በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ንገለ ኻብቲ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ዓበይቲ ቛንቋታት ይመልኽ ነይሩ ኢዩ። ማዕረ እዚ ሎሚ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ኢዩ ነይርዎ። ከም ሮማዊ ዜጋ መጠን ኵሉ ሓለፋታትን መሰላትን ነይርዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:37-40፣ 22:3, 28) እዚ ልዑል ቦታታት እዚ ሃብትን ዝናን ከም ዝረክብ ክገብሮ ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገሊጹ ኢዩ:- ‘እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ።’ (ፊልጲ 3:7, 8) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ እተዛረበ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ቕድም ሳውል በዓል ጠርሴስ ብዝብል ስም እናተጸውዐ ነቶም “በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ” እተባህለሎም ሰጓጒኦም ዝነበረ ጳውሎስ ራእይ ናይቲ ዝተንስአን ክብሪ እተጐናጸፈን የሱስ ምስ ረኣየ ኣማኒ ዀነ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1-19) እዚ ኣብ መገዲ ደማስቆ ዘጋጠሞ ተመክሮ ድማ የሱስ እቲ ኣብ መጻኢ ገዛኢ ናይታ መብጽዓ እተገብረላ መንግስቲ ዝኸውን መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ ንጳውሎስ ዲግ ዝበለ መርትዖ ዀይንዎ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓያል ቃላቱ እተራእየ ኣብ ናብራ ህይወቱ እውን ዘደንቕ ለውጢ ኣምጺእሉ ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ጳውሎስ ቅኑዕን ሓቀኛን ብምንባሩ ንነስሓ በቒዑ ኢዩ።—ገላትያ 1:13-16
ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ ራእይ 2:5) ጳውሎስ: እቲ ናብ ደማስቆ ኣብ ዝወስድ መገዲ ዘጋጠሞ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ዝነበረ ፍጻመ ኸም ሓደ ስምዒት ዘለዓዕል አረ ከም ሓደ መንፈሳዊ ኣጋጣሚ ዀይኑ ክተርፍ ኣይደለየን። እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ድንቍርና ሒዙ ዝመላለሶ ዝነበረ ኣነባብራ ኸንቱ ኸም ዝዀነ ንኽግንዘብ ኣነቓቒሕዎ ኢዩ። ካብቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝረኸቦ ሓድሽ ፍልጠት ንኽረብሕ ኣብ ኣነባብርኡ ገለ ምትዕርራያት ክገብር ከም ዘለዎ እውን ተገንዚቡ ነይሩ ኢዩ።—ሮሜ 2:4፣ ኤፌሶን 4:24
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ተነስሐ” እትብል ግሲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብታ ኣንጻር “ኣቐዲምካ ምፍላጥ” ዝዀነት “ድሒርካ ምፍላጥ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል ብቐጥታ እተተርጐመት ኢያ። ስለዚ ነስሓ ናይ ኣተሓሳስባ: ኣረኣእያ: ወይ ድማ ናይ ዕላማ ለውጢ ምግባርን ነቲ ናይ ቅድም ኣካይዳኻ ምንጻግን ዘጠቓልል ኢዩ። (በረኸት ዘምጽአ ለውጢ
እቲ ኣቐዲሙ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣምላኽ ሒዝዎ ዝነበረ ፍልጠት ብዓብይኡ ካብቲ ኣባሉ ዝነበረ ኣንቈራ ፈሪሳውያን ኢዩ ረኺብዎ። እምነታቶም ብዙሕ ሰብኣዊ ፍልስፍናን ልምድን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ግጉይ ቅንእን ጻዕርን ኣርእዩ ኢዩ። ምንም እኳ ንኣምላኽ ዘገልግሎ ዘሎ ኰይኑ ይስምዖ እንተ ነበረ: ብሓቂ ግን ኣንጻሩ ኢዩ ዝቃለስ ነይሩ።—ፊልጲ 3:5, 6
ብዛዕባ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ርጡብ ፍልጠት ምስ ኣጥረየ: ጳውሎስ ኣብ ቅድሚኡ ሓደ ምርጫ ኸም ዘሎ ክግንዘብ ክኢሉ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስ ፈሪሳውያን ብምቕጻል ክብ ዝበለ ደረጃን ክብርን ክረክብዶ ወይስ ናብራ ህይወቱ ብምቕያር ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ዘድሊ ዘበለ ኽገብር ዝብል ምርጫ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሐጕስ ጳውሎስ ቅኑዕ ምርጫ ኢዩ ሓርዩ: ከመይሲ “ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ: ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ: ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 1:16) ጳውሎስ ቀናእ ሰባኺ ናይቲ ብዛዕባ ክርስቶስን መንግስቲ ኣምላኽን ዝገልጽ ብስራት ኰይኑ ኢዩ።
ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ በሎም:- “ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ: ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ አቢለ: ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።” (ፊልጲ 3:13, 14) ነቲ ካብ ኣምላኽ ከርሕቖ ዝኽእል ዝነበረ ነገራት ንኽጥንጥን ፍቓደኛ ብምንባሩን ነቲ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ሸቶታት ብምሉእ ተወፋይነት ብምስዓቡን ካብቲ ብስራት ክረብሕ ክኢሉ ኢዩ።
ንስኻኸ እንታይ ምገበርካ፧
ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኢኻ ሰሚዕካዮ እትኸውን። እቲ ኣብ ፍጽምቲ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ይስሕበካ ድዩ፧ በዚ ተስፋ እዚ እንተ ተሰሓብካ ባህርያዊ ኢዩ: ከመይሲ መፈጠርና ዝዀነ ናይ ምንባር ከምኡውን ሰላምን ድሕንነትን ዘለዎ ህይወት ናይ ምስትምቓር ድሌት ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብና ‘ዘለኣለምነት’ ከም ዘንበረ ኢዩ ዝገልጽ። (መክብብ 3:11) ስለዚ ነቲ ሰባት ብሰላምን ሓጐስን ንዘለኣለም ዝነብርሉ እዋን ብተስፋ ምጽባይ ባህርያዊ ኢዩ። እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነዚ በረኸት እዚ ዝሓዘ ኢዩ።
እዚ ተስፋ እዚ ተጋሂዱ ንኽትርኢ ግን ነቲ ብስራት ክትምርምሮን ክትርድኦን የድልየካ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ [መርምሩ]” ብምባል ምዒዱ ኢዩ። (ሮሜ 12:2) በዚ ኸምዚ ድማ ፍልጠትን ምርዳእን ድሕሪ ምርካብካ ልክዕ ከም ጳውሎስ ምርጫ ኽትገብር ይግብኣካ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ድማ ኣቐዲምካ ዝሓዝካዮ ንመጻኢኻ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእስኻ እምነታት ይህልወካ ይኸውን ኢዩ። ሳውል: ጳውሎስ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ቅድሚ ምዃኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ኣይትረስዕ። ካብ ኣምላኽ ተኣምራታዊ ራእይ ኣብ ክንዲ እትጽበ ግን ስለምንታይ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዕቱብ ምርምር ዘይትገብር፧ ንገዛእ ርእስኻ እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣቕርበላ:- ‘እቲ ንደቅሰብን ምድርን ዝምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መሊአ እፈልጦ ድየ፧ ንእምነታተይ ዝድግፍ እንታይ መርትዖ ኣሎኒ፧ መርትዖታተይ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብርሃን ክጥመት ከሎ ብቑዕ ድዩ፧’ ንሃይማኖታዊ እምነታትካ በዚ መገዲ እዚ እንተድኣ መርሚርካዮ እንተ 1 ተሰሎንቄ 5:21) ልዕሊ ዅሉ ድማ ስምረት ኣምላኽዶ ኸይኰነ ዝያዳ ዘገድስ፧—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4
ዘይረቢሕካ ኣይትጕዳእን ኢኻ። አረ ኸምኡ ኽትገብር እውን ኢዩ ዘድልየካ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ ተዐዘብዎ: ነቲ ሰናይ ሐዝዎ” ብምባል ኢዩ ዝምሕጸነና። (መራሕቲ ሃይማኖት ዘለኣለማዊ ህይወት ዘለዎ መጻኢ ኸም ዘሎ ይመባጹዕልና ይዀኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ መብጽዓ እቲ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እንተድኣ ዘይኰይኑ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ኣይሕግዘናን ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” ብምባል ሓያል መጠንቀቕታ ሂቡ ኢዩ።—ማቴዎስ 7:21
ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንምርካብ ዘድሊ ብቕዓት ገይሩ ኣጕሊሕዎ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። ብኻልእ ኣበሃህላ ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎካ መሲልካ ስለ እትርአ ጥራይ ስምረት ኣምላኽ ትረክብ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። አረ የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኢዩ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ ኢዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ: ክብሎም እየ።” (ማቴዎስ 7:22, 23) ስለዚ እቲ ዘገድስ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣርጢብና ኽንርድኦን ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።—ማቴዎስ 7:24, 25
ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ካብ ዝጅምሩ እንሆ ልዕሊ 100 ዓመት ኰይኑ ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና: እተምጽኦ በረኸታት እንታይ ምዃኑ: ከምኡውን ሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ በረኸት ንኽረክብ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ርጡብ ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዙ ንምሕጋዝ ብጽሑፋትን ብቓልን ኢዮም ዝሰብኩ።
ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝስበኽ መልእኽቲ ኣወንታዊ ምላሽ ክትህበሉ ነተባብዓካ። ነቲ ብስራት ብምቕባልን ምስኡ ተሰማሚዕካ ብምምልላስን ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ እትገዝኣሉ መጻኢ ግዜ እውን ዓበይቲ በረኸታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 4:8
በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ እንሆ ቐሪቡ ኣሎ: ሃየ ብዘይወዓል ሕደር ስጕምቲ ውሰድ!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጽሑፋትን ብቓልን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