ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስራት መንግስቲ እንታይ ኢዩ፧

ብስራት መንግስቲ እንታይ ኢዩ፧

ብስራት መንግስቲ እንታይ ኢዩ፧

ዓሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ 235 ሃገራት 6,035,564 ዝዀኑ ዓበይትን ንኣሽቱን ብዛዕባ እንታይ ንምንጋር ኢዮም 1,171,270,425 ዝኣክል ሰዓታት ዘሕለፉ፧ ኣብ ርእሲ እቲ ዘብጽሕዎ ዝነበሩ ናይ ቃል መልእኽቲ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዝኸውን ኣብ ኢድ ሰባት ከም ዝኣቱ ዝገበርዎ ጽሑፋትከ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ እቲ ዝዘርግሕዎ ብኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ኦውድዮን ቪድዮን ካሴታትከ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝምህር፧

 እዚ ዅሉ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ኢዩ። ብሓቂ “እዚ ወንጌል መንግስቲ” በዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ስፍሓት ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ፍጹም ተሰቢኹ ኣይፈልጥን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

እቶም ኣብዚ ዓለምለኻዊ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰባት ኵሎም ወለንተኛታት ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብመንጽር ዓለማዊ ኣረኣእያ ኽግምገሙ ኸለዉ ነዚ መዝነት እዚ ዘይበቕዑ መሲሎም ይረኣዩ ይዀኑ። ትብዓት ከም ዝህልዎምን ኣሳልጦ ኸም ዝረኽቡን ዝገበሮም ደኣ እንታይ ኢዩ፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እቲ ቐንዲ ረቛሒ ኢዩ: ከመይሲ እዚ ብስራት እዚ ብዛዕባ እቲ ንደቅ​ሰብ ዝመጽኣሎም በረኸት ዝገልጽ ኢዩ። ሓጐስ: ካብ ቍጠባዊ ጸገማት ሓራ እትዀነሉ ኵነታት: ሰናይ ምምሕዳር: ሰላምን ደሓንን: እቲ ንብዙሓት ሰባት ዘደንቖም ዘለኣለማዊ ህይወት እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል በረኸት: ኵሎም ደቅሰብ ሃረር ዝብልዎ ኢዩ። እዚ ነቶም ትርጕምን ዕላማን ህይወት ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ብሓቂ ብስራት ኢዩ። እወ: ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣወንታዊ ምላሽ እንተድኣ ሂብካሉ እዚ ዅሉ በረኸት እዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧

እታ ከም ብስራት እትእወጅ ዘላ መንግስቲ ግን እንታይ ኢያ፧ እዚኣ እታ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምእንታኣ እዚ ዝስዕብ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ቃላት ክጽልዩ እተማህሩላ መንግስቲ ኢያ:- “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”​—⁠ማቴዎስ 6:⁠9, 10

እዚኣ እታ ልዕሊ 25 ዘመናት ይገብር እቲ እብራዊ ነብዪ ዳንኤል ብዛዕብኣ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝጸሓፈላ መንግስቲ ኢያ:- “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

ስለዚ እምበኣር እቲ ብስራት ብዛዕባ እታ ንዅሉ እከይ እተጥፍእ እሞ ድሕርዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ብሰላም እትገዝእ ኣምላኽ ዘቝማ መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ዝገልጽ ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ንደቅሰብን ንምድርን ዓሊምዎ ዝነበረ ዕላማ ከም ዝገሃድ ክትገብሮ ኢያ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠28

“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ”

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ንህዝቢ እተኣወጀ ብሓደ ኣስታት 2,000 ዓመታት ይገብር ዅለንትንኣዊ ኣቃውምኡ ይኹን ናብርኡ ናይ ብዙሓት ኣድህቦ ዝሰሓበ ውፉይ ሰብኣይ ኢዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እተባህለ ወዶም ነቶም ኣይሁዳዊ ካህን ዘካርያስን በዓልቲ ቤቱ ኤልሳቤጥን ኢዩ ነይሩ። እቲ ዮሃንስ ዝለብሶ ዝነበረ ኽዳን ካብ ጸጕሪ ገመል እተሰርሐ ዀይኑ ዕጣቑ ፈልቊ ነበረ፣ እዚ ምስቲ ጽላሎቱ ዝነበረ ነብዪ ኤልያስ ዘመሳስሎ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ብዝያዳ ኸም ዘድህብሉ ዝገበረ ግን እቲ ዝነግሮ ዝነበረ መልእኽቲ ኢዩ። “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ” ብምባል ይእውጅ ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 3:⁠1-6

