ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብቲ ገባር ተኣምራት ኣድህብ!

ናብቲ ገባር ተኣምራት ኣድህብ!

ናብቲ ገባር ተኣምራት ኣድህብ!

“ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ። ”​—⁠እዮብ 37:⁠14

1, 2. ብ1922 እንታይ ድንቂ ዝዀነ ነገር ኢዩ እተረኽበ: እቲ መልሰ⁠-​ግብሪኸ ከመይ ነበረ፧

 ሓደ ተመራማሪ ስነ-ጥንትን ሓደ ናይ እንግሊዝ ሎርድን መዛግብቲ ኣብ ምድላይ ንዓመታት ዝኣክል ሓቢሮም ዓየዩ። ኣብ መወዳእታ ግን: ብ26 ሕዳር 1922 ኣብቲ ግብጻውያን ፈርኦናት ዝቕበርሉ ዝነበሩ ስንጭሮ ነገስታት ዝበሃል ፍሉጥ ቦታ ሆዋርድ ካርተርን ሎርድ ካርናርቮንን ነቲ ፍረ ጻማኦም ዝርኣይሉ መቓብር ፈርኦን ቱታንክሃመን ረኸብዎ። ኣብ ሓንቲ ዕጽውቲ ማዕጾ ምስ በጽሑ ነዃል ክፍሕሩ ጀመሩ። ካርተር ነታ ጥዋፍ በቲ ነዃል ንውሽጢ ብምእታው ነቲ ቦታ ከቋምት ጀመረ።

2 ካርተር ከምዚ በለ:- “ሎርድ ካርናርቮን ኣዝዩ ብምህንጣዩ ክዕገስ ስለ ዘይከኣለ ‘እንታይ ይረኣየካ ኣሎ፧’ ክብል ብምርባጽ ሓተተኒ። ‘ድንቂ ዝዀነ ነገራት ይረኣየኒ ኣሎ’ ኢለ ንኽምልሰሉ ቃላት ካብ ኣፈይ ምውጻእ ከበደኒ።” ኣብቲ መቓብር ካብ እተረኽበ ብዙሕ መዛግብቲ ብወርቂ እተሰርሐ ቃሬዛ ይርከቦ። ገለ ካብዚ “ድንቂ ዝዀነ ነገራት” ኣብ ስእሊ ወይ ኣብ ኣብያተ-መዘክር ርኢኻ ትኸውን ኢኻ። እዚ ግን ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ይኹን ብዘየገድስ: ምስ ህይወትካ ምንም ምትሕሓዝ የብሉን። ስለዚ ነቲ ምስ ህይወትካ እተተሓሓዘ: ንዓኻ ድማ ዝጠቕመካ ድንቂ ዝዀነ ነገራት ወይ ተኣምራት እስከ ንርአ።

3. ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘገድሰና ተኣምር ዝዀነ ነገራት ዝገልጽ ሓበሬታ ኣበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

3 እስከ ብዛዕባ ሓደ ነዊሕ ዘመናት ይገብር ዝነበረ: ካብ ዝዀነ ይኹን ውሩይ ናይ ፊልም ተዋሳኢ: ናይ ስፖርት ጐብለል: ወይ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣባል መስመር ንግስነት ዝበልጽ ሰብ እስከ ሕሰብ። ካብቶም ኣብ ምብራቕ ዝነበሩ ዅላቶም ዝበለጸ ምንባሩ ኢዩ ዝንገረሉ። ስሙ ትፈልጦ ኢኻ: እዮብ ይበሃል። ሓንቲ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምልእታ ብዛዕብኡ ኢያ እትዛረብ። እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ኤሊሁ እተባህለ መንእሰይ ንእዮብ ክእርሞ ከም ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ። እዮብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባትን ብዙሕ ኣቓልቦ ይገብር ምንባሩ ኤሊሁ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ እዮብ ምዕራፍ 37 ገለ ካልእ ኣዝዩ ክጠቕመና ዝኽእል ጥበብ እተሓወሶ ምኽሪ ንረክብ ኢና።​—⁠እዮብ 1:⁠1-3፣ 32:⁠1–33:⁠12

