ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መበለታት ንዘጋጥመን ፈተናታት ክዋጽኣሉ ምሕጋዘን

መበለታት ንዘጋጥመን ፈተናታት ክዋጽኣሉ ምሕጋዘን

መበለታት ንዘጋጥመን ፈተናታት ክዋጽኣሉ ምሕጋዘን

 ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ መበለታት ዝገልጽ ውሩይ ዛንታታት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ሩትን ናእሚ ሓማታን ዝገልጽ ጸብጻብ ኢዩ። ክልቲአን ኣንስቲ መበለታት ነበራ። ናእሚ ግን በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ኢዮም ሞይቶምዋ፣ ሓደ ኻብቶም ደቃ ድማ ሰብኣይ ሩት ነበረ። ሰብኡት ኣጸቢቖም ኣብ ዘድልዩሉ ብሕርሻ ዝናበር ሕብረተሰብ ይነብራ ስለ ዝነበራ: ኵነታተን ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ።​—⁠ሩት 1:⁠1-5, 20, 21

ይኹን እምበር: ናእሚ ፍልይ ዝበለት መሓዛን መጸናንዒትን ነበረታ፣ ንሳ ድማ እታ ኻብኣ ምፍላይ ዝኣበየት ሩት ሰይቲ ወዳ ኢያ። ድሕሪ ግዜ ሩት ንናእሚ “ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ” ኰይናትላ ኢያ፣ ከምዚ እተባህለት ድማ ንናእሚ ዓሚቝ ፍቕሪ ስለ ዝነበራ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እውን ተፍቅሮ ስለ ዝነበረት ኢዩ። (ሩት 4:⁠15) ናእሚ ንሩት ናብ ሞኣባውያን ስድራኣን ፈተውታን ክትምለስ ምስ ነገረታ: ሩት ከምዚ ብምባል ልቢ ዝትንክፍ ንተኣማንነታ ዘንጸባርቕ መልሲ ኢያ መሊሳ:- “ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሐድርዮ ኸኣ እሐድር: ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት: ኣብኣ ድማ እቕበር: ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዩናስ: እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ: ከምዚ ኸኣ ይወስኸኒ።”​—⁠ሩት 1:⁠16, 17

ሩት ዝነበራ ኣረኣእያ ኣምላኽ ተዓዚብዎ ኢዩ። ነታ ንእሽቶ ስድራ​ቤት ናእሚን ሩትን ባረኻ: ሩት ድማ ኣብ መወዳእታ ነቲ እስራኤላዊ ቦኣዝ ተመርዓወት። ነቲ ኣባሓጎ የሱስ ዝዀነ ውላዶም እውን ናእሚ ልክዕ ከም ውላዳ ትከናኸኖ ነበረት። እዚ ታሪኽ እዚ የሆዋ ነተን ናብኡ ዝቐርባን ኣብኡ ዝውከላን መበለታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕብሕበን ዘርኢ ኢዩ። ብተወሳኺውን መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንመበለታት ኣብ እዋን ጸገመን ዝድግፉወን: የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮም ይገልጽ። ስለዚ ኣብዚ ግዜና ንዘለዋ መበለታት ብኸመይ ክንድግፈን ንኽእል፧​—⁠ሩት 4:⁠13, 16-22፣ መዝሙር 68:⁠5

ጣልቃ ከይኣተኻ እንታይ ክትሕግዝ ከም እትደሊ ፈሊኻ ንገር

ንሓንቲ መበለት ክትሕግዛ እንተ​ድኣ ደሊኻ እንታይ ክትሕግዛ ከም እትኽእል ፈሊኻ ብንጹር ንገራ: እንተ​ዀነ ግን ኣብ ብሕታዊ ጕዳያታ ኣይትእቶ። “ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተልዩ ንገርኒ” ዝዓይነቱ ዘይንጹር ኣዘራርባ ኣይትጠቐም። እዚ ልክዕ ከም ንሓደ ቘሪሩን ጠምዩን ዘሎ ሰብ ምንም ሓገዝ ከይሃብካ ‘ሙቕ ጽገብ’ እትብሎ ዘሎኻ ኢዩ። (ያእቆብ 2:⁠16) ብዙሓት ሰባት ዋላ እውን ተጸጊሞም ከለዉ ሓገዝ ኣይሓቱን ኢዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ከም ዘድልዮም ከነስተውዕል ኣሎና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ነተን መበለታት ምስ እንዕብልለን ወይ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያተን ምስ እንኣቱ: ብስምዒታዊ መገዲ ኽህሰያ ወይ ድማ እዚ ናብ ምስሕሓብ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ሚዛናዊ ምዃን ኣድላዪ ከም ዝዀነ ዝጸቕጠሉ። ንኻልኦት ሰባት ክንሓሊ ዘተባብዓና እኳ እንተ​ዀነ: ኣብ ነገር ካልኦት ከይንጽምበር እውን የዘኻኽረና ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:⁠4፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠15

