ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓሳብ መንፈስ ሒዝካ ብህይወት ንበር!

ሓሳብ መንፈስ ሒዝካ ብህይወት ንበር!

ሓሳብ መንፈስ ሒዝካ ብህይወት ንበር!

“እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።”​—⁠ሮሜ 8:⁠6

1, 2. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ‘ስጋን መንፈስን’ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ከም ዘሎ ኢዩ ዝገልጽ፧

 ኣብ ውሽጢ ሓደ ንስጋዊ ድሌት ምዕጋብ ኣዕዚዙ ዝርኢ ብልሹው ሕብረተሰብ ኴንካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣቕዋም ምዕቃብ ዓቢ ብድሆ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ኣብ መንጎ እቲ ሓጥእ ስጋና ኽገዝኣና ኢድና እንተድኣ ሂብና ክህልዎ ዝኽእል ሕማቕ ሳዕቤን ከምኡውን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኽጸልወና ፍቓደኛታት ምስ እንኸውን እንዓጽዶ በረኸት ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ብምሕባር ‘ንስጋን መንፈስን’ የነጻጽሮ ኢዩ።

2 ንኣብነት: የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዝስዕብ በለ:- “መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር: ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት: መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።” (ዮሃንስ 6:⁠63) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ: መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። . . . እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።” (ገላትያ 5:⁠17) ብተወሳኺውን ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኢዩ:- “እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።”​—⁠ገላትያ 6:⁠8

3. ካብ ባርነት ሕማቕ ድሌታትን ዝንባለታትን ሓራ ንምውጻእ እንታይ ኢዩ ዝድለ፧

3 እቲ መስለጢ ሓይሊ የሆዋ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ንርኹስ “ስጋዊ ትምኒት” ከምኡውን ነቲ ዕንወት ከስዕበልና ዝኽእል ብሓጥእ ስጋና እተዓብለለ ዝንባለ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ክምሕዎ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠11) ካብ ባርነት ሕማቕ ዝንባለታት ሓራ ንምውጻእ ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ: ከመይሲ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ: እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።” (ሮሜ 8:⁠6) ሓሳብ መንፈስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

“ሓሳብ መንፈስ”

4. “ሓሳብ መንፈስ” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

4 ጳውሎስ ብዛዕባ “ሓሳብ መንፈስ” ክጽሕፍ ከሎ “ኣገባብ ኣተሓሳስባ: ዝንባለ: . . . ዕላማ: ድራኸ: ተወፋይነት” ንምምልካት እትውዕል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ ዘሎ። እታ እትዛመዳ ግሲ ኸኣ “ምሕሳብ: ኣብ ሓደ ነገር ምትኳር” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ኢያ። ስለዚ ሓሳብ መንፈስ ክበሃል ከሎ ናይ የሆዋ መስለጢ ሓይሊ ዝቈጻጸረካን ዝገዝኣካን ዝድርኸካን ምዃን ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ኣተሓሳስባና: ዝንባለና: ከምኡውን ድራኸና ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጽልዋ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንምግባሩ ፍቓደኛታት ምዃን ማለት ኢዩ።

5. ክሳዕ ክንደይ ኢና ብመንፈስ ቅዱስ ክንጽሎ ዘሎና፧

5 ጳውሎስ ‘ብመንፈስ እትግዛእ’ ብዛዕባ ምዃን ክዛረብ ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ክንጽሎ ከም ዘሎና ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። (ሮሜ 7:⁠6) ክርስትያናት ሳላ እቲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዝገብርዎ እምነት ካብ ኣርዑት ሓጢኣት ሓራ ወጺኦም ኢዮም፣ ስለዚ ኻብቲ ቕድም ከም ባሮት ዝነበርሉ ኵነታት ‘ሞይቶም’ ኢዮም። (ሮሜ 6:⁠2, 11) እቶም ብኸምዚ ዝበለ ምሳልያዊ መገዲ ዝሞቱ ሰባት ብስጋ ገና ህያዋን ኢዮም ከምኡውን ‘ግዙኣት ጽድቂ’ ብምዃን ንክርስቶስ ክስዕብዎ ናጻ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 6:⁠18-20