4. ኤሊሁ ነቲ ኣብ እዮብ 37:⁠14 ዘሎ ማዕዳ ከም ዝህብ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧

4 እቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ: እዮብ እቲ ዅሉ ሽግር ዝወረዶ ብሓሳቡ ወይ ብተግባሩ ገለ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸመ ኢዩ ብምባል ብዙሕ ተዛረቡ። (እዮብ 15:⁠1-6, 16፣ 22:⁠5-10) ኤሊሁ ብትዕግስቲ ዘረባኦም ክውድኡ ተጸበዮም። ድሕርዚ ብምስትውዓልን ጥበብን ተዛረበ። ቍም ነገር ዘለዎ ብዙሕ ነገራት እኳ እንተተዛረበ ብፍላይ ነዚ ዝስዕብ ግን ኣስተብህለሉ:- “እምበኣርስከ ዎ እዮብ: ነዚ ስማዕ: ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።”​—⁠እዮብ 37:⁠14

ገባር ተኣምራት

5. እቲ ኤሊሁ ተዛሪብሉ ዘሎ ‘ተኣምራት ኣምላኽ’ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

5 ኤሊሁ ንእዮብ ናብ ገዛእ ርእሱ: ናብ ኤሊሁ: ወይ ናብ ካልኦት ሰባት ከቕልብ ሓሳብ ከም ዘይሃቦ ኣስተብህል። ኤሊሁ ንእዮብን ንዓናን ናብ ተኣምራት የሆዋ ኣምላኽ ኸነድህብ ብጥበብ ተማሕጸነ። እዚ ‘ተኣምራት ኣምላኽ’ ዝብል ኣገላልጻ እንታይ ዘጠቓልል ይመስለካ፧ ብዛዕባ ጥዕናኻ: ቍጠባዊ ዅነታትካ: መጻኢኻ እናሓሰብካ: ከምኡውን ብዛዕባ ስድራ​ቤትካ: መሳርሕትኻ: ጐረባብትኻ እናተገደስካ ክነስኻ ናብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት ከተቕልብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧ ተኣምራት ኣምላኽ ንጥበቡን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዅሉ ዝርአ ፍጥረት ዘለዎ ስልጣንን ዘጠቓልል ኢዩ። (ነህምያ 9:⁠6፣ መዝሙር 24:⁠1፣ 104:⁠24፣ 136:⁠5, 6) ነዚ ንምብራህ ኣብ መጽሓፍ እያሱ ዝርከብ ሓደ ሓሳብ ንርአ።

6, 7. (ሀ) የሆዋ ኣብ ግዜ ሙሴን እያሱን እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ግዜ ሙሴ ወይ እያሱ ዝነበረ ተግባር ብዓይንኻ ርኢኻዮ ነይርካ እንተ ትኸውን እንታይ ምበልካ፧

6 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ግብጺ መዓት ኣውረደ: ሙሴ ንእስራኤላውያን መሪሕዎም ንኽሓልፍ ድማ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ኸፈሎ። (ዘጸኣት 7:⁠1–14:⁠31፣ መዝሙር 106:⁠7, 21, 22) ኣብ እያሱ ምዕራፍ 3 እውን ምስ እዚ ዝመሳሰል ጸብጻብ ኣሎ። እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኻልእ ማያዊ ኣካል ኣሳጊሩ ናብ ምድሪ ተስፋ ከእትዎም ነበሮ። እያሱ ኸምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ: ተቐደሱ።” (እያሱ 3:⁠5) እንታይ ዘገርም ነገራት ወይ ተኣምራት ኢዩ ኽገብር፧

