ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣሉታዊ ስምዒታት ክትዋጽኣሉ ዘኽእለካ መገዲ

ንኣሉታዊ ስምዒታት ክትዋጽኣሉ ዘኽእለካ መገዲ

ንኣሉታዊ ስምዒታት ክትዋጽኣሉ ዘኽእለካ መገዲ

ኣሳፍ ከምዚ ኢሉ ኣዕዘምዘመ:- “ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ: ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዔ እየ እሞ: እምበኣርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄ: ኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ። ”​—⁠መዝሙር 73:⁠13, 14

ባሩኽ ከምዚ ኢሉ ገዓረ:- “እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ: ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ: ዕረፍቲውን ሰአንኩ።”​—⁠ኤርምያስ 45:⁠3

ናእሚ ከምዚ ኢላ ቘዘመት:- “እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ: ማራ ደኣ በላኒ እምበር: ናእምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩ: እግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ: እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ: ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ አሎኽን፧ ”​—⁠ሩት 1:⁠20, 21

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ሓድሓደ ግዜ ብናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒታት ዝወሓጡ ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን ኵልና ሓሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ስምዒታት ይስምዓና ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። ገሌና መሪር ተመክሮ ስለ ዘሕለፍና ካብ ካልኦት ዝያዳ ተስፋ ምቝራጽ ዝስምዓና ዓይነት ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ምናልባት ርእስና ናይ ምዅናን ስምዒት ብምሕዳር ዝመጸ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ብኣጋኡ እንተ​ድኣ ዘይተኣልዩ ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት ይኹን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከበላሽወልካ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ርእሳ ኣብ ምዅናን ዝበጽሐት ክርስትያን ሓብቲ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ምስቶም ኣባላት ጉባኤና ክሓብር ብቕዕቲ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንዝቐረበለይ ብዙሕ ዕድመታት ነጺገዮ ኢየ።” እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታትሲ ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኣዕናዊ ሳዕቤን ኰን ኢዩ ዘለዎ! ንኽትዋጽኣሉኸ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧

ንየሆዋ ቕረቦ

ኣሳፍ ኣብ መዝሙር 73 ብዛዕባ እቲ ዝደንጸዎ ነገር ብቕንዕና ጽሒፉ ኣሎ። ንዅነታቱ ምስቲ ብልጹግ ናብራ ናይቶም እኩያት ምስ ኣወዳደሮ ቀንአ። እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ዕቡያትን ዓመጸኛታትን ክነሶም ከይተቐጽዑ ዘምለጡ ዀይኑ ተሰምዖ። ድሕርዚ ኣሳፍ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ንምምልላስ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ እምበርዶ ዋጋ ኣለዎ ኢዩ ዝብል ጥርጣረ ኸም ዝሓደሮ ገለጸ።​—⁠መዝሙር 73:⁠3-9, 13, 14

ንስኻኸ ከም ኣሳፍ ራህዋ ናይቶም ቅጭጭ ከይበሎም እኩይ ተግባራት ዝገብሩ ረሲኣን ተዓዚብካዶ ኢኻ፧ ኣሳፍ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታቱ ብኸመይ ኢዩ ተዋጺኡሉ፧ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ነዚ ኸስተውዕል ምስ ሐሰብኩ: ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱ: መወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ: ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።” (መዝሙር 73:⁠16, 17) ኣሳፍ ብጸሎት ናብ የሆዋ ብምቕራብ ኣወንታዊ ስጕምትታት ወሰደ። በቲ ዳሕራይ ሃዋርያ ጳውሎስ እተጠቐመሉ ቃላት ክንገልጾ እንተ​ድኣ ዄንና: ኣሳፍ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ‘መንፈሳዊ ሰብ’ ኣበራቢሩ ነቲ “ስጋዊ ሰብ” ጸቐጦ። በቲ እተሓደሰ መንፈሳዊ ኣመለኻኽትኡ: የሆዋ እከይ ከም ዝጸልእ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ድማ እቶም እኩያት ከም ዝቕጽዑ ተረድአ።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠14, 15

ነቲ ኣብ ናብራ ህይወት ዘጋጥም ክዉን ነገራት ንኸተተኵረሉ ሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ምድላይሲ ኽንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ! የሆዋ እቲ እኩያት ሰባት ዝገብርዎ ካብኡ እተሰወረ ኸም ዘይኰነ የዘኻኽረና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምህር:- “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። . . . ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።” (ገላትያ 6:⁠7-9) የሆዋ ነቶም እኩያት “ኣብ መንደለሃጺ ስፍራ” የቐምጦም: ‘ናብ ጥፍኣት ከኣ ከውድቖም’ ኢዩ። (መዝሙር 73:⁠18) ዅሉ ግዜ ኣብ መወዳእትኡ መለኮታዊ ፍትሒ ኢዩ ዝዕወት።

ካብ መኣዲ የሆዋ ስርዓታዊ ዄንካ መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ጥዑይ ሕብረት ምግባርን እምነትካ ከተደልድል ከምኡውን ንተስፋ ምቝራጽ ወይ ንኻልእ ኣሉታዊ ስምዒታት ኽትዋጽኣሉ ክሕግዘካ ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠25) ልክዕ ከም ኣሳፍ ናብ ኣምላኽ ኣዚኻ ብምቕራብ ፍቕራዊ ደገፉ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣሳፍ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ: ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ: ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ: ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።” (መዝሙር 73:⁠23, 24) ሓንቲ ብቘልዓኣ ኸላ ማህሰይቲ ዝወረዳ ክርስትያን ነቲ እዚ ቓላት እዚ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ክትማሃሮ ኽኢላ ኢያ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ምስታ ጉባኤ ጥብቂ ሕብረት ምግባር: ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ካልእ ገጽ ከም ዝርኢ ገይሩኒ ኢዩ። ክርስትያን ሽማግለታት ፈቃራት ምዃኖም: ጓሶት ድኣ እምበር ፖሊስ ከም ዘይኰኑ ብንጹር ክዕዘብ ክኢለ ኢየ።” እወ: ደንገጽቲ ክርስትያን ሽማግለታት ሃሳዪ ስምዒታት ንምጥፋእ ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎም።​—⁠ኢሳይያስ 32:⁠1, 2፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠7, 8

