ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ብመገዲ ብርሃን ዝመላለሱ ዝረኽብዎ ሓጐስ

እቶም ብመገዲ ብርሃን ዝመላለሱ ዝረኽብዎ ሓጐስ

እቶም ብመገዲ ብርሃን ዝመላለሱ ዝረኽብዎ ሓጐስ

“ንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።”​—⁠ኢሳይያስ 2:5

1, 2. (ሀ) ብርሃን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ጸልማት ንምድሪ ከም ዘጐልብባ እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣርዚንና ክንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሆዋ ምንጪ ብርሃን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ: ሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ኪኸውን ዘቘመ” ኢሉ ይጽውዖ። (ኤርምያስ 31:⁠35፣ መዝሙር 8:⁠3) ነታ ብመልክዕ ብርሃንን ዋዕን እትሰዶ ሓዊስካ ኣብ ሃዋሁ እዚ ዘይበሃል ብዙሕ ጸዓት እተመንጩ ጸሓይ ዝፈጠረ ንሱ ኢዩ። እቲ ከም ብርሃን ኰይኑ ናብ ምድርና ዝበጽሕ ኣዝዩ ውሑድ ሚእታዊት ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዝቕጽል ይገብር። ብርሃን ጸሓይ እንተዘይህሉ ንሕና ኣይምሃለናን: ምድሪ ድማ ህይወት ኣልቦ ፕላኔት ምዀነት ነይራ።

2 ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ዘሎ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንሱ “እንሆ: ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም” በለ። (ኢሳይያስ 60:⁠2) ልክዕ ኢዩ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጸልማት ቃል ብቓሉ ዝርአ ጸልማት ኣይኰነን። ኢሳይያስ ከምዚ ኽብል ከሎ ሓደ መዓልቲ ጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ ብርሃን ካብ ምሃብ ከቋርጻ ኢየን ማለቱ ኣይነበረን። (መዝሙር 89:36, 37፣ 136:​7-9) ኣብ ክንድኡስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። መንፈሳዊ ጸልማት ግን ቀታሊ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ብዘይ ብርሃን ክንበር ዘይከኣል: ብዘይ መንፈሳዊ ብርሃን እውን ውዒሉ ሓዲሩ ምንባር ዘይከኣል ኢዩ ዝኸውን።​—⁠ሉቃስ 1:⁠79

3. ብመሰረት ቃላት ኢሳይያስ ክርስትያናት እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝግብኦም፧

3 ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው: እተን ኢሳይያስ ዝበለን ቃላት ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ ተፈጺመን እኳ እንተዀና ሎሚ እውን ዝዓበየ ፍጻሜአን ይረኽባ ከም ዘለዋ ኣርዚንካ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ። እወ: ኣብዚ ግዜና እውን ዓለም ብመንፈሳዊ ጸልማት ተሸፊና ኢያ ዘላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት መንፈሳዊ ብርሃን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ክርስትያናት ነቲ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝብል ምሕጽንታ የሱስ እንተ ኣቕለብሉ ሰናይ ዝኸውን። (ማቴዎስ 5:16) እሙናት ክርስትያናት ነቶም ቅኑዓት ሰባት ብርሃን ከብርህሎም ይኽእሉ ኢዮም: በዚ ድማ ህይወት ንኽረኽቡ ኣጋጣሚ ይኸፍቱሎም።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠12

ኣብ እስራኤል ዝነበረ ዘመነ ጸልማት

4. እተን ናይ ኢሳይያስ ትንቢታውያን ቃላት መጀመርታ መዓስ ኢየን እተፈጸማ: ይኹን እምበር ኣብ ግዜኡ እውን ከይተረፈ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዩ ዝነበረ፧

