ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከምልጠካ ዘይብሉ ኣጋጣሚ

ከምልጠካ ዘይብሉ ኣጋጣሚ

ከምልጠካ ዘይብሉ ኣጋጣሚ

“ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ካብ ኣምላኽ: ካብቲ ሰማያዊ ኣቦና ኢዩ ዝመጽእ።​—⁠ያእቆብ 1:17

 እቲ ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ደቅሰብ ዝሃቦም ዝዓበየ ውህበት: በቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ካብ ሓጥእ ዅነታቶም ንኸናግፎም ዝገበሮ ምድላው ኢዩ። እቲ የሱስ ከም ተበጃዊና መጠን ዝሞቶ ሞት: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ከም እንኽእል ዝገብር ኢዩ። ኣብ ሉቃስ 22:19 ሞቱ ንኽንዝክር ተኣዚዝና ኣሎና።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ የሱስ ትእዛዝ ኣብ ተግባር ከውዕሉ ኸለዉ ምሳታቶም ንኽትካፈል ምዉቕ ዕድመ የቕርቡልካ። እዚ ዓመታዊ በዓል እዚ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓውደ ኣዋርሕ መሰረት ኣብታ ኒሳን 14 እትውዕለላ መዓልቲ: ሰንበት 8 ሚያዝያ 2001 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክግበር ኢዩ። ነዛ ዕለት እዚኣ ኣብቲ መዘኻኸሪ እትሕዘሉ መጽሓፍካ ጽሓፋ እሞ ኣይክትርስዓን ኢኻ። እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታን ሰዓትን ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክነግሩኻ ይኽእሉ ኢዮም።