ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓተታ መናፍስቲ ንመንፈሳዊ ድሌትና ብሓቂ ከዕግብ ይኽእል ድዩ፧

ሓተታ መናፍስቲ ንመንፈሳዊ ድሌትና ብሓቂ ከዕግብ ይኽእል ድዩ፧

ሓተታ መናፍስቲ ንመንፈሳዊ ድሌትና ብሓቂ ከዕግብ ይኽእል ድዩ፧

 ኵላትና መንፈሳውን ስጋውን ድሌት ኣሎና። ስለዚ ድማ ኢዮም ብዙሓት ሰባት ‘ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ዝሳቐዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ ዝብል ሕቶታት ዝሓቱ። ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ምስ መናፍስቲ ምዉታት ተዘራሪቦም ናይዝን ንዕኡ ዝመስል ካልእ ሕቶታትን መልሲ ንምርካብ ምስ መናፍስቲ ምዉታት ናብ ዘራኽቡ ሰባት ኢዮም ዝኸዱ። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ሓተታ መናፍስቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሓተታ መናፍስቲ ዘዘውትሩ ሰባት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ዀይኖም: ኣብ ማሕበራትን ኣብያተ⁠-​ክርስትያንን እተጠርነፉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ብራዚል ዘለዉ ገለ 4,000,000 ዝዀኑ ኣመንቲ ሓተታ መናፍስቲ: ነቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ኣለን ካርዴክ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝጥቀም ዝነበረ ኢፖሊት ሌኦን ደኒዛር ሪቫይ እተባህለ ፈረንሳዊ ምሁርን ፈላስፋን ዝሰርዖ ትምህርትታት ኢዮም ዝስዕቡ። ካርዴክ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ክግደስ ዝጀመረ ኣብ 1854 ኢዩ። ድሕርዚ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ንዝርከቡ ሓተታ መናፍስቲ ዘዘውትሩ ሰባት ሕቶታት ብምቕራብ ነቲ ዝሃብዎ መልሲ ኣብታ መጽሓፍ መናፍስቲ ዘርእስታ ብ1857 እተሓትመት መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ኣከቦ። እተን መጽሓፍ ሓተትቲ መናፍስቲ ከምኡውን ወንጌል ብዓይኒ ሓተታ መናፍስቲ ዝብላ እውን ንሱ ዘዳለወን ካልኦት መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ኢየን።

ሓተታ መናፍስቲ ከም ምስ ቩዱ: ጥንቈላ: ኣስማት: ወይ ሰይጣናውነት ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ተግባራት እተተሓሓዘ ኢዩ። እቶም ሰዓብቲ ትምህርትታት ኣለን ካርዴክ ግን እምነቶም እተፈልየ ምዃኑ ኢዮም ዝዛረቡ። ጽሑፋቶም ብዙሕ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ ኢዩ: ንየሱስ ድማ “ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን መምርሕን ኣብነትን” ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ። ትምህርትታት የሱስ “እቲ ዝበለጸ መግለጺ መለኮታዊ ሕጊ ኢዩ” ይብሉ። ኣለን ካርዴክ ነቲ ናይ መናፍስታዊ ጽሑፋት ንደቅ​ሰብ ብሳልሳይ ደረጃ እተገልጸሎም ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ። እዚ ድማ ደድሕሪ ትምህርትታት ሙሴን የሱስን ማለት ኢዩ።

ሓተታ መናፍስቲ ንብጻይካ ምፍቃርን ረዲኤት ምሃብን ስለ ዘጕልሕ ንብዙሓት ሰባት ዝስሕብ ኢዩ። ሓደ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ “ብዘይ​ ልግሲ ድሕነት የለን” ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ዕዮ ከምኡውን ሆስፒታላትን ኣብያተ⁠-​ትምህርትን ካልኦት ትካላትን ኣብ ምምስራት ንጡፍ ዝዀነ ብዙሕ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ምግባር ዝነኣድ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እምነት ሓተታ መናፍስቲ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ትምህርትታት የሱስ ዝነጻጸር ብኸመይ ኢዩ፧ ክልተ ኣብነታት ንውሰድ:- ተስፋ ምዉታት ከምኡውን ምኽንያት ስቓይ።

