ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጳውሎስ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ይእክብ

ጳውሎስ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ይእክብ

ጳውሎስ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ይእክብ

 ንሓቀኛታት ክርስትያናት ብቐዳምነት ዘገድሶም መንፈሳዊ ነገራት ኢዩ። ይኹን እምበር: ንኻልኦት ብዛዕባ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት እውን ይሓልዩ ኢዮም። ነቶም ጸገማት ዘሕልፉ ይሕግዝዎም ኢዮም። ክርስትያናት ሓገዝ ንዘድልዮም ኣመንቲ ብጾቶም ንኽድግፉ ሕውነታዊ ፍቕሪ ይድርኾም ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠34, 35

ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ ካብ ጉባኤታት ኣካይያ: ገላትያ: መቄዶንያ: ከምኡውን ካብ ኣውራጃ እስያ ረድኤት ኣኪቡ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ረድኤት ናይ ምእካብ ዕማም ብኸመይ ኢዩ ዝግበር ነይሩ፧ እንታይ ምላሽከ ተረኸበ፧ እቲ ሽዑ እተፈጸመ ተግባር ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኵነታት ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ

ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ካብ እተፈላለየ ቦታታት እተኣኻኸቡ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ብዛዕባ እታ ሓቀኛ እምነት ዝያዳ ምእንቲ ኽማሃሩ ንገለ እዋን ኣብ የሩሳሌም ጸንሑ። እቶም ኣመንቲ ብጾት እዞም ደቀ መዛሙርቲ ኣብቲ ቦታ ምጽንሖም ኣድላዪ ስለ ዝነበረ ብሓጐስ ኢዮም ነቲ ጾር ተሰኪሞሞ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠7-11, 41-44፣ 4:⁠32-37) ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎም ኣይሁድ ዕልዋን ናዕብን ምስ ኣለዓዓሉ ነቶም ክርስትያናት ዝያዳ ጸገም ኣጋጢምዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ሰዓቢ ክርስቶስ ምእንቲ ኸይጠሚ: እተን ድኻታት መበለታት መዓልታዊ ቐለበን ይዕደላ ነበራ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠1-6) ኣብ ርእሲ እዚ ሄሮድስ ነታ ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣውረደላ: ኣብ መፋርቕ 40ታት ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ ይሁዳ ብድርቂ ተጠቕዐት። እዚ ንሰዓብቲ የሱስ ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ‘ስቓይን ጸበባን ምግባት ገንዘቦምን’ ኣስዒብሎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠32-34፣ ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠27–12:⁠1

ኣብ ከባቢ 49 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ዅነታት ገና ጽንኩር ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን: ጳውሎስ ናብ ኣህዛብ ከይዱ ክሰብኽ ድሕሪ ምስምማዕ ‘ነቶም ድኻታት ክዝክሮም’ ተማሕጸንዎ። ጳውሎስ እውን ነዚ ኽገብር ኢዩ እተጋደለ።​—⁠ገላትያ 2:⁠7-10

ነቲ ውጽኢት ምምሕዳር

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድኻታት ዝዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ይቈጻጸር ነበረ። ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ በሎም:- “ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና: ከምቲ ንማሕበራት ገላትያ ዝሰራዕክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። . . . ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። . . . እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሑ: ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት: ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ።” (1 ቈረንቶስ 16:⁠1-3) ድሕሪ ሓደ ዓመት ጳውሎስ መቄዶንያን ኣካይያን ኣብቲ ናይ ረድኤት ፕሮግራም ይሳተፋ ከም ዘለዋ ሓበረ። እቲ እተኣከበ ገንዘብ ናብ የሩሳሌም ክለኣኽ ከሎ ካብ መንጎ እቶም ተወከልቲ ካብ ኣውራጃ እስያ ዝመጹ ተወከልቲ ምንባሮም: ኣብቲ ቦታ እቲ ዝርከባ ጉባኤታት እውን ኣብቲ ውጽኢት ከም እተኻፈላ ዝሕብር ኢዩ ዝመስል።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠4፣ 2 ቈረንቶስ 8:⁠1-4፣ 9:⁠1, 2

ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክህብ ጸቕጢ እተገብረሉ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: ተረፍ ናይቶም ኣሕዋት ንጐደሎ ናይቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ከም ዝምልእ ንምግባር ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 8:⁠13-15) ጳውሎስ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” በለ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠7

