ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧

እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧

እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧

 እጠመቕካ ክርስትያን እንተድኣ ዄንካ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ፍቓዱ ንኽትገብር ከም ዝድርኸካ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ኣገልግሎትካ ብፍላይ ውፉይ ክትከውን ከም ዘሎካ እተረጋገጸ ኢዩ። ከመይሲ: የሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ሂብዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) እወ: ብስጋ ዘድልየካ ነገራት ንምምእራር ዓለማዊ ስራሕ ትሰርሕ ትህሉ። እንተዀነ ግን: ሰዓቢ የሱስን ናይ የሆዋ ምስክርን ከም ምዃንካ መጠን ብቐዳምነት ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዝበለጸ ቦታ ዝህብ ክርስትያን ኣገልጋሊ ኢኻ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ምናልባት ኣብ መወዳእታ ዓመታት ኰተቴ ወይ መጀመርታ 20ታት ትህሉ ትኸውን። ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ናብራ ክትነብር ከም ዘሎካ ኣጸቢቕካ ሓሲብካሉ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነቲ ተኸፊቱልካ ዘሎ ኣጋጣሚታት ኣብ እተመዛዝነሉ ግዜ ዕግበት ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።

እምበኣር እቲ ኣብ ዴንማርክ ዝነብር ዮርን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ምርጫ ዝበሎ እስከ ርአ። “ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ከተተኵረሉ እትኽእል ምቹእ ዓይነት ናብራ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። እታ ኣብ ግሪኽ እትነብር ጓል 31 ዓመት ኢቫ “ንህይወተይ ምስ ናይ መዛኖይ ህይወት ከነጻጽሮ ከለኹ: ኵሉ ሳዕ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ: ዝያዳ ዕማም ዝፍጽመሉ: ከምኡውን ዝያዳ ሓጐስ ዝርከቦ ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢየ ዝበጽሕ” በለት። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግበት ክርከቦ ዝከኣል እንታይ ዓይነት ናብራ ኢዩ፧ ከምዚ ዓይነት ናብራ ክትነብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ሞያ ክትመርጽ ከም ዘሎካ ይሕብረካዶ ኢዩ፧

ሞያ ምምራጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። አረ ገሊኣቶምስ ኣምላኽ እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዮም ፈልዩ ክሕብሮም ይጽበዩ ይዀኑ ኢዮም።

ሙሴ ኣብ ሚድያን ከሎ: ናብ ግብጺ ተመሊሱ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ሓራ ከውጽኦም የሆዋ መምርሒ ሃቦ። (ዘጸኣት 3:⁠1-10) ነቲ ንእስራኤላውያን ካብ ጭቈና ከድሕኖም እተሾመ ጊዴዎን መልኣኽ ኣምላኽ ተራእዮ። (መሳፍንቲ 6:⁠11-14) ሳሙኤል ንዳዊት ዝቕጽል ናይ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ንኽቐብኦ ኣምላኽ ክነግሮ ኸሎ: ዳዊት ኣባጊዕ ይሕሉ ነበረ። (1 ሳሙኤል 16:⁠1-13) ሎሚ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት ኣይወሃበናን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ንህሉው ኵነታት ብምምዝዛን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ክእለት ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ክንውስን ዘሎና ንሕና ኢና።

የሆዋ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት ‘ዓቢ ደገ ከፊትሎም’ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 16:⁠9) ብኸመይ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ቍጽሪ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ልዕሊ 2,125,000 ብምውሳኽ ካብ 6,000,000 ዝዛይድ ኰይኑ ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብመንፈስ ንኽዕንገሉን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብስራት ንምፍጻምን ብሚልዮናት ዝቝጸር መጽሓፍ ቅዱስ: መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: መጽሔታት: ከምኡውን ትራክትታት ኣብ ምቕራብ ሓገዞም ዝውፍዮ መን ኢዮም፧ ነዚ በረኸት ዝመልኦ መሰል ዝረኸቡ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኢዮም።