ሩት ምስ ናእሚ ኣብ ዝነበራ ርክብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣንጸባሪቓ ኢያ። ብተኣማንነት ጸኒዓ ምስ ሓማታ እኳ እንተ ለገበት: ጸቕጢ ግን ኣይገበረትላን ወይ ኣይዓብለለታን። ከም ንዓኣን ንናእሚን ዘድሊ መግቢ ምምእራር ዝኣመሰለ ምስትውዓል ዝመልኦ ተበግሶታት ትወስድ እኳ እንተ ነበረት: ናእሚ ዝበለታ ዅሉ እውን ትገብር ነበረት።​—⁠ሩት 2:⁠2, 22, 23፣ 3:⁠1-6

ልክዕ ኢዩ: ድሌት ሰባት ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣጸቢቑ ይፈላለ ኢዩ። እታ ኣቐድም ኣቢላ እተጠቕሰት ሳንድራ “ሓርቢቱኒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምቲ ድሌተይ ዝፈትዎምን ዘፍቅሮምን ፈተውተይ ካብ ጐነይ ኣይተፈልዩን” በለት። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኢለይን ብሕት ክትብል ኢያ ደልያ ነይራ። ስለዚ ሓጋዚ ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ከም ዘድሊ ምፍላጥ ከምኡውን ኣብ ናይ ካልኦት ጕዳይ ንኸይትኣቱን ሓገዝ ከድሊ ኸሎ ድልዊ ዄንካ ንኽትጸንሕን ሚዛንካ ምሕላው ማለት ኢዩ።

ካብ ስድራ​ቤት ዝርከብ ደገፍ

ሓንቲ መበለት ሓላዪን ፈቃርን ኣባል ስድራ​ቤት እንተለዋ ነቲ ዝወርዳ ጸገማት ንኽትዋጽኣሉ ብዙሕ ክሕግዛ ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ኣባላት ስድራ​ቤት ካብቶም ካልኦት ንላዕሊ ሓገዝ ክገብሩ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ኵላቶም ሓገዞም ክውፍዩ ይኽእሉ ኢዮም። “ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ: ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 5:⁠4

ብዙሓት መበለታት ቍጠባዊ ሓገዝ ወይ “ውሬታ” ኣየድልየንን ይኸውን። ገሊአን መበለታት ገዛእ ርእሰን ንኽኣልያ ዘድልየን ገንዘብ ይህልወን ይኸውን ኢዩ: ኣብ ገሊኡ ሃገራት እውን መንግስቲ ጡረታ ይኸፍለን ይኸውን። እንተ​ዀነ ግን መበለታት ምስ ዝሽገራ ኣባላት ስድራ​ቤተን ክሕግዝወን ኣለዎም። ሓንቲ መበለት ዝሕግዛ መቕረባ ዘመድ ዘይብላ ወይ እቶም ኣዝማዳ ክሕግዝዋ ዘይክእሉ እንተ​ድኣ ዀይኖም: ኣመንቲ ብጾት ሓገዞም ክህቡ ቅዱሳት ጽሑፋት የተባብዕ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።”​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

