ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሕዳዊ ምትሕልላይ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት

ሓድሕዳዊ ምትሕልላይ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት

ሓድሕዳዊ ምትሕልላይ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት

 ሰባት ብብዝሒ ኽውሕዙ ትርኢ። መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኢዮም: ገሊኣቶም ድማ ስንኩላን ብምዃኖም ዳርጋ ብእግሮም ክጓዓዙ ዘይክእሉ ኢዮም። ጥኑሳት ኣንስቲ ከምኡውን መንእሰያት ሰብ ሓዳር ንነኣሽቱ ደቆም ሒዞም ትርኢ። ዅሎም​—⁠ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ​—⁠ብውግእ ሓድሕድ: ብባህርያዊ ሓደጋ: ወይ ብኻልእ ጸገማት ካብ ከባቢኦም ሃዲሞም ናብ ጐረቤት ሃገር እተሰዱ ስደተኛታት ኢዮም። ገሊኣቶም ብተደጋጋሚ መንበሪ ቦታኦም ሓዲጎም ክስደዱ ተገዲዶም ኢዮም። ውግእ ሓድሕድ ምስ ጀመረ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ሒደት ኣቝሕትን ደቆምን ሒዞም ናብ ዝሓሸ ቦታ ይኸዱ። እቲ ዅነታት ናብ ቀደሙ ምስ ተመልሰ ኸኣ ብዙሓት ስደተኛታት ኣባይቶም እንደገና ንምህናጽን ከም ብሓድሽ ናብራ ንምጅማርን ናብ ቦታኦም ይምለሱ።

ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ካብ እተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ክውሕዙ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ካብታ ብውግእ እትናወጽ ዘላ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብታ ብተዛማዲ ድሕንነት ዘለዋ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኢዮም።

ኣሕዋት ነቶም ስደተኛታት ሓገዝዎም

ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብኣዊ ረድኤት ምሃብ ከም መሰል ገይሮም ኢዮም ርእዮሞ። ነቶም ዝመጹ ዝነበሩ ክርስትያን ኣሕዋት መዕቘቢ ተዳለወሎም። መጀመርታ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኢዮም ዝኣትዉ ነይሮም: እንተ​ዀነ ግን እቶም ስደተኛታት እናበዝሑ ምስ ከዱ ዝሰፍሐ ቦታ ከም ዘድሊ ርዱእ ኰነ። ገሊኡ ኣደራሻት መንግስቲ ናብ መደቀሲ ተቐየረ። ኣብቲ ዓዲ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ስደተኛታት ምእንቲ ኽምችኦም ተወሳኺ መብራህትታት ንምግጣም: ናይ ማይ ሻምብቆታት ንምዝርጋሕ: ከምኡውን ነቲ ባይታ ብስሚንቶ ንምልሳን ብወለንታ ዓየዩ። እቶም ስደተኛታት እውን ምስቶም ኣሕዋት ሓቢሮም ዓዮም ኢዮም። ንህይወት ዘድሊ መንፈሳዊ መግቢ ምእንቲ ኽረኽቡ ብቛንቋ ሊንጋላ ዅሉ ፕሮግራማት ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተዳለወሎም። ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እቶም ስደተኛታትን ዝነበረ ጽቡቕ ስኒት: ዓለምለኻዊ ሕውነት ክብጻሕ ዝኽእል ምዃኑ የርኢ።

ኣባላት ስድራ​ቤታት ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ብሓባር ዝመጹ። ሓድሓደ ግዜ ተፈላልዮም ዝነበሩ ኣባላት ስድራ​ቤት ኣብቲ ተሰዲዶም ዝኸዱሉ ቦታ ምስ በጽሑ ይራኸቡ ኢዮም። ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ብደሓን ዝመጹ ኣሕዋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣደራሽ መንግስቲ ይተሓዝ ነበረ። ነቶም ዝጠፍኡ ንምርካብ ምድላዋት ተገብረ። ነቲ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዕዮ ስብከት ዝቈጻጸር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቶም ገና ኣብ መገዲ ዘለዉ ኣሕዋት ንምሕጋዝን ንዝጠፍኡ ንምድላይን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ማካይን ይልእኽ ነበረ። እዘን ማካይን እዚኣተን “ግምቢ ዘብዐኛ​—⁠ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝብል ጕሉሕ ጽሑፍ ነበረን።

ምስ ወለዶም እተጣፍኡ ሸውዓተ ስደተኛታት ቈልዑ ንሓንቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትውነን ማኪና ምስ ረኣዩ እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብኡንብኡ ናብታ ማኪና እናጐየዩ ኸዱ እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ገለጹ። እቶም ኣሕዋት ናብታ ማኪና ኣደየብዎም እሞ ናብ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ወሰድዎም: ጸኒሖም ድማ ምስ ስድራ​ቤቶም ተራኸቡ።

እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት ነዚ ዅነታት ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ ብተደጋጋሚ ክዋጽኡሉ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ፧ ኣብተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትንቢት እተነግረለን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ኣጸቢቖም ይኣምኑሉ ኢዮም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ራእይ 6:⁠3-8

የሆዋ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንውግእ: ጽልኢ: ዓመጽ: ከምኡውን ናዕቢ መወዳእታ ኽገብረሉ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ሽዑ ስደተኛ ዝበሃል ኣይክህሉን ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:⁠14-26 ዝሃቦ ምኽሪ ብምስምማዕ ንሓድሕዶም ንምትሕግጋዝ ይጽዕሩ ኢዮም። ብኣፍላጋት: ዶባት: ቋንቋታት: ከምኡውን በቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ራሕቂ እኳ እንተ ተፈላለዩ ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ኣሕዋቶም ክሽገሩ ኸለዉ ቐልጢፎም ኢዮም ስጕምቲ ዝወስዱ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠22-27

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣፍሪቃ

ሪፓብሊክ

ማእከላይ

ኣፍሪቃ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ሰለስተ ኣደራሻት መንግስቲ ስደተኛታት ተቐቢለን ኣአንጊደን ኢየን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንኽሽነ ዘድሊ ኣቝሑ ብኡንብኡ ተቐረበ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ስደተኛታት ይውሕዙ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ገና ናጽላታት ከለዉ ስደተኛታት