ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስሙራት ኢና ነይርና

ስሙራት ኢና ነይርና

ታሪኽ ህይወት

ስሙራት ኢና ነይርና

መልባ ባሪ ዘዘንተወቶ

ዕለት 2 ሓምለ 1999 ኣነን በዓል ቤተይን ኣብ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፊልና ነበርና: ኣብተን 57 ዓመታት ሓዳርና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንኣሽሓት ግዜ ተኻፊልና ኢና። ኣብታ ዓርቢ እቲኣ ሎይድ ነታ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ናይቲ ኣብ ሃዋይ ዝካየድ ዝነበረ ኣውራጃዊ ኣኼባ የቕርብ ነበረ። ሃንደበት ግን ዕልው በለ። ምንም እኳ ብዙሕ ጻዕሪ እንተ ተገብረ ካብ ሞት ንምድሓኑ ግን ኣይተኻእለን። a

እዚ ኸምዚ ዝበለ ዘሕዝን ኵነታት ምስ ኣጓነፈኒ እቶም ናይ ሃዋይ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣጸናኒዖምንን ሓገዞም ሂቦምንን ኢዮም! ሎይድ ንመብዛሕትኦም ካብዚኣቶምን ንህይወት ካልኦት ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ሰባትን ተንኪፉ ኢዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ኽልተ ዓመት ዝኸውን ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዙሕ ናይ ሚስዮናዊነት ተልእኾና ከምኡውን ኣብቲ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓንሳብ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ክዝክሮ ጸኒሐ ኢየ። ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ሲድኒ ዘሕለፍክዎ ንእስነትን ነቲ ኣብተን ቀዳሞት ግዝያት ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣነን ሎይድን ንኽንምርዖ ዘሕለፍናዮ ብድሆን እውን ዘኪረዮ ኢየ። ኣቐዲመ ግን ከመይ ኢለ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንኩን ምስ ሎይድ ብኸመይ ብ1939 ከም እተራኸብናን ከዘንትወልኩም።

ብኸመይ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንኩ

እቶም ሓላላት ወለደይ ጄምስን ሄንሪታን ኢዮም ዝበሃሉ ነይሮም። ብ1932 ትምህርቲ ኽውድእ ኸሎኹ ጓል 14 ዓመት ኢየ ነይረ። ሽዑ ዓለም ኣብቲ ዝዓበየ ቍጠባዊ ቕልውላው ኢያ ነይራ። ነቦይን ነደይን ከምኡውን ነተን ክልተ ምንኣሰይ ኣሓተይን ንምሕጋዝ ስራሕ ጀመርኩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ከኣ ሓለቓ ሓያሎ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝዀንኵሉ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ረኸብኩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብ1935 ኣደይ ካብ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጽሑፋት ወሰደት እሞ ብኡንብኡ ድማ ሓቂ ኸም ዝረኸበት ርግጸኛ ዀነት። ንሕና ግን ዝዓበደት ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑና። ሓደ መዓልቲ ነታ ምዉታት ኣበይ ኢዮም ዘለዉ፧ እትብል ንእሽቶ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ረኣኽዋ እሞ እቲ ኣርእስታ መሰጠኒ። ተሓቢአ ኸኣ ኣንበብኩዋ። ነጥበ-መቐይሮ ህይወተይ ድማ ኰነት! ሽዑ ንሽዑ ድማ ናብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዝግበር ሞዴል ስታዲ ዝበሃል ኣኼባ ምስ ኣደይ ክኸይድ ጀመርኩ። እታ ጸኒሓ ሰለስተ ክፋል ዝበጽሐት ሞዴል ስታዲ እትበሃል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ሕቶን መልስን ከምኡውን ነቲ መልሲ ዝድግፍ ጥቕስታት ዝሓዘት ኢያ ነይራ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብሚያዝያ 1938 ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወኪሉ ዝመጸ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ንሲድኒ በጽሓ። እቲ ዝሃቦ ዝርርብ እቲ ንፈለማ ግዜ እተኻፈልክዎ ህዝባዊ ዝርርብ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ኣብ ናይ ከተማ ሲድኒ ኣዳራሽ ኢዩ ኽግበር ተሓሲቡ ነይሩ: ተጻረርቲ ግን እቲ ኣኼባ ኣብቲ ቦታ እቲ ኸም ዘይካየድ ገበሩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ኻብኡ ዝዓበየ ናይ ሲድኒ ሜዳ ስፖርት ተኻየደ። ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበረ 1,300 ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝነበረ 10,000 ዝኸውን ቍጽሪ ተኣከብቲ ዘገርም ኢዩ ነይሩ። እዚ ኽርከብ እተኻእለ ኸኣ እቲ ኣኼባ ብምኽንያት እቲ ምጽራር ብዙሕ ተፈላጥነት ስለ ዝረኸበ ኢዩ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ዝዀነ ይኹን ምልምማድ ከይረኸብኩ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተሳተፍኩ። እታ ዝነበርኩዋ ጕጅለ ኣብቲ እንሰብከሉ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ምስ በጽሐት: እቲ ነታ ጕጅለ ዝመርሓ ዝነበረ “ኣብታ ገዛ እቲኣ ኢኺ እተገልግሊ” በለኒ። ኣዝየ ብምፍርሐይ ድማ ነታ ማዕጾ ዝኸፈተትለይ ሰበይቲ “በጃኺንዶ ግዳ ሰዓት ክንደይ ከም ዝዀነ ርኣይለይ፧” ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩላ። ንሳ ኸኣ ውሽጢ ኣትያ ሰዓት ርእያ ነገረትኒ። ምስታ ሰበይቲ ብኸምዚ ተፈላለኹ። ናብታ ማኪና ኸኣ ተመለስኩ።

