ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሲሪልን ሜቶዲየስን ፊደል ዝመሃዙ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ሲሪልን ሜቶዲየስን ፊደል ዝመሃዙ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ሲሪልን ሜቶዲየስን ፊደል ዝመሃዙ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ

“ክርስትና እተቐበለ ህዝቢ ዘሎና ኽነስና መምህር ግን የብልናን። ግሪኽ ኰነ ላቲን ኣይንፈልጥን ኢና። . . . ፊደላትን ኣጠቓቕምኦምን ኣይንፈልጥን ኢና፣ ስለዚ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ቃላትን ትርጕሙን ዘረድኡና መማህራን ስደዱልና።” —⁠ራስቲስላፍ: መስፍን ሞራቪያ: 862 ከ.ኣ.ዘ.

 ሎሚ እቲ ስላቫዊ ቛንቋታት ዝዛረብ ልዕሊ 435 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ በብልሳኑ ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎ። a ካብዚኣቶም እቶም 360 ሚልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ብሲሪላዊ ፊደላት ዝጸሓፍ ቋንቋ ኢዩ ዘለዎም። እንተዀነ ግን: 12 ዘመናት ይገብር ዝነበሩ ኣባሓጎታቶም ይትረፍዶ ጽሑፍሲ ፊደላት ዝነበሮ ላህጃ እኳ ኣይነበሮምን። ሲሪልን ሜቶዲየስን እተባህሉ ቆመና ኣሕዋት ግን ነዚ ጸገም እዚ ኣብ ምፍታሕ ሓገዞም ኣበርኪቶም ኢዮም። እዞም ክልተ ኣሕዋት እዚኣቶም ዝገበርዎ ተባዕን ምህዞኣውን ጻዕርታት ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምዕቃብን ዝርጋሐኡ ንምድንፋዕን እተኻየደ ጕዕዞ ታሪኽ ዘደንቕ ምዕራፍ ከም ዝኸፈቱ ኣፍቀርቲ ቓል ኣምላኽ ዝግንዘብዎ ሓቂ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም ነይሮም: ከመይ ዝበለ ዕንቅፋታትከ ኣጓነፎም፧

“እቲ ፈላስፋ” ከምኡውን እቲ ኣመሓዳሪ

ሲሪል (ካብ 827 ክሳዕ 869 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኣብ ፈለማ ብቆንስጣንጢኖስ ዝፍለጥ ዝነበረ) ከምኡውን ሜቶዲየስ (ካብ 825 ክሳዕ 885 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ) ካብ ቤተ⁠-​ልኡላን ኣብ ግሪኽ ኣብ ከተማ ተሰሎንቄ ኢዮም ተወሊዶም። ተቐማጦ ተሰሎንቄ ቋንቋ ግሪኽን ቋንቋ ስላቭ ዝዓይነቱ ልሳንን ዝዛረቡ ብምንባሮም: ክልተ ቛንቋታት ዝዝረበላ ኸተማ ኢያ ነይራ። ኣብታ ኸተማ ብዙሓት ስላቫውያን ብምንባሮምን ኣብ መንጎ እቶም ነባሮ ናይ ቀረባ ርክብ ብምንባሩን: ከምኡውን ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ናይ ስላቫውያን ማሕበረሰባት ብምንባረን ሲሪልን ሜቶዲየስን ቋንቋ ናይቶም ብሸነኸ ደቡብ ዝነበሩ ስላቫውያን ብቐሊሉ ኽፈልጥዎ ኣጋጣሚ ረኺቦም ኢዮም። አረ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት ሜቶዲየስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎስ ኣዲኦም ስላቫዊ መበቈል ዝነበራ ኢያ።

ሲሪል ደድሕሪ ሞት ኣቦኡ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊ መንግስቲ ባይዘንታይን ዝነበረት ኮስታንቲኖፓል ገዓዘ። ኣብታ ኸተማ ድማ ኣብቲ ሃጸያዊ ዩኒቨርሲቲ ይማሃርን ምስ ውሩያት መማህራን ይሓብርን ነበረ። ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ ኤያ ሶፍያ ዝበሃል ህንጻ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከኣ ሰራሕተኛ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ: ጸኒሑ ኸኣ ፕሮፈሰር ፍልስፍና ዀነ። አረ በቲ በጺሕዎ ዝነበረ ደረጃ ፍልጠትስ “ፈላስፋ” ዝብል ሳጓ ወጺእዎ ነይሩ ኢዩ።

