ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቃል ኣምላኽ እናዓበየ ኸደ’

‘ቃል ኣምላኽ እናዓበየ ኸደ’

‘ቃል ኣምላኽ እናዓበየ ኸደ’

“ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ: ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ። ”​—⁠መዝሙር 147:⁠15

1, 2. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መዝነት ኢዩ ዝሃቦም: እዚኸ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ፧

 ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዘደንቕ ትንቢታት እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8 ዝርከብ ኢዩ። የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰፊሕ ዕዮ ዀን ኢዩ!

2 ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ በጻብዕ ዝቝጸሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ: ቃል ኣምላኽ ኣብ መላእ ምድሪ ምስባኽ በዳሂ ዕዮ መሲሉ ተራእይዎም ክኸውን ኣለዎ። እዚ እንታይ ከም ዘጠቓልል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽርድኡ ኽሕግዝዎም ነበሮም። (ማቴዎስ 24:⁠14) ብዛዕባ የሱስ ምምስካር ክበሃል ከሎ ነቲ ሓያል ትምህርትታቱ ንኻልኦት ምክፋልን ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ምግላጽን ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: እቲ ዕዮ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ምጥማቕን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኽግበር ነበሮ!​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19, 20

3. የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘረጋገጸሎም: ነቲ እተዋህቦም ዕዮኸ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧

3 ይኹን እምበር: የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኽፍጽሙ ኸለዉ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሕግዞም ኣረጋጊጽሎም ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዕቤት ናይቲ ዕዮ ዀነ እቶም ተጻረርቶም ስቕ ንኸብልዎም ኢሎም ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘየቋርጽን ሓያልን ጻዕሪ ኸይዓጀቦም ንእተዋህቦም መምርሒ ፈጺሞምዎ ኢዮም። እዚ ኽከሓድ ዘይከኣል ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ።

4. ንኻልኦት ንምስባኽን ንምምሃርን ኣብ እተዋህበ መዝነት ፍቕሪ ኣምላኽ እተንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧

4 እቲ ዓለምለኻዊ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ወፈራ መግለጺ ናይቲ ኣምላኽ ነቶም ዘይፈልጥዎ ደቅሰብ ዘርኣዮ ፍቕሪ ኢዩ። እዚ ዕዮ እዚ ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡን ሕድገት ሓጢኣት ንኽረኽቡን ኣጋጣሚ ኸፊትሎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:​18) ነቶም ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሑ እውን እቲ ንኽሰብኩን ንኽምህሩን እተዋቦም ሓላፍነት መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ እዚ መዝነት እዚ ንየሆዋ ዘለዎም ተወፋይነትን ንሰባት ዘለዎም ፍቕርን ንኸርእዩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠37-39) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎቱ ኣኽቢሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ “መዝገብ” ኢልዎ ኣሎ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

5. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ታሪኽ ኣበይ ኢና ኽንረክብ ንኽእል: ኣብኡኸ ብዛዕባ ኣየናይ ዕቤት ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዓቢ ትርጕም ዝሓዘት ስለምንታይ ኢያ፧

5 ብዛዕባ እቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ታሪኽ ኣብቲ ብሉቃስ እቲ ወደ መዝሙር እተጻሕፈ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኢዩ ዝርከብ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ዘደንቕን ቅልጡፍን ዕቤት ዕዮ ስብከት ዝገልጽ ጸብጻብ ዝሓዘት ኢያ። ዕቤት ናይ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ነቲ “[የሆዋ] ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ: ቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪ” ዝብል ኣብ መዝሙር 147:⁠15 ዘሎ ሓሳባት የዘኻኽረና። እቲ ብዛዕባ እቶም ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ዝረኸቡ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝገልጽ ጸብጻብ ዘደንቕን ንዓና ዓቢ ትርጕም ዘለዎን ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ: ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ሕጂ ብዝሰፍሐ ደረጃ ምዃኑ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት እውን የጋጥመና ኢዩ። ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: የሆዋ ኸመይ ገይሩ ከም ዝባረኾምን ዘሐየሎምን ምስ እንምርምር: ኣብ ደገፉ ዘላትና እምነት ክትድልድል ኢያ።

ኣብ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ እተራእየ ዕቤት

6. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ብዛዕባ ዕቤት እትገልጽ ሰለስተ ሳዕ እተጠቕሰት ሓረግ እንታይ ኢያ: ንምንታይከ ኢያ እተመልክት፧