ተስፋ ግን ኣይቈረጽኩን: ስርዓታዊት ኰይነ መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ኣየቋረጽኩን። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣብ መጋቢት 1939 ኣብ ባስካ ናይታ ዶረዚ ሃቺን እትበሃል ነጸላ መንደቕ ጥራይ ዝፈልየና ጐረቤትና ብምጥማቕ ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ኣርኣኹ። ኣሕዋት ስለ ዘይነበሩ እቲ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኵነታት ክርስትያናት ሰብኡት ጥራይ ዝኣልይዎ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ሽዑ ድሕሪ ጥምቀተይ ተዋህበኒ።

መብዛሕትኡ እዋን ኣኼባታትና ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኢና እነካይድ ዝነበርና: ሓድሓደ ግዜ ግን ንህዝባዊ ዝርርብ ኣደራሽ ንካረ ነበርና። ሓደ መልክዐኛ መንእሰይ ካብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ዝርከበሉ ቤትኤል እናመጸ ኣብታ ንእሽቶ ጉባኤና ዝርርብ ይህብ ነበረ። ንዓይ ኣይርድኣንን ድኣ ኢዩ ነይሩ እምበር ንኻልእ ዕላማ እውን ኢዩ ዝመጽእ ነይሩ: እዚ ድማ ብዛዕባይ ዝያዳ ንምፍላጥ ኢዩ። እወ: በዚ ኸምዚ ኢና ምስ ሎይድ እተላለና።

ምስ ስድራቤት ሎይድ ምልላይ

ንየሆዋ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ናይ ምግልጋል ድሌት ክሓድረኒ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደን። ይኹን እምበር: ፓይነር ንኽኸውን (ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ንኽጽመድ) ምስ ኣመልከትኩ: ኣብ ቤትኤል ከገልግል ዝኽእል እንተ ዀይነ ተሓተትኩ። ስለዚ ኣብታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዝጀመረላ ወርሒ መስከረም ናይ 1939 ኣባል ናይቲ ኣብ ስትራዝፊልድ: ከባቢ ከተማ ሲድኒ: ዝነበረ ስድራ ቤትኤል ኰንኩ።

ኣብ ታሕሳስ 1939 ናብቲ ኣብ ኒው ዚላንድ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተጐዓዝኩ። ሎይድ እውን ትውልዱ ኒው ዚላንድ ብምንባሩ ናብኡ ኸይዱ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ መርከብ ኢና ነይርና: እዚ ድማ ብዝበለጸ ንኽንፋለጥ ሓጊዙና ኢዩ። ሎይድ ኣብቲ ኣብ ወሊንግቶን እተገብረ ኣኼባ ድሕርዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ክራይስትቸርች ዝርከብ ቤቶም ምስ ኣቦኡን ኣዲኡን ኣሓቱን ኣራኺቡኒ ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ዕዮና እተገብረ እገዳ

ቀዳም ዕለት 18 ጥሪ 1941 ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ሰበ⁠-​ስልጣን: ንብረት ንምግባት ሽዱሽተ ኣቢለን ዝዀና ጸለምቲ ማካይን ሒዞም ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደበኽ በሉ። ኣብቲ ፊት ንፊት እቲ ቐንዲ ህንጻ ቤትኤል ኣብ ዝርከብ ክፍሊ እዓዪ ብምንባረይ ኣነ ኢየ ቕድም ክርእዮም ክኢለ። ገለ 18 ሰዓታት ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ እገዳ ተነጊሩና ስለ ዝነበረ ዳርጋ ንዅሉ ጽሑፋትን ፋይላትን ካብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣግዒዝናዮ ጸናሕና። ንሰሙኑ እንተላይ ሎይድ ዝርከቦም ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ተኣስሩ።

ነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሕዋት ዝያዳ ዘድልዮም መንፈሳዊ መግቢ ምንባሩ እፈልጥ ነይረ ኢየ። ንሎይድ ንምትብባዕ ድማ “ናይ ፍቕሪ ደብዳበ” ክሰደሉ ወሰንኩ። ነቲ ደብዳብ ብናይ ፍቕሪ መልክዕ እጅምሮ እሞ ንብምልኡ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት እቐድሖ ነበርኩ: ካብ ኣፍቃሪቱ ከም እተላእከ ገይረ ኸኣ እኽትመሉ ነበርኩ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሕን ፈረቓን ግን ሎይድ ናጻ ተለቀ።

መርዓን ኣገልግሎት ምቕጻልን

ብ1940 ኣዲኡ ንሎይድ ንኣውስትራልያ ክትበጽሕ መጸት: ሎይድ ድማ ክንምርዖ ኸም ዝሓሰብና ነገራ። መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣዝዩ ኸም ዝቐረበ ብምንጋር ድማ ከይምርዖ መዓደቶ። (ማቴዎስ 24:⁠3-14) ንኣዕሩኽቱ እውን ሓሳቡ ኣካፈሎም እሞ ደጋጊሞም ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ካብ ልቡ ኸውጽኦ ነገርዎ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኣብ ለካቲት 1942 ሎይድ ምስቶም ነቲ ጕዳይ ብምስጢር ክሕዝዎ ቃል ዝኣተዉ ኣርባዕተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ብምስጢር ናብቲ ናይ ምዝገባ ቤት ጽሕፈት ሒዙኒ ኸደ እሞ ተመርዓና። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባዕላቶም ብሓላፍነት ዘፈጽምዎ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣይነበሮምን።

ድሕሪ መርዓና ኣብ ቤትኤል ክንቅጽል እኳ እንተ ዘይተፈቕደልና: ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ንደሊ እንተድኣ ዄንና ግን ተሓተትና። ነቲ ኣብታ ዋጋ ዋጋ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እተዋህበና ናይ ኣገልግሎት መዝነት ድማ ብሓጐስ ተቐበልናዮ። ዕዮ ስብከትና ገና ኣብ ትሕቲ እገዳ ኢዩ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እውን ኣይነበረናን: ስለዚ ብሓቂ ጾርና ኣብ የሆዋ ክንድርብዮ ነበረና።​—⁠መዝሙር 55:⁠22

ናብተን ገጠራት ብታንደም ዝዓይነታ ክልተ ሰብ ተወጢሖም ዝዝውሩዋ ብሽክለታ ንኸይድ እሞ ኣብኡ ኸኣ ንነዊሕ ግዜ ከዛርቡና ዝኽእሉ ቅኑዓት ሰባት ንረክብ ነበርና። ብዙሓት ግን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጅምሩን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ሓደ በዓል ድኳን ነቲ እንዓዮ ዝነበርና ዕዮ ኣዝዩ የማስወሉ ብምንባሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ፍሩታታትን ኣሕምልትን ይህበና ነበረ። ኣብ ከተማ ዋጋ ዋጋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕና ቤትኤል ክንኣቱ ዕድመ ቐረበልና።

ኣብ ግንቦት 1942 ስድራ ቤትኤል ካብቲ ኣብ ስራዝፊልድ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናብ እተፈላለየ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ፋሕ ኢሉ ነበረ። እቶም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ምእንቲ ኸይፍለጡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ሳምንታት ቦታ ይቐያይሩ ነበሩ። ኣነን ሎይድን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንቤትኤል ምስ ተመለስና ኣብ ሓደ ኻብዚ ቦታታት እዚ ኢና ተጸምቢርናዮም። ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት እተተኽለ ማሕተማት ከኣ ክንሰርሕ ንውዕል ነበርና። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰነ 1943 እቲ ኣብ ልዕሊ ዕዮና ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዕለ።

ኣብ ካልእ ሃገር ኬድና ንኸነገልግል ዝገበርናዮ ምድላው

ኣብ ሚያዝያ 1947 ኣብቲ ኣብ ላንሲን: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽንማሃር ኣፈናዊ መመልከቲ ወረቐት ተዋህበና። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነተን ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበራ ጉባኤታት ብመንፈስ ንምብርትዐን ተላኣኽና። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ መበል 11 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣቲና ንኽንማሃር ዕድመ ተቐበልና። ጕዳያትና ንኸነተዓራርን ክንጠራንፍን ሰለስተ ቕነ ጥራይ ኢዩ ተሪፉና ዝነበረ። ኣብ ታሕሳስ 1947 ድማ ስድራናን ፈተውትናን ሓዲግና ምስ ካልኦት ምሳና ንኽማሃሩ ካብ ኣውስትራልያ እተበገሱ 15 ዄንና ንኒው ዮርክ ገጽና ኣቕናዕና።

እተን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝጸናሕናለን ኣዋርሕ ከም ንፋስ ኢየን ብፍጥነት ሓሊፈን: ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ ጃፓን ከነገልግል ድማ ተመደብና። ወረቐትና ኣሳሊጥና ንጃፓን ክሳዕ እንብገስ ሓያለይ ግዜ ስለ ዝወሰደልና: ሎይድ ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኸገልግል እንደገና ተመዘዘ። እተን ንኽበጽሐን እተመዘዘለን ጉባኤታት ካብ ሎስ ኣንጀለስ ክሳዕ ዶብ ሜክሲኮ ዝርከባ ነበራ። ማኪና ስለ ዘይነበረና እቶም ኣሕዋት ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ይወስዱና ነበሩ። እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወረዳ ዝምደብ ዝነበረ ቦታ ሕጂ ሰለስተ ናይ እንግሊዝኛ ከምኡውን ሰለስተ ናይ ስጳኛ ኣውራጃታት ዝርከቦ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ኣስታት ዓሰርተ ወረዳታት ዝሓዘ ኢዩ!

ሃንደበት ግን ኣብ ጥቅምቲ 1949 ብሓንቲ ናይ ወተሃደራት ዝነበረት መርከብ ንጃፓን ተበገስና። እቲ ሓደ ጫፍ ናይታ መርከብ ንሰብኡት እቲ ኻልእ ድማ ንኣንስትን ቈልዑትን እተሓዝአ ኢዩ ነይሩ። ዮኮሃማ ክንበጽሕ ሓደ መዓልቲ ምስ ተረፈና እቲ ታይፉን ዝበሃል ብርቱዕ ህቦብላ ኣጓነፈና። እቲ ህቦብላ ነቲ ደበና በቲንዎ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንጽባሒቱ 31 ጥቅምቲ ጸሓይ ምስ በረቐት እምባ ፉጂ ምስ ኵሉ እቲ ግርምኡ ክንርእዮ ኽኢልና ኢና። እዝስ ነቲ ሓድሽ ምድብና እተገበረልና ከመይ ዝበለ ምዉቕ ኣቀባብላ ኰን ኢዩ!

ምስ ጃፓናውያን ምዕያይ

ናብቲ መራኽብ ዝዕሸጋሉ ደንደስ ምስ ተጸጋዕና ብኣማእታት ዝቝጸሩ ጸሊም ዝጸጕሮም ሰባት ረአና። ነቲ ያዕያዕታ ምስ ሰማዕና ‘እንታይ ጫውጫዉ ደኣ ኢዩ!’ በልና ብሓሳብና። ኵሉ ሰብ ቅርቃብ ወድዩ ብምንባሩ ምስቲ ናይቲ መዓሸጊ መራኽብ ናይ ዕንጸይቲ ምድሪ ቤት ዓጨጭ ዓጨጭ ይብል ነበረ። ኣብ ዮኮሃማ ድሕሪ ምሕዳርና ባቡር ተሰቒልና ናብታ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግል እተመደብናላ ከተማ ኮቤ ኸድና። ኣብኡ ድማ እቲ ኣብ ጊልዓድ ወዲ ኽፍልና ዝነበረ እሞ ገለ ኣዋርሕ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብኡ ዝበጽሐ ዳን ሃስለት ድሮ መንበሪ ሚስዮናውያን ተኻርዩ ነበረ። ምንም ናይ ገዛ ኣቕሑት ዘይነበሮ: ክልተ ደርቢ ዘለዎ ጽቡቕ ዓቢ ኣፓርትማ ኢዩ ነይሩ።

