ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ

 ቀዳሞት ክርስትያናት ቅድሓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ኮዴክስ​—⁠ጥቕላል ዘይኰነስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ⁠-​ጽሑፍ​—⁠ብምጥቃም ናይ መጀመርታ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: እቶም ክርስትያናት ብኡንብኡ ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ገይሮም ኣየዳለውዎን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ገይርካ ብብዝሒ ንምሕታም ናይ መጀመርታ ኣገዳሲ ስጕምቲ እተወስደ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ብፍላቪየስ ካስዮዶራስ ኢዩ።

ፍላቪየስ ማግነስ ኦውረልየስ ካስዮዶራስ ኣብ ካላብርያ: ደቡባዊ ጫፍ ዘመናዊት ኢጣልያ: ካብ ሓንቲ ሃብታም ስድራ​ቤት ኣብ ከባቢ 485-​490 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተወሊዱ። እታ ሓውሲ⁠-​ደሴት መጀመርታ ብጀርመናውያን ድሕሪኡ ድማ ብባይዛንታይን ተታሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት ዕግርግር ዝመልኦ ታሪኽ ኢጣልያ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ወዲ 60 ወይ 70 ዓመት ምስ ኰነ ነቲ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ስኲለስ: ካላብርያ: ዝነበረ ቪቨርየም ዝበሃል ገዳምን ቤተ⁠-​መጻሕፍትን መስረተ።

ጥንቁቕ ኣዳላዊ መጽሓፍ ቅዱስ

ሓደ ካብቲ ንካስዮዶራስ ቀንዲ ዘገድሶ ዝነበረ ነገራት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ ምፍጣር ኢዩ ነይሩ። ፒተር ብራውን እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ በለ:- “ብኣረኣእያ ካስዮዶራስ ኵሉ ናይ ላቲን ስነ⁠-​ጽሑፋዊ ዓቕሚ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምትሕልላፍ ክውዕል ነይርዎ። ነቲ ክላሲካዊ ጽሑፋት ንምጽናዕን ንምቕዳሕን ዝውዕል ዝነበረ ዅሉ መሳለጥያታት ቅዱሳት ጽሑፋት ንምርዳእን ብውሕልነት ንምቕዳሕን ክውዕል ነይርዎ። እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ በጺሑ ዝነበረ ቋንቋ ላቲን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓቢ ጽልዋ ንኽህልዎ ትጽቢት ነይሩ ኢዩ።”

ካስዮዶራስ ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ንምንጽጻር ኣብቲ ቪቨርየም ዝበሃል ገዳም ተርጐምትን ክኢላታት ሰዋስውን ኣከበ። ነዚ ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትት ዕዮ ድማ ባዕሉ መርሖ። ነቲ ስራሕ ንውሑዳት ምሁራት ሰባት ጥራይ ሕድሪ ሃቦም። እዚኣቶም ነቲ ጌጋ ዝመስል ነገራት ቀልጢፎም ጌጋ ኢሎም ከይድምድሙ ክጥንቀቑ ነበሮም። ብዛዕባ ሰዋስው ገለ ሕቶ ምስ ዝለዓል ነቲ ሽዑ ተቐባልነት ዝነበሮ ናይ ላቲን ኣገባብ ሰዋስው ዘይኰነስ ነቲ ጥንታዊ ኢደ⁠-​ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝለዓለ መወከሲ ገይሮም ክወስድዎ ነበሮም። ካስዮዶራስ ከምዚ ኢሉ መምርሒ ሃበ:- “ሰዋስዋዊ ፍሉይነት . . . ክዕቀብ ኣለዎ: ከመይሲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ብልሹው ክኸውን የብሉን። . . . ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገባብ ኣገላልጻ: ውስጠዘ: ከምኡውን ቍንቍኝኣዊ ኣዘራርባታት በቲ ናይ ላቲን መዐቀኒታት ክረአ ኸሎ ፈጺሙ ሓድሽ እንተ​ዀነ እውን: ልክዕ ከምቲ ብሕታዊ ኣስማት ‘እብራይስጢ’ ክዕቀብ ኣለዎ።”​—⁠ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል

ኮዴክስ ግራንድየር

እቶም ኣብ ገዳም ቪቨርየም ዝነበሩ ጸሓፍቲ እንተ ወሓደ ሰለስተ ቕዳሓት ናይ ላቲን መጽሓፍ ቅዱስ ከዳልዉ ተመዘዙ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ትሽዓተ ጥራዛት ኰይኑ ምናልባት ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ ካልኣይ ዘመን ብዝነበረ ጥንታዊ ቛንቋ ላቲን እተዳለወ ትርጕም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኻልኣይ ሕታም ድማ ነቲ ጀሮም ኣብ ከባቢ መጀመርታ ሓምሻይ ዘመን ዝወድኦ ናይ ላቲን ቩልጌት ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ኮዴክስ ግራንድየር ማለት “ዝዓበየ ኮዴክስ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሳልሳይ ድማ ካብ ሰለስተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት እተወስደ ኢዩ። እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ጥራዝ ከም ዝኸውን ዝገበረ ኢዩ።

ናይ ላቲን መጽሓፍ ቅዱስ ፓንዴክተ ብዝብል ስም ኣብ ሓደ ንጽል ጥራዝ ብምግባር ዝመጸ ካስዮዶራስ ናይ መጀመርታ ኢዩ ዝመስል። a ብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ምግባር ነቲ ግዜ ዝወስድ እተፈላለየ ጥራዛት ናይ ምግንጻል ተግባር ዘወግድ ብምዃኑ ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ምዃኑ ተረዲኡ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።

