ናይ ሓቂ ሓጐስ እትረኽበሉ መገዲ
ናይ ሓቂ ሓጐስ እትረኽበሉ መገዲ
ሓደ ዳላይ ላማ ማለት መራሕ ሃይማኖት ቡድሂዝም “ቀንዲ ዕላማ ህይወትና ሓጐስ ምንዳይ ምዃኑ ኢየ ዝኣምን” በለ። ቀጺሉ ሓጐስ ንኣእምሮን ልብን ብምስልጣን ወይ ብምምሃር ክርከብ ከም ዝከኣል ገለጸ። “ምሉእ ሓጐስ ንምርካብ ዘድልየና መሰረታዊ ነገር ኣእምሮ ጥራይ ኢዩ” በለ። ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘድሊ ኣይኰነን ኢሉ ኢዩ ዝሓስብ። a
ብኣንጻሩ ግን: ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ዝነበረቶን ትምህርትታቱ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብኣማእታት ሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ዝጸለወን የሱስ እሞ ሕስብ ኣብል። የሱስ ብዛዕባ ሓጐስ ደቅሰብ ይግደስ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ከረን ስብከቱ ትሽዓተ ግዜ “ . . . ብጹኣን [“ሕጉሳት:” NW ] እዮም” ዝብላ መግለጺታት ኣከታቲሉ ኣውሲኡ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:1-12) ኣብቲ ስብከት እቲ ሰማዕቱ ንዓመጽ: ብዕልግና: ከምኡውን ስስዐ ብሰላም: ንጽህና: ከምኡውን ፍቕራዊ ሓሳባት ክትክእዎ ኸም ዘለዎም ብምግላጽ ንኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ክምርምሩ: ከስተኻኽሉ: ክግስጹ ምሂርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:21, 22, 27, 28፣ 6:19-21) ከምቲ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸኒሑ ዝሃቦ ማዕዳ ‘ሓቂ: ርዝነት ዘለዎ: ቅኑዕ: ንጹህ: ተፈታዊ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ: ከምኡውን ንእዶ ኽንሓስብ’ ኣሎና።—ፊልጲ 4:8
የሱስ ናይ ሓቂ ሓጐስ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ እውን ከም ዘጠቓልል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ደቅሰብ ብባህርይና ማሕበራዊ ናብራ ንፈቱ ኢና: ስለዚ ርእስና እንተድኣ ፈሊና ወይ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ወትሩ ንጋጮ እንተድኣ ዄንና ብሓቂ ሕጉሳት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። እንፍቀር ምዃንና እንተድኣ ፈሊጥናን ንኻልኦት እንተድኣ ኣፍቂርናን ጥራይ ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል። የሱስ መሰረት ናይዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ምዃኑ መሃረ። ኣብዚ ኸኣ ኢዩ ትምህርትታት የሱስ ካብ ትምህርትታት ናይቲ ዳላይ ላማ ዝፍለ፣ ከመይሲ የሱስ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ናይ ሓቂ ሓጐስ ክረኽቡ ኸም ዘይክእሉ ኢዩ ዝማሃረ። ከምዚ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧—ማቴዎስ 4:4፣ 22:37-39
ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሌትካ ሕሰብ
ሓንቲ ኻብተን የሱስ ዝሃበን መግለጺታት “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም” ትብል ነበረት። (ማቴዎስ 5:3 NW ) የሱስ ከምዚ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ከም እንስሳታት ዘይኰንናስ መንፈሳዊ ድሌትና ከነማልእ ንብህግ ኢና። ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና ብእተወሰነ መጠን ከም ፍቕሪ: ፍትሒ: ምሕረት: ከምኡውን ጥበብ ዝኣመሰለ መለኮታዊ ባህርያት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 1:27፣ ሚክያስ 6:8፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ሓደ ኻብቲ መንፈሳዊ ድሌትና ኸኣ ዕላማ ህይወት ናይ ምፍላጥ ባህጊ ኢዩ።