6 ሓደ ኻብቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8 ፍጻሜ እንርእየሉ መገዲ ነቲ ‘ቓል ኣምላኽ እናዓበየ ኸደ’ ዝብል ሓረግ ብምምርማር ኢዩ፣ እዛ ሓረግ እዚኣ እተፈላለየ ኣቃውማ ብምሓዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ተጠቒሳ ትርከብ: ሰለስቲአን ድማ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኢየን ዝርከባ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7፣ 12:⁠24፣ 19:⁠20) እቲ ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን ተጠቒሱ ዘሎ “ቃል ኣምላኽ” ዝብል መግለጺ ነቲ ብስራት ኢዩ ዘመልክት። እዚ ዘነቓቕሕ መልእኽቲ መለኮታዊ ሓቂ: ንኣነባብራ እቶም ዝቕበልዎ ዝቐየረ ህያውን መስለጥን ኢዩ።​—⁠እብራውያን 4:⁠12

7. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7 ዕቤት ቃል ኣምላኽ ምስ ምንታይ ኢዩ ተተሓሒዙ ዘሎ: ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ድማ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧

7 እታ ብዛዕባ ዕቤት ቃል ኣምላኽ እትገልጽ ናይ መጀመርታ ሓረግ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7 ኢያ እትርከብ። እታ ጥቕሲ ከምዚ ትንበብ:- “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ: ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተአዘዙ።” ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዕቤት ምስቲ ኣብ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ እተራእየ ወሰኽ ተተሓሒዙ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም 120 ዝዀኑ ኣብ ደርቢ ናይ ሓደ ገዛ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ፈሰሰ። ሽዑ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ሃበ: በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ካብቶም ሰማዕቲ 3,000 ዝዀኑ ኣመንቲ ዀኑ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብስም እቲ ቕድሚ 50 መዓልትታት ኣቢሉ ኸም ዓመጸኛ እተሰቕለ የሱስ ንኽጥመቑ ናብቲ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝርከብ ቀላይ ወይ ቀላያት ክውሕዙ ኸለዉስ ኣየ ክሳዕ ኽንደይ ዘደንቕ ትርኢት ኰን ኢዩ ነይሩ!​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41

8. ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ኢዩ ዝወሰኸ፧

8 እዚ መጀመርታ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ዕዮ ስብከት ደው ንምባል ዝገብርዎ ዝነበሩ ቐጻሊ ጻዕሪ ምንም ፍረ ኣይነበሮን። “እግዚኣብሄር . . . ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ” ስለ ዝነበረ እቶም መራሕቲ ብጓሂ ሓረሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠47) ነዊሕ ከይጸንሐ “ቍጽሪ እቶም ሰብኡት . . . ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ።” ድሕሪኡ እውን “ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚአምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠4፣ 5:⁠14) ጸኒሑ ብዛዕባ ዝነበረ ዅነታት ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “ነታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ: እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት።” (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠31) ድሕርዚ ቑሩብ ዓመታት ጸኒሑ ማለት ብ58 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ “ኣእላፋት ከም ዝአመኑ” ዝገልጽ ሓሳብ ንረክብ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 21:⁠20) ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ካብ ኣህዛብ ኣመንቲ ዀይኖም ነበሩ።

9. ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ ምገለጽካዮም፧

9 መብዛሕትኡ እዚ ኣብ ቍጽሪ እተራእየ ዕቤት ክርከብ እተኻእለ ሰባት ሃይማኖቶም ብምቕያር ይውሰኽዎም ስለ ዝነበሩ ኢዩ። እቲ ሃይማኖት ገና ሓድሽ እኳ እንተ ነበረ: ኣዝዩ ንጡፍ ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከምቶም ቤተ-ክርስትያን ካብ ምስላም ሓሊፎም ምንም ዘይገብሩ ሰባት ኣይነበሩን: የግዳስ ንየሆዋን ንቓሉን ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ኢዮም ነይሮም፣ አረ ሓድሓደ ግዜስ ንሓቂ ኻብቶም ሓያል ስደት ዝወርዶም ዝነበረ ሰባት ኢዮም ተማሂሮምዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠23, 26-33) እቶም ሓደስቲ ክርስትና እተቐበሉ ሰባት ኣብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ኣብ ሕልንኦምን ተመርኲሶም ውሳነ ድሕሪ ምግባሮም ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኣብ ስብከት ተጸምዱ። (ሮሜ 12:⁠1) መገድታት ኣምላኽ ስለ እተማህሩ: ሓቂ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ኣትዩ ነበረ። (እብራውያን 8:⁠10, 11) ነቲ ዝኣምንሉ ክሳዕ ሞት እኳ እንተዀነ ንኽጸንዑ ድሉዋት ነበሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠51-60

10. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት ኢዮም እተቐበሉ: ሎሚኸ እንታይ ምስዚ ዝመሳሰል ነገር ኢና እንረክብ፧

10 እቶም ንክርስትያናዊ ትምህርቲ እተቐበሉ: ነታ ሓቂ ንኻልኦት ናይ ምክፋል ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣስተውዒሎም ኢዮም። እዚ እውን ኣብ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ዝያዳ ዕቤት ንኽህሉ ብቐጥታ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ በለ:- “እምነትካ ንኻልኦት ምክፋል ኣብቶም ሓያል ቅንኢ ዝነበሮም ወይ ብፍላይ ነዚ ተባሂሎም እተሸሙ ወንጌላውያን ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ወንጌላውነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተ-ክርስትያን መሰልን ግዴታን ኢዩ ነይሩ። . . . እቲ ማሕበረሰብ ክርስትና ብሓፈሻ ዝገብሮ ዝነበረ ልባዊ ጻዕሪ ነቲ ምንቅስቓስ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ናህሪ ወሲኹሉ ኢዩ።” ወሲኹ ድማ “ወንጌላውነት ንቐዳሞት ክርስትያናት ዘንቀሳቕሶም ሓይሊ ኢዩ ነይሩ” ኢሉ ጸሓፈ። ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ተመክሮ ኢዩ ዘለዎም።

ኣብ ቍጽሪ ሃገራት እተራእየ ዕቤት

11. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12:⁠24 እንታይ ዓይነት ዕቤት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧

11 እታ ብዛዕባ ዕቤት ቃል ኣምላኽ እትገልጽ ካልኣይቲ ሓረግ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12:⁠24 እትርከብ ኰይና “ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዐበየን እናተዘርግሔን ከደ” ትብል። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እታ ሓረግ ምስቲ ኣብ ቍጽሪ ሃገራት እተራእየ ዕቤት ኢያ ተተሓሒዛ ዘላ። መንግስታት ዘምጽኣኦ ምጽራር እኳ እንተ ነበረ እቲ ዕዮ የስፋሕፍሕ ኢዩ ነይሩ። መንፈስ ቅዱስ መጀመርታ ኣብ የሩሳሌም ወረደ: ካብኡ ድማ እቲ ቓል ብቕልጡፍ ተዘርግሐ። ኣብ የሩሳሌም ስደት ስለ እተላዕለ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ “እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠1, 4) ፊልጶስ ንሓደ ሰብኣይ ክሰብከሉ ተመርሐ: እቲ ሰብኣይ ምስ ተጠምቀ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ኸደ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠26-28, 38, 39) ኣብ ልዳ: ኣብ ጐላጕል ሳሮን: ከምኡውን ኣብ ዮጴ እቲ ሓቂ ቐልጢፉ ሱር ሰደደ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠35, 42) ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኵለን ሃገራት ሜዲተራንያን ጉባኤታት እናመስረተ ብባሕርን ብምድርን ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ተጓዕዘ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ናብ ባቢሎን ከደ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠13) ካብቲ መንፈስ ቅዱስ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዝወረደሉ እዋን ንነጀው ኣብ ዝነበረ 30 ዓመታት: ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር [ከም] እተሰብከ” ጸሓፈ፣ እዚ ድማ ነቲ ሽዑ ዝፍለጥ ዝነበረ ክፍልታት ዓለም ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:⁠23

12. ተጻረርቲ ክርስትና ነቲ ኣብ ቍጽሪ ሃገራት እተራእየ ዕቤት ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ኣፍልጦ ዝሃብሉ፧

12 ተጻረርቲ ክርስትና እውን ከይተረፉ ቓል ኣምላኽ ኣብ ብምሉኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሱር ከም ዝሰደደ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ንኣብነት: ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠6 ኣብ ተሰሎንቄ: ሰሜናዊ ግሪኽ: ዝነበሩ ተጻረርቲ “እዞም ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም” ኢሎም ከም ዝጨደሩ ትሕብረና ኢያ። ብተወሳኺውን ኣብ መጀመርታ ካልኣይ ዘመን ፕሊኒ እቲ ንእሽቶ ነቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ዝነበረ ትራጃን ካብ ቢቲንያ ኣብ ዝለኣኸሉ ጽሑፉ: ክርስትና “ኣብ ከተማታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብተን ኣብ ከባቢ ዝርከባ ዓድታትን ኣቝሻትን ልክዕ ከም ለበዳ ሕማም ልሒሙ” ብምባል መረርኡ ገለጸ።

13. እቲ ኣብ ቍጽሪ ሃገራት እተራእየ ዕቤት ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

13 እዚ ኣብ ቍጽሪ ሃገራት እተራእየ ዕቤት የሆዋ ነቶም ድሕነት ክረኽቡ ዝኽእሉ ሰባት ዘርኣዮ ዓሚቝ ፍቕሪ ኢዩ። ጴጥሮስ: መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝዀነ ቆርኔሌዎስ ክዓዪ ምስ ረኣየ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ከም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) እወ: እቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መልእኽቲ ኢዩ: ኣብ ቍጽሪ ሃገራት እተራእየ ዕቤት ቃል ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ቃል ኣምላኽ ንኽሰምዑ ኣጋጣሚ ኸፊትሎም ኢዩ። ኣብዚ መበል 21 ዘመን እውን ቃል ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኣብ ብዘላ ምድሪ ተዘርጊሑ ኢዩ።

እናበርትዐ ዝኸደ ዕቤት

14. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠20 ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ዕቤት እንታይ ኢዩ: ቃል ኣምላኽከ ካብ ምንታይ ኢዩ ዝበርትዐ፧

14 እታ ብዛዕባ ዕቤት ቃል ኣምላኽ እትገልጽ ሳልሰይቲ ሓረግ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠20 እትርከብ ኰይና: “ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን” ትብል። እታ ‘በርትዐ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል “ሓየለ” ዝብል ሓሳብ ተመሓላልፍ ኢያ። ቅድሚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘለዋ ቝጽርታት ኣብ ኤፌሶን ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ኣመንቲ ኸም ዝዀኑን ብዙሓት ጠንቈልቲ መጻሕፍቶም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ከም ዘንደድዎን ይገልጻ ኢየን። በዚ ኸምዚ: ቃል ኣምላኽ ካብ ናይ ሓሶት እምነታት በርትዐ። እቲ ብስራት ካብቲ ኸም ስደት ዝኣመሰለ ኻልእ ዕንቅፋታት እውን በርቲዑ ኢዩ። ክዓግቶ ዝኽእል ነገር ኣይተረኽበን። እዚ እውን ምስዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ሓቀኛ ክርስትና ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ።

15. (ሀ) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈ፧ (ለ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ሳላ መን ምዃኑ ኢዮም ኣፍልጦ ዝህቡሉ፧

15 ሃዋርያትን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን ንቓል ኣምላኽ ብቕንኢ ኢዮም ዝእውጅዎ ነይሮም። ብዛዕብኦም ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ በለ:- “ሰባት ብዛዕባ ጐይታኦም ክዛረቡ ምስ ዝደልዩ መገድታት ኣይስእኑን ኢዮም። እቲ እዞም ሰብኡትን ኣንስትን ዘንጸባረቕዎ ድራኸ ኸኣ ኢዩ ኻብቲ እተጠቕሙሉ ሜላታት ንላዕሊ ዘደንቐና።” ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎቶም ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ኣብ ጻዕሮም ጥራይ እተመርኰሰ ከም ዘይነበረ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ዕዮኦም ንኽፍጽሙ ብመለኮታዊ መገዲ ኢዮም ተመዚዞም: መለኮታዊ ደገፍ ድማ ይወሃቦም ነበረ። መንፈሳዊ ዕቤት ካብ የሆዋ ኢዩ ዝርከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንጉባኤ ቈረንቶስ ዝለኣኻ መልእኽቱ “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 3:⁠6, 9

መንፈስ ቅዱስ ኽዓዪ ኸሎ

16. መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ ብትብዓት ንኽዛረቡ ከም ዘሐየሎም ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧

16 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕቤት ቃል ኣምላኽ ግደ ከም ዝህልዎን ኣብ ናይ ስብከት ንጥፈታቶም ሓይሊ ክህቦም ምዃኑን ከም ዘረጋገጸሎም ኣይትረስዕ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) እዚ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ምፍሳሱ ነዊሕ ከይጸንሐ: ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ቅድሚ እቶም ብቕትለት የሱስ ክርስቶስ ተሓተትቲ ዝዀኑ ዳኛታት ዝርከብዎ ናይ ኣይሁድ ሳንሄድሪን: ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር: ቀሪቦም ተዛረቡ። እቶም ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ እቶም ተጻረርቶም ዝዀኑ ዓቢ ኽብሪ ዝወሃቦም ሰባት ብምቕራቦም ይጃጅዉ ደዀን ይዀኑ፧ ኣይፋሎምን! መንፈስ ቅዱስ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ሓይሊ ስለ ዝሃቦም እቶም ተጻረርቶም ክሳዕ ዝግረሙ ብትብዓት ተዛረቡ: “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠8, 13) ንእስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ብትብዓት ንኽምስክር ዘኽኣሎ እውን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠12፣ 7:⁠55, 56) ኣቐድም ኣቢሉ መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ ብትብዓት ንኽሰብኩ ደሪኽዎም ነይሩ ኢዩ። ሉቃስ ከምዚ ብምባል ጽሒፍዎ ኣሎ:- “ምስ ለመኑ ኸኣ: እታ ተአኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት: ኵላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ: ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠31

17. መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ዝሓገዞም በየናይ ካልእ መገድታት ኢዩ፧

17 የሆዋ በቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱን በቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስን ገይሩ ነቲ ዕዮ ስብከት መሪሕዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠28፣ 15:⁠26) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቆርኔሌዎስን ኣዝማዱን ዝቐርብዎ ፈተውቱን ምስ ወረደ: ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ብስም የሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ከም ዝኽእሉ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣስተውዓለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠24, 44-48) ጸኒሑ ድማ ንበርናባስን ሳውልን (ሃዋርያ ጳውሎስ) ሚስዮናውያን ንኽዀኑ ኣብ ምሻም ከምኡውን ክኸድዎ ዝነበሮምን ዘይነበሮምን ቦታ ኣብ ምምራሕ መንፈስ ቅዱስ ወሳኒ ግደ ነይርዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠2, 4፣ 16:⁠6, 7) እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ብመሪሕነት እቲ መንፈስ ኢዮም ውሳነ ገይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠23, 28, 29) ነቶም ኣብ ክርስትያን ጉባኤታት ዝነበሩ ተዓዘብቲ ንምሻም እውን መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣድልዩ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28

18. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ፍቕሮም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ብዘይዚውን መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናት ከም ፍቕሪ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ከም ዘፍርዩ ብምግባር ተንጸባሪቑ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ፍቕሪ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም ንኽደጋገፉ ደሪኻቶም ኢያ። ንኣብነት: ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ምእንቲ ኽማልኣሎም ብርኪ ዀይኖም ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ከምዚ ይብል:- “ኵላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም: ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ: ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ: ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ: ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠34, 35) ክርስትያናት ንኣመንቲ ብጾት ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ሰባት እውን ብስራት ብምክፋልን ካልእ ሕያውነት ዝመልኦ ተግባር ብምግባርን ፍቕሮም ገሊጾምሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠8, 9) የሱስ እቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ በታ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዋ ፍቕሪ ኽልለዩ ምዃኖም ገሊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠34, 35) እታ ኣገዳሲት ባህርይ ዝዀነት ፍቕሪ: ሰባት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ከም ዝሰሓበቶምን ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ ዕቤት ኣበርክቶ ከም ዝገበረትን ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠14, 16

19. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቃል የሆዋ በየናይ ሰለስተ መገድታት ኢዩ ዓብዩ፧ (ለ) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

19 እታ “መንፈስ ቅዱስ” እትብል ስያመ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብድምር 41 ግዜ ተጠቒሳ ኣላ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ ዕቤት ሓቀኛ ክርስትና ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦም ሓይልን መሪሕነትን ከም እተተሓሓዘ ንጹር ኢዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ወሰኽ ገይሮም: ቃል ኣምላኽ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ተዘርጊሑ: ካብ ናይቲ ግዜ እቲ ሃይማኖታትን ፍልስፍናታትን እውን በርቲዑ ኢዩ። እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ ዕቤት ምስዚ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዘለዉ ዕዮ ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብዚ ዘመንና እውን ማዕረ እቲ ናይ ቀዳማይ ዘመን መሳጢ ዝዀነ ዕቤት ቃል ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብቝጽሪ ዝዓበዩ ብኸመይ ኢዮም፧

• ቃል ኣምላኽ ኣብ ሃገራት ዘስፋሕፍሐ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

• ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቃል ኣምላኽ ዝበርትዐ ብኸመይ ኢዩ፧

• መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕቤት ቃል ኣምላኽ እንታይ ግደ ኢዩ ዝነበሮ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣብ ላዕሊ ብየማናይ ጫፍ:- Reproduction of the City of Jerusalem at the time of the Second Temple - located on the grounds of the Holyland Hotel, Jerusalem

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ሰበኸሉ: በዚ ድማ እቲ ብስራት ናብ ካልእ ሃገር ተዘርግሐ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን መሪሕዎም ኢዩ