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ለጋሳት ክዀኑ ከም ዘለዎም ብቑዕ ምኽንያት ሂብዎም ኢዩ። ንሳቶም ብመንፈስ ‘ምእንቲ ኽህብትሙ: የሱስ ምእንታኦም ደኸየ።’ (2 ቈረንቶስ 8:⁠9) ነቲ ልግስናኡ ክቐድሕዎ ከም ዝደልዩ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣምላኽ ‘ብዅሉ ልግሶም’ የሀብትሞም ስለ ዝነበረ: ንስእነት ናይቶም ቅዱሳን ክመልኡ ዝግባእ ኢዩ ነይሩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠10-12

ኣረኣእያ እቶም ለገስቲ

ንኣረኣእያ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነቶም ቅዱሳን ረድኤት ዝለገሱ ብምምርማር ብዛዕባ ወለንታዊ ምሃብ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። እቲ ውጽኢት ነቶም ድኻታት ኣመንቲ ብጾት ዘለዎም ሓልዮት ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እውን ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ክርስትያናት ማእሰር ሕውነት ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። ረድኤት ምሃብን ምቕባልን ኣብ መንጎ ኣህዛብን ኣይሁድን ክርስትያናት ሓድነት ከምኡውን ምትሕግጋዝ ከም ዝነበረ ዘርኢ ኢዩ። ስጋውን መንፈሳውን ነገራት ኢዮም ዝማቐሉ ነይሮም።​—⁠ሮሜ 15:⁠26, 27

ጳውሎስ ኣብ መጀመርታ ነቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከዋጽኡ ኣይሓተቶምን ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ከመይሲ ንሳቶም እውን ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ‘ነቲ ጸጋ ምግልጋል ብዙሕ ለመኑ።’ “ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም” እኳ እንተ ነበሩ: ተሓጒሶም ‘ሓለፋ ዓቕሞም’ ሃቡ! (2 ቈረንቶስ 8:⁠1-4) ሓደ ኻብቲ ብዙሕ ጸበባ ተባሂሉ ዘሎ እቲ ንሮማውያን ዘይተፈቕደ ሃይማኖት ኢዮም ዘዘውትሩ ዝብል ክሲ ከም ዝርከቦ ግሁድ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ነቶም ተመሳሳሊ ጸገም ዘሕልፉ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣሕዋቶም ዝደንገጹሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠20, 21፣ 17:⁠5-9፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠14

ጳውሎስ ንመቄዶናውያን ንምትብባዕ ነቲ ሰብ ቈረንቶስ ንኻልኦት ንምርዳእ ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ቅንኢ ተጠቒሙ እኳ እንተ ነበረ: ደሓር ግን እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ዘሓለ። ድሕርዚ እቲ ሃዋርያ ንሰብ ቈረንቶስ ንምትብባዕ ልግስና ናይ መቄዶናውያን ጠቐሰ። ነቲ ቕድሚ ዓመት ዝጀመርዎ ክዛዝምዎ ኸም ዘለዎም ከዘኻኽሮም ኣድለዮ። እንታይከ ዀነ፧​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠10, 11፣ 9:⁠1-5

ነቲ ኣብ ቈረንቶስ እተገብረ ምእካብ ረድኤት ቲቶስ ጀመሮ: እንተዀነ ግን ንጻዕርታቱ ዝዓናቕፍ ጸገማት ተላዕለ። ቲቶስ ናብ መቄዶንያ ኸይዱ ምስ ጳውሎስ ድሕሪ ምምኽኻር: ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ንምድልዳልን ነቲ ምእካብ ረድኤት ንምዝዛምን ምስ ክልተ ኻልኦት ተመልሰ። ገሊኣቶም ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ክምዝምዞም ኢዩ ደልዩ ዝብል ሓሳብ ኣበጊሶም ይዀኑ ኢዮም። ምናልባት ስለዚ ኢዩ ዝኸውን ነቲ ምእካብ ንኽዛዝሙ ነቶም ሰለስተ ሰብኡት ዝለኣኾም ከምኡውን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ዝገልጽ መሰነይታ ደብዳበ ዝሰደደ። “ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ: ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ: ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና: ንጥንቀቐሉ አሎና” ድማ በለ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠6, 18-23፣ 12:⁠18

ነቲ ረድኤት ናብ ቦትኡ ምብጻሕ

ኣብ ጽድያ 56 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ገንዘብ ናብ የሩሳሌም ንኽውሰድ ተዳልዩ ነበረ። ጳውሎስ ምስቶም በቶም ለገስቲ እተመርጹ ተወከልቲ ክኸይድ ተበገሰ። ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠4 ከምዚ ትብለና:- “ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ: ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን: ኣርስጠርኮስን ሴኮንዶስን: ሰብ ተሰሎንቄ: ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ።” እቲ ኣብ ፊልጲ ንዝርከቡ ክርስትያናት ወኪሉ ክኸውን ዝኽእል ሉቃስ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ እንተ ወሓደ ትሽዓተ ሰባት ኣብዚ ተልእኾ እዚ ተሳተፉ።