ዓስቢ ዘለዎ ናብራ

እታ ቤትኤል እትብል ቃል “ቤት ኣምላኽ” ማለት ኢያ፣ ኣባይቲ ቤትኤል ከኣ መንበሪ ናይቶም ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈትን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብወለንታ ዘገልግሉ ክርስትያናት ኢዩ። (ዘፍጥረት 28:⁠19 NW እግረ-ጽሑፍ) ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ስድራ ቤትኤል ምስ ሓንቲ ንየሆዋ ብዘለዋ ፍቕሪ እተመስረተትን ግቡእ ምምሕዳር ዘለዋ ‘ብጥበብ እተሃንጸትን ቤት’ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 24:⁠3

ብዛዕባ እቲ ከም ስድራቤት ምዉቕ ሃዋሁ ዝሰፈኖ ቤትኤል እንታይ ከበሃል ይከኣል፧ ሓደ ኣባል ናይታ ኣብ ኢስቶንያ እትርከብ ስድራ ቤትኤል ዝዀነ ወዲ 25 ዓመት ሓው ከምዚ ይብል:- “ወትሩ ምስ ኣዕሩኽ የሆዋ ምዃነይ የሐጕሰኒ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎተይ ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ዝቕጽል ኢዩ።”​—⁠መዝሙር 15:⁠1, 2

ኣብ መላእ ዓለም 19,500 ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቤትኤል ናይ ምግልጋል መሰል ረኺቦም ኣለዉ። (መዝሙር 110:⁠3) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: 46 ሚእታዊት ካብቶም ቤትኤላውያን ካብ 19 ክሳዕ 29 ዓመት ዝዕድሚኦም ኢዮም። ልክዕ ከም ኢሳይያስ “እኔኹ ልአኸኒ” ዝበሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 6:⁠8) ኢሳይያስ ድሮ ንየሆዋ እተወፈየ ስለ ዝነበረ ተወሳኺ መሰል ኣገልግሎት ንምርካብ ኢዩ ብወለንትኡ ዝቐርብ ነይሩ። እዚ ኸኣ ገለ ብሕታዊ ጥቕሚ ምስዋእ ከም ዝሓትት ንጹር ኢዩ። እቶም ኣብ ቤትኤል ዘገልግሉ ኣባይቶም: ከባቢኦም: ኣዴታቶም: ኣቦታቶም: ኣሕዋቶም: ኣሓቶም: ከምኡውን ኣዕሩኾም ሓዲጎም ዝመጹ ኢዮም። እዚ መስዋእቲ እዚ ‘ምእንቲ ወንጌል’ ኢሎም ብፍቓዶም ዝገበርዎ ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 10:⁠29, 30

ንሳቶም እውን ብግዴኦም ኣብ ቤትኤል ኣየ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ በረኸት ኢዮም ዝረኽቡ! ሓንቲ ኣባል ስድራ ቤትኤል ሩስያ ዝዀነት መንእሰይ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምንጽብራቕ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ዝሕግዘና ብዙሕ ነገራት ክንማሃር ንኽእል ኢና። ብወገነይ በረኸት የሆዋ ካብቲ ዝገበርክዎ መስዋእቲ ኣጸቢቑ ይዛይድ ኢየ ዝብል።”​—⁠ሚልክያስ 3:⁠10

ናብራ ቤትኤል

ናብራ ቤትኤል ከመይ ይመስል፧ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ጽቡቕ: ዘዕግብ: አረ ዘሐጕስ እውን ከም ዝዀነ ኢዮም ዝገልጹ። እቲ ወዲ 43 ዓመት ዝዀነ የንስ በቲ ኣብ ቤትኤል ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ሕጉስ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ኣገዳሲ ዕማም ንምፍጻም ኣብ ዝግበር ብርቱዕ ጻዕሪ ንሳተፍ ከም ዘሎና ኰይኑ ስለ ዝስምዓና ኢዩ። ስፍሓትን ኣገዳስነትን ዕዮ የሆዋ ክርድኦ ኽኢለ ኢየ።”

