ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንተኣምራት ኣምላኽ ኣቕልበሉ

ንተኣምራት ኣምላኽ ኣቕልበሉ

ንተኣምራት ኣምላኽ ኣቕልበሉ

“ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ”​—⁠መዝሙር 40:⁠5

1, 2. ብዛዕባ ተኣምራት ኣምላኽ እንታይ መርትዖ ኢዩ ዘሎና: እዚኸ እንታይ ንምግባር ኢዩ ከለዓዕለና ዘለዎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: ኣምላኽ ነቶም ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ተኣምር ዝዀነ ነገራት ከም ዝገበረሎም ብቐሊሉ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። (እያሱ 3:⁠5፣ መዝሙር 106:⁠7, 21, 22) ሕጂ የሆዋ ከምቲ ናይ ቀደም ገይሩ ኣብ ጕዳይ ደቅሰብ ኢዱ ዘየእቱ እኳ እንተ​ዀነ: ተኣምር ዝዀነ ነገራት ከም ዝገብር መርትዖ ክዀነና ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ግን ኣብ ከባቢና ክንረክብ ንኽእል ኢና። ስለዚ ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ኴንና “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ” ንምባል እኹል ምኽንያት ኣሎና።​—⁠መዝሙር 104:⁠24፣ 148:⁠1-5

2 ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነዚ ንጹር ዝዀነ መርትዖ ንጥፈታት ፈጣሪ: ዕሽሽ ይብልዎ ወይ ይነጽግዎ ኢዮም። (ሮሜ 1:⁠20) ንሕና ግን ብዛዕባ እዚ ኸነስተንትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዘሎና ተዛማዲ ቦታን ግዴታን ክንሓስብ ይግብኣና ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ እዮብ ምዕራፍ 38 ክሳዕ 41 ጽቡቕ ገይራ ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ: ከመይሲ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን የሆዋ ንእዮብ ንገለ ካብ ተኣምራቱ ከም ዘቕልበሉ ገይርዎ ኣሎ። ኣምላኽ ዘልዓሎ ገለ ርዱእ ዝዀነ ጕዳያት እስከ ንርአ።

ሓያልን ተኣምርን ዝዀነ ግብርታት

3. ኣብ እዮብ 38:22, 23, 25-​29 ተመዝጊቡ ከም ዘሎ: ኣምላኽ ብዛዕባ ኸመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ ዝሓተተ፧

3 ኣምላኽ ንእዮብ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:- “ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ አቲኻ፧ ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ፧” ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለምና ውርጭን በረድን ዳርጋ ክፍሊ ህይወት ሰብ ኢዩ። ኣምላኽ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር: ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ ምእንቲ ኼዝንመሉስ: ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ኬርውዮ: ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኼብቍል: ንፈሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ: ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝሀቦ መን እዩ፧ ንዝናምዶ ኣቦ አልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧”​—⁠እዮብ 38:⁠22, 23, 25-29

4-6. እቲ ሰብ ብዛዕባ ውርጪ ዘለዎ ፍልጠት ምሉእ ኣይኰነን ዝበሃል ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧

4 ኣብቲ ልዑል ምንቅስቓስ ስራሕ ዝግበረሉ ማሕበረሰብ ዝነብሩ ከምኡውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ንውርጪ ኸም ዕንቅፋት ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ብዙሓት ካልኦት ግን ንውርጪ ከም ባህ ዘብል: ፍሉይ ዝዀነ ንጥፈታት እትገብረሉ ውቁብ ናይ ክረምቲ ወርሓት ዘምጽእ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ነቲ ኣምላኽ ዝሓተቶ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ብዛዕባ በረድ ዓሚቝ ፍልጠት ኣሎካዶ: ካልእስ ይትረፍ እንታይ ከም ዝመስል ጥራይ ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧ መብዛሕትና ዓቢ ዅምራ ውርጪ ኣብ ስእሊ ወይውን ብዓይንና ርኢና ክንከውን ስለ እንኽእል ንፈልጦ ኢና። እንተ​ዀነ ግን: ብዛዕባ ሓቒቕ ውርጪኸ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ምንጩ ብምምርማር እንታይ ከም ዝመስል ትፈልጦዶ፧