ዲተር ጊዮርጊ ዝበሃል ምሁር ከምዚ በለ:- “እቲ እተዋጽአ ጠቕላላ ገንዘብ ብዙሕ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ከመይሲ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ ጳውሎስን ብዙሓት ተወከልትን ምኻድ ከምኡውን ብዙሕ ወጻኢታት ምግባርን ኣይመድለየን ነይሩ።” እቶም መሰነይታ ንድሕንነት ጥራይ ዘይኰኑስ ጳውሎስ ብምጥፍፋእ ንኸይክሰስ እውን ዕቑባ ዝዀንዎ ኢዮም ነይሮም። እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ቅዱሳን ንኣህዛብ ዝውክሉ ኢዮም ነይሮም።

እቶም ተወከልቲ ካብ ቈረንቶስ ናብ ሶርያ ብመርከብ ተጓዒዞም ኣብ እዋን ፋስጋ የሩሳሌም ምበጽሑ ነይሮም። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ንኽቕተል ውዲት ከም እተገብረሉ ምስ ተፈልጠ እቲ መደብ ተቐየረ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠3) ምናልባት ጸላእቱ ኣብ ባሕሪ ክቐትልዎ ሓሲቦም ነይሮም ይዀኑ።

ጳውሎስ ካልእ ዘተሓሳስቦ ጕዳይ እውን ነይርዎ ኢዩ። ቅድሚ ምንቃሉ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ንኽድሕን: ናይ የሩሳሌም ኣገልግሎቱ እውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ክኸውን’ ክጽልዩሉ ጽሒፍሎም ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠30, 31) እቶም ቅዱሳን ነቲ ረድኤት ብዓሚቝ ሞሳ ከም ዝቕበልዎ ዘጠራጥር እኳ እንተ ዘይነበረ: ጳውሎስ ናብታ ኸተማ ብምኻዱ ኣብቶም ኣይሁድ ብሓፈሻ ክለዓል ዝኽእል ናዕቢ ኣጨኒቕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እዚ ሃዋርያ ነቶም ስኡናት ከም ዘይረስዖም እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ረድኤት መዓስ ከም ዝበጽሖም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ: ምስ በጽሖም ግን ነቲ ሓድነት ኣትረሮ ከምኡውን እቶም ኣህዛብ ክርስትያናት ነቲ ካብቶም ኣይሁድ ኣመንቲ ብጾቶም ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ሃብቲ ኸም ዘማስዉሉ ክገልጹ መገዲ ኸፈተሎም። ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ቤት መቕደስ ምስ ከደ ናዕቢ ተላዕለ እሞ ተኣስረ። እዚ ግን ኣብ መወዳእታ ንኣመሓደርትን ነገስታትን ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠15፣ 21:⁠17-36፣ 23:⁠11፣ 24:⁠1–26:⁠32

ሎሚ እነበርክቶ ረድኤት

ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ብዙሕ ነገራት እንተ ተቐየረ እኳ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግን ኣይተቐየረን። ክርስትያናት ስእነት ምስ ዘጋጥም ብግቡእ ይንገሮም ኢዩ። ንስኡናት እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ብወለንታ ከምኡውን በቲ ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ማርቆስ 12:⁠28-31

እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ምእንቲ እቶም ቅዱሳን እተገብረ ረድኤት ናይ ምሃብ ዕማም: ከምዚ ዝኣመሰለ ምእካብ ረድኤት ክግበር ከሎ ብግቡእ እተመሓደረ ክኸውን ከምኡውን ብጥንቃቐን ብቕንዕናን ክተሓዝ ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: የሆዋ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ዘድልዮም ይፈልጥ ኢዩ፣ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽሰብኩሎም ምድላዋት ይገብር ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠25-34) እንተዀነ ግን: ቍጠባዊ ዓቕምና ብዘየገድስ ኵላትና እጃምና ከነበርክት ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ‘ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትርፍን [“ካብቲ ዘድልዮ ንላዕሊ ኣይሕዝን:” NW  ]: ሒደት ዝኣከበ እውን ኣየጕድልን [“ጾሙ ኣይሓድርን:” NW  ]።’​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠15