ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣተዓባብያኻ ብዘየገድስ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣተዓባብያኻ ብዘየገድስ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣተዓባብያኻ ብዘየገድስ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ

 ኒኮላስ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ናይ ዕልወት ዝንባለ ነበሮ። a ውሽጡ ይርበጽ ስለ ዝነበረ ኸኣ ድሕሪ ግዜ ሓሽሽ ክወስድን ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ክሰትን ጀመረ። ኒኮላስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣቦይ ናይ ኣልኮል ወልፊ ነበሮ: ንዓይን ንሓፍተይን ከኣ ብዙሕ የሳቕየና ነበረ።”

ወለዲ ማሊንዳ ብደገ ክረኣዩ ኸለዉ ኣብ ማሕበረ​ሰቦም ሕፉራትን ወትሩ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝሳለሙን ኢዮም ነይሮም። እንተ​ዀነ ግን: ንጡፋት ኣባላት ሓደ ኣንቈራ እውን ኢዮም ነይሮም። ሕጂ ኣብ ዕድመ 30ታት እትርከብ ማሊንዳ “ገለ ካብቲ ኣባላት እቲ ኣንቈራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ተግባራት ቈልዓ ከለኹ ጐዲእንን ድሂልንን ኢዩ” ብምባል መረረኣ ትገልጽ። ወሲኻ ድማ “ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክዝክሮ ከለኹ ዕድመይ ምሉእ ተስፋ ምቝራጽን ዋጋ ናይ ዘይምህላው ስምዒትን ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ” በለት።

ናይ ብዙሓት ሰባት እዋን ቍልዕነት ብዓመጽ: ሃስያ: ናይ ወለዲ ዕሽሽ ምባል: ከምኡውን ብኻልእ ኣሉታዊ ረቛሒታት ከም እተበላሸወ መን ኢዩ እሞ ክኽሕድ ዝኽእል! በሰላ ናይቲ ኣብ እዋን ቍልዕነት ዘጋጥም ጓሂ ብቐሊሉ ዘይጠፍእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድኣት ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ንኸይቅበልን ብዙሕ ሓጐስ ንኸይረክብን ንሓዋሩ ክዓግቶ ይኽእልዶ ኢዩ፧ ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ ኒኮላስን ማሊንዳን ንጽህናኦም ዝሕልዉ ሰባት ክዀኑ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ መጀመርታ: ኣብነት ናይቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ዮስያስ ርአ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት

ዮስያስ ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ይሁዳ ን31 ዓመታት (659-629 ቅ.ኣ.ዘ.) ነገሰ። ዮስያስ ድሕሪ ቕትለት ኣቦኡ ኽነግስ ከሎ ኣብ ይሁዳ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ነበረ። ይሁዳን የሩሳሌምን ብኣምለኽቲ በዓልን በቶም ማልካም ብዝበሃል ቀንዲ ኣምላኽ ኣሞናውያን ዝምሕሉን መሊአን ነበራ። መሳፍንቲ ይሁዳ “ጓዘምቲ ኣናብስ” እቶም ፈራዶ ድማ “ተዃሉ ምሸት” ከም ዝነበሩ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ጸፎንያስ ሓቢሩ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ዓመጽን ምትላልን ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ብዙሓት ብልቦም “እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር” ይብሉ ነበሩ።​—⁠ጸፎንያስ 1:⁠3–2:⁠3፣ 3:⁠1-5

ዮስያስ እንታይ ዓይነት ንጉስ ኢዩ ዝዀነ፧ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ እዝራ “[ዮስያስ] ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ: ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ከደ: ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ዜና መዋእል 34:⁠1, 2) ብዘይ​ጥርጥር እምበኣር ዮስያስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ብምግባር ዝመጸ ዕዉት ኰይኑ ኢዩ። ኣተዓባብያኡ ግን ከመይ ኢዩ ነይሩ፧

ጽቡቕ ኣተዓባብያ ድዩ ረኺቡ ወይስ ሕማቕ፧

ዮስያስ ብ667 ቅ.ኣ.ዘ. ክውለድ ከሎ ኣቦኡ ኣሞን ወዲ 16 ዓመት ነበረ: ኣባሓጎኡ ምናሴ ኸኣ ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ነበረ። ምናሴ ኣብ ይሁዳ ካብ ዝነገሱ ነገስታት ብኣገዛዝእኡ እቲ ዝኸፍአ ነበረ። ንበዓል መሰውኢ ብምቛም “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።” ንገለ ኻብ ደቁ ብሓዊ የሕልፎም: ኣስማት ይገብር: ይጥንቍል: ሓተታ መናፍስቲ ይገብር: ከምኡውን ብዙሕ ንጹህ ደም የፍስስ ነበረ። ነቲ ዝሰርሖ ምስሊ ጣኦት እውን ኣብ ቤት የሆዋ ኣንበሮ። ንይሁዳን የሩሳሌምን “ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኺገብሩ” ኣስሓቶም።​—⁠2 ዜና መዋእል 33:⁠1-9

ምናሴ ኣዝዩ እኩይ ስለ ዝነበረ የሆዋ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ናብታ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ግዝኣት ኣሶር ዝነበረት ባቢሎን ከም ዝውሰድ ገበሮ። ተማሪኹ ምስ ከደ ግን ተናስሐ: ርእሱ ኣትሓተ: ከምኡውን የሆዋ ይቕረ ኽብለሉ ለመነ። ኣምላኽ ንጸሎቱ ሰምዖ: ናብታ መንግስቱ ናብ የሩሳሌም እውን መለሶ። ድሕርዚ ምናሴ እተወሰነ ሰናይ ፍረ እተራእየሉ ናይ ምጽራይ ስጕምትታት ወሰደ።​—⁠2 ዜና መዋእል 33:⁠10-17

ክፍኣት ምናሴን ስዒቡ ዝገበሮ ነስሓን ኣብ ኣሞን ወዱ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ ኣሞን ኣዝዩ እኩይ ኰነ። ምናሴ ተናሲሑ ነታ ዘርከሳ ሃገር ከጽርያ ክጽዕር ከሎ: ኣሞን ነዚ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን። ኣሞን ወዲ 22 ዓመት ከሎ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ምስ ተቐመጠ: “ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።” ርእሱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዘትሕት “ነቲ በደል እናብዝሖ . . . ኸደ።” (2 ዜና መዋእል 33:⁠21-23) ኣሞን ክነግስ ከሎ ዮስያስ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ። ዮስያስ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኣተዓባብያ ኰን ኢዩ ዝነበሮ!

እቲ ኽፉእ ዝነበረ ኣገዛዝኣ ኣሞን ገላውኡ ተማሓሒሎም ምስ ቀተልዎ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብቅዐ። ህዝቢ እታ ሃገር ግን ነቶም ንኣሞን እተማሓሓሉሉ ቐቲሎም ንወዱ ዮስያስ ኣንገስዎ።​—⁠2 ዜና መዋእል 33:⁠24, 25

ዮስያስ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ሕማቕ ኵነታት እኳ እንተ ኣሕለፈ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። ኣገዛዝእኡ ኣዝዩ ዕዉት ስለ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ ከምዚ በለ:- “ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ብዅሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቕድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን: ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን።”​—⁠2 ነገስት 23:⁠19-25

ነቶም ሕማቕ ኣተዓባብያ ዝዓበዩ ሰባትሲ: ዮስያስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘተባብዕ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝሓደገሎም! ካብዚ ኣብነቱ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧ ዮስያስ ቅንዕቲ መገዲ ንምምራጽን ብኣኣ ንምምልላስን ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧

ንየሆዋ ምእንቲ ኽትፈልጦ ድለዮ

ንዮስያስ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ኣወንታዊ ጽልዋ ዝገበረሉ ነገር እቲ ኣባሓጎኡ ምናሴ ምስ ተናስሐ ዝነበረ ዅነታት ኢዩ። ክልቲኦም ክሳዕ ክንደይ ርክብ ከም ዝነበሮምን ምናሴ ክናሳሕ ከሎ ዮስያስ ወዲ ኽንደይ ዓመት ከም ዝነበረን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ኣይሁድ ኣባላት ስድራ​ቤት ኣጸቢቖም ይቀራረቡ ስለ ዝነበሩ: ምናሴ ኣብ ልቢ ወዲ ወዱ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋን ንቓሉን ኣኽብሮት ብምስራጽ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕማቕ ጽልዋታት ከድሕኖ ፈቲኑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምናሴ ኣብ ልቢ ዮስያስ ዝዘርኦ ዘርኢ ሓቂ ካልእ ኣወንታዊ ጽልዋታት ምስ ተወሰኾ ኣብ መወዳእታ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ። ዮስያስ ኣብ ይሁዳ ካብ ዝነግስ ኣብ ሻምነይቲ ዓመቱ: ወዲ 15 ዓመት ከሎ ፍቓድ የሆዋ ንምፍላጥ ክደልዮ ጀመረ።​—⁠2 ዜና መዋእል 34:⁠1-3

ገሊኣቶም ቈልዑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ካብ ርሑቕ ዘመዶም: ዝፈልጥዎ ሰብ: ወይ ካብ ጐረቤቶም ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዝሰምዑ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ እተዘርአ ዘርኢ እንተ ተሓብሒቡ ጸኒሑ ፍረ ከፍሪ ይኽእል ኢዩ። እታ ኣቐድም ኣቢላ እተጠቕሰት ማሊንዳ ናብ ገዝኦም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሒዙ ዝመጽእ ብዕድመ ዝደፍአ ሕያዋይ ጐረቤት ነበራ። ማሊንዳ ንዕኡ ብጽቡቕ ኢያ እተልዕሎ: ከምዚ ኸኣ ትብል:- “እቲ ጐረቤትና በዓላት ስለ ዘየብዕል ይምስጠኒ ነበረ። እዚ ብፍላይ ንዓይ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ ከመይሲ ሃሎዊን ከምኡውን ካልእ በዓል ክበዓል ከሎ ወለደይ ዝነበርዎም ኣንቈራ ጽምብል ይገብሩ ነይሮም ኢዮም።” ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝግበር ክርስትያናዊ ኣኼባ ክትካፈል ምስ ዓደመታ: ነቲ ጐረቤታ ስለ ዝዘከረት ነቲ ዕድመ ተሓጒሳ ተቐበለቶ። እዚ ኸኣ ሓቂ ንኽትረክብ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ሓገዛ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት በል

ዮስያስ ዝነገሰሉ እዋን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዓቢ ሃይማኖታዊ ምጽራይ እተኻየደሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ዮስያስ ኣምልኾ ጣኦት ንምጥፋእን ንምድሪ ይሁዳ ንምጽራይን ንሽዱሽተ ዓመታት ወፈራ ድሕሪ ምግባሩ ንቤት የሆዋ ጸገኖ። እዚ ዕዮ እዚ እናተኻየደ ኸሎ: እቲ ሊቀ⁠-​ኻህናት ዝነበረ ሒልቅያ ኣየ ኸመይ ዝበለ ክቡር ነገር ኰን ኢዩ ዝረኸበ! ነቲ በዅሪ ቅዳሕ “መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር” ረኸቦ። ሒልቅያ ነዚ ዘደንቕ ርኽበት ነቲ ጸሓፊ ዝነበረ ሻፋን ሃቦ: ሻፋን ድማ እንታይ ከም እተረኽበ ንንጉስ ነገሮ። እዚ ፍጻመታት እዚ ነቲ ወዲ 25 ዓመት ዝነበረ ዮስያስ ሕሉፍ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ከም ዘርኢ ገይርዎዶ ኢዩ፧​—⁠2 ዜና መዋእል 34:⁠3-18

እዝራ “እቲ ንጉስ ቃላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዔ: ክዳውንቱ ቐደደ” ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ ዝገበረ ኣቦታቶም ንትእዛዛት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘየኽበሩ ምስ ፈለጠ ካብ ልቡ ስለ ዝጐሃየ ኢዩ። እዚ ድማ ብርግጽ ምልክት ትሕትና ኢዩ ነይሩ! እቲ ንጉስ ብኡንብኡ ሓሙሽተ ሰባት መሪጹ ናብ ነብዪት ሁልዳ ከይዶም ንየሆዋ ክሓቱ ለኣኾም። ንሳቶም ድማ ከምዚ ዝብል መልሲ ሒዞምሉ ተመልሱ:- ‘ሕጊ እግዚኣብሄር ስለ ዘይተኸብረ ጥፍኣት ክመጽእ ኢዩ። ንስኻ ትሕት ስለ ዝበልካ ግን ናብ መቓብርካ ብሰላም ክትእከብ: ኽፉእ እውን ኣይክትርእን ኢኻ።’ (2 ዜና መዋእል 34:⁠19-28) የሆዋ በቲ ዮስያስ ዝነበሮ ዝንባለ ተሓጒሱ ኢዩ።

ንሕና እውን ኣተዓባብያና ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓቀኛ የሆዋ ኣምላኽ ርእስና ከነትሕት: ንዕኡን ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ከኣ ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኒኮላስ ከምዚ ገይሩ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ብምኽንያት ሓሽሽ ምጥቃምን ብዙሕ መስተን ህይወተይ ሕንፍሽፍሽ ዝመልአ እኳ እንተ​ነበረ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ነበረኒ ኣብ ህይወተይ ዕላማ ክህልወኒ ኸኣ እብህግ ነበርኩ። ኣብ መወዳእትኡ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ: ኣነባብራይ ለወጥኩ: ሓቂ ኸኣ ተቐበልኩ።” እወ: ከባቢና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ንኣምላኽን ንቓሉን ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና።

ካብቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላዋት ተጠቐም

ዮስያስ ንነብያት የሆዋ እውን ዓሚቝ ኣኽብሮት ነይርዎ ኢዩ። ንነብዪት ሁልዳ ብምሕታቱ ጥራይ ዘይኰነስ: በቶም ሽዑ ዝነበሩ ካልኦት ነብያት እውን ኣጸቢቑ ተጸልዩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ግዜ እቲ ኤርምያስን ጸፎንያስን ነቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ኣበርቲዖም ይዅንንዎ ነበሩ። ዮስያስ ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንምጥፋእ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ወፈራ ነቲ መልእኽትታቶም ምቕላብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣበራቲዕዎ ክኸውን ዝኽእል!​—⁠ኤርምያስ 1:⁠1, 2፣ 3:⁠6-10፣ ጸፎንያስ 1:⁠1-6