5 ገለ ሰባት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ብዛዕባ ውርጪ ኣጽኒዖምን ስኢሎምን ኢዮም። ሓንቲ ሓቒቕ ውርጪ እተፈላለየ ውቁብ ቅርጺ ካብ ዘለዎ 100 ዝኸውን ረቂቕ ናይ በረድ ሓቒቕ ዝቘመት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ሓንቲ ኣትሞስፌር ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ሓቒቕ ውርጪ ማእለያ ዘይብሉ እተፈላለየ ዓይነት ምዃኑ ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ: ሊቃውንቲ ሓቒቕ ውርጪ ንኸይባዛሕ ዝኽልክሎ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ የለን ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ክልተ ተመሳሳሊ ሓቒቕ ግን ክሳዕ ሕጂ ፈጺሙ ኣይተረኽበን። ሓደ ካብቲ እተገብረ ሰፋሕቲ ምርምራት . . . እቲ ብዛዕባ ሓቒቕ ውርጪ ኣብ ምምርማርን ምስኣልን ልዕሊ 40 ዓመታት ዘሕለፈ ዊልሰን ኤ. በንትሊ ዝገበሮ ኢዩ። ኣብቲ ብማይክሮስኮፕ ዝገበሮ ምርምር ክልተ ብልክዕ ሕደ ዝዀና ሓቒቕ ፈጺሙ ኣይረኸበን።” ኣጋጣሚ ዀይኑ ኽልተ ሕደ ዝመስላ እንተ ተረኸባ እውን ነቲ ውርጪ ኣዝዩ ዘደንቕ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ይቕይሮዶ ኢዩ፧

6 ነቲ ኣምላኽ “ናብቲ . . . መዝገብ ውርጪዶ አቲኻ፧” ብምባል ዘቕረቦ ሕቶ ዘክሮ። ብዙሓት ሰባት ንደመና ምንጪ ወይ መዝገብ ውርጪ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። ናብቲ መዝገብ ውርጪ ኸይድካ ነቲ እተፈላለየ ዓይነት ሓቒቕ ውርጪ ትቘጽር ከም ዘለኻ ከምኡውን ብኸመይ ከም ዝመጸ ተጽንዕ ከም ዘለኻ ገይርካዶ ንገዛእ ርእስኻ ምሰኣልካያ፧ ሓደ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ባህርን ምንጭን ናይቲ ንደበና ኣብ ከባቢ -40°F (-40°C) ከም ዝድስክል ዝገብር ሕምብርቲ በረድ ገና ንጹር ኣይኰነን።”​—⁠መዝሙር 147:⁠16, 17፣ ኢሳይያስ 55:⁠9, 10

7. ሰብ ብዛዕባ ዝናም ዘለዎ ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ዓሚቚ ኢዩ፧

7 ብዛዕባ ዝናምከ እንታይ ምበልካ፧ ኣምላኽ ንእዮብ “ንዝናምዶ ኣቦ አልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ናይ ስነ-ፍልጠት ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ብምኽንያት እቲ እተሓላለኸ ምንቅስቓስ ህዋ ከምኡውን እቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ጠልን ንጥረ ነገርን ኣዝዩ እተፈላለየ ብምዃኑ ደመናን ነጠብጣብን ብኸመይ ከም ዝፍጠር ዝገልጽ ሓፈሻውን ዝርዝርን ክልሰ⁠-​ሓሳብ ምቛም ዘይከኣል ኢዩ ዝመስል።” ሊቃውንቲ ብቕልል ዝበለ መገዲ ገይሮም ብዛዕባ ዝናም ዝገልጽ ዝርዝራዊ ክልሰ⁠-​ሓሳብ እኳ እንተ ኣቘሙ ምሉእ ብምሉእ ክገልጽዎ ግን ኣይከኣሉን። እንተ​ዀነ ግን: ዝናም ንምድርና ዘስቲ: ንኣታኽልቲ ብህይወት ከም ዝቕጽሉ ዝገብር: ከምኡውን ህይወት ከም ዝቕጽልን ባህ ዘብል ከም ዝኸውንን ዝገብር ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ።

8. እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 14:17 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 እሞ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መደምደምታ ኣይትሰማማዕንዶ ኢኻ፧ ጳውሎስ ካልኦት ብድሕርዚ መርትዖ ክኸውን ዝኽእል ተኣምራት እዚ መን ከም ዘሎ ንኽርድኡ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ብዛዕባ የሆዋ ከምዚ በለ:- “ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ: ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ: ርእሱ ብዘይ​ ምስክር ኣይሐደገን።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠17፣ መዝሙር 147:⁠8

9. እቲ ናይ ኣምላኽ ተኣምራት ዕቤት ሓይሉ ዘንጸባርቕ ብኸመይ ኢዩ፧

9 እቲ ነዚ ዅሉ ተኣምራትን ጠቓሚ ነገራትን ዝገበረ ኣካል ኣዝዩ ዓሚቝ ጥበብን ብርቱዕ ሓይልን ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ። ንሓይሉ ዝምልከት ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ሕሰብ:- ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዳርጋ 45,000: ኣብ ዓመት ድማ ልዕሊ 16 ሚልዮን ነጐዳ ከም ዝነጕድ ይንገር። እዚ ኸኣ ሕጂ: ኣብዛ ህሞት እዚኣ 2,000 ነጐዳታት ይነጕድ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ እተሓላለኸ ደመና ኣብ ሓደ ነጐዳ ዘውጽኦ ጸዓት ዓሰርተ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተደርበየ ኑክሌራዊ ቦምባታት ዘውጽኦ ጸዓት ወይ እውን ካብኡ ዝዛይድ ኢዩ። ገለ ካብቲ ጸዓት ብመልክዕ በርቂ ይርአ። በርቂ ኣዝዩ ዘደንጹ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይትሮጅን ኣብ ምፍጣር እውን ይሕግዝ ኢዩ። ናይትሮጅን ድማ ኣብ ሓመድ ኣትዩ ባህርያዊ ድዅዒ ብምዃን ኣታኽልቲ ይስሕብዎ። ስለዚ በርቂ ዝርአ ጸዓት እኳ እንተ​ዀነ ብሓቂ ረብሓ ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 104:⁠14, 15

እዚ ዅሉ ብኸመይ ይትንክፈካ፧

10. ነቲ ኣብ እዮብ 38:33-​38 ዘሎ ሕቶታት ብኸመይ ምመለስካሉ፧

10 ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ እዮብ ብምግባር በቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ትሕተት ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ዝበዝሑ ሰባት ንተኣምራት ኣምላኽ ከም ዘየቕልብሉ ክትሰማማዕ ኢኻ። የሆዋ ነቲ ኣብ እዮብ 38:⁠33-38 ዘሎ ሕቶታት የቕርበልና ኣሎ። “ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧ ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ፧ ብዝሒ ማያት ምእንቲ ኪኸድነካ: ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከአለካ እዩ፧ እኔና ኢሎምኻ ኪኸዱስ: ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከአለካ እዩ፧ ንጥበብ ናብ ውሽጢ [“ደበናታት:” NW  ] ዘንበራ መን እዩ፧ ወይስ ንልቢ [“ነቲ ኣብ ሰማይ ዝፍጠር ተርእዮታት:” NW  ] ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ፧ ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ: ደናኵል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ: ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፧ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ፧”

11, 12. ኣምላኽ ገባር ተኣምራት ምዃኑ ዝሕብር ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