ምኽሪ የሆዋ ተቐበል

እቲ ንነብዪ ኤርምያስ ጸሓፊኡ ዝነበረ ባሩኽ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዕዮኡ ሓዲርዎ ዝነበረ ስምዒታዊ ጸቕጢ ጓሂኡ ገለጸ። የሆዋ ግን ብሕያውነት ንባሩኽ ኣብ ክውንነት ከም ዘተኵር ገበሮ። “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ። እንሆ: መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዅሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”​—⁠ኤርምያስ 45:⁠2-5

ተስፋ ንኽቘርጽ ምኽንያት ዝዀኖ እቲ ስስዐ ዝመልኦ መገድታቱ ምዃኑ የሆዋ ንባሩኽ ኣግሂዱ ገለጸሉ። ባሩኽ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ነገር ይደሊ ስለ ዝነበረ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ክሕጐስ ኣይከኣለን። ንስኻውን መሐንኰሊ ምውጋድ ከምኡውን ይኣኽለኒ ብምባል ዝመጽእ ናይ ኣእምሮ ሰላም ምርካብ: ተስፋ ምቝራጽ ንምስናፍ ክሕግዘካ ዝኽእል ኣወንታዊ ስጕምቲ ምዃኑ ትግንዘብ ትኸውን።​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

እታ መበለት ዝነበረት ናእሚ ሞት ሰብኣያን ክልተ ደቃን ዘስዓቦ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ሞኣብ ርእሳ ከም እተግልል ክገብራ ኣይፈቐደትን። ይኹን እምበር: ብዅነታታን ብዅነታት እተን ክልተ ኣንስቲ ደቃን ተመሪራ ኸም ዝነበረት ዝሕብር ሓሳባት ኣሎ። ክትሰደን ከላ ከምዚ በለት:- “ኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ: ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር።” ኣብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሐት ከኣ ወሲኻ ከምዚ በለት:- “እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ: ማራ [“መራር”] ደኣ በላኒ እምበር: ናእምስ [“ደስታይ”] ኣይትበላኒ።”​—⁠ሩት 1:⁠13, 20

ይኹን እምበር: ናእሚ ብሓዘን ተዋሒጣ ካብ የሆዋን ካብ ህዝቡን ክሳዕ ምፍላይ ኣይበጽሐትን። ኣብ ሞኣብ ከላ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖም: እንጌራውን ከም ዝሀቦም” ሰምዐት። (ሩት 1:⁠6) ንዓኣ ዝበለጸ ቦታ ምስ ህዝቢ የሆዋ ምንባር ምዃኑ ተረድአት። ናእሚ ምስ ሰበይቲ ወዳ ሩት ናብ ይሁዳ ተመልሰት እሞ: ንሩት ድማ ነቲ መቕረባአንን ወራሲኣን ዝዀነ ቦኣዝ ብኸመይ ክትቀርቦ ከም እትኽእል ብጥበብ ሓበረታ።

ሎሚውን ብተመሳሳሊ እቶም ናይ መርዓ ብጾቶም ብሞት እተፈለይዎም ሰባት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጡፋት ኰይኖም ብምምልላስ ንዘጋጠሞም ስምዒታዊ ጸቕጥታት ብዓወት ይዋጽእሉ ኣለዉ። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ከም ናእሚ ብመንፈሳዊ ነገራት ትሑዛት ኢዮም ዝዀኑ።

ኣምላኻዊ ጥበብ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝርከብ ረብሓ

እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት እዚ: ሓደ ሰብ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታት ዘስዕቦ ነገራት ብኸመይ ክዋጽኣሉ ከም ዝኽእል ምስትውዓል ይህቦ። ኣሳፍ ካብ ማሕደር የሆዋ ሓገዝ ክረክብ ደለየ: ብትዕግስቲ ድማ ንየሆዋ ተጸበየ። ባሩኽ ንእተዋህቦ ምኽሪ ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ነቲ ናይ ፍቕረ-ንዋይ መሐንኰሊታት ኣርሓቖ። ናእሚ ነታ መንእሰይ ዝነበረት ሩት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ናይ ምምላኽ መሰል ምእንቲ ኽትረክብ ተዳልዋ ስለ ዝነበረት ኣብ ማእከል ህዝቢ የሆዋ ንጥፍቲ ዀነት።​—⁠1 ቈረንቶስ 4:⁠7፣ ገላትያ 5:⁠26፣ 6:⁠4

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ብውልቀ-ሰብ ደረጃን ብሓፈሻን ዝሃቦም መለኮታዊ ዓወታት ብምስትንታን ንተስፋ ምቝራጽን ካልእ ኣሉታዊ ስምዒታትን ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ ብዛዕባ እቲ የሆዋ በጅነት ብምድላው ዘርኣዮ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ኣስተንትነሉ። ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነት ዝንጸባረቕ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣማስወሉ። ናብቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክህሉ እንጽበዮ ዘሎና ህይወት ኣተኵር። ከም ኣሳፍ ድማ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ: ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ: እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ” በል።​—⁠መዝሙር 73:⁠28