ሜቶዲየስ ድማ ብወገኑ ናይ ኣቦኡ ሞያ​—⁠ፖለቲካዊ ምምሕዳር​—⁠ኢዩ ሒዙ ነይሩ። ኣብታ ብዙሓት ስላቫውያን ዝነበሩዋ ኣብ ዶብ ግዝኣት ባይዘንታይን ዝነበረት ወረዳ ኸኣ መዓርግ ጭቅነት (ኣመሓዳሪ) ረኺቡ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ቢቲንያ እትበሃል ዓዲ ዝርከብ ገዳም ኣትዩ ኢዩ። ብ855 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ሲሪል ተጸምቢርዎ ኢዩ።

ብ860 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ ኮስታንቲኖፓል ፓትርያርክ ነቶም ክልተ ኣሕዋት ናብ ወጻኢ ዓዲ ኸይዶም ሚስዮናውያን ክዀኑ ለኣኽዎም። ናብቶም ካብ እምነት ምስልምና: ኣይሁድነት: ወይ ካብ ክርስትና ነየናዩ ኸም ዝስዕቡ ዘዋላውሉ ዝነበሩ ካብ ጸሊም ባሕሪ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝነበሩ ህዝቢ ከዛር ተላእኩ። ሲሪል ንእግረ መገዱ ኣብ ክርሚያ ኣብ እትርከብ ከርሶኒዝ ንገለ ግዜ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ ቋንቋ እብራይስጥን ሳምራውያንን ተማህረ እሞ ንሰዋስው እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ከዛራውያን ተርጐሞ።

ካብ ሞራቪያ እተገብረ ጻውዒት

ብ862 ከ.ኣ.ዘ. ራስቲስላፍ መስፍን ሞራቪያ (ንዘመናዊ ምብራቕ ቼክያ: ምዕራባዊ ስሎቫክያ: ከምኡውን ንምዕራባዊ ሃንጋሪ ዘጠቓልል ዝነበረ) ንሃጸይ ባይዘንታይን ዝነበረ ማይክል ሳልሳይ ነዚ ኣብ መኽፈቲ እዚ ዓንቀጽ እዚ ዘሎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መማህራን ክልእከሎም ዝሓትት ልመና ኣቕረበሉ። ተዛረብቲ ቛንቋ ስላቭ ዝዀኑ ደቂ ሞራቪያ በቶም ካብ ምብራቓዊ ግዝኣት መንግስቲ ፍራንክ (ሕጂ ጀርመንን ኦስትርያን ዝበሃል ዘሎ) ዝመጹ ሚስዮናውያን ኣቢሎም ምስ ትምህርትታት ቤተ⁠-​ክርስትያን ድሮ ተላልዮም ነበሩ። ራስቲስላፍ ግን ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጽልዋ ነገዳት ጀርመን ሰጊኡ ነበረ። ምስ ኮስታንቲኖፓል ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ምግባር ንህዝቡ ብፖለቲካን ሃይማኖትን ርእሱ ኸም ዘኽእሎ ተስፋ ኣሕደረ።

እቲ ሃጸይ ንሜቶዲየስን ሲሪልን ናብ ሞራቪያ ክሰዶም ወሰነ። እዞም ክልተ ኣሕዋት ነቲ ተልእኾ ኣብ ምፍጻም መሪሕ ንኽዀኑ ዘኽእሎም ኣካዳምያውን ትምህርታ​ውን ስነ⁠-​ቛንቋውን ብቕዓት ነይርዎም ኢዩ። እቲ ሃጸይ ናብ ሞራቪያ ንኽኸዱ ክምሕጸኖም ከሎ “ንስኻትኩም ደቂ ተሰሎንቄ ኢኹም: ሰብ ተሰሎንቄ ኸኣ ጽሩይ ስላቭ ኢዮም ዝዛረቡ” ብምባል ተልእኾኦም ምኽንያታዊ ምዃኑ ከም ዝነገሮም ሓደ ናይ መበል ታሽዓይ ዘመን ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት ይገልጸልና።