ዘደንቕ ለውጢ

6. እቶም ‘ግዙኣት ጽድቂ’ ዝዀኑ ሰባት ከመይ ዝበለ ለውጢ ኢዮም ዝገብሩ፧

6 እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ካብ “ባሮት ሓጢኣት” ናብ ‘ግዙኣት ጽድቂ’ ናይ ምልዋጥ ኵነታት ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ዝገበሩ ሰባት ክዛረብ ከሎ “ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠ሮሜ 6:⁠17, 18፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠11

7. ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ምቕድሑ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ለውጢ ንምግባር ብቐዳምነት የሆዋ ኣብ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ክንማሃር የድልየና። ብዙሕ ዘመናት ይገብር እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: . . . ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን” ብምባል ንኣምላኽ ካብ ልቢ ለመኖ። (መዝሙር 25:⁠4, 5) የሆዋ ንዳዊት ሰሚዕዎ ኢዩ: ነቲ ኸምዚ ዝበለ ዘመናውያን ኣገልገልቱ ዘቕርብዎ ጸሎት እውን ምላሽ ክህበሉ ይኽእል ኢዩ። መገድታት ኣምላኽን ሓቅታቱን ጽፉፍን ቅዱስን ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ እዚ ምስትንታን ርኹስ ስጋዊ ድሌታት ንምዕጋብ ኣብ እንፍተነሉ እዋን ሓጋዚ ኢዩ።

ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ

8. መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

8 እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ኢዩ ተዳልዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠እንተድኣ ተኻኢሉ መዓልቲ መዓልቲ​—⁠ምንባብን ምጽናዕን ሓደ ኻብቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ኸም ዝዓዪ ክንገብረሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገድታት ሓደ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠10, 11፣ ኤፌሶን 5:⁠18) ንኣእምሮናን ልብናን ብሓቅታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመልእ ምግባሩ ነቲ ኣብ መንፈሳውነትና ዝመጽእ መጥቃዕትታት ንኽንቃወሞ ዝሕግዘና ኢዩ። እወ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ መንፈስ ኣምላኽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መዘኻኸሪታትን ዝመርሓና ስርዓታትን ከም እንዝክር ክገብረና ይኽእል ኢዩ: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ኣብቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዝወሰድናዮ ቈራጽነት ከም እንጸንዕ ክገብረና ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠1, 2, 99፣ ዮሃንስ 14:⁠26) ስለዚ: ግጉይ መገዲ ንምስዓብ ከቶ ኣይንስሕትን ኢና።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:⁠3

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምዕቃብ ዝገበርናዮ ቈራጽነት ዘደልድለልና ብኸመይ ኢዩ፧

9 ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓገዝ እቲ ብእኡ መሰረት እተዳለወ ጽሑፋት ገይርና ብቕንዕናን ብጻዕርን ከየባተኽና ምስ እነጽንዖ: መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ንመዐቀኒታት የሆዋ ዘሎና ክብሪ ብዝዓምቈሉ መገዲ ንኣእምሮናን ልብናን ክጸልዎ ኢዩ። እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እቲ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ይኸውን። ኣብ እዋን ፈተና ነቲ ሓጢኣት ብምፍጻም ዝርከብ ሓጐስ ዘንጸባርቕ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ቦታ ኣይንህቦን ኢና። ኣብ ክንድኡስ እቲ ዝያዳ ዘገድሰና ኣብ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ምዕቃብ ኢዩ። ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ኣዕሚቝና ነማስወሉ እንተድኣ ዄንና ካብቲ ኸባላሽዎ ወይ ድማ ከጥፍኦ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ክንከላኸለሉ ክድርኸና ኢዩ።

