ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ብርሃን ዝመርጹ ክድሕኑ ኢዮም

እቶም ብርሃን ዝመርጹ ክድሕኑ ኢዮም

እቶም ብርሃን ዝመርጹ ክድሕኑ ኢዮም

“እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ: ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧”​—⁠መዝሙር 27:1

1. የሆዋ እንታይ ህይወት ዝህብ ምድላዋት ኢዩ ዝገበረ፧

 የሆዋ ምንጪ ናይቲ ህይወት ኣብ ምድሪ ከም ዝቕጽል ዝገብር ብርሃን ጸሓይ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠2, 14) ነቲ ቐታሊ ዝዀነ ጸልማት ናይዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ከልግስ ዝኽእል መንፈሳዊ ብርሃን ዝፈጠረ እውን ንሱ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:2፣ 2 ቈረንቶስ 4:6፣ ኤፌሶን 5:​8-​11፣ 6:​12) እቶም ብብርሃን ክመላለሱ ዝመርጹ ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ኰይኖም “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ: ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧” ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም። (መዝሙር 27:1ሀ) እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣብ ግዜ የሱስ እውን እተራእየ እቶም ብጸልማት ክመላለሱ ዝደልዩ ዅሎም ናይ ሞት ፍርዲ ጥራይ ኢዩ ዘጋጥሞም።​—⁠ዮሃንስ 1:​9-​11፣ 3:​19-​21, 36

2. ኣብ ግዜ ጥንቲ ነቶም ንብርሃን የሆዋ ዝነጸጉ ከምኡውን ነቶም ንቓሉ ዝሰምዑ እንታይ ኣጋጠሞም፧

2 ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝበዝሑ ካብቶም ምስ ኣምላኽ ኪዳን ገይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ነቲ ብርሃን ነጸግዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኢሳይያስ ነታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ከም ህዝቢ መጠን ክትጠፍእ ከላ ረኣየ። ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ጠፍኣ: ተቐማጦ ይሁዳ ኸኣ ናብ ምርኮ ተወስዱ። እቶም ንቓል የሆዋ ዝሰምዕዎ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ ክሕደት ክዋጽእሉ ክኢሎም ኢዮም። የሆዋ ብዛዕባ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ክዛረብ ከሎ እቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎ ከም ዝድሕኑ ተመባጺዑ ነይሩ ኢዩ። (ኤርምያስ 21:⁠8, 9) ሎሚ እውን እቶም ብርሃን እነፍቅር ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ዘጋጠመ ነገራት ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠5

እቶም ኣብ መገዲ ብርሃን ዘለዉ ዝረኽብዎ ሓጐስ

3. ሎሚ እንታይ እምንቶ ኢዩ ክህልወና ዝኽእል: ነየናይ “ጻድቕ ህዝቢ” ኢና እነፍቅር: እዚ “ህዝቢ” እዚኸ እንታይ “ጽንዕቲ ኸተማ” ኢያ ዘላቶ፧

3 “ጽንዕቲ ኸተማ አላትና: [ኣምላኽ] ቀጽርን ዕርድን ገይሩ ምድሓን ኬንብረላ እዩ። እቲ ሓቂ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኺአቱስ: ደጌታት ክፈቱ።” (ኢሳይያስ 26:⁠1, 2) እዚ እቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉ ህዝቢ ዝብልዎ ናይ ውዳሰ ቃላት ኢዩ። እቶም ኣብ ኢሳይያስ ዝነበሩ እሙናት ኣይሁዳውያን ነቶም ናይ ደቂ ዓዶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘይኰነስ ንየሆዋ ኢዮም ከም ናይ ሓቂ ምንጪ ድሕንነት ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ። ሎሚ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ እምንቶ ኢዩ ዘሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ናይ የሆዋ “ጻድቕ ህዝቢ”​—⁠‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’​—⁠ነፍቅር ኢና። (ገላትያ 6:⁠16፣ ማቴዎስ 21:⁠43) የሆዋ እውን ነዚ ህዝቢ እዚ የፍቅሮ ኢዩ: ከመይሲ እሙን ዝዀነ ጠባይ ዘንጸባርቕ ህዝቢ ኢዩ። እዚ ናይ ኣምላኽ እስራኤል እዚ ካብ በረኸት የሆዋ ዝረኸባ ከም “ጽንዕቲ ኸተማ” ተመሲላ ዘላ እትድግፎን እተዕቑቦን ማሕበር ኣላቶ።

