ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሉእ ህይወተይ የሆዋ ኢዩ ሓብሒቡኒ

ምሉእ ህይወተይ የሆዋ ኢዩ ሓብሒቡኒ

ታሪኽ ህይወት

ምሉእ ህይወተይ የሆዋ ኢዩ ሓብሒቡኒ

ፎረስት ሊ ዘዘንተዎ

ኣባላት ፖሊስ ንግራማፎንናን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትናን ገበትዎ። ተጻረርቲ ብኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣሳቢቦም ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ንኽእውጅ ነቲ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ካናዳ ኣእመንዎ። እዚ ብ4 ሓምለ 1940 ኢዩ ተፈጺሙ።

 በዚ ከይተደሃልና ተወሳኺ ጽሑፋት ካብቲ ተኸዚንሉ ዝነበረ ቦታ ኣምጻእና እሞ ስብከትና ቐጸልና። ነተን ኣብቲ እዋን እቲ “የሆዋ ኢዩ ክንሰብኽ ኣዚዙና: በዝን ወዲ ኸምዝን ምስባኽ ደው ኣይነብልን ኢና” ብምባል ኣቦይ እተዛረበን ቃላት ኵሉ ግዜ ኢየ ዝዝክረን። ሽዑ ዱጭ ዱጭ ዝብል ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ እኳ እንተ ነበርኩ: ሕጂውን እንተዀነ እቲ ኣቦይ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቘራጽነትን ቅንእን የሆዋ ኣምላኽ ንእሙናቱ ኸም ዝሕብሕቦም ዘይፈሓቝ መዘኻኸሪ ኢዩ።

ኣባላት ፖሊስ ድሕርዚ ዅነታት እዚ ሓደ እዋን ደው ኣበሉና: ሽዑ ጽሑፋትና ጥራይ ኣይኰኑን ወሲዶም ነቦይውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖምዎ ኢዮም: ኣደይ ድማ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ንበይና ተረፈት። እዚ ኣብ መስከረም 1940 ኣብ ሳስካቸዋን ዘጋጠመ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልናይ ብምስዓበይ ከምኡውን ንባንዴራ ሰላምታ ብዘይምሃበይ ወይ ከኣ ሃገራዊ መዝሙር ብዘይምዝማረይ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐጕኩ። ትምህርተይ ብምልእኣኽ ብምቕጻለይ ንግዜይ ብዝደለኽዎ መደብ ክጥቀመሉ ዘኽእለኒ ኣጋጣሚ ረኸብኩ: እዚ ኸኣ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዝያዳ መሊአ ክሳተፍ ኣኽኢሉኒ ኢዩ።

እቶም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ካናዳ ኸይዶም ከገልግሉ ብ1948 ጻውዒት ተገብረ። ስለዚ ኣብ ሃለፋክስ: ኖቫ ስኮሻ: ከምኡውን ኣብ ኬፕ ዉልፍ ናይታ ፕሪንስ ኤድዋርድ ተባሂላ እትጽዋዕ ደሴት ከገልግል ተበገስኩ። ንዓመትኡ ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽልተ ሰሙን ክሰርሕ ተጸዋዕኩ እሞ ኸድኩ። ወዮ ንኽልተ ሰሙን ዝኸድኩ ሽዱሽተ ዓመት ገበርኩ: እተን ዓመታት እቲአን ከኣ ብዙሕ ዓስቢ ዘለወን ናይ ኣገልግሎት እዋን ኢየን ነይረን። ድሕሪ ገለ ግዜ ምስ ሓንቲ ኸምዚ ናተይ ዝበለ ፍቕሪ የሆዋ ዘለዋ ማርና እትበሃል ተፋለጥኩ እሞ ታሕሳስ 1955 ተመርዓና። ኣብ ኦንታርዮ ኸተማ ሚልተን ድማ ክንነብር ጀመርና: ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ኣብኡ ሓንቲ ጉባኤ ቈመት። እቲ ናይ ገዛና ትሕቲ መሬት ከኣ ኣደራሽ መንግስቲ ዀነ።

