ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስቲ ሕጉስ ኣምላኽ ተሓጐስ

ምስቲ ሕጉስ ኣምላኽ ተሓጐስ

ምስቲ ሕጉስ ኣምላኽ ተሓጐስ

“ብዝተረፈስ: ኣሕዋተየ: ተሐጐሱ: . . . ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ”​—⁠2 ቈረንቶስ 13:⁠11

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ኣብ ናብራ ህይወቶም ዘይሕጐሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ሓጐስ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢና ከነማዕብሎ እንኽእል፧

 ኣብዘን ጽንኩራት መዓልትታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሕጐሱ ዝገብሮም ምኽንያት የብሎምን። ንዓታቶም ይኹን ንሓደ ዘፍቅርዎ ሰብ ዘሕዝን ኵነታት ከጋጥሞም ከሎ ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ እዮብ እተሰምዖ ኢዩ ዝስምዖም። ንሱ ኸምዚ በለ:- “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ።” (እዮብ 14:⁠1) ክርስትያናት በቲ ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ዘጋጥም ጸቕጥታትን ሽግርን ክትንከፉ ዘይክእሉ ሰባት ኣይኰኑን። ስለዚ ሓድሓደ ግዜ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተስፋ እንተ ቘረጹ ዘገርም ኣይኰነን።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

2 ክርስትያናት ፈተና ኣብ ዘሕልፉሉ ግዜያት እውን ከይተረፈ ሕጉሳት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠40, 41) እዚ ኸመይ ኢሉ ከም ዝከኣል ንምርዳእ: መጀመርታ ሓጐስ እንታይ ምዃኑ ንርአ። ሓጐስ “ብዝረኸብካዮ ወይ ብእትጽበዮ ሰናይ ነገር ዝለዓል ስምዒት” ዝብል መግለጺ ተዋሂብዎ ኣሎ። a በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: በቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክንረኽቦ እንጽበዮ በረኸታት እናስተንተንና ነቲ ሕጂ እንረኽቦ ዘሎና በረኸታት ግዜ ወሲድና ኣዕሚቝና እንተ​ድኣ ሓሲብናሉ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።

3. ኵሉ ሰብ ከሐጕሶ ዝኽእል እንተ ወሓደ ገለ ምኽንያታት ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

3 ኵሉ ሰብ ከመስግነሉ ዝኽእል ገለ በረኸታት ኣለዎ። ሓደ ርእሲ ስድራ​ቤት ካብ ስራሕ ክወጽእ ይኽእል ኢዩ። ክሻቐል ከኣ ባህርያዊ ኢዩ። ነቶም ዘፍቅሮም ኣባላት ስድራ​ቤቱ ዘድልዮም ነገራት ከዳልወሎም ይደሊ ኢዩ። ይኹን እምበር: ድልዱልን ምሉእ ጥዕና ዘለዎን እንተ​ድኣ ዀይኑ ብእኡ ኸመስግን ይኽእል ኢዩ። ስራሕ እንተ​ድኣ ረኺቡ ኸኣ ብህርኩትና ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ካልእ ኣብነት ድማ ሓንቲ ክርስትያን ዘማስን ሕማም ክትሓምም ትኽእል ኢያ። ይኹን እምበር: ነቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ዘለዋ ግቡእ ክብሪ ኸየጥፍአት ንሕማማ ብጽንዓት ንኽትዋጽኣሉ ዝሕግዝዋ ፈቃራት ፈተውትን ኣባላት ስድራ​ቤታን ተማስወሎም ኢያ። ኵነታቶም ብዘየገድስ ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ “ሕጕስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋን ነቲ “ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ” የሱስ ክርስቶስን ብምፍላጦም ዝረኸብዎ መሰል የማስውሉ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW   6:⁠15) እወ: የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣዝዮም ሕጉሳት ኢዮም። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ካብቲ የሆዋ ብመጀመርታ ዕላማ ገይርሉ ዝነበረ እተፈልየ እኳ እንተ​ዀነ ሓጐሶም ዓቂቦም ክቕጽሉ ግን ክኢሎም ኢዮም። እቲ ዝገደፉልና ኣብነት ብኸመይ ሓጐስና ዓቂብና ክንነብር ከም እንኽእል ብዙሕ ትምህርቲ ኽህበና ይኽእል ኢዩ።