7 እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ የሆዋ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ብንቑጽ መገዲ ምእንቲ ኽሓልፉ ንርባ ዮርዳኖስ መቐለሎም። (እያሱ 3:⁠7-17) ኣብኡ ደው ኢልና እቲ ርባ ተኸፊቱ ሰባት ድማ ብዘይ​ገለ ጕድኣት ብእኡ ክሓልፉ እንተ ንርኢ ‘እዚ ተኣምራት ኢዩ’ ከም እንብል ኣየጠራጥርን ኢዩ! ኣምላኽ ንፍጥረት ናይ ምቍጽጻር ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ እውን ተኣምር ዘብል ነገራት ኣሎ። ገለ ካብዚ ተኣምራት እዚ እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ: ከምኡውን ስለምንታይ ከነቕልበሉ ከም ዘሎና ንምርዳእ ንእዮብ 37:⁠5-7 ንመርምር።

8, 9. እዮብ 37:⁠5-7 ነየናይ ተኣምር ዝዀነ ነገር ኢያ እትጠቅስ: ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ ዘሎና ግን ስለምንታይ ኢና፧

8 ኤሊሁ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “ኣምላኽ ብድምጹ ዜደንቕ ገይሩ የንጐድጕድ: ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር።” ኣምላኽ “ዜደንቕ ገይሩ” ክብል ከሎ ኤሊሁ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኡ ዝሓዞ ነገራት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ውርጭን ብርቱዕ ዝናምን ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ንሓረስታይ ስርሑ ከም ዘቋርጽ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት ንኸስተንትን ግዜ ዝህቦን ምኽንያት ዝዀኖን ኢዩ። ሓረስቶት ከይንኸውን ንኽእል ኢና። ገና ግን ብዝናምን ውርጭን ንትንከፍ ንኸውን ኢና። ከከምቲ እንነብረሉ ቦታ ውርጭን ዝናምን ኣብ ንጥፈታትና ዕንቅፋት ይፈጥረልና ይኸውን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ከም ዝፍጸም ዝገብር መን ምዃኑን እንታይ ማለት ምዃኑን ንምስትንታን ግዜ ንወስድ ዲና፧ ከምዚ ገይርካዶ ትፈልጥ ኢኻ፧

9 እቲ ዘገርም የሆዋ ኣምላኽ እውን ባዕሉ ንእዮብ ዘመራምር ሕቶታት ክሓቶ ኸሎ ኣብ ምዕራፍ 38 ተመሳሳሊ ዝዀነ ሓሳባት ጠቒሱ ኣሎ። ዋላ እኳ ፈጣሪና ነዚ ሕቶታት እዚ መጀመርታ ንእዮብ እንተ ሓተቶ ኣብ ኣመለኻኽታና: ህላወና: ከምኡውን መጻኢና ጽልዋ ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ንእዮብ እንታይ ኢሉ ከም ዝሓተቶን ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን እስከ ንርአ። እወ: ነቲ ኣብ እዮብ 37:⁠14 ክንገብሮ ተነጊሩና ዘሎ ነገራት ንግበር።

10. እዮብ ምዕራፍ 38 ኣባና እንታይ ጽልዋ ኢዩ ክህልዋ ዘለዎ: እንታይ ሕቶታት ኢያኸ እተለዓዕል፧

10 ምዕራፍ 38 ከምዚ ብምባል ትጅምር:- “ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፤ ብዘይ​ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ: ኣነ ኽጥይቐካ እየ: ንስኻውን ምለሰለይ።” (እዮብ 38:⁠1-3) እዚ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኢዩ ነይሩ። ንእዮብ ኣብ ቅድሚ እቲ ፈጣሪ ኣድማስ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ከምኡውን ተሓታቲ ምዃኑ ተረዲኡ ኣተሓሳስብኡ ንኸዐሪ ሓጊዝዎ ኢዩ። ንሕናን ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባትን እውን ከምዚ ምስ እንገብር ንጥቕምና ኢዩ። ድሕርዚ ኣምላኽ ከምቲ ኤሊሁ ጠቒስዎ ዘሎ ዓይነት ሓሳባት ክዛረብ ጀመረ። “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ አልዩካስ: ንገረኒ። ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ፧​—⁠ዒራ ትፈልጦ ኢኻ:​—⁠ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ፧. . . መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧”​—⁠እዮብ 38:⁠4-6

