን ዝያዳ ቦታ እህቦ ነበርኩ። እንተዀነ ግን: በዓልቲ ቤተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመረት ለውጢ ረኣኹላ። እተን ክበጽሓኣ ዝመጻ ዝነበራ ክርስትያናት ኣንስቲ ብዘርኣያኦ ሓጐስን ቅንእን እውን ተመሰጥኩ።” ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ዝዛረቡ ስለምንታይ ኢዮም፧
መንፈሳዊ ገነት እንታይ ኢዩ፧
ሓደ ኻብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉያት ዝገብሮም እቲ ንፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሞሳ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከምኡውን ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ ኢዮም። ስለዚ: ብዛዕባ ሃይማኖቶም መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ብምፍላጥ ኣይዓግቡን ኢዮም። ስሩዕ ፕሮግራም ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣለዎም። ሓደ ሰብ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ብዝሓበረ መጠን: ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ፍቓዱን ዝያዳ ይማሃር።
እዚ ፍልጠት እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ከም ሓተታ መናፍስትን ጐዳኢ ሓሳባትን ዝኣመሰለ ሓጐስ ደቅሰብ ዘጥፍእ ነገር ሓራ ይገብሮም ኢዩ። የሱስ “ሓቂ . . . ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ እዚ ልክዕ ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። (ዮሃንስ 8:32) ሓደ እዋን ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ጥሒሉ ዝነበረ ፈርናንዶ “ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት ምፍላጥ ዓቢ እፎይታ ኢዩ። ኣነ ወይ ወለደይ ከይንመውት እፈርህ ነበርኩ” በለ። ሓቂ ካብ ፍርሂ ናይ መናፍስቲ ዓለምን ድሕሪ ሞት ኣሎ ንዝበሃል ህይወትን ሓራ ኣውጺኣቶ ኢያ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣምላኽ ምስ ገነት ኣጸቢቑ ተኣሳሲሩ ኣሎ። ነብዪ ኢሳይያስ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ኢሳይያስ 11:9
ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ” በለ።—ልክዕ ኢዩ: ፍልጠት ጥራይ ነቲ ብኢሳይያስ ብትንቢት እተነግረ ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። ፈርናንዶ “ሓደ ሰብ ፍረ መንፈስ ምስ ዘማዕብል: ነቲ መንፈሳዊ ገነት ኣበርክቶ ይገብር” ብምባል ሓሳቡ ገለጸ። ፈርናንዶ ንቓላት ናይቲ ሓደ ክርስትያን ከማዕብለን ዘለዎ ባህርያት “ፍረ መንፈስ” ኢሉ ዝጸውዐን ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነተን ፍረ መንፈስ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ብምባል ዘርዚርወን ኣሎ።—ገላትያ 5:22, 23
ምስ ሓደ ነዚ ባህርያት እዚ ኸማዕብሉ ብዝጽዕሩ ውልቀ-ሰባት ዝቘመ ማሕበረሰብ ምሕባር ገነት ከብሎ ዝኽእል ምኽንያት ክትግንዘቦዶ ኽኢልካ፧ እቲ ብነብዪ ጸፎንያስ ብትንቢት እተነግረ መንፈሳዊ ገነት ኣብ መንጎ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኢዩ ዝርከብ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኪጓሰዩን ኪድቅሱን እዮም: ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ: . . . ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስዉን እዮም: ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።”—ጸፎንያስ 3:13
ፍቕሪ ዘለዋ ኣገዳሲ ግደ
ካብተን ጳውሎስ ዝጠቐሰን ፍረ መንፈስ እታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ ምዃና ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ብዙሕ ይገልጽ ኢዩ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ልክዕ ኢዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍጹማት ኣይኰኑን። ሓድሓደ ግዜ ከም ኣብ መንጎ ናይ የሱስ ሃዋርያት ዘጋጥም ዝነበረ ኣብ መንጎኦም ዘይምስምማዕ ይፍጠር ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ንሓድሕዶም ሓቀኛ ፍቕሪ ኣላቶም: ነዛ ባህርይ እዚኣ ከማዕብሉ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽሕግዞም ድማ ይጽልዩ ኢዮም።
ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሕብረቶም ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ኣብ መንጎኦም ቀቢላውነት ወይ ዝጐጃጅል ሃገራውነትን የለን። አረ ብሓቂ ኽርአ ኸሎስ: ኣብ ምዝዛም መበል 20 ዘመን ኣብተን ዓሌታዊ ምጽራይን ጃምላዊ ቕትለትን እተፈጸመለን ቦታታት ዝነበሩ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኵነታት እውን ከይተረፈ ሓደ ነቲ ሓደ ኣዕቚቦም ኢዮም። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” እተኣከቡ እኳ እንተዀኑ: እንተ ዘይጥዒምካዮ ክትርድኦ ዘጸግም ሓድነት ኣለዎም።—ራእይ 7:9
ኣብቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ዘሎ ገነት
ኣብ መንፈሳዊ ገነት ንስስዐ: ዘይስነ-ምግባራውነት: ከምኡውን ንቕጥዒ ዘይብሉ ህርፋን ቦታ የብሉን። ንክርስትያናት እዚ ዝስዕብ ኢዩ ተነጊርዎም:- “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 12:2) ንጹህን ስነ-ምግባራውን ናብራ ምስ እንነብር ከምኡውን ብኻልእ መገድታት ፍቓድ ኣምላኽ ምስ እንገብር: ነቲ መንፈሳዊ ገነት ኣብ ምህናጽ ንሕግዝ: ዝያዳ ሓጐስ ድማ ንረክብ። ካርላ ነዚ ሓቂ ዀይኑ ረኺባቶ ኢያ። ንሳ ከምዚ በለት:- “ኣቦይ ርእሰይ ምእንቲ ክኽእል ጻዕራም ክኸውን ምሂሩኒ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝወሰድክዎ ትምህርቲ ብመጠኑ ድሕንነት ከም ዝስምዓኒ እኳ እንተ ገበረ: እቲ ቓል ኣምላኽ ካብ ምፍላጥ ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ሓድነት ስድራቤትን ድሕንነትን ግን ኣይረኸብኩን።”
ልክዕ ኢዩ: መንፈሳዊ ገነት ምስትምቓር ነዚ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ስጋዊ ጸገማት ኣየወግዶን ኢዩ። ሕጂ መዝሙር 55:22፣ 86:16, 17) ኣብ ‘ርባርባ ድነ ሞት’ እኳ እንተዀነ ኣምላኽ ምስ ኣምለኽቱ ክኸውን ምዃኑ ተማባጺዑ ኢዩ። (መዝሙር 23:4) ኣምላኽ ንኽድግፈና ድሉው ከም ዝዀነ ምትእምማንና ነቲ መፍትሕ መንፈሳዊ ገነት ዝዀነ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንኽንዕቅብ ይሕግዘና ኢዩ።—ፊልጲ 4:7
እውን ክርስትያናት ይሓሙ ኢዮም። ኣብታ ዝነብሩላ ሃገር ናዕቢ ይህሉ ይኸውን። ብዙሓት ብድኽነት ይሳቐዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተድኣ ኣሎና ዀይኑ—እዚ ኸኣ ወሳኒ ኽፍሊ መንፈሳዊ ገነት ኢዩ—ሓገዝ ምስ እንደሊ ኣብኡ ኽንውከል ኢና። እወ: ‘ጾርና ናብኡ ኽንድርብዮ’ ይዕድመና ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ብዘደንቕ መገዲ ከም ዝደገፎም ክምስክሩ ይኽእሉ ኢዮም። (ንመንፈሳዊ ገነት ኣበርክቶ ምግባር
ብዙሓት ሰባት ናብ መናፈሻ ወይ ስፍራ ኣታኽልቲ ምኻድ ባህ ይብሎም ኢዩ። ኣብኡ ኸይዶም ብእግሮም ምዝዋር ወይ ድማ ኮፍ ኢሎም ነቲ ኸባቢ ክዕዘቡ ይደልዩ ኢዮም። ብተመሳሳሊ መገዲ: ብዙሓት ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባር ባህ ይብሎም ኢዩ። ነቲ ሕውነት: ዘሐድስ: ሰላማዊ: ከምኡውን ፈዋሲ ዀይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። እንተዀነ ግን: ሓደ ጽቡቕ ስፍራ ኣታኽልቲ ከይተበላሸወ ክቕጽል እንተድኣ ዀይኑ ክንክን የድልዮ ኢዩ። ብተመሳሳሊ እውን: ኣብዛ ገነት ዘይኰነት ዓለም መንፈሳዊ ገነት ክህሉ ዝኸኣለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝከናኸንዎን ኣምላኽ ንጻዕርታቶም ስለ ዝባርኾን ኢዩ። እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ነዚ ገነት እዚ ትርጕም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
