ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተኣዛዝነት ኣብ እዋን ቍልዕነት ክወሃብ ዘለዎ ኣገዳሲ ትምህርቲዶ ኢዩ፧

ተኣዛዝነት ኣብ እዋን ቍልዕነት ክወሃብ ዘለዎ ኣገዳሲ ትምህርቲዶ ኢዩ፧

ተኣዛዝነት ኣብ እዋን ቍልዕነት ክወሃብ ዘለዎ ኣገዳሲ ትምህርቲዶ ኢዩ፧

 ሓንቲ ጋዜጣ “ወለዲ እዙዛት ዘይኰነስ ፍሉያት ውሉዳት ኢዮም ዝደልዩ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት። እዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ ኣብቲ ኣብ ኒው ዚላንድ እተገብረ መጽናዕቲ እተመርኰሰ ኢዩ፣ “ካብቶም ተሓቲቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ቈልዑ ኣብ ቤቶም ተኣዛዝነት ክማሃሩ ከም ዝግባእ ዝገለጹ 22 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም።” ብተወሳኺውን ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ንቘልዑ ከም ስነ-ስርዓት: ርእስኻ ምኽኣል: ከምኡውን ሓላፍነት ምስካም ዝኣመሰለ ነገራት ምምሃር ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ይኣምኑ ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኢዩ።

ኣብዚ ውልቃውነትን ንርእሰይ ይጥዓመኒ ናይ ምባል ባህርይን ዝንጸባረቐሉ ዘሎ መዋእል ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ተኣዛዝነትን ንቘልዑ ምምሃርን ንጹር ኣረኣእያ እንተ ዘይሓዙ ኣየገርምን ኢዩ። እንተዀነ ግን ቈልዑ እዙዛት ክዀኑ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሓሳብ ግዜኡ ዝሓለፎ ገይርካ ድዩ ክርአ ዘለዎ: ወይስ ምስቲ ቘልዑ ክማሃርዎ ዝግባእን ክጠቕሞም ዝኽእልን ኣገደስቲ ነገራት ኢዩ ዝምደብ፧ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ ደኳኒ ስድራቤት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንወለዲ ምእዛዝ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ: እዚኸ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠28፣ ኤፌሶን 3:⁠14, 15

“እዚ ቕኑዕ እዩ”

ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኤፌሶን ክጽሕፈላ ኸሎ “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” በለ። (ኤፌሶን 6:⁠1) ስለዚ ቘልዑ ንወለዶም ክእዘዙሉ ዘለዎም ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ቕኑዕ ኣየናይ ምዃኑ ዝሕብር መለኮታዊ መለክዒ ስለ ዝሰማማዕ ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “እዚ ቕኑዕ እዩ።”

ምስዚ ብምስምማዕ ቃል ኣምላኽ ነቲ ወለዲ ዝህብዎ ፍቕራዊ ተግሳጽ “ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ: ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ” ከምኡውን ‘ንጐይታ ባህ ዘብል’ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገ​ልጾ። (ምሳሌ 1:​8, 9፣ ቈሎሴ 3:⁠20) ንወለዲ ዘይምእዛዝ ግን መለኮታዊ ስምረት ከም ዘይትረክብ ዝገብር ኢዩ።​—⁠ሮሜ 1:⁠30, 32

“ጽቡቕ ኪዀነልካ”

ጳውሎስ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ: እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ካብ ተኣዛዝነት ዝርከብ ካልእ ፍረ ሓቢሩ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:⁠2, 3፣ ዘጸኣት 20:⁠12) ንወለዲ ምእዛዝ ጽቡቕ ፍረ ዘፍሪ ብኸመይ ኢዩ፧

ብቐዳምነት ወለዲ ብዕድመን ተመክሮን ካብ ደቆም ከም ዝበልጹ ዘተሓታትትዶ ኢዩ፧ ብዛዕባ ኮምፕዩተራትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ካልእ ዓይነት ዘመናዊ ትምህርትታትን ብዙሕ ኣፍልጦ እኳ እንተ ዘይብሎም: ብዛዕባ ናብራን ኣብ ህይወት ዘጋጥም ግድላት ብኸመይ ከም ዝፍታሕን ብዙሕ ይፈልጡ ኢዮም። መንእሰያት ግን እቲ ኻብ ዕድመ ዝርከብ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ይጐድሎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ውሳነ ኽገብሩ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ካብ መዛኑኦም ዝወርዶም ኣሉታዊ ጸቕጥታት ስለ ዝጽለዉ ርግእ ኢሎም ኣይሓስቡን ኢዮም: እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ይጐድኦም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ክዉን ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ” ይብል። እንታይ ደኣ እሞ ኢዩ መፍትሒኡ፧ “ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።”​—⁠ምሳሌ 22:⁠15