ፊደል ተማህዘ: መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ተጀመረ

ሲሪል ኣብቲ ቐቅድሚ ምብጋሶም ዝነበረ ኣዋርሕ ንስላቫውያን ዝኸውን ፊደላት ብምምሃዝ ንተልእኾኡ ተዳለወሉ። ፎነቲካዊ ድምጽታት ናይ ምስማዕ ክእለቱ ሓያል ከም ዝነበረ ኢዩ ዝንገረሉ። ፊደላት ግሪኽን እብራይስጥን ተጠቒሙ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣደማምጻ ቛንቋ ስላቭ ፊደል ክሰርዓሉ ጽዒቱ ኢዩ። b ከምዚ ዝኣመሰለ ፊደላት ንምስራዕ ንዓመታት ዝኣክል ኣቐዲሙ ክዳለወሉ ኸም ዝጸንሐ ገለ ተመራመርቲ ይገልጹ ኢዮም። ሲሪል ዝመሃዞ ፊደላት ብልክዕ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ እውን ገና ርግጽ ዘይኰነ ጕዳይ ኢዩ።​—⁠ኣብታ “ሲሪሊክዶ ወይስ ግላጎልዲክ፧” እትብል ሳጹን ተመልከት።

ኣብቲ እዋን እቲ ሲሪል ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝውዳእ ዕዮ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ብኣፈ⁠-​ታሪኽ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ በቲ ሓድሽ ምህዝኡ ዝዀነ ፊደላት ተጠቒሙ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ናብ ቋንቋ ስላቭ በቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዘሎ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ . . .” ዝብል ናይ ፈለማ ሓረግ ዕዮ ምትርጓሙ ጀመረ። ቀጺሉ ኸኣ ንኣርባዕቲኡ ወንጌላትን መልእኽትታት ጳውሎስን መጽሓፍ መዝሙርን ተርጒምዎ ኢዩ።

በይኑ ጥራይ ድዩ ዝዓዮ ነይሩ፧ ሜቶዲየስ ሓጊዝዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እታ ዘ ካምብሪጅ ሜድየቫል ሂስትሪ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ:- “[ሲሪል] ካልኦት ሓገዝቲ ዝነበርዎ ኢዩ ዝመስል: ካብዚኣቶም ብቐንዶም እቶም ትምህርቲ ቛንቋ ግሪኽ ዝነበሮም ስላቭ ዝመበቈሎም ሰባት ኢዮም ነይሮም። ነቲ ናይ ቅድም ትርጕማት እንተድኣ መርሚርናዮ: . . . ዝለዓለ ላዛ ቓላት ዘለዎ ስላቭ ኢና እንረክብ: እዚ ድማ እቶም ተሓጋገዝቲ ደቂ ስላቭ ምንባሮም ዝሕብር ኢዩ።” ሜቶዲየስ ነቲ ዝተረፈ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ተርጒምዎ ኢዩ: ብዛዕባዚ ኸኣ ቀጺልና ክንርኢ ኢና።

“ከም ከልቢ ነብሑ”

ሲሪልን ሜቶዲየስን ነቲ ናይ ሞራቪያ ተልእኾኦም ብ863 ከ.ኣ.ዘ. ኢዮም ጀሚሮምዎ: ኣብኡ ድማ ዘሐጕስ ኣቀባብላ ተገብረሎም። ዕማሞም ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ቅዳሴ ጽሑፋትን ንምትርጓም ዝነበሮም ዕዮ ንነበርቲ እቲ ኸባቢ ነቲ ሓድሽ ዝመሃዝዎ ፊደላት ቋንቋ ስላቭ ምምሃር ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር: ኵሉ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ኣብ ሞራቪያ ዝነበሩ ቤተ⁠-​ክህነት ኣብ ቋንቋ ስላቭ ዝነበሮም ተቓውሞ ኣትሪሮም ገሊጾም ኢዮም። ንኣምልኾ ክውዕሉ ዘለዎም ቋንቋታት ላቲንን ግሪኽን እብራይስጥን ጥራይ ምዃኖም ኣብ ዝገልጽ ስሉስ ክልሰ-ሓሳባዊ ኣቕዋሞም ድርቕ በሉ። እቶም ክልተ ኣሕዋት ነቲ ሓድሽ ዝመሃዝዎ ፊደላት ናይ ጳጳስ ደገፍ ክረኽብሉ ተስፋ ብምግባር: ብ867 ከ.ኣ.ዘ. ንሮማ ገሹ።