እቶም ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ: ብሓቂ ነተን ‘መበለታት የኽብርወን’ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠3) ንሓደ ሰብ ተኽብሮ ክበሃል ከሎ ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ውልቀ-ሰብ ኣዕዚዝካ ምርኣዩ ማለት ኢዩ። እቶም ኣኽብሮት ዝወሃቦም ሰባት ዋጋ ከም ዘለዎም: ከም ዝፍቀሩ: ከምኡውን ክብረቶም ከም እተሓለወሎም ይስምዖም ኢዩ። ካልኦት ሓላፍነት ስለ ዝዀኖም ጥራይ ይሕግዝዎም ከም ዘለዉ ገይሮም ኣይኰኑን ዝወስድዎ። ሩት ንእተወሰነ እዋን መበለት እኳ እንተ ነበረት: ንናእሚ ብስጋዊ ይኹን ብስምዒታዊ ዘድልያ ነገራት ብፍቓዳን ብፍቕራዊ መገድን ብምሕላይ ብሓቂ ተኽብራ ምንባራ ኣርእያ ኢያ። ነዊሕ ከይጸንሐት በቲ ዝነበራ ኣረኣእያ ጽቡቕ ስም ስለ ዝረኸበት እቲ ድሕሪ ገለ ግዜ እተመርዓዋ ሰብኣይ “ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ዅላ ደገ ህዝበይ [“ኸተማ:” NW እግረ⁠-​ጽሑፍ] ትፈልጥ እያ” በላ። (ሩት 3:⁠11) ናእሚ ንኣምላኽ ዝነበራ ፍቕሪ: ብባህሪኣ እዚ ዘይተገብረለይ እትብል ዘይምዃና: ከምኡውን ነቲ ሩት እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ዓሚቝ ሞሳ ብምርኣያ: ሩት ተሓጒሳ ንኽትሕግዛ ኣበርክቶ ከም ዝገበረላ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ናእሚ ነዘን ሎሚ ዘለዋ መበለታት ኣየ ከመይ ዝበለት ሰናይ ኣብነት ኰን ኢያ እትኸውን!

ናብ ኣምላኽ ቅረቢ

ኣባላት ስድራ​ቤትን ፈተውትን ነቲ ብሞት ናይ መርዓ ብጻይ እተፈጥረ ሃጓፍ ከም ዘይዓብስዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ስለዚ እተን መበለታት ናብቲ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: . . . ብጸበባና ዘበለ [እውን] ዜጸናንዓና” ክቐርባ ኣለወን። (2 ቈረንቶስ 1:⁠3, 4) ኣብነት ናይታ የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን ጓል 84 ዓመት ዝነበረት ሃና እትበሃል ውፍይቲ መበለት እስከ ንርአ።

ሃና ድሕሪ መርዓኣ ሸውዓተ ዓመት ጸኒሑ ሰብኣያ ምስ ሞታ: ምጽንናዕ ንምርካብ ናብ የሆዋ ተጸግዐት። “ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት: ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” (ሉቃስ 2:⁠36, 37) የሆዋ ነቲ ሃና ዘርኣየቶ ኣምላኻዊ ተወፋይነት መሊስሉ ድዩ፧ ብዓጀባ እምበር! ንዓኣ ዘለዎ ፍቕሪ ብኣዝዩ ፍሉይ መገዲ ገለጸላ: እቲ ምስ ዓበየ ንዓለም መድሓኒ ዝኸውን ሕጻን ድማ ኣርኣያ። እዝስ ንሃና ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጐሳን ዘጸናንዓን! ነቲ “ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ” ዝብል ኣብ መዝሙር 37:⁠4 ዝርከብ ቃላት ሓቂ ዀይኑ ኸም ዝረኸበቶ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ኣምላኽ ብኣመንቲ ክርስትያናት ገይሩ ዝህቦ ሓገዝ

ኢለይን ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ድሕሪ ሞት ዴቪድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣፍልበይ ሸቕሸቕ የብለኒ ነበረ። እዚ ቓንዛ ብሰንኪ ናይ መግቢ ዘይምሕቃቕ ዝመጸ ይመስለኒ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደኒ ናብ ሓኪም ክኸይድ ሓሰብኩ። ሓንቲ መንፈሳዊት ሓብቲ ዝዀነት መስተውዓሊት መሓዛይ እቲ ቓንዛ ካብ ሓዘን እተላዕለ ክኸውን ከም ዝኽእል ነገረትኒ: ንየሆዋ ሓገዝን ምጽንናዕን ክህበኒ ኽልምኖ ድማ ኣተባብዓትኒ። ብኡንብኡ ነቲ ምኽራ ሰሚዐ ብልበይ ዓሚቝ ጸሎት ገበርኩ: ሓዘነይ ንኽጻወሮ የሆዋ ምእንቲ ኽሕግዘኒ ድማ ለመንኩዎ። የሆዋ እውን ሓጊዙኒ ኢዩ!” ኢለይን ክሕሻ ጀመረ: ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ እቲ ቓንዛ ፈጺሙ ጠፍኣላ።