ኣገልግሎትና ንኸነስፍሕ ዝነበረና ድሌት

ስዒበን ኣብ ዝነበራ ዓመታት ኣብ ርእሲ ርእሲ ሽዱሽተ ቘልዑ ወለድና። ሚርያም በዅሪ ጓልና ኢያ። ደድሕሪኣ ሻርመይን: ማርክ: ኣነት: ግራንት: ከምኡውን ግለን ተወልዱ። ካብ ስራሕ ተመሊሰ ገዛ ኽመጽእ ኸለኹ መብዛሕትኡ ግዜ ማርና ነቶም ንኣሽቱ ኣብ ምድሪ ቤት ኣብ ዙርያ መጋርያ ሓዊ ኾፍ ኣቢላ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሎምን ክትገልጸሎምን ከምኡውን ኣብ ልቦም ፍቕሪ የሆዋ ክትቀርጸሎም ትጸንሓኒ ነበረት። ሳላ እቲ ፍቕራዊ ደገፋ ዅሎም ደቅና ኣብቲ ዕሸል ዕድሚኦም እኹል ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ከጥርዩ ኽኢሎም ኢዮም።

ኣቦይ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኢ ኣብ ኣእምሮይን ልበይን ዘይሃስስ ጦብላሕታ ሓዲጉ ኢዩ። (ምሳሌ 22:⁠6) ስለዚ ድማ ኢያ ብ1968 ስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ብምኻድ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ሓገዘን ከበርክታ ዕድመ ምስ ቀረበ ስድራቤትና ነቲ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ድሌት ዘሕደረት። ኣብቲ እዋን እቲ ደቅና ኻብ 5 ክሳዕ 13 ዓመት ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ኢዮም ዝርከቡ ነይሮም: ሓደ ኻባናውን እንተዀነ ቋንቋ ስጳኛ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ብመሰረት እቲ እተዋህበ መምርሒ ነቲ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝነበረ ኵነታት መነባብሮ ንምዕዛብ ከድኩ። ድሕሪ መገሻይ ነቲ ዝነበረና ኣማራጺታት ኣብ ግምት ብምእታው ብስድራቤት ደረጃ ነቲ ጕዳይ ጸለናሉ እሞ ናብ ኒከራግዋ ኽንከይድ ወሰንና።

ኣብ ኒከራግዋ ዝነበረ ኣገልግሎት

ጥቅምቲ 1970 ኢና ግዒዝና: ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ድማ ኣብቲ ፕሮግራም ናይ ጉባኤ ኣኼባ ሓንቲ ሓጻር ክፍሊ ተዋህበትኒ። ነታ ኽፍሊ ደርገፍገፍ እናበልኩ ብቛንቋ ስጳኛ ኣቕረብኩዋ እሞ ኣብ መደምደምታ ኸኣ ንምልእቲ ጉባኤ ቀዳም ሰዓት 9:30 ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ገዛና ንሰርቬሳ ኽትመጽእ ዓደምኩዋ። ኣነ ነታ ንግራት ኣገልግሎት እተመልክት ሰርቪስዮ እብል ኣለኹ ኢለ ኢየ ኵሎም መጺኦም ቢራ ኽሰትዩ ዝዓደምክዎም። ነቲ ቛንቋ ምጽንዑ ብሓቂ በዳሂ ኢዩ ነይሩ!

ኣብ ፈለማ ንኣቀራርባይ ኣብ ኢደይ እጽሕፎ እሞ ናብታ ዝዅሕኵሓ ገዛ ቅድሚ ምብጽሐይ እለማመደሉ ነበርኩ። “በዛ መጽሓፍ እዚኣ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ” ድማ እብሎም ነበርኩ። ሓደ ነዚ ዕድመ እዚ እተቐበለ ሰብ ጸኒሑ ነቲ ኽብሎ ዝጽዕር ዝነበርኩ ነገራት እንታይ ምዃኑ ንምግንዛብ ናብ ኣኼባታትና ኽመጽእ ምዃኑ ነገረኒ። እዚ ሰብኣይ እዚ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኢዩ። እዝስ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ኣፍልጦ ሂብሉ ዘሎ ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ኣልባብ ትሑታት ሰባት ከም ዝበቍል ዝገብሮ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ከመይ ዝበለ መርትዖ ዀን ኢዩ!​—⁠1 ቈረንቶስ 3:⁠7

ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት መናጓ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምግባርና ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ኒከራግዋ ኽንግዕዝ ተሓተትና። ኣብኡ ድማ ኣብታ ኣብ ሪቫስ ዝነበረት ጉባኤ ከምኡውን ኣብተን ምሕድግ ኣብ ዝበለ ቦታታት ዝነበራ ብተገደስቲ ሰባት ዝቘማ ጕጅለታት ንዓዪ ነበርና። ነዘን ጕጅለታት እዚኣተን ክንበጽሐን ከሎና ሓደ ፔትሮ ፔንያ እተባህለ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ናይ የሆዋ ምስክር የሰንየኒ ነበረ። ሓንቲ ኻብዘን ጕጅለታት እዚኣተን ኣብታ ኣብ ቀላይ ኒከራግዋ እትርከብ እሳተ⁠-​ጎመራዊት ደሴት ኢያ ነይራ: ኣብኡ ድማ ሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራቤት ነበረት።