ነዚ መንፈሳዊ ድሌት እዚ ብኸመይ ከነማልኦ ንኽእል፧ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምስትንታን ወይ ርእሰ-ምርመራ ብምግባር ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) የሱስ ምንጪ ናይቲ ንህይወትና ኣድላዪ ዝዀነ “ኵሉ ቓል” ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይገልጽ ምህላዉ ኣስተውዕል። ገሊኡ ሕቶታት ንምምላስ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል። ምናዳ ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዕላማ ህይወትን ብኸመይ ሓጐስ ከም ዝርከብን ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳባት ይስስን ስለ ዘሎ ኣምላኽ ዝህበና ምስትውዓል የድልየና ኢዩ። ገለ ክፋል መደበር መጻሕፍቲ ንኣንበብቲ ጥዕና: ሃብቲ: ከምኡውን ሓጐስ ብዝመባጽዑ መጻሕፍቲ መሊኡ ኣሎ። ኣብ ኢንተርነት እውን ኣብ ሓጐስ ጥራይ ዘተኵር ሓሳባት ዝወሃበሉ ዓምድታት ኣሎ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ግን ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ መብዛሕትኡ ግዜ ጌጋ ኢዩ ዝኸውን። ስስዐ ናብ ዝመልኦ ዝንባለታት ወይ ንዓይ ይጥዓመኒ ናብ ዝብል ባህርይ ኢዩ ዝዘዙ። ኣብ ድሩት ፍልጠትን ተመክሮን ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ሓሶት መሰረተ-ሓሳብ እተመርኰሰ ኢዩ። ንኣብነት: ብዝሖም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸሓፍቲ ናይቲ ርእስኻ ንኽትሕግዝ ዝዳሎ መጻሕፍቲ ኣብቲ ስምዒታት ደቅሰብ ካብቶም መበቈልና ኢዮም ዝበሃሉ እንስሳታት እተወርሰ ኢዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ “ፍልቀታዊ ስነ-ኣእምሮ” ተመርኲሶም ኢዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ዝጽሕፉ። እቲ ሓቂ ግን ነቲ ፈጣሪና ዘለዎ ግደ ኣብ ግምት ዘየእቱ ዝዀነ ይኹን ክልሰ-ሓሳብ ቅኑዕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ናብ ጓሂ ኢዩ ዝመርሕ። ሓደ ናይ ጥንቲ ነብዪ ‘እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩ ኢዮም። እንሆ: ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ: ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም ኢዩ፧’ በለ።—ኤርምያስ 8:9
የሆዋ ኣምላኽ ኣፈጣጥራናን እንታይ ብሓቂ ኸም ዘሐጕሰናን ይፈልጥ ኢዩ። ንሰብ ስለምንታይ ኣብ ምድሪ ኸም ዝገበሮን እንታይ መጻኢ ተስፋ ኸም ዘለዎን ይፈልጥ: ነዚ ፍልጠት እዚ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ይሕብረና ኢዩ። እቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፉ ዝገለጾ ነገር ነቶም ቅኑዓት ሰባት ምላሽ ንኽህብሉ የለዓዕሎም: ሕጉሳት እውን ይገብሮም ኢዩ። (ሉቃስ 10:21፣ ዮሃንስ 8:32) ንኽልተ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እዚ ኢዩ ኣጋጢምዎም። ድሕሪ ሞቱ ሓዚኖም ነበሩ። ካብ ኣፍ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ብዛዕባ ድሕነት ደቅሰብ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ምስ ሰምዑ ግን “እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” በሉ።—ሉቃስ 24:32