ሓጐሶም ፈጺሞም ኣየጥፍኡን

4, 5. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ክዓልዉ ኸለዉ የሆዋ እንታይ መልሰ⁠-​ግብሪ ኣርኣየ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ደቅሰብ ዘለዎ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዙ ዝቐጸለ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ፍጹም ጥዕናን ኣእምሮን ረኺቦም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ውጽኢት ዝረኽብሉ ዘዕግብ ዕዮን ዝዓይሉ ባህ ዘብል ኣከባብን ኢዩ ነይርዎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ስርዓታውያን ኰይኖም ናይ ምርኻብ መሰል ነይርዎም ኢዩ። መጻኢኦም ዘሐጕስ ክኸውን ከኣ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ግን በዚ ዅሉ ሰናይ ውህበታት እዚ ኣይዓገቡን። ካብቲ ኽልኩል ፍረ ናይታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ሰረቑ። ኵሉ እዚ ንሕና ዘርኦም እነሕልፎ ዘሎና ዘየሐጕስ ኵነታት ከኣ ብሰንኪ እዚ ዘይምእዛዝ እዚ ኢዩ መጺኡ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠15-17፣ 3:⁠6፣ ሮሜ 5:⁠12

5 ይኹን እምበር: የሆዋ ብሰንኪ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘንጸባረቕዎ ናይ ዘይምምስጋን ባህሪ ሓጐሱ ከጥፍእ ኣይፈቐደን። እንተ ገደደ ገለ ሒደት ካብ ዘርኦም ንኸገልግልዎ ብልቦም ክድረኹ ምዃኖም ይተኣማመን ነይሩ ኢዩ። ኣዝዩ ኻብ ምትእምማኑ እተላዕለ እኳ ገና ናይ መጀመርታ ውላዶም ከይወለዱ ኸለዉ ነቶም እዙዛት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንኽብጀዎም ዕላማ ኸም ዘለዎ ኣፍሊጡ ኢዩ! (ዘፍጥረት 1:⁠31፣ 3:⁠15) ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘመናት: መብዛሕትኦም ሰባት ኣስኣሰር ናይቶም ቀዳሞት ወለዶም ኣዳምን ሄዋንን እኳ እንተ ሰዓቡ የሆዋ ግን ብምኽንያት እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ኵሉ ዘስፋሕፍሐ ዘይምእዛዝ ንሰብኣዊ ስድራ​ቤት ኣይነጸጎን። ኣብ ክንድኡ ግን ቈላሕትኡ ኣብቶም ስለ ዘፍቅርዎ ከሐጕስዎ ኢሎም ናይ ሓቂ ጻዕሪ ዝገብሩ ‘ንልቡ ዘሐጕሱ’ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዩ ገይሩ።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11፣ እብራውያን 6:⁠10

6, 7. ንየሱስ እሙን ክኸውን ዝሓገዞ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

6 የሱስከ ንሓጐሱ ብኸመይ ኢዩ ዓቂብዎ፧ ኣብ ሰማይ ዝነብር ሓያል መንፈሳዊ ፍጥረት ብምዃኑ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ዝገብርዎ ንጥፈታት ክዕዘብ ምሉእ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይርዎ። ዘይፍጽምንኦም ግሁድ እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ግን ኣፍቀሮም ድኣ። (ምሳሌ 8:⁠31) ድሕሪ ገለ ግዜያት ኣብ ምድሪ መጺኡ ምስ ሰባት ‘ክነብር ከሎ’ ብዛዕባ ደቅሰብ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኣይተቐየረን። (ዮሃንስ 1:⁠14 NW  ) ነቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ሓጥእ ስድራ​ቤት ወድሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ከም ዘሕድር ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧

7 ቅድም ቀዳድም የሱስ ካብ ገዛእ ርእሱን ካብ ካልኦትን ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ትጽቢት ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። ንዓለም ከም ዘይቅይራ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:⁠32-39) ስለዚ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣወንታዊ ምላሽ ዝህበሉ ሓደ ቅኑዕ ሰብ ክረክብ ከሎ ይሕጐስ ነይሩ ኢዩ። እቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮም ኣካይዳን ባህርን ኵሉ ግዜ ዘየዕግብ እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ግን ብልቦም ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ናይ ሓቂ ድሌት ከም ዝነበሮም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: በዚ ድማ ኣፍቀሮም። (ሉቃስ 9:⁠46፣ 22:⁠24, 28-32, 60-62) የሱስ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዝገበርዎ ተግባራት ጸሚቑ ከቕርቦ ኸሎ “ቃልካውን ሐለዉ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠6

8. ሓጐስና ብምዕቃብ ዝመጸ ንየሆዋን የሱስን ክንቀድሓሉ እንኽእል ገለ መገድታት ጥቐስ።

8 ኵልና ነቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን በዚ መዳይ እዚ ዝገደፉልና ኣብነት ኣጸቢቕና እንተ​ድኣ ሓሲብናሉ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ምናልባት ነገራት ከምቲ ተስፋ ዝገበርናሉ ዀይኑ እንተ​ድኣ ዘይተረኺቡ እምብዛ ብዘይ​ምጭናቕ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንመስሎዶ ምኸኣልና፧ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎና ዅነታት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ብምዕቃብ ከምኡውን ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ ካልኦትን ኣብ እንገብሮ ትጽቢት ምኽንያታውያን ብምዃን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጠቢቕና ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ምኸኣልናዶ፧ ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እውን ተግባራዊ ብዝዀነ መገዲ ኽውዕል ይኽእል ኢዩ። ግራት ኣገልግሎት ኣብ ልቢ እቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ቀናኣት ክርስትያናት ክቡር ኢዩ።

ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃልኹም

9. ኤርምያስ ሓጐሱ እተመልሰሉ ብኸመይ ኢዩ: ኣብነቱኸ ብኸመይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧

9 የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ሕጉሳት ክንከውን ኢዩ ዝደልየና። ሓጐስና ኣብቲ እንረኽቦ ውጽኢት እተመርኰሰ ክኸውን የብሉን። (ሉቃስ 10:⁠17, 20) ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ሓደ ፍረ ዘይርከቦ ዞባ ንዓመታት ሰቢኹ ኢዩ። ኣብ ኣሉታዊ ምላሽ ናይቶም ህዝቢ ከተኵር ምስ ጀመረ ሓጐሱ ኣጥፍአ። (ኤርምያስ 20:⁠8) ኣብ ቁም ነገር ናይቲ መልእኽቲ ምስ ኣስተንተነ ግን ሓጐሱ ተመልሰ። ኤርምያስ ንየሆዋ ከምዚ በሎ:- “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት: ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ: ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።” (ኤርምያስ 15:⁠16) እወ: ኤርምያስ በቲ ረኺብዎ ዝነበረ ቃል ኣምላኽ ናይ ምስባኽ መሰል ተሓጒሱ ኢዩ። ንሕናውን ብእኡ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና።