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

መብዛሕትኡ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ናይ ሪኢንካርነሽን እምነት ዝሓዘ ኢዩ። ሓንቲ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ጽሕፍቲ ኸምዚ ትብል:- “ምስቲ ብዛዕባ መለኮታዊ ፍትሒ ዘሎና ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ እንኮ ሰረተ⁠-​እምነት ሪኢንካርነሽን ጥራይ ኢዩ፣ ብዛዕባ መጻኢ ኽገልጽን ንተስፋና ከደልድልን ዝኽእል እንኮ ሰረተ⁠-​እምነት ሪኢንካርነሽን ኢዩ።” እምነት ሓተታ መናፍስቲ: ልክዕ ከምቲ ጽምብላሊዕ ካብ ቆፈኣ እትወጽእ ሰባት ምስ ሞቱ ካብ ስጋዊ ኣካላቶም ተፈልያ እትነብር ነፍሲ ኸም ዘላቶም: ነቲ ቕድም እተገብረ ሓጢኣት ንምንጻህ ድማ ጸኒሓ ናብ ሰብ ከም እትልወጥ ኢዩ ዝገልጽ። እቲ ቕድም እተገብረ ሓጢኣት ይእከብ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። እታ ወንጌል ብዓይኒ ሓተታ መናፍስቲ ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣምላኽ እቲ ቕድም እተገብረ ሓጢኣት ክርሳዕ ግቡእ ኰይኑ ረኺብዎ ኢዩ” ትብል።

ኣለን ካርዴክ “ሪኢንካርነሽን ምኽሓድ ማለት ንቓላት የሱስ ምኽሓድ ማለት ኢዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። እንተ​ዀነ ግን: የሱስ “ሪኢንካርነሽን ” ዝብል ቃል ይኹን ብዛዕባኡ ዝገልጽ ሓሳብ ካብ ኣፉ ኣየውስአን። (ነቲ ኣብ ገጽ 22 ዘሎ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሪኢንካርነሽን ይምህር ድዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።) ኣብ ክንድኡስ: ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኢዩ ምሂሩ። ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ድማ ንሰለስተ ሰባት ማለት ንወዲ እታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት: ንጓል መራሕ ቤት ጸሎት: ከምኡውን ነቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ኣልኣዛር ኣተንሲእዎም ኢዩ። (ማርቆስ 5:⁠22-​24, 35-​43፣ ሉቃስ 7:⁠11-​15፣ ዮሃንስ 11:⁠1-​44) ንሓደ ኻብዚ ጉሉሕ ፍጻመታት ንመርምር እሞ የሱስ “ትንሳኤ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንርአ።

ትንሳኤ ኣልኣዛር

የሱስ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ሓሚሙ ምህላዉ ሰምዐ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ኣይተረድኦምን: ስለዚ ኸኣ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም። የሱስ ኣብቲ ኣልኣዛር እተቐብረሉ ቦታ ኽበጽሕ ኸሎ ኣልኣዛር ካብ ዝመውት ድሮ ራብዕቲ ገይሩ ነበረ። የሱስ ግን ነቲ በዓቲ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ኸልዕልዎ ኣዘዘ። ድሕርዚ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” በለ። ሽዑ ሓደ ተኣምር ዝዀነ ነገር ተፈጸመ። “እቲ ምዉት ብግኑዙ: ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ: ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ: በሎም።”​—⁠ዮሃንስ 11:⁠5, 6, 11-​14, 43, 44

እዚ ሪኢንካርነሽን ከም ዘይነበረ ንጹር ኢዩ። የሱስ እቲ ዝሞተ ኣልኣዛር ደቂሱ ኢዩ: ሃለዋት የብሉን ኢዩ ዝበለ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ‘ሃቐናኡ ጠፊኡ ነበረ።’ ‘ገለ እኳ ኣይፈልጥን ነበረ።’ (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5) ኣልኣዛር እታ ዝነበረቶ ነፍሲ ሒዙ ከም ካልእ ሰብ ኰይኑ ኣይኰነን ተንሲኡ። ነቲ ናይ ቀደም ባህርያቱ: ክመውት ከሎ ዝነበሮ ዕድመ: ከምኡውን ነቲ ናይ ቀደም ተዘክሮታቱ ሒዙ ኢዩ ተንሲኡ። ካብቲ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ኢዩ ምንባር ቀጺሉ: ናብቶም ብሞቱ ሓዚኖም ዝነበሩ ዘፍቅሮም ሰባት ከኣ ኢዩ ተመሊሱ።​—⁠ዮሃንስ 12:⁠1, 2

ጸኒሑ ኣልኣዛር ካልኣይ ግዜ ሞይቱ ኢዩ። እሞ ትንሳኤኡ ድኣ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ነይሩ፧ ምስቲ ዝፈጸሞ ካልእ ትንሳኤታት ተደሚሩ: ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ንእሙናት ኣገልገልቱ ከተንስኦም ምዃኑ ዘሎና እሙንቶ ዘደልድሎ ኢዩ። እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ነቲ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” ዝበሎ ቃላት ኣጸቢቑ ዘራጕድ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠25

