እምነትና ኽትፍተን ከላ ኣብ ጐንና ነይሮም ኢዮም
እምነትና ኽትፍተን ከላ ኣብ ጐንና ነይሮም ኢዮም
ቪኪ ተፈታዊት: ጥዕይቲ: ምጭውቲ: ከምኡውን ንጥፍቲ ህጻን ኢያ ነይራ። እወ: ኣብ ጽድያ 1993 ምስ ተወልደት ሓጐስና ወሰን ኣይነበሮን። ኣብ ደቡብ ሽወደን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ንነብር ነበርና: ብናብራና ድማ ሕጉሳት ነበርና።
ቪኪ ጓል ዓመትን መንፈቕን ምስ ኰነት ግን ኣብ ህይወትና ዓቢ ግድል ኣጋጠመና። ተጸሊእዋ ስለ ዝነበረ ናብ ሆስፒታል ወሰድናያ። እቲ ሓኪም ሊምፎብላስቲክ ሉኪምያ ዝበሃል ንጸዓዱ ዋህዮታት ደም ሕጻናት ዘጥቅዕ ዓይነት መንሽሮ ከም ዘለዋ ምስ ነገረና ዝነበረ ህሞት ፈጺሙ ካብ ኣእምሮና ኣይሕከኽን ኢዩ።
እዛ ሕጻን ጓልና እዚ ከቢድ ሕማም እዚ ከም ዘለዋ ንኽንቅበሎ ጸገመና። ከባቢኣ ኸተለሊ ኻብ እትጅምር ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበረት: እዚ ሕማም እዚ ግን ክቐትላ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቲ ሓኪም ንኸጸናንዓና ኢሉ ኬሞቴራፒ ከምኡውን ምትሕልላፍ ደም ዘጠቓልል ጽቡቕ ሕክምና ክግበረላ ከም ዝኽእል ነገረና። እንተዀነ ግን: እዚ እውን ኣሰምቢድና ኢዩ።
እምነትና ተፈተነት
ንጓልና ከም እነፍቅራን ዝበለጸ ዓይነት ሕክምና ክግበረላ ከም እንደልን እተረጋገጸ ኢዩ። ደም ምውሳድ ግን ፈጺምና ዘይንቕበሎ ጕዳይ ኢዩ። ነቲ ክርስትያናት ‘ካብ ደም ክኽልከሉ’ ከም ዘለዎም ብንጹር ዝገልጽ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ልብና ኢና እንኣምነሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ምትሕልላፍ ደም ሓደገኛ ምዃኑ እውን ንፈልጥ ኢና። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ደም ስለ ዝወሰዱ ዘይነበሮም ሕማም ኣጥርዮምን ሞይቶምን ኢዮም። እቲ ዝተረፈ እንኮ ኣማራጺ ምትሕልላፍ ደም ዘየጠቓልል ኣዝዩ ብሉጽ ሕክምና ምግባር ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ንእምነትና እንገብሮ ቃልሲ ጀመረ።
a ብኡንብኡ ብዘይ ምትሕልላፍ ደም ሕክምና ዝህብ ሆስፒታልን ሓኪምን ንምርካብ ኣብ ኣውሮጳ ናብ ዝርከባ እተፈላለያ ሆስፒታላት ፋክስ ተላእኸ። እቲ ክርስትያን ኣሕዋትና ንምሕጋዝና ዘርኣይዎ ፍቕርን ዝገበርዎ ጻዕርን ብዙሕ ኣበራቲዑና ኢዩ። ኣብቲ ንእምነትና ዝገበርናዮ ቃልሲ በይንና ኣይነበርናን።
እንታይ ኢና እሞ እንገብሮ፧ ምስቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ “ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት” ርክብ ብምግባር ሓገዝ ሓተትና።ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ ሃምበርግ/ሳር: ጀርመን: ነዚ ሕክምና እዚ ኽገብር ፍቓደኛ ዝዀነ ሆስፒታልን ሓኪምን ተረኽበ። ንጽብሒቱ ቪኪ ንኽትምርመር ናብቲ ዓዲ ብነፋሪት ንኽንከይድ ምድላዋት ተገብረ። ኣብቲ ዓዲ ምስ በጻሕና ኣባላት ናይታ ኣብ ሃምበርግ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡውን ገለ ኣዝማድና ክቕበሉና ይጽበዩና ነበሩ። ተወካሊ ናይቲ ኣብቲ ዓዲ ዝርከብ “ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ” ኸኣ ምዉቕ ኣቀባብላ ገበረልና። ክሳዕ እቲ ሆስፒታል ኣሰነየና: ክግበር ዝከኣል ኵሉ ሓገዝ ድማ ገበረልና። ኣብ ወጻኢ ሃገር እውን ከይተረፈ ኣብ ጐንና ደው ዝብሉ መንፈሳውያን ኣሕዋት ከም ዘለዉና ምፍላጥና ኣጸናንዓና።
ናብቲ ሆስፒታል ኬድና ንዶ/ር ግራፍ ምስ ረኸብናዮ እውን ተጸናኒዕና ኢና። ኵነታትና ኣጸቢቑ ተረድኣልና: ንቪኪ ብዘይ ደም ንምሕካም ዝከኣሎ ዅሉ ከም ዝገብር ድማ ኣረጋገጸልና። እቲ ናይ ሄሞግሎቢን መጠን ክሳዕ ሓሙሽተ ግራም ኣብ ልዕሊ ደሲ ሊትር እንተ ወረደ እውን ከይተረፈ ብዘይ ደም ነቲ ሕክምና ኽቕጽሎ ምዃኑ ገለጸልና። ቪኪ ቅልጡፍ ምርመራ ስለ እተገብረላን ህጹጽ ስጕምቲ ስለ እተወስደን ዕዉት ሕክምና ንምግባር ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ሓበረና። ኣብ ከም ናይ ቪኪ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዘይ ደም ኬሞቴራፒ ዝበሃል ሕክምና ኽገብር ንመጀመርታ ግዚኡ ምዃኑ ነገረና። ዶ/ር ግራፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ትብዓትን ቈራጽነትን ምንጽብራቑ ዝምስገንን ዝድነቕን ኢዩ ነይሩ።
ቍጠባዊ ጸገማት
ስዒቡ እተላዕለ ሕቶ ‘ነቲ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ካበይ ኣምጺእና ንኽፈሎ፧’ ዝብል ኢዩ። እቲ ዓይነት ሕክምና እቲ ንኽልተ ዓመት ንምክትታል 150,000 ዶች ማርክ ክንከፍል ከም ዘሎና ምስ ተነግረና ተዓኒድና ኢና ተሪፍና። ይትረፍዶ ኽንድዝስ: ጥቕኡ ዝቐርብ ገንዘብ እኳ ኣይነበረናን: እንተዀነ ግን እቲ ሕክምና ውዓል ሕደር ከይበልካ ኽጅመር ነበሮ። ካብ ሽወደን ወጺእና ኣብ ጀርመን ስለ ዝነበርና ናይ ጥዕና መድሕን ኣይነበረናን። ስለዚ ነታ ኸቢድ ሕማም ዝነበራ ህጻን ጓልና ንኽሕግዙ ድሉዋት ዝዀኑ ክኢላታት እኳ እንተ ረኸብና እኹል ገንዘብ ግን ኣይነበረናን።
ሽዑ ግን እቲ ሆስፒታል 20,000 ማርክ ዕርቡን ከፊልናን ነቲ ዝተረፈ ኣብ መጻኢ ከም እንኸፍል እንተድኣ ፈሪምናን እቲ ሕክምና ብኡንብኡ ክጅመር ከም ዝኽእል ብምግላጹ እፎይታ ዀነና። ነቲ ዝነበረና ገለ ገንዘብ: ናይ ፈተውትን ኣዝማድን ሓገዝ ተወሲኽዎ 20,000 ማርክ ክንከፍል ከኣልና። እቲ ዝተረፈ ግን ካበይ ይምጻእ፧
ሕጂ እውን እንደገና ንእምነትና ኣብ እንገብሮ ቃልሲ በይንና ዘይምዃንና ዘዘኻኸረና ነገር ረኸብና። ኣብቲ ግዜ እቲ ምሳና ሌላ ዘይነበሮ መንፈሳዊ ሓውና ነቲ ዝተረፈ ዕዳ ባዕሉ ክስከሞ ፍቓደኛ ዀነ። ይኹን እምበር: ካልእ ምድላዋት ክንገብር ስለ ዝኸኣልና ነቲ ልግስንኡ ኣይተጠቐምናሉን።
ክኢላታት ሕክምና ኣብ ዕዮ
እቲ ሕክምና ተጀመረ። መዓልትታትን ሰሙናትን ተኸታቲሉ ሓለፈ። ሓድሓደ ግዜ ነታ ሕጻን ጓልና ዀነ ንዓና ዝኸብደናን ዘጨንቐናን ኣጋጣሚታት ነሕልፍ ነበርና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ገለ ምምሕያሽ ከተርኢ ኸላ ኣዚና ንሕጐስን ነማሱን ነበርና። እቲ ሕክምና ንሸሞንተ ኣዋርሕ ቀጸለ። እቲ ዝተሓተ መጠን ሄሞግሎቢን ሽዱሽተ ግራም ኣብ ልዕሊ ደሲ ሊትር በጽሐ: ዶ/ር ግራፍ እውን መብጽዕኡ ኣየፍረሰን።
ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ: እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብቲ ካብ ዓንዲ ሕቘኣ እተወስደ ፈሳሲ እተገብረ ምርመራ ኸኣ ምልክት ናይቲ ሕማም ከም ዘይብላ ሓበረ። ሕጂ ሕጕስትን ምልክት ሕማም ዘይብላን ቈልዓ ኢያ። እወ: ቪኪ ምሉእ ብምሉእ ምሕዋያ ዳርጋ ተኣምር ኢዩ። ብዙሓት እዚ ሕማም እዚ
ዘጥቅዖም ቈልዑ ምትሕልላፍ ደም ዘጠቓልል ሕክምና እኳ እንተ ተገብረሎም ከም ዝሞቱ ንፈልጥ ኢና።ንእምነትና ዝገበርናዮ ቓልሲ ዕዉት ኰይኑ ኢዩ። ክንዕወት ዝኸኣልና ግን ኣዝማድና: ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ከምኡውን ክኢላታት ሕክምና ስለ ዝሓገዙና ኢዩ። “ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት” 24 ሰዓታት ሓጊዙና ኢዩ። ዶ/ር ግራፍን መሳርሕቱን እውን ቪኪ ንኽትሓዊ ብዘለዎም ክእለት ተጠቒሞም ሓጊዞም ኢዮም። ነዚ ዅሉ ብሓቂ ኢና እነማስወሉ።
እምነትና ደልዲላ ኢያ
ልዕሊ ዅሉ ግን: ንየሆዋ ኣምላኽና ስለቲ ዝገበረልና ፍቕራዊ ሓልዮትን ካብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ብርታዐን ነመስግኖ ኢና። ምልስ ኢልና ክንርእዮ ኸሎና ክሳዕ ክንደይ ከም እተማሃርናን ካብቲ ዘሕለፍናዮ ኣጸጋሚ ተመክሮ እምነትና ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደልደለትን ነስተውዕል ኢና።
ሕጂ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ክንሕሉን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕካ ምንባር ንህይወት ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ንጓልና ክንምህራን ልባዊ ባህግና ኢዩ። እወ: ኣብቲ ምድሪ ገነት እትዀነሉ እዋን ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽትረክብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ውርሻ ከነውርሳ ንደሊ ኢና።—እተላእከ ጽሑፍ
[እግረ-ጽሑፍ]
a “ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት” ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ “ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ” ዝቈጻጸር ኢዩ። እዚ ኮሚተ እዚውን ብግዴኡ ኣብ መንጎ ሓካይምን ሕሙማት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምርድዳእ ንምስፋን ዝሰርሕ ስልጠና ብእተዋህቦም ወለንተኛታት ክርስትያናት ዝቘመ ኢዩ። ካብ 200 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት: ንሕሙማት ዝሕግዛ 1,400 ዝዀና “ምስ ሆስፒታል ዘረዳድኣ ኮሚቴታት” ኣለዋ።