11 ሒደት ካብቲ ኤሊሁ ንእዮብ ዝጠቐሰሉ ነጥብታትን ንገለ ካብቲ እዮብ ‘ከም ሰብኣይ ኰይኑ’ ንኽምልሰሉ የሆዋ ዝሓተቶ ነገራትን ጥራይ ኢና ርኢና። (እዮብ 38:⁠3) “ገለ” ጥራይ ዝበልናሉ ምኽንያት ኣብ እዮብ ምዕራፍ 38ን 39ን የሆዋ ናብ ካልእ ግሁድ ዝዀነ መዳያት ናይ ፍጥረት እውን ኣተኲሩ ስለ ዘሎ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ እኩባት ከዋኽብቲ ጠቒሱ ኣሎ። ንዅሉ ሕግታቶም ወይ ስርዓታቶም መን ይፈልጦ፧ (እዮብ 38:⁠31-33) የሆዋ ንእዮብ ናብ ኣንበሳን ኳዅን: ጤለ ቤዱን ኣድጊ በረኻን: ጐባይን ሰገንን: ፈረስን ንስርን ዝኣመሰሉ እንስሳታት እውን ከም ዘተኵር ገይርዎ ኢዩ። ኣምላኽ ንእዮብ ነዞም እንስሳታት እዚኣቶም ክነብሩን ክራብሑን ዘኽእሎም ባህርያት ዝሃቦም ንሱ እንተዀይኑ ሓተቶ። ብፍላይ ፈረስ ወይ ካልእ እንስሳታት ትፈቱ እንተ​ድኣ ዄንካ ነዘን ምዕራፋት እዚኣተን ምጽናዕ ባህ የብለካ ይኸውን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 50:⁠10, 11

12 ነተን የሆዋ ንእዮብ ብዛዕባ ክልተ ፍሉያት ፍጥረታት ሓቲትዎ ክምልሰሉ ከም እተጸበዮ ዝገልጻ ምዕራፍ 40ን 41ን እውን ክትምርምረን ትኽእል ኢኻ። እዞም ክልተ እንስሳታት እዚኣቶም እቲ ብግዝፉ ኣዝዩ ዘደንቕ ኣካላቱ ድማ ተሪር ዝዀነ ጉማረ (ብህሞት) ከምኡውን እቲ ኣብ ናይል ዝርከብ ብርቱዕ ሓርገጽ (ሌዋታን) ኢዮም። ነፍሲ ወከፎም ኣቓልቦ ንኽንገብረሎም ዝበቕዑ ድንቂ ዝዀኑ ፍጥረት ኢዮም። ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ ክንበጽሕ ከም ዘሎና እስከ ንርአ።

13. እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቶታት ኣብ እዮብ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ነበሮ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ኢዩ ክጸልወና ዘለዎ፧

13 እዮብ ምዕራፍ 42 እቲ ናይ የሆዋ ሕቶታት ንእዮብ እንታይ ጽልዋ ከም ዝገበረሉ ትሕብረና። ኣቐድም ኣቢሉ እዮብ ኣብ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ሕሉፍ ኣቓልቦ ይገብር ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝሓተቶ ሕቶታት ዘሎ ምኽሪ ምስ ተቐበለ ግን ኣተሓሳስብኡ ለዊጡ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ተኣመነ:- “[የሆዋ] ኵሉ ኸም እትኽእልን: ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን: እፈልጥ አሎኹ። ብዘይ​ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ: ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ: ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ።” (እዮብ 42:⁠2, 3) እወ: እዮብ ናብ ተኣምራት ኣምላኽ ምስ ኣቕለበ: እዚ ነገራት እዚ ብሓቂ ዘገርም ኢዩ በለ። ንሕና እውን ነዚ ድንቂ ዝዀነ ፍጥረታት እዚ ምስ መርመርና ልክዕ ከም እዮብ በቲ ናይ ኣምላኽ ጥበብን ሓይልን ክንምሰጥ ይግብኣና ኢዩ። ንምንታይ ዕላማ፧ በቲ ብርቱዕ ሓይሉን ክእለቱን ንምግራም ጥራይ ድዩ: ወይስ ካብ ምግራም ንላዕሊ ንኽንገብር ኢና ክንለዓዓል ዘሎና፧