4 እተን ንምድሪ ጸልማት ከም ዘጐልብባ ኢሳይያስ እተዛረበን ቃላት: ይሁዳ ምስ ዓነወትን ህዝባ ድማ ናብ ባቢሎን ብምርኮ ምስ ተሰዱን ኢየን ንመጀመርታ ግዜ ተፈጺመን። ይኹን እምበር: ቅድሚኡ እውን ከይተረፈ ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ድሮ መብዛሕትኡ ካብቲ ህዝቢ ብጸልማት ተጐልቢቡ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኢሳይያስ ነቶም ደቂ ዓዱ “ኣቱም ቤት ያእቆብ: ንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ” ኢሉ እተማሕጸኖም!​—⁠ኢሳይያስ 2:5፣ 5:20

5, 6. ነቲ ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበረ ጸልማት ኣበርክቶ ዝገበረ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

5 ኢሳይያስ ኣብ ይሁዳ “ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን: ነገስታት ይሁዳ” ኢዩ ዝንበ ነይሩ። (ኢሳይያስ 1:1) ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ: ሃይማኖታዊ ግብዝነት: ምጥዋይ ፍርዲ: ከምኡውን ንመሳኪን ምጭቋን ገኒንሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ ነይሩ። ከም በዓል ዮታም ዝኣመሰሉ እሙናት ነገስታት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ኣብ ብዙሕ ኵርባታት ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታታት ይርአ ነበረ። እቶም ዘይእሙናት ነገስታት ይገዝእሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ እቲ ዅነታት ዝገደደ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: እቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ኣሃዝ ሕሉፍ ሓሊፉ ንውሉዱ ሞሌኽ ንእተባህለ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ኣብ ሓደ ጽምብል ሰዊኡ ኢዩ። እዚ ብሓቂ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዩ ነይሩ!—2 ነገስት 15:32-​34፣ 16:​2-4

6 እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣህጕራዊ ዅነታት እውን ተስፋ ዝህብ ኣይነበረን። ሞኣብ: ኤዶም: ከምኡውን ፍልስጥኤም ኣብ ዶባት ይሁዳ ስግኣት ፈጢረን ነበራ። እታ ብወገን ሰሜን ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል እውን ዋላ እኳ ምስ ይሁዳ ናይ ደም ዝምድና እንተ ነበራ ቀንዲ ጸላኢት ይሁዳ ኰይና ነበረት። ብሰሜን ድማ ሶርያ ንሰላም ይሁዳ ጠንቂ ነበረት። ልዕሊ ዅሉ ሓደገኛ ድማ እቲ ንምጕባጥ ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ኣጋጣሚታት ዝጽበ ዝነበረ ጨካን ሰራዊት ኣሶር ኢዩ። ኣብቲ ኢሳይያስ ዝንበየሉ ዝነበረ ግዜ ኣሶር ንእስራኤል ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺራታ: ንይሁዳ ድማ ዳርጋ ከተዕንዋ ቁሩብ ኢዩ ተሪፍዋ ነይሩ። አረ ሓንሳእሲ ኣሶር ብዘይካ ንየሩሳሌም ንዅለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ተቘጻጺራተን ነይራ ኢያ።​—ኢሳይያስ 1:​7, 8፣ 36:1

7. ይሁዳን እስራኤልን እንታይ መገዲ ኢየን ዝመረጻ: የሆዋኸ ብኸመይ መለሰለን፧

7 እቶም ምስ ኣምላኽ ኪዳን ዝነበሮም ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ስቓይ ዝወረዶም እስራኤልን ይሁዳን ንየሆዋ እሙናት ስለ ዘይኰና ኢዩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ “ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ: ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ” ተባሂሉሎም ዘሎ ሰባት ኢዮም ኰይኖም ነይሮም። (ምሳሌ 2:13) ገና ግን የሆዋ ብህዝቡ ተቘጢዑ እኳ እንተ ነበረ ምሉእ ብምሉእ ኣይራሕርሖምን። ካብቶም ህዝቢ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከገልግል ንዝደሊ ሰብ መንፈሳዊ ብርሃን ንኽህብዎም ነብዪ ኢሳይያስን ካልኦት ነብያትን ኣተንስኣሎም። እቲ በዞም ነብያት እዚኣቶም ዝወሃብ ዝነበረ ብርሃን ብሓቂ ክቡር ኢዩ። ህይወት ዝህብ ኢዩ ነይሩ።