10. ኣብዚ እዋን እዚ ዞባና ፍርያም እኳ እንተ ዘይኰነ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ሓጐስ ክንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ዝበዝሑ ሰባት ነቲ ብስራት ዘይሰምዕዎ እኳ እንተ ዀኑ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንጽመድ ከሎና ሕጉሳት ክንኰነሉ እንኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። የሆዋ ገለ ኻብ ደቅሰብ ንኸገልግልዎ ከም ዝድረኹ ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚኑ ከም ዝነበረ ዘክር። ንሕናውን ከም የሆዋ እንተ ወሓደ ገለ ሰባት ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ብድሆ ተገንዚቦም ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ክሰምዕዎ ኢዮም ዝብል ተስፋ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይንውዓል። ኵነታት ሰባት ዝቀያየር ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን። እቲ ብቕሳነት ዝነብር ዝነበረ ሰብ እኳ ኸይተረፈ ዘይተጸበዮ ዕንወት ወይ ቅልውላው ምስ ዘጋጥሞ: ትርጕም ህይወት ከተሓሳስቦ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ‘መንፈሳዊ ድሌቱ ንምምላእ ንቑሕ’ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ክትሕግዞ ዲኻ፧ (ማቴዎስ 5:⁠3 NW  ) መን ይፈልጥ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ኣብ ዞባኻ ምስ እትኸይድ ንኽሰምዓካ ድሉው ዝዀነ ሰብ ትረክብ ትኸውን!

11, 12. ኣብ ሓንቲ ኸተማ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ: ካብኡኸ እንታይ ኢና ኽንማሃር እንኽእል፧

11 ኵነታት ዞባና እውን ክቕየር ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣብነት ንርአ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ውሉዳት ዘለዉዎም ኣብ ንሓድሕዶም ዝቀራረቡ እተፈላለዩ ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ይነብሩ ነበሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዝበጽሕዎም ኣብ ኵሉ ኣባይቲ “ኣይንደልን ኢና!” ዝብል ሓደ ዓይነት ምላሽ ይህቡ ነበሩ። ሓደ ሰብ ኣብ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት እንተ​ድኣ ኣርእዩ እቶም ጐረባብቲ ከይተሓለሉ ነቲ ሰብ እንደገና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይራኸብ ይገብርዎ ነበሩ። ኣብቲ ኸባቢ ኽትሰብኽ ኣጸጋሚ ምንባሩ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይተሓለሉ ስብከቶም ቀጸሉ። እንታይ ፍረኸ ረኸቡ፧

12 ድሕሪ ገለ ግዜ መብዛሕትኦም ቈልዑ እታ ኸተማ ዓብዮም ተመርዓዉ: ሓዳሮም ድማ ወጹ። ኣነባብራኦም ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዘየምጽአ ብምግንዛብ ከኣ: ገለ ኻብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ንሓቂ ኽደልይዋ ጀመሩ። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰበኹሎም ብስራት ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ሃብሉ ድማ ነታ ዝደልይዋ ዝነበሩ ሓቂ ረኸብዋ። ስለዚ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እታ ንእሽቶ ጉባኤ ኽትዓቢ ጀመረት። እቶም ዘይተሓለሉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ! ንሕናውን ነቲ ግርማ ዝመልኦ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ከይተሓለልና ብምስባኽ ሓጐስ ንርከብ!

ኣመንቲ ብጾት ክድግፉኻ ኢዮም

13. ተስፋ ኽንቈርጽ ከሎና ናብ መን ኢና ቊሊሕ ክንብል ዘሎና፧

13 ጸቕጥታት ወይ መዓት ምስ ዝወርደካ ካበይ ኢኻ ምጽንናዕ ክትረክብ እትኽእል፧ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ መጀመርታ ናብ የሆዋ ብጸሎት ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ክርስትያናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኢዮም ዝቐርቡ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበርሉ ደገፍ ኣርዚኑ ኢዩ ርእይዎ። ድሮ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት “ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም” ኢሉ ተዛሪብዎም ኢዩ። (ሉቃስ 22:⁠28) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲኣቶም ዘይፍጹማት ኢዮም ነይሮም: እቲ ዝነበሮም ተኣማንነት ግን ንወዲ ኣምላኽ ምጽንናዕ ኢዩ ዀይንዎ። ንሕናውን ካብ ኣሕዋትና ሓይሊ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

