ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣበው ቤተ-ክርስትያን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝጣበቑ ድዮም ነይሮም፧

ኣበው ቤተ-ክርስትያን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝጣበቑ ድዮም ነይሮም፧

ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝጣበቑ ድዮም ነይሮም፧

ክርስትያን ኢየ በሃሊ ኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምላኽ: ብዛዕባ የሱስ: ከምኡውን ብዛዕባ ክርስትና ዘሎካ ኣረኣእያ ብኣታቶም ኣጸቢቑ ተጸልዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኻባታቶም ኣፍ⁠-​ወርቂ ዝብል ቅጽል ስም ነበሮ: ሓደ ኻልእ ድማ ዓቢ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ኵላቶም ብሓባር “ብሉጻት ኣብነታት ህይወት ክርስቶስ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። እንታዎት ኢዮም እዚኣቶም፧ እዚኣቶም ንመብዛሕትኡ እዚ ሎሚ ዘሎ “ክርስትያናዊ” ኣረኣእያ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ሓያል ጽልዋ ዝገበሩ ጥንታዎት ሃይማኖታውያን ተመራመርቲ: ጸሓፍቲ: ናይ ሃይማኖት ምሁራት: ከምኡውን ፈላስፋታት ኢዮም። ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።

 ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ ደሚትሪዩስ ጀይ. ኮንስታንቴሎስ “መጽሓፍ ቅዱስ ንብምሉኡ ቓል ኣምላኽ ዝሓዘ ኣይኰነን” በለ። ቀጺሉ ድማ “እቲ ንቓል ኣምላኽ ዝገልጸልና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጥራይ ተሓጺሩ ዘብቅዕ ኣይኰነን” በለ። እዚ መለኮታዊ መግለጺ ኽንረኽበሉ እንኽእል ተባሂሉ ዘሎ ኻልእ ምንጪ እንታይ ኰን ኢዩ፧ ኮንስታንቴሎስ ኣብታ ኣንደርስታንዲን ዘ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቸርች ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) “እቲ ቕዱስ ልምድን ቅዱሳት ጽሑፋትን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኢዩ” በለ።

መሰረት ናይዚ “ቕዱስ ልምዲ” እዚ ትምህርትታትን ጽሑፋትን ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚኣቶም ካብ ካልኣይ ክሳዕ ሓምሻይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ጕሉሕ ቦታ ዝወሃቦም ናይ ሃይማኖት ምሁራትን ናይ “ክርስትና” ፈላስፋታትን ኢዮም ነይሮም። ነዚ ዘመናዊ “ክርስትና” ኽሳዕ ክንደይ ኢዮም ጸልዮሞ፧ ትምህርትታቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ድዩ ነይሩ፧ ሓደ ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ዝኣምኖ ክርስትያናዊ ሓቂ ኣብ እንታይ እተመስረተ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧

ታሪኻዊ ድሕረ⁠-​ባይታ

ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ንእምነቶም ኣብ ቅድሚ እቶም ስደት ዘውርዱሎም ዝነበሩ ሮማውያንን መናፍቓንን ይጣበቑላ ነበሩ። ይኹን እምበር: እቲ ዘመን እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ዝቕልቀለሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ናይ የሱስ “መለኮትነት” ከምኡውን ብዛዕባ ባህርይን ተግባርን መንፈስ ቅዱስ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኽትዕ: ናይ ኣረኣእያ ጋግ ጥራይ ኣይኰነን ፈጢሩ። እቲ ብዛዕባ “ክርስትያናዊ” ሰረተ⁠-​እምነት እተላዕለ ከቢድ ዘይምስምማዕን ዘይዕረ ምፍልላይን ኣብ ፖለቲካውን ባህላውን መዳይ እውን ኣስፋሕፍሐ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ናዕቢ: ዕልዋ: ዘይምርግጋእ: አረ ውግእ እውን ከይተረፈ የበግስ ነበረ። ጸሓፍ ታሪኽ ፖል ጆንሰን ብዛዕባዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ናይ ክሕደት] ክርስትና ብሕንፍሽፍሽ: ክትዕ: ከምኡውን ምፍልላይ ኢዩ ጀሚሩ: ኣየቋረጸን ከኣ። . . . ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ድሕሪ ልደተ⁠-​ክርስቶስ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ሜዲተራንያን ማእለያ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ንምስፍሕፋሕ ጻዕሪ ይግበር ነበረ። . . . ስለዚ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንሓድሕዱ ዘይቃዶ እተፈላለየ ዓይነት ክርስትና ኢዩ ነይሩ።”

ኣብቲ ዘመን እቲ “ንክርስትያናዊ” ትምህርትታት ብናይ ፍልስፍና ቓላት ምትርጓም ኣድላዪ ዀይኑ ዝስምዖም ብዙሓት ጸሓፍትን ተመራመርትን ክስስኑ ጀመሩ። እዞም ሃይማኖታውያን ጸሓፍቲ እዚኣቶም ነቶም ካብ ኣረማውነት ናብ “ክርስትና” እተለወጡ ምሁራት ንምዕጋብ ኣብ ጥንታዊ ናይ ግሪኽን ኣይሁድን ጽሑፋት ተወከሉ። ካብቲ ብቛንቋ ግሪኽ ዝጽሕፍ ዝነበረ ጀስቲን ማርቲር (ከባቢ 100-165 ከ.ኣ.ዘ.) ኣትሒዙ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነቲ ፍልስፍናዊ ባህሊ ግሪኽ ኣብ ምውራስ ዝያዳ እናተራቐቑ መጹ።

እዚ ኣንፈት እዚ ኣብ ጽሑፋት ናይቲ ወዲ ኣሌክሳንድርያ ዝነበረ ግሪኻዊ ደራሲ ኦሪጀን (ከባቢ 185-254 ከ.ኣ.ዘ.) ብግሁድ ተራእየ። እታ ኦሪጀን ዝጸሓፋ ኦን ፈርስት ፕሪንስፕልስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንቐንዲ ሰረተ⁠-​እምነት “ክርስትና” ብፍልስፍና ግሪኽ ንምግላጽ ብልሓት ዝመልኦ ጻዕሪ እተገብረላ ናይ መጀመርታ ጽሕፍቲ ኢያ ነይራ። እቲ ክርስቶስ “መለኮት” ኢዩ ዝብል ትምህርቲ ንኽተኣታቶ እተጻዕረሉ ዋዕላ ኒቅያ (325 ከ.ኣ.ዘ.) ንእምነት “ክርስትና” ኣብ ምትርጓም ሓድሽ ድራኸ ዘሕደረ ዓቢ ፍጻመ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ዋዕላ እቲ ኣትሒዙ ሓድሽ መዋእል ጀመረ: ሓፈሻዊ ዋዕላ ቤተ⁠-​ክርስትያን ድማ ነቲ እምነት ንጹር መግለጺ ደለየሉ።

ጸሓፍትን ክኢላታት ተዛረብትን

ናይ መጀመርታ ዋዕላ ኒቅያ ኣብ እተኻየደሉ እዋን ጸሓፊ ዝነበረ ዮሲቤስ በዓል ቂሳርያ ምስ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ሕብረት ነበሮ። ድሕሪ ዋዕላ ኒቅያ ልዕሊ 100 ዓመት ይኸውን ጸኒሑ ዝበዝሑ ጸሓፍቲ ቛንቋ ግሪኽ ዝርከብዎም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ብዛዕባ እቲ መለለዪ ህዝበ⁠-​ክርስትና ዝዀነ ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ነዊሕን ሓያልን ክትዕ ገበሩ። እቲ ደረቕ ዝነበረ ኣቡን ኣሌክሳንድርያ ኣታናስዩስ ከምኡውን እቶም ካብ ቀጶዶቅያ: ንእሽቶ እስያ: ዝመጹ ሰለስተ መራሕቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ማለት ባሲል ዓቢ: ሓዉ ግሪጎሪ በዓል ኒሳ: እቲ ፈታዊኦም ዝነበረ ግሪጎሪ በዓል ናዚያንዘስ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ይርከብዎም ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ጸሓፍትን ሰበኽትን ክኢላታት ተዛረብትን ነበሩ። ግሪጎሪ በዓል ናዚያንዘስ ከምኡውን ጆን ክሪሰስተም (ማለት “ኣፍ⁠-​ወርቂ”) ብቛንቋ ግሪኽ: ኣምብሮሲ በዓል ሚላን ከምኡውን ኦገስቲን በዓል ሂፖ ኸኣ ብላቲን ክኢላታት ተዛረብቲ ከምኡውን ውሕሉላት ናይቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦን ህቡብን ዝነበረ ስነ⁠-​ጥበብ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝሓየለ ጽልዋ ዝነበሮ ጸሓፊ ኦገስቲን ኢዩ ነይሩ። እቲ ውሕሉል ሃይማኖታዊ ጽሑፋቱ ነዚ ሎሚ ዘሎ “ክርስትያናዊ” ኣተሓሳስባ ቐሪጽዎ ኢዩ። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ምሁር ዝነበረ ጀሮም: ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ በዅሪ ቛንቋ ናብ ናይ ላቲን ቩልጌት ተርጐሞ።

ይኹን እምበር: እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ገና መልሲ ዘድልዮ ኢዩ:- እዞም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቖም ስዒቦምዎዶ ኢዮም፧ ትምህርትታቶም ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይሰማማዕዶ ኢዩ፧ ጽሑፋቶም ናብ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝመርሓናዶ ኢዩ፧

ትምህርቲ ኣምላኽዶ ወይስ ትምህርቲ ሰብ፧

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ሜትሮፖሊሽያን ሜቶዲየስ በዓል ጵሲድያ ባህልን ፍልስፍናን ግሪኽ ትሕተ⁠-​ቕርጺ ዘመናዊ “ክርስትና” ምዃኑ ንምሕባር ዘ ሄለኒክ ፐዴስታል ኦቭ ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጸሓፈ። ኣብታ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ብግልጺ ተኣመነ:- “ዳርጋ ዅሎም ፍሉጣት ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ስርዓታት ግሪኽ ኣዝዩ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይወስድዎ ስለ ዝነበሩ ኻብቲ ናይ ግሪኽ ቅርሲ ወሲዶም ንክርስትያናዊ ሓቅታት ንምርዳእን ብትኽክል ንምግላጽን ተጠቒሞምሉ ኢዮም።”

እስከ ከም ኣብነት ነቲ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ስላሴ ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ንውሰድ። ድሕሪ ዋዕላ ኒቅያ መብዛሕትኦም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ ትምህርቲ ስላሴ ጽኑዕ እምነት ነበሮም። ጽሑፋቶምን መግለጺታቶምን ንስላሴ ቐንዲ ሰረተ⁠-​እምነት ህዝበ⁠-​ክርስትና ኣብ ምግባር ወሳኒ ግደ ኢዩ ነይርዎ። እንተ​ዀነ ግን: ትምህርቲ ስላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብዶ ኢዩ፧ ኣይርከብን ኢዩ። እቶም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ድኣ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኻበይ ኢዮም ኣምጺኦምዎ፧ ኤ ዲክሸነሪ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዙሓት ሰባት ስላሴ “ካብ ኣረማዊ ዝዀነ ሃይማኖታት እተለቃሕናዮ: ኣብ እምነት ክርስትና ድማ እተሓወሰ ብልሽውና ኢዩ” ኢሎም ከም ዝዛረቡ ትገልጽ። እታ ዘ ፓጋኒዝም ኢን ኣዋር ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ድማ “ምንጪ ናይ [ስላሴ] ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣረማውያን ኢዩ” ትብል። a​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16፣ 14:⁠28

ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ማለት ሰብ ድሕሪ ሙማቱ ገለ ኽፋሉ ህያው ኰይኑ ይቕጽል ኢዩ ዝብል እምነት እውን ንርአ። ኣብዚ እውን እንተ​ዀነ እቶም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ኢዮም ነዚ ኣረኣእያ እዚ ናብቲ ድሕሪ ሞት ነፍሲ ብህይወት ትቕጽል ኢያ ዝብል ትምህርቲ ፈጺሙ ዘይብሉ ሃይማኖት ዘተኣታተውዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ኸም እትመውት ብንጹር ይገልጽ ኢዩ። “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ኢዩ ዝብል። (ህዝቅኤል 18:⁠4) እቶም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ኢሎም ንኽኣምኑ መሰረት ዝዀኖም ደኣ እንታይ ኢዩ፧ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እታ ብኣምላኽ እተፈጥረት መንፈሳዊት ነፍሲ ድቂ ኽተሓዝ ከሎ ምስ ኣካል ድሕሪ ምውህሃዳ እቲ ሰብ ህያው ይኸውን ዝብል ክርስትያናዊ ኣምር: ውጽኢት ናይቲ ክርስትያናዊ ፍልስፍና ቀስ ብቐስ ዝገበሮ ምዕባለ ኢዩ። ነፍሲ ኸም መንፈሳዊት ነገር ከምኡውን ናይ ፍልስፍና ሓሳባት ኰይና ዝቐረበት ኣብ ምብራቕ ኣብ ግዜ ኦሪጀን ኣብ ምዕራብ ድማ ኣብ ግዜ ቅዱስ ኦገስቲን ጥራይ ኢያ። . . . [ሰረተ⁠-​እምነት ኦገስቲን] . . . መብዛሕትኡ (ንገለ ጕድለታቱ እውን ወሲኽካ) ካብ ኒዮፕላቶኒዝም እተወስደ ኢዩ።” እታ ፕረስባይተርያን ላይፍ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ድማ “ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነት ኣብ ጥንታውያን ሕቡኣት ኣንቈራታት እተመስረተ ዀይኑ እቲ ፈላስፋ ፕላቶ ኣጸባቢቑ ዘቕረቦ ኻብ ግሪኽ እተወስደ ኣምር ኢዩ” በለት። b