ብቐዳምነት: ምስ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብር: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር: ከምኡውን ነቲ መሰረት መንፈሳዊ ገነት ዝዀነ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጥርዮ ኣሎካ። ካርላ “መንፈሳዊ መግቢ እንተ ዘየልዩ መንፈሳዊ ገነት የለን” በለት። እዚ ድማ ስርዓታዊ ዄንካ ቃል ኣምላኽ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ምስትንታንን ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ እትረኽቦ ፍልጠት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከቕርበካ ኢዩ: ከተፍቅሮ እውን ኢኻ። ብጸሎት ናብኡ ምቕራብ ከምኡውን ፍቓዱ ኽትገብር ከሎኻ መምርሒታቱ ንኽህበካን ብመንፈሱ ንኽድግፈካን ምሕታት ክትማሃር ኢኻ። የሱስ ብቐጻሊ ኽንጽሊ ነጊሩና ኢዩ። (ሉቃስ 11:9-13) ሃዋርያ ጳውሎስ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” በለ። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ኣምላኽ ከም ዝሰምዓካ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን ብጸሎት ናይ ምዝራብ መሰል ኣገዳሲ ክፍሊ መንፈሳዊ ገነት ኢዩ።
ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ህይወትካ በቲ እትማሃሮ ነገር እናተማሓየሸ ክኸይድ ኢዩ: ብድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ ንሰባት ክትዛረብ ድሌት ክሓድረካ ኢዩ። ሽዑ ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ትእዛዝ የሱስ ከተኽብር ኢኻ:- “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴዎስ 5:16) ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዘሎካ ፍልጠት ንኻልኦት ምክፋልን ነቲ ንሳቶም ንደቅሰብ ዘርኣይዎ ዓቢ ፍቕሪ ምውዳስን ዝያዳ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ።
ኵላ ምድሪ ቓል ብቓሉ ገነት ማለት ካብ ብከላ ናጻ ዝዀነት ስፍራ ኣታኽልትን ንእሙናት ደቅሰብ እትበቅዕ መንበሪትን እትዀነሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” መንፈሳዊ ገነት ምህላዉ መረጋገጺ ናይ ሓይሊ ኣምላኽ ከምኡውን ኣብ መጻኢ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእልን እንታይ ከም ዝገብርን ዘርኢ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1
ሕጂ እውን እንተዀነ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዘለዉ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 49:10 ብኸምዚ ዝስዕብ መገዲ ተገሊጹ ዘሎ መንፈሳዊ ዅነታት ኣብ ህይወቶም ይርእይዎ ኣለዉ:- “እቲ ዚርሕርሓሎም ኪመርሖም: ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ኬብጽሖም እዩ እሞ: ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡንውን እዮም: ሃሩር ወይስ ጸሓይ ኣይኪጐድኦምን እዩ።” ዡዘ እዚ ሓቂ ምዃኑ ይምስክር ኢዩ። ህቡብ ሙዚቀኛ ክኸውን ኢዩ ዝምነ ነይሩ: እንተዀነ ግን ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓቢሩ ንኣምላኽ ምግልጋል ዝያዳ ዘዕግብ ኰይኑ ረኸቦ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሕጂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኢየ ዘሕልፍ ዘለኹ። ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ሕውነት ድሕንነት ይስምዓኒ: የሆዋ ኸኣ ክንውከሎ ዘሎና ፈቃር ኣቦ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ።” ሓጐስ ዡዘን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባትን ኣብ መዝሙር 64:10 ብጽቡቕ ተገሊጹ ኣሎ:- “ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ: ኣብኡ ኸኣ ኪውከል [ኢዩ]።” መንፈሳዊ ገነት ኣየ ብኸመይ ዝበለ ዘደንቕ መገዲ ዀን ኢዩ ተገሊጹ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ሓቂ ሰባት ኢዮም: ገሊኡ ኣስማት ግን ተቐይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ንመንፈሳዊ ገነት እናስተማቐርና ከነስፍሖ ክንጽዕር ኣሎና!