“ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ”
“ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ”
ጐይታኦም ምስ ተቐትለ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ተጨኒቖም ከም ዝነበሩ ክትግምቶ እሞ ፈትን። ልክዕ ከምቲ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ ኣብ መቓብር ዘንበሮ ሬሳ: ተስፍኦም በድኒ ኢዩ ዀይኑ ነይሩ። እቲ የሱስ ንኣይሁዳውያን ካብ ኣርዑት ሮማውያን ሓራ ንኸውጽኦም ተገይሩ ዝነበረ ዅሉ ትጽቢታት እውን በኒኑ ኢዩ ተሪፉ።
እቲ ጕዳይ ኣብዚ ኣኽቲሙ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልክዕ ከምቶም ሰዓብቲ መሲሕ ኢና ኢሎም ዝተንስኡ ብዙሓት ሰባት ምተረስዑ ነይሮም። የሱስ ግን ህያው ኰይኑ ኢዩ! ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝገልጾ ቅሩብ ግዜ ደድሕሪ ሞቱ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንሰዓብቱ ተራእይዎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ገለ ኻብኣቶም “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ” ብምባል ስምዒቶም ዝገለጹ።—ሉቃስ 24:34
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዝነበሮም እምነት ክጣበቑ ነይርዎም ኢዩ። ከምዚ ንምግባር ድማ ብፍላይ ካብ ሞት ምትንስኡ መሲሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ክምህ ዘይብል መርትዖ ምዃኑ ይሕብሩ ነበሩ። ብርግጽ እኳ ድኣ “ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 4:33
ምናልባት ንሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ብምርታዕ ወይ ድማ ንሬሳ የሱስ ኣብ መቓብር ከም ዝርአ ብምግባር እቲ ትንሳኤ ምትላል ምዃኑ ከረጋግጽ ዝኸኣለ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንተዝህሉ ነይሩ: ክርስትና ገና ኻብ ፈለምኡ ምተቘጽየ ነይሩ። ከምኡ ግን ኣየጋጠመን። ክርስቶስ ህያው ከም ዝዀነ ብምፍላጥ ሰዓብቲ የሱስ ናብ ኵሉ ቦታታት ብምኻድ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኣዊጆም ኢዮም: ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ድማ ኣብቲ ዝተንስአ የሱስ ኣሚኖም ኢዮም።
ንስኻኸ ኣብ ትንሳኤ የሱስ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧ ናይ ሓቂ እተፈጸመ ታሪኽ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
ነቲ ኸም ዝተንስአ ዘረጋግጽ መርትዖታት እንምርምረሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧
ኣርባዕቲኡ ወንጌል ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ጸብጻብ ዝሓዘ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:1-10፣ ማርቆስ 16:1-8፣ ሉቃስ 24:1-12፣ ዮሃንስ 20:1-29) a ካልእ ክፍልታት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እውን የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ዘረጋግጽ ሓሳብ ዝህብ ኢዩ።
ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤኡ እንተ ኣወጁ እምበኣር ምንም ዘገርም ጕዳይ ኣይኰነን! ብሓቂ ኣምላኽ ብህይወት ኣተንሲእዎ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ዓለም ዝሰምዓቶ ኣዝዩ ዘደንቕ ብስራት ኢዩ ነይሩ ማለት ኢዩ። እዚ ህላወ ኣምላኽ እውን ዘረጋግጽ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: የሱስ ሕጂ እውን ህያው ምዃኑ ብዝያዳ ዘረጋግጽ ኢዩ።
እዚ ንዓና ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈና፧ የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ዝብል ጸሎት ኣቕሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) እወ: ብዛዕባ የሱስን ኣቦኡን ህይወት ዘውህብ ፍልጠት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እንተ ሞትናውን ክንትንስእ ኢና: ከመይሲ የሱስ እውን ተንሲኡ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብ ትሕቲ እታ በቲ ንጉሰ ነገስት ዝዀነ ግርማዊ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እትህሉ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ክህልወና ይኽእል ኢዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 17:14