4. እንታይ ኣመለኻኽታ እንተ ዀስኰስና ኢዩ ሰናይ ዝኸውን፧

4 እቶም ኣብዛ “ኸተማ” እዚኣ ዘለዉ ሰባት ‘እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ: [ኣብ የሆዋ] ስለ እተማሕጸነ ብሰላም ይሕሎ’ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። የሆዋ ነቶም ኣብኡ ንምውካልን ምስ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ንምስምማዕን ኣእምሮኣዊ ዝንባለ ዘለዎም ይድግፎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እሙናት ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ምሕጽንታ ኢሳይያስ ኣቕሊቦምሉ ኢዮም:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ: ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ።” (ኢሳይያስ 26:3, 4፣ መዝሙር 9:​10፣ 37:3፣ ምሳሌ 3:5) እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ን“እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ከም እንኮ ጽኑዕ ዕርዲ ገይሮም ኢዮም ዝውድስዎ። ምስኡ ድማ “ሰላም” ኣለዎም።​—⁠ፊልጲ 1:⁠2፣ 4:⁠6, 7

ንጸላእቲ ኣምላኽ ዘጋጥሞም ውርደት

5, 6. (ሀ) ጥንታዊት ባቢሎን ብኸመይ ኢያ እተዋረደት፧ (ለ) “ዓባይ ባቢሎን” ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢያ እተዋረደት፧

5 እቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉ ጸበባ ምስ ዘጋጥሞምከ፧ ክፈርሁ ኣየድልዮምን ኢዩ። የሆዋ ንግዜኡ ጸበባ የፍቅድ እኳ እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ዅነታት የርህዎ ኢዩ: ነቶም ስቓይ ዘውርዱሎም ድማ ይፈርዶም ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:​4-7፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:​8-​10) ናይ ሓንቲ “ልዕል ዝበለት ከተማ” ኵነታት ንርአ። ኢሳይያስ ከምዚ ይብል:- “[የሆዋ] ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነበሩ ለጠቕ ኣበሎም: ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኣዋረዳ: ክሳዕ ምድሪ ኣዋረዳ: ናብ ሓመድ ጻሕ ኣበላ። እግሪ ኤረ ኣእጋር ድኻታትን ስጕምቲ ሽጉራትን ይረግጻኣ።” (ኢሳይያስ 26:⁠5, 6) እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ልዕል ዝበለት ከተማ ባቢሎን ክትከውን ትኽእል ኢያ። እታ ኸተማ እቲኣ ንህዝቢ ኣምላኽ ብሓቂ ኣሳቕያቶም ኢያ። ይኹን እምበር እንታይ ኢዩ ኣጋጢምዋ፧ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኢድ ሜዶንን ፋርስን ወደቐት። ከመይ ዝበለ ውርደት ኰን ኢዩ!

6 እቲ ናይ ኢሳይያስ ትንቢታዊ ቓላት ነቲ ብ1919 ኣብ ልዕሊ “ዓባይ ባቢሎን” ዝወረደ ነገራት ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጾ ኢዩ። እዛ ከም ልዕል ዝበለት ከተማ ተመሲላ ዘላ ዓባይ ባቢሎን ብ1919 ንህዝቢ የሆዋ ካብቲ መንፈሳዊ ባርነት ክትፍንዎም ምስ ተገደደት: ዘሕፍር ኣወዳድቓ ኢያ ወዲቓ። (ራእይ 14:⁠8) እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠማ ነገራት ድማ ዝገደደ ዘዋርድ ኢዩ። እቶም ውሑዳት ክርስትያናት ነታ ቅድም ማሪኻቶም ዝነበረት ‘ክረግጽዋ’ ጀመሩ። ብ1922 ንመልእኽቲ ናይቶም ኣብ ራእይ 8:⁠7-12 ተገሊጾም ዘለዉ መለኸት ዝሓዙ ኣርባዕተ መላእኽቲ ከምኡውን ነቲ ኣብ ራእይ 9:⁠1–​11:⁠15 ብትንቢት ተነጊሩ ዘሎ ሰለስተ ወዮታት ብዕሊ ብምቅላሕ ጥፍኣት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ክእውጁ ጀመሩ።

“መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ”

7. እቶም ብብርሃን የሆዋ ክመላለሱ ዝደልዩ እንታይ መምርሒ ኢዮም ዝረኽቡ: ኣብ መን ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ: ነየናይከ ኢዮም ኣኽቢሮም ዝርእይዎ፧

7 ከምቲ ኢሳይያስ ቀጺሉ ገሊጽዎ ዘሎ የሆዋ ነቶም ናብ ብርሃኑ ዝመጹ ሰባት የድሕኖም: ኣብ መገዶም ድማ ይመርሖም ኢዩ። ንሱ ከምዚ በለ:- “መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ: ንጻድቕሲ መገዲ ተዳልወሉ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ መገዲ ፍርድኻ ተጸቤናካ: ስምካን ዝኽርኻን ናፍቖት ነፍስና እዩ።” (ኢሳይያስ 26:⁠7, 8) የሆዋ ጻድቕ ኣምላኽ ኢዩ: እቶም ዘምልኽዎ ድማ ነቲ ጻድቕ ስርዓታቱ ክሕልውዎ ይግባእ። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ኸኣ ንመገዶም ብምድላው ይመርሖም ኢዩ። እዞም ቅኑዓት እዚኣቶም ናብ መሪሕነቱ ብምቕላብ ኣብ የሆዋ ተስፋ ከም ዝገብሩን ነቲ ‘መዘከርታኡ’ ዝዀነ ስሙ ብምሉእ ልቦም ከም ዘኽብሩን የርእዩ።​—⁠ዘጸኣት 3:⁠15

8. ኢሳይያስ እንታይ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ኣረኣእያ ኢዩ ዘንጸባረቐ፧

8 ኢሳይያስ ንስም የሆዋ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝሕዞ ነይሩ። እዚ ድማ ካብቲ ቐጺሉ ኢልዎ ዘሎ ቃላት ክርአ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር: እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም እሞ: ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ: በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ።” (ኢሳይያስ 26:⁠9) ኢሳይያስ ንየሆዋ ‘ብነፍሱ’ ማለት ብዅልንትናኡ ብሂግዎ ኢዩ። እቲ ነብዪ ኣብቲ ህድእ ዝበለ ግዜ ለይቲ ናብ የሆዋ ክጽሊ: ውሽጣዊ ሓሳባቱ ንኣምላኽ ክገልጸሉ: ከምኡውን ካብ የሆዋ መምርሒ ንምርካብ ተጊሁ ሃለው ክብል ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎ ፈትን። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ! ኣብ ርእሲ እዚ ኢሳይያስ ካብቲ ናይ የሆዋ ናይ ፍርዲ ተግባራት ጽድቂ ተማሂሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ዅሉ ግዜ ንቑሓት: ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ንምስትውዓል ኵሉ ግዜ ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዘሎና ዘዘኻኽረና ኢዩ።

ገሊኦም ጸልማት ይመርጹ

9, 10. የሆዋ ነቶም ዘይእሙናት ህዝቢ እንታይ ናይ ሕያውነት ተግባር ኢዩ ዝገበረሎም: ንሳቶም ግን ብኸመይ መለስሉ፧

9 የሆዋ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ብዙሕ ፍቕራዊ ሕያውነት እኳ እንተ ኣርኣዮም እቶም እተቐበልዎ ኵሎም ዘይምዃኖም ግን ዘሕዝን ኢዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ የሆዋ ሓቂ ብምፍላጥ ዝርከብ ብርሃን ዝመርጹ ብተደጋጋሚ ዕልወትን ክሕደትን ይመርጹ ነበሩ። ኢሳይያስ ከምዚ በለ:- “ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉ: ጽድቂ ኣይምሀርን: ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር: ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይርእዮን።”​—⁠ኢሳይያስ 26:10