ሕጂ ዘሎ መንፈሳዊ ጸልማት

8, 9. ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸልማት ኣበርክቶ ዝገበረ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

8 እቲ ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበረ ዅነታት ምስዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን: ሰብኣውያን መራሕቲ ንየሆዋን ነቲ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ሕቘኦም ሂቦምዎም ኢዮም ዘለዉ። (መዝሙር 2:⁠2, 3) መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንመጓሰኦም የታልልወን ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መራሕቲ ንኣምላኽ ነገልግሎ ኢና እኳ እንተ በሉ ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ግን ነቲ ዝጣበቕሉ ናይ ኣረማውነት ሰረተ⁠-​እምነታት ከይጠቐስካ ንኣማልኽቲ እዛ ዓለም እዚኣ ማለት ንሃገራውነት: ውትህድርና: ሃብቲ: ከምኡውን ንምርኡያት ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዮም ዘምልኹ ዘለዉ።

9 ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣብቲ ኣብ በቦትኡ ዓሌታዊ ምጽራይን ካልእ ዘስካሕክሕ ነገራትን እተራእየሉ ኲናትን ግጭት ሓድሕድን ኢደን አእትየን ኢየን። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ክንዲ ዝሕልውኦ: ንኸም ምንዝርን ግብረ⁠-​ሰዶምን ዝኣመሰለ ናይ ርኽሰት ተግባራት ሸለል ኢለን ይርእያኦ ወይ ብዕሊ ይድግፋኦ ኣለዋ። ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ገይረን ስለ ዝነጸግኦ እቲ መጓሰአን ከምቲ ጥንታዊ ጸሓፍ መዝሙር “ኣይፈልጡን: ኣየስተውዕሉን: ኣብ ጸልማት ይመላለሱ” ኢሉ እተዛረበሎም ሰባት ኰይኑ ኢዩ። (መዝሙር 82:5) ብርግጽ እምበኣር ህዝበ⁠-​ክርስትያን ልክዕ ከምታ ጥንታዊት ይሁዳ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኢያ ኣትያ ዘላ።​—⁠ራእይ 8:⁠12

10. ሎሚ ኣብ ጸልማት ብርሃን ዝበርህ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ: እቶም ትሑታትከ ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙ፧

10 ከምዚ ዝኣመሰለ ጸልማት እናሃለወ የሆዋ ምእንቲ እቶም ቅኑዓት ክብል ብርሃን ከም ዝበርህ ይገብር ኣሎ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ኣገልገልቱ: “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ይጥቀም ኣሎ፣ እዚኣቶም ድማ ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም የብርሁ’ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:45፣ ፊልጲ 2:15) እዚ ባርያ እዚ በቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ብጾቱ እናተደገፈ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: እተመስረተ መንፈሳዊ ብርሃን የብርህ ኣሎ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ኣብዛ ጸልማት ኣጐልቢብዋ ዘሎ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ብርሃን ንትሑታት ተስፋ ዝህብ: ምስ ኣምላኽ ርክብ ንኽህልዎም ዝድግፍ: ከምኡውን መንፈሳዊ ዕንቅፋታት ንኸወግዱ ዝሕግዞም ኢዩ። ህይወት ክህብ ዝኽእል ክቡር ነገር ኢዩ።

“ንስምካውን ክውድሶ እየ”

