ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

 ኣብ ሮሜ 5:⁠3-5 ሃዋርያ ጳውሎስ ንተስፋ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርዝር ዝሰርዓ ስለምንታይ ኢዩ፧

ጳውሎስ ክርስትያናት ዘሕልፍዎ እተፈላለየ ነገራት ኢዩ ጠቒሱ፣ እዚ ኸኣ ጸበባ: ትዕግስቲ: ስምረት ምርካብ: ከምኡውን ተስፋ ኢዩ። እዛ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ “ተስፋ” ሓደ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጥርያ ናይ መጀመርታ ተስፋ ኣይኰነትን: የግዳስ ሓደ ክርስትያን ድሕሪ ግዜ ከጥርያ ዝኽእል ዝደልደለት: ዝዓመቘት: ከምኡውን እተሰረተት ተስፋ ኢያ።​—⁠15/12 ገጽ 22-3

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እቲ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣትለቲክስ ጸወታታት ዘገድሶም ስለምንታይ ኢዩ፧

ናይዚ ጸወታታት ባህርይን ልምድን ምርዳእ ንሓያሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከብርሆ ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብዚ ጥቕስታት እዚ ‘ከምቲ ሕጉ ገይርካ ምቅላስ:’ ‘ንዅሉ ዝኸብደካ ምርሓቕን ናብቲ ኣብነትና የሱስ ምጥማትን:’ ከምኡውን ‘ነቲ ጕያ ወዲእካ’ ኣኽሊል ወይ ዓስቢ ምርካብ ዝብል ሓሳባት ይርከቦ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠5፣ 4:⁠7, 8፣ እብራውያን 12:⁠1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 9:⁠24, 25፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠4)​—⁠1/1 ገጽ 28-30

ኣብ ጥሪ 1914 ነቲ ብስራት ንምስባኽ እንታይ ሓድሽ ሜላ ኢዩ እተኣታተወ፧

ኣብቲ ግዜ እቲ እታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ወጸት። እዛ ድራማ እዚኣ ኣርባዕተ ክፍልታት ዘለዋ ዀይና ተንቀሳቓሲ ፊልምን ብኣማእታት ዝቝጸር ሕብራዊ ስላይድን ዝሓዘት ኢያ ነይራ፣ መብዛሕትኡ ክፋላ ድማ መግለጺታት ብዝሓዘ ኣብ ዲስኮታት እተቐድሐ ዝርርብ እተሰነየ ኢዩ ነይሩ። ዕስራ ቅዳሓት ናይዛ ድራማ ተዳልዩ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ንሰባት ንምምሃር ከኣ ኣገልጊሉ ኢዩ።​—⁠15/1 ገጽ 8-9

ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ ሕጋዊ ትካል ብኸመይ ይፍለ፧

ዳይረክተራት ናይ ሓደ ሕጋዊ ትካል ብኣባላት ናይቲ ትካል ዝምረጹ ክዀኑ ኸለዉ: ኣመሓዳሪ ኣካል ግን ብሰባት ዘይኰነስ ብየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝሽየም። ዳይረክተራት ናይተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጥቀሙለን እተፈላለያ ትካላት ካብ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ክዀኑ የግዲ ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ: ዳይረክተራትን ሓለፍትን ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ካብዚ ሓላፍነት እዚ ብፍቓዶም ኣልጊሶም ኢዮም። ኣባላት ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዝዀኑ ብሱላት ኣሕዋት ከኣ ተኪኦምዎም ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ስለዚ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል መንፈሳዊ መግቢ ኣብ ምድላውን ብኻልእ መገድታት ንዓለምለኻዊ ሕውነት ዘድሊ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምሕላይን ዝያዳ ግዜ ክህልዎ ኢዩ።​—⁠15/1 ገጽ 29, 31

ንተስፋ ምቝራጽ ንኽንዋጽኣሉ ዝሕግዘና እንታይ ክልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኣሎ፧

ሓንቲ ሃና ኣደ ሳሙኤል ኢያ። እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ብዛዕባኣ ግጉይ ምርዳእ ምውሳዱ ተስፋ ከቝርጻ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ሓቂ ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ኣረድኣቶ። ብተወሳኺውን ብኤሊ ኣይተቐየምትን። ካልኣይ ኣብነት ዝዀነና ማርቆስ ኢዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ክማልኦ ስለ ዘይፈተወ ሓሪቑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ መሰል እዚ ብምስኣኑ ኣብ ክንዲ ዝድቈስ ግን ምስ በርናባስ ብምኻድ ኣገልግሎቱ ብንጥፈት ቀጺሉ ኢዩ።​—⁠1/2 ገጽ 20-2

ክርስትያናት እተቐድሐ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት ንኻልኦት ምሃብን ካብ ካልኦት ምቕባልን ክጥንቀቑሉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

መብዛሕትኡ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት (ጸወታታት እውን ሓዊስካ) ንወናኒ/ተጠቃሚ ኣብ ሓንቲ ኮምፕዩተር ጥራይ ክቐድሖ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ፍቓድ ዋኒን ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ቀዲሕካ ንኻልኦት ምስ እትህብ: ዋላ እውን ብናጻ ሃብ ንሕግታት መሰል ዋና ኢኻ እትጥሕስ። ክርስትያናት ነቲ ‘ናይ ቄሳር ንቄሳር ሃቡ’ ዝብል ሕጊ ከኽብሩ ይደልዩ ኢዮም። (ማርቆስ 12:⁠17)​—⁠15/2 ገጽ 28-9

ሲሪልን ሜቶዲየስን እንታዎት ኢዮም ነይሮም: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኣበርክቶ ኢዮም ዝገበሩ፧

ኣብ ታሽዓይ ዘመን ኣብ ተሰሎንቄ: ግሪኽ: እተወልዱ ክልተ ኣሕዋት ኢዮም። ንቛንቋ ስላቭ ፊደላት መሃዙሉ: ንመብዛሕትኡ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ናብ ቋንቋ ስላቭ ተርጐምዎ።​—⁠1/3 ገጽ 28-9

“እቲ ሓሳብ መንፈስ” ዝብል መግለጺ እንታይ ማለት ኢዩ፧​—ሮሜ 8:⁠6

እቲ ናይ የሆዋ መስለጢ ሓይሊ ዝቈጻጸረካ: ዝገዝኣካ: ከምኡውን ዝድርኸካ ምዃን ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን: ንሕግታት ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ብምኽባር: ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ ክወሃበና ብምጽላይ ኣባና ከም ዝዓዪ ክንገብር ንኽእል ኢና።​—⁠15/3 ገጽ 15

ካልኦት ብጌጋ እተረድኡኻ ዀይኑ እንተ​ድኣ ተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነቲ ጕዳይ ብፍቕሪ ኸተደቅሶ ምጽዓር የድሊ። እንተ ዘይሰሊጡካ ግን ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ “ልቢ ዚመዝን” የሆዋ ምስትውዓልን ሓገዝን ክህበካ ለምኖ። (ምሳሌ 21:⁠2፣ 1 ሳሙኤል 16:⁠7)​—⁠1/4 ገጽ 21-3