10 ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ኢድ የሆዋ ንይሁዳ ካብ ጸላእታ ከተዕቝባ ኸላ መብዛሕትኦም ነዚ ኣፍልጦ ክህብሉ ኣይደለዩን። ሰላም ብምሃብ ምስ ባረኾም እውን እቶም ህዝቢ ኣየማሰውሉን። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ኣብ ትሕቲ “ኻልኦት ጐይቶት” ክዀኑ: ኣብ መወዳእታ ድማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ክውሰዱ ኣፍቀደ። (ኢሳይያስ 26:⁠11-13) ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ተረፍ ናይቶም ህዝቢ ተቐጺዖም ናብ ዓዶም ተመልሱ።

11, 12. (ሀ) እቶም ንይሁዳ ማሪኾምዋ ዝነበሩ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዝነበሮም፧ (ለ) ብ1919 እቶም ንቕቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ማሪኾምዎም ዝነበሩ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዝነበሮም፧

11 ነቶም ማሪኾምዎም ዝነበሩኸ እንታይ ወረዶም፧ ኢሳይያስ ብትንቢት ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ምውታትሲ ህያዋን ኣይኰኑን: ጽላሎት ኣይትንስኡን: ስለዚ ቐጻዕካዮምን ኣጽነትካዮምን: ንመዘከርታኦም ዘበለውን ኣጥፋእካዮ።” (ኢሳይያስ 26:14) እወ: ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ወደቐት ብድሕሪኡ ተስፋ ዝበሃል ኣይነበራን። ቀስ ኢላ ድማ እታ ከተማ ካብ ህላወ ከተልግስ ነበራ። ከም “ጽላሎት” ክትከውን ነበራ: እቲ ዝነበራ ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ድማ ኣብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ጥራይ ተሓጺሩ ተረፈ። ኣየ እዝስ ነቶም ኣብ ሓያላት ኣካላት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝውከሉ ከመይ ዝበለ መጠንቀቕታ ኰን ኢዩ!

12 ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ብ1918 ናብ መንፈሳዊ ባርነት ክኸዱ ምስ ኣፍቀደ: ድሕሪኡ ድማ ብ1919 ሓራ ከም ዝወጹ ምስ ገበሮም ገለ መዳያት ናይዚ ትንቢት እዚ ፍጻሜ ረኺቡ ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር መጻኢ ተስፋ ናይታ ቅድም ማሪኻቶም ዝነበረት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሃሲሱ ኢዩ። እቲ ንህዝቢ የሆዋ ዝጽበዮም ዝነበረ መብጽዓ ግን ብሓቂ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ።

“ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ”

13, 14. እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ 1919 ኣትሒዞም ከመይ ዝበለ ብዙሕ በረኸት ኢዮም ዝረኸቡ፧

13 ኣምላኽ ነቲ እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቱ ዘርኣይዎ መንፈስ ነስሓ ብ1919 ባሪኽዎ ኢዩ: ብቝጽሪ ኸም ዝውስኹ ድማ ገበሮም። መጀመርታ ነቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ምእካብ ቈላሕታ ተገብረ: ድሕርዚ ኣባላት እቶም “ዓቢ ጭፍራ” (NW  ) ናይ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ክእከቡ ጀመሩ። (ራእይ 7:⁠9፣ ዮሃንስ 10:⁠16) እዚ በረኸት እዚ ድማ ኣቐዲሙ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ብኸምዚ ዝስዕብ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ:- “ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ: ዎ እግዚኣብሄር: ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ: ከበርካ: ንወሰን እቲ ሃገር ኵሉ ድማ ኣርሐብካዮ። ዎ እግዚኣብሄር: ብጸበባ ደለዩኻ: ቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም: ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ።”​—⁠ኢሳይያስ 26:⁠15, 16