11. የሆዋ ኣብ ግዜ ኢሳይያስ እንታይ ፍልጠት ከም ዝህሉ ኢዩ ዝገበረ፧

11 ኣብቲ ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበረ ጸልማት ከምኡውን ኣብቲ ባቢሎናውያን ንህዝቢ የሆዋ ናብ ምርኮ ምስ ወሰድዎም ዝነበረ ዝገደደ ድቕድቕ ጸልማት የሆዋ እንታይ ዓይነት መምርሒ ኢዩ ዝሃበ፧ ኣብ ርእሲ እቲ ዝሃቦ ስነ⁠-​ምግባራዊ መምርሒታት ነቲ ንህዝቡ ዝነበሮ ዕላማታት ብኸመይ ከም ዝፍጽሞ እውን ብንጹር ሓቢሩ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ ካብ ምዕራፍ 25 ክሳብ 27 ዘሎ ዘደንቕ ትንቢታት ርአ። እቲ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግዜ ኢሳይያስ የሆዋ ንነገራት ብኸመይ ይኣልዮ ከም ዝነበረ: ሕጂ ድማ ብኸመይ ይኣልዮ ከም ዘሎ ዝሕብረና ኢዩ።

12. ኢሳይያስ እንታይ ልባዊ መግለጺ ኢዩ ዝሃበ፧

12 መጀመርታ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። . . . ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ።” እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ልባዊ መግለጺ ውዳሰ ኰን ኢዩ! ነቲ ነብዪ ከምዚ ኢሉ ንኽጽሊ ዝደፋፍኦ ነገር ግን እንታይ ኢዩ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ኣብቲ ዝተረፈ ሓሳባት ናይ ቍጽሪ ሓደ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “[የሆዋ] ተኣምራት: እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪ: እምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠1

13. (ሀ) ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ የሆዋ ዝነበሮ ሞሳ ከም ዝድልድል ዝገበሮ ፍልጠት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቲ ናይ ኢሳይያስ ኣብነት ብኸመይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

13 ኣብቲ ኢሳይያስ ዝነበረሉ እዋን የሆዋ ድሮ ንእስራኤላውያን ብዙሕ ድንቂ ነገራት ገይሩሎም ነበረ: እዚ ድማ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ነይሩ ኢዩ። ኢሳይያስ ድማ ነዚ ነገራት እዚ ይፈልጦ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንህዝቡ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ከም ዘውጸኦም: ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ካብ ቍጥዓ ሰራዊት ፈርኦን ከም ዘናገፎም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ንህዝቡ ብምድረ በዳ መሪሑ ኣብ ምድሪ ተስፋ ከም ዘእተዎም እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 136:⁠1, 10-26) ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ጸብጻባት: የሆዋ ኣምላኽ እሙንን ትውክልቲ ዝግበሮን ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ‘ምኽሩ’​—⁠ዝዓለሞ ዅሉ​—⁠ይፍጸም ኢዩ። ኢሳይያስ በቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝረኸቦ ርጡብ ፍልጠት ብመገዲ ብርሃን ምምልላስ ንኽቕጽል ተበራቲዑ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንዓና ሰናይ ኣብነት ኢዩ። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቕና ኣጽኒዕና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ: ንሕና እውን ኣብ ብርሃን ምንባር ክንቅጽል ኢና።​—⁠መዝሙር 119:105፣ 2 ቈረንቶስ 4:6

ከተማ ዓንያ

14. ብዛዕባ ሓንቲ ኸተማ እንታይ ትንቢት ኢዩ እተነግረ: ኣየነይቲ ኸተማኸ ኢያ፧

14 ኣብነት ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ወይ መጠንቀቕታ ኣብ ኢሳይያስ 25:⁠2 ንረክብ ኢና። ከምዚ ኸኣ ይንበብ:- “ንኸተማስ ኵምራ እምኒ: ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ: እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን: ንዘለኣለም ኣይኪስራሕን እዩ።” እዛ ኸተማ እዚኣ ኣየነይቲ ኢያ፧ ኢሳይያስ ብትንቢታዊ መገዲ ኢዩ ብዛዕባ ባቢሎን ዝዛረብ ነይሩ። ብርግጽ: ባቢሎን ኵምራ እምኒ ኣብ ዝዀነትሉ ግዜ እዚ ተፈጺሙ ኢዩ።