ጽኑዕ መሰረት ክርስትያናዊ ሓቂ

ነዚ ሓጺር ታሪኻዊ ድሕረ⁠-​ባይታ ናይቶም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያንን ምንጪ ትምህርትታቶምን ድሕሪ ምምርማር ጥራይ: ‘ሓደ ቕኑዕ ክርስትያን ኣብ ትምህርትታቶም ክኣምን ይግብኦዶ ኢዩ፧’ ኢልካ ምሕታት ግቡእ ኢዩ። እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ መልሲ ይሃበና።

ቅድም ቀዳድም: የሱስ ክርስቶስ “ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ” ብምባል “ኣቦ” ዝብል ማዕርግ ንሃይማኖታዊ መጸውዒ ኸይንጥቀመሉ ኣዚዙ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:⁠9) ሃይማኖታዊ ማዕርግ ንምምልካት “ኣቦ” ወይ ኣባ ዝብል ስያመ ምጥቃም ዘይክርስትያናውን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኢዩ። እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ: ሃዋርያ ዮሃንስ ነታ ኣብ ከባቢ 98 ከ.ኣ.ዘ. ዝጸሓፋ መጽሓፍ ክውድእ ከሎ ተዛዚሙ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ሓቀኛታት ክርስትያናት መንፈሳዊ ራእይ ንምርካብ ኢሎም ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይጽበዩን ኢዮም። ምእንቲ ልምድታቶም ኢሎም ‘ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ኸይገብርዎ’ ይጥንቀቑ ኢዮም። ልምድታት ንቓል ኣምላኽ ከም ዝትክኦ ምግባር ብመንፈሳዊ መዳይ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። የሱስ “ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ: ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ብምባል ኣጠንቀቐ።​—⁠ማቴዎስ 15:⁠6, 14

ክርስትያናት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ካልእ ራእይ የድልዮምዶ ኢዩ፧ ኣየድልዮምን ኢዩ። መጽሓፍ ራእይ “ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ: ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ከይንውስኽ የጠንቅቐና።​—⁠ራእይ 22:⁠18

ክርስትያናዊ ሓቂ ኣብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኢዩ ተመዝጊቡልና ዘሎ። (ዮሃንስ 17:⁠17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16፣ 2 ዮሃንስ 1-4) ነቲ ቓል ብትኽክል ንምርዳእ ኣብ ዓለማዊ ፍልስፍናታት ክንውከል ኣየድልየናን ኢዩ። ነቶም ንመለኮታዊ ትምህርቲ ብሰብኣዊ ጥበብ ክገልጽዎ ዝጽዕሩ ሰባት ነዚ ዝስዕብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓተቶ ሕቶታት ደጊምና ኽንሓቶም ዝግባእ ኢዩ:- “ጥበበኛ ኣበይ አሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ አሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ አሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧”​—⁠1 ቈረንቶስ 1:⁠20

ኣብ ርእሲ እዚውን ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ኢያ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) እቶም ተዓዘብቲ ዀይኖም ዝምዘዙ ዝዀነ ይኹን በካሊ ሰረተ⁠-​እምነት ናብታ ጉባኤ ሰሊኹ ኸይኣቱ ብምሕላው እቲ ኣብታ ማሕበር ዝምህርዎ ትምህርትታት ጽሩይ ንኽኸውን ይጥንቀቕሉ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15-18, 25) ነታ ጉባኤ ካብ ‘ነብያት ሓሶት: መምህራን ሓሶት: ከምኡውን ካብ ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ’ ይሕልዉዋ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 2:⁠1) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እቶም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን “ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን” ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሱር ንኽሰድድ ፈቒዶምሉ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1

ሳዕቤን ናይዚ ኽሕደት እዚ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ህዝበ⁠-​ክርስትና ብግሁድ ይርአ ኣሎ። እምነታታን ልምድታታን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ብዛዕባ ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ዓሚቝ መብርሂ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ከም ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ እንተ​ድኣ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 98, 98-104, 104 ከምኡውን 375,375-80, 380 ርአ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣበው ቀጶዶቅያ