14. ዳዊት ንተኣምራት ኣምላኽ ብኸመይ መለሰሉ፧

14 እቲ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ: ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ” ኢሉ ዝነበረ ዳዊት ኣብ መዝሙር 86 ተመሳሳሊ መግለጺታት ተጠቒሙ ኣሎ። (መዝሙር 19:⁠1, 2) ኣብ መዝሙር 86:⁠10, 11 ከምዚ ነንብብ:- “ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ: ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ ኣዳልዎ።” ዳዊት ንዅሉ እቲ ፈጣሪ ዝገበሮ ተኣምራት ኣኽብሮት እተሓወሶ ፍርሂ ነበሮ። ስለምንታይ ምዃኑ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ዳዊት ነቲ ነዚ ዅሉ ተኣምራት ዝገበረ ከጕህዮ ኣይደለየን። ንሕናውን ከነጕህዮ ኣይንደልን ኢና።

15. እቲ ዳዊት ዘንጸባረቖ ኣኽብሮት እተሓወሶ ፍርሂ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

15 እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ባዕሉ ዝቈጻጸሮ እዚ ዘይበሃል ብርቱዕ ሓይሊ ካብ ሃለዎ: ነዚ ሓይልታት እዚ ነቲ መለኮታዊ ስምረት ዘይብሉ ዝዀነ ይኹን ኣካል ንምጥፋእ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ዳዊት ተገንዚቡ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘይብሎም እዚ ዘሰንብድ ኢዩ። ኣምላኽ ንእዮብ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:- “ናብቲ ንጊዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ኪኸውን ኢለ ዝዐቘርክዎ መዝገብ ውርጪዶ አቲኻ፧ ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ፧” ውርጪ: በረድ: ህቦብላ: ንፋስ: ከምኡውን በርቂ ዅሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ኢዩ። እዝስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ናይ ተፈጥሮ ሓይሊ ዀን ኢዩ!​—⁠እዮብ 38:⁠22, 23

16, 17. እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ዘፍርህ ሓይሊ ብምንታይ ክንገልጾ ንኽእል: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊኸ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብኸመይ ኢዩ እተጠቐመሉ፧

16 ምናልባት ብሰንኪ ሃሪከይን: ታይፉን: ሳይክሎን: ህቦብላ: ወይ ምዕልቕላቕ ማይ ዝኣመሰለ ነገራት ዝወረደ ህልቂት ትዝክር ትኸውን። ነዚ ንምብራህ:- ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1999 ብርቱዕ ህቦብላ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣውሮጳ ወቕዖ። ነቶም ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ዘጽንዑ ክኢላታት እውን ከይተረፈ ኣደንጸዎም። እዚ ኣዝዩ ብርቱዕ ህቦብላ እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸር ናሕስታት እናገንጸለ: ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣዕኑድ እናመንቈሰ: ዓበይቲ ማካይን እናገልበጠ ኣብ ሰዓት 200 ኪሎ ሜትር ይጓዓዝ ነበረ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎ እሞ ፈትን:- እቲ ህቦብላ ገለ 270 ሚልዮን ዝኸውን ኣእዋም​—⁠ካብቲ ካብ ፓሪስ ወጻኢ ዝርከብ ቨርሴለስ ዝበሃል መናፈሻ ቦታ ጥራይ 10,000 ኣእዋም​—⁠ካብ ሱሩ መንቊሱ ወይ ሰይሩ ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸር ኣባይቲ ብዘይ​ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረፈ። ዳርጋ 100 ዝዀኑ ሰባት ሞቱ። እዚ ዅሉ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዝነበረ ህቦብላ ጥራይ ኢዩ ተፈጺሙ። ኣየ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ሓይሊ ኰን ኢዩ!