ከም ፍርናሽ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ነቲ ኣብቲ ቐጽሪ ናይቲ ገዛ ዝነበረ ነዊሕ ሳዕሪ ዓጺድና ኣብ ምድሪ ቤት ረብረብናዮ። ናይ ሚስዮናዊነት ህይወትና ብኸምዚ ኢዩ ጀሚሩ: ብዘይካ እቲ ኣብ ሳናጡና ሒዝናዮ ዝኸድና ነገራት ካልእ ምንም ኣይነበረናን። ሙቐት ዝህበናን መግብና እንኽሽነሉን ሂባቺ ዝበሃል ንኣሽቱ ናይ ፈሓም እቶናት ረኸብና። ሓደ ምሸት ፐርሲን ኢልማን ዝበሃሉ ሰብኣይን ሰበይትን ሚስዮናውያን ብጾትና ንሎይድ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ጸንሕዎ። ጽሩይን ዝሑልን ኣየር ንኽረኽቡ መሳዅቲ ምስ ከፈተሎም ድማ ሃለዋቶም ፈለጡ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እቶን ኰይነ መግቢ እናኸሸንኩ ኸለኹውን ሓደ ግዜ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ነይረ ኢየ። ንሓድሓደ ነገራት ንምልማዱ ገለ ግዜ ወሲዱልና ኢዩ!

ነቲ ቛንቋ ምፍላጡ ቐዳምነት ዝወሃቦ ኢዩ ነይሩ: ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ከኣ ንመዓልቲ 11 ሰዓት ቋንቋ ጃፓን ነጽንዕ ነበርና። ድሕርዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት መጀመሪ ዝዀነና ሓንቲ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳባት ኣብ ጽሑፍ ንሕዝ ነበርና። ኣብታ ንፈለማ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመርኩላ መዓልቲ: ሚዮ ታጋኪ እትበሃል ደስ እትብል ሰበይቲ ረኸብኩ እሞ ሕያውነታዊ ኣቀባብላ ገበረትለይ። ብግቡእ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እንጅምር ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብረላ ኸለኹ ብሓገዝ ጃፓንኛ-እንግሊዝኛ መዝገበ-ቓላት ኢና ንኽንረዳዳእ ንጽዕር ዝነበርና። ብ1999 ኣብ እዋን ወፈያ ናይቲ ኣስፊሕካ እተሰርሐ ህንጻ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጃፓን ንሚዮ ይኹን ንኻልኦት ሓያሎ ፍቑራት ኣሕዋት እንደገና ክረኽቦም ክኢለ ኢየ። ኻብ እንፋለጥ እንሆ 50 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ ገና ግን ብዓቕሞም ንየሆዋ ብምግልጋል ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ኣብ ኮቤ ኣብቲ 1 ሚያዝያ 1950 ዘኽበርናዮ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ 180 ተኣከብቲ ነበሩ። ንጽባሒቱ ንግሆ 35 ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኽሳተፉ ምስ መጹ ተገሪምና ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሚስዮናዊ ኻብዞም ሓደስቲ ንሰለስተ ወይ ከኣ ንኣርባዕተ ዝዀኑ ኣገልግሎት ሒዝዎም ከደ። ሰብ ቤት ንኸምዚ ኸማይ ዝበለ ነቲ ቛንቋ ብዙሕ ዘይፈልጥ ወጻእተኛ ኣየዛርብዎን ኢዮም: ነቶም ሓደስቲ ኣብቲ ዝኽሪ በዓል ተኣኪቦም ዝነበሩ ጃፓናውያን መሳንይተይ ግን ይሰምዕዎም ነበሩ። እቲ ዝርርብ ነዊሕ ይቕጽል እኳ እንተ ነበረ ብዛዕባ እንታይ ይዛረቡ ኸም ዝነበሩ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን ነበርኩ። ገለ ኻብዞም ሓደስቲ እዚኣቶም ብፍልጠት ዓብዮም ክሳዕ እዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ይቕጽሉ ብምህላዎም ኣዝየ ሕጉስቲ ኢየ።