15. ሎሚ ኣየነይቲ “ዓባይ ኸተማ” ኢያ ዘላ: እንታይከ ኢዩ ኸጋጥማ፧

15 ነታ ኢሳይያስ ዝጠቐሳ ከተማ ኣብዚ እዋን እዚ መመሳስልቲ ኣለዋዶ ኢዩ፧ እወ: ኣለዋ። መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብዛዕባ ሓንቲ “ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ” ትዛረብ ኢያ። (ራእይ 17:⁠18) እዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ኢያ። (ራእይ 17:⁠5) ሎሚ ቀንዲ ኽፍሊ ዓባይ ባቢሎን ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኢያ: ካህናታ ኸኣ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራር ቀንዲ መራሕቲ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:⁠14) ይኹን እምበር: ከም ጥንታዊት ባቢሎን: ዓባይ ባቢሎን እውን ካልኣይ ግዜ ከም ዘይትትንስእ ኰይና ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክትጠፍእ ኢያ።

16, 17. ቅድም ይኹን ሎሚ ንየሆዋ ጸላእቱ ብኸመይ ኢዮም ዝወደስዎ፧

16 ኢሳይያስ ብዛዕባ እዛ “ዕርድቲ ኸተማ” እንታይ ካልእ ትንቢት ኢዩ እተነበየ፧ ንየሆዋ “እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ: ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ አላ” ይብሎ። (ኢሳይያስ 25:⁠3) እዛ “ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ” ተባሂላ ዘላ ተጻባኢት ከተማ ከመይ ኢላ ኢያ ንየሆዋ ከተኽብር እትኽእል፧ ነቲ ናይ ባቢሎን ዝበርትዐ ንጉስ ዝነበረ ነቡካድነጻር እንታይ ከም ዘጋጠሞ ዘክር። ድኽመቱ ዝሕብር ዘነቓቕሕ ተመክሮ ምስ ኣሕለፈ: ንዕቤት የሆዋን ብርታዐ ሓይሉን ንኽእመን ተገዲዱ ኢዩ። (ዳንኤል 4:⁠34, 35) የሆዋ ንሓይሉ እንተድኣ ተጠቒምሉ ጸላእቱ እውን ከይተረፈ ከይፈተዉ ነቲ ድንቂ ግብርታቱ ኣፍልጦ ንኽህብሉ ክግደዱ ኢዮም።

17 ዓባይ ባቢሎን ነቲ ድንቂ ተግባራት የሆዋ ኣፍልጦ ንኽትህበሉ ተገዲዳ ትፈልጥዶ ኢያ፧ እወ። ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ መከራ እናሃለወ ኸሎ ኢዮም ዝሰብኩ ነይሮም። እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበሩ ሰባት ምስ ተኣስሩ ብ1918 ናብ መንፈሳዊ ምርኮ ኸዱ። እቲ ብጥርኑፍ መገዲ ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ዳርጋ ኣቋረጸ። ብ1919 ግን የሆዋ ካብ ምርኮ መለሶም: ብመንፈሱ እንደገና ምስ ኣበርትዖም ድማ ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ መዝነቶም ኣብ መላእ ምድሪ ንምፍጻም ተበገሱ። (ማርቆስ 13:⁠10) ነቲ ኣብ ጸላእቶም ዝህልዎ ጽልዋ ሓዊስካ ብምልኡ እዚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብትንቢት ተነጊሩ ኣሎ። እቶም ጸላእቶም “ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ።” (ራእይ 11:​3, 7, 11-​13) እዚ ግን ሽዑ ዅሎም እምነቶም ቀይሮም ማለት ዘይኰነስ ከምቲ ኢሳይያስ ብትንቢት ኣቐዲሙ ዝበሎ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንድንቂ ተግባራት የሆዋ ኣፍልጦ ንኽህብሉ ተገዲዶም ኢዮም።

“ዕርዲ ንድኻ”

18, 19. (ሀ) ተጻረርቲ ንንጽህና ህዝቢ የሆዋ ከበላሽውዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ‘ደርፊ ናይቶም ጨካናት’ ዝጠፍእ ብኸመይ ኢዩ፧