ኣብ ቤትኤል ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም ኣብ ዘሎ መዓልትታት ናይ ንግሆ ኣምልኾ ብምግባር ኢዮም ንጥፈታቶም ዝጅምሩ። እዚ ድማ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ ዝመርሖ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበር ምይይጥ ኢዩ። ሰኑይ ምሸት ንሓደ ሰዓት ዝኸውን በቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጽእ ዓንቀጻት ገይሮም ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ይገብሩ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ድሕሪኡ ብፍላይ ንስድራ ቤትኤል ተባሂሉ ዝዳሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝርርብ ይወሃቦም ኢዩ።

ሓደ ሰብ ቤትኤል ምስ ኣተወ እንታይ ኢዩ ዝግበረሉ፧ ኣባላት ናይቲ ስድራቤት ዝዀኑ ብሱላት ኣሕዋት ነቶም ሓደስቲ ኣባላት ስድራቤት ምስ ናይ ቤትኤል ህይወት ምእንቲ ኸላልይዎም ምስ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ቤትኤል እተተሓሓዘ ኣስተምህሮ ይህብዎም። እቶም ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ንብዙሕ ሰሙናት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዎም ምርዳእ ዘስፍሕ ሰሙናዊ ትምህርቲ ይማሃሩ ኢዮም። ፍሉይ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይወሃቦም ኢዩ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓመት ናይ ቤትኤል ኣገልግሎቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ የንብብዎ ኢዮም።

እዚ ዅሉ ስልጠና እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧ ኣባል ስድራ ቤትኤል ሆንግ ኮንግ ዝዀነ ወዲ 33 ዓመት ጃሹዋ ከምዚ ብምባል መልሲ ይህብ:- “ቤትኤል ብሓቂ ንየሆዋ ዘሎኒ ሞሳ ኣዕሚቝዎ ኢዩ። ምስቶም መብዛሕትኡ ክፍሊ ህይወቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍዎ ብዙሓት ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት ክመሓዞ እኽእል ኢየ። ብፍላይ ከኣ ከም ናይ ንግሆ ኣምልኾ ከምኡውን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ፕሮግራማት ባህ ኢዩ ዝብለኒ። ብተወሳኺውን: ነቲ ስርዓት ዝሓለወን ቀሊልን ናብራ እፈትዎ ኢየ። እዚ ካብ ዘየድሊ ጭንቀት የድሕነኒ። ንዘጋጥመኒ ጕዳያት ብክርስትያናዊ መገዲ ከመይ ገይረ ከም ዝሕዞ እውን ተማሂረ ኢየ። እዚ ኸኣ ወትሩ ዝጠቕመኒ ዀይኑ ኢየ ዝረኽቦ።”

ኣባላት ስድራ ቤትኤል ንዝበዝሐ ግዜኦምን ጉልበቶምን ኣብቲ ብወለንታ ዝዓይዎ ዕዮ ኢዮም ዘውዕልዎ። ኣካላውን ኣእምሮኣውን ክእለቶም ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ቤትኤል እተዋህቦም ዕዮ ኢዮም ዝጥቀሙሉ። ኣዝዩ ብዙሕ ዝዕየ ነገር ኣሎ። ገሊኣቶም ነቲ ናብ ብዙሓት ጉባኤታት ዝለኣኽ ጽሑፋት ዝሓትማ ወይ መጻሕፍቲ ዝጥርዛ ማሽናት የንቀሳቕሱ። ካልኦት ከኣ ኣብ ክሽነ: መመገቢ ክፍሊ ወይ ኣብ ክፍሊ መሕጸብ ክዳውንቲ የገልግሉ። ኣብ ጽሬት: ሕርሻ: ህንጸትን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዕዮታትን ዝምደቡ እውን ኣለዉ። ገሊኣቶም ኣብዘን ክፍልታት እዚኣተን ንዘሎ መሳርሒታት ናይ ምጽጋን ሓላፍነት ኣለዎም። ካልኦት ድማ ንጥዕና ኣሕዋቶም ይከናኸኑ ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ይዓዩ። ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዕዮ ቤትኤል ነናቱ ዝዀነ ባህ ዘብል ብድሆን ዘደንቕ ዓስብን ዘለዎ ኢዩ። እቲ ኣብ ቤትኤል ዝግበር ዕዮ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ስለ ዝዀነን ብፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኽካ ስለ ዝግበርን ፍሉይ ዕግበት ዝርከበሉ ኢዩ።

ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኣብ እተፈላለየ ጉባኤታት ይምደቡ ኢዮም: ኣብኡ ድማ ፍረ ኣገልግሎቶም ብቐጥታ ይርእይዎ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ምክፋል ባህ ይብሎም ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ምስቶም ኣብ ጉባኤኦም ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥብቂ ርክብ ኣለዎም።​—⁠ማርቆስ 10:⁠29, 30

ኣባል ስድራ ቤትኤል ብሪጣንያ ዝዀነት ካንቢ ከምዚ በለት:- “ንጉባኤይ ኣዝየ ኢየ ዘማስዎም! ኣብ ኣኼባ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ፍቑራት ኣሕዋት: ኣሓት: ቈልዑ: ከምኡውን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ምርኣየይ ንእምነተይ የደልድለለይ ኢዩ! ዝመጸ እንተ መጸ ኣየብኵሩን ኢዮም። እዚ ድማ ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎተይ ብዝያዳ ቀናእ ንኽኸውን ይሕግዘኒ ኢዩ።”

ናብራ ቤትኤል ወትሩ ስራሕ: ኣኼባ: ግራት ኣገልግሎት: ከምኡውን መጽናዕቲ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ኣባላት ስድራቤት ዝዘናግዕሉ ግዜ እውን ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ “ናይ ስድራቤት ምሸት” ዝበሃል ዝዘናግዕሉን ብመንፈሳዊ ዝህነጽሉን ፕሮግራማት ኣሎ፣ እቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ቤትኤላውያን ፍሉይ ክእለቶም ዘርእይሉን ኣብ ህይወቶም ዘሕለፍዎ ዘተባብዕ ነገራት ዘዘንትውሉን እዋን ኢዩ። ንኻልኦት ብምብጻሕ እውን ይህነጹን ሓጐስ ይረኽቡን ኢዮም። ገለ መዘናግዒ ነገራት ከምኡውን ንናይ ብሕቲ ንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ቤተ-መጻሕፍቲ ይዳለወሎም ኢዩ። መግቢ ኣብ ዝምገብሉ እዋን ዘሎ ባህ ዘብል ዕላል እውን ክርሳዕ የብሉን።

ኣባል ስድራ ቤትኤል ኢስቶንያ ዝዀነ ቶም ከምዚ በለ:- “ካብ ቤትኤል ብዙሕ ከይረሓቕካ ባሕሪ ኣሎ: ኣብ ጥቓና እውን ንምርኣዩ ዝማርኽ ጫካ ኣሎ: ኣነን በዓልቲ ቤተይን ድማ ኣብኡ ሸናዕ እናበልና ንዛወር ኢና። ሓድሓደ ግዜ ምስቶም ኣብ ጉባኤናን ቤትኤልን ዘለዉ ኣዕሩኽተይ ጎልፍ: ቃርሳ: ከምኡውን ተኒስ እጻወት ኢየ። ኵነታት ኣየር ምቹእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ብብሽክለታ ተናፊስና ንመጽእ ኢና።”

ብቕዓት ንኽህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ልክዕ ኢዩ: ቤትኤል ብቐዳምነት ብሱላት ክርስትያናት ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርቡሉን ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ብጾቶም ዘገልግሉሉን ቦታ ኢዩ። ስለዚ እቶም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዝዀኑ ገለ ብቕዓታት ከማልኡ ኣለዎም። ቤትኤላዊ ንኽትከውን እንታይ ብቕዓታት ከተማልእ ኣሎካ፧

እቶም ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ተቐባልነት ዝረኽቡ ሰባት ልክዕ ከምቲ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘገልገለ ጢሞቴዎስ ኣብ ጉባኤኦም ጽቡቕ ኣቕዋም ዘለዎም ክዀኑ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠1, 2) ‘እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዝነበሩ ኣሕዋት [ንጢሞቴዎስ] ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠2) ጢሞቴዎስ መንእሰይ እኳ እንተ ነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ኣብ ሓቂ ድማ ድልዱል መሰረት ነበሮ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14, 15) ብተመሳሳሊ: እቶም ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ተቐባልነት ዝረኽቡ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ክህልዎም ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ።

ኣባላት ስድራ ቤትኤል ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ክህልዎም ኣለዎ። እቲ ጢሞቴዎስ ዘርኣዮ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ጥቕሚ ርእሱ ንምስራዕ ዝነበሮ ፍቓደኝነትን ኣዝዩ ጕሉሕ ስለ ዝነበረ ጳውሎስ ብዛዕባኡ ከምዚ ክብል ከኣለ:- “ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሓሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሓሊ ሓደ እኳ የብለይን . . .። ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ: እቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል: ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።”​—⁠ፊልጲ 2:⁠20-22

ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ብቑዓት ዝዀኑ መንፈሳውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጥራይ ኢዮም። ኣባላት ስድራ ቤትኤል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር: ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ብምክፋል: ከምኡውን ምስ ብሱላት ክርስትያናት ብምትዕርራኽ ብመንፈስ ንኽዓብዩ ምድላዋት ይግበረሎም ኢዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ቤትኤል ዝኣትዉ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ምኽሪ ጳውሎስ ክስዕቡ ሓገዝ ይግበረሎም ኢዩ:- “[ብክርስቶስ የሱስ] ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም: ከምቲ እተመሀርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።”​—⁠ቈሎሴ 2:⁠6, 7

ኣብ ቤትኤል ዘሎ ስራሕ ጉልበት ዝሓትት ስለ ዝዀነ እቶም ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ተቐባልነት ዝረኽቡ ሰባት ኣካላዊ ድልዳለን ጽቡቕ ጥዕናን ዘለዎም ክዀኑ ኣለዎም። ነዚ እተጠቕሰ ብቕዓታት እተማልእ: 19 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝገበርካ: ካብ እትጥመቕ ከኣ እንተ ወሓደ ሓደ ዓመት ዘሕለፍካ እንተድኣ ዄንካ ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ክትሓስበሉ ነተባብዓካ።

ኵላትና እጃምና ከነበርክት ንኽእል ኢና

ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ንምሃብን ንየሆዋ ካብ ልብና ከነገልግሎን ከም እንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33፣ ቈሎሴ 3:⁠23) ነቶም ኣብ ቤትኤል ዘገልግሉ እውን ቅዱስ ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽሉ ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። ብፍላይ ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣሕዋት ነቲ እተባረኸ መሰል ምእንቲ ኽመጣጠሩ ምትብባዕ ክወሃቦም ኣለዎ።

ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ብመንፈሳዊ ዘዕግብ ዓይነት ናብራ ኢዩ፣ ብርግጽ እውን እቲ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ክዀነካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ቤትኤል ከገልግል ዝጀመረ ኒክ ነዚ ሓቂ ዀይኑ ኢዩ ረኺብዎ። ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ቤትኤል ምስ ኣገልገለ ከምዚ በለ:- “ብዙሕ ግዜ ንየሆዋ ስለቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ብጸሎት አመስግኖ ኢየ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ኢየ ክሓትት፧ ኣብዚ በቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ዝጽዕሩ እሙናት ክርስትያናት ኢና ተኸቢብና ዘሎና።”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]

ሽማግለታትን ወለድን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

ብፍላይ ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን መንእሰያት ቤትኤላውያን ንምዃን ምእንቲ ኸመልክቱ ከተባብዕዎም ኣለዎም። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣባላት ስድራ ቤትኤል እተገብረ ሓርፋፍ መጽናዕቲ: 34 ሚእታዊት ካብ ቤትኤላውያን ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል ሸቶ ንኽገብሩ ብቐዳምነት ምትብባዕ ዝሃብዎም ክርስትያናት ተዓዘብቲ ምዃኖም ኢዩ ተራእዩ። እወ: እታ ጉባኤኦም እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ክኸድዋ ኣይትደልን ትኸውን። ይኹን እምበር: ሽሕኳ ጢሞቴዎስ ኣብቶም ኣብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ዝነበሩ መንእሰያት ኣወንታዊ ጽልዋ እንተ ነበሮ: እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሽማግለታት ግን ምስ ጳውሎስ ካብ ምግልጋል ከም ዘይከልከልዎ ክንርስዕ የብልናን። ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ምኻዱ ንጉባኤኦም ብዙሕ ከም ዝጐድላ ገይሮም ኣይወሰድዎን።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠14