ዘሐጕስን ዘዕግብን መሰላት

ክሳዕ 1952 ኣብ ኮቤ ሚስዮናውያን ኴንና ኣገልጊልና ኢና: ድሕሪኡ ግን ሎይድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ስለ እተዋህቦ ናብ ቶክዮ ኸድና። ነይሩ ነይሩ እቲ መዝነቱ ናብ መላእ ጃፓንን ናብ ካልኦት ሃገራትን ከም ዝጐዓዝ ዝገብሮ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንቶክዮ ኽበጽሕ ዝመጽእ ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ከምዚ ዝስዕብ በለኒ:- “በዓል ቤትኪ ኣብ ዝቕጽል ናይ ዞን ጕዕዝኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጢ ዲኺ፧ ናብ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ኢዩ ዝኸይድ።” ኣስዒቡ ድማ “ወጻኢታትኪ ኽትሽፍኒ ትኽእሊ እንተድኣ ዄንኪ ንስኺውን ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ” በለኒ። ብሓጐስ ከኣ ፍንጭሕ በልኩ! ካብ ዓድና ኻብ እንፍለ ትሽዓተ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ።

ብኡንብኡ ድማ ብደብዳበ ምስ ስድራቤትና ተራኸብና። ኣደይ ናይ ጕዕዞ ቲኬት ዓደገትለይ። ኣነን ሎይድን ኣብ ኣገልግሎትና ትሑዛት ብምንባርና ስድራና ንምብጻሕ ዘኽእለና ገንዘብ ኣይነበረናን። ስለዚ መልሲ ናይ ጸሎተይ ኢዩ ነይሩ። ኣደይ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሰት ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን። “ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ንኽትመጹ ገንዘብ ከዋህልል ኢየ” ኸኣ በለትና። በዚ ተሰማሚዕና ድማ ተፈላለና: እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዓረፈት። ኣብ ሓዳስ ዓለም እንደገና ክረኽባ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ ዘሎኒ!

ክሳዕ 1960 እቲ ምዱብ መዝነተይ ዕዮ ሚስዮናዊነት ኢዩ ነይሩ: ድሕርዚ ግን “ካብዚ ዕለት እዚ ጀሚርኪ ዕዮኺ ንስድራ ቤትኤል ክዳውንቶም ምሕጻብን ምስትራርን ኢዩ” ዝብል ደብዳበ ተቐበልኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ቤትኤል ስድራና 12 ዝኣኽሉ ጥራይ ብምንባሮም ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ሚስዮናዊነት ኣገልግሎተይ ክዓሞ እኽእል ነይረ ኢየ።

ብ1962 ነቲ ብናይ ጃፓናውያን ኣገባብ ኣሰራርሓ ህንጻ ተሰሪሑ ዝነበረ መንበሪና ፈሪሱ ኣብቲ ቦታ ንዓመትኡ ሽዱሽተ ደርቢ ዘለዎ ናይ ቤትኤል ህንጻ ተሰርሐ። ነቶም ሓደሽቲ መንእሰያት ቤትኤላውያን ኣሕዋት መንበሪ ኽፍሎም ከጽርየሎምን ከለዓዕለሎምን ተመደብኩ። ኣብ ጃፓን ኣወዳት ናይ ገዛ ስራሕ ኣይማሃሩን ኢዮም። ኣብ ዓለማዊ ትምህርቶም ጥራይ ከም ዘተኵሩ ስለ ዝግበር ኣዴታቶም ኢየን ኵሉ ነገራት ዝገብራሎም። ኣነ ግን ከም ኣዴታቶም ከም ዘይኰንኩ ንኽርድኡ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ድሕሪ ገለ ግዜ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ እታ ማሕበር ሓድሽን ሓላፍነት ዝሓትትን መዝታት ንኽወሃቦም ብቑዓት ኰይኖም ኢዮም።