18 ኢሳይያስ ናብቲ የሆዋ ነቶም ብብርሃን ዝመላለሱ ሰባት ዘርእዮም ሕያውነት ብምቕላብ ንየሆዋ ከምዚ ይብሎ:- “ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ: ንስኻ ዕርዲ ንድኻ: ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ: ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ: ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ። ከምቲ ንሃሩር ኣብ ደረቕ ምድሪ እተህድኦ: ከምኡ ንታዕታዕ ጓኖት ተህድኦ አሎኻ: ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል: ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ይዝሕል አሎ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠4, 5

19 ካብ 1919 ኣትሒዞም ጨቈንቲ ንንጽህና ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ንምብልሻው ዝከኣሎም ኵሉ እኳ እንተ​ገበሩ ኣይተዓወቱን። ስለምንታይ፧ ከመይሲ የሆዋ ናይ ህዝቡ ዕርድን ጸግዕን ኢዩ። ካብ ናይ ስደት ዋዒ መጽለሊ ይኸውን: ካብቲ ከም ማዕበል ዝዀነ ምጽራር ድማ ከም መንደቕ ኢዩ። እቶም ብብርሃን ኣምላኽ እንመላለስ ዘበልና ኸኣ ‘ደርፊ ዓወት ናይቶም ጨካናት ክዝሕል’ ከሎ ከም እንርኢ ድልዱል ተስፋ ኢዩ ዘሎና። እወ: ጸላእቲ የሆዋ ጠፊኦም እንርእየሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ።

20, 21. የሆዋ እንታይ ድግስ ኢዩ ዘዳለወ: እቲ ድግስ እቲኸ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ፧

20 የሆዋ ንህዝቡ ካብ ምዕቋብ ንላዕሊ ኢዩ ዝገብረሎም። ከም ፈቃር ኣቦኦም መጠን ዘድልዮም ይቕርበሎም ኢዩ። ብ1919 ንህዝቡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ምስ ኣውጽኦም: ኣብ ቅድሚኦም ናይ ዓወት መኣዲ: ኣኽል⁠-​ታርፍ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ኣዳለወሎም። እዚ ኸኣ ኣብ ኢሳይያስ 25:⁠6 ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይንበብ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ: ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።” ኣብዚ ድግስ እዚ ክንካፈልሲ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! (ማቴዎስ 4:⁠4) ‘መኣዲ ጐይታ’ ብሓቂ በቲ ክንበልዖ እንኽእል ጽቡቕ ነገራት መሊኡ ኢዩ ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠21) በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መገዲ ዘድልየና ዘበለ ዅሉ የዳልወልና ኣሎ።

21 እዚ ብመለኮታዊ መገዲ ዝዳሎ ስቡሕ መኣዲ ካልእ ተወሳኺ ነገራት እውን ኣለዎ። እቲ ሕጂ እነስተማቕሮ ዘሎና ስቡሕ መንፈሳዊ መኣዲ ኣብታ ኣምላኽ ንኸምጽኣ እተመባጽዐ ሓዳስ ዓለም ኣኽል⁠-​ታርፍ ዝዀነ ስጋዊ መግቢ ከም ዝህሉ ዘዘኻኽረና ኢዩ። ሽዑ እቲ “ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ” ዝብል መግለጺ ነቲ ኣኽል⁠-​ታርፍ ስጋዊ መግቢ እውን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ። ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መገዲ ዝጠሚ ሰብ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ሽዑ ነቶም ሕጂ ብሰንኪ እቲ ኽፋል ‘ትእምርቲ’ ህላወ የሱስ ዝዀነ ብትንቢት እተነግረ ‘ጥሜት’ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣመንቲ ብጾትና ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ ክዀነሎም! (ማቴዎስ 24:⁠3, 7) ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ብሓቂ የጸናንዕኦም ኢየን። ንሱ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [ኢዩ]” በለ።​—⁠መዝሙር 72:⁠16