14 ኣብዚ እዋን እዚ: ወሰን ናይቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ መላእ ምድሪ ተዘርጊሑ ኣሎ: እቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት ብውዕዉዕ መንፈስ ዝካፈሉ ዓቢ ጭፍራ ድማ ሽዱሽተ ሚልዮን በጺሖም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ካብ የሆዋ ዝመጸ በረኸት ኰን ኢዩ! ንስሙ ድማ ከመይ ዝበለ ክብሪ ኰን ዘምጽእ ኢዩ! ሕጂ ስም የሆዋ ኣብ 235 ሃገራት ይስማዕ ኣሎ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ድንቂ ፍጻሜ ናይ መብጽዓኡ ኰን ኢዩ!

15. ብ1919 እንታይ ምሳልያዊ ትንሳኤ ኢዩ እተፈጸመ፧

15 ኣይሁዳውያን ካብ ባርነት ባቢሎን ሓራ ንኽወጹ ሓገዝ የሆዋ ኣድልይዎም ነይሩ ኢዩ። ባዕሎም ክወጹ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 26:⁠17, 18) ብተመሳሳሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብ1919 ሓራ ምውጽኦም ደገፍ የሆዋ ከም ዝነበሮም ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ብዘይ ናይ የሆዋ ደገፍ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዝገበርዎ ለውጢ ኣዝዩ ዘገርም ብምንባሩ ኢሳይያስ ከም ትንሳኤ ገይሩ ተዛሪብሉ ኣሎ። ንሱ ከምዚ በለ:- “ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ: ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ: ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ እሞ: ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ: ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።” (ኢሳይያስ 26:19፣ ራእይ 11:⁠7-11) እወ: እቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሞት ዝነበሩ ንጥፈታቶም ንኸሕድሱ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እንደገና ተወሊዶም ኢዮም!

ኣብ ግዜ ሓደጋ ዕቑባ ምርካብ

16, 17. (ሀ) ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ኣይሁዳውያን ካብ ጥፍኣት ባቢሎን ምእንቲ ኽድሕኑ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝነበሮም፧ (ለ) እቲ ‘ሕልፍኚ’ ተባሂሉ ዘሎ ኣብዚ እዋን እዚ ንምንታይ ዘመልክት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል: ብኸመይከ ኢዩ ክጠቕመና ዝኽእል፧

16 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ዕቑባኡ የድልዮም ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኢዱ ኣንጻር እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክዝርግሕ ስለ ዝዀነ ኣምለኽቱ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓገዙ ከድልዮም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ብዛዕባ እቲ ሓደገኛ ዝዀነ እዋን የሆዋ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቐና:- “እንሆ: እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ አሎ: ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ: ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ: እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ: ኪድ: ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ: ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።” (ኢሳይያስ 26:20, 21፣ ጸፎንያስ 1:⁠14) እዚ መጠንቀቕታ እዚ ንኣይሁዳውያን ካብቲ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዝወረደ ጥፍኣት ብኸመይ ክድሕኑ ከም ዘለዎም መጠንቀቕታ ኰይንዎም ኢዩ። እቶም ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዘቕለብሉ ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ብምጽንሖም: ካብ መቕተልቲ ናይቶም ብዓወት ናብታ ከተማ ዝኣተዉ ወተሃደራት ክድሕኑ ክኢሎም ኢዮም።

17 ኣብዚ እዋን እዚ እተን ኣብቲ ትንቢት ‘ሕልፍኚ’ ተባሂለን ዘለዋ ምስተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመሳሰላ ኢየን። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ጉባኤታት ሕጂ እውን ከይተረፈ ዕቝባ ኢየን። እቶም ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮት ሽማግለታት ኰይኖም ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ድሕንነት ዝረኽቡለን ቦታታት ኢየን። (ኢሳይያስ 32:⁠1, 2፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) ብፍላይ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: እሞ ኸኣ ድሕነትና ኣብ ምእዛዝና እተመርኰሰ ብምዃኑ እዚ ሓቂ ኢዩ።​—⁠ጸፎንያስ 2:⁠3