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ትንሳኤ ከምዚ በለ:- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም [ድምጸይ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገብሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።” (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ልክዕ ከምቲ ናይ ኣልኣዛር: ትንሳኤ ምዉታት ሰባት እውን ከምኡ ኢዩ ክኸውን። ብህይወት ዝጸንሐት ነፍሲ ምስቲ ኣብ ሓመድ መሽሚሹ ምናልባት እውን ክፍሊ ናይ ካልእ ህያዋን ኣካላት ኰይኑ ዝጸንሐ እሞ ዝተንስአ ኣካላት እንደገና ምሕባር ማለት ኣይኰነን። ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥበብን ሓይልን ዘለዎ እሞ ሰማይን ምድርን ከኣ ዝፈጠረ ኣምላኽ ንምውታት ምትንሳእ ኣይእግሞን ኢዩ።

ልክዕ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝማሃሮ: እቲ ምዉታት ከም ዝትንስኡ ዝገልጽ ሰረተ⁠-​እምነት ነቲ ኣምላኽ ንውልቀ⁠-​ሰባት ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ዝገልጽዶ ኸይኰነ፧ ብዛዕባ እታ ኣቐድም ኣቢላ ተላዒላ ዝነበረት ካልኣይቲ ሕቶኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

ምኽንያት ስቓይ እንታይ ኢዩ፧

ዝበዝሕ ሰብኣዊ ስቓይ: ብሰንኪ እቲ ጥበብን ተመክሮን ዝጐደሎም ወይ እውን እኩያት ሰባት ብዝገብርዎ ነገራት ኢዩ ዝስዕብ። እንተ​ዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ሰባት ብቐጥታ ከምጽእዎ ዘይክእሉ ዘሰቅቕ ፍጻመታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንኣብነት: ሓደጋን ባህርያዊ ዕንወትን ስለምንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧ ገለ ቘልዑ ገለ ዓይነት ጕድለት ሒዞም ዝውለዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣለን ካርዴክ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከም መቕጻዕቲ ኢዩ ዝርእዮ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንቕጻዕ እንተ​ድኣ ሃሊና: ገለ እተገብረ ጌጋ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ጌጋ እቲ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት እተገብረ ጌጋ እንተዘይኰይኑ: ቅድም ኣብ ህላወ ኸሎኻ ዝገበርካዮ ክኸውን ኣለዎ።” ሓተታ መናፍስቲ ዘዘውትሩ ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ጸሎት ክግበር ኢዮም ዘተባብዑ:- “ዎ ጐይታ: ንስኻ ኵልንትናኻ ፍትሒ ኢኻ። እቲ ንስኻ ይግብኣካ ኢዩ ኢልካ እተውርደለይ መከራ ዝግብኣኒ ኢዩ። . . . መንጽሂ ናይቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበርክዎ ሓጢኣት ከምኡውን መፈተኒ ናይቲ ኣብ ብሩኽ ፍቓድካ ዘሎኒ እምነትን ተኣዛዝነትን ከም ዝዀነ ገይረ ኢየ ዝርእዮ።”​—⁠ወንጌል ብዓይኒ ሓተታ መናፍስቲ

የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምሂሩዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ኣይማሃረን። የሱስ ነቲ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ዝብል ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኢዩ ነይሩ። (መክብብ 9:⁠11) ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ነገራት ድንገት ከጋጥም ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። መቕጻዕቲ ናይ ሓጢኣት ኢዩ ማለት ኣይኰነን።

ነዚ ዝስዕብ የሱስ ብህይወት ከሎ ዘጋጠመ ፍጻመ ርኣዮ:- “[የሱስ] ኪሐልፍ ከሎ: ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፤ መምህር: ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፧ ንሱዶ ወይ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ።” ካብቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና:- “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር: ንሱ ኣይበደለ: ወለዱ ኣይበደሉ። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ: በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ: በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፤ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም . . . ኬድካ ተሐጸብ: በሎ። ከይዱ ተሐጸበ: እናረኣየውን ተመልሰ።”​—ዮሃንስ 9:⁠1-3, 6, 7

እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ: እቲ ሰብኣይ ኰነ ወለዱ በቲ ኽውለድ ከሎ ኣትሒዙ ዝነበሮ ዑረት ተሓተቲ ኸም ዘይኰኑ ኢዩ ዘርኢ። ስለዚ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ቅድም ብዝገበሮ ሓጢኣት ኢዩ ዝቕጻዕ ዘሎ ንዝብል ሓሳብ እውን ኣይደገፎን። ኵሎም ሰባት ሓጢኣት ከም ዝወረሱ የሱስ ይፈልጥ ምንባሩ ሓቂ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ሓጢኣት ኣዳም ድኣ እምበር ቅድሚ ምውላዶም ዝገበርዎ ሓጢኣት ኣይኰነን። ብምኽንያት ሓጢኣት ኣዳም: ኵሎም ሰባት ብኣካል ዘይፍጹማት ብምዃን ንሕማምን ሞትን ተቓሊዖም ኢዮም። (እዮብ 14:⁠4፣ መዝሙር 51:⁠5፣ ሮሜ 5:⁠12፣ 9:⁠11) የሱስ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ከዐሪ ኢዩ ተላኢኹ። የሱስ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ምዃኑ ዮሃንስ መጥምቕ ሓቢሩ ኢዩ!​—ዮሃንስ 1:⁠29 a

የሱስ መጺኡ ምእንቲ ከሕውዮ ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይ ኰነ ኢሉ ቅድሚ ምውላዱ ከም ዝዓውር ገይርዎ ከም ዘይበለ እውን ኣስተብህል። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ጭከናን ሕሰምን እተሓወሶ ተግባር ኰን ምዀነ ነይሩ! ከምኡ ምግባር ንኣምላኽ ክብሪ መምጽኣሉዶ ነይሩ፧ ኣብ ክንድኡስ እቲ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ናይቲ ዕዉር ሰብኣይ ኢዩ ‘ግብሪ ኣምላኽ ንምግሃድ’ ዘገልገለ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዝገበሮ ምፍዋስ ነቲ ኣምላኽ ኣብቶም ዝሳቐዩ ሰባት ዘለዎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘንጸባርቕ: ንዅሉ ሕማምን ስቓይን ኣብ ግዜኡ መወዳእታ ኸም ዝገብረሉ ዝገልጽ መብጽዓኡ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ዝነበረ: እዚ እውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ።​—ኢሳይያስ 33:⁠24

ሰማያዊ ኣቦና ዘሳቒ ዘይኰነስ ‘ንዝልምንዎ ኣብዚሑ ጽቡቕ’ ዝህብ ምዃኑ ምፍላጥሲ ዘጸናንዕዶ ኸይኰነ፧ (ማቴዎስ 7:​11) ኣዒንቲ ዕዉራት ክኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ድማ ጋህ ክብላ: ሓንካስ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ: ክዘልል: ክጐይስ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ክብሪ ኰን ኢዩ!​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠5, 6

ንመንፈሳዊ ድሌትና ምዕጋብ

የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 4:⁠4) እወ: ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ከነንብብ ከሎና መንፈሳዊ ድሌትና ነዕግብ: ኣነባብራና ድማ ምስኡ ከም ዝሰማማዕ ክንገብር ንኽእል ኢና። ንሓተትቲ መናፍስቲ ምውካስ ንመንፈሳዊ ድሌትና ከዕግበልና ኣይክእልን ኢዩ። ኣብቲ ኣለን ካርዴክ ናይ መጀመርታ መግለጺ ሕጊ ኣምላኽ ኢልዎ ዘሎ ትምህርቲ ሙሴ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ምግባር ብዕሊ ውጉዝ ምዃኑ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።​—⁠ዘዳግም 18:⁠10-​13