17 ገለ ሰባት ንህቦብላ ሃንደበት ዝመጽእ: ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ተርእዮ ኢዩ ይብልዎ ይዀኑ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ሓያል ኣምላኽ ነዚ ሓይልታት እዚ እናተቘጻጸረ ተኣምራት እንተ ዝገብርከ፧ ኣብ ግዜ ኣብርሃም ልክዕ ከምዚ ገይሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብርሃም እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ ዝዀነ ኣምላኽ ንእከይ ናይተን ክልተ ከተማታት: ሶዶምን ጎሞራን: ከም ዝመዘኖ ተገንዘበ። ኣዝየን ብልሹዋት ብምንባረን ኣውያት እቶም ቅኑዓት ናብ ኣምላኽ በጽሐ። ኵሎም እቶም ጽድቂ ዝፈትዉ ሰባት ካብተን ንጥፍኣት እተመጠዋ ከተማታት ምእንቲ ኽወጹ ኣምላኽ ሓገዞም። ታሪኽ “ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ” ኣብ ልዕሊ እዘን ከተማታት እዚኣተን “ዲንን ሓውን ኣዝነመ” ይብል። እዚ ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ተኣምራት ኢዩ: ነቶም ጽድቂ ዝፈትዉ ኣድሒኑ ነቶም ዘይናስሑ እኩያት ሰባት ኣጥፍኦም።​—⁠ዘፍጥረት 19:⁠24

18. ኢሳይያስ ምዕራፍ 25 ከመይ ዝበለ ተኣምራት ኢያ እትሕብር፧

18 ጸኒሑ እውን የሆዋ ኣንጻር እታ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን​—⁠እታ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 25 ተጠቒሳ ዘላ ከተማ ክትከውን ትኽእል ኢያ​—⁠ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ከውርድ ወሲኑ ኢዩ። እታ ከተማ እቲኣ ሰብ ዘይነብረላ ዑና ዀይና ከም እትተርፍ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ነበረ:- “ንኸተማስ ኵምራ እምኒ: ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ: እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን: ንዘለኣለም ኣይኪስራሕን እዩ።” (ኢሳይያስ 25:⁠2) ነቲ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበረትሉ ቦታ እተዓዘቡ ዘመናውያን በጻሕቲ ሃገር እዚ ሓቂ ዀይኑ ከም እተረኽበ የረጋግጹ ኢዮም። ጥፍኣት ባቢሎን ብኣጋጣሚ ዝዀነ ነገር ድዩ፧ ኣይፋሉን: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኢሳይያስ “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት: እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪ: እምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ እሞ: ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ” ዝበሎ ሓሳብ ንሰማምዓሉ ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠1

ኣብ መጻኢ ዝግበር ተኣምራት

19, 20. እንታይ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 25:​6-8 ኢና ክንጽበ እንኽእል፧

19 ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ትንቢት ፈጺምዎ ኢዩ: ኣብ መጻኢ እውን ተኣምራት ክገብር ኢዩ። ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ዘሎ ‘ተኣምራት ኣምላኽ:’ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን እተፈጸመ ፍርዲ ብሕጂ ኽፍጸም ዘለዎ ካልእ ትውክልቲ ዝግበሮ ትንቢት ንረክብ ኢና። እንታይ “ተኣምራት” ኢዩ መብጽዓ ተገይርሉ ዘሎ፧ ኢሳይያስ 25:⁠6 ከምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ: ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።”

20 እዚ ኣብታ ድሕሪ ቐረባ እዋን እትህሉ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብርግጽ ክፍጸም ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ደቅሰብ: ካብቲ ሕጂ ንብዙሓት ጸቒጥዎም ዘሎ ግድላት እፎይ ኢሎም ከዕርፉ ኢዮም። አረ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 25:⁠7, 8 ዘሎ ትንቢትሲ ኣምላኽ ሓደ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ካብ ዝገበሮ ተኣምራት ዝበልጽ ንምግባር ነቲ ናይ ምፍጣር ሓይሉ ክጥቀም ምዃኑ ውሕስነት ትህብ ኢያ። ከምዚ ትብል:- “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ: ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።” ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓሳብ ብምውሳድ ኣምላኽ ንምዉታት ከተንስኦም ምዃኑ ንምግላጽ ኣውዒልዎ ኣሎ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ተኣምራት ኰን ኢዩ ክኸውን!​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠51-54