ሲሪልን ሜቶዲየስን ኣብ ጕዕዞኦም ቨነስ ምስ በጽሑ ኣምልኾ ብሰለስተ ቛንቋ ክካየድ ከም ዘለዎ ዝድግፍ ጕጅለ ላቲናውያን ካህናት ኣጓነፎም። እቶም ናይቲ ኸባቢ ኣቡናትን ኣቕሽሽትን ፈለስትን ኣብ ልዕሊ ሲሪል ‘ከም ከልቢ ኸም ዝነብሑ’ ሓደ ናይ ማእከላይ ዘመን ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት እዚ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ሲሪል ነታ ኸምዚ ዝስዕብ እትብል ጥቕሲ ናይ 1 ቈረንቶስ 14:⁠8, 9 ብምጥቃስ ዓጸፌታኡ መለሰሎም:- “እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ: መን እዩ ንውግእ ዚስለፍ፧ . . . ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ: ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ: እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧”

እቶም ክልተ ኣሕዋት ሮማ ምስ በጽሑ ጳጳስ ኣድርያን ካልኣይ ነቲ ቛንቋ ስላቭ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዘቕረብዎ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ተሰማምዑሉ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ገና ኣብ ሮማ ኸለዉ ሲሪል ከቢድ ሕማም ሓመመ። ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ኣብ መበል 42 ዕድሚኡ ዓረፈ።

ጳጳስ ኣድርያን ካልኣይ ናብ ሞራቪያን ኣብዚ ሕጂ ስሎቫክያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከባቢ ከተማ ኒትራን ተመሊሱ ከገልግል ንሜቶዲየስ ኣተባብዕዎ። እቶም ጳጳስ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሮም ጽልዋ ብሜቶዲየስ ኣቢሎም ንኸደልድሉ ተስፋ ብምግባር ቋንቋ ስላቭ ክስርሓሉ ኸም ዝሰማምዑ ዝገልጽ ደብዳበታት ሃብዎ: ኣቡን ክኸውን ድማ ሸምዎ። ይኹን እምበር: ብ870 ከ.ኣ.ዘ. ሄርማንሪኽ እተባህሉ ናይ ግዝኣት ፍራንክ ኣቡን ብሓገዝ ናይቲ መስፍን ኒትራ ዝነበረ ስቫቶፕሉክ ንሜቶዲየስ ኣእሰሮ። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዳም ድማ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ተኣስረ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም መንበረ ጵጵስና ደድሕሪ ኣድርያን ካልኣይ ዝሓዙ ዮሃንስ ሻሙናይ ክፍታሕ ኣዘዙ እሞ ናብ ሰበኻ ኣቡኑ ኸም ዝምለስ ገበርዎ: ቋንቋ ስላቭ ኣብ ኣምልኾ ኽውዕል ጳጳሳዊ ደገፎም ከወፍዩ ምዃኖም ድማ ኣረጋገጽሉ።

እቲ ኻብ ቤተ-ክህነት ፍራንክ ዝመጽእ ዝነበረ ምጽራር ግን ቀጸለ። ሜቶዲየስ ነቲ ኸም መናፍቕ ዝኽሰሰሉ ዝነበረ ክስታት ብዓወት ተመጻርይሉ ኢዩ: ንምሸቱ ድማ ቛንቋ ስላቭ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ክዕየየሉ ብወግዒ ዘፍልጥ ጳጳሳዊ ኣዋጅ ካብ ጳጳስ ዮሃንስ ሻሙናይ ምስ ወጸ ተዓዊቱ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ እዋናዊ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ እተኣመንዎ ሜቶዲየስ ንህይወቱ “ኣብ ከርተት: ስእነት: ስቓይ: መከራ ከምኡውን መስጐጕቲ . . . ኣብ ጭከና ዝመልኦ ማሕዩር እውን ከይተረፈ” ኢዩ ኣሕሊፉዋ። እቲ ዘገርም ግን ኵሉ ውርደት ዝበጽሖ ብኢድ ኣቡናትን ንሮማ ብዝውግኑ ዝነበሩ መሳፍንትን ምዃኑ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ይትርጐም