እዛ ስድራቤት እዚኣ ሽሕኳ ብስጋ ድኻ እንተ ነበረት: ነቲ ዝገበርናዮ ምብጻሕ ዘለዋ ሞሳ ንምግላጽ ፋሕተርተር ኢላ ኢያ። ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጻሕናላ ምሸት መግቢ ተዳልዩ ኢዩ ጸኒሑና። ሓደ ሰሙን ዝኸውን ድማ ቐነና: መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ፍቕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ሰባት ካብ መግቦም ኣካፊሎምና ኢዮም: ብሓቂ ተፈተውቲ ኢዮም። ሰንበት ኣብ እተገብረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ህዝባዊ ዝርርብ 101 ሰባት ምእካብና ኣሐጒሱና ኢዩ።

ኣብ ሓደ ኻልእ ኣጋጣሚ ኣብ ጥቓ ዶብ ኮስታ ሪካ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ንዝነበረ ናይ ተገደስቲ ሰባት ጕጅለ ንኽንበጽሕ ኣብ እንዳለወሉ ዝነበርና ግዜ ነቲ ናይ የሆዋ ሓብሓቢ ሓይሊ ተመኲረዮ ኢየ። ኣብታ ኽንብገሰላ ዝነበረና ዕለት ፔትሮ ክማልኣኒ መጸ እሞ: ዓሶ ሒዙኒ ደቂሰ ጸናሕክዎ። “ክኸይድ ኣይክእልን ኢየ ፔትሮ” ድማ በልክዎ። ኢዱ ኣብ ግምባረይ ድሕሪ ምግባሩ “ብርቱዕ ረስኒ ኢዩ ዘሎካ: ክትከይድ ግን ኣሎካ! ኣሕዋት ይጽበዩና ኢዮም ዘለዉ” በለኒ። ነታ ሓንቲ ኻብተን ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝሰማዕክወን ልባዊ ጸሎት ከኣ ጸለየ።

ድሕርዚ “ዓሰርተ ደቒቕ በል ተጸበየኒ: ክሳዕ ሽዑ ፍሬስኮ (ጽማቝ ፍሩታ) ስተ” በልክዎ። ኣብቲ ኸባቢ ንዝነብራ ክልተ ናይ የሆዋ ምስክር ስድራቤታት ድማ በጻሕናየን: ንሳቶም ከኣ ብግቡእ ተኸናኺኖምና ኢዮም። ሽሕኳ ረስኒ ኣድኪሙኒ እንተ ነበረ: ንጽባሒቱ ምስኦም ከነገልግል ኬድና ኢና። ኣብቲ ናይ ሰንበት ኣኼባና ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ምስ ተኣከቡ ብሓቂ ተጸናኒዕና ኢና!

ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝ

ብ1975 እቲ ቮን እተሰምየ ሻብዓይ ወድና ተወልደ። ንዓመትኡ ብምኽንያት ዋሕዲ ገንዘብ ንካናዳ ኽንምለስ ተገደድና። ኣብ ኒከራግዋ ኣብ ዝጸናሕናሉ እዋን ነቲ ሓብሓቢ ዝዀነ ሓይሊ የሆዋ ተመኲርናዮ ስለ ዝነበርና ካብታ ዓዲ ምውጻእ ቀሊል ኣይነበረን። ሽዑ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ኣብቲ ናይ ጉባኤና ዞባ ዝርከቡ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ይእከቡ ነበሩ።