22, 23. (ሀ) እንታይ ‘መጋረጃ’ ወይ ‘መጐልበቢ’ ኢዩ ከልግስ: ብኸመይከ፧ (ለ) ‘ሕስራን ህዝቢ ኣምላኽ’ ብኸመይ ኢዩ ከልግስ፧

22 ሕጂ ነቲ ዝያዳ ኣደናቒ ዝዀነ መብጽዓ ስምዓዮ። ንሓጢኣትን ሞትን ምስ ‘መጋረጃ’ ወይ ‘መጐልበቢ’ ብምምስሳል ኢሳይያስ ከምዚ ይብል:- “[የሆዋ] ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዅሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዚጕልብብ መጐልበብን ኬጥፍኦ እዩ።” (ኢሳይያስ 25:⁠7) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ከም ዝዕፍን ድሩዕቶ ዀይኑ ንደቅሰብ ጸቒጥዎም ዘሎ ሓጢኣትን ሞትን ኣይክህሉን ኢዩ። እቲ ካብ በጅነት የሱስ ዝርከብ ረብሓታት ኣብቶም እዙዛትን እሙናትን ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ውዒሉ እንርእየሉ ግዜ ክንደይ ኰን ኢና እንናፍቕ!—ራእይ 21:​3, 4

23 ብዛዕባ እዚ ድንቂ ዝዀነ ግዜ ብምምልካት እቲ ብመንፈስ ተደሪኹ እተነበየ ነብዪ ከምዚ ኢሉ የረጋግጸልና:- “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ: ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።” (ኢሳይያስ 25:⁠8) ብባህርያዊ ምኽንያት ዝመውት ወይ ብምኽንያት ሞት ዘፍቅሮ ሰብ ዝነብዕ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ዘለዎ ለውጢ ኰን ኢዩ ክኸውን! ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ኣምላኽን ኣገልገልቱን ንነዊሕ ግዜ እተጸመምዎ ጸርፍን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ኣብ ገጽ ምድሪ ፈጺሙ ኣይክስማዕን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ የሆዋ ነቲ ምንጩ ዝዀነ ኣቦ ሓሶት: ሰይጣን ድያብሎስ ምስ ኵሉ ዘርኡ ከጥፍኦ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠44

24. እቶም ብብርሃን ዝመላለሱ ነቲ የሆዋ ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ዝፍጽሞ ተኣምራት ብኸመይ ኢዮም ዝምልስሉ፧

24 እቶም ብብርሃን ዝመላለሱ ሰባት ነዚ ዅሉ ተርእዮታት ሓይሊ የሆዋ ምስ ኣስተንተንሉ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ንኸመስግኑ ክለዓዓሉ ኢዮም:- “እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ: ተጸቤናዮ: ኬድሕነና ኸኣ እዩ: እቲ እተጸበናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ: ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና።” (ኢሳይያስ 25:⁠9) ድሕሪ ቐረባ እዋን ጻድቃን ዝዀኑ ደቅሰብ ዝሕጐስሉ ብዙሕ ምኽንያታት ክህልዎም ኢዩ። ጸልማት ፈጺሙ ክቕንጠጥ ኢዩ: እቶም እሙናት ድማ ንዘለኣለም ብብርሃን የሆዋ ክመላለሱ ኢዮም። ካብዚ ዝበልጽ ተስፋ ክህሉ ይኽእልዶ፧ ፈጺሙ የለን!

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሎሚ በቲ ብርሃን ምምልላስ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኢሳይያስ ንስም የሆዋ ዝወደሰ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ጸላእቲ ንንጽህና ህዝቢ ኣምላኽ ከበላሽውዎ ፈጺሞም ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ነቶም ብብርሃን ዝመላለሱ እንታይ ብዙሕ በረኸታት ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ተቐማጦ ይሁዳ ንውሉዳቶም ንሞሌኽ ይስውኡ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ ተኣምራታዊ ተግባራት ምፍላጡ ንስም የሆዋ ንኽውድሶ ኣለዓዒልዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ጻድቃን ንዘለኣለም ብብርሃን የሆዋ ክመላለሱ ኢዮም