ሰማዕቲ ዮሃንስ እቶም ኣገልገልቲ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምዃኖም ዝዛረቡ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኢዮም ነይሮም። ኣስታት 1,500 ዓመታት ይገብር ብሙሴ ኣቢሎም ሕጊ ኺዳን ብደረጃ ህዝቢ ተቐቢሎም ነይሮም ኢዮም። እቲ ብመሰረት ሕጊ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ዘገርም ቤት መቕደስ እውን እንተዀነ ገና ኣብ የሩሳሌም ኢዩ ነይሩ። ኣይሁዳውያን ኣምልኾኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብርግጽ ቅኑዕ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም ነይሩ።

ገለ ሰባት ግን ንዮሃንስ ብምስማዕ ሃይማኖቶም ከምቲ ዝሓስብዎ ዝነበሩ ኸም ዘይነበረ ክግንዘቡ ጀመሩ። ናይ ግሪኽ ባህልን ፍልስፍናን ኣብ ትምህርትታት ሃይማኖት ኣይሁድ ሰሊኹ ኣትዩ ነበረ። እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ሕጊ ብሰብኣዊ እምነታትን ልምድታትን ተላዕጢጡ አረ ዘይብቑዕ እውን ኰይኑ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:⁠6) መብዛሕትኡ ሰብ ከኣ በቶም ደረቐኛታትን ንሕስያ ኣልቦን መራሕቲ ሃይማኖት ስሒቱ ንኣምላኽ ቅቡል ብዘይኰነ መገዲ የምልኾ ነበረ። (ያእቆብ 1:⁠27) ንኣምላኽን ነቲ ሕጊ ኺዳንን ብምብዳሎም ክንስሑ የድልዮም ነበረ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓት ኣይሁድ ምምጻእ ናይቲ ተስፋ እተነብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ይጽበዩ ነይሮም ኢዮም: ገለ ኻብኣቶም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ “ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧” ብምባል ይሓስቡ ነበሩ። ዮሃንስ ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ነጸጎ እሞ ‘ስራኽ ኣሳእኑ ንኽፈትሓሉ ዘይበቅዕ ይመጽእ ኣሎ’ ብምባል ናብ ሓደ ኻልእ ኣካል ከም ዘተኵሩ ገበሮም። (ሉቃስ 3:⁠15, 16) ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ የሱስ ከፋልጦም ከሎ “እንሆ: ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል ኣወጀ።​—⁠ዮሃንስ 1:⁠29

እዚ ብርግጽ ብስራት ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ዮሃንስ ናብቲ መገዲ ህይወትን ሓጐስን ዝዀነ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” የሱስ ኢዩ ዝሕብሮም ነይሩ። ኵሎም ሰባት ከም ውሉዳት ኣዳምን ሄዋንን መጠን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጢኣትን ሞትን ኢዮም ተወሊዶም። ሮሜ 5:⁠19 “ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ [ኣዳም] ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ: ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ [የሱስ] እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ” ብምባል ትገልጽ። የሱስ ልክዕ ከም ገንሸል መስዋእቲ ‘ንሓጢኣት ከርሕቖ:’ ነዚ ዘሕዝን ሰብኣዊ ኵነታት ከኣ ከም ሰፍኢ ኽግልብጦ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ብምባል ይገልጽ።​—⁠ሮሜ 6:⁠23

የሱስ ፍጹም ሰብ: አረ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ: ብምንባሩ ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ተተሓሒዝዎ ነበረ። እቲ ኣብ ማርቆስ 1:⁠14, 15 ዝርከብ ጸብጻብ “ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፤ እቲ ዘመን ተፈጸመ: መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት: ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ: እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ” ብምባል ይነግረና።

እቶም ንመልእኽቲ የሱስ ኣወንታዊ ምላሽ ዝሃብሉን ኣብቲ ብስራት እምነት ዘርኣዩን ሰባት ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ረኺቦም ኢዮም። ዮሃንስ 1:⁠12 “ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም” ብምባል ትገልጽ። ውሉዳት ወይ ድማ ደቂ ኣምላኽ ምዃኖም ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ክቕበሉ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠25

በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምርካብ መሰል ግን ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ሎሚውን እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ይእወጀሎም ኢዩ ዘሎ። ስለዚ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ገና ተዘርጊሑ ኢዩ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ በረኸት ንምርካብ እንታይ ኽትገብር ይግብኣካ፧ እዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባዚ ኽትገልጽ ኢያ።