ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዘይደም ዝግበር መጥባሕቲ “ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሓድሽ ኣንፈት”

ብዘይደም ዝግበር መጥባሕቲ “ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሓድሽ ኣንፈት”

ብዘይደም ዝግበር መጥባሕቲ “ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሓድሽ ኣንፈት”

 ብዘይደም ዝግበር መጥባሕቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ መጽሔት ማክሊንስ (እንግሊዝኛ) ኣብ መላእ ካናዳ ዝርከቡ ሓኻይም “ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሓድሽ ኣንፈት ንዝዀነ ብልምዲ ኸኣ ብዘይደም ዝግበር መጥባሕቲ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ሜላታት ከማዕብሉ” ከም ዝጸንሑ ገሊጻ ኣላ። ኣብ ናይ ዊናፔግ ናይ ጥዕና ማእከል ምርምር ክኢላ ኣነስተስዮሎጂ ዝዀነ ብራያን ሙርሄድ ሓደ ኻብዞም ሓኻይም እዚኣቶም ኢዩ። ናብዚ ብዘይደም ክግበር ዝከኣል ሕክምና ከተኵር ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧

ብ1986 ዶ ⁄ ር ሙርሄድ ኣብ ሓደ በዳሂ ዕማም ተጸሚዱ ነበረ: እዚ ኸኣ ንሓደ ብምኽንያት እቲ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቱ ደም ከይወሰደ ሕክምና ክግበረሉ ዝሓተተ ዝደሚ ቝስሊ ዝነበሮ ወዲ 70 ዓመት መጥባሕቲ ምግባር ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) መጽሔት ማክሊንስ ጸብጻብ ክትህብ ከላ ዶ ⁄ ር ሙርሄድ “ነቲ ብዙሕ ዘይዝውተር ሜላ ተጠቒሙ ጸቕጢ ደም ናይቲ ሕሙም ንምውሳኽ ብመትኑ ሳሊን ሶልዩሽን ይህቦ” ከም ዝነበረ ገሊጻ ኣላ። ቀጺላ ድማ ኸምዚ ትብል:- “እቲ መስርሕ ሕክምና ብዓወት ተዛዘመ: እዚ ድማ ንሙርሄድ ነቲ ድሮ ‘እንገብሮ ዘለና ምትሕልላፍ ደም ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ’ ብምባል ዝኣምነሉ ዝነበረ መትከል ዝያዳ ኣደልደሎ። ‘ካልእ ኣማራጺታት ከነናድየሉ ዘሎና እዋን ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ’ ብምባል ገለጸ።”

ብዘይደም መጥባሕቲ ክግበር እተደልየ “ብኽልተ ምኽንያታት ኢዩ: እቲ ሓደ ንመጻኢ ዘሻቕል መጠን ቀረብ እተለገሰ ደም ምህላዉ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልእ ድማ ሕሙማት ደም ብምውሳድ ብቫይረሳት ከይብከሉ ስለ ዝፈርሑ ኢዩ።” ሳላ እቶም ሓድሽ ምህዞታት ንምርካብ ምርምር ዘካይዱ ሓኻይም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰኑስ ካልኦትውን ረብሓ ረኺቦምሉ ኢዮም። ብዘይደም ዝግበር መጥባሕቲ ምምሕልላፍ ደም ከም ዝንኪ ኣብ ርእሲ ምግባሩ: ነቲ ይንኣስ ይዕበ ብዘየገድስ ብሰንኪ እተበከለ ደም ክመጽእ ዝኽእል ናይ ረዅሲ ሓደጋ ይቕንሶ ኢዩ” ብምባል ማክሊንስ ትገልጽ። “ዘይተበከለ” ደም እውን እንተዀነ ንግዚኡ ናይ ሕሙማት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ከም ዝዕፈን ብምግባር ረዅሲ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይደም ዝግበር ሕክምና ዝመርጽሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ ነታ ደም ንህይወትካ ከድሕና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከተንብባ ትኽእል ኢኻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዛ ብሮሹር እዚኣ ክህቡኻ ሕጉሳት ኢዮም።