ስለዚ እምበኣር እቲ የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ድዩ ኣይተንስአን ዝብል ሕቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትናን መጻኢ ተስፋናን ዝትንክፍ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ነቲ የሱስ ከም ዝሞተን ዝተንስአን ዘረጋግጽ ኣርባዕተ መርትዖታት ክትምርምሮ እንዕድመካ ዘሎና።
የሱስ ተሰቒሉ ኸሎ ሙማቱ ሓቂ ኢዩ
የሱስ ምንም እኳ ተሰቒሉ እንተ ነበረ ከምኡ ኢሉ ኸሎ ኸም ዘይሞተ ዝገልጹ ተጠራጠርቲ ኣለዉ። ኣብ ኣፍ ሞት በጺሑ እኳ እንተ ነበረ ብዛሕሊ ናይቲ መቓብር ጸኒሑ ሃለዋቱ ከም ዝፈለጠ ኢዮም ዝዛረቡ። እንተዀነ ግን: ኵሉ መርትዖታት ከም ዘረጋግጾ እቲ ኣብ መቓብር ዘንበርዎ ሬሳ ኢዩ ነይሩ።
የሱስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለ እተቐትለ ብሓቂ ተሰቒሉ ኸም ዝሞተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ። ነዚ ድማ እቲ ነቲ መቕተልቲ ክፍጽም ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። እዚ ሓለቓ ሰራዊት እዚ ሞያኡ ናይ ሞት ፍርዲ ብሓቂ ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ምርግጋጽ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ ሬሳ የሱስ ክወስድ ክፈቕደሉ ዝኸኣለ የሱስ ከም ዝሞተ ድሕሪ ምርግጋጹ ኢዩ ነይሩ።—ማርቆስ 15:39-46
እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ
እቲ ጥራዩ ዝጸንሐ መቓብር: የሱስ ከም ዝተንስአ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዘረጋገጸሎም ናይ መጀመርታ መርትዖ ኢዩ፣ እዚ መርትዖ እዚ ድማ ከቶ ዘየከራኽር ኢዩ። የሱስ ኣብ ሓደ ኣብ ሬሳ ተቐቢርሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ኢዩ ተቐቢሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ስቕለት እተፈጸመሉ ቦታ ብምንባሩ ድሕሪኡ ኣናዲኻ ንምርካቡ ዘጸግም ኣይነበረን። (ዮሃንስ 19:41, 42) የሱስ ካብ ዝመውት ድሕሪ ሳልስቲ ብጾቱ ናብቲ መቓብር ከም ዝኸዱ እሞ ሬሳ ኣብኡ ኸም ዘይጸንሖም ኵሉ ጸብጻባት ወንጌል ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ።—ማቴዎስ 28:1-7፣ ማርቆስ 16:1-7፣ ሉቃስ 24:1-3፣ ዮሃንስ 20:1-10
እቲ ጥራዩ ዝጸንሐ መቓብር ከምቲ ንብጾት የሱስ ንጸላእቱውን ኣገሪምዎም ኢዩ። ጸላእቱ ክመውት እሞ ተቐቢሩ ክርእይዎ ኢዮም ህርድግ ዝብሉ ነይሮም። ኣብዚ ዕላማ እዚ ድሕሪ ምብጽሖምውን ሓለውቲ ብምግባርን ነቲ መቓብር ብምሕታምን ልዑል ጥንቃቐ ገይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ኣብ እዋን ንግሆ እቲ መቓብር ጥራዩ ነበረ።
ብጾት የሱስ ነቲ ሬሳ ካብቲ መቓብር ኣልዒሎም ወሲዶምዎዶ ይዀኑ፧ ፍጹም ኣይወሰድዎን: ከመይሲ ወንጌል ከም ዝገልጾ ድሕሪ ሞቱ ኣዝዮም ተደቚሶም ኢዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ ንሓደ ምትላል ምዃኑ ዝፈልጥዎ ነገር መስጐጕትን ሞትን ከሕልፍሉ ከቶ ዘይሕሰብ ነገር ኢዩ።
ነቲ መቓብር ጥራዩ ኸም ዝተርፍ ዝገበሮ ደኣ መን ኢዩ፧ ጸላእቲ የሱስ ክዀኑ ኣለዎም ኢልካ ምሕሳብ እሞ ከቶ ዘይመስል ነገር ኢዩ። ከምኡ ገይሮም ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ነቲ ጸኒሖም ደቀ መዛሙርቱ ዝብልዎ ዝነበሩ: የሱስ ከም ዝተንስአን ህያው ከም ዝዀነን ዝገልጽ ዘረባ ንምፍሻል ብርግጽ ከም መርትዖ መቕረብዎ ነይሮም። ከምዚ ዝበለ ነገር ግን ፍጹም ኣየጋጠመን: ከመይሲ ኣምላኽ ኢዩ ስጕምቲ ወሲዱ።