18. የሆዋ ድሕሪ ቐረባ እዋን ‘ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ዝቐትሎ’ ብኸመይ ኢዩ፧

18 ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ: ንሌዋታን: ነቲ ቕልጡፍ ተመን: ንሌዋታን: ነቲ ዚለዋወ ተመን: ኪቐጽዖ: ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።” (ኢሳይያስ 27:1) ዘመናዊ ‘ሌዋታን’ መን ኢዩ፧ እዚ እቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣንን ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ንምውጋእ ዝጥቀመሉ እኩይ ኣገባብን ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። (ራእይ 12:⁠9, 10, 17፣ 13:⁠14, 16, 17) እቲ ሌዋታን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሮ ምቍጽጻር ብ1919 ኣቋረጸ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ኢዩ። (ራእይ 19:⁠19-21፣ 20:⁠1-3, 10) ስለዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ “ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል . . . ኪቐትሎ” ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ሌዋታን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዝገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ነባሪ ዓወት ኣይክህልዎን ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:⁠17) ብዛዕባ እዚ መረጋገጺ ኽትረክብሲ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!

“እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ”

19. ኣብዚ እዋን እዚ ዅነታት ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ ከመይ ኢዩ ዘሎ፧

19 ነዚ ዅሉ ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ብርሃን ብምርኣይ: ክንሕጐስ ብዙሕ ምኽንያታትዶ የብልናን ኢዩ፧ ብሓቂ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና! ኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ክረኽብዎ ዘለዎም ሓጐስ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ: ኵሉ ጊዜ ኤስትዮ: ሓደ እኳ ኸይጐድኦ: ለይትን መዓልትን እሕልዎ አሎኹ።” (ኢሳይያስ 27:2, 3) የሆዋ ነቶም ‘ብኣታኽልቲ ወይኒ’ ተመሲሎም ዘለዉ ተረፍ ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ጻዕረኛታት ብጾቶምን ተኸናኺንዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠1-8) እቲ ውጽኢት ድማ ንስሙ ውዳሰ: ንኣገልገልቱ ድማ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ኰይኑ።

20. የሆዋ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ኢዩ ዘዕቝባ፧

20 እቲ ንቕቡኣት ኣገልገልቱ ብ1918 ናብ መንፈሳዊ ምርኮ ከም ዝኸዱ ገይርዎም ዝነበረ ቍጥዓ የሆዋ ምዝሓሉ ዘሐጕሰና ኢዩ። የሆዋ ባዕሉ “ኵራ የብለይን: ተዀርባን እሾዅን ኪዋግኡኒ እንተ ዚትንስኡ: ተንሲኤ ብሓደ መንደድክዎም። እንተ ዘይኰነስ ምሳይ ይተዐረቕ: ንሓይለይ ይሐዝ: ምሳይ ይተዐረቕ።” (ኢሳይያስ 27:4, 5) የሆዋ እቲ ግርሁ ወይኑ ኣኽል⁠-​ታርፍ ዝዀነ ‘ፍትዊ ወይኒ’ ምፍራይ ምእንቲ ክቕጽል ንዝዀነ ይኹን ከም ጻህያይ ኰይኑ ከበላሽዎ ዝኽእል ነገራት የጥፍኦ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንድሕንነት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘስግእ ኣይሃሉ! ኵሎም ስምረትን ዕቑባን የሆዋ ንምርካብ ‘ንሓይሊ’ የሆዋ ‘ይሓዙ።’ ከምዚ ብምግባርና ምስ ኣምላኽ: ሰላም ንገብር​—⁠እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ኢሳይያስ ክልተ ግዜ ጠቒስዎ ኣሎ።​—⁠መዝሙር 85:​1, 2, 8፣ ሮሜ 5:⁠1

21. እታ ፈራይት ምድሪ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢያ “ብፍረ” ዝመልአት፧