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

10. ሓሳብ መንፈስ ንምሓዝ ሕጊ የሆዋ ምኽባር ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ሓሳብ መንፈስ ክህልወና ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ንጉስ ሰሎሞን ንመዐቀኒታት የሆዋ ኣጸቢቑ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ: ይኹን እምበር ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ህይወቱ ብመሰረት እቲ ምርድኡ ኽመላለስ ኣይከኣለን። (1 ነገስት 4:⁠29, 30፣ 11:⁠1-6) መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘሎና እንተድኣ ዄንና ንትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጡ ጥራይ ዘይኰነስ ንሕጊ ኣምላኽ ብምሉእ ተወፋይነት ናይ ምኽባር ኣድላይነት እውን ክንግንዘቦ ኢና። እዚ ኸኣ ንመዐቀኒታት ኣምላኽ ተጠንቂቕና ክንምርምሮን ንምስዓቡ ኣበርቲዕና ክንጽዕርን ኣሎና ማለት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ብምባል ድማ ዘመረ። (መዝሙር 119:⁠97) ሕጊ ኣምላኽ ንምስዓብ ብሓቂ ንግደስ እንተድኣ ዄንና: መለኮታዊ ባህርያት ንምንጽብራቕ ክንድረኽ ኢና። (ኤፌሶን 5:⁠1, 2) ናብ ሓጢኣት ተዀብኪብና ኣብ ክንዲ እንኣቱ ፍረ መንፈስ ኢና እነንጸባርቕ: እቲ ንየሆዋ ከነሐጕስ ዘሎና ድሌት ከኣ ካብቲ ነውራም “ግብሪ ስጋ” ከም እንርሕቕ ክገብረና ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠16, 19-23፣ መዝሙር 15:⁠1, 2

11. እቲ ምንዝር ዝኽልክል የሆዋ ዘውጸኦ ሕጊ ንዓና ንዕቝባና ምዃኑ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

11 ኣብ ሕጊ የሆዋ ዓሚቝ ኣኽብሮትን ፍቕርን ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ኻብቲ መገዲ ነቲ ዘለዎ ጥቕሚ ብጥንቃቐ ምምርማር ኢዩ። ነቲ ንጾታዊ ርክብ ኣብ ሓዳር ጥራይ ክፍጸም ዝሓጽር ከምኡውን ነቲ ንምንዝርን ዝሙትን ዝኽልክል ሕጊ ኣምላኽ እስከ ርኣዮ። (እብራውያን 13:⁠4) ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ካብ ዝዀነ ይኹን ዘሐጕስ ነገር ዝጠልየና ድዩ፧ ሓደ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ ዝጠቅም ነገር ዝሓርመና ሕጊ መውጸአዶ፧ ኣይፋሉን! ምስቲ የሆዋ ዘውጽኦ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ተሰማሚዖም ዘይነብሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም እንታይ የጋጥሞም ከም ዘሎ ተዓዘብ። ዘይተደልየ ጥንሲ ናብ ምንጻል ወይ ድማ ናብ ብዘይብሱላት መጻምድቲ ዝቘመን ዘይሕጉስን ሓዳር ኢዩ ዝመርሕ። ብዙሓት ከኣ ብዘይበዓል እንዳ ወይ ብዘይበዓልቲ እንዳ ውሉዳት ከዕብዩ ይግደዱ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ምንዝር ዝፍጽሙ ሰባት ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፍ ሕማም እተቓልዑ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18) ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ምንዝር እንተድኣ ፈጺሙ ኸኣ እቲ ዝወርዶ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ዝኸፍአ ኢዩ ዝኸውን። ነቲ ሕልናና ዝፈጥሮ ወቐሳዊ ስምዒት ክትዓብጦ ምህቃን ድቃስ ዘይብሉ ለይትን ናይ ኣእምሮ ጭንቀትን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 32:⁠3, 4፣ 51:⁠3) ስለዚ እምበኣር እቲ ምንዝር ዝኽልክል የሆዋ ዘውጽኦ ሕጊ ንዕቝባና ተባሂሉ ኸም እተዳለወ ብሩህዶ ኸይኰነ፧ እወ: ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህናና ምሕላው ብሓቂ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ!

ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ጸሊ

12, 13. ሓጥእ ድሌታት ምስ ዝኸበና ምጽላይ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ሓሳብ መንፈስ ልባዊ ጸሎት ንኽትገብር ዝሓትት ኢዩ። ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ክትረክብ ምሕታት ቅኑዕ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ “ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ብምባል ገሊጹ ኢዩ። (ሉቃስ 11:⁠13) ኣብ ኵሉ ድኻምና ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘድልየና ብጸሎት ክንገልጽ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:⁠26, 27) ሓጥእ ድሌታት ወይ ዝንባለታት ይጸልወና ኸም ዘሎ እንተድኣ ተገንዚብና ወይ ድማ ሓደ ፈቃር ኣማኒ ብጻይ ብዛዕባ እዚ እንተድኣ ኣዘኻኺሩና: ነቲ ሽግር ኣብ ጸሎትና ፈሊና ምጥቃሱን ነዚ ኣንፈት እዚ ንምዕራዩ ሓገዝ ኣምላኽ ምሕታትን ጥበባዊ ኢዩ።

13 የሆዋ ኣብ ቅኑዕን ንጹህን ደግነት ዘለዎን ዝነኣድን ነገራት ንኸነተኵር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። “ሰላም ኣምላኽ” ንኣልባብናን ናይ ምሕሳብ ክእለትናን ምእንቲ ኽሕልዎ ኣጸቢቕና ክንልምኖስ ክንደይ ግቡእ ኰን ኢዩ! (ፊልጲ 4:⁠6-8) ሃየ እምበኣር ‘ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ንምስዓብ’ ዘኽእለና ሓገዝ ካብ የሆዋ ንምርካብ ንጸሊ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠11-14) ብሓገዝ ሰማያዊ ኣቦና ዅሉ ጭንቀትን ፈተናታትን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ናብ ዝዀነሉ ደረጃ ኣይዓብን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ህይወትና በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝርከብ ቅሳነት ክትሃድእ ኢያ።

ነቲ መንፈስ ኣይተጕህዮ

14. መንፈስ ኣምላኽ ንጹሃት ኴንና ንምቕጻል ዝድርኸና ሓይሊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ብሱላት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ “መንፈስ ኣይተጥፍኡ” ዝብል ምኽሪ ጳውሎስ ብብሕቲ ደረጃ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠19) መንፈስ ኣምላኽ ‘መንፈስ ቅድስና’ ስለ ዝዀነ ንጹህ: ጽሩይ: ጽፉፍ ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠4) ኣባና ምስ ዝዓዪ እዚ መንፈስ እዚ ናይ ቅድስና ወይ ናይ ንጽህና ሓይሊ ኢዩ ዝህበና። እዚ ኸኣ ኣብቲ መለለይኡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ዝዀነ መገዲ ህይወት ንኽንቅጽል ዝሕግዘና ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:⁠2) ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘይጽፉፍ ተግባር ምጽማድ ነዚ መንፈስ እዚ ዕሽሽ ምባሉ ኢዩ: እዚ ኸኣ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል። ከመይ ገይሩ፧

15, 16. (ሀ) ንመንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና ከነጕህዮ እንኽእል፧ (ለ) ንመንፈስ ኣምላኽ ካብ ምጕሃይ ክንርሕቕ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

15 ጳውሎስ “ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ” ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 4:​30) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መንፈስ የሆዋ ኽገልጽ ከሎ ንቕቡኣት እሙናት ክርስትያናት ማሕተም ወይ ድማ “ዕርቡን” ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። እዚ ድማ ናይቲ ዝመጽእ ዘይመውት ሰማያዊ ህይወት ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:​22፣ 1 ቈረንቶስ 15:​50-​57፣ ራእይ 2:⁠10) መንፈስ ኣምላኽ ንቕቡኣትን ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን ኣብቲ ናይ ተኣማንነት ናብርኦም ክመርሖምን ካብ ሓጥእ ተግባራት ንኽርሕቁ ክሕግዞምን ይኽእል ኢዩ።