ገለ ሰሙናት ጸኒሖም ጸላእቲ የሱስ ነቲ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘቕረቦ ምስክርነት ዝነጽግ መርትዖ ክህብሉ ኣይከኣሉን:- “ኣቱም ሰብ እስራኤል: እዚ ቓልዚ ስምዑ፤ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ: የሱስ ብዓል ናዝሬት: እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ: ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽን ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከአለ ኸኣ: ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፤ ንእግዚኣብሄር ኵሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ: . . . ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ: ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ: . . . ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 2:22-27
ነቲ ዝተንስአ የሱስ ብዙሓት ርእዮምዎ ኢዮም
እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት “[የሱስ] ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ [ንሃዋርያቱ] እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርአዮምን ጽሒፈልካ አሎኹ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:2, 3) ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት—ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ: ኣብ መገዲ: ኣብ እዋን ብልዒ: ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ—ነቲ ዝተንስአ የሱስ ርእዮምዎ ኢዮም።—ማቴዎስ 28:8-10፣ ሉቃስ 24:13-43፣ ዮሃንስ 21:1-23
ሃያስያን እቲ ጸብጻብ እቶም ጸሓፍቲ ዝኣለምዎ ኢዩ ብምባል ወይ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ሓሳባት ብምጥቃስ ንሓቅነቱ ኣብ ሕቶ የእትውዎ ኢዮም። ከም ሓቁ ክርአ ኸሎ ግን እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ቅሩብ ዝፈላለ ትሕዝቶ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ሓሳብ ከም ዘይብሉ ዘረጋግጽ ኢዩ። ነቲ ኣብ ምድራዊ ህይወት ክርስቶስ ዘጋጠመ ፍጻመ ንምግላጽ ሓደ ጸሓፊ ኣብቲ ጸብጻቡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዝያዳ ኻልኦት ዝርዝራዊ ሓሳብ እንተድኣ ወሲኹ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎና ፍልጠት ዘስፍሖ ኢዩ።
እቲ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ እተገልጸሉ ዅነታት ናይ ምህውታት ትርኢት ድዩ ነይሩ፧ ነዚ ንምድጋፍ ዝቐርብ መርትዖ ተቐባልነት ዘይብሉ ኢዩ: ከመይሲ ብዙሓት ሰባት ኢዮም ርእዮምዎ። ገለ ኻብዚኣቶም ገፈፍቲ ዓሳ: ኣንስቲ: ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ክዀኑ ኸለዉ ከምኡውን እቲ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ንምእማን ድልዱል መርትዖ ዝደለየ ተጠራጣሪ ቶማስ እውን ከይተረፈ ርእይዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 20:24-29) ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ዝተንሰአ ጐይታኦም ኣብ ፈለማ ኸለልይዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ሓደ ግዜ እውን ልዕሊ 500 ሰባት ርእዮምዎ ኢዮም: መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ከም መርትዖ ትንሳኤ ዘቕረበሉ እዋን ብህይወት ነይሮም ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 15:6
እቲ ህያው የሱስ ኣብ ሰባት ጽልዋ ይገብር ኢዩ
ትንሳኤ የሱስ ስቕ ኢሉ ህንጥዮት ወይ ክትዕ ዘለዓዕል ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ፊልጲ 2:8-11) ኣብ የሱስን ኣብቲ የሆዋ ኣምላኽ ብበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ኣቢሉ ንድሕነት ዝገበሮ ምድላውን እምነት ገይሮም ኢዮም። (ሮሜ 5:8) ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባርን ምስ ትምህርትታት የሱስ ተሰማሚዖም ብምንባርን ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም።