ኣብ ሓንቲ ብርቱዕ ሃሩር ሓጋይ ዝነበረላ መዓልቲ ሓንቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ሰበይቲ ቤትኤል ክትበጽሕ መጸት: ነቲ መሕጸብ ሰብነት ክፍሕፍሖ ድማ ረኣየትኒ። “ነዚ እትዓየልኪ ገረድ ክቘጽረልኪ ኸም ዝደሊ ምእንቲ ኽነግሮ በጃኺ ምስቲ ሓለቓ ኣራኽብኒ” በለትኒ። ስለቲ ሕያውነታ ኣዝየ ኸም ዘመስግና ነገርክዋ እሞ ነቲ ኣብ ማሕበር የሆዋ ዝወሃበኒ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ፍቓደኛ ዀይነ ኸም ዝቕበሎ ገለጽኩላ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣቢሉ ኢዩ ዝኸውን ኣነን ሎይድን ኣብ መበል 39 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንስልጥን እተጸዋዕና! ብ1964 ጓል 46 ዓመት ምስ ኰንኩ እንደገና ንኽማሃር ምጽውዐይሲ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ዝነበረ! እቲ ትምህርቲ ብፍላይ ነቶም ኣብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዘገልግሉ ኣሕዋት ሓላፍነቶም ንኽዋጽእሉ ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ። ድሕርቲ ናይ ዓሰርተ ወርሒ ኮርስ እንደገና ኣብ ጃፓን ከነገልግል ተመደብና። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ጃፓን ልዕሊ 3,000 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበርና።

እቲ ዕብየት ኣዝዩ ብናህሪ ስለ ዝቐጸለ ብ1972 ልዕሊ 14,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: ኣብ ኑማዙ ዝበሃል ደቡብ ካብ ቶክዮ ዝርከብ ቦታ ኸኣ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተሰርሐ። እምባ ፉጂ ካብቲ ህንጻ ቤትኤል መሳጢ ዝዀነ ትርኢት ኢዩ ዘለዎ። በቲ ዓበይቲ ናይ ማሕተም መሳለጥያታትና ኣብ ወርሒ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ብቛንቋ ጃፓን ዝወጽእ መጽሔታትና ይሕተም ነበረ። ንዓይን ንበዓል ቤተይን ግን ሓደ ዓቢ ለውጢ ኢዩ ዝጽበየና ነይሩ።

ኣብ ምውዳእ ናይ 1974 ሎይድ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ክኸውን ዝዕድም ደብዳበ ካብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐበለ። ኣብቲ ፈለማ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳብ ሓደረኒ:- ‘በቃ ኣኺልዎ ኢዩ: ናተይን ናቱን ኣብዚ ኣኽቲሙ ማለት ኢዩ። ሎይድ ሰማያዊ ተስፋ ኣነ ኸኣ ምድራዊ ተስፋ ስለ ዘሎና: እንተ ደንጕዩ እንተ ቐልጢፉ ምፍልላይና ዘይተርፍ ኢዩ። ሎይድ ንበይኑ ንብሩክሊን ክኸይድ ማለት ኢዩ።’ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ግን ኣተሓሳስባይ ኣተዓራረኹ እሞ ምስ ሎይድ ንምኻድ ፍቓደኛ ብምዃን መጋቢት 1975 ከድና።

ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝረኸብናዮ በረኸት

ኣብ ብሩክሊን እውን ከይተረፈ ሃምን ቀልብን ሎይድ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ጃፓን ኢዩ ነይሩ: ኵሉ ሳዕ ድማ ብዛዕባቲ ኣብኡ ዝረኸብናዮ ተመክሮታት ይነግር ነበረ። ሕጂ ግን ኣብ ሓደ ኸባቢ ጥራይ ተሓጺርና እንተርፈሉ እዋን ኣይነበረን። ሎይድ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ 24 ዓመታት ህይወቱ ጽዑቕ ናይ ዞን ዕዮ ንኸካይድ ተመዚዙ ኢዩ: እዚ ኸኣ ዓለምለኻዊ ጕዕዞታት ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ኣካይደዮ ኢየ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝነብሩ ክርስትያናት ኣሕዋትና ምብጻሕና ነቲ ብዙሓት ካብኣቶም ዘሕልፍዎ ኵነታት ንኽግንዘቦ ኣኽኢሉኒ ኢዩ። ነታ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ኤንተልየ እትበሃል ጓል ዓሰርተ ዓመት ፍጹም ኣይርስዓን ኢየ። ስም ኣምላኽ እተፍቅር ብምንባራ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብእግራ ክትከይድ ሰዓት ፈረቓን ክትምለስ እውን ክንድኡ ይወስደላ ነበረ። ምንም እኳ ካብ ስድራቤታ መሪር መስጐጕቲ እንተ ወረዳ: ንሳ ግን ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ኢያ። ንጉባኤኣ ኽንበጽሓ ምስ ከድና ሓንቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ተዛራባይ ወረቓቕቲ ተንጠልጢላ እተብርህ ድኹም ሓይሊ ዝነበራ መብራህቲ እንተ ዘይኰይኑ ብጸልማት እተወርሰ መአከቢ ቦታ ኢዩ ጸኒሑና። ነቲ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ጸልማት ኰይኖም ዝዝምርዎ ዝነበሩ ጥዑም መዝሙር ክትሰምዖ ብሓቂ ስምዒትካ ዝትንክፍ ሃዋህው ኢዩ።