11. እዮብ 38:⁠4-6 እንታይ ኢያ ከተገንዝበና ዘለዋ፧

11 ምድሪ ኽትስረት ከላ እዮብ ይኹን ዝዀነ ይኹን ካባና ኣበይ ነይሩ፧ ንምድሪ ዝነደፍና: ካብቲ ንድፊ ድማ ብመዐቀኒ ከም እተለክዐ ገይርና መምርሒ ኰይኑ ክሰዓብ ዝኽእል ስርዓት ዝሓንጸጽና ንሕና ሰባትዶ ኢና፧ ብርግጽ ኣይኰናን! ምድሪ ኽትፍጠር ከላ ደቅሰብ ኣብ ህላወ እውን ኣይነበሩን። ኣምላኽ ንምድርና ከም ሓደ ህንጻ ገይሩ ብምውሳድ “እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧” ብምባል ይሓትት። ምድርና ካብ ጸሓይ ኣብቲ ግቡእ ርሕቐት ከም ዘላ: እዚ ድማ ንኽንነብርን ንኽንስስንን ከም ዘኽእለና ንፈልጥ ኢና። ግዝፋውን ምጡን ኢዩ። ምድርና ካብዚ ዘላቶ እትዓቢ ነይራ እንተ ትኸውን ሃይድሮጅን ዝበሃል ጋዝ ካብ ህዋ ኣይምኸደን: ምድሪ ድማ ንህይወት ዘይትምችእ ምዀነት ነይራ። ሓደ ኣካል “እምኒ መኣዝና” ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ከም ዘቘሞ እምበኣር ንጹር ኢዩ። በዚ እዮብ ድዩ ክምስገን ዘለዎ፧ ንሕና፧ ወይስ የሆዋ ኣምላኽ፧​—⁠ምሳሌ 3:⁠19፣ ኤርምያስ 10:⁠12

እንታዋይ ሰብ ኢዩ ክምልሶ ዝኽእል፧

12. እታ ኣብ እዮብ 38:6 ዘላ ሕቶ ብዛዕባ እንታይ ከም እንሓስብ ኢያ እትገብረና፧

12 ኣምላኽ “መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧” ኢሉ እውን ሓቲቱ ኢዩ። እዚኣ ኣገዳሲት ሕቶዶ ኸይኰነት፧ ንሕና ሓንቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እዮብ ዘይፈልጣ ዝነበረ ስሕበት እትብል ስያመ ንፈልጥ ኢና። እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝዀነ ናይ ጸሓይ ሓይሊ ስሕበት ንምድርና ካብ ቦታኣ ከም ዘይትነቓነቕ ገይሩ ከም ዝሓዛ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ መሰረታ ከም ዘጽንዓ መብዛሕትና ንፈልጥ ኢና። ገና ግን መን ካባና ኢዩ እሞ ስሕበት እንታይ ከም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ ክርዳእ ዝኽእል፧

13, 14. (ሀ) ብዛዕባ ስሕበት እንታይ ኢና ክንእመን ዘሎና፧ (ለ) ነቲ እዮብ 38:⁠6 ኣጕሊሓቶ ዘላ ዅነታት ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧

13 ሓንቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተሓትመት ዘ ዩኒቨርስ ኤክስፕለይንድ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ‘ካብ መንጎ ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት: ስሕበት ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ እኳ እንተ​ዀነ እቲ ብዙሓት ዘይርድእዎ ነገር’ ምዃኑ ሓበረት። ወሲኻ ድማ ከምዚ ትብል:- “ሓይሊ ስሕበት ብዘይ​ምቍራጽ: ርዱእ ብዘይ​ኰነ ኣገባብ ኣብ ባዶ ቦታ ዝጓዓዝ ኢዩ ዝመስል። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን: ተመራመርቲ ፊዚክስ ስሕበት በቲ ግራቪቶንስ ካብ ዝበሃል ንጥረ ነገራት እተሰርሐ ማዕበል ኣቢሉ እውን ክጓዓዝ ከም ዝኽእል ክእምቱ ጀሚሮም ኣለዉ።. . . ብዛዕባ ህላዌኦም ርግጸኛ ዝኸውን ሰብ ግን የለን።” እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እሞ ሕሰቦ!

14 የሆዋ ነዘን ኣቐዲምና ዝረኣናየን ሕቶታት ንእዮብ ካብ ዝሓቶ ኣትሒዙ ስነ⁠-​ፍልጠት ን3,000 ዓመታት ማዕቢሉ ኢዩ። ገና ግን ንሕና ዀነ ክኢላታት ፊዚክስ ነቲ ንምድርና ኣብቲ ንህይወት ከነስተማቕረሉ እንኽእል ዝሰማማዕ ቦታኣ ከም እትጸንዕ ገይሩ ዝሕዛ ስሕበት ምሉእ ብምሉእ ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና። (እዮብ 26:⁠7፣ ኢሳይያስ 45:⁠18) እዚ ግን ኵላትና ነቲ ንስሕበት ዝምልከት ዘይተፈልጠ ነገራት ንምፍላጥ ዓሚቝ መጽናዕቲ ክንገብር ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ናብዚ ሓደ ካብቲ ተኣምራት የሆዋ ዝዀነ ኣብነት ጥራይ ብምቕላብ ነቲ ብዛዕባኡ ዘሎና ኣረኣእያ ክጸልዎ ኣለዎ ማለትና ኢዩ። በቲ ዘለዎ ጥበብን ፍልጠትን ኣዚኻዶ ትግረም ኢኻ፧ ስለምንታይ ብዛዕባ ፍቓዱ ዝያዳ ክንማሃር ከም ዘድልየናኸ ተገንዚብካዶ፧

15-17. (ሀ) እዮብ 38:​8-​11 ናብ እንታይ ኢያ እተተኵር: ናብ ከመይ ዝበለ ሕቶታትከ ኢያ እተምርሕ፧ (ለ) ብዛዕባ ውቅያኖሳትን ኣብ ምድሪ ዘለዎም ዝርጋሐን ዝምልከት ፍልጠት እንታይ ኢና ክንእመን ዘሎና፧

15 ፈጣሪ ቐጺሉ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ: ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዐጸወኸ መን እዩ፧ ደበና ልብሱ ኪኸውን: ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ኪኸውን ምስ ገበርኩ: ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ: መሸጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ: ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ: ካብኡ ንንየው ኣይኰነን: እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ: በልኩ።”​—⁠እዮብ 38:⁠8-11

16 ምዕጻው ደጌታት ባሕሪ ንኣህጉራት: ውቅያኖሳት: ከምኡውን ማዕበላት ዘመልክት ኢዩ። ሰብ ነዚ ካብ መዓስ ጀሚሩ ኢዩ ክዕዘቦን ከጽንዖን ዝጀመረ፧ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት: ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ጽዑቕ መጽናዕቲ ኣካይዱ ኢዩ። ዝበዝሕ ካብቲ ብዛዕባ እዚ ኽፍለጥ ዘለዎ ነገራት ኣብዚ እዋን እዚ ብምልኡ ተወዲኡ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እንተ​ዀነ ግን: ኣብዚ ዓመት 2001 ናይ ቀረባ ግዜ ጭብጥታት ንምርካብ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብቲ ዓበይቲ ኣብያተ⁠-​መጻሕፍቲ ናይ ዓለም ሃለው ምስ እትብል ወይ ነቲ ብሉጽ ዝዀነ መሳርሒ ኢንተርነት እንተ ትጥቀም እንታይ ምረኸብካ፧