21. ኣምላኽ ንምዉታት እንታይ ተኣምራት ኢዩ ክገብረሎም፧

21 ናይ ሓዘን ንብዓት ዘይህልወሉ ካልእ ምኽንያት ድማ ደቅሰብ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካላዊ ሕማም ናጻ ስለ ዝዀኑ ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንብዙሓት የሕውዩ: ኣዒንቲ ዕዉራትን ኣእዛን ጸማማትን ከፊቱ: ንስንኩላን ሓይሎም አሐዲሱ ኢዩ። ኣብ ዮሃንስ 5:⁠5-9 ንሓደ ን38 ዓመታት ኣእጋሩ ለሚሱ ዝነበረ ሰብኣይ ከም ዘሕወዮ ንረክብ። እቶም ዝረኣይዎ እዚ ተኣምር: ድንቂ ዝዀነ ነገር ኢዩ በሉ። ብሓቂ ድማ ተኣምራት ኢዩ ነይሩ! የሱስ ግን ብዛዕባ ካልእ ዝያዳ ኣደናቒ ዝዀነ ነገር ማለት ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት እውን ነጊርዎም ኢዩ። ከምዚ በሎም:- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት . . . ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ።”​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29

22. እቶም ድኻታትን መሳኪንን ንመጻኢ ብሃንቀውታ ክጽበዩ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

22 እዚ ኸም ዝፍጸም ርግጽ ኢዩ ከመይሲ ከምዚ ኢሉ እተመባጽዐ የሆዋ ኢዩ። ነቲ ንኸሐድስ ዘለዎ ብርቱዕ ሓይሊ ምስ ተጠቕመሉን ሓደ ነገር ንምግባር ምስ ኣቃንዖን እቲ ውጽኢት ተኣምራት ከም ዝኸውን ተኣማመን። መዝሙር 72 በቲ ንጉስ ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እንታይ ከም ዝገብር ትሕብር። ሽዑ ጻድቃን ክዕንብቡ ኢዮም። ብዝሒ ሰላም ክህሉ ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም ድኻታትን መሳኪንን ከናግፎም ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ:- “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን: ፍሬኡ ኸም ኣእዋም [ጥንታዊት] ሊባኖስ ዘዘው ኪብል: ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።”​—⁠መዝሙር 72:⁠16

23. ተኣምራት ኣምላኽ እንታይ ንምግባር ኢዩ ክድርኸና ዘለዎ፧

23 ብንጹር እምበኣር ናብ ኵሉ ተኣምራት ኣምላኽ ማለት ናብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበሮ: ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ: ከምኡውን ናብቲ ድሕሪ ቐረባ እዋን ኽገብሮ መዲብዎ ዘሎ ከነቕልብ ምኽንያት ኣሎና። “እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ: እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ: ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን: ኣሜን።” (መዝሙር 72:⁠18, 19) እዚ ኣብቲ ምስ ኣዝማድናን ካልኦትን እንገብሮ ዕላላት ኵሉ ግዜ ብውዕዉዕ ስምዒት እነልዕሎ ኣርእስቲ ክኸውን ኣለዎ። እወ: “ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ።”​—⁠መዝሙር 78:⁠3, 4፣ 96:⁠3, 4

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ንእዮብ ዝቐረበሉ ሕቶታት ፍልጠት ሰብ ድሩት ምዃኑ ዝሕብር ብኸመይ ኢዩ፧

• ብዛዕባ ተኣምራት ኣምላኽ እንታይ ኣብ እዮብ ምዕራፍ 37-41 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ኢዩ ዝያዳ መሲጡካ፧

• ንገለ ካብ ተኣምራት ኣምላኽ ምስ መርመርና እንታይ መልሰ-ግብሪ ኢና ኸነርኢ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እቲ ድንቂ ዝዀነ እተፈላለየ ዓይነት ሓቒቕ በረድ ከምኡውን ኣዝዩ ዘፍርህ ሓይሊ በርቂ እንታይ ኢልካ ምደምደምካ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Snowcrystals.Net

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንተኣምራት ኣምላኽ ኣርእስቲ መዓልታዊ ዕላልካ ግበሮ