16 እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ሓሶት: ስርቂ: ነውራም ኣካይዳ: ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ተግባራት ዝንባለ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ገዛእ ርእስና ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክትጥሕል እንተድኣ ፈቒድና: ኣንጻር እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ቃል ኣምላኽ ንኸይድ ኣሎና ማለት ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠17-29፣ 5:⁠1-5) እዚ ብእተወሰነ ደረጅኡ ንመንፈስ ኣምላኽ ዘጕሂ ኢዩ፣ ብሓቂ ክንኣልዮ ዘድልየና ተግባር ድማ ኢዩ። ከመይሲ ነቲ ኣብ ቃል የሆዋ ዘሎ ምኽሪ ዕሽሽ ክንብሎ እንተድኣ ጀሚርና: ጠሪስና መለኮታዊ ስምረት ከም እንስእን ክገብረና ናብ ዝኽእል ደይመደይ ኢልካ ዝግበር ሓጢኣት ዝመርሓና ዝንባለን ባህርይን ምምዕባል ክንጅምር ንኽእል ኢና። (እብራውያን 6:⁠4-6) ሽሕኳ ሕጂ ኣብ ሓጢኣት ተጸሚድና እንተ ዘየለና: ናብቲ ኣንፈት እቲ ግን ነምርሕ ንህሉ ንኸውን። ብዘይምቍራጽ ኣንጻር መሪሕነት እቲ መንፈስ እንተድኣ ኼድና: እቲ መንፈስ ክጕሂ ኢዩ። ነቲ ምንጪ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ንጻረሮን ነጕህዮን ከም ዘሎና እውን ፍሉጥ ኢዩ። ንኣምላኽ ከፍቅርዎ ዝደልዩ ዓይነት ሰባት ከም ምዃንና መጠን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ንመንፈስ የሆዋ ከነጕህዮ ዘይኰነስ ሓሳብ መንፈስ ሒዝና ብምቕጻል ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ብዘኽብር መገዲ ምእንቲ ኽንመላለስ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ኣጸቢቕና ክንጽሊ ንኽእል ኢና።

ሓሳብ መንፈስ ሒዝካ ቐጽል

17. ገለ ኻብቲ ክንሰርዖ እንኽእል መንፈሳዊ ሸቶታት እንታይ ኣሎ: ኣብኡ ንምብጻሕ ጻዕሪ ምግባር ጥበባዊ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 መንፈሳዊ ሸቶታት ምስራዕን ኣብኡ ንምብጻሕ ምጽዓርን ሓሳብ መንፈስ ሒዝና ኽንቅጽል ዘኽእለና ብሉጽ መገዲ ኢዩ። ኣብ ድሌትናን ኵነታትናን ዝምርኰስ እኳ እንተዀነ ናይ መጽናዕቲ ልምድና ምምሕያሽ: ኣብ ዕዮ ስብከት ዘሎና ተሳትፎ ምዕባይ: ወይ ድማ ንኸም ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒ ምዃን: ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት: ወይ ዕዮ ሚስዮናዊነት ዝኣመሰለ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ምምጥጣር ዝኣመሰለ ሸቶታት ክንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ብግዲኡ ኣእምሮና ብመንፈሳዊ ረብሓታት ትሑዝ ከም ዝኸውን ጥራይ ዘይኰነስ ብሰብኣዊ ድኻምና ንኸይንስነፍ ወይ ብናይ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ሸቶታትን በቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ልሙድ ዝዀነ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ድሌታትን ንኸይንሰሓብ ክሕግዘና ኢዩ። እዚ ብርግጽ ጥበባዊ መገዲ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተማሕጺኑ ኢዩ:- “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ: ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ: ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር: ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።”​—⁠ማቴዎስ 6:⁠19-21

18. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ሓሳብ መንፈስ ሒዝካ ምቕጻል ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ሓሳብ መንፈስ ምሓዝን ንዓለማዊ ድሌት ምስናፉን ብሓቂ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን መገዲ ጥበብ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ልዕሊ ዅሉ ድማ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:⁠15-17) ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶ ሒዙ ይጐዓዝ እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑ: ኣብተን በዳህቲ ዓመታት ብጽሕነቱ ወይ ንእስነቱ ናይ ህይወት መብራህቲ ብምዃን ክሕግዞ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ውልቀ⁠-ሰብ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ብዘየገድስ ንኽለማመጥ ጸቕጢ ኣብ ዝወርዶ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ክዓሞ ንዝደልዮ ነገራት ብንጹር ዘርኢ ዕላማ ኣለዎ። እዚ መንፈሳዊ ሰብ እዚ ንመንፈሳዊ ሸቶታት ኣዋዲቕካ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ ወይ ድማ ሓጢኣት ብምፍጻም ምሕጓስ ዘይጥበባዊ አረ ዕሽነት ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ። ነቲ መንፈሳዊ ዝንባለ ዝነበሮ ሙሴ ኣይትረስዓዮ: “ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” (እብራውያን 11:⁠24, 25) ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ: ንሕናውን ኣብ ክንዲ ሓሳብ ሓጥእ ስጋና: ሓሳብ መንፈስ ሒዝና ምስ እንቕጽል ተመሳሳሊ ምርጫ ኢና እንገብር።