ሜቶዲየስ ጽንኩር ምጽራር የጋጥሞ እኳ እንተ ነበረ: ብሓገዝ ናይቶም ኣሕጺርካ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ዝነበሮም ሓያለይ ሰባት ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ስላቭ ተርጒሙ ወድኦ። ኣፈ-ታሪኽ ከም ዝገልጾ ነዚ ኣዝዩ ዓቢ ዕዮ እዚ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኢዩ ዛዚምዎ። ነቲ ናይ መቃባውያን መጽሓፍ ኣዋልድ ግን ኣይተርጐሞን።

ሎሚ እቲ ሲሪልን ሜቶዲየስን ዝተርጐምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ልክዕ ምዃኑ ኽትግምግሞ ቀሊል ኣይኰነን። ናብቲ ናይ ፈለማ ትርጕም እተዳለወሉ ግዜ ዝጽጋዕ ናይ ኢደ-ጽሑፍ ቅዳሓት ሒደት ኢዩ ዘሎ። ነቲ ዝርካቡ ናይ ቅድም ቅዳሓት ብምምርማር እውን እቲ ትርጕም ልክዕን ላዛ ዝነበሮን ምዃኑ ምሁራት ስነ-ቛንቋ የስተብህሉ ኢዮም። እታ ብቛንቋ ስላቭ እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕምና ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እዞም ክልተ ኣሕዋት እዚኣቶም ‘ብዙሕ ሓደስቲ ቓላትን ኣበሃህላታትን ከም ዝመሃዙ: ነዚ ድማ ብዘደንቕ ልክዕነት ስለ ዝገበርዎ ማህደረ ቓላት ቋንቋ ስላቭ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኸም ዝሃብተመ’ ትገልጽ።

ዘይበርስ ውርሻ

ሜቶዲየስ ብ885 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ: ሰዓብቱ በቶም ፍራንካውያን ተጻረርቶም ካብ ሞራቪያ ተሰጉ። ኣብ ደቡባዊ ፖላንድ ኣብ እትርከብ ቦሂምያን ቡልጋርያን ድማ ተዓቝቡ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ናይ ሲሪልን ሜቶዲየስን ዕዮ ክቕጽልን ከስፋሕፍሕን ከኣለ። እቲ በቶም ክልተ ኣሕዋት ፊደል ክረክብን ዕምሩ ኽነውሕን ዝኸኣለ ቛንቋ ስላቭ ዓምቢቡን ማዕቢሉን ኢዩ: ጸኒሑ ኸኣ ካልኦት ቋንቋታት ክወልድ ከኣለ። ሎሚ ቛንቋ ስላቭ ምንጪ 13 እተፈላለዩ ቛንቋታትን ብዙሕ ላህጃታትን ክኸውን ክኢሉ ኢዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ሲሪልን ሜቶዲየስን ዘካየድዎ ትብዓት ዝመልኦ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምትርጓም ጻዕሪ: ነዚ ሕጂ ብብዙሕ ቋንቋታት ስላቭ ተዳልዩ ዘሎ ትርጕማት ቅዱሳት ጽሑፋት መገዲ ክኸፍት ክኢሉ ኢዩ። በዚ ቛንቋ እዚ ዝዛረቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብልሳኖም ቃል ኣምላኽ ከንብቡ ብምኽኣሎም ረቢሖም ኢዮም። ጽንኩር ተቓውሞ እኳ የጓንፍ እንተ ነበረ እቲ “ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብል ቃላት ሓቅነቱ ኣረጋጊጹ ኢዩ!​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠8