14, 15. ሰብኣይን ሰበይትን ወዶም ምስ ሞቶም ነቲ ሓዘን ብኸመይ ተዋጺኦምሉ: ካብ ተመክሮኦምከ እንታይ ኢኻ ክትማሃር እትኽእል፧

14 ሚሸልን ዳይንን እተባህሉ ክርስትያናት ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝህብዎ ደገፍ ክሳዕ ክንደይ ክጠቅም ከም ዝኽእል ክግንዘቡ ኽኢሎም ኢዮም። ድልዱል ኣካላትን ብሩህ ተስፋን ዝነበሮ ጆናታን ዝበሃል ወዲ 20 ዓመት ወዶም ሕክምናዊ መርመራ ምስ ገበረ ኣብ ኣእምሮኡ ጽቂ ኸም ዝወጾ ተፈልጠ። እቶም ሓኻይም ንኸሕውይዎ ብቘራጽነት ምሉእ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: ጆናታን ግን ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት ኣካላቱ እናደኸመ ኸደ እሞ ዓረፈ። ሚሸልን ዳይንን ብጓሂ ተዋሕጡ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ናብ ምውዳእ ገጹ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን ብዙሕ ምጽንናዕ ደልዮም ስለ ዝነበሩ ነቲ ምስኦም ዝነበረ ሽማግለ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኸሰንዮም ሓተትዎ። እታ ጉባኤ ብዛዕባ ሞት ጆናታን ክትንገርን ኣብቲ ኣደራሽ ኽበጽሑን ሓንቲ ዀነ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ዝበኽዩ ዝነበሩ ወለዲ ኽብብ ኢሎም እናሓቘፉ የጸናንዕዎም ነበሩ። ዳይን ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ ኣደራሽ ክንበጽሕ ኸሎና ብጓሂ ተዋሒጥና እኳ እንተ ነበርና እቶም ኣሕዋት ግን ኣየ ከመይ ዝበለ ምጽንናዕ ኰን ኢዮም ዝሃቡና! ንመንፈስና ኣሐዲሶምዎ ኢዮም! ሽሕኳ ነቲ ዝስምዓና ዝነበረ መሪር ጓሂ ኸልግሱልና እንተ ዘይከኣሉ: ነቲ ወሪዱና ዝነበረ ከቢድ ኵነታት ብትብዓት ክንዋጽኣሉ ሓጊዞሙና ኢዮም!”​—⁠ሮሜ 1:⁠11, 12፣ 1 ቈረንቶስ 12:⁠21-26

15 እቲ ንሚሸልን ዳይንን ዝበጽሖም መከራ ናብ ኣሕዋቶም ከም ዝቐርቡ ገይርዎም ኢዩ። ኣብ ንሓድሕዶም እውን ከም ዝቀራረቡ ገይርዎም ኢዩ። ሚሸል ከምዚ ይብል:- “ነዛ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ዝያዳ ክሕብሕባ ተማሂረ ኢየ። ተስፋ ምቝራጽ ክስምዓና ኸሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቅን የሆዋ ንኸዐንግለና ኢሉ ዝጥቀመሉ መገድታትን ንሓድሕድና ንዘራረብ ኢና።” ዳይን ድማ “ሎሚ ንዓና ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑልና ኣሎ” ትብል።

16. ተበግሶ ወሲድና ንኣሕዋትና ሽግርና ኽንገልጸሎም ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

16 እወ: ኣብ ህይወትና ዘጸግም ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ‘ብምጽንናዕ’ ሓጐስና ኽንዕቅብ ክድግፉና ይኽእሉ ኢዮም። (ቈሎሴ 4:⁠11) ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ኸንብብዎ ኸም ዘይክእሉ ርግጽ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ደገፍ ምስ ዘድልየና ሽግርና ኽንገልጸሎም የድሊ። ድሕርዚ ኣሕዋትና ንዝገብሩልና ዝዀነ ይኹን ምጽንናዕ ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ገይርና ብምውሳድ ናይ ሓቂ ሞሳና ኽንገልጸሎም ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳሌ 12:⁠25፣ 17:⁠17