ንኣመንቲ መናፍስቲ እውን ሓዊስካ ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ዝለዓለ ኣካል: ዘለኣለማዊ: ፍጹም: ሕያዋይ: ሰናይ: ከምኡውን ፍትሓዊ ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ ንላዕሊ ኢዩ ዝገልጸልና። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይርና ከነኽብሮ ዘሎና የሆዋ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ስም ከም ዘለዎ ይገልጸልና። (ማቴዎስ 6:⁠9፣ ዮሃንስ 17:⁠6) ሰባት ምስቲ ህያው ኣካል ዝዀነ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክምስርቱ ከም ዝኽእሉ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸልና። (ሮሜ 8:⁠38, 39) መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ኣምላኽ መሓሪ ምዃኑ: ‘ከም መጠን ሓጢኣትና ከም ዘይገብረና: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ከም ዘይፈድየና’ ንማሃር። (መዝሙር 103:⁠10) እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ የሆዋ በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃሉ ገይሩ ፍቕሩ: ልዕልነቱ: ከምኡውን ምኽንያታውነቱ ይገልጸልና ኢዩ። ንእዙዛት ሰባት ዝመርሖምን ዘዕቝቦምን ንሱ ኢዩ። ንየሆዋን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ ማለት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ማለት ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ክንፈልጦ ዘድልየና ዅሉ ሓበሬታ ይህበና ኢዩ: ከነሐጕሶ ምስ እንደሊ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እውን ይነግረና ኢዩ። ጽጹይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ንዘሎና ሕቶታት ልክዕን ዘዕግብን መልሲ ንኽንረክብ ይሕግዘና። ኣብ ርእሲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ጌጋ ኣብ ምውሳን መምርሒ ይህበና ኢዩ: ድልዱል መሰረት ዘለዎ ተስፋ ንኽንሕዝ ድማ ይሕግዘና። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ [ኣዒንቲ ደቅሰብ] ኪደርዝ እዩ: እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (ራእይ 21:​3, 4) የሆዋ ንደቅ​ሰብ ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ናጻ ኸውጽኦም ኢዩ: እዙዛት ሰባት ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ክወርሱ ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ድሌቶም ምሉእ ብምሉእ ከዕግቡ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 37:⁠10, 11, 29፣ ምሳሌ 2:​21, 22፣ ማቴዎስ 5:5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዝጀመረ ሓሳብ ንምርካብ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕራፍ 6 ርአ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሪኢንካርነሽን ይምህር ድዩ፧

ሰረተ-እምነት ሪኢንካርነሽን ብዝዀነ ይኹን ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝድገፍዶ ኢዩ፧ ኣመንቲ ሪኢንካርነሽን ዝጥቀምሉ ገለ ጥቕስታት እስከ ንርአ:-

“ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ . . . እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።”​—ማቴዎስ 11:⁠13, 14

ዮሃንስ መጥምቕ እንደገና እተወልደ ኤልያስ ድዩ ነይሩ፧ ዮሃንስ መጥምቕ “ኤልያስ ዲኻ፧” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ብግልጺ “ኣይኰንኩን” በለ። (ዮሃንስ 1:⁠21) እንተ​ዀነ ግን: ዮሃንስ “ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን” ቀቅድሚ እቲ መሲሕ ክመጽእ ምዃኑ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 1:​17፣ ሚልክያስ 4:​5, 6) ብኻልእ ኣዘራርባ ዮሃንስ መጥምቕ ኤልያስ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ከሎ ልክዕ ከም ናይ ኤልያስ ዝኣመሰለ ዕዮ ፈጺሙ ማለት ኢዩ።

‘ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ክርእያ ዝኽእል የልቦን። ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ ኢዩ ስለ ዝበልኩኻ: ኣይትገረም።’​—ዮሃንስ 3:⁠3, 7

ሓደ ካብቶም ሃዋርያት ጸኒሑ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ይባረኽ።” (1 ጴጥሮስ 1:​3, 4፣ ዮሃንሰ 1:⁠12, 13) ብንጹር እምበኣር: እቲ የሱስ ተዛሪብሉ ዘሎ ካብ ላዕሊ ምውላድ ገና ሰዓብቱ ብህይወት ከለዉ ክምኰርዎ ዘለዎም መንፈሳዊ ተመክሮ ኢዩ።

“ሰብ ምስ ሞተ ንዘለኣለም ይነብር:- እቲ ምድራዊ መዓልትታት ህይወተይ ምስ ኣብቅዐ: ካልኣይ ተመሊሰ ንኽመጽእ ክጽበ ኢየ።”​—ኣብታ ወንጌል ብዓይኒ ሓተታ መናፍስቲ እትብል መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ እዮብ 14:⁠14 “ናይ ግሪኽኛ ትርጕም”

ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ኢያ እትብል:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ።” ንትሕዝቶ ናይታ ጥቕሲ ኣንብቦ። ምውታት ኣብ መቓብር ኰይኖም ‘ምብራዮም’ ክሳዕ ዝመጽእ ከም ዝጽበዩ ክትርዳእ ኢኻ። (ቍጽሪ 13) ኣብቲ ብምጽባይ ዘሕልፍዎ ግዜ ግን ህይወት የብሎምን። “ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ: ሰብ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሐሊፉስ: ኣበይከ አሎ፧”​—እዮብ 14:⁠10

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ተስፋ ትንሳኤ: ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት ዘርኢ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣምላኽ ንዅሉ ስቓይ ደቅሰብ መወዳእታ ክገብረሉ ኢዩ