ብታሕሳስ 1998 ኣነን ሎይድን ናብቲ ኣብ ኩባ እተገብረ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ካብ መንጎ እቶም ወኪላት ኴንና ምስ ከድና ኣብ ህይወትና እቲ ጕሉሕ ቦታ ዝወሃቦ ኣጋጣሚ ዀይኑ ኢዩ ተሰሚዑና። ካብቲ ናይ ብሩክሊን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ገለ ኣሕዋት ምስኦም ክንርከብ ብምኽኣልና እቶም ኣሕዋት እተሰምዖም ሞሳን ሓጐስን ክገልጹ ኸለዉ ክንደይ ኰን ኢና እተመሰጥና! ምስቶም ንየሆዋ ብቕንኢ ብርቱዕ ናይ ውዳሰ ጭድርታ ዘስምዑ ዘለዉ ፍቑራት ኣሕዋት ዘሕለፍክዎ ግዝያት ኣዝዩ ብዙሕ ክቡር ተዘክሮታት ኣሎኒ።

ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ከይተሰከፍካ ምንባር

ምንም እኳ ናይ ትውልዲ ዓደይ ኣውስትራልያ እንተዀነ: ነቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ማሕበር የሆዋ ዝሰደደትኒ ቦታ ዘለዉ ሰባት ከፍቅሮም ክኢለ ኢየ። ነዚ ኸኣ ኣብ ጃፓን ይኹን ነዘን ዝሓለፋ ልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ዝጸናሕኩላ ሕ.መ.ኣ. ኣንጸባሪቐዮ ኢየ። በዓል ቤተይ ምስ ሞተኒ ውጥነይ ንኣውስትራልያ ክምለስ ዘይኰነስ ኣብቲ የሆዋ ዝመደበኒ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል ክቕጽል ኢዩ ነይሩ።

ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድመይ ኢየ ዝርከብ ዘለኹ። ድሕሪ እዘን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክወን 61 ዓመታት እውን እንተዀነ ኣብቲ የሆዋ ዝመደበኒ ቦታ ዀይነ ኸገልግሎ ፍቓደኛ ኢየ። የሆዋ ብሓቂ ተኸናኺኑኒ ኢዩ። ነተን ምስ ሓደ ፍቱው ንየሆዋ ዘፍቅር በዓል ቤት ኰይነ ዘሕለፍክወን 57 ዓመታት ከም ክቡር መዝገብ ኢየ ዝርእየን። የሆዋ ኣብ ልዕሌና ዘየባትኽ በረኸት ከም ዘውሕዘልና ምሉእ እምንቶ ኣሎኒ: ንጻዕርናን ነቲ ንስሙ ኽንብል ዘርኣናዮ ፍቕርን ከም ዘይርስዖ እውን እፈልጥ ኢየ።​—⁠እብራውያን 6:⁠10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16, 17 ተመልከት።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ 1956 ምስ ኣደይ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ምጅማር ናይ 1950ታት ምስ ሎይድን ሓንቲ ናይ ጃፓናውያን ኣስፋሕቲ ጕጅለን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ምጅማር ናይ 1950ታት ከምኡውን ብ1999 ምስታ ኣብ ጃፓን ናይ መጀመርታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱሰይ ዝነበረት ሚዮ ታጋኪ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሎይድ ኣብ ጃፓን መጽሔት ኣብ ናይ ምዕዳል ዕዮ ተጸሚድና ኸሎና