ቅድሚኡ ኣነን ሚርያም ጓልናን ኣብ ኒከራግዋ ፍሉያት ፓይነራት ንኽንከውን ክንምዘዝ ከሎና: ሚርያም “ባባ: ምናልባት ንካናዳ እንተ ተመለስካ: ኣብዚ ኽተርፍ ትፈቕደለይ ዲኻ፧” ኢላ ሓቲታትኒ ነበረት። ንካናዳ ምምላስ ምንም ዝወጠንክዎ ጕዳይ ስለ ዘይነበረ “ከመይ ደኣ: እፈቕደልኪ እወ!” ኢለያ ነበርኩ። ስለዚ ኽንምለስ ከሎና ሚርያም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ኽትቅጽል ሓደግናያ። ድሕሪ ገለ ግዜ ንኣንድሪው ሪድ ዝበሃል ተመርዓወት። ብ1984 መበል 77 ክፍሊ ጊልዓድ ናይቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዝነበረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ተኻፈሉ። ሕጂ ንሳን በዓል ቤታን ኣብ ሪፑብሊክ ዶመኒካን የገልግሉ ብምህላዎም ነቲ በቶም ኣብ ኒከራግዋ ዝነበሩ ንፉዓት ሚስዮናውያን እተተኽለ ድሌታ ተዕግቦ ኣላ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን እቲ “በዝን ወዲ ኸምዝን ምስባኽ ደው ኣይነብልን ኢና” ዝብል ቃላት ኣቦይ ገና ኣብ ልበይ ይቃጸል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ናብ ማእከላይ ኣመሪካ ንምግዓዝ እኹል ገንዘብ ምስ ኣዋህለልና ብ1981 ንኮስታ ሪካ ኸድና። ኣብኡ ኸነገልግል ከሎና ድማ ኣብቲ ዝሃንጽዎ ዝነበሩ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክንዓዪ ተዓደምና። ብ1985 ግን ግራንት ወድና ክሕከም ስለ ዝነበሮ ንካናዳ ተመለስና። ግለን ኣብቲ ፕሮጀክት ህንጻ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክዓዪ ኽተርፍ ከሎ ኣነትን ሻርማይንን ድማ ፍሉያት ፓይነራት ኰይነን የገልግላ ነበራ። ክንብገስ ከሎና ድሕሪ ደጊም ናብ ኮስታ ሪካ ኣይንምለስን ኢና ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን።

ጸገም ኣጋጠመ

ዕለት 17 መስከረም 1993 ክወግሕ ከሎ ኣትሒዙ በርሃው ዝበለ መዓልቲ ኢዩ ነይሩ። ምስቲ ዓቢ ወድና ማርክ ኰይነ ኣብ ዝባን ናሕሲ ተርኒኽ እሽፍን ነበርኩ። ጐድኒ ንጐድኒ ዄንና እናሰራሕና ኸም ልማድና መንፈሳዊ ነገራት ነዕልል ነበርና። ከም ገለ ኢለ ግን ሚዛነይ ሰሓትኩ እሞ ካብ ዝባን ናሕሲ ወደቕኩ። ሃለዋተይ ፈሊጠ ቍሊሕ እንተ በልኩ ግን ድሙቕ መብራህትታትን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ሰባትን ረኣኹ። ኣብ ሆስፒታል ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ኢየ ነይረ።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ፈለማ መልሰ⁠-​ግብረይ “ደም ኣይወስድን ኢየ!” ዝብል ብትኽ ዝበለ ኣቕዋም ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) ሻርመይን “ኣጆኻ ኣቦይ: ኵልና ኣብዚ ኣሎና” ምስ በለትኒ ግን ልበይ ኣውደቕኩ። እቶም ሓኻይም ነቲ ናይ ሕክምና ሰነደይ ስለ ዝረኣይዎ ደም ብዙሕ ዘከራኽር ጕዳይ ከም ዘይነበረ ዳሕራይ ፈለጥኩ። ክሳደይ ተሰይሩ ምሉእ ብምሉእ ለሚሰ ነበርኩ: ብዘይ ሓገዝ እውን ከተንፍስ ኣይክእልን ኢየ ነይረ።

ኣብ ዓራት ተደኒሰ ብምትራፈይ ከኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ምሕብሓብ የሆዋ ኣድለየኒ። እቲ መተንፈሲ ሻምብቆ ንኽስኳዓለይ እተገብረ ትሬክዮቶሚ ዝበሃል መጥባሕቲ ንላንቃይ ዓጽይዎ ብምንባሩ ክዛረብ ኣይክእልን ኢየ ነይረ። ካልኦት ነቲ ኽብሎ ዝደሊ ዝነበርኩ ነገራት ካብ ምንቅስቓስ ከናፍረይ ኢዮም ክርድእዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ።

ንሕክምና ዝገብሮ ዝነበርኩ ወጻኢታት እናወሰኸ ኸደ። በዓልቲ ቤተይን መብዛሕትኦም ደቀይን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምንባሮም: ወጻኢታት ናይ ምሽፋን ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸየቋርጽዎ እጭነቕ ነበርኩ። ይኹን እምበር: ማርክ ንዝበዝሕ ካብዚ ወጻኢታት እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንምሽፋን ዘኽእል ስራሕ ረኸበ። በዚ ኸምዚ ድማ ብዘይካ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኵላቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ከኣሉ።

ካብ ሽዱሽተ ሃገራት እተላእከ ብኣማእታት ዝቝጸር ካርተሊናታትን ደብዳበታትን ንመናድቕ እታ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰላ ዝነበርኩ ክፍሊ ኣጻቢብዋ ነበረ። የሆዋ ብርግጽ ይሕብሕበኒ ኢዩ ነይሩ። እታ ጉባኤ እውን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምና ዝጸናሕክሉ ሓሙሽተ ወርሕን ፈረቓን ንእተወሰነ ግዜ ንስድራቤተይ ዝኸውን ቀለብ ብምስንዳእ ሓገዛ ወፍያ ኢያ። ኵሉ ግዜ ድሕሪ ቐትሪ ሓደ ካብቶም ክርስትያን ሸማግለታት ምሳይ ግዜ ብምሕላፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን መጽሓፍ ቅዱስን የንብበለይ ከምኡውን ዘተባብዕ ተመክሮታት የዘንትወለይ ነበረ። ክልተ ኣባላት ስድራቤተይ ንዅሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምሳይ ኰይኖም ይዳለውሉ ነበሩ: ስለዚ እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ኣምሊጡኒ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ገና ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ንምክፋል ምድላዋት ተገይሩለይ ነበረ። ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማትን ሓንቲ ናይቲ መተንፈሲ መሳርሒ ክኢላን ምሳይ ክውዕላ በቲ ሆስፒታል ተመደባ። ምስ ክርስትያናት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክጽምበር ብምኽኣለይስ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ! ሰላም ንኽብሉኒ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ተሰሪዖምሉ ንዝነበረ ህሞት ፍጹም ኣይርስዖን ኢየ።

መንፈሳውነት ምዕቃብ

እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ናብ ስድራቤተይ ተመለስኩ: እንተዀነ ግን 24 ሰዓት ምሉእ ኣላዪ ዘድልየኒ ሕሙም ኢየ ነይረ። ንኣኼባታት ብሓንቲ ፍሉይ መሳለጥያታት ዘለዋ ማኪና ኢየ ዝኸይድ: ዳርጋ ኣብኲረ ኸኣ ኣይፈልጥን ኢየ። ንምኻድ ግን ቈራጽነት ከም ዝሓትት ክእመነሉ ዘሎኒ ጕዳይ ኢዩ። ምስ ስድራቤተይ ካብ ዝኸውን ጀሚረ ኣብ ኵሉ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ክካፈል ክኢለ ኢየ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ለካቲት 1997 ብእተወሰነ ደረጃ ኽዛረብ ከኣልኩ። ገለ ኻብተን ዝኣልያኒ ዝነበራ ኣለይቲ ሕሙማት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋይ ክነግረን ከሎኹ ብሞሳ ጽን ኢለን ኢየን ዝሰምዓኒ ነይረን። ሓንቲ ኣላይት ሕሙማት ንብምልእቲ እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍን ካልእ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ኣንቢባትለይ ኢያ። ሽንጫር ተጠቒመ ኢየ ብኮምፒዩተር ምስ ሰባት ዝረዳዳእ። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ኣብ ኮምፒዩተር ምጽሓፍ ኣዝዩ ዘሰልኪ እኳ እንተዀነ: ኣገልግሎተይ ክቕጽል ምኽኣለይ ግን ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ።

ናይ መትኒ ቓንዛ ብዙሕ ኢዩ ዘሳቕየኒ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ክነግሮም ከሎኹ ወይ ከኣ ነቶም ዘንብቡለይ ክሰምዖም ከሎኹ ግን ፍዅስ ኢዩ ዝብለኒ። ሓድሓደ ግዜ እውን ምስታ ደጋፊተይ ዝዀነት በዓልቲ ቤተይ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት እጽመድ ኢየ: ሓገዝ ከድልየኒ ኸሎ ነቲ ኽብሎ ዝደልዮ ሓሳብ ኣነጺራ ትነግረለይ ኢያ። ኣብ እተፈላለየ እዋናት ሓጋዚ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ክኢለ ኢየ። ክርስትያን ሽማግለ ዀይነ አገልግል ብምህላወይ ሓጐስ ይስምዓኒ ኢዩ: ብፍላይ ኣሕዋት ኣብ ኣኼባታት ቀሪቦም ከዛራርቡኒ ኸለዉ ወይ ድማ ንገዛ ኽበጽሑኒ ምስ መጹ ክሕግዞምን ከተባብዖምን ባህ ኢዩ ዝብለኒ።

ጭንቀት ብቐሊሉ ኸም ዝስምዓኒ ክእመነሉ ዘሎኒ ጕዳይ ኢዩ። ስለዚ እተደቘስኩ ዀይኑ ክስምዓኒ ኸሎ ብኡንብኡ ኢየ ሓጐስ ምእንቲ ኽረክብ ዝጽሊ። የሆዋ ብቐጻሊ ምእንቲ ኽሕብሕበኒ ለይትን መዓልትን ኢየ ዝጽሊ። ደብዳበ ወይ ድማ ዝበጽሕ ሰብ ክመጽኣኒ ኸሎ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢየ ዝብል። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ድማ ንቕሑ! ከንብብ ከሎኹ ኣእምሮይ ብሃናጺ ሓሳብ ኢዩ ዝመልእ። ሓድሓደ ግዝያት ኣለይቲ ሕሙማት ነዚ መጽሔታት እዚ የንብባለይ ኢየን። ሓደጋ ኻብ ዘጓንፈኒ ግዜ ጀሚሩ ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብካሴት ሸውዓተ ግዜ ሰሚዐዮ ኢየ። እዚ ኸኣ ገለ ኻብቲ የሆዋ ንዓይ ዝሕብ​ሕበሉ ዘሎ መገድታት ኢዩ።​—⁠መዝሙር 41:⁠3

እዚ ዘለዅዎ ኵነታት ብዛዕባ እቲ ዓቢ መምህርና የሆዋ ንህይወት ከም እንበቅዕ ገይሩ ንዓና ዝምህረሉ ዘሎ መገድታት ንኸስተንትን እኹል ግዜ ሂቡኒ ኢዩ። ብዛዕባ ፍቓዱን ዕላምኡን ርጡብ ፍልጠት: ትርጕም ዘለዎ ኣገልግሎት: መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ንምርካብ ዝሕግዝ ምኽሪ: ከምኡውን ጸገም ከጋጥም ከሎ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ንኽትፈልጥ ዘኽእል ምስትውዓል ይህበና ኢዩ። የሆዋ እምንትን ፍትውትን በዓልቲ እንዳ ብምሃብ ባሪኹኒ ኢዩ። ደቀይ ብተኣማንነት ደጊፎምኒ ኢዮም: ኵላቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምጽማዶም ድማ ሕጉስ ኢየ። ብዕለት 11 መጋቢት 2000 ወድና ማርክ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣሊይሰን ካብ መበል 108 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቖም ኒከራግዋ ተመዲቦም ኣለዉ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ⁠-​ስርዓት ክንካፈል ክኢልና ኢና። ብሓቂ ጸገም ንናብራ ህይወተይ ለዊጥዎ እኳ እንተዀነ ንልበይ ግን ኣይለወጦን።​—⁠መዝሙር 127:⁠3, 4

ነቲ እተቐበልክዎ መንፈሳዊ ውርሻ ንስድራቤተይ ከውርሶም ዘኽኣለኒ ጥበብ ስለ ዝሃበኒ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ። ደቀይ ልክዕ ከም ኣቦይ “የሆዋ ኢዩ ክንሰብኽ ኣዚዙና: በዝን ወዲ ኸምዝን ምስባኽ ደው ኣይነብልን ኢና” ዝብል ኣረኣእያ ሒዞም ፈጣሪኦም ከገልግሉ ክርኢ ኸለኹ እጸናናዕን እተባባዕን ኢየ። ብርግጽ: የሆዋ ንዓይን ንስድራቤተይን ካብ ምሕብሓብ ዓዲ ኣይወዓለን።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ኣሕዋተይን ሓብተይን ኣብ ጥቓ እታ ፓይነር ከለና እንጥቀመላ ዝነበርና ተጐታቲት ገዛና ምስ ኣቦና ኸሎና። ኣነ ብወገን የማን ኣሎኹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ማርና በዓልቲ ቤተይ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ስድራቤትና እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ገና ሕጂውን ብደብዳበ ምስክርነት እህብ ኢየ