19. ሓሳብ መንፈስ ሒዝና እንተድኣ ቐጺልና እንታይ ረብሓ ኢና ኽንረክብ፧

19 ‘ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ኢዩ: እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን ኢዩ።’ (ሮሜ 8:⁠6, 7) ሓሳብ መንፈስ ሒዝና እንተድኣ ቐጺልና ብዋጋ ዘይሽነን ሰላም ከነስተማቕር ኢና። ልብናን ናይ ምሕሳብ ክእለትናን ካብ ጽልዋ እቲ ሓጥእ ኵነታትና ምሉእ ብምሉእ ክዕቈብ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ንኽንጽመድ ዘጓንፈና ፈተና ብዝሓሸ መገዲ ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ መንጎ ስጋን መንፈስን ዘሎ ቀጻሊ ቓልሲ ብዓወት ክንዋጽኣሉ ዘኽእለና መለኮታዊ ሓገዝ ክንረክብ ኢና።

20. ኣብቲ ኣብ መንጎ ስጋን መንፈስን ዝካየድ ገድሊ: ዓወት ክንጐናጸፍ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 ሓሳብ መንፈስ ሒዝና ብምቕጻል ኢና ምስቲ ምንጪ ህይወትን መንፈስ ቅዱስን ዝዀነ የሆዋ ተቐራሪብና ብህይወት ክንነብር እንኽእል። (መዝሙር 36:⁠9፣ 51:⁠11) ሰይጣን ድያብሎስን መሻርኽቱን ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምብታኽ ዝከኣሎም ዘበለ ዅሉ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ንኣእምሮና ኽቈጻጸርዎ ኢዮም ዝህቅኑ: ከመይሲ ከምዚ ምግባር ውዒሉ ሓዲሩ ጸላእቲ ኣምላኽ ናብ ምዃንን ናብ ሞትን ከም ዝመርሓና ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብዚ ኣብ መንጎ ስጋን መንፈስን ዝካየድ ገድሊ ክንዕወት ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ነይርዎ ኢዩ: ከመይሲ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ገድሊ ክጽሕፍ ከሎ ብቐዳምነት “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” ብምባል ሓተተ። ድሕርዚ ካብቲ መዋጥር እቲ ኽትናገፍ ከም ዝከኣል ንምርግጋጽ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ብምባል ስምዒቱ ገለጸ። (ሮሜ 7:⁠21-25) ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንሰብኣዊ ድኻም ብዓወት ክንዋጽኣሉን ኣብቲ ዘደንቕ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋ ብምግባር ሓሳብ መንፈስ ሒዝና ክንቅጽለሉን ዘኽእለና ሓገዝ ብምድላዉ ከነመስግኖ ንኽእል ኢና።​—⁠ሮሜ 6:⁠23

ትዝክሮዶ፧

• ሓሳብ መንፈስ ምሓዝ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

• መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሌና ንኽዓዪ ክንፈቕደሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኣብቲ ምስ ሓጢኣት እንገብሮ ቕልስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምግባር: ሕግታት የሆዋ ምሕላው: ከምኡውን ናብኡ ምጽላይ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ግለጽ።

• መንፈሳዊ ሸቶታት ምስራዕ ኣብ መገዲ ህይወት ንኽንቅጽል ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውነትና ዝወርድ መጥቃዕቲ ንኽንቃወሞ ይሕግዘና ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ንሓጥእ ባህግታት ንኽንጻረሮ የሆዋ ሓገዙ ክህበና ምጽላይ ግቡእ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መንፈሳዊ ሸቶታት ሓሳብ መንፈስ ንኽህልወና ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