ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንጥዕና ሰባት ዝጐድእ ስዉር ሓደጋ”

“ንጥዕና ሰባት ዝጐድእ ስዉር ሓደጋ”

“ንጥዕና ሰባት ዝጐድእ ስዉር ሓደጋ”

 ኣብቲ ብኢንተርነት ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ነገራት ኣብ እተገብረ ናይ ቀረባ ግዜ መጽናዕቲ: ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ኢንተርነት ዝጥቀሙ ኣባጽሕ ከም ዝከታተልዎ ሓቢሩ። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ኢንተርነት ዝረኽብዎ ሓሳባት ናይ ጾታዊ ርክብ ስምዒቶም የዕግቡ ኣለዉ። እቲ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ዘካየደ ሳይኮሎጂስት: ዶ/ር ኣል ኩፐር “እዚ ንጥዕና ሰባት ዝጐድእ ስዉር ሓደጋ እዚ ኣዝዩ የስፋሕፍሕ ኣሎ: ሓደ ካብቲ ምኽንያት ከኣ ጐዳኢ ምዃኑ ዝፈልጡ ወይ ፈሊጦም ጥንቃቐ ዝገብሩ ኣዝዮም ሒደት ብምዃኖም ኢዩ” በለ።

በዚ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ጾታዊ ርክብ ብፍላይ ዝጽለዉ መን ኢዮም፧ ዶ/ር ኩፐር “እቶም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝመጸ ዕጹዋት ዝነበሩ ወይ ሒደት ፍልጠት ዝነበሮም” ሕጂ ግን ኣብ ኢንተርነት “ብሃንደበት ማእለያ ዘይብሉ ናይ ጾታዊ ርክብ ኣማራጺታት ዝረኽቡ ኢዮም” በለ።

ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ኮምፕዩተር ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ነገራት ዝከታተሉ ሰባት ነቲ ተግባር ጐዳኢ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ከምኡ ድዩ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎ ሰብ ድሕሪ ገለ ግዜ ነቲ ሓሽሽ ዝለምዶ: ብዙሓት ካብቶም ነዚ ልምዲ እዚ ዘሕደሩ እውን ነቲ ጾታዊ ባህጎም ንምርዋይ ተወሳኺ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ነገራት ኢዮም ዝደልዩ። ነዚ ኽብሉ እውን ስርሖምን ምስ ናይ መርዓ ብጻዮም ንዘለዎም ርክብን ኣብ ሓደጋ እንተ ኣእተዉዎ ኣየገርምን ኢዩ!

እንተ​ዀነ ግን: እቶም ንኣምላኽ ከሐጕሱ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ነገራት ዘይከታተሉሉ ተወሳኺ ምኽንያት እውን ኣለዎም። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝብል ምኽሪ ይህብ:- “ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ። ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ . . . ይወርድ እዩ።” (ቈሎሴ 3:⁠5, 6) ሓደ ሰብ ምስቲ ርኹስ ፍትወት ስጋ ዝተሓሓዝ ‘ኣካላት ክቐትል’ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ንየሆዋ ኣምላኽ ሓያል ፍቕሪ ከማዕብል ኣለዎ። (መዝሙር 97:⁠10) እቲ ንጥዕና ሰባት ጐዳኢ ዝዀነ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ሓሳባት ዝስሕቦ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ነቲ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ከደልድሎ ኣለዎ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ብምኻድ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓብር እንተ ዀይኑ: ነቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዘለዎ ቘራጽነት ንምድልዳል ኣጸቢቑ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።