ካብ ምእዛዝ ዝርከብ ጥቕሚ ኣብቲ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ርክብ ጥራይ ኣይኰነን ተሓጺሩ ዝተርፍ። ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ብዘይምስሕሓብ ኣድማዒ ብዝዀነ መገዲ ክሰርሕ እንተድኣ ዀይኑ ኢደይ ኢድካ ምባል ከድሊ ኢዩ: እዚ ድማ ብግዲኡ ተኣዛዝነት ዝሓትት ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓዳር ሰላም: ስኒት: ከምኡውን ሓጐስ ዝርከብ ዝደልዮ ይማልኣለይ ናይ ምባል ባህርይ ከምኡውን ንናይ ካልኦት መሰላትን ስምዒታትን ዘይምግዳስ ምስ ዝህሉ ዘይኰነስ ልኡም ንምዃን ድሉውነት እንተሎ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ትካል እቲ ስራሕ ዕዉት ክኸውን እንተድኣ ዀይኑ ሰራሕተኛታት ንሓለፍቶም ክእዘዙ ኣለዎም። ምስ መንግስታዊ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብ ዝተሓሓዝ ጕዳይ እውን ተኣዛዝነት ንሓደ ሰብ ካብ መቕጻዕቲ የድሕኖ ጥራይ ዘይኰነስ እተወሰነ ድሕንነትን ዕቝባን እውን የምጽኣሉ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 13:⁠1-7፣ ኤፌሶን 5:⁠21-25፣ 6:⁠5-8

ንስልጣን ዘይእዘዙ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ፍጮ ሕብረተሰብ ኢዮም ዝዀኑ። እቲ ኣብ እዋን ቍልዕነት ዝወሃብ ናይ ተኣዛዝነት ትምህርቲ ግን ንሓዋሩ ዝጠቕሞ ኢዩ። እዚ ኣብ ግዜ ቝልዕነት ክትማሃሮስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ዀን ኢዩ!

ብምእዛዝ ዝርከብ ዓቢ ዓስቢ

ተኣዛዝነት ሓጐስ ዝመልኦ ናይ ስድራቤት ርክባትን ካልእ ንሓዋሩ ዝጠቅም ረብሓታትን ዘምጽእ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣብ መንጎ ሓደ ውልቀ-ሰብን ፈጣርን ዝህሉ ርክብ መሰረት ዘንብር ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ከም ‘ፈጣሪና’ መጠን “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ስለ ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣዘዝናዮ ዝግብኦ ኢዩ።​—⁠መክብብ 12:⁠1፣ መዝሙር 36:⁠9

እታ “ምእዛዝ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ መልክዕ ብብዝሒ ተጠቒሳ ትርከብ ኢያ። ብተወሳኺውን ተኣዛዝነት ዝሓትት ሕግታት: ስርዓታት: ትእዛዛት: ፍርድታት: ከምኡውን መምርሒታት ኣምላኽ ብኣማእታት ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ እንተድኣ ዄንና እዙዛት ክንከውን ከም ዘሎና ዘጠራጥር ኣይኰነን። እወ: ምስ የሆዋ ርክብ ንምምስራት የግዲ እዙዛት ክንከውን ኣሎና። (1 ሳሙኤል 15:⁠22) እቲ ዘሕዝን ግን ደቅሰብ ብባህርይኦም ናይ ምእዛዝ ዘይኰነስ ናይ ዘይምእዛዝ ዝንባለ ኢዩ ዘለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ይብል። (ዘፍጥረት 8:⁠21) ስለዚ ተኣዛዝነት ኣብ እዋን ቍልዕነት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ክትማሃሮ ዘሎካ ባህርይ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ዓቢ ዓስቢ ኣለዎ።

ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ: ንወለድኻ ምእዛዝ ድርብ ዓስቢ ዘለዎ: ማለት “ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ” ምዃኑ ኣይትረስዕ። ምሳሌ 3:⁠1, 2 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነዚ መብጽዓ እዚ ተራጕዶ:- “ወደየ: ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላም ኪውስኸልካ እዩ እሞ: ንሕገይ ኣይትረስዓዮ: ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልወን።” እቶም እዙዛት ዝረኽብዎ ዓቢ ዓስቢ ሕጂ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ምህላው: ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ከኣ ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ኢዩ።​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ተኣዛዝነት ምስ ስድራቤትካ: ምስ መሳርሕትኻ: ከምኡውን ምስ የሆዋ ባህ ዘብል ርክብ ከም ዝህልወካ ዝገብር ኢዩ