ካሊስቶስ ዝበሃል ፈላሲ “ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን . . . ነቶም ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበሩ ጸሓፍቲ: ብፍላይ ከኣ ነቶም ‘ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታውያን መራሕቲ’ ኢላ እትጽውዖም ግሪጎሪ በዓል ናዚያንዘስ: ባሲል ዓቢ: ከምኡውን ጆን ክሪሰስተም ዓሚቝ ኣኽብሮት ኢዩ ዘለዋ” በለ። ትምህርትታት ናይዞም ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ድዩ ነይሩ፧ እታ ዘ ፋዘርስ ኦቭ ዘ ግሪክ ቸርች ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ባሲል ዓቢ ከምዚ ትብል:- “ጽሑፋቱ ምስ ፕላቶ: ሆመር: ምስ ካልኦት ጸሓፍቲ ታሪኽን መደርትን ጽቡቕ ምቅርራብ ከም ዝነበሮ ዘርኢ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ ብርግጽ ጸልይዎ ኢዩ። . . . ባሲል ‘ግሪኻዊ’ ኣረኣእያኡ ኣይቀየረን።” ግሪጎሪ በዓል ናዚያንዘስ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን። “ቤተ⁠-​ክርስትያን ንልምድታት ጥንታዊ ባህሊ ምሉእ ብምሉእ ምስ እትቕበል ኢዩ ዓወታን ልዕልናኣን ኣጸቢቑ ኽርአ ዝኽእል ዝብል ኣረኣእያ ነበሮ።”

ፕሮፌሰር ፓናዮቲስ ኬይ. ክሪስቶ ብዛዕባ ሰለስቲኦም ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝርከብ ትእዛዝ ምእንቲ ኽሰማምዑ ካብ ‘ጥበብ ዓለምን ከንቱ ምጥባርን’ [ቈሎሴ 2:⁠8] ተጠንቀቑ ዝብሉ እኳ እንተ ነበሩ: ንሳቶም ግን ፍልስፍናን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዓይነት ትምህርትታትን ብትግሃት የጽንዑ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንኻልኦት ከጽንዑ ይደፋፍእዎም ነበሩ።” ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መምህራን ቤተ⁠-​ክርስትያን ንሓሳባቶም ደገፍ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምሉእ ኰይኑ ኸም እተሰምዖም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ካልእ መወከሲ ዝዀኖም መጽሓፍ ምድላዮም ትምህርትታቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ኢዩ ኽበሃልዶ ይኽእል ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት “ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ” ብምባል ኣጠንቀቖም።​—⁠እብራውያን 13:⁠9

[ምንጪ ስእሊ]

© Archivo Iconografico, S.A./CORBIS

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሲሪል በዓል ኣሌክሳንድርያ —⁠ኣከራኻሪ ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን

ሓደ ኻብቶም ኣከራኸርቲ ዀይኖም ዘለዉ ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን ሲሪል በዓል ኣሌክሳንድርያ (ከባቢ 375-444 ከ.ኣ.ዘ.) ኢዩ። ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ጸሓፍ ታሪኽ ሃንስ ፎን ካፐንሃውዘን ንሲሪል “ሃሜናዊ: ዓመጸኛ: ከምኡውን በቲ ዝነበሮ ልዑል ቦታን ብኽብሪ ስልጣኑን ዘታልል ኢዩ ነይሩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ወሲኹ ድማ ኸምዚ በለ:- “ንጽ​ልዋኡን ስልጣኑን . . . ዘናውሓሉ እንተ ዘይኰይኑ ንዝዀነ ይኹን ነገር ቅኑዕ ኢዩ ኢሉ ኣይቅበልን ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ጭካነኡን ቅጥዒ ዘይብሉ ሜላታቱን ኣይጭነቕን ኢዩ።” ሲሪል ናይ ኣሌክሳንድርያ ኣቡን ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቲ ናይ ኮንስታንቲኖፓል ኣቡን ካብ ስልጣኑ ንኸውርዶ ኢሉ ጉቦ ሂቡ ከምኡውን ንስም እቲ ኣቡን ኣጸሊሙን ኣኽፊኡን ኢዩ። ሲሪል በቲ ብ415 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ናይታ ሃይፓሽያ እትበሃል ፍልጥቲ ፈላስፋ እውን ተሓታቲ ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። ካፐንሃውዘን ብዛዕባ ስነ⁠-​ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ሲሪል ከምዚ በለ:- “ንእምነት ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝለዓል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተመርኲስካ ዘይኰነስ ብሓገዝ ናይ ውሩያት ፈላጣት ጥቕስታትን እተኣኻኸበ ጥቕስታትን ገይርካ ናይ ምፍታሕ ተግባር ንሱ ኢዩ ጀሚርዎ።”

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ጀሮም

[ምንጪ ስእሊ]

Garo Nalbandian