ኣብ ጉባኤኻ ተዓዘብ

17. ሓንቲ ንጽል ኣደ ከመይ ዝበለ ብድሆታት ኢዩ ኣጋጢምዋ: ንኸምኣ ዝኣመሰላ ኣሓትከ ብኸመይ ኢና እንምልከተን፧

17 ንኣመንቲ ብጾትካ ኣጸቢቕካ ብዝፈለጥካዮም መጠን ዝያዳ ከተማስወሎም: ምስኦም ብምሕባርካ ኸኣ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ጉባኤኻ ተዓዘብ። እንታይ ኢኻ እትርኢ፧ ደቃ ብመገዲ ሓቂ ኸተዕቢ እትቃለስ ብዘይ​ በዓል እንዳ እትነብር ሓብቲ ኣላዶ፧ ነቲ ሰናይ ኣብነታ ኣጸቢቕካዶ ሓሲብካሉ ትፈልጥ ኢኻ፧ ገለ ኻብቲ ዘጋጥማ ግድላት እንታይ ምዃኑ ክትግምት ፈትን። ሓንቲ ንበይና ደቃ እተዕቢ ጃኒን እተባህለት ኣደ ገለ ካብዚ ጸገማት እዚ ከም ጽምዋ: ካብቶም መሳርሕታ ደቂ ተባዕትዮ ዝቐርበላ ዘይትደልዮ ዕድመ: ሕጽረት ገንዘብ ዝኣመሰለ ምዃኑ ጠቒሳ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ፍሉይ ስለ ዝዀነ ናይ ደቃ ስምዒታዊ ድሌት ምምላእ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዕንቅፋት ኰይንዋ ነበረ። ጃኒን ካልእ ግድል ከም ዘለዋ እውን ከምዚ ብምባል ትጠቅስ:- “ንእተፈለየካ በዓል ቤት ምእንቲ ኽትክኦ ንወድኻ ርእሲ ናይቲ ስድራ​ቤት ክትገብሮ ዝስምዓካ ስምዒት ምስናፍ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ጓል እውን ኣላትኒ: ንዅሉ ጸገማተይ ብምክፋል ጾር ክገብረላ የብለይን ኢለ ክሓስብ ከኣ ቀሊል ኣይኰነን።” ከምቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ንጽል ወለዲ: ጃኒን እውን ምሉእ መዓልቲ እናሰርሐት ኢያ ስድራ​ቤታ እትናቢ። ብዘይ​ዚውን ምስ ደቃ ዀይና መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ: ነገልግሎት ተለማምዶም: ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከኣ ትወስዶም። (ኤፌሶን 6:⁠4) እዛ ስድራ​ቤት እዚኣ ንጽህናኣ ንምሕላው ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ኣብ መመዓልቲ ኽዕዘባ ኸሎስ ኽንደይ ኰን ኢዩ ዝሕጐስ! ከምኣ ዝኣመሰላ ኣሓት ኣብ ማእከልና ምህላወንሲ ንልብና ዘሐጕስዶ ኸይኰነ፧ እወ ብርግጽ።

18, 19. ንኣባላት እታ ጉባኤ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነዕምቘ ከም እንኽእል ብኣብነት ግለጽ።