ህይወትና በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንመርሕ እንተድኣ ዄንና ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ክስስነልና ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ: ሓጐስ ምስ ቀስተ-ደመና ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ቀስተ-ደመና ዝወጽእ ምቹእ ኵነታት ክህሉ ኸሎ ኢዩ: ኣዝዩ ዝምችእ ሃዋሁ እንተልዩ ኸኣ ዝያዳ ድሙቕ: አረ ድርብ ቀስተ-ደመና እውን ኰይኑ ኢዩ ዝወጽእ። ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ዝሕብር ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ናብራኻ ቀሊል ግበሮ
ብቐዳምነት: ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ዝሃቦ ምኽሪ እስከ ርአ። ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ክሕዝ ከም ዘይብሉ ምኽሪ ድሕሪ ምሃብ: ዘይልሙድ መግለጺ ሂቡ ኢዩ። “ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት: ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን” በለ። (ማቴዎስ 6:19-22) ብመሰረቱ: ደድሕሪ ሃብቲ: ስልጣን: ወይ ደድሕሪ ሰባት ዘውጽእዎ ሸቶታት ሃነፍነፍ እንተድኣ ኢልና: እቲ ዝበለጸ ነገራት ከም ዘይንረክብ ኢዩ ዝሕብረና ነይሩ። ከመይሲ: የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ኢሉ ኢዩ። (ሉቃስ 12:15) ነቲ ብሓቂ ኣድላዪ ዝዀነ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ: ሓልዮት ስድራቤት: ከምኡውን ምስዚ ዝተሓሓዝ ካልእ ነገራት ቀዳማይ ቦታ እንተድኣ ሂብናዮ ‘ዓይንና’ ኣይከነግፍሕን ኢና: የግዳስ “ጥዕይቲ” ኽትከውን ኢያ።
የሱስ መነንቲ ኽንከውን ወይ ነፍስና ከነሕስም ይምዕድ ከም ዘይነበረ ኣስተውዕል። ምኽንያቱ የሱስ ባዕሉ መናኒ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 11:19፣ ዮሃንስ 2:1-11) ኣብ ክንድኡስ: እቶም ትርጕም ህይወት ምድላብ ሃብቲ ከም ዝዀነ ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ኣብ ህይወቶም እቲ ኣድላዪ ነገር ከም ዘምልጦም ኢዩ ምሂሩ።
ሓደ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ: ሕ.መ.ኣ. ዝነብር ሳይኮተራፒስት: ብዛዕባ እቶም ኣብ ንእስነቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት ክዛረብ ከሎ ገንዘብ “ሱር ጭንቀትን ዕውንውንን” ከም ዝዀኖም ሓበረ። ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ክልተ ወይ ሰለስተ ገዛውቲ ከምኡውን ማኪና ይዕድጉ: ኣብ እተፈላለየ ነገራት ገንዘቦም የፍስሱ። እዚ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠቕሞም [ማለት ከም ዘየሐጕሶም] ምስ ረኣዩ ይጭነቑ: ባዶነት ይስምዖም: ኣብ ህይወቶም እንታይ ከም ዝገብሩ ድማ ይሕርብቶም።” ብኣንጻሩ ግን: እቶም ነቲ የሱስ ቀሊል ናብራ ኽንነብርን ንመንፈሳዊ ነገራት ቦታ ክንህብን ዝሃበና ምኽሪ ዝስዕቡ ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዝረኽቡ ፍሉጥ ኢዩ።
ሓደ ኣብ ሃዋይ ዝነብር ቶም ዝበሃል ነዳቓይ ኣብተን ድኻታት ተቐማጦ ዘለዉወን ደሴታት ፓስፊክ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንምስራሕ ብወለንትኡ ኸደ። ቶም ኣብዞም መሳኪን ሰባት እዚኣቶም ሓደ ነገር ተዓዚቡ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “እቶም ኣብዘን ደሴታት እዚኣተን ዝነብሩ ክርስትያናት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብሓቂ ሕጉሳት ኢዮም። መፍትሕ ሓጐስ ገንዘብን ጥሪትን ከም ዘይኰነ ብዝያዳ ንኽንጽረለይ ሓጊዞምኒ ኢዮም።” ነቶም ኣብተን ደሴታት ምስኡ ወለንተኛታት ኰይኖም ዝዓየዩ ተዓዚብዎም: ክሳዕ ክንደይ ዕግበት ከም ዘለዎም እውን ኣስተውዒሉ ኢዩ። ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ብዙሕ ገንዘብ ክረኽቡ ምኸኣሉ ነይሮም። እንተዀነ ግን ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳማይ ቦታ ክህብዎን ቀሊል ናብራ ክነብሩን ኢዮም መሪጾም።” ቶም በዚ ኣብነታት እዚ ተደሪኹ ንስድራቤቱን መንፈሳዊ ንጥፈታቱን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረክብ ቀሊል ናብራ ኽነብር ጀመረ: ነዚ ስጕምቲ እዚ ድማ ኣይጠዓሰሉን ኢዩ።