የሱስ ክርስቶስ እቲ ‘ጐይታ’ ንሓደ ብቕቡኣት ሰዓብቱ ዝቘመ ጕጅለ ማለት ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” በብግዜኡ መግቢ ከዳሉ ሸይምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) እዚ ኽፍሊ ባርያ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋትን ብናይ ጉባኤ ምድላውን ገይሩ ናብቲ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ዘምጽኦ ጥቕሚ ኸም እነቕልበሉ ይገብር: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምእንቲ ኸነውዕሎ ኸኣ ተግባራዊ ሓሳባት ይህበና። ዝዀነ ይኹን ኣብ ውሽጥና ኣጸቢቑ ዝሰረጸ ክፉእ ዝንባለ ንምውጋድ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላዋት ክንጥቀመሉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝግባእ ኰን ኢዩ! ኒኮላስ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ስልጣን ምኽባር ኣዝዩ ይጸልእ ነበረ። ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ክማሃር ከሎ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብዝያዳ ንኸየገልግል እዚ ማሕለኻ ኰይንዎ ነበረ። ነዚ ዝንባለ እዚ ምቕያር ከቢድ ብድሆ ኢዩ ዀይንዎ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ተዓወተ። ብኸመይ፧ ኒኮላስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብሓገዝ ናይ ክልተ ዝርድኡ ሽማግ​ለታት: ነቲ ጸገመይ ተኣመንክሉ እሞ: ነቲ ፍቕሪ ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሮም ክዓየሉ ጀመርኩ።” ወሲኹ ድማ “ቂም ምሓዝ ጸጸኒሑ ቅልቅል ዝብለኒ እኳ እንተ​ዀነ: ሕጂ ነቲ ዓለወኛ ባህርየይ ተቘጻጺረዮ ኢየ” በለ።

ማሊንዳ እውን ኣብ ህይወታ ኣገዳሲ ውሳነ ክትገብር ከላ ምኽሪ ናይ ሽማግለታት ትሓትት ኢያ። ነቲ ካብ ሕጻንነታ ኣትሒዙ ዝነበራ ተስፋ ናይ ምቝራጽን ዋጋ ናይ ዘይምህላው ስምዒትን ንምውጋድ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጸ እተፈላለየ ዓንቀጻት ብፍላይ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺባቶ ኢያ። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ሓድሓደ ግዜ እቲ ዝትንክፈኒ ትምህርቲ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ሓደ ምሉእ ሓሳባት: ኰታስ ንእሽቶ ሓሳብ ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ምልስ ኢለ ምእንቲ ኸንብቦ ንትሽዓተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ፋይል ንበይኑ ኽእክቦ ጸኒሐ ኢየ።” ሎሚ: ሰለስቲኡ ፋይላታ 400 ዝኸውን ዓንቀጻት ይርከቦ!

እወ: ሰባት ኣብ ስድራ​ቤቶም ብዘሕለፍዎ ሕማቕ ተመክሮ የግዲ ንሓዋሩ ክድቈሱ የብሎምን። ብሓገዝ የሆዋ መንፈሳውነቶም ከማዕብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ጽቡቕ ኣተዓባብያ ንናይ ሓደ ሰብ ተኣማንነት ውሕስነት ዘይከውን: ሕማቕ ኣተዓባብያ እውን ንሓደ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ካብ ምዃን ኣይዓግቶን ኢዩ።

እቲ ቤት መቕደስ ክጽገን ከሎ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ተረኽበ: ዮስያስ ‘ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ክኸይድን ክእዘዞን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ።’ (2 ዜና መዋእል 34:⁠31) ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ካብቲ ኣቕዋሙ ፈልከት ኣይበለን። ማሊንዳን ኒኮላስን እውን ብተመሳሳሊ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ንኽቕጽሉን ንጹሃት ንኽዀኑን ቈሪጾም ኢዮም። ንስኻ እውን ምስ ኣምላኽ ተጸጊዕካ ንኽትነብርን ብተኣማንነት ንኸተገልግሎን ቈራጽነት ግበር። የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ስለ እተመባጽዐ ዕዉት ከም እትኸውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ:- “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ: ኣይትሸበር: ከበርትዓካ: ክረድኣካ: ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።”​—⁠ኢሳይያስ 41:⁠10, 13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዮስያስ ኣተዓባብያኡ ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ: ንየሆዋ ምእንቲ ኽፈልጦ ደለዮ: ኣሳልጦ ድማ ረኸበ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ባህርይ ንኸተወግድ ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

መጽሔታት “ግምቢ ዘብዐኛ” ከምኡውን “ንቕሑ!” ንጽህናኻ ንኽትሕሉ ኽሕግዘካ ይኽእል ኢዩ