18 እንደገና ኣብ ጉባኤኻ ተዓዘብ። ካብ ጉባኤ ‘ኣብኲሮም’ ዘይፈልጡ ናይ መርዓ ብጾቶም ዝሞትዎም ኣሕዋት ወይ ኣሓት ትርኢ ትኸውን። (ሉቃስ 2:⁠37 NW ) ሓድሓደ ግዜ ጽምዋ ይስምዖምዶ ኢዩ፧ እወ ይስምዖም ኢዩ። ናይ መርዓ ብጻዮም ኢዩ ተፈልይዎም! ይኹን እምበር: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ብምዃን ኣብ ካልኦት ብሕታዊ ተገዳስነት የርእዩ ኢዮም። እቲ ጽኑዕን ኣወንታውን ኣመለኻኽታኦም እታ ጉባኤ ንዘለዋ ሓጐስ ይውስኸሉ ኢዩ! ሓንቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘገልገለት ክርስትያን ሓብቲ ኸምዚ በለት:- “ብዙሕ ፈተናታት ዘሕለፉ ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ገና ብተኣማንነት ንየሆዋ ከገልግልዎ ምርኣይ ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ሓጐሰይ ኢዩ!” እወ: ኣብ ማእከልና ዘለዉ ዓበይቲ ክርስትያናት ነቶም ንኣሽቱ ዓቢ ምትብባዕ ኢዮም ዝዀንዎም።

19 ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ጉባኤ ክሓብሩ ዝጀመሩ ሓደስቲኸ እንታይ ኢዩ ኽበሃል ዝከኣል፧ እምነቶም ኣብ ኣኼባታት ክገልጹ ኸለዉ ኣይንነቓቓሕንዶ ኢና፧ ብዛዕባ እቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም ዝገበርዎ ዕቤት እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሆዋ ብኣታቶም ኣጸቢቑ ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ። ንሕናኸ ሕጉሳትዶ ኢና፧ ስለቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብምንኣድ ከም እንድግፎም ንገልጸሎምዶ ኢና፧

20. ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ምርዑው ዲኻ: ንጽል: ወይስ ብዘይ​ በዓልቲ እንዳ ደቅኻ እተዕቢ ወላዲ ኢኻ፧ ብዘይ​ ኣቦ ወይ ብዘይ​ ኣደ ዲኻ እትነብር: ወይስ በዓልቲ እንዳኻ ዝሞተትካ ኢኻ፧ ኣብ ጉባኤ ካብ እትሓብር ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ ዲኻ ወይስ ቀረባ ግዜ ኢኻ ጀሚርካ፧ እቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ኣብነትካ ንዅላትና ዘተባብዕ ምዃኑ ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። ምሳና ሓቢርካ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ክትዝምር ከሎኻ: ሓሳብ ክትህብ ወይ ከኣ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ቤት ትምህርቲ ኽፍሊ ኸተቕርብ ከሎኻ ተሳትፎኻ የሐጕሰና ኢዩ። ካብዚ ብዝያዳ ግን ንልቢ የሆዋ ዘሐጕስ ኢዩ።

21. እንታይ ንምግባር ኢዩ ብዙሕ ምኽንያታት ዘሎና: እንተ​ዀነ ግን ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

21 ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ ግዜያት እውን ከይተረፈ ነቲ ሕጉስ ኣምላኽና ብምምላኽ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ጳውሎስ “ተሐጐሱ . . . ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” ብምባል ንዝሃበና መተባብዒ ኣወንታዊ ምላሽ ክንህበሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 13:⁠11) ባህርያዊ ዕንወት: መስጐጕቲ: ወይ ከኣ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም ምስ ዝበጽሓናኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኴንናኸ ሓጐስና ዓቂብና ክንመላለስ ንኽእል ዲና፧ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ዓንቀጽ ብምምርማር ናይ ገዛእ ርእስኻ መደምደምታ ሃብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 2 ገጽ 119, 119, 119 ርአ።

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ሓጐስ ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ተዋሂብዎ ዘሎ፧

• ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምዕቃብ ሕጉሳት ኴንና ንኽንቅጽል ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

• ብዛዕባ ናይ ጉባኤና ዞባ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንምሓዝ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧

• ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን በየናይ መገድታት ኢኻ ከተማስወሎም እትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ክቕየሩ ይኽእሉ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት ጉባኤኻ ከመይ ዝበለ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጥሞም፧