ሓጐስን ንርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ምሃብን
ክብረትካ ምሕላው ወይ ንርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ምሃብ ንሓጐስ ኣድላዪ ኢዩ። ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ንሱ ዘስዓቦ ድኻምን ስለ ዘሎ: ገሊኣቶም ንገዛእ ርእሶም ብኣሉታዊ መገዲ ኢዮም ዝርእይዋ: ብዙሓት ድማ ካብ ህጻንነቶም ጀሚሩ ኢዩ እዚ ስምዒት እዚ ዘለዎም። ነዚ ሱር ዝሰደደ ስምዒታት ምውጋዱ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ክውገድ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። መፍትሒኡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ኢዩ ዘሎ።
መጽሓፍ ቅዱስ ፈጣሪ ብዛዕባና እንታይ ከም ዝስምዖ ይገልጸልና ኢዩ። ኣረኣእያኡ ካብ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣረኣእያ: ዋላ እውን ካብ ናትና ንላዕሊ ዘገድስዶ ኣይኰነን፧ እቲ ቐንዲ ባህርይኡ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ከይመርመረ ብሕማቕ ወይ ብተንኰል ኣይርእየናን ኢዩ። እንታይ ከም ዝዀንናን እንታይ ናይ ምዃን ተኽእሎ ከም ዘሎናን ይርኢ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 16:7፣ 1 ዮሃንስ 4:8) አረ ነቶም ባህ ከብልዎ ዝደልዩስ ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ የኽብሮምን ይፈትዎምን ኢዩ።—ዳንኤል 9:23፣ ሃጌ 2:7
ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ ንድኻምናን ንእንፍጽሞ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣትን ሸለል ኣይብሎን ኢዩ። ቅኑዕ ነገር ንምግባር ክንጽዕር ትጽቢት ይገብረልና: ክንጽዕር ከለና ድማ ይድግፈና ኢዩ። (ሉቃስ 13:24) እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ” ይብለና። ብተወሳኺውን “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ: ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” ይብል ኢዩ።—መዝሙር 103:13፣ 130:3, 4
ስለዚ ንርእስኻ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ምርኣይ ተማሃር። እቶም ዘፍቅርዎ ዋላ እውን ንርእሶም ከም ብቕዕቲ ገይሮም እንተ ዘይቈጸርዋ ከም ዝፈትዎምን ከም ዝተኣማመነሎምን ምፍላጥ: ሓጐስ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ።—ተስፋ ንሓጐስ ኣድላዪት ኢያ
ኣብዚ ግዜና ህቡብ ኰይኑ ዘሎ ፍቱን ስነ-ኣእምሮ ዝበሃል ኣምር: ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምምዕባልን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብርታዐ ምትኳርን ናብ ሓጐስ ክመርሕ ይኽእል ዝብል ኢዩ። ብዛዕባ ህይወትናን መጻኢናን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ንሓጐስና ኣይውስኸሉን ኢዩ ዝብሉ ዳርጋ ኣይምተረኽቡን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣብ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓቂ ክምስረት ኣለዎ። ብተወሳኺ ኸኣ ሽሕ ሳዕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉ እምበር ነቲ ኸም ውግእ: ጥሜት: መከራ: ብከላ: እርጋን: ሕማም: ወይ ሞት ዝኣመሰለ ንሓጐስ ብዙሓት ዘጥፍእ ነገራት ኣየወግዶን ኢዩ። ስለዚ ኣወንታዊ ምዃን ቦትኡ ኣለዎ።