17 ኣብ ሓደ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ መወከሲ መጽሓፍ እዚ ዝስዕብ ምረኸብካ:- “እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝርጋሐ ኣህጉራት: ጽፍሒ ውቅያኖስ: ከምኡውን ዝርጋሐ ቀንዲ ገጽ ምድሪ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንስነ⁠-​ፍልጠታዊ ምርምርን ንዕኡ ዝምልከት ክልሰ⁠-​ሓሳብ ንምቛምን ቐንዲ ግድል ኰይኑ ካብ ዝጸንሐ ነገራት ሓደ ኢዩ።” ከምዚ ድሕሪ ምባሉ እቲ መዝገበ⁠-​ፍልጠት እቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ኣርባዕተ መግለጺታት ምስ ሃበ: እዚ ግን “ካብ መንጎ እቲ ብዙሕ ጽንሰ⁠-​ሓሳብ” ምዃኑ ይገልጽ። ጽንሰ⁠-​ሓሳብ “ካብ ግምታዊ መግለጺ ንላዕሊ ዘይብቑዕ መርትዖታት ዝሓዘ” ምዃኑ ድማ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ።

18. እዮብ 38:​8-​11 ናብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ ኢያ እትመርሓካ፧

18 እዝስ እቲ ኣብ እዮብ 38:⁠8-11 ዘሎ ሕቶታት ገና እዋናዊ ምዃኑ ዘጕልሕዶ ኸይኰነ፧ ነዚ ዅሉ መዳያት ናይ ፕላኔትና ከከምቲ ዘለዎ ብምግባር ዝመጸ ክምስገን ዘለዎ ንሕና ከም ዘይኰንና ፍሉጥ ኢዩ። ወርሒ በቲ እትፈጥሮ ስሕበት ንኣከባቢና ይኹን ንዓና ዘየሸግረና ናይ ማያዊ ኣካላት ምውፋርን ምምላስን ከም ዝህሉ ክትገብር ኣብ እትኽእለሉ ቦታ ዘንበርናያ ንሕና ኣይኰንናን። ከምዚ ዝገበረ እቲ ገባር ተኣምራት ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ።​—⁠መዝሙር 33:⁠7፣ 89:⁠9፣ ምሳሌ 8:⁠29፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠24፣ ራእይ 14:⁠7

ንየሆዋ እቲ ዝግብኦ ክብሪ ሃብዎ

19. እቲ ኣብ እዮብ 38:12-​14 ዘሎ ውቁብ ኣገላልጻ ንኣቓልቦና ናብ ከመይ ዝበለ ዝርአ ክውንነት ኢዩ ዝስሕቦ፧

19 በቲ ኣብ እዮብ 38:⁠12-14 ተሓቢሩ ዘሎ ምድሪ እትገብሮ ዑደት እውን ደቅሰብ ክምስገኑ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ዑደት እዚ ነፍሲ ወከፍ ሓዳስ መዓልቲ: ዝበዝሕ ግዜ ምስ ውቁብ ዝዀነ ትርኢት ከም እትቕልቀል ዝገብር ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ልምሉም ካይላ ብሓደ ቅርጺ ክሓልፍ ከሎ ምልክት ሒዙ ዝወጽእ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኵሉ ቅርጽን መልክዕን ናይ ምድሪ ንጹር እናዀነ ይኸይድ። ነቲ ምድሪ እትገብሮ ምንቅስቓስ ብውሑዱ ምስ እነቕልበሉ እውን ኣበርቲዓ ከም ዘይትሕንበብ ብምርዳእና ክንግረም ኢና። ኣጸቢቓ እትሕምበብ እንተ ትኸውን ነይራ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዀነ። ወይ ድማ መዓልትን ለይትን ኣዝዩ ክሳዕ ዝነውሕ: ክቱር ዋዕን ዛሕልን ተፈጢሩ ንሰብኣዊ ህይወት ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ክሳዕ ዝገብር እውን ቀስ ኢላ ኣይትዘውርን ኢያ። ነቲ ዑደት ክትገብር ከላ ዝህልዋ ፍጥነት ዝሰርዐ ኣምላኽ ድኣ እምበር ጕጅለ ሰባት ብዘይ​ምዃኖም ክንሕጐስ ይግብኣና።​—⁠መዝሙር 148:⁠1-5