ካብ ደቡባዊ ኢጣልያ ናብ ደሴታት ብሪጣንያ

ደድሕሪ ሞት ካስዮዶራስ (ኣብ ከባቢ 583 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝኸውን) ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ “ዝዓበየ ኮዴክስ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዳሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክግዕዝ ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ቪቨርየም ዝነበረ ጽሑፋት ናብቲ ኣብ ሮማ ዝነበረ ላተራን ዝበሃል ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ግዒዙ ኸም ዝነበረ ኢዩ ዝንገር። ኣብ 678 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ ኣንግሎ ሳክሰን ኣበ⁠-​ገዳም ቼልፍረይድ ካብ ሮማ ናብ ዓዱ ኽምለስ ከሎ ኢዩ ነቲ ኮዴክስ ናብ ደሴታት ብሪጣንያ ተማሊእዎ ክኸውን ዝኽእል። በዚ ኸምዚ ኣብቲ ዊርማውዝን ጃሮውን ዝበሃል ገዳማት ኣተወ። ሕጂ ኖርታምብርያ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ ብቼልፍረይድ ዝምራሕ ዝነበረ ኢዩ።

እታ ኣብ ንጽል ጥራዝ ዝነበረት ናይ ካስዮዶራስ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀመላ ምችእቲ ብምንባራ ንቼልፍረይድን ምስኡ ዝነበሩ ፈለስትን ስሒባቶም ክትከውን ኣለዋ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ ሰለስተ ካልእ ንጽል ጥራዛት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳለዉ። ካብዚኣተን ክሳዕ ሕጂ ዘላ እታ ኮዴክስ ኣምያቲኑስ እትበሃል ዓባይ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ኢያ። ነፍሲ ወከፉ 51 ብ33 ሰንቲ ሜትር ዝኸውን 2,060 ገጻት ዘለዋ ብራና ኢያ ነይራ: ምስ ገበራ ሓዊስካ ርጕዳ 25 ሰንቲ ሜትር: ክብደታ ድማ ልዕሊ 34 ኪሎ ግራም ኢያ። እዚ ብቛንቋ ላቲን ኣብ ሓንቲ ጥራዝ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተረኽበ ኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ውሩይ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ፌንቶን ጀይ. ኤ. ሆርት ነቲ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ብ1887 ከም ዝፍለጥ ገበሮ። ሆርት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “እዛ መስተንክር [ኢደ⁠-​ጽሕፍቲ] ነዚ ሕጂ ዘሎ ተዓዛቢ እውን ከይተረፈ ዳርጋ ኣዝዩ ዘደንጹ ጦብላሕታ ኢያ እተሕድረሉ።”

ናብ ኢጣልያ ምምላስ

እቲ ካስዮዶራስ ዘዳለዎ ናይ መጀመርታ ኮዴክስ ግራንድየር ሕጂ የለን። እቲ ብድሕሪኡ እተዳለወ ናይ ኣንግሎ ሳክሰን ሕታም: ኮዴክስ ኣማቲኑስ ግን ምስ ተወድአ ብኡንብኡ ናብ ኢጣልያ ኽምለስ ጕዕዞ ጀመረ። ቼልፍረይድ ቀቅድሚ ሙማቱ ናብ ኢጣልያ ክምለስ ወሰነ። ንጳጳስ ግሪጎሪ ካልኣይ ህያብ ንኽህቦም ድማ ሓንቲ ኻብተን ዘዳለወን ሰለስተ ናይ ላቲን ኢደ⁠-​ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምስኡ ተማልአ። ቼልፍረይድ ግን ኣብ ጕዕዞ ኸሎ ብ716 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ላንግረስ: ፈረንሳ: ሞተ። መጽሓፍ ቅዱሱ ግን ምስቶም ካልኦት ተጓዓዝቲ ቐጸለ። ጸኒሓ እታ ኢደ⁠-​ጽሕፍቲ ኣብቲ ኮዴክስ ኣምያቲኑስ ተባሂላ እተጸዋዓትሉ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ ዝነበረ ገዳም እምባ ኣምያታ ዝርከብ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ተጠቓለለት። እታ ኢደ⁠-​ጽሕፍቲ ብ1782 ናብቲ ኣብ ፍሎረንስ: ኢጣልያ: ዘሎ ሜዲስያን ላውሬንሽያን ዝበሃል ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ገዓዘት: ኣብኡ ድማ ሓንቲ ኻብተን ናይቲ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ክቡር ንብረት ኰነት።

እዚ ኮዴክስ ግራንድየር እተባህለ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ሕጂ ምሳና ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ ካብቲ ካስዮዶራስ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ጸሓፍትን ሓተምትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ገይርካ ምሕታም ክመርጹ ጸኒሖም ኢዮም። ክሳዕ ሕጂ እውን መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መልክዕ እዚ ብምህላዉ ሰባት ብቐሊሉ ክውከስዎ: በዚ ድማ ካብቲ ኣብ ህይወቶም ዘሕድሮ ጽልዋ ክጥቀሙ ኣኽኢልዎም ኢዩ።​—⁠እብራውያን 4:​12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ግሪኽ ክዝውተር ዝጀመረ ካብ ራብዓይ ወይ ሓሙሻይ ዘመን ኣትሒዙ ኢዩ ዝመስል።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጕዕዞ “ኮዴክስ ግራንድየር  

ገዳም ቪቨርየም

ሮማ

ጃሮው

ዊርማውዝ

ጕዕዞ “ኮዴክስ ኣምያቲኑስ  

ጃሮው

ዊርማውዝ

እምባ ኣምያታ

ፍሎረንስ

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ላዕለዋይ:- “ኮዴክስ ኣምያቲኑስ ” ጸጋማይ:- ኣብ “ኮዴክስ ኣምያቲኑስ” ዘሎ ስእሊ እዝራ

[ምንጪ ስእሊ]

Biblioteca Medicea Laurenziana, Firenze