እቲ ዘገርም ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ እትብል ቃል ኣይጥቀመላን ኢዩ: ኣብ ክንድኡስ ዝያዳ ሓይሊ ዘለዋ ካልእ ቃል ኢዩ ዝጥቀም፣ ንሳ ድማ ተስፋ ኢያ። ቫይንስ ኮምፕሊት ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀመላ “ተስፋ” እትብል ቃል “ኣወንታውን ርግጸኛን ኴንካ ምጽባይ: . . . ንጽቡቕ ነገር ተሓጒስካ ምጽባይ” ዝብል ትርጕም ሂብዋ ኣሎ። ኣብ ኣወዓዕላ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ተስፋ እትብል ቃል ብዛዕባ ሓደ ኵነት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ካብ ምሓዝ ንላዕሊ ኢያ። ነቲ ተስፋ እተሰረተሉ ነገር እውን ተመልክት ኢያ። (ኤፌሶን 4:4፣ 1 ጴጥሮስ 1:3) ንኣብነት: እቲ ዅሉ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ጸገማት ድሕሪ ሓጺር እዋን ክውገድ ምዃኑ ክርስትያናት ተስፋ ዝገብሩሉ ነገር ኢዩ። (መዝሙር 37:9-11, 29) እዛ ተስፋ እዚኣ ግን ካብዚ ንላዕሊ እተጠቓልል ኢያ።
እሙናት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ህይወት ረኺቦም ዝነብሩሉ ኵነታት ክርስትያናት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ተስፋ ኢዩ። (ሉቃስ 23:42, 43) ራእይ 21:3, 4 ነዛ ተስፋ እዚኣ ኣስፍሕ ኣቢላ ክትገልጻ ኸላ ከምዚ ትብል:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: . . . ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”
ዝዀነ ይኹን እዛ ተስፋ እዚኣ ዘላቶ ሰብ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ከምቲ ዝደልዮ እኳ እንተ ዘይኰነሉ ሕጉስ ንኽኸውን ግን እኹል ምኽንያት ኣለዎ። (ያእቆብ 1:12) ስለዚ ኣብዛ ተስፋ እዚኣ እምነት እተሕድረሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ንምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይትምርምር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ተስፋኻ ኣደልድል። ከምዚ ምግባር ብመንፈስ ከበልጽገካ: ካብቲ ንሓጐስ ሰባት ዘጥፍእ ነገራት ንኽትርሕቕ ክሕግዘካ: ከምኡውን ዕግበት ከምጽኣልካ ኢዩ። እወ: እቲ ቐንዲ መፍትሕ ናይ ሓቂ ሓጐስ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኢዩ። (መክብብ 12:13) ሕግታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሕላው እተመስረተ ህይወት: ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ኢዩ፣ ከመይሲ የሱስ “ብጹኣንሲ [“ሕጉሳትሲ:” NW ] እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” ኢሉ ኢዩ።—ሉቃስ 11:28
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ኣምላኽ ምእማን ካብ ሓደ ቡድሂስት ዝድለ ነገር ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ሃብቲ ብምድላብ: ርእስኻ ብምግላል: ወይ ኣብቲ ድሩት ፍልጠት ወድሰብ ብምውካል ሓጐስ ክርከብ ኣይከኣልን
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ቃል ኣምላኽ ኣብ ምሕላው እተመስረተ ህይወት: ሓጐስ ዝመልኦ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊት ተስፋ ንሰብ ሕጉስ ትገብሮ