ሰባት ብኣወንታዊ መገዲ ክጸልዎም ዝኸኣለ ህያው ስለ ዝዀነ ኢዩ። ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዞም ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ክርስትና ተገዳስነት ዘይነበሮም ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተቓወምቲ ዝነበሩ ኽነሶም ደሓር ግን ንክርስትና ከም ሓቀኛ ሃይማኖት ክቕበልዎ ጸኒሖም ኢዮም። እንታይ ኢዩ ክልውጦም ዝኸኣለ፧ ኣምላኽ ንየሱስ ግርማዊ መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ናብ ሰማያት ብህይወት ከም ዘተንስኦ ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከረጋግጹ ብምኽኣሎም ኢዮም። (ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያን ምዃን ከመይ ከም ዝነበረ እስከ ርአ። ዝና: ስልጣን: ወይ ከኣ ሃብቲ ምርካብ ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። በንጻሩ እኳ ድኣስ ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያናት ‘ምግባት ገንዘቦም ብሓጐስ ተዓጊሶም’ ኢዮም። (እብራውያን 10:34) ክርስትና ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን መስጐጕትን ዘስዕብ ኢዩ: ብዙሓት ከኣ ብሰማእትነት ሓሊፎም ኢዮም።
ገሊኦም ቅድሚ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃኖም ዝናን ሃብትን ናይ ምርካብ ኣጋጣሚታት ነይርዎም ኢዩ። ሳውል በዓል ጠርሴስ ኣብ ትሕቲ እቲ ውሩይ ናይ ሕጊ መምህር ዝነበረ ገማልኤል ኢዩ ተማሂሩ: ኣብ ዓይኒ ኣይሁዳውያን ምርኡይ ሰብ ክኸውን እውን ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2፣ 22:3፣ ገላትያ 1:14) እንተዀነ ግን: ሳውል ዳሕራይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰይኑ ኢዩ። ንሱ ይኹን ብዙሓት ካልኦት ሰባት ነቲ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ክርከብ ዝከኣል ዝናን ስልጣንን ዝባኖም ሂቦምዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧ መልእኽቲ ናይቲ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እተመስረተ ናይ ሓቂ ተስፋ ንምዝርጋሕን የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ንምእዋጅን ኢሎም ኢዮም። (ቈሎሴ 1:28) ሓቂ ኸም ዝሓዙ ይፈልጡ ብምንባሮም ስቓይ ንኸሕልፉ ፍቓደኛታት ኢዮም ነይሮም።
ሎሚውን እንተዀኑ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ተመሳሳሊ ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ኣብቲ ሰንበት 8 ሚያዝያ 2001 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዘብዕልዎ ዓመታዊ ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ክትርከብ ምዉቕ ዕድመ የቕርቡልካ ኣለዉ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ይኹን ኣብ ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣዳራሻቶም ዘካይድዎ ኣኼባታት ምስታፍካ ዘሐጕሶም ኢዩ።
ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ህይወቱን ትምህርቱን እውን ንምንታይ ዘይትማሃር፧ ንሱ ንኽንመጾ ኢዩ ዝዕድመና። (ማቴዎስ 11:28-30) ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ርጡብ ፍልጠት ንምውሳድ ብዘይወዓል ሕደር ስጕምቲ ውሰድ። ከምዚ ምግባር ኣብ ትሕቲ እታ በቲ ፍቑር ወዱ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ማለት ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓቅነት ናይቲ ኣብ ወንጌል ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻባት ዘረጋግጽ መርትዖ እንተድኣ ደሊኻ ነታ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ “ወንጌል—ታሪኽ ድዩ ወይስ ጽውጽዋይ፧” እትብል ዓንቀጽ ተመልከት።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
From the Self-Pronouncing Edition of the Holy Bible, containing the King James and the Revised versions
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