20. ነቲ ኣብ እዮብ 38:16, 18 ዘሎ ሕቶታት እንታይ ኢልካ ምመለስካሉ፧

20 ሕጂ ኣምላኽ ነዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሕቶታት ይሓተካ ከም ዘሎ ገይርካ እሞ ሕሰብ:- “ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ፧ ኣብ ውሽጢ መዓሙቝከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ፧” ብዛዕባ ውቅያኖስ ዘጽንዕ ሰብ እውን ከይተረፈ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ክምልሶ ኣይክእልን ኢዩ! “ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ፧ እዚ ዅሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ: ተዛረብ።” (እዮብ 38:⁠16, 18) ንዅሉ ክፍሊ ምድሪ ወይ እውን ንመብዛሕትኡ በጺሕካዮን ዳህሲስካዮንዶ ኢኻ፧ ናብቲ ውቁብን ድንቅን ዝዀነ ቦታታት ምድርና ከነቕልብ ምስ እንጽዕር ክንደይ ዝኣክል ዕድመ መድለየና፧ እቲ ኣብ ከምዚ እነሕልፎ ዕድመስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ምዀነ ነይሩ!

21. (ሀ) እቲ ኣብ እዮብ 38:19 ዘሎ ሕቶታት እንታይ ስነ-ፍልጠታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዝጠቅስ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ ብርሃን ዘሎ ሓቅነት እንታይ ንምግባር ኢዩ ክደፋፍኣና ዘለዎ፧

21 ነቲ ኣብ እዮብ 38:⁠19 ዘሎ ዓሚቝ ሕቶ እውን ርኣዮ:- “እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ አላ፧ ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ አሎ፧” ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ብርሃን ልክዕ ከም ማዕበልን ከምቲ እምኒ ኣብ ዔላ ምስ ኣተወ ዝርአ ዓይነት እተደራረበ ክብታትን ኰይኑ ኢዩ ዝጓዓዝ ዝብል ምርዳእ ከም ዝጸንሐ ትፈልጥ ትኸውን። ኣብ 1905 ኣልበርት ኣንስታይን ብርሃን ከም እኩብ ነገራት ወይ ንጥረ ነገር ናይ ጸዓት ኰይኑ ከም ዝጓዓዝ ዝገልጽ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ኣቘመ። እቲ ኣንስታይን ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ብዛዕባ ብርሃን ዝነበረ ሕቶ መሊስዎዶ፧ ሓደ ናይ ቀረባ ግዜ ኢንሳይክሎፔድያ “ብርሃን ማዕበል ድዩ ወይስ ንጥረ ነገር፧” ብምባል ይሓትት። ከምዚ ኢሉ ድማ ይምልስ:- “[ብርሃን] ክልቲኡ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ከመይሲ ክልቲኡ [ማዕበልን ንጥረ ነገርን] ኣዝዩ እተፈላለየ ኢዩ። እቲ ዝበለጸ መልሲ ክኸውን ዝኽእል ብርሃን ፈጺሙ ክልቲኡ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ።” ገና ግን ዋላ እኳ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝገበሮ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ክገልጾ እንተ ዘይከኣለ (ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ) ካብ ጸሓይ ብርሃን ሙቐት ንረክብ ኢና። ኣታኽልቲ ንብርሃን ክጥቀምሉ ኸለዉ ዝርከብ መግብን ኦክስጅንን ነስተማቕር። ከነንብብ: ገጽ እነፍቅሮም ሰባት ክንርኢ: ናብ ዕራርቦ ጸሓይ ክንጥምትን ካልእ ነገራት ክንገብርን ንኽእል ኢና። ከምዚ ክንገብር ከሎና ንተኣምራት ኣምላኽ ኣፍልጦ ክንህበሉዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧​—⁠መዝሙር 104:⁠1, 2፣ 145:⁠5፣ ኢሳይያስ 45:⁠7፣ ኤርምያስ 31:⁠35

22. እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት: ንተኣምራት የሆዋ ብኸመይ መለሰሉ፧

22 ብዛዕባ ተኣምራት የሆዋ እነስተንትን ብእኡ ኣዚና ተመሲጥና ኣፍና ሒዝና ስቕ ንምባል ጥራይ ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ጸሓፍ መዝሙራት ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ ዅሉ ግብርታት ኣምላኽ ክንርዳእን ሓሳብ ክንህብን ከም ዘይንኽእል ተገንዚቡ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካ ብዙሕ ኢዩ: ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ: ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ ኢዩ።’ (መዝሙር 40:⁠5) እዚ ግን ብዛዕባ እዚ ዓበይቲ ግብርታት ካብ ምዝራብ ዓዲ ይውዕል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ መዝሙር 9:⁠1 “ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ: ኵሉ ተኣምራትካ ኽነግር እየ” ብምባሉ ዘለዎ ቈራጽነት ኣረጋጊጹ ኢዩ።

23. ንተኣምራት ኣምላኽ እንታይ ኢልካ ምመለስካሉ: ንኻልኦትከ ብኸመይ ኢኻ ክትሕግዝ እትኽእል፧

23 ንሕናኸ ከምኡ ክንለዓዓልዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧ እቲ ብዛዕባ ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ብዛዕብኡ: ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዝገብሮ ክንዛረብ ኣይድርኸናንዶ ኢዩ፧ እቲ መልሲ ግልጺ ኢዩ: ‘ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ከነዘንቱ’ ይግብኣና ኢዩ። (መዝሙር 96:⁠3-5) እወ: ነቲ ብዛዕባኡ እተማሃርናዮ ንኻልኦት ብምክፋል ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ተኣምር ዝዀነ ነገራት ዘሎና ሞሳ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብቲ ብዛዕባ ፈጣሪ ዘይምግዳስ ልሙድ ዝዀነሉ ቦታታት ዘለዉ እውን ከይተረፈ እቲ እንህቦ ኣወንታውን መሃርን መግለጺታት ንኣምላኽ ኣፍልጦ ክህብሉ ከነቓቕሖም ይኽእል ኢዩ። አረ ብዛዕባኡ ንኽማሃሩ ከምኡውን ነቲ ‘ንብዘሎ ዝፈጠረ’ ገባር ተኣምራት ዝዀነ የሆዋ ከገልግሉ ክድረኹ እውን ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ራእይ 4:⁠11

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ኣብ እዮብ 37:14 ዘሎ ማዕዳ ብዛዕባ ኣየናይ ተግባራት ኣምላኽ ከም እትሓስብ ኢዩ ዝገብረካ፧

• ገለ ካብቲ ስነ-ፍልጠት ምሉእ ብምሉእ ክገልጾ ዘይከኣለ ኣብ እዮብ ምዕራፍ 37 ከምኡውን 38 ጐሊሑ ዘሎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

• ብዛዕባ ተኣምራት ኣምላኽ ከመይ ይስመዓካ: እንታይ ንምግባርከ ኢዩ ዝድርኸካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ቦታኡ ምእንቲ ኸይሓልፍ ንደጌታት ባሕሪ ዝዓጸዎ መን ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንዅሉ እቲ ኣብ ምድርና ዘሎ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ውቁብ ቦታታት ዝበጽሖ መን ኣሎ፧