ብፍላይ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ነተን ዝሓዘና መበለታት ብሕያውነት ክቐርብወን ይኽእሉ ኢዮም። ብሜላን ብምስትውዓልን ስሩዕ መንፈሳዊ ሓገዝን ምጽንናዕን ብምግባር: ነቲ ፈተናታት ሰጊረን ምስ የሆዋ ጸኒዐን ንኽመላለሳ ክሕግዝወን ይኽእሉ ኢዮም። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብስጋዊ መዳይ ንምሕጋዘን ምድላዋት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰሉ ደንገጽትን መስተውዓልትን ሽማግለታት ብሓቂ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 32:⁠2፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠1-3

ነባሪ ምጽንናዕ ካብቲ ሓድሽ ንጉስ ምድሪ

እቲ ቕድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመታት እታ ብዕድመ ዝደፍአት ሃና ርእያቶ እተሓጐሰት ሕጻን: ሕጂ ንጉስ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣሎ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ሓዘን ዘምጽእ መከራታት: አረ ንሞት እውን ከይተረፈ ከተወግዶ ኢያ። ኣብዚ መዳይ እዚ ራእይ 21:⁠3, 4 ከምዚ ትብል:- “እንሆ: ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ . . . ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ‘ንሰባት’ ከም እትምልከት ኣስተውዒልካዶ፧ እወ: ደቅሰብ ካብ ሞትን ሞት ዘምጽኦ ሓዘንን ጫውጫውን ሓራ ክዀኑ ኢዮም።

አረ ተወሳኺ ብስራት ኣሎ! መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ክትንስኡ ምዃኖም እውን ይመባጻዕ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ። . . . [ክትንስኡ እውን] እዮም።” (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ልክዕ ከምቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር: ሰብ ኰይኖም ደኣ እምበር መንፈሳውያን ፍጥረታት ኰይኖም ኣይኰኑን ዝትንስኡ። (ዮሃንስ 11:⁠43, 44) እቶም ብድሕሪኡ ‘ሰናይ ዝገብሩ’ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኽበጽሑ ኢዮም: የሆዋ ‘ኢዱ ኸፊቱ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ብምጽጋብ’ ዝገብሮ ኣባታዊ ሓልዮት ድማ ከስተማቕርዎ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 145:⁠16

እቶም ዘፍቅርዎ ሰብ ዝሞቶም እሞ ኣብዚ እተረጋገጸ ተስፋ እምነት ዘሕድሩ ሰባት ብዙሕ ምጽንናዕ ይረኽቡ ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠13) ስለዚ መበለት እንተ​ድኣ ዄንኪ እተፈላለየ ጾር ንኽትጾሪ ዘኽእለኪ ምጽንናዕ ኰነ ሓገዝ ንምርካብ ‘ከየባተኽኪ ጸልዪ።’ (1 ተሰሎንቄ 5:⁠17፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠7) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽትረኽቢ: ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ግዜ መድቢ። እዚ እንተ ገይርኪ ኸም መበለት መጠን ብዙሕ ፈተናታትን ብድሆታትን እኳ እንተ ኣጋጠመኪ: የሆዋ ሰላም ንኽትረኽቢ ብኸመይ ብሓቂ ኸም ዝሕግዘኪ ባዕልኺ ክትርእዪ ኢኺ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ጋዚ ምዃን ክበሃል ከሎ ኣብ ናይ ካልኦት ጕዳይ ንኸይትኣቱን ሓገዝ ከድሊ ኸሎ ድልዊ ዄንካ ንኽትጸንሕን ሚዛንካ ምሕላው ማለት ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሃና: እታ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት: ብኣምላኽ ተባሪኻ ኢያ