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስላቫዊ ቋንቋታት ኣብ ምብራቓውን ማእከላይን ኣውሮጳ ዝዝረብ ኰይኑ ንቛንቋ ሩስያ: ዩክረይን: ሰርብያ: ፖላንድ: ቼክ: ቡልጋርያ: ከምኡውን ንኻልኦት ነዚ ዝመስሉ ልሳናት ዘጣመረ ኢዩ።

b እቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ “ቛንቋ ስላቭ” ተባሂሉ ዘሎ ነቲ ሲሪልን ሜቶዲየስን ተልእኾኦም ንምፍጻምን ጽሑፋቶም ንምድላውን እተጠቕምሉ ስላቫዊ ላህጃ ንምምልካት ኢዩ። ሎሚ ነዚ ላህጃ እዚ “ጥንታዊ ስላቭ” ወይ ከኣ “ጥንታዊ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ስላቭ” ኢሎም ዝጽውዕዎ ሰባት ኣለዉ። ኣብ መበል ታሽዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ስላቫውያን ሓደ ውጹእ ቋንቋ ይዛረቡ ኸም ዘይነበሩ ብዛዕባ ቋንቋ ዘጽንዑ ሰባት ዝሰማምዕሉ ሓቂ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሲሪሊክዶ ወይስ ግላጎልዲክ፧

ምሁራት ስነ-ቛንቋ እቲ ሲሪል ዝመሃዞ ፊደላት ኣየናይ ምዃኑ ርግጸኛታት ስለ ዘይኰኑ: ቕርጺ እቲ ፊደላት ብዙሕ ክትዕ ኣላዒሉ ኢዩ። እቲ ሲሪሊክ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ፊደላት ምንም እኳ ነቲ ኣብ ቋንቋ ግሪኽ ዘይርከብ ናይ ቋንቋ ስላቭ ድምጽታት ንምእታው ደርዘን ዝኸውን ተወሰኽቲ ፊደላት እንተ ተማህዘሉ: ኣብ ናይ ግሪኽ ፊደላት ኣጸቢቑ እተመስረተ ኢዩ። ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ናይ ስላቭ ኢደ-ጽሑፋት ግን በቲ ግላጎልዲክ ዝብል ስያመ ዝፍለጥ ኣዝዩ እተፈልየ ፊደላት ኢዩ ተዳልዩ: ብዙሓት ምሁራት ከኣ እቲ ሲሪል ዝመሃዞ ፊደላት እዚ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ። ሒደት ካብ ፊደላት ግላጎልዲክ መበቈሎም ካብቲ እናላገብካ ዝጸሓፍ ፊደላት ግሪኽ ወይ እብራይስጢ ኢዩ ዝመስል። ገሊኡ ድማ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝዝውተር ዝነበረ ናይ ኣደማምጻ ምልክት ዝነበሮ ፊደላት ዝመጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: መብዛሕትኡ ግን ሓድሽ እተማህዘን ሕልኽልኽ ዝበለ ፈጠራን ኢዩ። ግላጎልዲክ ኣዝዩ ፍሉይን ናይ ፈለማ ምህዞን ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር: ነቲ ገሊኡ ቋንቋታት ስላቭ ዘይኰነ 22 ልሳናት ሓዊስካ እቲ ሕጂ ዘሎ ቛንቋታት ሩስያ: ዩክረይን: ሰርብያ: ቡልጋርያ: ከምኡውን ቋንቋ ማሴዶንያ ዝጥቀምሉ ፊደላት ዘማዕበሎ ሲሪሊክ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ባሕሪ ቦልቲክ

(ፖላንድ)

ቦሂምያ (ቸክያ)

ሞራቪያ (ምብራቕ ቸክያ: ምዕራብ ስሎቫክያ: ምዕራብ ሃንጋሪ)

ኒትራ

ምብራቓዊ ግዝኣት ፍራንክ (ጀርመንን ኦስትርያን)

ኢጣልያ

ቨነስ

ሮማ

ማእከላይ ባሕሪ

ቡልጋርያ

ግሪኽ

ተሰሎንቄ

(ክሪመያ)

ጸሊም ባሕሪ

ቢቲንያ

ኮንስታንቲኖፓል (ኢስታንቡል)

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብፊደላት ሲሪል እተዳለወ ናይ 1581 ናይ ስሎቨንያ መጽሓፍ ቅዱስ

[ምንጪ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ:- Narodna in univerzitetna knjiz̆nica-Slovenija-Ljubljana