21 እቲ በረኸታት ብኸምዚ ዝስዕብ ይቕጽል:- “በቲ ዚመጽእ ዘመን: ያእቆብ ሱር ኪሰድድ: እስራኤል ከኣ ኪልምዕን ኪዕምብብን እዩ: ንዝባን ዓለም ድማ ብፍረ ኺመልእዎ እዮም።” (ኢሳይያስ 27:6) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ካብ 1919 ኣትሒዛ ክትፍጸም ጸኒሓ ኢያ: ሓይሊ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ድማ ርኡይ ዝዀነ መርትዖ ሂባ ኢያ። ቅቡኣት ክርስትያናት ንምድሪ “ብፍረ” ማለት ብዘዐንግል መንፈሳዊ መግቢ ይመልኡዋ ኣለዉ። ኣብ ማእከል እዛ ብልሽውቲ ዓለም ነቲ ናይ ኣምላኽ ልዕል ዝበለ መለክዒታት ይዕቅብዎ ኢዮም። የሆዋ ድማ እናወሰኹ ከም ዝኸዱ ብምግባር ብቐጻሊ ይባርኾም ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ብጾቶም ዝዀኑ ክፍሊ ካልኦት ኣባጊዕ “ለይትን መዓልትን [ንኣምላኽ] የገልግልዎ” ኣለዉ። (ራእይ 7:15) ስለዚ እምበኣር ካብቲ ‘ፍረ’ ብምውሳድ ንኻልኦት ከነካፍል ዘሎና ዓቢ መሰል ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ!

22. ነቶም ብርሃን ዝቕበሉ እንታይ በረኸት ኢዩ ዝወርደሎም፧

22 ኣብዘን ጸልማት ንዓለም: ጣቓ ድማ ንህዝብታት ኣጐልቢብሉ ዘሎ ዳሕሮት መዓልትታት የሆዋ ንህዝቡ መንፈሳዊ ብርሃን ይህቦም ብምህላዉስ ኣመስገንትዶ ከይኰንና፧ (ኢሳይያስ 60:⁠2፣ ሮሜ 2:⁠19፣ 13:⁠12) ንዅሎም እቶም ነዚ ብርሃን እዚ ዝቕበሉ ሕጂ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ሓጐስን: ኣብ ዝመጽእ ድማ ብዓቢኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘውህቦም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቶም ብርሃን እነፍቅር ንየሆዋ ክንውድሶ ከምኡውን ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ኴንና ከነኽብሮ ምኽንያት ኣሎና። ንሱ ከምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ: ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ ብእግዚኣብሄር ተሰፎ: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል: ኣጆኻ: እወ: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።”​—⁠መዝሙር 27:1ለ, 14

ትዝክሮዶ፧

• ነቶም ንህዝቢ የሆዋ ዝጭቍኑ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለዎም፧

• ኣብ ኢሳይያስ እንታይ ወሰኽ ከም ዝህሉ ኢዩ ብትንቢት እተነገረ፧

• ኣበየናይ ‘ሕልፍኚ’ ኢና ክንጸንሕ ዘሎና: ስለምንታይከ፧

• ኵነታት ህዝቢ የሆዋ ንዕኡ ንውዳሰ ዝኸውን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

ሓዳስ መጽሓፍ

ዝበዝሕ ካብቲ ኣብዚ ኽልተ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት እዚ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ኣብ ናይ 2000/2001 ኣውራጃዊ ኣኼባ ፕሮግራም ብመልክዕ ዝርርብ ዝቐረበ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ናይታ ዝርርብ ትንቢት ኢሳይያስ​—⁠ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን: ጥራዝ 1 ዘርእስታ ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ወጸት። እዛ 416 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ እዚኣ ነተን ናይ መጀመርታ 40 ምዕራፋት ትንቢት ኢሳይያስ በብቝጽሪ ገይራ ትመያየጠለን ኢያ።

ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ “ጽንዕቲ ኸተማ” ተባሂላ ዘላ ማሕበር የሆዋ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም እቶም ጻድቃን ጥራይ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኢሳይያስ ንየሆዋ “ብለይቲ” ደልይዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ‘ንኣታኽልቲ ወይኑ’ ይከናኸኖ: ፍረ ከም ዝህብ ድማ ይገብሮ