ብፍላይ ክርስትያናት ወለዲ ኣብዚ መዳይ እዚ ንደቆም ኣወንታዊ ጽልዋ ከሕድሩሎም ኣለዎም። ኣብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መጽናዕቲ ከም እተራእየ 40 ሚእታዊት ካብቶም እተሓተቱ ናብ ቤትኤል ንኽኣትዉ ወለዶም ቀንዲ ምንጪ ምትብባዕ ከም ዝዀንዎም ኢዮም ጠቒሶም። ሓንቲ ንሒደት ዓመታት ኣብ ቤትኤል ዘገልገለት ሓብቲ ከምዚ በለት:- “ወለደይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘለዎም ዓይነት ኣነባብራ ናብ ቤትኤል ንኽኣቱ ሓያል ድራኸ ኰይኑኒ ኢዩ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝገደፉለይ ኣብነት ብምርኣይ እዚ ዝበለጸን ልዕሊ ዅሉ ዘዕግብን ዓይነት ናብራ ከም ዝዀነኒ ፈለጥኩ።”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]

ንናይ ቤትኤል ኣገልግሎት የማስዉሉ ኢዮም

“ናይ ቤትኤል ኣገልግሎተይ ኣኽቢረ ኢየ ዝርእዮ። ምሉእ መዓልቲ ንየሆዋ ከገልግል ምውዓለይ: ጽባሕ: ድሕሪ ጽባሕ: ከምኡውን ድሕሪኡ ከምኡ ገይረ ከም ዘገልግል ምፍላጠይ የሐጕሰኒ ኢዩ። እዚ ሰናይ ሕልናን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ከም ዝህልወኒ ይገብር።”

“ቤትኤል ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ምሉእ ግዜኻን ጉልበትካን ንኣገልግሎት የሆዋ ክትውፍየሉ እትኽእል ቦታ ኢዩ። እዚ ኸኣ ውሽጣዊ ሓጐስ የምጽኣልካ። ንማሕበር የሆዋ ብኻልእ ሸነኽ ክትሪኣ እውን የኽእለካ ኢዩ። ናብ ሕምብርቲ ናይታ ማሕበር ኣጸቢቕካ ከም ዝቐረብካ ይስምዓካ: እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ።”

  “ኣብ ህይወተይ ካብ ዝረኸብክዎ ዝበለጸ ነገር ኣብ ቤትኤል ከገልግል ምኽኣለይ ኢዩ። ኣብዚ ብቐጻሊ ኢኻ እትማሃር። እቲ ዝማሃሮ ነገር ከኣ ንብሕታዊ ጥቕመይ ዘይኰነስ ንየሆዋ ንምግልጋል ኢዩ። ኣብዚ ዝስራሕ ስራሕ ፈጺሙ ንኸንቱ ኣይኰነን።”

“ንዘሎኒ ኽእለት ኣብ ቤትኤል ክጥቀመሉ ኣጋጣሚ ብምርካበይ ዕግበትን ሰላምን ይስምዓኒ ኢዩ: ከመይሲ ንየሆዋን ንኣሕዋተይን ኢየ ዘገልግለሉ ዘለኹ።”

“ኣብቲ ናይ ቀደም ስርሐይ ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ክረክብ ኣይከኣልኩን። ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን እናዓየኹ ንዓታቶም ከገልግል ንብዙሕ ዓመታት ዝምነዮ ዝነበርኩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢየ ቤትኤላዊ ዝዀንኩ። ኵሉ ጻዕርታተይ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ዝጠቕሞምን ንየሆዋ ውዳሰ ዘምጽእን ከም ዝዀነ ምፍላጠይ ናይ ሓቂ ዕግበት የምጽኣለይ ኢዩ።”